መበል 53 ዝኽሪ ተጎሩባ

2017-03-14 09:23:18 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3084 times

ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣይኮነንዶ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ነፍሲ ወከፍ ሰዓት እውን ነናታ ሓለገት ነይርዋ እዩ። እዚ ኩሉ ተደሚሩ እዩ ከኣ ሰውራ ኣዕዊቱ ናጻን ልኡላዊትን ኤርትራ ከግህድ ዝበቐዐ። ከምቲ ካብ “እመት ስድሪ ኣላታ” ዝበሃል ግና ፍሉያት ዓመታት ወይ ዕለታት ካብቲ ካልእ ጸብለል ዝብል ዝኽሪ ኣለወን። ባሕቲ መስከረም 1961 ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን 24 ጉንበት 1991 ምርግጋጽ ናጽነት ኤርትራ ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል። 15 መጋቢት ዝኽሪ ዓወት ተጎርባ እውን ሓንቲ ካብተን ኣብ ታሪኽ ብረታዊ ቃልስና ልሉይ ቦታ ዘለወን ዕለታት እያ።

ተጎሩባ ኣብ ምዕራባዊ ቆላ ኤርትራ ካብታ ናይ መጀመርያ ሰውራዊ ተኹሲ ዝተበሰረላ ታሪኻዊት ጐቦ ኣዳል ብዙሕ ዘይትርሕቕ እያ። ኣብዛ ቦታ እዚኣ ሽዑ ናይ ሰለስተ ዓመት ጥራይ ዕድመ ዝነበሮ ሰራዊት ሓርነት፡ ብ15 መጋቢት 1964  ኣንጻር ስሩዕን ብዘመናዊ ኣጽዋር ዝተዓጥቀን  ፍሉይ ሓይሊ መግዛእቲ ገጢሙ ነቲ ድሕሪኡ ዝመጸ ተደራራቢ ዓወታት ኣፍደገ ዝኸፈተ ዓወት ዘመዝገበላ ቦታ እያ። እዚ ብዙሓት ከም ዝሰማምዕሉ፡ 17 ኤርትራውያን ጀጋኑ ተጋደልቲ ዝተሰውእሉ፡ 87 ወተሃደራት መግዛእቲ ተቐቲሎም ብዙሕ ኣጽዋር ዝተሰልበሉ ውግእ ረቂቕ ምስጢር ዝነበሮን ናብ ሰውራ ኤርትራን ህዝቡን ኮነ ናብ ሓይሊ መግዛእቲ ኣገደስቲ መልእኽትታት ዘመሓላለፈ ነይሩ።

ናብ ሰውራን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ብሓጺሩ፡ ናይ “ክንክእሎ ኢናን ጽንዓትን” መልእኽቲ ነይሩ። ናብ ሓይሊ መግዛእቲ ዘመሓላለፎ ድማ “ሰውራ ኤርትራ ፍትሓውን ህዝባውን ስለ ዝኾነ ብዝኾነ ወተሃደራዊ ሓይልን ትምክሕትን ዝሰዓር ኣይኮነን” ዝብል መልእኽቲ ነይሩ። እዚ መልእኽትታት ድሕሪ ክንደይ ሓጐጽጐጽን ምኽፋል ክቡር ዋጋን ብ1991 ቅኑዕ ምንባሩ ተረጋጊጹ። ዓወት ተጎርባ ካብ ሓደ ምዕራፍ ናብ ካልእ ምዕራፍ መሰጋገሪ ኩበዖ ስለ ዝነበረ፡ ብዙሕ ተጻሒፍሉን ተገጢምሉን።  “ወርሒ መጋቢት 64 ተጎሩባ ዓባይ ሓበን” እናተባህለ እውን ተዘሚርሉ። ሎሚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕማም እምበኣር፡ ነዚ መርኣያ ሓበን ዝኾነ መዛሙር ምድግጋም ዘይኮነ “ ጫፍ መልሓስ ናይቲ ጅግንነት ኣበይ በጺሑ ኣሎ?” ዝብል ሕቶ ምምላስ እንተኾይኑ’ዩ እናዊ ዝኸውን።

ኒሕ ናይዞም ነዚ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ጊድራ ኣብ ጐቦታት ተጎርባ ዝፈጸሙ ሓርበኛታት፡ ኣብ ተራ ምቕታልን ምምራኽን ወተሃደራት መዛእቲ ዘትከለ ዘይኮነ፡ ኣርሒቑ ናብ ዘማዕዱ ምውሓስ ናጻ፡ ፍትሓዊትን ንብዓት ደቃ እትሕብስን እትክሕስን ኤርትራ ዝመጣጠር ምንባሩ ፍሉጥ እዩ። እዚ ነዊሕ ጉዕዞ’ዚ ጌና ክሳብ ሎሚ ዘይተረጋገጸ ኣብ መስመር ቃልሲ ጐተት ዝብል ዘሎ  ምዃኑ ከኣ ነቶም ተረከብቲ ሕድሪ ጅግንነት ተጎሩባ ከቢድ ጾር ኮይኑና እነሆ። እቲ ሎሚ ክንዛረበሉ ዝግበኣና  ብዛዕባቶም ኣብታ ዝተዋህበቶም ግዜ ክገብርዎ ዝኽእሉ ገይሮም ዝሓለፉ ሓርበኛታት ተጎርባን ካለኦት ዓውደ-ውግኣትን ዘይኮነ፡ ብዛዕባ’ቲ ክንገብሮ ዝግበኣና ኣብ ምግባር ትሕቲ ትጽቢት ዘለናዮ ሃለዋት እዩ። ህልዊ ጸገማትና ብዙሕ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። መፍትታቱ’ውን ከምኡ። ንኹሉ ጸገማትና’ኳ ተዘይፈተሓትልና ብሩህ ናይ ቃልሲ መንገዲ ከተትሕዘና እትኽእል፡ ሓርበኛታት ተጎሩባ ነዚ ክሳብ ሎሚ ንሕበነሉ ዘለና ዓወት ከመዝግቡ ዘኽኣለቶምን ንሕናውን ክንርዓማ ዝግበኣና ምስጢር ግና ኣላ'። ኣብቲ ንኩላትና ዘርብሕ ብሓባር ክንሰርሕ ምብቃዕ። ንኹሉ ተመኩሮና ተመሊስና እንተመርመርና ምስጢር ዓወታትና ሓድነትና እዩ። ንዓና ሓድነት ኣብ ዘየብሉ ዓወት ምሕፋስ ዘበት’ዩ።

ንሓደ ከም ጉጅለ ህግደፍ ዝኣመሰለ ምሕረት ዘየብሉ፡ ኣብ እንግደዓ እቲ ዋጋ ከፊሉ ናብ ስልጣን ዘብቀዖ ህዝቢ ተላሒጉ ሕቖኡ ዝህብ ሃንጎሊማ ሓይሊ ከነወግድ ክንቃለስ እንከለና፡ ካብኡ ብባህሪኡ ዝተፈልየ ተካኢ ዓቕሚ ኮይንካ ናይ ምቕራብ ዝኸበደ ሓላፍነት ኣለና። ምኽንያቱ ክትትክእ ብቑዕ ኣብ ዘይኮካሉ፡ ነቲ ዘሎ ግናይ ምውጋድ ጥራይ ትርጉም የብሉን። ኣብ ከምዚ ዝኽሪ ተጎሩባ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ ቆላሕታ ሂብና ክንሓስበሉ ዝግበኣና ከኣ ነዚ ንቕድሚት ዝጽበየና ሓላፍነት እምበር ነቲ ዝሓለፈን ክቡር ታሪኻዊ ቦታኡ ዝተረከበን ጅግንነት መመሊስካ ምምዋጽ ኣይኮነን።

ኣብ ወሳኒ ግና ድማ ኣጸጋሚ ወቕቲ ምህላውና ኩልና እንሰማመዓሉ እዩ። እቲ መፍትሒ ካባና ካብቶም ናይቲ ለውጢ ተጠቀምቲ ምዃኑ’ውን ከምኡ። እቲ ዘገርም እቲ መዋጸኦ እንታይ ምዃኑ እንዳተረደኣና ክንትግብሮ ዘይምብቃዕና እዩ። ነዚ ናይ ዘይምብቃዕና ምኽንያት ምስጢር ኣይኮነን። መጻኢ ዕማማትና ብደረጃታት ምስራዕን ብመሰረታዊ ደሞክራስያዊ ኣተሓሕዛ ፍልልያት ቅዩድ ዘይምዃንን ጐሊሖም ካብ ዝረኣዩ ጸገማትና እዮም። ስለዚ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኮይና፡ “በቲ ሰሚዕካ በቲ ዝነፍስ” ዘይኮነ ዝትግበር ቃል ክንኣቱ ይግበኣና ንብል።

Last modified on Tuesday, 14 March 2017 10:26