ኣብነታዊ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን

2017-01-22 01:22:09 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3894 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዓለምና ካብ ዝተራእዩ ዓበይቲ ፍጻመታት ሓደ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝተኻየደ ሰላማዊ ናይ ስልጣን ምስግጋር እዩ። ኣብዚ ምስግጋር ንምብጻሕ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደን ብሓያል ምፍሕፋሕ ዝተሰነየን መስርሕ ምርጫ እዩ ተኻይዱ። መስርሕ እቲ ምርጫ ኣብ ተመኩሮ ኣሜሪካ ልሙድ ዘይነበረ ክሳብ ናብ ውልቃዊ ህይወት ሰባት ዝወርድ ሰፊሕ ናይ “ነዓይ ምረጹ” ወፈራ ስለ ዝነበሮ “ውጽኢቱ እንታይ ክኸውን እዩ?” ዝብል ርሱን ትጽቢት ኣሕዲሩ ነይሩ። ካልእ ፍሉይ ዝገበሮ ከኣ ውጽኢቱ ኣንጻር ግምት ብዙሓት ምንባሩ እዩ።

ድሕሪ ውጽኢት ምርጫ እውን እቶም ኣብ መንግስታዊ ምምሕዳር ኮነ ውትህድርና ተመኩሮ ዘየብሎም ኣብ ታሪኽ መራሕቲ ኣሜሪካ ብዕድሚኦም ዝደፍኡ፡ ሃብታም ነጋዳይ ዶናልድ ጆን ትራምፕ ምስ ተመረጹ እሞ ጌና ስልጣን ከይተረከቡ፡ ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ኣንጻርቲ ሃገሮም ክትምረሓሉ ዝጸንሐት ፖሊሲታት ክኸዱ ምዃኖም መደረታት የስምዑ ስለ ዝነበሩን ዓወቶም ኣብቲ ምርጫ ናይ ግዳም ኢድ ከም ዝተሓወሶ ይዝረብ ስለ ዝነበረን “እቲ ናይ ስልጣን ምርኽኻብከ ከመይኮን ይኸውን?” ዝብል ሕቶ ከኸትል ጸኒሑ እዩ። እንተኾነ እቲ መስርሕ ከምቲ ልሙድ ብሰላማውን ቅዋማውን ኣገባብ ተኻይዱ። መጻኢ ውጽኢቱ ከመይ ከም ዝኸውን ኣብ መጻኢ ዝረአ ኮይኑ፡ ኣሜሪካውያን ነቲ ምስግጋር ንደረጃኦም ብዝምጥን ድሞክራሲያዊ ኣገባብ ተግቢረምዎ ኣለዉ። እዚ ኣሜሪካዊ ዛዕባዚ ዝያዳ ሰሓቢ ኮይኑ ዝጸነሐ ኣብቲ መስርሕ ብዝነበሮ ውረድ ደይብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣሜሪካ ኣብ ዓለምና ኣብ መዳያት ቁጠባ ኮነ ፖለቲካን ዲፕሎማስን ብዘለዋ ጽልዋ ኣብኣ ዝፍጠር ምዕባለ ኣብ ልዕሊ ካለኦት ኣውንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ጽልዋን ተጽዕኖን ስለ ዘሕድር እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም እንዳተባረዐ፡ ናይ ብዙሓት ኢድ ኣእታውነት እንዳተወሰኾ፡ መተካእታ ዘየብሉ ህይወትን ንብረት ዘብርስ ዘሎ ናብ ውግኣት ዝማዕበለ ጐንጽታት መንቀሊኡ ምስ ምቅብባል ስልጣንን ሓዚልዎ ዝመጽእ ቁጠባዊ ረብሓን ዝተተሓሓዘ እዩ። ገለገሊኡ ብደጊኡ ክረአ እንከሎ ፖለቲካዊ ልዕልና ጥራይ ዝደረኾ ይመስል። እንተኾነ ቁጠባ ዘይደረበ ፖለቲካ ከኣ የለን። ዝተፈላለዩ ወገናት ምስ ስልጣን ዝርከብ ረብሓ ይምቅሮም እሞ ካብኡ ንዘይምልቃቕ ህዝብን ሃገርን ኣብ ግምት ዘየእቱ ምስምሳት ይፈጥሩ። ካብቲ ምስምሳት ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ፈትዮም ንዘጽደቕዎ ቅዋም ይጠልምዎ ወይ ከጽግንዎ ይፍትኑ። ምናልባት እውን ነዚ ረብሓዚ ክብሉ ከሎ ጌና ንቅዋም ከም ቁርን ኣስሓይታን ፈሪሖም ብዘይብኣኡ መቆጻጸሪ ዘየብሉ ቀይዲ በተኽ ጉዕዞ ይጅምሩ። እዚ ኩሉ ተደማሚሩ ንዘይቅርዑይ ኣተሓሕዛን ኣሰጋግራን ስልጣን ዘንጸባርቅ እዩ።

እዚ ኣቐዲምና ዘልዓልናዮ ናይ ኣሜሪካ ኣጋጣሚ ኣሜሪካውያን ኪኖ እቲ ተመሪጹ ስልጣን ዝሕዝ ሰልፊ ኮነ ውልቀሰብ ሃገሮምን ህዝቦምን ከም ዘገድሶም ዝተረጋገጸሉ እዩ። ኣሜሪካውያን ነዚ ዝበቕዑ ፍልልያት ስለ ዘየብሎም ዘይኮነስ ነቲ ፍልልያቶም ብስልጡን ኣገባብ ስለ ዘመሓድርዎ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ምስ ኩሉ ትዕዝብቶምን ዘይዕግበቶምን ንቅዋሞም ዘለዎም ዘይዕጸፍ ምእዙዝነት ዘረጋገጸሉ እዩ። ናይቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣንጻር ዶናልድ ጆን ትራምፕ ክነሓንሑ ዝጸንሑ ኣካላት፡ እተን  ክዕወታ ዓብይ ግምት ተነቢሩለን ዝነበራ ግና ዝተሳዕራ ሴነተር ሂላሪ ክሊንተን ከይተረፋ ኣብቲ ሰላማዊ ናይ ስልጣን ምስግጋር ስነ-ስርዓት ምስታፎም ከኣ ልዕልናን ዘይዕጸፍ ምጽውዋርን ኣሜሪካውያን ዘመልክት እዩ ተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ ብመሰረት’ቲ “ናይ ብዙሓት ይትግበር ናይ ውሑዳት ከኣ ይስማዕ” ዝብል ደሞክራሲያዊ መትከል፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ትራምፕ ትዕዝብትን ዘይዕግበትን ዘለዎም ኣሜሪካውያን ብመሰሎም ተጠቒሞም ብመልክዕ ሰላማዊ ሰልፊ ምቅዋሞም ካልእ መርኣያ ደሞክራሲ እዩ። እዚ ኩነታት ምስቲ ኣብ ጋምቢያ ዘጋጠመ ዘይደሞክራስያውን ዘይቅዋማውን ኩርካሕ ምስግጋር ስልጣን ብሓባር ምምጽኡ ብሓፈሻ ንኣፍሪቃውያን ኣብ ትዕዝብቲ ዘውድቕ እዩ። ንሕና ኤርትራውያን ከኣ ካብዚ ትዕዝብቲ እጃምና ዓብዪ እዩ።

እዚ ንሕና ኤርትራውያን ኮነ ካለኦት ብሓፈሻ ናይ ደሞክራሲ ብፍላይ ከኣ ናይ ሰላማውን ቅዋማውን ናይ ስልጣን ምስግጋር ተጠቀምቲ ዘይኮና ኣካላት ክንመሃረሉን ክንርዕሞን ዝግበኣና እዩ። ነዚ ክንበቅዕ ድማ ከምቲ ወርትግ እነኮማስዖ ብክለሰ-ሓሳብ ዘይኮነ ብተግባር፡ ጹረት፡ ምክእኣልን ክትሰምዕ ቅሩብ ምዃን፡ ምኽባር መሰረታዊ ደሞክራሲያዊ ኣዕኑድን ትሕቲ ሕጊ ምዃንካ ምእማንን ሰኒቕና ካብ ናይ “ግድን ኣነ ዝደልዮን ዝበልኩዎን ተዘይኮነ ባዕሉ ይፈልጥ” ዝብል ትምክሕቲ ክንወጽእ ዘይዝለል ቅድመ ኩነት እዩ። ኣብ ዝኾነ መስርሕ ጉዳያት ከምቲ ዝኾንዎ እምበር ምሉእብምሉእ ከምቲ ንጽበዮም ከም ዘይኮኑልና ብልቢ ምእማን ኣብ መንገዲ ዕዉት ቃልሲ መባእታዊ ጉዳይ እዩ። እዚ ከኣ ከምቲ “ኣነ ዝህሉ ንሕና ምስ እንህሉ’ዩ” ዝበሃል በበይንኻ ዘይኮነስ ብሓባር ዝዕመም እዩ።

Last modified on Sunday, 22 January 2017 02:28