ኣገደስቲ ተመላላእቲ ፍጻመታት

2016-08-28 08:46:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3837 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ህኤ

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ነሃሰ 2016 ክልተ ኣገደስትን ኣብ ሕድሕዱ ዝደጋገፍን ፍጻመታት ኣካይዱ። እዞም ኣብ ሃገረ-ጀርመን ከተማ ፍራንክፈርት ዝተኻየዱ ዓውደ መጽናዕትን ፈስቲቫልን ብፍላይ ነቲ ሰልፊ ጥራይ ዘይኮነ ብሓፈሻ ንደንበ ተቓውሞ ኤርትራ እውን ዝጸልዉ እዮም ነይሮም። እዚ ማለት ኩሉ ሓይልታት ተቓውሞ ዝተሳተፎም ነይሮም ማለት ዘይኮነ እቶም ኣብኡ ዝተላዕሉ ጉዳያት ብፍላይ ነቲ ሰልፊ ጥራይ ዝምልከቱ  ዘይኮኑ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዘለዉ ሕጽረታት ዝዳህሰሱን ፍተሓት ዘቕረቡን ነይሮም ንምባል እዩ። ብፍላይ ከኣ ኣብ’ቲ  ዓውደ መጽናዕቲ ዝተላዕለ ዓብይ ኣርእስቲ  “ ምህናጽ ምትእምማን”፡ ኣብ ኩሉ ውድባት፡ ሰልፍታን ማሕበራትን ዕዙዝ ተደላይነት ዘለዎ ዛዕባ ከም ዝኾነ ንነብረሉ ዘለና ናይ ምንጽጻግ ሃለዋት ዝምስክሮ እዩ።

ኣብዚ ብሰህኤ ብዝተዳለወ ዓውደ መጽናዕቲ ጀሚሩ፡ ብኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ማሕበር ብምትሕብባር ምስ ጨናፍር ሰደህኤ ኣብ ኤውሮጳ ብዝተዳለወ ፈስቲቫል ዝተዛዘመ ፍጻመታት ብዙሓት ምሁራት ኣብ ክልቲኡ ፍጻመታት፡ ንኣገዳስነት ምህናጽ ምትእምማን ዘዕዝዙ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ኣቕሪቦም። እዞም ምሁራት ዘቕረብዎም ጽሑፋት ዳህሳሶም ኣብ ሓደ ሰልፊ ዝተደረተ ዘይኮነስ ንብዓብይኡ ሃለዋት ህዝቢ ኤርትራን ጸገማት ደንበ ተቓውሞን ዝመዘነ ስለ ዝነበረ ኩሉ ዝምልከቶ ክሰርሓሉ ዝግባእ እዩ ዝብል እምነት ኣለና።ምእንቶኡ እዩ ከኣ ተዘርጊሑ ዘሎ። እቶም ኣቕረብቲ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ሓደ ግዱስ ኤርትራዊ ምሁር ወይ ክኢላ ትጽቢት ዝግበረሉ ግቡእ ስለ ዝፈጸሙ፡ “ግቡኦም እዩ” ተባሂሉ ጥራይ ዝሕለፍ ዘይኮነስ ምስጋናን ንክቕጽልዎ ምትብባዕን እውን ዘድልዮ እዩ።

ብፍላይ ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዝተዓደሙ ፖለቲካዊ ውድባት ምስቲ ዓዳሚ ሰልፊ ተመሳሳሊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዝነበሮም ጥራይ ምስ ምንባሮም ርኢቶ ዝሃቡ ወገናት ነይሮም። “እንተደኣ ተመሳሳሊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሃልይዎም ደኣ ምትእምማን ኣለዎም ማለትዶ ኣይኮነን” ዝብል ሓሳብ ካብቲ ዝቐረበ ርኢቶታት ነይሩ። ዘይምትእምማን ደረጃታቱ ደኣ ይፈላለየ’ምበር ምስ ብርኢቶ ዝመሳሰሉኻ ኮነ ዘይመሳስሉኻ ክህሉ ዝኽእል’ዩ። ምኽንያቱ ዘይምትእምማን ካብ ንእሽቶ ፍልልይ’ውን ዝብገስ ስለዝኾነ። ብርግጽ’ዚ ሓደ ዓይነት ሃገራዊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ምውናን ምልክት ምቅርራብ ወይ ምምስሳል ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኮነን። እንተኾነ ሓደ ዓይነት መደብ ዕዮ ስለ ዘለካ ከም ርዱእ ምሉእብምሉእ ትተኣማመን ኢኻ ማለት ከምዘይኮነ ከኣ ተመኩሮና የርእየና ኣሎ። ብዘይካዚ ምትእምማን ሓንሳብ ምስ ተፈጥረ ስቕ ኢሉ ዝቕጽል ዘይኮነ መምስ ዘጋጥሙ ሓደስቲ ውሽጣውን ግዳማውን ምዕባለታትን ብድሆታትን እንዳተሓደሰን እንዳተሃነጸን ዝቕጽል እዩ። ስለዚ ኣብቶም ሓደ ዓይነት ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ዘለዎም ሓይልታት እውን ኣብ ወረቐት ዝሰፍር  ዘይኮነስ ብተግባር ዝሰርሕ ምቅርራብ ንምፍጣር ዘኽእል ምትእምማን ንምፍጣር ዝግበር ጻዕሪ ወርትግ ኣድላይ እዩ።

እዚ ማለት ግና ኣብቶም ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኦም ፍልልይ  ዘለዎም ወገናት እውን ኣብቲ ዝሰማማዓሉ ጉዳያት ሓቢሮም ንምስራሕ ዘኽእል ምትእምማን ምህናጽ ኣየድልን ማለት ኣይኮነን። ብመሰረቱ ኣብዚ መዳይዚ ፖሊሲ ሰልፊ ደምክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምቅርራብ ጻዕሩ ምስ ውሱናት ወገናት ከይደረተ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት ብሓባር ዝስለፍሉ መድረኽ ምፍጣር እዩ። እዚ ንዛረበሉ ዘለና ዓውደ መጽናዕቲ ዝተወደበሉን እቲ ኣርእስቱ ዝተመርጸሉን መሰረታዊ ምኽንያት እውን ነቲ ኩልና እንብህጎ ግና ድማ ክሳብ ሕጂ ዘይተግበርናዮ  ኣብቲ ንረዳደኣሉ እንዋሰኣሉ ናይ ሓባር  መድረኽ ንምርጓድን ባይታ ንምምድማድን እምበር፡ ንምትክኡ ከም ዘይኮነ ኣብቲ እዋኑ ተነጺሩ  እዩ። ሕጂ እውን ንሱ እዩ።

ብመንጽር እቲ ከም ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ዝጽበየና ዘሎ ዕማማት፡ እዚ ብሰደህኤ ዝተሳለሰለ ፍጻመታት ውሱን ስለ ዝኾነ፡ ሰደህኤ ኩነታት እንተዘይደሪትዎ ክቕጽሎን ከስፍሖን እዩ። ካልኦት ወገናት እውን ከምዚ ዓይነት ሃናጺ ተበግሶ ክወስዱ ትስፉው እዩ። ብዓብይኡ ከኣ እቲ ኩነታት ዓውደ መጽናዕትን ፈስቲቫልን ብምውዳብ ከይተደረተ ብትግባር ብሓባር ዘስርሕ እሞ ድማ ኣብ ምትእምማን ዝተመስረተ ኩነታት ንክፍጠር ናይ ኩልና መጻኢ ጻዕሪ ምዃኑ ሰደህኤ ይኣምን። ክልቲኦም ፈጻመታት ክምዕርጉን ክዕወቱን ዝጸዓቱ ምሁራትን ክኢላታትን ጻዕሮም ክቕጽሉ የተባብዕ። ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ዘሻቕሎም ኤርትራውያን ምሁራትን ክኢላታትን እዚኣቶም ጥራይ ከምዘይኮኑ ስለ ዝኣምን ከኣ ካልኦት እውን ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝጣረዓሉ ዘሎ እዋን፡ መንፈስ ምትእምማን ኣብ ምስራጽ ሓላፍነቶም ክፍጽሙ ይጽውዕ።

Last modified on Sunday, 28 August 2016 10:53