ሰደህኤ “ቅኑዕ’ዩ” ኢሉ ዝኣመነሉ መንገዲ ቃልሲ ምድጋፉ ቀጻሊ እዩ

2016-01-22 08:52:41 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2831 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

 

“ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ውድባት ተቓውሞ ስኒት ዝፈጥር፡ ኩሉ ኤርትራዊ ተቓዋማይ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ አእጃሙ ከበርክት ዘኽእልን  ዘተባብዕን፡ ክሳብ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ንዘሎ መድረኽ ቃልሲ ዝመርሕ፡ ምስ ኩሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት ናይ ሓባር መድረኽ ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ ንምዕዋቱ ከይተሓለለ ቀዳምነት ሂቡ ክሰርሕ ቅሩብ ምዃኑ ደጊሙ የረጋግጽ።” እዚ ኣብ 2ይ ጉባአ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝተወሰኑ ኣገደስቲ ውሳነታት ብፍላይ ንናይ ደንበ ተቓውሞ ሓቢርካ ምስራሕ ካብ ዝምልከት ዝተወስደ እዩ። ብመንጽር እዚ ሰደህኤ ናብ ምዕዋት እዚ ውሳነኡ የብጽሕ’ዩ ዝበሎ ሓሳብ ብዘይምውልዋል ክድግፍን ክሳተፎን ናይ ግደነት እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ነዚ ውሳነኡ ሒዙ ብመትከል “እንካን ሃባን” ናይ ካልኦት ዝሓሸ መዋጸኦ ኢሉ ዝኣመነሉ ሓሳብ ናይ ምቕባል ኣፍደግኡ ክፉት ምዃኑ ክዝንጋዕ ዘይግበኦ እዩ።

እዚ ናይ ሓባር መቃለሲ ጽላል ናይ ምፍጣር ዕማም፡ ናይ ሓባር እምበር ናይ ዝኾነ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ብሑት ሓላፍነት ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ድማ “እንካን ሃባን” ንዝብል ኣምር ከነግንኖ እንግደድ። እዚ ገገዛኻ ዓጺኻ ዘይኮነስ ብሓባር ተራኺብካ ብናይ ሓባር መስርሕ ዝረጋገጽ እዩ። እዚ ዕማም ብባህሪኡ ፖለቲካዊ ዕማም ስለ ዝኾነ፡ ኣብ መስርሕ ዝረጋገጽ እምበር ኣብ ናይ ሓደ መዓልቲ ውሳነን ኣዋጅን ዘብቅዕ ኣይኮነን። እቲ መስርሕ ብፍላይ ኣብ ከምዚ ናትና ብናይ ሓጐጽገጽ ዝሓለፈ ተመኩሮ፡ ዝክኣል ግና ዘይልሙጽ ጉዕዞ ምዃኑ ብዓንተቦ ምርድኡ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። ናይቲ ዝተናወሐ መስርሒ ጀማርን ናይቲ ብእንካን ሃባን ዝግራሕ ልዝብን ፈላሚ ወይ ዓዳሚ ኣካል ውሱን ክኸውን ይኽእል። እቲ ዘልዕሎ ሓሳብ ኣብ ሕልና ብዙሓት ዝጸንሐ፡ እንተደኣ ኮይኑ ከኣ ናይ ብዙሓት ንክኸውን ግዜ ኣይወስደሉን እዩ። ናይቲ ዝለዓል መዛረቢ ዛዕባ ቅኑዕነት ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ፈላሚ ኣካል፡ ዕጉስ፡ ተስፋ ዘይቆርጽ፡ ጸዋርን ዘይተረድኦም ወገናት ብግቡእ ንክርድእዎ ግዜ ዝህብ ምዃን ከኣ ወሳኒ ብጽሒት ኣለዎ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ፍራንክፈርትን ናይሮብን ሓደስቲ ተበግሶታት ተወሲድም። ብፍላይ እቲ ብመድረኽ ንሃገራዊ ዘተ ዝተዓደመ ተበግሶ ናይሮቢ፡ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ካብቲ እትጽበዮ ዝነወሐ ግዜ ዝወሰደ ዘተታትን ክትዓትን ተኻይዱ። ኣካላት መድረኽ እውን ተበግሰኦም እንታይ ከም ዝመስል ንምብራህ ሰፊሕ መብርሂ ክህብሉ ጸኒሖም። እንተኾነ እቲ ዘረባ ብዛዕባቲ ጉዳይ ሕጂ እውን መሊኡ ኣይሰኸነን። መብዛሕትኡ ካብቲ ክወሃብ ዝጸንሐ ሚዛናት፡ ካብ ሓልዮትን ጽፉፍ መንገዲ ምብሃግን ዝነቅል ስለ ዝኾነ ዝተባባዕ እዩ። ዝተወሰነ ግና መሰል ናይቶም በሃልቱ ንከይትግህስ’ኳ ጠቕሊልካ ትጉሕፎ ተዘይኮነ ኣተባባዒ ኣይነበረን። ከምዚ ዓይነት ዕድመ ክቐርብ እንከሎ፡ ብዛዕባቲ ዓዳሚ፡ ግዜን ቦታን ኣኼባ ክትሓስብ እኳ ንቡር እንተኾነ፡ ቀንዲ ኣድህቦኻ ግና ኣብቲ መዕደሚ ኣኼባ ዝኾነ ዛዕባ ክኸውን ከም ዝግበኦ ሰደህኤ ይኣምን። ንሓደ ኣካል ይኽን ፖለቲካዊ ትካል ብዝምልከት፡ ትማሊ ዝብሎ ዝነበረ ምድህሳስ’ኳ ጽቡቕ እንተኾነ፡ ነቲ ናይ ሎሚ ቅሩብነቱ ከይትቕበል ብናይ ትማሊ ሚዛን ክትእሰር ወይ ግዙእ ክተከውን ምፍታን ቅኑዕ ኣተሓሕዛ ጉዳይ ኣይኮነን። “ጽባሐ ከምዚ እንተተገብረ፡ ናብ ዘይኣምነሉ ኣቕጣጫ ሒዙኒ እንተኸደኸ?” ዝብሉ ስግኣታት ኣይሃልዉ ምባል’ኳ ዘጸግም እንተኾነ “ብጽባሕ ሰጊእካ ሎሚ እገለ ቅዱስ፡ እገለ ርኹስ” ክትብል ምፍታን ግና ግጉይን ኣብ ስግኣት ዘንብርን እዩ። ንሎሚ ብናይ ሎሚ ውድዕነት ንጽባሕ ድማ ብናይ ጽባሕ ምምዛን እዩ እቲ ቅኑዕ። ደሓር ኣብ ልዕሊ ካለኦት ካብ ተጠራጠርካ ንስኻውን ከም እትጥርጠር ምዝንጋዕ ኣይግባእን። እንተ ናይ ጽባሕ ተሓታትነት እታ ሴፍ፡ ዝነበረና መዝነት ብዘየገድስ ኣብ ቅድሚ ኩልና ተሳሒላ ዘላ እያ። ትማሊ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ስለ ዘይነበርካ ጽባሕ ኣይትሕተትን ዝብል ስነ-መጐት ከኣ ኣይስርሕን እዩ።

ከም እምነት ሰደህኤ፡ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልስና ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍን ናብ መድረኽ ምስግጋር ምብጻሕን እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ንክፈርስ ካብ ዘኽእሉ ምዕባለታት ቅድሚት ዝስራዕ ከኣ፡ እቲ ጉጅለ ከም ናይ ህልውናኡ ዋልታን መኸታን ገይሩ ክወስዶ ዝጸንሐ ሓይሊ እንዳተሸርመመ ክርሕረሖ እንከሎ እዩ። ናይቲ ራሕሪኻዮ ምምጻእ ድርኺት ውጽኢት ቃልሲ ደንበ ተቓውሞ ይኹን፡ ውሽጣዊ ዕግበት ናይቲ ራሕሪሕዎ ዝመጽእ ኣካል ካልእ ኮይኑ፡ ንዓና ንደለይቲ ፍትሕን ለውጥን ሓደ ኣወንታዊ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። እቲ ነቲ ስርዓት ዝራሕረሐ ኣካል ስጉምቱ ኣበሪኹ፡ እንተ ምስቲ ዝጸንሐ ውዱብ ሓይሊ ሓቢሩ ወይ በይኑ ከምዚ ናይ መድረኽ ነብሱ ወዲቡ ኣንጻርቲ ንዝተወሰነ ግዜ ዝድገፎ ዝነበረ ሓይሊ ዲክታቶር ምቅላስ ክጅምር እንከሎ ከኣ፡ ንደንበ ተቓውሞና ሓደ ዘይኮነስ ብዙሕ ስጉምትታት ንቅድሚት እዩ። ንሱ እቲ ነባር ሓይሊ ተቓውሞ ከኣ ነዚ ሓደሽ ሓይሊ ተቓውሞ ብሓጐስ “መጺእካለይዶ ክጽበየካ” ብዝብል ሰናይ ዜማ እምበር፡ ናብ “ንምንታይ መጻእካና” ብዝዛዘወ ኩራን ጸዋግ ገጽን ክቕበሎ ጌጋ ጥራይ ዘይኮነ ከምቲ ቀደም “ ……. ሓጋዚታ ተረኣየትስ መዲዳ ትሓብእ” ዝበሃል ዝነበረ እዩ ዝኸውን።

እዚ ንዋሰኣሉ ዘለና ፖለቲካዊ ሜዳ ደንበ ተቓውሞ፡ ብሕጂ ኣብ ደንበ ተቓውሞ መጺኦም ዝውደቡ ወሲኽካ፡ ናይ ኩላትና ኣንጻር ዲክታቶር ክንቃለስ ዝተሰለፍና ወገናት ናይ ሓባር መቃለሲ እምበር፡ ዝኾነ ካባና ግድምና፡ ሃይማኖት፡ ዕድመ፡ ጾታ ይኹን ካልእ ሸነኻዊ ማእከል መሪጹ፡ ንዝፈተዎ ናይ ምፍቃድ ንዝጸለኦ ከኣ ናይ ዘይምቕባል ስልጣን ኮነ መሰል ዘለዎ የለን። ንኣብነት ከምዚ ተበግሶ መድረኽ ኣብ ምምዛን ዝንጸባረቕ “ደነጉዩ ናብ ደንበ ተቓውሞ ዝመጸ ኣካል ስለ ዝኾነ ተዓዳማይ ተዘይኮይኑ ዓዳማይ ክኸውን የብሉን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብቲ ናይ ተቓውሞ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሑ ከመይ ገይሮም ብዞም ሓደስቲ ተዓዲሞም ይጋብኡ” ዝዓይነቱ ሓሳብ ዝንጸባረቐሉ መድረኻት ኣሎ። እዚ ግጉይን ንቕድሚት ዘየሰጉምን እዩ።ንመሰል ናይቶም ዕድመ ተቐቢሎም ዝተሳተፉ ከይገሃስካ ንገዛእ ርእስኻ ነቲ ዕድመ ዘይምቕባል፡ ግና ነውሪ ኣይኮነን። ዓደምቲ ከኣ ዕዱማት ተሳቲፈምሉ ኣብ ዘተባብዕ ውጽኢት ክበጽሑ እንከለዉ፡ እቲ ውጽኢት ናይቶም ተሳተፍቲ ናይ ሓባር ውጽኢት እምበር ናይ ዓደምቲ ጥራይ ገይሮም ብምውሳድ ክንየቱ እንተ ተፈቲኖም ግጉይ እዩ።

ናይ ሓደ ምቅርራብ ምፍጣር ብቐጥታ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ፈተነታት ንምፍራስ ዝዓለመ ክኸውን ናይ ግድን ኣይኮነን። እቲ ዳሕረዋይ ተበግሶ፡ ኣብ ቅድሚ ባህጊ ህዝቢ ዝሓሸ ኮይኑ ኣብ ናይ ውድድር ሜዳ ተሰዓሮ ግና ዘጋጥም እዩ። ኣብ ፖለቲካ ምንባር ኣብ ውድድር ምንባር ማለት ስለ ዝኾነ፡ እቲ ውድድር ብሰዓርን ተሰዓርን ክስነይ ባህርያዊ እዩ። እንተኾነ እቲ ውድድር ብሰዓራይ/ሰዓራይ ክዛዘም እውን ተኽእሎ ምህላዉ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። እዚ ዳሕረዋይ ምዕቡል ክልቴኻ ተረባሕቲ ትኾነሉ ኣወጋግና ፍልልይ ግና ንዓና ብተመኩሮ ህልኽን “ነዛ እምባይ መን ይወርሳን” ዝመጻእና ቀሊል ከምዘይኮነ ንዝንግዖ ኣይኮነን። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣብ ናይሮቢ ዝተሳተፉ ወገናት፡ ዕላምኦም ንሃገራዊ ባይቶ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ምፍራስ ከም ዝኾነ ኣምሲልካ ክቐርብ ተዓዚብና ኣለና። ኣብዚ ክሲ ሰደህኤ ኣብ ናይሮቢ ስለ ዝተሳተፈ፡ ስሙ ብዙሕ ግዜ ይጽዋዕን ይኽሰስን ነይሩ። ብእምነትና ሓደ ከም ባይቶ ዝኣመሰለ ውደባ እንተ ክፈርስ እንተክሕይል ዝውሰን ብውሻጣዊ ትሕዝቶኡ እዩ። ካብዚ ውደባዚ ብናቶም ነጻ ውሳነ ወጻኢ ዝጸንሑን ዘለዉን ከም ሰደህኤ ዝኣመሰሉ ኣካላት፡ እንተኾነ ንረብሓኦም ስለ ዘይኮነ ምፍራስ ባይቶ ከም ቀንዲ ማእከል ቃልሶም ኣይሓዝዎን። ምናልባት ከምኡ እንተዝገበሩ’ውን ድፍኢቶም ግዳማውን ዘይወሳንን ስለ ዝኾነ ዝርገምሉ ዝኾነ ይኹን ምኽንያት የለን። ሕጂ ብዛዕባ ህልውና ባይቶ ቀንዲ ዝፈልጡን፡ ዝሕተትሉን እቶም ከታትይዎ ዝጸንሑ ዋናታቱ እዮም። እቲ ባይቶ ናይ ህዝቢ እዩ ካብ ተባሀለ ከኣ እቶም ዝምልከቶም ኣካላት ብዛዕባኡ ንህዝቢ ክሕብሩ ግደታ ኣለዎም።

ምስ እዚ ኩሉ ውረድ ደይብ፡ ናይ ሓባር ጽላል ተቓውሞ ምፍጣር ሓያል ቃልሲ ዝሓትት እምበር፡ ዝከኣል ምዃኑ ሰልፍና ይኣምን። ካብዚ እምነቱን፡ ካብቲ ኣብ ጉባአኡ ነዚ ብዝምልከት “ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዓንቂጹ ዝጸንሐ፡ ዘይምትእምማንን ዘይምጽውዋርን ገታኢ ባህሊ ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ሰልፍና እጃሙ ከበርክት ወሲኑ።” ብዝብል ዘስፈሮ ቅርቡነትን ነቒሉ እዩ ኣብ ተበግሶ ናይሮብን ፍራንክፈርትን ዝተሳተፈ። መጻኢ እውን ባና ናይ ራህዋ ዝረኣየሉ ንቕሎ ኮይኑ ክሳብ ዝተራእዮ ክቕጽሎ እዩ።

22 ጥሪ 2016

Last modified on Friday, 22 January 2016 09:57