ምስ መን ንሰርሕን ንዛመድን መርገጽና ንጹር እዩ

2017-10-15 19:00:35 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3092 times

ሰልፊ ሞክራሲ ህዝዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ለውጢ ቃልሲ ብሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ጥራይ ይዕመምዩ ዝብል እምነት ኣይጸነሖን ንመጻኢ’ውን ኣይህልዎን እዩ። ከም መተካእታ ድማ ኣብ ለውጢ ረብሓ ዘለዎን ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ጉጅለ ህግደፍ ዝተሰለፉን ሓይልታት ብሓባር ዝሰርሕሉ መድረኽ ምፍጣር ካብ ቅድም ዝሓዞ ምዃኑ ናይቶም ንሰዲህኤ ዘቖሙ ውድባት ተመኩሮ ኣብዚ መዳይዚ ዝምስክሮ እዩ። ቅድሚ ኮነ ድሕሪ ምምስራት ሰዲህኤ ዝነበረ ተመኩሮ ክንድህስስ እንከለና፡ ንዝምድና ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ብዝምልከት፡ ተመሳሳሊ ርኢቶ አለዎም ሓይልታት ክሳብ ምትሕንፋጽ ዝበጽሕ ስምረት ክገብሩ፡ ዝተወሰነ ፍልልያት ዘለዎም ከኣ ኣብቲ ዝሰማምዕሉ ነጥብታት ብሓባር እንዳሰርሑ ነቲ ፍልልያት ይጽብብዎ ኣብ ዝብል ዝተሰረተ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝወጸ እማመ ብሓባር ምስራሕ ሰዲህኤ እውን ነዚ እዩ ዘጉልሕ።

ናይዚ እምንቶዚ መሰረታዊ ትሕዝቶ ውድባትና ኣብ ኣድላይነት ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ ንኡስ ናይ ኣተገባብራ ሜላታት እንተዘይኮይኑ መሰረታዊ ፍልልይ ስለ ዘየብለን ብውሑዱ ኣብዚ ብሓባር ክሰርሓ ክበቕዓ ኣለወን ማለት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ዝርዝር ናይ ዝፈላለያሉ ሕጂ ከወግድኦ ስለ ዘይክእላ፡ ብዘይዕንቅፍ ኣገባብ ከም ፍልልይ ንሓዞ ዝብል ቃና ዘለዎ እዩ። ሰዲህኤ ክሳብ ሕጂ በዚ ተቐይዱ ዝኸይድን ካብዚ ወጻኢ ንካለኦት ግነዖት ዘይገብርን ካለኦት ግነዖት ክገብርሉ ዘይጽበን እዩ።

ኩልና ከምዘይንስሕቶ ኣብዚ ዓለምና ናብ ንእሽቶ ቁሸት ዝተቀይረትሉ መዋእል፡ ኣይኮነንዶ ንሕና ውሱን ዝዓቕምናን ተሰማዕነትናን ካለኦት ኣካላት እውን ብዘይምትሕግጋዝ ኣይነብሩን እዮም። እቲ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ግና ከምቲ ኩሉ መዳያት ቃልሲ ብግቡእ ተቐሪጹ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ወይ ቅዋም ክሰፍር ናይ ግድነት እዩ። በዚ መንጽር ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ፡ ካብቲ ነዚ ዝምልከት ሰፊሕ ዝርዝር9.1.3 ምስ ኵለን ሃገራት፡ ኣብ ሕድሕድ ረብሓታት፡ ምክብባርን ጣልቃ ዘይምትእትታውን፡ ዓለም-ለኻዊ ውዕላት ምኽባርን ዝተሰረተ ዝምድናታት ምፍጣር፤”ዝብል ምሉእ ሓሳብ ሰፊሩ ንረክብ። ሃገራት ብተፈላለዩ መንቀልታት ኣብ ጉዳይ ሓደ ሃገር ዝተፈላለየ ጽልዋ ክህልወን ናይ ግድን እዩ። ንኣብነት ብጉርብትና። እንተኾነ እቲ ሕመረት ዝምድና ሰዲህኤ ምስ ርሑቕ ይኹን ምስ ቀረባ ካብዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቐሰ ዝወጽእ ኣይኮነን። ካብቶም ነዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ፍሉይ ዝግብርዎ ረቛሕታት ኣብ ሃገርና ፍሉይ ርኢቶና ዓቂብና ተወዲብና ክንቃለስ ዘይምኽኣልና እዩ። ናይዚ ቀንዲ ጠንቂ ድማ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ ነዚ ስለ ዘይጸውር እዩ። ስለዚ እቲ ቃልሲ ግድን ካብ ኮነ እሞ ኣብ ሃገርና ናይ ምውዳብ መሰል ካብ እተሓረመና ካብ ኤርትራ ወጻኢ ተወዲብና ክንቃለስ ግድን እዩ። ከምኡ ከኣ ንገብር ኣለና። ኣበይ ኮይና ንቃለስ  ብናትና ድሌት ጥራይ ዝውሰን ዘይኮነ ጽቡቕ ድሌት ናይተን ዝመረጽናየን ሃገራት’ውን እንተተሓዊስዎ እዩ። እተን ሃገራት እውን ነቲ ህላወና  ኣብኣተን ብመንጽር ሃገራዊ ረብሓአን ክርእየኦ ናይ ግድን እዩ። ይኹን እምበር እቲ ናተን ረብሓ ብዋጋ ናትና ክብርን ረብሓን ኣብ ክንዲ ዝኸውን ንረብሓ ኩልና ዝረብሕ ምግባሩ፡ ናይ ቃልሲ ጉዳይ እዩ። ካብቲ እንካን ሃባን ምህዳም ግና መፍትሒኣይኮነን።

ናብቲ ወርትግ ኣዛራቢ ዝኸውን ጉዳይ ዝምድናና ምስ ጐረባብትና ክንመጽእ እንከለና፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ከም ኣብነት ክንወስደን ንኽእል። ኣብዚ እዋንዚ መንግስቲ ሱዳን ንሰዲህኤ ወሲኽካ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ኣብ ሃገሩ ብወግዒ ክንቀሳቐሳ ኣይፈቐደን። እዚ ካብ ድሌትና ወጻኢ ብመንጽር ሃገራዊ ረብሓ ሱዳን ዝተቓነየ እዩ። ስለዚ ኣተሃላልዋና ኣብ ሱዳን ከምቲ ንደልዮ ዘይኮነስ ከምቲ ኩነታት ዝፈቐዶ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ንዓና ወሲኽካ ዳርጋ ኩለን ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ይንቀሳቐሳ እየን። ውድባት ጥራይ ዘይኮና ስደተኛታትና’ውን ብጻዕቂ ዝንቀሳቐስሉን ዝተዓቑብሉን ከባቢ እዩ። ውድባት  ኣብ ኢትዮጵያ ምውሳእ ዝጀመራሉ ግዜ ከከም ኣመጻጽእአን ይፈላለ እዩ። ደሓር ናብ ሓደ ካብ መስረቲ ውድባት ሰዲህኤ፡ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ዝማዕበለ ሰውራዊ ባይቶ ድሕሪ ውድቀት ደርጊ ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ምህላው ኣድላይነቱ ርእዩ ኣብኡ ክህሉ ዝወሰነ እዩ። ዝያዳ ንምብራህ ከምቲ “ሰብኣይን ሰበይትን ዝተበኣስሉ መኣዲ ይሃበኒ” ዝበሃል ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 ኣንሳሕኺኹ ዘይኮነስ፡ ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይፈልጦን ዘይርበሓሉን ዝምድና “ዓለም ኣይትጹሩኒ” ክብል እንከሎ እውን ኣብዚ ነይሩ እዩ። ሽዑ እንተኾነ እውን ንመንፈስዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሕመረት ዝምድና ኣጽኒዑ ብምሓዝ የማነ-ጸጋም ኣይበለን። ዋጋ ጽንዓቱ ከኣ ከፊሉ እዩ። ክልተ ዙራት ምስጓግ(ምጥራዝ) ኣባላቱ ካብ ኢትዮጵያ ከኣ ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ።

ኣብ መንጎ ክልተ ወገናት ኣብ ዝግበር ርክብ ኩሎም ወገናት ከካብ ነናቶም ረብሓን ልዑላውነትን ስለ ዝሓስቡ ክብ ለጠቕ ከጋጥም ባህርያዊ እዩ። ሰዲህኤ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሕዎ ርክባት እውን ዘየሰማምዑ ጉዳያት ኣይተኸስቱን ማለት ኣይኮነን። እንተኾነ እዚኣቶም ካብ መፈላለይ ነጥቢ ምዃን ሓሊፎም መበኣሲ ኣይኮኑን። እዚ ከኣ ውጽኢት ውሕሉል ኣተሓሕዛ ጉዳያት መሪሕነት ሰዲህኤ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ንሰዲህኤ ኢዱ “ጠውዩ ከምዚ እንተዘይገብርካ” ኣይበሎን። ምናልባት እንተዝብሎ እውን መልሱ ኣብዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱሱ ዘሎ ሕመረት ፖሊሲ ዝምድና ከም ዝምስረት ዘጠራጥር ኣይኮነን። ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክራኸቡ ዝጸንሑ ኣካላት ሰዲህኤ እውን ካብዚ መትከሎም ፈልከት ኣይበሉን። ንደንበ ተቓውሞን ንነባሪ ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታትን ካብ ዝምልከት ኣጀንዳ ወጻኢ’ውን ኣየልዓሉን። ኣብ ኢትዮጵያ ንምህላው ግና ከም ቁርን ኣስሓይታን ኣይፈርሕዎን።

መሰረታዊ ድሌት ጻላኢ ህዝቢ ኤርትራ ህግደፍ ንተቓወምቱ መቃለሲ ባይታ ከስእ  ስለ ዝኾነ፡ ነተን ዘለናየን ሃገራት በብሓደ እዩ ዘነውረን። ንኣብነት ኣብ ኢትዮጵያ እንተለኻ ወያነ ይብለካ። ኤርትራውያን ብድሌቶም ግና ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ንዝወሰንዎ ውሳነ ከኣ ውሳነ ወያነ ይብሎ። እዚ ምኽኑይ ክመስለሉ ንህላወና ኣብ ኢትዮጵያ ይቃልሖ’ሎ እምበር፡ ከም ድሌቱ ኣብዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም ክንህሉ ኣይደሌናን እዩ። ደሓር ኢትዮጵያ ንህግደፍ ሓላል ንተቓወምቲ ከኣ ሓራም ዝኾነሉ ምኽንያት እንታይ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ዘዝፈተዎ ክንፈቱ ዘዝጸሎ ክንጸልእከ በየናይ መምዘኒ እዩ። እንተቲ ኣብ ኢትዮጵያ እንተሃሊኻን ናቡኡ እንተገሽካ፡ “ናይ ኢትዮጵያ ትኸውን” ዝዓይነቱ ስኽፍታ ኮይኑ፡ እቲ ድሌት እንተልዩ ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ኮይንካ’ውን ናይ ኢትዮጵያ ምዃን ኣየጸግምን እዩ። ስለዚ ዝተባህለ እንተተባህለ  “ምስ መንን ብኸመይን ንሰርሕን ንዛመድን መርገጽና ንጹር እዩ።”ብኣኡ ከኣ ክንቅጽል ኢና።

Last modified on Sunday, 15 October 2017 21:09