እምበርከ ንደማመጽዶ ኣለና?

2016-11-01 08:52:46 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3804 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

እዚ ንርከበሉ ዘለና ዘመን መራኸቢ መንገድታት ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዕቤት ዝበጽሕሉ እዩ። ሰባት  ብውልቆም ኮነ ብውዱብ ኣገባብ  ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ቅኑዕ ኮይኑ ዝረኣዮም ሓሳብ ናይ ምዝርጋሕ ሰፊሕ ዕድልን ኣገባባትን ኣለዎም። ሰልፍታትን ውድባትን ቅኑዕ ኢሎም ዝኣምንሉን ንምትግባሩ ዝቃለስሉን ኣተሓሳስባ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ንምብጻሕ ብዙሕ መማረጺ ዕድላት ኣለዎም። ኢመይል፡ መርበብ ሓበሬታ፡ ስካይፕ፡ ቫይበር፡ ዩቱብ፡ ትዊተር፡ ፌስቡክ፡ …. ውዘተ ካብቶም ዘመናውያን መዘርግሒ ሓበሬታ እዮም። እዚ ብኣካል ከይተራኸብካ’ውን ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምውህሃብን ምድምማጽን ዕድል ሰፊሑ ምህላዉ ዘመልክት እዩ። ድሕሪ’ዚ እቲ ዝያዳ ክንጭነቐሉ ዝግበኣና ናይ ኣዘረጋግሓ ኣገባብ ዘይኮነስ ናይቲ ዝዝርጋሕ ኣተሓሳስባ ትሕዝቶን ቁምነገርን እዩ። ናይቲ ዝዝርግሕን ናይቲ ነቲ ዝዝርጋሕ ዝቕበልን ኣካላት ግቡእ ምንባብን ምድምማጽን ከኣ ካልእ ኣገዳሲ እዩ። ምድምማጽ ክንብል እንከለና እቲ ሓደ ዝበሎ እቲ ተቐባሊ ግድን ክኣምነሉ ኣለዎ ማለትና ዘይኮነ፡ ናይ ግድን ክርደኦ ክኽእል ኣለዎ ማለትና እዩ።

ነዚ ዘመናዊ ናይ መራኸቢ ጸጋ ብምጥቃም፡ ዳርጋ መብዛሕትአን ተቓወምቲ ሰልፍታትን ውድባትን ኤርትራ ኣብ ጉባአታተን ዘጽደቐኦ ንናይ ኣተሓሳስባ እምነተን ዝውክል ፖለቲካዊ መደብ  ዕዮ ኮነ ንኣተገባብረኡ ዘነጽር ፖሊሲታተን ይዝርገሓ እየን። ናይ’ዚ ኣገባብ ሓደ ጠቕሚ ባህሊ ንጹርነት ምስራጽ እዩ። ኣብ ሓያሎ ዛዕባታት ንጹርነት ዘየበለን ክንሰን “ተቓወምቲ ውድባት ኢና” ዝብላ ኣካላት ከም ዘለዋ’’ውን ክስገር ዘይግበኦ ሓቂ እዩ። እቲ ኣብዚ ክጥቀስ ዝግበኦ ቁምነገር እምበኣር፡ “ሰልፍታት ወይ ውድባት ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ኣብ ነንሕድሕደን ይደማመጻዶ ኣለዋ? ዝብል ሕቶ እዩ። ሓንቲ ሰልፊ ወይ ውድብ ኣብ መትከላት ናይታ መወዳድርታ “ቅኑዕ ወይ ግጉይ” ክትብል ውሁብ እዩ። ንሳ ከምኡ ክትበሃል’ውን ከምኡ ውሁብ’ዩ። ካብዚ መደምደምታታት ኣብ ሓዲኡ ማለት ምድጋፍ ወይ ምቅዋም ክትረግጽ እንከላ ግና ጥንቃቐን ንጹርነትን ዝሓታ እዩ። ንሓደ ፖለቲካዊ ኣካል፡ ሰልፊ ይኹን ውድብ ወይ ማሕበር፡ ብፖለቲካዊ ዓይኒ “ከምዚ እዩ ኣደቡ” ኢልካ ክትድምድም ቀሊል ሓላፍነት ኣይኮነን። ምእንቲ እዚ መደምደምታኻ ብጭብጢ ዝተሰነየ ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ መጻኢ ዝምድናኻ ኣብዚ ዝምስረት ስለ ዝኾነ። ከምዚ እንተዘይኮይኑ ግና ውጽኢቱ ተጋጊኻ ምግጋይ እዩ ዝኸውን።

ኣብዚ ዘለናዮ እዋን መብዛሕትአን  ኤርትራውያን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ኮና ውድባት፡ ኣብ ኣወጋግዳ እቲ ሕድሪ ህዝብና ጠሊሙ፡ ንናቱ ጉጅላዊ ዊንታ ዝነብር ዘሎ ህግደፍን፡ ድሕሪ ውድቀቱ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ክትከል ዝግበኦ ስርዓተ-ምምሕዳርን ዘዝኣምናሉ ብደረጃ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ፖሊሲን ይገልጻ እየን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ግዜ’ዚ፡ ከምኡ ንምግባር ከምዘይጥዕሞ’ኳ ንኹላትና ብሩህ እንተኾነ፡ ንመጻኢ’ውን  ኣብ ሰነዳተን ተመስሪቱ እዩ ዝድገፍ ክድግፍ  ወይ ንዝቃወም ክቃወም። እተን ውድባት ድማ፡ ኣብ መትከላት መወዳድርተን ሰልፊ ድዩ ውድብ ናይ ምድጋፍ ይኹን ናይ ምቅዋም መርገጽ ንክወስዳ ነቲ ውድብ ኣብ ሰነዳቱ ኣትኪለን ብግቡእ ክፈልጠኦ ግድን እዩ። በዚ መስርሕ ከይሓለፍካ ንሓደ ፖለቲካዊ ትካል ምድጋፍን ምንጻግን፡ ስምዒታዊ ወይ ኣብቲ ሰልፍታት ወይ ውድባት ናይ ዘለዉ ሰባት ባህሪ ዘትከለ ክኸውን ስለ ዝኽእል ውጽኢቱ ሃናጺ ኣይኮነን።

እዛ ንነብረላ ዘላ ዓለም ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ናይ እንካን ሃባን ካብ እትኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። እንተኾነ ብዙሓት ወገናት ጌና ክንድቲ ዝዛረብዎ ክሰምዑ ቅሩባት ዝኾኑ ኣይመስሉን። ኣብዚ መስርሕ “እቲ ሓቂ እቲ ኣነ ዝብሎ ጥራይ እዩ” ዝብል ስምዒት ጐዳኢ እዩ።  ወለድና “ኣብ ክንዲ ንፉዕ ተዛራቢ ንፉዕ ሰማዒ ኩን” ዝብልዎ ምዕዶ ኣብ ከምዚ ኩነታት ኣገዳሲ እዩ። ገለ ወገናት ኣብ ጉዳይ ሃገር ይኹን ውልቂ ኣተሓሳስባኦም  ክሰምዓሎም ይህንጠዩ። ናይ ካለኦት ሓሳብ ናይ ምስማዕን ካብኡ እቲ ቅኑዕ እትብሎ ወሲድካ ናትካ ናይ ምግባሩን ቅሩብነቶም ግና ከምቲ ዝድለ ኣይከውንን። ኣቲ ክሰምዖም ጥራይ ዝደልይዎ ወገን እውን ክስማዕ ከም ዝደሊ ከኣ ኣየስተብህሉን። ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ከየረጋገጽካ ዘይርጡብ ሓበሬታ ብምውሳድ ነቲ ዋንኡ ግጉይ መልክዕ ምሃቡ ቅቡል ኣይኮነን። እቲ ዝገደደ ከኣ ነቲ ዝተሰነደ ትሕዝቶኡ ባህ ስለ ዘይበለካ፡ ውናኡ ብኾፉ፡ ቀይናን ትርጉም ክትህብ ምፍታን እዩ። ናይ ከምዚ ኣሉታዊ ሳዕቤን ከኣ ቀንዲ ኣብቲ በሃሊኡ ዝዓርፍን ምትትእምማን ዘጥፍእን እዩ። ስለዚ ንሓደ ሰልፊ፡ ውድብ ወይ ማሕበር “ከምዚ እዩ ፖለቲካዊ ኣደቡ” ምባል ፍርዲ ምሃብ እዩ። እዚ ፍርዲ’ዚ ኣብ ጥጡሕ ባይታ ዘይተሰረተ እንተ ኮይኑ ከኣ ኣሉታዊ ግብረ-መልሱ ሕጂ’ውን እንተላይ ናብቲ በሃሊኡ እዩ።

ብጽሞና ከም እንከታተሎ፡ ተቓወምቲ ሰልፍታትን ውድባትን ኤርትራ፡ ክሳብ ሕጂ ከም ባህሊ ዝሰርሓሉ ዘለዋ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ንኡስ መሰማምዒ ኣተሓሳስባ ከም ዝዓቢ ምግባር፡ ነቲ ዝፈላሊ መሊስካ ኣብ ምግፋሑ ዘድሃበ ምዃኑ እዩ። ናይ’ዚ መንቀሊ ከኣ ንጉዳያት ከምቲ ዘለዉዎ ዘቕርብ ብጥርጠራን ስግኣትን ዘይተሻበበ፡ ርትዓውነትን ፍትሓውነትን ዘይምውናን እዩ። ካብዚ ዝንቡዕን ቃለ-ዓለማውን ኣተሓሳስባ ንምውጻእ እምበኣር፡ ዝኾነት ሰልፊ፡ ውድብን ማሕበርን፡ ብውልቂ’ውን እንተኾነ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ናይ ተቓውሞ  ሓይሊ “ከምዚ እዩ ትሕዝቶኡ” ኢሉ ክድምድም ብዛዕባ ናይቶም ዝነቕፎም ኮነ ዝንእዶም ውዳበታት ንጹር፡ ምኽንያታውን እዋናውን ግንዛበ ክህልዎ ናይ ግድን እዩ። ኣብዚ ኣዋንዚ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ጉዳያት፡ ኣብ ዝተፈላልዩ ናይ ውድባት መርበባትን ተመሳሰልቲ ኤለክትሮኒካዊ መድረኻትን ዝዝርግሑ ሓሳባት ኣለዉ። ነዚኣቶም ክሳብ ክንደይ ኢና ዳህሲስና ግቡእ ትሕዝቶታቶም ንርዳእ’ሞ ርትዓዊ ሚዛን እንህቦም ክንሓስበሉ ዝገባእ እዩ። ከነጥርዮ ዝግበኣና ምድምማጽ ከኣ ንሱ’ዩ። ምኽንያቱ ደጋፊ ይኹን ተቓዋሚ መርገጽና ካብዚ  ክነቅል ስል ዝግበኦ።

Last modified on Tuesday, 01 November 2016 09:58