ኣገዳሲ ናይ እንካን ሃባን ዑደት

2015-11-04 20:06:22 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2437 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦመንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ሃገራት እስካንድኒቪያን ኖርወይን ሽወደንን ናይ ስራሕ ዑደት ኣካይዱ። ኣብዚ ዑደቱ ኣብ ነርወይ “ብህዝባዊ ተሳትፎ ዝዕዉት ቃልስና ብሓድነትና ይዓኹዅ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭረሖ ኣብ ዝተኻየደ ራብዓይ ጉባአ ጨንፈር ኖርወይ ሰደህኤ ተሳቲፉ። ምስ ሓለፍቲ ሰልፊ ዕዮ ናይታ ሃገር እውን ተራኺቡ። ካብዚ ሓሊፉ ምስ ኤርትራውያን ነበርቲ ኦስሎን ከባቢኣን ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ። ብተመሳሳሊ ኩነታት ኣብ ሃገር ሽወደን እውን ኣብታ ሃገር ምስ ዝርከቡ ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብመንገዲ ፓልቶክ ኣኼባ ኣካይዱ። ምስ ሓለፍቲ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ሽወደን’ውን ተራኺቡ። ኣብዚ ናይ ሽወደን ዑደቱ’ውን ከምቲ ናይ ኖርወይ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ዝነብሩ ግዱሳት ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ክፉት ኣኼባ ኣካይዱ። ኣቶ መንግስተኣብ ኣብዚ ዝተጠቕሰ መድረኻት ክሳተፍ እንከሎ በቶም ኣብዘን ሃገራት ዝነብሩ ኣባላት መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣናተስነየ እዩ ነይሩ።

እዚ ዑደት በቲ ሓደ ወገን ኣብ ጽባሕ 2ይ ጉባአ ሰደህኤ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ወጽዓ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና እንዳኸረረ ኣብ ዝመጸሉ፡ ደንበ ተቓውሞ ድማ ካብዚ ዘለናዮ መጻብቦ መዋጸኦ ንምርካብ ዝያዳ ካልእ ግዜ ኣብ ዝጽዕተሉ ዘሎ ኩነታት ስለ ዝኾነ ኣዝዩ እዋናዊ እዩ ነይሩ። ዕላማ ዑደቱን እዚ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ መድረኻት ምኽፋቱን መልእኽቲ ምትሕልላፍ ጥራይ ዘይኮነስ ንናይ መጻኢ መደባት ምሕንጻጽ ዝጠቅም ሓሳባት ካብ ኣባላት ሰደህኤ ኮነ ዘይኣባላት ሰደህኤ ኤርትራውያን ምእካብ’ውን እዩ ነይሩ። ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ ንክትስማዕ ክትሰምዕ ናይ ግድን ስለ ዝኾነ።

ኣቶ መንግስተኣብ ነቲ ዝተሳተፈሉ መድረኻት ዝምጥን ግና ድማ ሰፊሕን ዝርዝራውን መግለጽታት ዝሃበ ኮይኑ፡ ብሓፈሻ፡ ምድህሳስ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ከባቢናን፡ ክብደት ናይቲ ህዝብና ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝሓልፎ ዘሎ ጸገማት ኣብ ኩሉ መዳያት፡ ኣስጋኢ ተርእዮ ስደትን ነዚ ናብ ራህዋ ንምቕያሩ ክግበር ዝግበኦ ቃልስን ግደ ሕብረተሰብ ዓለም ኣብዚ መዳይ ገሊጽካ ንተሳትፎ ምምሕጻንን፡ ኣገዳስነትን ህጹጽነትን ናይ ደንበ ተቓውሞ ተቐራሪብካ መፍትሒ ምርካብ ካብቶም ዘተኮረሎም ዛዕባታት እዮም። ብዓብይኡ ድማ ውጽኢት 2ይ ጉባአ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን፡ ናይ ሰልፊ መርገጻት ኣብ ዝተፈላለዩ መሰረታውን እዋናውን ዛዕባታት ብመሰረት ፖለቲካዊ ውሳነታት ጉባኤ ግቡእ ግዜ ሂቡ ኣብሪሁ። ኣብ ኩሉ መድረኻት ድማ ከምቲ መልእኽቱ ዘስመዖ፡ ናይ ተሳተፍቲ ሓሳባት ዝስመዓሉ ዕድላት ብምኽፋት፡ ንኣካይዳ ሰደህኤ ዘመጉስን ዝንእድን ጥራይ ዘይኮነስ ዝነቅፍ ሓሳባት’ውን ኣኪቡ። ብተሳተፍቲ ዝቐርብ ዝነበረ ሓሳባት ሃናጽን ፍናን ዝህብን ምንባሩ ከኣ ከሎ ጋና ንእወንታ ናይቲ ዑደት ዘመልከተ እዩ።

ከምዚ ዓይነት መሪሕነታዊ ዑደት ብሃንደበት ዝፍጸምን ሓንሳብ ተራእዩ ዝጠፍእን ዘይኮነስ ብመደብ ተታሒዙ፡ ዓቕሚ ብዘፍቅዶ ቀጻሊ ክኸውን እምነት ሰደህኤ እዩ። ከምዚ ዝኣመስለ ዑደት ናይቲ ሰልፊ ግሉጽ ኣሰራርሓ ዘመልክት ጥራይ ዘይኮነ ናብ ኣባላቱን ህዝብን ዘለዎ ቅርበት ዘርኢ’ውን እዩ። እዚ ኣገባብ ክቕጽል ስለ ዝግበኦ ንቐጻልነቱን ኣድማዕነቱ ነናቶም ብጽሒት ዘለዎው ኣካላት ብፍሉይ ቆላሕታ ክርእይዎ ይግበኦም። ኣብየኩርናዑ ዝርከቡ ኣባላት ሰልፊ ንከምዚ ዓይነት ዑደት ኩነታት ኣብ ምጥጣሕ ግደ ኣለዎም። ኣበየ ከባቢኡ ዝርከቡ ጉዳይ ህዝቦምን ሃገሮምን ዘገድሶም ኤርትራውያን ኣብ ከምዚ ዓይነት መድረኽ ክጽውዑ እንከለዉ ክሳተፉ ይግበኦም። ምኽንያቱ ኣብዚ ብዙሓት ውድባት ዝዋሰኣሉ ዘለዋ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ መድረኻት ኣየናይ እዩ ቅኑዕ፡ ኣየናይከ ግጉይ ንምውሳን ኣብ ከምዚ ዓይነት ኣኼባ ምስታፍ ንጉዳያት ብስምዒት ጥራይ ካብ ምድጋፍ ወይ ምቅዋም ከድሕኖም ስለ ዝኽእል። ኣብዚ ኣገዳስነት ተራኺብካ ምዝታይ ኣድላይ ዝኾነሉ ኣዋን ዝጽዋዕ ኣኼባታት ብዋሕዲ ተሳተፍቲ ክጥቃዕ ኣይግበኦን። ነዚ መድረኻት ዝመርሕ ኣካል ብወገኑ ኣብቲ መድረኻት ዝሰምዖ ርኢቶታት ብግቡእ መምዩ፡ ምስ ሰልፋዊ መትከላቱ ኣሳንዩ፡ መደባት ክሕንጽጽ እንከሎ ኣብ ግምት ከእትዎ ይግበኦ።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንወሳኒ ግደ ህዝቢ ብዝምልከት ኣብቲ መጻኢ ዘማዕደወ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ “ሰዲህኤ ኣብ ሓራ ደሞክራስያዊት ኤርትራ ዘለዎ ራእይ፡ ምንጪ ስልጣን ዝቐውም መንግስቲ፡ ህዝቢ ምዃኑ ይኣምን። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ተሓታቲ ዝዀነ፡ ኣብዝሓ ሰልፍታታን ሰላማዊ ውድድርን ዘፍቅድ፣ ንመሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዜጋታት ዘኽብርን ዝጣበቕን፤ ስርዓተ-መንግስቲ ብምርጫ ህዝቢ ክውሰን ከም ዘለዎ ይኣምን።” ብዝብል ኣብሪህዎ ስለዘሎ። ኣቦመንበርሰደህኤ፡ ነዚ ኣብ ናይ ዑደቱ ‘’እንካን ሃባን’’ ዘዋህለሎ ርእይቶታትን ለበዋታትን ኣብ መዓላ ከም ዘውዕሎ ዘማትእ ኣይኮነን።

3 ሕዳር 2015

Last modified on Wednesday, 04 November 2015 21:14