ወዮ ዘይጋልባስ ደርጓዕ ኣብለለን - ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

2014-11-29 07:34:27 Written by  EPDP Editorial Board Published in EPDP Editorial Read 4726 times

 

ርእሰ-ዓንቀጽ

 ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ምጥቃስ፡ ምናልባት ከም መእተዊ ክትጥቀመሉ ናይ ግድን እንተዘይኮይኑ፡ ሎሚ ንኹሉ ኣብ ርሑቕን ቀርባን ንዘሎ ፈታውን ጸላእን ብሩህ ከም ጸሓይ ቀትሪ ስለ ዝኾነ ዝርዝር ዘድልዮ ኣይኮነን። በብግዜኡ፡ በቲ ኣብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ድኽነትን ምብኳር ፍትሕን፡ በቲ ንህዝብና ዘጋጥሞ ዘሎ ተነጽሎ፡ በቲ መንእሰያትና ሃገር ገዲፎም እግሮም ነናብ ዝመርሖም ዘካይድዎ ዘለዉ ዝዛሪ ዘይመስል ዋሕዚ ናብ ስደት… ወዘተ መምስተሰከፍና ኣውያትናን ምሕጽንታናን ከነስምዕ ጸኒሕና ኢና።  ስለ ዝፈራሕና’ኳ ደፊርና እንተዘይበልናዮ፡ ብዙሓት መጽናዕትና መሪሑና ዝብሉ ወገናት፡ ንኤርትራ “ዝወደቐት፡ መንግስቲ ዘይብላ ዝበረሰት ሃገር” ዝብል ቅጽላት ክህብዋ ካብ ዝጅምሩ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ሎሚ ሎሚ ድማ ”ኤርትራስ ሞይታ እያ” ዝብሉ ገለጻታት ይቀላቐሉ ኣለዉ። እነሆ እምበኣር ካብቲ ዝፈራሕናዮ ኣይወጻእናን ኣብዚ ተበጺሑ። እንተኾነ ሕጂ እውን ተስፋ ቆሪጽና “ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ” ኢልና ትንሳኤ ኤርትራ ኣረጋጊጽካ ለውጢ ናይ ምምጻእ ኒሕና ኣይክዓርብን እዩ።

ኤርትራ ናብዚ ዘላቶ ኩነታት ንክትወድቕ ጠንቂ ዝኾኑ ምኽንያታት ብዙሓት ክኾኑ ከም ዝኽእሉ’ኳ ፍሉጥ እንተኾነ ቅድሚት ዝስራዕ ተሓታቲ ግና ጉጅለ ህግደፍ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ስለምንታይ እዩ ንሃገርናን ንህዝባን ብኸምዚ ንሕስያ ዘየብሉ ኣገባብ ዝድህኮም ዘሎ? ዝብል ሕቶ መሰረታዊ ኮይኑ፡ ውዱእ መልሱ ንምርካብ ግና ኣጸጋሚ እዩ። ኣጸጋሚ ዝኸውን መልሲ ስለ ዘየብሉ ዘይኮነስ ንሕና እቶም ንህግደፍ ምስ ሓተትና እሞ ካብኡ ውዱእ መልሲ ስለ ዘይንረክብ፡ ነናትና ናይ እማመ መልሲ እነቕርብ ኣካላት፡ በቲ እማመ ክንሰማማዕ ከቢድ ስለ ዝኾነ እዩ። ካብቲ ነዚ ሕቶ ንምምላስ ዝፈላልየና ቀንዲ ምኽንያት እቲ ጉጅለ ናይ ብምሉኣ ኤርትራን ህዝባን ጸላኢ ምዃኑ ንጹር ክነሱ፡ ገሌና ነቲ ጉጅለ ከም ናይ ሓደ ትሕቲ ሃገራውነት ዝመሰረቱ ኤርትራዊ ጉጅለ ወኪልን ተሓላቓይ ጌርና ከነቕርቦ ስለ እንፍትን እዩ። ንሓንሳብ ናይ ክርስትያን፡ ንሓንሳብ ናይ ትግርኛ፡ ንሓንሳብ ድማ ናይ ሓደ ኣውራጃ ተሓላቒ ብምምሳል። ብርኢቶና እዚ ነዚ ጉጅለ ምስ ኩሉ ሓጥያቱ  ንሓደ ክፋል ካብ ህዝቢ ኤርትራ ወይ ድማ ንሓደ ከባቢ ካብ ኤርትራ ምጽግዑ፡ ምስቲ ተወጢሕዎ ዘሎ ናይ ከፋፊልካ ምግዛእ ተንኮሉ ተደሪቡ ጠቓሚኡ እምበር ጐዳኢኡ ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ ሰልፍና ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ጉባአኡ ዝወሰኖ ፖለቲካዊ ውሳነ፡ “ሰደህኤ፡ ህሉው ስርዓት ህግደፍ፡ ድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቀመሉ፡ ህዝቢ ናይ ምክፍፋል ሜላ ንተዘይኮይኑ፡ ንዝኾነ ክፋልካ ብህዝቢ ኤርትራ ዝቐርብን ዝርሕቕን፡ ወይ ከኣ፡ ብፍሉይ ዝውክሎ ከምዘይኮነ ምነቱ ይገልጽ፣” ብዝብል ኣስፊሩ ዘሎ።

ብዛዕባ ኤርትራ ክንዛረብ እንከለና ብዛዕባ ብዙሕነት ምዝራብና ናይ ግድን እዩ። እዚ ኩለመዳያዊ  ብዙሕነትና ብግቡእ ክመሓደር እንከሎ መልክዕናን መሰረት ሓያልነትናን ምዃኑ ሓቂ እዩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሓቅነቱ ኣብቲ እንሕበነሉ ታሪኽ ቃልስና ምእንቲ ነጻነት ኤርትራ ተረጋጊጹ እዩ። ብዙሕነትና ብዝተጸንዐን ሓላፍነታውን ኣገባብ እንተዘይተመሓዲሩን  እንተዘይተቓንዩን ከዓ ብኣንጻሩ ክፋእናን በታኒናን ምዃኑ እቲ ሎሚ ኣብ ሕልና ኩላትና ዘንጸላሉ ዘሎ ስኽፍታ ምስክር እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ንሃገርና ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ መራግእቲ ዘየብሉ ሕማቕ ነገር ከም እትወድቕ ዝገበረ፡ ነቲ ኣይፋልካን ዝሓዝካዮ ኣተሓሳስባ መንገዲ ደሓን ኣይኮነን ክብሎ ዝግበኦ ዝነበረ ህዝቢ፡ ዘዝጥዕሞ መፈላለዪ ዘንጊ ማለት፡ ሃይማኖት፡ ብሄር፡ ዕድመ፡ ተሳልፎ ኣብቲ ዝሓለፈ ቃልሲ፡ ጾታ፡ ከባቢ …  ወዘተ እንዳመዘዘ፡ ነቲ ብሓባር ኣንጻሩ ወቒዑ ከድምዕ ዝግበኦ ቅልጽምን ተዛሪቡ ከስምዕ ዝግበኦ ልሳንን ኣብ ነንሕድሕዱ ከተፋንኖ ተንኮላት ክኣልም ስለ ዝጸንሐ እዩ። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ንደገ ብዝስማዕ ድምጺ’ኳ “ምትፍናን ንረብሓይ ኣይኮነን” እንተዘይበለ ብውሽጡስ መጻወድያ ህግድፍ ንጥፍኣቱ እምበር ንልምዓቱ ከምዘይኮነ ኣይሰሓቶን። ካብቶም ህግደፍ ናይ ምፍልላይ መርዚ እንዳነስነሰ መናውሒ ዕድመ ስልጣኑ ክገብሮም ዝፍትን ኣካላት ህዝቢ፡ ብዘይካ ኣዝዮም ውሑዳት ሕርጓቶ ህግደፍ ዘራኸቦም ውልቃውያን ኩሎም ተረባሕቲ ኣይኮኑን።

እሞ ትንፋስን ቀጻልነትን ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ከምዚ ዝተገልጸ ዘይእሙን ባይታ ዝተሰረተ ካብ ኮነ፡ ንሕና እቶም ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ትንሳኤን ሃገርን እንቃለስ ዘለና ኣካላትከ ኣብ ዓወት ንክንበጽሕ ኣየናይ መንገዲ ኢና ክንመርጽ ዝግበኣና?። ብዓይኒ ቅንዕና እንተርኢናዮ እዚ ሕቶ እዚ ምሉስ እዩ። ንሕና ንጉጅለ ህግደፍ በቲ ንሱ ዝጽበየና ሜላ ቃልሲ ኣይኮናን ክንገጥሞ ዝግበኣና። ብኣንጻሩ በቲ ስሙ ክለዓል እንከሎ ጥራይ ዘንጸራርዎ ሓድነት ዝመሰረቱ ኣገባብ ኢና ከነጥቀዖ ዝግበኣና። ህግደፍ ረብሓኡን ቀጻልነቱን ኣብ ምርሕሓቕን ምትፍናንን ናይቲ ተሰሚሩ ከጥፍኦ ዝኽእል ህዝቢ እንተኾይኑ፡ ንሕና ድማ ነቲ ህግደፍ ዝሰግኦ ሓድነት ናይ ኩሎም እቶም ኣብ ውድቀቱ ዝረብሑ ኣካላት ከነውሕስ ኢና ክንሰርሕ ዝግበኣና። ጉጅለ ህግደፍ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ዘይቅዱስ መፈላለይ ቀጥዕታት ጥራይ ኣይኮነን ዝድረት። እንተላይ ናይ ውድባት ድዩ ናይ ማሕበራት ምፍንጫላት እውን ንረብሕኡ እዩ። ንረብሕኡ ካብ ኮነ ከዓ ዓቕሙ እንተዘይደሪትዎ፡ ደድሕሪ ዝኾነ ፍልልያት እንዳኸደ ከምዘይዕረ ካብ ምግባር ድሕር ከም ዘይብል ኣይንዘንግዕ።

ንሕና ነቲ ኣካቢ ኣገባብ ክንመርጽ ናይ ግድን እዩ። ክንመርጽ ጥራይ ዘይኮነ ነዚ ዝመረጽናዮ ከነተግብር ድማ ዋጋ ክንከፍል ይግበኣና። ኣብ ዓወት ንምብጻሕ ንተቐራሪብካ ምስራሕ ዘራጉድ እንተዘይኮይኑ ዝትክእ ምርጫ የብልናን። እዚ ክንብል እንከለና ምኽኑይ ናይ ርኢቶ ፍልልይ ኣይሃልወና፡ በዚ ናይ ርኢቶ ምፍልላይና ተደሪኽና ብዙሓት ውድባት ወይ ማሕበራት ኣይሃልዋና ማለትና’ውን ኣይኮነን። ህላወ ኣብዘሓ ውደባ እሞ ከም ሓደ ደሞክራሲያዊ መሰል ተቐቢልና እንሰርሓሉ ዘለና እዩ። እዚ መሰል እዚ ግና ንኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ዘይገናዝብን ብሕጊ ውደባ ዘይግዛእን ፍኑው መሰል ኣይኮነን። ምኽኑይነት ኣብ ኩሉ ስጉምትታትና ቦታ ክረክብ ዝግበኦ ቀላሲና እዩ። እቲ ከነስተውዕሎ ዝግበኣና፡ እዚ ብዙሕነትና ነቲ ኣንጻር መላኺ ጉጅለ ህግደፍ ክንገብሮ ዝግበና እሞ ክሳብ ሕጂ ብመንጽር ባህጊ ህዝብና ዘየዕወትናዮ መኸተ ብዘዳኽም ወይ ብዘዕንቅፍ መንገዲ ክተሓዝ ከም ዘይግበኦ’ዩ ። ምፍልላይና ዓቕሚ ጥራይ ኣይኮነን ዘስእነና። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ እውን ተኣማንነት የስእነና። “ንርእሶም ዘይኮኑስ ህዝቢ ክእክቡ” ንበሃል። እዚ ኣበሃህላ እዚ ስንብራቱ ቀሊል ኣይኮነን። ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ጸገም ህዝብና ክንገልጽን ደገፍ ክንሓትትን እንከለና እውን ክብደትን ተሰማዕነት የስእነና። ናይ’ዚ ሓቅነት ንምርግጋጽ ኣብ ርእሲ እቲ ብሓባር ብሰንኪ ዘይምምራሽና ዘጋጥመና ዘሎ ዕንቅፋታትን ዝሕተላን ካብ ናትና ክውንነት ወጻኢ እውን ብዙሕ ክንመሃረሉ እንኽእል ናይ ከባቢ ተመኩሮታት ኣለና። ዝምኮረሉ ዘይረኸበ ተሞኩሮ ግና መኻን ኮይኑ እዩ ዝተርፍ።

ኣብ ምንጽጻግን ተመዓዳዲኻ ምርእኣይን ኩነታት ምህላውና ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ። ነዚ ዘተሓሳስብ ገፍጣዕ ኣተሃላልዋ ግቡእ ፖለቲካዊ መልክዕ ኣትሒዝና ክንጐዓዝ ብዘይምኽኣልና ሰንከልከል ኣብ ንብለሉ ዘሎና ኩነታት፡ ከምቲ “ንበዓል ነጐዳ ሓዊ ደብሶ” ዝበሃል ካልእ መሊሱ ናይ ሓባር ሓይልኻ ዝርምስ፡ ብኽንድኡ ደረጃ ድማ ህግደፍ “መጺኻለይዶ ክጽበየካ”  እንዳደረፈ ሓንጐፋይ ዝብሎ ሓድሽ ቅዲ ምፍልላይ ክቀላቐል እንከሎ፡ እምበርዶኸ ሃለዋት ህዝብና ይስቆረና ኣሎ እዩ የብለካ። ንኣብነት ሓድሽ ቅዲ “ብደረጃ ኣውራጃ ንወደብ።” ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ ስለ ዝኾነ ኢና ኸዓ  “ወዮ ዘይገልባስ ደርጓዕ ኣብለለን” ንብል ዘለና። እቲ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ፖለቲካዊ ውሳነ ሰደህኤ ንኣውራጃዊ ምምሕዳር ምስቲ ስርዓት ህግደፍ ብዘይፈቓድ ህዝቢ ኣተኣታትይዎ ዘሎ ዞባዊ ምምሕዳራት ብምውድዳርጠለብ ህዝቢ  ምክፍፋል ኪግበር፤ ወይ ሓድሽ ምምሕዳራዊ ምክፍፋል ኣድላይነት ከም ዘይብሉ ድሌት ህዝቢ ምስዝኸውን፡ ቅድሚ 1995 ዝነበረ ስርዓተ- ኣውራጃታት ዳግም ክስርሓሉ፡ ምነትን ድሌትን ሰዲህኤ ምዃኑ ጉባኤ ኣስሚሩሉ።” ዝብል ኣስፊሩ ኣሎ።

ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ስለምንታይ እዩ ምርባሕ ውድባት ከም ሓደ ሕዱር ሕማም ዝረኣ? ዝብል ሕቶ ካብቲ ብጻዕቂ ናብ ደንበ ተቓውሞ ዝለዓል ሕቶታት እዩ። ነቲ ዘሎ ብዝሒ ውዳበታት ዘይምኽኑይ ፍልልያቱ ገሊፍካ ናብ ቅርጥው ዓቐን ንምምጻእ ቃልሲ ኣብ ዝካየዱ፡ ሓድሽ ማሕበር ወይ ውድብ ተመስሪቱ ክውረይ እንከሎ’ውን ከምኡ እዚ ሕቶ ይለዓል። ገለ ወገናት ነዚ ሕቶ’ዚ ዝህብዎ መልሲ “እቲ ዝቐደመ ውዳበ ስለ ዘየድመዐ እዩ ሓድሽ ውዳበ ዘድልይ” ይብሉ። እቲ ዘይምድማዕከ ካብቲ ግኡዝ ውዳበ ድዩ ወይስ ካብ ዘይምብቃዕ ናይቶም ኣብቲ ውዳበ ዘለዉ ተዋሳእቲ? ዝብል ሕቶ ክስዕብ እንከሎ  ከዓ መልሲ ንምርካብ ውጥይጥይ ይኸውን። ኣብዚ ከነስተውዕሎ ዝግበኣና እምበኣር፡ ውድብ ናይ ብዙሓት ሰባት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ ብዙሓት ኣተሓሳስባታት መዋስኢ ሜዳ ምዃኑ እዩ። ውድብ ጥራይ ዘይኮነ ግንባራትን ልፍንትታትን’ውን ከምኡ ናይ ብዙሓት ውዳበታትን ኣተሓሳስባኦምን ናይ ሓባር መዋስኢ እዩ። ኣብዚ ሜዳዚ ካብቲ ዝምዝገብ ዓወታትን ዘጋጥም ፍሽለታትን ምስቶም መዋስእትኻ እትካፈለሉ እምበር በይንኻ ተዓዋታይ ከም ዘይትኸውን ኣሚንካ ኢኻ ናብቲ ሜዳ ትወርድ። ነቲ ሜዳ ቃልሲ ናይ ግድን ናይ በይነይ ክገብሮ እየ ኢልካ ምስ እትብገስ’ሞ ውጽኢቱ ከምቲ ዝተጸበኻዮ ኣብ ዘይኮነሉ ከዓ ፍልልያት ይፍጠር። ምናልባት’ውን እዚ ፍልልይ ናብ ምፍንጫል የምርሕ። ኣብዚ እቲ ጸገም ናይቲ ኣቐዲምካ ዝመረጽካዮ ሜዳ ቃልሲ ዘይኮነስ ናይቶም ተዋሳእቲ ዘይጸዋር ኣቀላልሳ እዩ። ውጽኢት ከም ዝደለኻዮ ኣብ ዘይኮነሉ እቲ መፍትሒ ኣብ መስርሕ ንጉዳያት ናብ ረብሓኻ ከተምጸኦ ስንኻ ነኺስካ፡ ካብ ተመኩሮኻ እንዳተመሃርካ፡ ክኽፈል ዝግበኦ ዋጋ እንዳኸፈልካ ምቕጻል እምበር፡ ሓድሽ ሜዳ ቃልሲ ምቕያር ኣይኮነን። እቲ ዝሃደምካሉ ምዕባለ ኣብቲ ዝተዓቖብካሉ ወይ ከም ሓድሽ ዝፈጠርካዮ መድረኽ’ውን ክጸንሓካ ስለ ዝኽእል እሞ ኣብ ህድማ ክትነብር ስለ ዘጸግም።

29 ሕዳር 201

 

 

Last modified on Sunday, 30 November 2014 07:34