ርብዒ ዘበን ድሕሪ ናጽነትና

2016-05-23 20:39:33 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2460 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራ ናጻ ሃገር ኮይና ግቡእ ክብሪ ካብ እትሕዝ 25 ዓመታት መሊኡ። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ምእንቲ ናጽነት ዘካየዶ ናይ 30 ዓመታት መሪር ቃልሲ ዝያዳ ንምድማቕ ብመልክዕ ረፈንዱም እውን “እወ ንናጽነት” ዝብል ድምጹ ብሓባር ኣስሚዑ እዩ። ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ መንቀሊኡ ኣብ ምርግጋጽ ናጽነት ጥራይ ጠጠው ዘይብል ክሳብ ምርግጋጽ ዘተኣማምን ሰላም፡ ደሞክራስን ልምዓትን ዘማዕዱ ስለ ዝነበረ፡ ነዚ ንምርጋግጽ እቲ ቃልሲ ኣብቲ ናይ ድሕሪ ናጽነት ዓመታት እውን ይቕጽል ኣሎ። እቲ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ ግና ተለዊጡ። እቲ ቅድም ኣብ መንጎ ናይ ግዳም ገዛእትን ደላይ ናጽነት ህዝቢ ኤርትራን ዝነበረ ጥምጥም፡ ኣብ መንጎ ጸረ ህዝብን ደሞክራስን ዝኾኑ ደቂ ሃገርን፡ መሰልን ደሞክራስን ዝብህግ ህዝቢ ኤርትራን ተቐይሩ።

ብንውሓት ግዜ ክረኣይ እንከሎ፡ ምእንቲ ሓርነት ዝኸድናዮ ርሕቀት ክንድቲ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዝኸድናዮ ጉዕዞ ክመዓራረ ብዙሕ ኣይተረፎን። ብመንጽር ዝተመዝገበ ውጽኢት ግና እዚ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣዝዩ ዘገምታዊ ምዃኑ ንዕዘብ ኣለና። ጠንቂ ናይዚ ዘገምታዊ ውጽኢት ናይቲ ቃልሲ ባህሪ ተሃዋስነት ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ናትና ናይቶም ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ወጽዓ ዝተሰለፍና ድኽመትን ተኸኣኢልካ ንቕድሚት ዘይምምራሽን ዓብይ ቦታ ከም ዘለዎ ግና ክንስሕት ኣይግበኣናን። ሎሚ ኣብ ቅድሜና ናይ ዘሎ ቃልሲ ማእከል ድማ ነዚ ድኽመትዚ ከነእርም ምስ ምኽኣልን ዘይምኽኣልን ዝዛመድ እዩ።

ብቐንዱ ነዚ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ግዜ 30 ዓመታት ካብ ህይወት ኣስታት 100 ሺሕ ጀጋኑ፡ ኣብ ንብረት ድማ ማእለያ ዘየብሉ ዋጋ ከፊሉ ዘምጸኦ ናጽነት ናትካ ውጽኢት ጉጅላዊ ቃልሲ ኣምሲልካ ንምጭዋዩ ኣብዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት ቃልሲ ይንጸባረቕ ኣሎ። እቲ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ቅጭጭ ከይበሎ ኩሉ መሰላት ህዝቢ ዝዕፍን ዘሎ ከኣ ካብዚ ግጉይን ዓምጸኛን ኣዋንና ናጽነት ስለ ዝነቅል እዩ። ነዚ ግጉይ ኣተሓሳስባ’ዚ ኣፍሪስና ዋና ናጽነት እቲ ሕጂ ሓርነት ተሓሪምዎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ኣብ ድልዱል ባይታ ክንስርቶ እንተ በቒዕና ግና እቲ ተተሓሒዝናዮ ዘለና ሓርነታዊ ቃልሲ ቀልጢፉ ዘይረጋገጸሉ ምኽንያት የለን። እቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ጉጅለ ቀጻልነቱ ኣብዚ ጉዳይዚ ህዝቢ ኤርትራ ብዝሕዞ ናይ ሓባር መርገጺ ዝውሰን ምዃኑ ስለ ዝኣምን፡ እነሆ ህዝቢ ንምክፍፋል ዘይፍንቅሎ እምኒ የለን። ንሱስ ከምኡ ይግበር ናይ ህልውና ግዳይ ስለ ዝኾኖ፡ ንሕናኸ ብዋጋ መሰልናን ናጽነትና ክጻወት እንከሎ እንታይ ክንገብር ከም ዘለና ኣብ ከምዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኮይና ክንሓስብ ይግበኣና።

ሳላ ምረትን ንውሓትን ቃልስና፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ዋጋ ቃልሱ ምእንቲ ናጽነት ከምዘይተኸፍለ፡ ነዚ ኩነታት ንምቕያር ሓድነት ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን ኣደልዲልካ ምጉዓዝ ድሌት ጥራይ ዘይኮነስ ግደታ ምዃኑ፡ ብዝምልከት ብዙሕ ግዜ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ገሊጽናዮ ኢና። ሎሚ ደጊሚና ንጠቕሶ ዘለና ከኣ ናይ ቅድም ዘንጊዕና ዘይኮነስ፡ ከምኡ ክንብል ዘገድደና ናይ ዝኽሪ ዕለት ስለ ዝኾነ እዩ። ኮታ ብዛዕባዚ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዝተሓላለኸ ብደሆ፡ ዘይተግበርናዮ እምበር ዘይበልናዮስ የለን።

ከምቲ ኩሉ ግዜ እንብሎ ጉጅለ ህግደፍ ናይ ህዝቢ ናይ ለውጢ ሓያልነት ንምድኻም ካብ ዝጥቀበሎም መንገድታት፡ ህዝቢ ንቕድሚት ከየማዕዱ ሻቢብካ ኣብ ሎሚ ኮይኑስ ኣብ ሕሉፍ ከም ዝነብር ምግባሩ እዩ። ከምቲ ግቡእ ግና ዝሓለፈ ተመኩሮ፡ ኣሉታዊ ይኹን ኣውንታዊ ከይተዘንገዐ፡ ናጽነትና ንምርግጋጽ ዝተሰለፍዎ ውድብ ብዝየገድስ ኣብ ኩሉ ዓውደ ውግኣትን መዳይ ቃልስን ዝወደቑ ኤርትራውያን ሰማእታት እናዘከርካ፡ ቀንዲ ምቁማትካ ግና ናብ ቅድሚት ናብቲ ተሪፉ ዘሎ ቃልሲ ምምዕዳው እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ መበል 25 ዓመት ብሩራዊ ኢዮበልዩ ኮይና  ኣብ ክንዲ ብሕሉፍ ምቑዛምን ምስትንታንን ኣብ መጻኢ ክንዓሞ ብዛዕባ ዝግበኣና ኢና ሓቢርና ክንሓስብ ዝግበኣና። ሕድሪ ሰማእታትና’ውን ነዚ እዩ ዘመልክት።

ስለዚ በዚ ኣጋጣሚ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ዝኽሪ ዘለዎ ክብሪ ብምግላጽ፡ ኣብ መጻኢ፡ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ቅድሚት ሰሪዕና፡ እቲ ተፈላሊና ክንገብሮ ዘይከኣልና ብሓባር ንዓመሉ ፖሊሲ ወጢና፡ ብሓድሽ መንፈስን ድልውነትን እንነቕለሉ መድረኽ ክኸውን ይግበኦ ዝብል መልእኽቱ የመሓላልፍ።

ናጽነትና ክቡር ውጽኢት ቃልሲ መላእ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ!

ክብርን ዝኽርን ንሰማእታት ኤርትራ

24 ጉንበት 2016

Last modified on Monday, 23 May 2016 22:48