እቲ ኲናት ኣብ መላእ ህዝቢዩ ቀጺልዎ

2015-02-03 21:02:10 Written by  EPDP Editorial Board Published in EPDP Editorial Read 3811 times

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ምምሕዳር ኢስያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣርባዕተ ኣስመራ ካብ ሰላሳ ዘይውሕድ ሓድሽ ገዛውቲ ደቂ ኣርባዕተ ኣስመራ ሰዓት ሕሙሽተ ንግሆ ብሆሊከፕተርን ታንክታትን ዝተሰንዩ ኣፍረስቲ ሊኢኹ ከም ዘዕነወ ኣብ ዜናታት ተቛወምቲ ምልኪ ከም ዝተቓለሐ ዝዝከርዩ። ዓዲ ኣርባዕተ ኣስመራ ካብተን ኣብ ከባቢ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ርእሰ መራሒ ጥፍእት እትርከብ ዓዲያ። ምምሕዳር ማዛጋጃ ቤት ኣስመራ ካብ ሱሳታት ከተማ ኣስመራ እናሰፍሐ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ ጽርግያን መዛናግዒ ቦታታትን ካልኦት ህዝባውያን ትካላትን ድሕሪ ምቕያስ: ደቂ ዓዲ ኣርባዕተ ኣስመራ ንመደብ ህንጻ ኣስመራ ብምኽታል መሬቶም ኣዋሪዶም ገዛውቶም ክሰርሑ መምርሒ ምስ ተዋህበ: ብሰፊሕ ምርድዳእ ዓድን ምምሕዳር ማዛገጃ ቤት ኣስመራን: መሬቶም ብምክፋል ምሉእ ዓቕሚ ዝነበሮም ቪላታት ሕጽረት ገንዘብ ዝነብሮም ከኣ ፍርቁ ሸይጦም ፍርቂ መሬት ብጺሒቶም ሰሪሖም፡፡ እዚ ጽፉፍ ባህሊ ንምቕጻል ድሕሪ ቀጻሊ ዕብየት ከተማ ብ 2005 ኣብ መንጎ ደቂ ዓዲ ብዝተገብረ ውሳኔ ቀጻሊ ምክፍፋል መሬት ብምግባር ኣብ መሬቶም ገዛውቲ ክሰርሑ እብ ዝተዋፈርሉ: ደቂ ዓዲ ኣይኮንኩምን ዝበልዎም 120 ዝኣኽሉ ሰባት ምንባሮም ምስሓሓብ ተፈጢሩስ ፎዝያ ኑርሑሰን ብዝሃበቶ ፍርዲ ክካፈሉ ኪኢሎም። መሪሒነት ህግደፍውን ንዝቐርብዎም ሰባት ብዶላራት ሸይጦም ዝዓደልዎ መሬት ናይዚ ዓዲ ኣሎ።

ኢስያስን መምሪሑኡን ኣብዚ ጠጠው ኣይበለን። ምርድዳእ ምስራሕ ገዛውቲ ደቂ ዓዲ ኣብ ውሳኔ ምስ በጽሐ ዝኾነ ገዛ ኣብ ኣስመራ ንኸይስራሕ ኣውጁ። ምስራሕ ገዛውቲ ብሕቡእ ግን ዋላ ኣብ ጥቓ ቤት ጽሕፈትን መቐመጥን ኣይተ ኢሳይስ ቀጺሉዩ። ገለ ደቂ ኣርባዕተ ኣስመራ ኸኣ ድሕሪ ነዊሕ ትጽቢት ኣብ መሬቶም ከባቢ ቤት ክርስትያን ኪዳነ ምህረት ክሰርሑ ጀሚሮም። መብዛሕትኡ ዝተሰርሐ ገዛውቲ ቆልዑ ብዘለውዎም ስድራ ቤታት ዝተስርሐዩ። ምዕናው ናይዚ ገዛውቲ እምበኣር ክንደይ ስድራ ቤታት ኣብ ጎልጎል ኣጻጢሑ ምህላው ብሩህዩ። እዚዩ እቲ ማሕበራዊ ኲናት ምልካዊ ስርዓት እሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ። ኣብ ምምሕዳር ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዘይተነግረ እምበር ዘይተገብረ የለን።

ብንጹር ድሕሪ ኲናት ዶብ ምስ እትዮጵያ ኲናት ኣብ ልዕሊ መላእ ህዝቢ ኤርትራዩ ዝካየድ ዘሎ። ምስዚ ሕጂ ምዕናው ገዛውቲ ህዝቢ ኣርባዕተ ኣስመራ ንዓሰርተታት ኣሽሓት ስድራ ቤታት ኣብ ጥመትን ዘርምዘርሞን ስደትን ዝንቖተ ካልእ ፍጻመ ኸኣ ዝስዕብ ዛንታሎ። ኩሉ ህዝቢ ዝፈልጦ ውጽኢት ኲናት ኢትዮ ኤርትራ ብፍሽለት መሪሒነት ኢሳይስዩ ተዛዚሙ። ስዕረቱ ንምጉልባብ ከኣ ኣብ ምእሳርን ምጭዋይን ጠለብቲ ሕግን ቁዋምን ተዋፊሩ። ፍርሒ ኢሳይስ ብጽላሎቱውን ስለዝኾነ ፍሉይን ኣብ ጽንኩር ቦታን ዝበሎ ከጥፍኦም ነይርዎ። ሳይበርያ ኢስያስ። መእሰሪኦም ንህግደፋዊት ኩባንያ ሰገን ኣብ ሰሎሙና መደበር ሃኒጹ: ዋርሳይ ይከኣሎ ዝብል ወፍሪ ሽፋን ገይሩ: ንሱ ዝሃንደሶ መጀር ጀነራል ገርዝጊሄር ዓንደማርያን ዝመርሖ ብብርጋደር ጀነርል ሚኪኤል ዩውሃንስ- ወዲ ሃንስ ዝምራሕ ኣተግባሪ ሰራዊት: ሓደ ብርገድ ኣብ መግኦ ካልኣይ ብርገድ ኣብ ፍልፍል ሳልሳይ ብርገድ ኣብ ሰሎሙና ብምዕራድ መስራሕ ቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮን መገዲ ሰራዊትን ተሃኒጹ። እዚ ስርሒት ኲናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣብ ዝጀመረሉ ቅድሚኡን ባዶ ሰለስተ ሰሜናዊ ባሕሪ መናፈሻ ህዝብን፡ንትሩዝምን ክሕዛእዩ ዝብል ኣእምሮ ህዝቢ ዝኸፋፍል መናፍሕ ተኻይዱ። ምስዚ መስርሕዚ ካብ ቢብዮ ጀሚሩ (ቢብዮ ካብ ውኪ ወሪድካ ዓናጉለ ሓሊፍካ ቀራና ቦታ ንሰመናዊ ምዕራብ ማለት ንፍሾይን ምራራን ንሰሜናዊ ምብራቕ ንሞግኦን ሳቡርን ፍልፍልን ካብኡ ቀጺልካን ዘማሓልፍ ቦታዩ)። መስርሕ ዋርሳይ ይከኣሎ ኣብዚ ቦታታትዚ ቀንዲ ስርሑ ምስጢራዊ ተግባራት ንምክያድ ንህዝቢ ካብ ማሕረሱን ጉሱነቱን ኣዛናቡሉ ዝሕረስ መሬትን: ቡንን ካልን ኣትክልትን ዘራእትን ዝቦቕለሉን ንብረትን ዘመናዊ ገዛውቲ ዒላታትን ኣስተሪናታትን ዝተሃንጸሉ ንመፍረን ማሕረድን ዝኾና እንሳታት ዝፈርያሉ ዓድታት: ካብ ግዜ መግዛእቲ ጥልያን ኣትሒዘን ዝናበራሉ ዝነበራ መሬትዩ። መግኦ: ሳቡር: ፋጌና: ፍልፍል: ሰለሙና: መድሓኒት። ካብ 2004-2005  ኣትሒዙ ኸኣ ገባር ወይ ሓረስቶት ኣብዚ ቦታዚ ተወዝ ከይብሉ ስለ ዝተኸልከለ: ሓረስቶት ኣብኡ ተራእዮም ኣይፈልጡንዮም። ዓበይቲ ኣብ ደንቢኦም ተኾርምዮም ዝውለዱን ዝዓበዩን ዝጥምትዎ መጻኢ ሂወት ዝረኣዮም ናብ ሳዋ ብምዃኑ ንስደት ብምምራሕ ዓድታቶም ይጸንትዩ ዘሎ። ሳዕበን ወፍሪ ምልካውነት ምርጻም ህዝቢ ምስ ምልካውነት ኣብዚ ዝተጠቕሰ ቦታታትን ከባቢኡን ዝተጋህደ ፍጻመዩዚ። ዝያዳ ኣብዚ መስርሕዚ ዝተሃስየ ህዝቢ ወኪዩ።

ቀጻሊ ምፍንቓል ህዝቢ ብህግደፍ ካብ 2007-2008። ፍልፍል ዋና ቤት ጽሕፈት ብሪጋደር ሚኪኤል ዮሃንስያ ነይራ። ሰሎሙና ኣብ ኣገዳሲ መተሓላለፊት ንሰምሃር: ንሳሓልን ንሰንሒትያ። እዚ ኣብዚ ዝጥቀስ ካብ ታሕታይ ፈልሒት ጀሚርካ ንደብረመዓር ንጸጋም ተጸጊዕካ ንፈልሒት ላዕላይ ሓሊፍካ ነስሓቐት ንገብረምሓረን ደይብካ ንገምኒ ዘውጽእ ንየማን ገዲፍካ ንኽሳድ ኣልገና ንጽጋም ተጸጊዕካ ናብ ዊና: ንምድሪ እምባደርሆን ግራት ኣውሊዕን ሓሊፋካ ንርእሲ ዓዲ ትድይብ። እዚ ቦታታትዚ ካብ ርእሲ ዓዲ ብወገን ምዕራቡ ዝዘንብ ማይ ንሸባሕዩ ዝወርድ። ብወገን ምብራቕ ሰፋሕቲ ናይ ሕርሻ ቦታታት ዘለዎ ኮይኑ ግልዕን ባሕሪባራን ዘለዎ ቦታታትዩ። ካብ ዒራዒሮ ንጎድኒ ክሳብ ድርፎ 50 ኪሎመተር ዝኸወንዩ። ካብ ገማግም ዓድታት ንምብራቕ ማለት ካብ ዓዲ ንፋስ: በለዛ: ኳዜን: ዓዜን: ደፈረ: ዛግር: ወኪ ዘሎ ከም ኣብነት ካብ ዓዜን ተበጊስካ ናብ ባሕሪ ባራ ክትወርድ ብግምት 30 ኪሎመተር ይኸውን። ኣብ ከምዚ ጎድንን ቁመትን ዘለዎ ቦታታት ብማሕረስን ጉስነትን ዝናበሩ ዝነበሩ ካብ ዓድታት ዓዲ ቆንጺ: ሃዘጋ: ዓመጺ: ዕናናላይ: ጨዓረሺ: ገረሚ: እምባደርሆ: በለዛ: ዓድንፋስ: መስፍንቶ: ዓድሸኻ ኳንደባ: ደፈረ: ዛግር: ዓዜን: ዓደንጎዳ: ዓዲረጊትን ደቀጥሮስን ዝኣመሰላየን። ካብዘን ዓድታት እዚኤን ክሳብ 30 ሺሕ ዝኸውን ስድራ ቤታት ብመናባብሮ ሕርሻን ጉስነትን ዝናበሩ ነይሮም ክብሃል ይከኣል። ሂወት ዝነበረን እንሳሳ ዜቤት ከብትን ጠለበጊዕን ንመጽዓኛ ዘገልግሉ ኣእዱግን ዝፈርዩሉን ዝራብሑሉን ኮይኑ ንመናባብሮ ሰባት ሂወት ኣብ ምሃብ ዝዓንገለ ቦታታትዩ። እቲ ኲናት ስርዓተ ምልኪ ኣብ መንባብሮ ናይዞም ሰባት ፈጢሪዎ ዘሎ በሰላ መዐቀኒኡ ኣብዚ ብቓላት ክግለጽ ዝከኣል ኣይኮነን። እቲ ስጉምቲ ምስጓጒ ክውሰድ ከሎ ቅልጡፍን ግዜ ዘይህብን ብምንባሩ: እቶም ሓረስቶት ዝነብረኦም ከብትን ጠለበጊዕን ዓርቢ ንዓዶም ኣእትዮም ንጽባሒቱ ኣብ ዕዳጋ ቀዳም ዝሸጡ ብዙሓትዮም ነይሮም፡፡ ኣብ ዓዲ ዝብላዕ መግቢ ኣይነበረን ነተን እንስሳታት፡፡ እዚ ሕሱም ተግባርዚ ብ 2011ዩ ተዛዚሙ፡፡ እዝን ግፋ ንሳዋን ተሓዋዊሱ ኣብ ዝሓለፈ እርባዕተ ዓመታት ካብዘን ዕድታትዚኤን ሃጽ ኢሎም ናብ ወጻኢ ሃገራት ዝተሰዱ መንእሰያት ኣሽሓትዮም፡፡ ገለ ኸኣ መገዲ ተቓውሞ ክሓስቡ ጀሚሮም። ንኣብነት ሸውዓተ መንእስያት ደቂ ዓዜን ንህግደፍ ብሓበረታ ይምግቡዮም ኢሎም ንዝሓሰብዎም ደቂ ዓዶም ብለይቲ ኣብቲ ቀልቀል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ገማግም ንዝነበረ ግዛውቶም ኣቃጺሎም ዘራእቶምውን መንቁሶም፡፡ እዚ ሓበረታዚ ዝሰምዐ ምምሕዳር ምልኪ ኮለነል ሓረጎት ፍርዙን ዝመርሖ ሰራዊት መጺኡ ንደቂ ዓዲ ኣኪቡ: ነዞም ከምዚ ዝገበሩ ደቅኹም ኣረክቡኒ እንተዘይኮይኑ ዝወስዶ ስጉምቲ ኣሎ ይብሎም። ዓዲ እዚ ዝብሃል ዘሎ ተግባር መን ከም ዝፈጸሞ ኣይንፈልጥን ኢና፤ ይኹን እምበር ተገይሩ ምህላው ስለ እንፈልጥ ነቶም ንብረቶም ዝጠፍኦም ክንክሕስ ድልዋት ኢና። ኣብ ምንጎ ደቂ ዓዲ ዝተፈጸመ ስለዝኾነ ኸኣ ብምምሕዳር ዓድና ክንፈትሖ ቁሩባት ኢና እኳ እንተበሉ: ዓበይቲ ናይ ጽዕነት መካይን ኣምጺኡ 420 ደቂ ዓዲ ካብኦም 70- 80 ዓመት ዝገበሩ ናብ ምትካልኣቤት ዝበሃል ምብራቕ ካብ ደብሪመዓር ዝርከብ ኣጻምእ ቦታ ከም ዝእሰሩ ገይሩ። ዝብላዕን ዝስተን ኣይነበረን: ኣብ ከምዚ ኩነታት ተዓገስ ተኽለግርጊሽ ዝብሃል ሰብ ይመውት። ኣብ ኣስመራ ዝነብሩ ደቂ ዓዜን ብዝዋጽእዎ መግብን መስትን ከኣዮም ክድሕኑ ዝኸኣሉ። ድሕሪ 40 መዓልቲ ነቶም ኣረግቶት ንዓዶም ክምለሱ ኣፍቂደሙሎም: ዝተርፉ ግን እቶም ገበርቲ ዝበልዎም ረኺቦም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ ምስ ዳጎንዎም ነቶም ብጃምላ ሒዘሞም ዝነበሩ ድሕሪ 6 ወርሒ ለቒቖሞም። ኣብዚ ኩነት ንህግደፍ ኣውራ ዘሻቐሎን ቀረባ መጽናዕቲ ዝገበሩሉን ካብ ሰራዊት ብሕቡእ ኣብቲ ተግባርን ሓሳባትን ከይህሉውዩ ዝነበረ።

ነዚ ዝተባህለ ህዝቢ ዘባሳብስ ተግባር ዝእዝዝ ኢስያስዩ። ላዕለዋይ መራሒ ናይ ኣተግበርቲ መጀር ጀነራል ገረዝጊሄር ዓንደማርያም፡ተወላዲ ኣፍደይዩ ዝነበረ። ኣተግባሪ ምፍንቃል ሓረስቶት ሰመናዊ ባሕሪ ብርጋደር ጀነራል ሚኪኤል የውሃንስ ተወላዲ ዓዲ ንፋስዩ: ኮለንል ሓረጎት ፍርዙን ተወላዲ ኳዜንዩ። እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ዓድታትን ዝነብርሉ ዝነበሩ ዝተጠቕሰ ቦታታትን ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ንህዝባዊ ሓይልታት ድሓር ህዝባዊ ግንባር ምስ ኩሉ ዝወርዶ ዝነበረ በደላት መብዛሕቱኡ ንቓልሲ ዘበረከተን ብዓቕሙ ዘገልገለን ልዕሊ ኹሉ ግን ሰላምን ፍትሕን ምዕባለን ክመጽእዩ ኢሉ ዝኣመነዩ ነይሩ። ጠላም መሪሒነት ምልካውነት ኢስያስ ኣፍወርቂ ግን ዋላውን ንዝኣምኖ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ምቁጽጻሩ ክረግጾ ንጥመትን ድንቁርናን ሕማምን ማሕበራዊ ምብትታንን ከም መሳርሒ ከዘውትሮ ኢና ንዕዘብ ዘለና። ኣብዚ ዝሓለፈ ምወዳእታ ዓመትሞ ምልስ ኢልና ንዘክር: ”ዘራእቲ ጽቡቕዩ ነይሩ ኢሉ ኢሳያስ ሽማግለታት ሰባት ክሰርሑ ምርኣየይ” ብምባል ”ዝተኣከብ ቂሚጦ ርእየ: ክኽየድ ግን ኣይኮነን ሒዝናዮ ዘለና መደብ ምልመላዩ ቀዳምነት ዘለዎ: ርግጽዩ ካብ ማይ ሕዳር እንበጣ ሕዳርዩ ዝምረጽ” ከኣ በለና። ነዚ ዕርቃኑ ዝወጸ ጸላእ ሕግን ቁዋምን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገምገም ጥፍኣት ኣብጺሒዎ ዘሎ ዕሉል ምልካዊ ስርዓት ብሓደ ዓይኒ ክርእዮዩ ዝግባእ። ፍታውየዩ ዝብሎ ወገን የብሉን። ምሕዝነቱ ምስ ዘይዓግብ ስልጣን ጥራዩ።

ንባራበር።

Last modified on Wednesday, 04 February 2015 05:40