ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ’ዶ መረሓሓቐና!

2017-04-12 21:33:48 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና Published in EPDP Editorial Read 3542 times

ደረጃታቱ ደኣ ይፈላለ እምበር፡ ፍጹም ምፍልላይ ፍጹም ምስምማዕ ዝበሃል የለን። ምናልባት እውን እቲ ሓደ ነቲ ሓደ መመቀሪኡ እዩ ምባል ይከኣል ይኸውን። ኣብ ሓደ ጉዳይ ምምፍልላይ ዝመጽእ ተፈላለይቲ ነናቶም ተረድኦ ሒዞም ተገቲሮም እቲ ሓደ ናይቲ ካልእ ሓቂ ክቕበል ቅሩብ ስለ ዘይከውን እዩ። ከምቲ ግቡእ ግና ኣብቲ ግጉይ ኢልካ እትነጽጎ ሓሳብ ቅኑዕን ዘቀራርብን ከም ዝህሉ፡ ኣብቲ ቅኑዕን ኢልካ ናተይ እትብሎ ከኣ ዘይቅኑዕ ከም ዝህሉ ክትቅበል ዘይምኽኣል ዘምጸኦ ጸገም እዩ። እቲ ዝኸብድን ኣብ ዘይምስምማዕ ዘነብርን ከኣ ነቲ ኣብቲ ግጉይ እትብሎ ዘሎ ሓቅን ኣብቲ ቅኑዕ እትብሎ ዘሎ ድኽመትን ከተለሊ ምብቃዕን ዘይምብቃዕን እዩ።

እምበኣር እቲ ጸገም ኣብቲ ፍልልይ ምፍጣሩ ወይ ምግጣሙ ኣይኮነን ዘሎ።  ኣብ ኣተሓሕዛኡ እዩ ዝፍጠር። ብዓብይኡ ከኣ ንኹሉ ጉዳያት ከከም ጠባዩ ከመሓድር ዝኽእል ሰፊሕ ኣተሓሳስባን ክጾሮ ዝኽእል ሃብታም ትዕግስትን ክትውንን ዘይምብቃዕ እዩ። ነቲ ጌጋ ግጉይ፡ ነቲ ቅኑዕ ከኣ ቅኑዕ ክትብል ርትዓዊ ምዃን የድሊ። እዚ እንተዘየልዩ ግና ወርትግ ነታ ሓቂ ዝበልካያ ናባኻ ክጐትት ነታ ግግይቲ ዝበልካያ ድማ ናብ ካልእ ክትደፍእ ኢኻ እትነብር። እዚ ምስሓብን ምድፋእን ኣብ ርትዓዊ መሰረት ስለ ዘይተመስረተ ትደክም እምበር ሓቀኛ ውጽኢት ወይ ፍታሕ ዘይተመዝግበሉ እዩ።

እዚ ማለት ንቅኑዕ ኣይትንኣድ ወይ ኣይተተባብዕ፡ ንጌጋ ከኣ ጌጋ ኣይትበል ማለት ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ንሓቂ ክትንእድ እንከለኻ ነቲ ናትካ ሓቂ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ናይ ካልኦት ሓቂ’ውን ካብቲ ጌጋኦም እትብሎ ፈሊኻ ምንኣድ ኣገዳሲ እዩ። ንጌጋ ክትነቅፍ እንከለኻ እውን ነቲ ናይ ካልኦት ድኽመት እትብሎ ጥራይ ዘይኮነ ኣብቲ ንስኻ ከም ሓቂ ሓቚፍካዮ ዘለኻ ዘሎ ናትካ ሕጽረት እውን ካልእ ክሳብ ዝነግረካ ከይተጸበኻ ኣሚንካ ንቐፎ ንምባል ዝኣክል እዩ። ንናትካ ጌጋ ኣሚንካ ምንቃፍ ኣብ መጻኢ ኣሪምካ ብዝሓሸ ቅኑዕ ክትትከኦ ስለ ዘኽእለካ ርትዓዊ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ነቲ ንስኻ ቅኑዕ እትብሎ ግጉይ ዝብልዎ፡ ነቲ ግጉይ እትብሎ ድማ ቅኑዕ ዝብልዎ ወገናት  ከም ዘለዉ ምእማን ኣብ  ኣተሓሕዛ ጉዳያት ነብሱ ዝኸኣለ ውሕልነት እዩ። ንስኻ ዘይረኣኻዮ ጌጋ ዘርእየካ ከኣ ሓጋዚኻ እምበር ጸላኢኻ ጌርካ ክትወስዶ ኣይግባእን። “ብጻይካ መስትያትካ’ዩ” ከም ዝበሃል።

ኣየናይ ቅኑዕ ኣየናይከ ግጉይ ኣብ ምልላይ ካብ ዘጸግሙና ምኽንያታት ንሓደ ተረኽቦ፡ ኣብ ክንዲ ብኹሉ ኩርነዓቱ ብሓደ ዓይኒ ጥራይ ምርኣይ እዩ። ንኣብነት ሓደ ሽግር ክትፈትሕ እንከለኻ ሓደ መዋጸኦ ኢልካ ዘቕረብካዮ ሓሳብ ምስራሕ ምስ ኣበየካ፡ ኣብ ክንዲ ግድን እዚኣ ጥራይ እያ እታ መንገዲ ኢልካ ኣብኣ ምድራቕ ወይ ድማ ዘይፍታሕ ግድል እዩ ኢልካ ካብ ቃልሲ ምብኳር ካልእ ኣማራጺ ሓሳብ ምድላይ፡ ሓደ መርኣያ ናይ ኣብ ሓደ ጉዳይ ዘይምድራቕ እዩ። ኣብ ሓደ ስጉምቲ ፈቲንካዮ ምስራሕ ዝኣበየ ሓሳብ፡ እንደገና ናብ ካልእ ፈተነ ሒዝካዮ ኣብ ክንዲ ምቕራብ፡ እቲ ካልእ ፈተነ ብኻልእ ሓድሽ ሓሳብ ክግጠም ይግበኦ። ንኣብነት ኣብ ደንበ ተቓውሞና ኩልና ከም ዘይዝንገዖ ኣብቲ ኣርባዕተ ቻርተራት ዘጽደቕናሉ መስርሕ ብሓባር ምስራሕ፡ ክፈላልዩና ዝጸንሑ ሓሳባት ኣብ መጻኢ ፈተናና መሊስና ሒዝናዮም ክንቀርብ ኣይግበኣና።

ብመሰረቱ ክሳብ ሕጂ ጽላል ፈጢርና ብሓባር ንምስራሕ ዝገበርናዮ ፈተነታት ኣይሰረሐን ኢልካ ጠጠው ኣይክበሃልን እዩ። ብኣንጻሩ “ሎምስ ክንዕወት ኢና” ኢልካ ናብ ሓድሽ መኣዲ ፈተነ ክትብገስ እንከለኻ ኣብ ከባቢ እቲ ክሳብ ሕጂ ክፈላልየካ ዝጸንሐ ጉዳያት ሓድሽ ኣተሓሳስባ ሒዝካ ምቕራብ ናይ ግድን እዩ። እቲ “ሎምስ ክንዕወት ኢና” ዘብለካ ከኣ እዚ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ሒዝካ ምቕራብካ ጥራይ እዩ። ንኣተሓሳባኻ ናይ ብሓቂ ሓድሽ ዘብሎ ከኣ ናይ ርኢቶኻ ሓድሽነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዘይቃለዓለም ብኽሱትነት ናይ ካልኦት ሓሳብ ዝቕበል ትዕግስትን ጹረትን ኣጥሪኻ እንተሊኻ እዩ።

ትብዓት ድፍረት ልግሲ … ወዘተ ዝብሉ ቃላት፡ ገሊኦም ካብ ትብዓትን ድፍረትን ንገሊኦም ድማ ካብ ነገራዊ ልግሲ ኢና እንመዝኖም። ምስዚ ሒዝናዮ ዘለና ኣርእስቲ ክንመዝኖም እንከለና ግና፡ “ኣብዚ ጉዳይ እቲ ቅኑዕ እዚ ጥራይ እዩ” ክትብል ጸኒሕካ፡ ድሓር ንስኻ ከይረኣኻዮ ብዝጸናሕካ ጭብጥን መርተዖን ዝጐልበተ፡ ካብቲ ናትካ ዝሓይሽ ሓሳብ ክቐርበልካ እንከሎ ንናትካ ገዲፍካ ክትቅበሎ ምኽኣል ትብዕት፡ ትብዓትን ልግስን እዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። መብዛሕትኡ ተጋዳላይ ዝነበረ ኤርትራዊ ከም ዝዝክሮ፡ ኣብ ኩሉ ህይወት እንተላይ ኣብ ሞትን ሕየትን “ቅድመይ ንዓኻ ይጥዓምካ፡ ኣነ በጃ ክሓልፈልካ” ዝብል ተወፋይነትን ለውሃትን፡ ባህሊ ኤርትራውያን ኮይኑ ከም ዝነበረ ንፈልጥ ኢና። ሎሚ ኢሳያስ ነቶም “ንስኻ ንበር ክንስወኣልካ” ዝብልዎ ዝነበሩ ብጾቱ ኣይኮነንዶ ክሞተሎም፡ ምእንቲ ስልጣን ክብል ከም ኣራዊት ኣብ ገዳጉዲ ኣስፊርዎም ኣሎ። እቶም ብሰንኪ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ብሓባር ምስራሕ ስኢና ዘለናኸ፡ ምእንቲ እቲ ብሰንኪ ህግደፍ ጸቢብዎ ዘሎ ህዝብናን ብሞትን ስደትን መንእሰያትና ዝግለጽ ዘሎ ዝተደወነ ምስልና ናብ ንቡር ክምልስን ኢልና ሕድገት፡ ምጽውዋርን ምክእኣልን ምስኣና ምስ ምንታይ ይቑጸር? ምእንቲ ህዝቢ ኢሉ ዝስዋእ ዝነበረ ትውልድን ተካኢኡን ምእንቲ ህዝብን ሃገርን ኢሉ ፍልልያቱ ምግዳፍ ዘይኮነስ ምምሕዳሩ ክስእን እንከሎ ከኣ ካልእ ዘገርም እዩ እሞ ሕጂ እውን ረፊዱ እምበር ኣይዓረበን እሞ ንሕሰበሉ።

ርሑስ በዓል ትንሳኤ ንኣመንቲ ክርስትና!

Last modified on Wednesday, 12 April 2017 23:39