ህዝብና እንታይ’ዩ ዝደሊ?

2015-09-26 15:02:27 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP Editorial Read 4740 times

“ዕዉር እንታይ ትደሊ ብርሃን፡ ነጋዳይከ ደሓን” ዝብል ምስላን ዓሚቝ ትርጉም ዘለዎን ንኩላትና ብሩህን’ዩ ዝብል ግምት ኣለና። ብመንጽር እዚ ኣብዚ እዋን’ዚ “ህዝብና እንታይ’ዩ ዝደሊ?” ኢልና ክንሓትት ኣገዳሲ እዩ። እዚ ሕቶዚ ቅድሚ ሕጂ’ኳ ዝተላዕለ እንተዀነ፡ ክሳብ እቲ ግቡእ መልሱ ዝረክብ ክደጋገም ግድን ስለ ዝኾነ ኢና ነልዕሎ ዘለና። እቲ ናይዚ ሕቶ’ዚ ናይ መወዳእታ መልሲ ካብቲ ህዝቢ እዩ ዝርከብ። ኣብ ሓደ ጉዳይ ካብቲ በዓል ቤት ዝያዳ ዝፈልጥ ስለ ዘየለ። እቲ መልሱ ኣብቲ ዝነብሮ ዘሎ ኩነታት ክምስረት ናይ ግድን እዩ። ነቲ ህዝብና ዝነብሮ ዘሎ ኩነታት ብዕምቈት ናይ ዝገምገመን ብቕንዕና ናይ ዝተረደአን ኣካል መልሲ ነዚ ሕቶ “ሎሚ ህዝብና፡ ሰላም፡ ዕቤት፡ ደሞክራሲ፡ ምኽባር ኩሉ መሰላትን ህዱእ ጉርብትናን እዩ ዝደሊ” ዝብል እዩ ክኸውን ዝግበኦ ዝብል እምነት ኣለና።

እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ እዋናዊ መልሲ ንህልዊ ሕቶ ህዝብና፡ ህያው ንክኸውን እቲ ነዚ ባህጊ ህዝብና ዘይቅበል ኤርትራዊ ባይታ ኣቐዲሙ ክምድመድ ናይ ግድን እዩ። ነቲ ናይ ግድን ዝኾነ ምምድማድ ከይተቐበልካን ኣብ ምትግባሩ ዓቕምኻ ዝፈቕደልካ እምኒ ከይደርበኻን ምጽባይ ግና እቲ ድሌት ሕልሚ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። እቲ ክምድመድ ዝግበኦ መንግዲ ዓወት ዝረጋገጽ ንጉጅለ ህግደፍን ፖለቲካዊ ባይትኡን ጽሂኻ ብምጉሓፍ ጥራይ እዩ። ህዝብና እዚ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ድሌቱ ንክረጋገጽ ቅድም ህልውና ህግደፍ ከኸትም ከም ዝግበኦ ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ እዩ። ከምቲ ኣብ ተመኩሮኡ ነጻነት ንክረጋገጽ መግዛእቲ ክውገድ ናይ ግድን ዝነበረን ብኸምኡ ዝተቓነዐን ማለት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ከምቲ ሓይሊ መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ ዝተኸሎ ኣጽፋር ከይተነቕለ ናጻ ኤርትራ ምውናን ዘይተኻእለ፡ ኣጽፋር ጉጅለ ህግደፍ ከይተማሕወ ራህዋን ቅሳነትን ከም ዘይርከብ ይፈልጥ እዩ። ምናልባት ግና ኩነታት ስለ ዘጸገሞን ኣእዳዉ ስለ ዝሓጸረን፡ ክሳብ ሕጂ ክንድቲ ኣንጻር መግዛእቲ ዘርኣዮ ኣበርክቶ፡ ዝባኑ ቀሊዑ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ተሳትፎ ከርኢ ብዘይምኽኣሉ ህዝብና ነዚ መትሓጃ ዘየብሉ ዘበን ህግደፍ ርዒምዎ ከይከውን ዝሰግኡ ወገናት ይህልዉ ይኾኑ። ብእምነትና ግና ብዘይካ ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ብሰንኪ ተንኮል እቲ ጉጅለ ዝደንዘዙ፡ ወዮ ደላይ ፍትሒ፡ ማዕርነት፡ ሰላምን ልምዓትን ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ዝነብሮ ዘሎ ሕማቕ ዘበን ሓንጎፋይ ኢሉ ክቕበሎ ፈጺምካ ዘይሕሰብ እዩ።

“እቲ ቀንዲ ናይ ለውጢ ሓይልን፡ ናይቲ ለውጢ ቀዳማይ ተጠቃምን ህዝቢ ኤርትራ እዩ፡ እቲ ሓቀኛ ለውጢ ከዓ ካብ ውሽጢ’ዩ።” ክንብል እንከለና፡ ካብዚ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ጽንዓትን ተወፋይነትን ህዝብና ነቒልና ኢና። እቲ ካብ ውሽጢ እዩ እንብሎ ለውጢ ምእንቲ ከድምዕ፡ ምስቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝግበር ዘሎ ለውጢ ናይ ምምጻእ ኣህላኺ መስርሕ ክናበብ ከም ዝግበኦ ክዝንጋዕ የብሉን። ኣቲ ናይ ግዳምን ናይ ውሽጥን ናይ ለውጢ ማዕበላት ክናበብን ከመላላእን እንተዘይክኢሉ ግና፡ እቲ ገዛኢ ጉጅለ ኣብቲ ሃጓፍ ኣትዩ ንኸዳኽር ዕድል ስለ ዝህቦ ሓደገኛ እዩ ዝኸውን። ኣብዚ እቲ ምስቲ ኣካላዊ ኣርዑት ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍ ዝነብር ዘሎ፡ ንለውጢ ብሃንቀውታ ዝጽበ ህዝብና ክወዳደር እንከሎ፡ ዝምድናዊ ነጻ ኮይንካ ናይ ምውሳእ ዕድል ዘለዎ ኤርትራዊ ሓይሊ ተቓውሞ ዝያዳ እጃምን ሓላፍነትን ከም ዘለዎ ክፍለጥ ዝግበኦ እዩ። “እሞ እዚ ሓይሊዚ ኣብቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ቦታን እጃምንዶ ኣሎ?” እዚ እቲ ሓይሊ ተቓውሞ ባዕሉ ክምልሶ ዝግበኦ እዋናዊ መሰረታዊ ሕቶ እዩ።

እዚ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ብደረጃ ሰልፊ፡ ውድብ፡ ማሕበር ወይ’ውን ብውልቂ ዝዋሳእ ዘሎ ሓይልታት ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝተረከቦ ዘይልወጥ ውክልና የብሉን። ግን ነናቱ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ድሌትን ባህግን ዘንጸባርቕ’ዩ እሞ ጽባሕ ኣነሆ እዚ ናተይ ርኢቶ’ዩ” ኢለ እንተቕሪበሉ ህዝቢ ኤርትራ ኣይነጽጎን እዩ ኢሉ ዝኣመነሉ ሓሳብ ኣምሪሑ እዩ ዝቃለስን ዘለዓዕልን። እዚ ህዝባዊ እዩ ኢልካ ዝኣመንካሉ መትከል ኣምሪሕካ ክትውድብ ክትትልምን እንከለኻ ዝካየድ ቅድመ መጽናዕቲ ብዛዕባ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ክህሉ ናይ ግድን እዩ። እዚ መጽናዕቲ ብጽፈትን ቅንዕናን እንተደኣ ተኻይዱ፡ ምስቲ ናይ ህዝቢ ድሌት ምሉእ ብምሉእ ክሰማማዕ፡ ወይ'ውን እቲ ፍልልይ ኣዝዩ ጸቢብ ከምዝኸውን ፍሉጥ እዩ። ንድሌታትን ባህግታትን ህዝቢ ኤርትራ ዘንጊዕካ፡ ካብ ናትካ ውልቃዊ ወይ ጉጅላዊ ህርፋን ጥራይ ነቒልካ ምናልባት እውን ዘይኤርትራዊ ተመኩሮ ቀዲሕካ ዝትለም መትከልን ዝካየድ ውደባን ግና ሎሚ ደገፍ ህዝቢ ዘስእን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ጽባሕ እውን ምስ ህዝቢ ዘራጽም ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ጥራይ ደኣ ኣብኡ ንብጻሕ እምበር ህዝቢ ኣበይ ከይበጽሕ ኣገዲድና ርኢቶና ከም ዝቕበል ክንገብር ንኽእል ኢና ዝብል ዓመጸኛ ሓሳባት’ውን ሓሓሊፉ ውሪሕምሪሕ ይብል እዩ።

ከም ሓደ ፖለቲካዊ ትካል፡ ጉዳያት እንዳወዳእካ ክትከዶ ዝግበኣካ ርሕቀት ክሳብ ክንደይ እዩ? እቲ ከም ርኢቶ ክትሕዞን ክትቃለሰሉን እምበር ብዘይተሳትፎ ህዝቢ ኣብ መደምደምታ ከተብጸሖ ዘይትኽእል ዕማምከ ኣየናይ እዩ? ዝብሉ መሰረታዊ ሕቶታት ብግቡእ ምምላስ ናይ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ብቕዓት፡ ውሕልነትን ህዝባውነትን ዝምዘነሉ እዩ ተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። ንመሰረታውነት ናይዚ ሕቶታት ሸለል ኢልካ ቅድሚት ዝስራዕን ደሓር ዝመጽእን እንዳደዋወስካ፡ ኣብ ጸቢብ ፖለቲካዊ ውደባ ብምኹዳድ፡ ሓደ ጉዳይ ባዕልኻ ወዲእካ ንህዝቢ ኣብ ጉዳዩ ናይ ምውሳን መሰል ነፊግካ ከተመንግጎ ምፍታን ግና ዘይሩ ዘይሩ ካብቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝምረሓሉ ዘሎ ናይ “ባዕለይ ይፈልጠልኩም” ሕማም ዘድሕን ኣይኮነን።

ሎሚ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ብዛዕባ ኣድላይነት ተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ናይ ለውጢ መስርሕ ከይተላዕለ ኣይውዕልን እዩ። ከምዚ ምዃኑ ጽቡቕ እዩ። ብዘይተሳትፎ ህዝቢ ዝዕወት ለውጢ ስለ ዘየለ። ሓደ ጉዳይ ግና ኣሎ። እቶም ናይ ህዝብና ማዕበላዊ ምልዕዓል እንብህግ ውድባትን ሰልፍታትን ወይ ብኻልእ መልክዕ ዝተወደቡ ኣካላት፡ ምናልባት ናይ ህዝብና ተሳትፎ ኣብ ቃልሲ ከምቲ ንደልዮ ንዘይምዃኑ፡ ጠንቁ ንሕና ከይንኸውንከ ጠርጢርናዶ ንፈልጥ። ንሕና ካብ ምክእኣል፡ ምጽውዋር፡ ፍልልያት ምቕባልን ምምሕዳርን፡ ተሓታትነትን ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ቀዳምነት ምስራዕን ርሒቑና፡ ብኣንጻሩ፡ ምስ ምንጽጻግ፡ ምትሕብባእ፡ ንፍልልይ ብዓይኒ ጽልኢ ምርኣይ፡ ውልቃውን ውድባውን ጉዳይ ቅድሚ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ኣብ ምስራዕ እንዳነበርና፡ ህዝቢ ናይ “ምሳኹም ኣለና” ድምጺ ተነፈገናስ እቲ ጠንቂ ንሕና ዲና ህዝቢ? እዚ ኣብ ጉዳይ ዝምድናና ምስ ህዝብን ሕድሕድናን ጥራይ ኣይኮነን ዝለዓል፡ ዝምድናና ምስቶም ቃልስና ንክዕወት ክደጋገፉና እንጽበዮም ኣካላት’ውን በዚ እዩ ክቃነ ዝኽእል። ስለዚ ክንገብሮ እንደልዮን ክኾነልና እንብህጎን ኩሉ፡ ንድሌትን ወሳኒ መሰልን ህዝብና ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ናይ ግድነት እዩ። ኣብ ዝኾነ ጽፍሒ ብዛዕባ ናይ ካልኦት ኣበርክቶ ክንሓሳብ ክንጽበን እንከልና፡ “ኣነኸ?” እትብል ሓጻርን መሰረታዊትን ሕቶ ከይንዝንግዕ ሓደራ።

26 መስከረም 2015