ባህግና Bahgna175፣ ሰሙናዊ ዜናታት ሃገርናን ከባቢናን ምስ ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ 05.11.2023
Written by Bahgna MediaMedia
ቃል ሓዘን መስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ ኸሊፋ ዑስማን
Written by ገረዝጊሄር ተወልደ ኣቦ መንበር ሰዲህኤገዲም ተጋዳላይ ኸሊፋ ዑስማን፡ ዓርቢ 3 ሕዳር 2023 ብሕማም ምኽንያት ከም ዝዓረፈ ተረዲእና ብመሪር ሓዘን ተቐቢልናዮ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ተጋዳላይ ኸሊፋ ዑስማን ስለ ናጽነትን ሃገራዊ ክብርን ኤርትራ ዘበርከቶ ሰፍ ዘይብል ተወፋይነትን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝሃቦ ሰፊሕ ኣገልግሎትን እናዘከረ ናይዚ መሪር ሓዘን ተኻፋልነቱ ይገልጽ።
ተጋዳላይ ከሊፋ ዑስማን፡ ካብ ስሳታት ጀሚሩ ኣብ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ተመሃሮ ኤርትራ ክነጥፍ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ1971 ኣብ እዋን ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተሓኤ ናብ ሜዳ ክስለፍ እንክሎ፡ ኣብ ኢጣልያ ብመሃንድስነት ትምህርቱ ኣጠናቂቑ፡ ኣብ ፊያት ካምፓኒ ተቖጺሩ ጀሚርዎ ዝነበረ ስራሕ ጠንጢኑ እዩ ተሰሊፉ። ድሕሪ ምስላፉ ኣብ ሃገራዊ ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ተሓኤ፡ ኣውራ ድማ ኣብ ምምሕዳር ጸጥታ፣ ኣብ ምጣኔ ሃብታዊ ቤት ጽሕፈት፣ ኣብ ክፍሊ ምርምርን መጽናዕትን፣ ኣብ ዜናዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ብዓቢ ብቕዓትን ብተወፋይነትን ኣገልጊሉ። ሓው ኸሊፋ ዑስማን ብዕምቈት ፍልጠትን፡ ብስፍሓት ፍልስፍናዊ ርእይቶን ዝፍለጥ፡ ዝተፈላለየ ቋንቋታት ብፍላይ ድማ ዓረበኛ ዝመልኽ ዓቢ ናይ ስነ-ጽሑፍ ክኢላ ተቐላሳይ ምንባሩ ዝምስከረሉ እዩ።
እንሆ እዋን ኣኺሉ፡ ኣብታ ምሉእ ዕድሜኡ ዝኸፈለላ ሃገር፣ ምስቲ ምሉእ ዕድሜኡ ዘገልገሎ ህዝቢ፣ ኣብ ናጻ ኤርትራ ህይወት ከስትማቕርን መሬት ሃገሩን ከረግጽ ዝተነፍገ ተጋዳላይ ኮይኑ ኣብ ግዳም ዓሪፉ ኣሎ።
ብዕረፍቲ ተጋዳላይ ኸሊፋ፡ ዑስማን ኣብ መላእ ስድራቤት፣ ቤተ ሰብን፡ መቓልስቲ ብጾቱን፡ ወሪዱ ዘሎ ሓዘን፡ ከቢድ ምዃኑ እናተረዳኣና፡ ኣኻእሎን ጽንዓትን ይሃብኩም ይሃበና፡ ጠሉ ይግደፈልኩም ንብል።
ንተጋዳላይ ከሊፋ ዑስማን ከኣ መንግሰተ ሰማይ የዋርሶ!
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ገረዝጊሄር ተወልደ
ኣቦ መንበር
ብምኽንያት ቀዳማይ ዓመት ምኽታም ስምምዕ ምቁራጽ ህውከትን ተጻብኦን ምርግጋጽ ቀጻሊ ሰላምን ፕሪቶሪያ ብዝምልከት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ኤምባሲታት፡ ኣወስትራሊያ፡ ካናዳ፡ ደንማርክ፡ ፊንላንድ፡ ጃፓን፡ ነዘርላንድስ፡ ኒውዘላንድ፡ ኖርወይ፡ ስዊደንን ዓባይ ብሪታንያን ነቲ ናይ ክልተ ዓመታት ውግእ ጠጠው ዘበለ ስምምዕ ኣፍልጦ ንምሃብ ብ2 ሕዳር 2023 ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺአን።
እቲ ናይ ሓባር መግለጺ ነቲ ስምምዕ ዘለዎ ደገፍ ገሊጹ፡ ኩሎም ወገናት ድሕሪቲ ታሪኻዊ ስምምዕ ንዘርኣይዎ ኣበርክቶ ኣፍልጦ ከም ዝህብ ጠቒሱ። ስምምዕ ፕሪቶርያ ድምጺ ብረት ዘቋረጸን ንቐጻሊ ሰላም እቲ ዞባ ባይታ ዘንጸፈን ምዃኑ ድማ ኣመልኪቱ። መግለጺ ኣተሓሒዙ እዚ ዝኽሪ ቀዳማይ ዓመት፡ ነቲ ዝተረጋገጸ ዓወት ንምዕቃብ፡ ዝተረፈ ብደሆታት ንምንጻርን መጻኢ ኣበርክቶ ንምዝያድን ዕድል ዝኸፍት ምዃኑ ከኣ ኣንጸባሪቑ።
ብምትሕሓዝ ድማ ኣብ መጻኢ ኣብ መዳያት፡ ምፍታሕ ዕጥቅን ምጥያስን፡ ቀጻሊ ፖለቲካዊ ምይይጥ፡ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራን ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ወጻኢ ዝኾኑ ዕጡቓት ሓይልታትን ካብ ትግራይ፡ ምምላስ ብሰንኪ ውግእ ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ተጋሩ፡ ምሕጋዝ ናይ ውግእ ግዳያትን ዝኣመሰሉን ዝያዳ ክስራሕ ከም ዝድግፍ እቲ መግለጺ ኣስፊሩ።
እቶም ኤምባሲታት፡ ነቲ ስምምዕ ንምትግባር ሃገራቶም፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን መሓዙት ዘይመንግስታዊ ማሕበራትን ይሰርሓ ከም ዘለዋ እቲ ናይ ሓባር መግለጺ ጠቒሱ። ዝምልከቶም ፈረምቲ ወገናት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ንከውዕል ክሰርሑ ድማ እቲ መግለጺ ጸዊዑ።
ምዝካር ቀዳማይ ዓመት ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ መንገዲ ሰላም ዝኸፈተ ምዃኑ ንምምልካት ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ዘሎ ኩነታት እውን ብሰላም ንክፍታሕ ዘተባብዕ ምዃኑ እቲ መግለጺ ኣዘኻኺሩ
ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ብ2 ሕዳር 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ ብዛዕባ ዝተፈረመን ጌና ኣብ መስርሕ ዘሎን፡ ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦን ምርግጋጽ ቀጻሊ ሰላምን ዝተፈላለዩ ወገናት ሚዛኖም ይህቡ ኣለዉ።
እቲ ንክልተ ዓመታት ኣብ ትግራይ ዝቐጸለ ውግእ በዚ ስምምዕዚ ስለ ዝተቛረጸ፡ ካብቲ እንተዝቕጽል ክስዕብ ዝነበሮ ተወሳኺ ህልቂትን ዕንወትን ዘድሓነ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ዝዓበየ ኣውንታዊ ገጹ ምዃኑ ናይ ብዙሓት እምነት እዩ። ብዘይካዚ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝፍጸም ዝነበረ ጃምላዊ ማእሰርቲ ምቁራጹን ተኣሲሮም ዝነበሩ ምፍተሖምን፡ ከም ኣገልግሎት ተለፎን፡ ባንክ፡ ሕክምና፡ ትራንስፖርትን ዝኣመሰሉን ናብ ንቡር ምምላሶምን፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ተመስሪቱ፡ ሓያሎ መንግስታዊ ትካላት ናብ ንቡር ምምላሶም’ውን ከም ኣውንታዊ ውጽኢት ናይቲ ስምምዕ ዝግለጹ ዘለዉ እዮም።
ብኣንጻሩ በቲ ስምምዕ መሰረት ክትግበሩ ካብ ዝነበሮም፡ ከባብታት ወልቃይትን ራያን ናብ ምምሕዳር ትግራይ ዘይምምላሶምን እቶም ካብኡ ዝተመዛበሉ ነበርቲ ናብ መረበቶም ተመሊሶም ዘይምጥያሶምን ከኣ ካብቶም ኣብ ኣተገባብራ እቲ ስምምዕ ብኣሉታ ዝግለጹ ዘለዉ እዮም። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ በቲ ውዕል መሰረት ዕጡቓት ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን መሊኦም ካብ ትግራይ ዘይምውጸኦም ከም ዘይተተግበረ ነጥቢ ናይቲ ስምምዕ ዘዛርብ ዘሎ እዩ። ብዘይካዚ መስርሕ ትግባረ ናይቲ ስምምዕ ክከታተል ብሕብረት ኣፍሪቃ ቆይሙ ዝነበረ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ተቖጻጻሪ ኮሚተ ቀልጢፉ ስራሑ ምቁራጹን ንጉዳይ ንምጽራይ ናይቲ ዝወረደ ጥፍኣትን ተሓታትነትን ዝምልከት ኣቓልቦ ዘይምሃብን ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ።
በቲ ካልእ ወገን ድማ በቲ ስምምዕ መሰረት ሰራዊት ትግራይ በቲ ዝድለ ደረጃ ዕጥቁ ኣይፈትሐን ዝብል ስምዕታ ጌና ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ።
ድሕሪዚ ብኣወሃሃድነት ሕብረት ኣፍሪቃን ተዓዛብነት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኣሜሪካን ካለኦት ግዱሳት ሃገራትን ዝተኸተመ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ኣብቶም ሓቢሮም ኣንጻር ትግራይ ክዋግኡ ዝጸንሑ ሓይልታት ናይ ኣሰላልፋ ለውጢ ዘኸተለ ኮይኑ፡ ንፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ እውን ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዘእተወ ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ መስርሕ እዩ።
Eritrea Libertz Magazine Issue Nr.81
Written by EPDP Foreign Affairs Officeእንርከበሉ ዘለና ግዜ፡ ቅልጡፍ ምዕባለታትን ዘየቋርጽ ምቅይያራት ኣጀንዳታትን ዝረኣየሉ መዋእል እዩ። ቅልጡፍ ምዕባለ ማሕበራዊ መድያ ድማ ነቲ ዋሕዚ ኣጀንዳታት ከም ዘተባብዖ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ምስዚ ምዕባለታት ማዕረ ምጉያይን ኣብቲ ዝምልከተካ ዛዕባ ምላሽ ምሃብ ድማ ንፖለቲካዊ ትካላት ፈታኒ ኮይኑ ዘሎ እዩ።
እቶም ብዘይዕረፍቲ ዛዕባታት እናራብሑ ብቐጻሊ ዝዝርግሑ ኣካላት ዕላማ ኣለዎም። ኣብቲ ዕላማኦ ሃናጽን ኣፍራስን ተልእኮታት ኣለዉ። ካብቲ ኣፍራሲ ሸነኽ ዕላመኦም ሓደ፡ ነቲ ኩነታት ገቢቶም፡ ካለኦት ካብ ቀዳምነቶም ወጺኦም ደድሕሪኦም ከም ዝህውትቱ ምግባር እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ መዳይዚ በብግዜኡ ሓደስቲ ኣጀንዳታት እናጠፍጠፍካ ኣንፈት ኣብ ምስሓት ፍሉይ ተመኩሮ ዘለዎ እዩ። ተመኩሮ ኣለዎ ጥራይ ዘይኮነ ንህልውናኡ ካብ ዝምርኮሰሎም ኣዕኑድ ሓደ እውን ንሱ እዩ። ኣብዚ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ለውጥን ከምኡ እውን ሕብረተ-ሰብ ዓለም ንምድንጋርን ንምክፍፋልን ናይ ዝፈጥሮ ምድንጋራት እሱራት ከይንኸውን ምስትውዓል ኣድላይ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ከነቃልዖ እውን ሓላፍነትና እዩ። ኣብቲ መስርሕ ምቅላዕ፡ ካብ መሰረታዊ መትከልና ከይንወጽእ እሞ መፍቶ ህግደፍ ከይንኸውን ከም ናይ ክሳብ ሎሚ፡ ምጥንቃቕን ጸኒዕካ ምስትውዓል ከኣ የድልየና። ከምቲ “ብዕራይ ናብዘበለ እንተበለ ዕርፊ ኣጽንዕ” ዝበሃል፡ እቶም ኣጽኒዕና እንሕዞም መትከላት፡ ኤርትራዊ ክውንነት፡ ናይ ጉባአታትና ውሳነታትን በብግዜኡ ብተሳትፎ መሰረታት ብትካላዊ ኣካላት ሰልፊ ዝውሰኑ ውሳነታትን ዝውሰዱ መርገጻትን፡ ምስ ህልዊ ምዕባለታት ህዝብን ሃገርን ብምግንዛብ ማለትና እዩ።
እቶም ህግደፍ በብግዜኡ ህዝቢ ኤርትራ ዘይረብሓሎምን ዘይፈልጦምን፡ ዝዝርግሖም ናይ ጽልኢ ወፈራታት፡ ውግኣትን ሕቡኣትን ዘይትካላውን ስምምዓትን ኣንፈት ህዝብናን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ኣብ ልዕሊ ምስሓቶም ደሓር ተጣዒስካ ዘይምለስ ዋጋ ዘኽፍሉ’ውን እዮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ህግደፍ ካብ ዝወረሶም ጸይቅታት፡ በብግዜኡ ኣጀንዳታት እናፈጠርካ ብምዝርጋሕ ኣንፈትካ ምጥፋእ እዩ። ነዚ ብዝምልከት ኣብ ኢትዮጵያዊ ዛዕባ በብግዜኡ ዘጋጠመ ሰፊሕ ዝርዝር ምቕራብ ዝከኣልኳ እንተኾነ፡ ዋናታቱ ስለዘለዉዎ፡ ንዓና ዝምልከት ኣይኮነን። ኣብቲ ንኤርትራ ዝትንክፍ ኣዳናጋሪ ኣጀንዳኦም ግና፡ ሓሳብ ክንህብን መኸተ ዘድልዮ እንተኾይኑ’ውን ክንምክትን ናይ ግድን እዩ።
ኣብ ግዜ ውግእ ትግራይ ብዙሕ ዝበልናን ዝወሰንናን ከም ኢሳያስ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢድ ናይ ምእታው ህርፋን ሃልዩና ዘይኮነ፡ ጽልዋኡ ናብ ኤርትራ ቀጥታዊ ስለ ዝነበረ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ብወገን ኢትዮጵያ ተላዒሉ ዘሎ ንኤርትራ ዝትንክፍ ኣጀንዳ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕርን ወደብን፡ ብጥዑይ ኣእምሮ ክትመዝኖን ከተማእዝኖን ዘጸግምኳ እንተኾነ፡ ክንዛረበሉ ተገዲድና ኣለና። ምኽንያቱ ናብ ልኡላውነት ኤርትራ ዘቕነዐ ሓደገኛ ወስታ ስለ ዝኾነን ሰሚዕካ ስቕ ምባሉ ድማ ከም ዝተቐበልካዮ ዘምስልን ስለ ዝኾነ። ካብዚ ወጻኢ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣቲኻ ናይ ምድኻር ህርፋን ስለ ዘለና ኣይኮነን። ሓደ ካብ’ቲ ኣጽኒዕና እንሕዞ ሰልፋዊ መትከልና ድማ እቲ ኣብዘይጉዳይና ክንኣቱ ዘይፈቅድ እዩ።
ኣብ ግዜ ውግእ ትግራይ ኣብ ደንበ ሓይልታት ለውጢ ኣብ መርገጽን ናይቲ ተረኽቦ ኣተኣልልያ ሜላታትን ፍልልያት ኣጋጢሙ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። እቲ ፍልልያት ኣብቲ ሓቢርና ከነስጉሞ ዝግበኣና ኤርትራዊ ናይ ሓባር ዕማማትና ብኣሉታ ከም ዝጸለወና ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ጸገም ካብ ዘውደቑና ምኽንያታት ከኣ እቲ ማዕበል ንከይወስደና፡ ኣብ ኤርትራዊ መትከላት ናይ ዘይምጽናዕ ጸገም ምንባሩ ርዱእ እዩ። ብሰንክ’ዚ ካብቲ ናይ ለውጢ ደንበ ከምዘይምለሱ ኣርሒቖም ዝኸዱ ወገናት’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን።
ሎሚ መጺኡና ዘሎ ኣጀንዳ መንቀሊኡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ። ኣብቲ ካብ ኣጀንዳና ናይ ምውጻእ ሓደጋኡ ግና ህግደፍ እውን ዘይጥቀመሉ ምኽንያት የብሉን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብሰንኩ ዝመጸ ድፍረትን ንዕቀትን እዩ። ናይ ብዙሓት ካብቲ ኣንጻር እቲ ጉጅለ ከቕንዕዎ ዝግበኦም ኣድህቦ ናብ ካልእ ኩርናዕ ክጥምቱ ምግዳዶም ሓንጐፋይ ኢሉ ከም ዝቕበሎ ድማ፡ ርዱእ እዩ። ነዚ መንቀሊኡ፡ እዋናውነቱን ብድሕሪኡ ዘሎ ሓይሊ መን ምዃኑን ብዝምልከት ክትግምት እምበር፡ “ከምዚ እዩ” ክትብሎ ዘጸግም፡ ንብዙሓት ኣሻቒሉ ዘሎ ተርእዮ ምላሽ ህግደፍ “…. ኣብ'ዚ ቀረባ እዋናት፡ ብዛዕባ ማያትን መሳዂቲ ባሕሪን ዝመሳሰሎ ኣርእስትታትን ዝተባህለን ተባሂሉ ዝተባህለን፡ እልቢ የብሉን። ዘየስደመሞ ተዓዛቢ ኸኣ የለን። መንግስቲ ኤርትራ፡ ከም ወትሩ - ኣብ ከም'ዚ ዝኣመሰለ ጐደናታትን መኣዲታትን ከምዘይዕደም ደጋጊሙ እናረጋገጸ፡ ንኹሎም ግዱሳት ከይትንኰዩ ይምሕጸን።” ዝብል ጥራይ ምዃኑ፡ በቲ ሓደ ወገን እንኳዕ ከምዚ ዓይነት ኣንፈት ህዝብን ሓይልታት ለውጥን ክቕይር ዝኽእል ኣጀንዳ መጸለይ ብዝብል ዝተሓጐሰ ይመስል። ብዓብይኡ ከምዚ ዓይነት ኢደ-እግሩ ዘይፍለጥ መግለጺ ምሃቡ፡ ኣብ ልዕልቲ ጉዳይ ልኡላውነቱ ክለዓል እንከሎ ዝሻቐል ህዝቢ ኤርትራ፡ ዘለዎ ንዕቀትን ብደዐን ዘርኢ እዩ። እንተ ንሕና ነዚ ተርእዮ ሃዲእና ብመንጽርቲ፡ “ምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳይ ካልኦት ኢድ ዘይምእታውን ምስ ካለኦት ህዝብታት ብናይ ሓባር ረብሓን ሰላምን ኣሳኒኻ ምንባር” ዝብል፡ መትከልና ክንቃንዮ ዝግበኣና እዩ።
ከም ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ፡ እዚ ኣንፈቱ ዘይፍለጥ ኣጀንዳ ካብቲ መተካእታ ዘየብሉ ናይ ሓባር መድረኽ ናይ ምፍጣር ኣንፈትና ከየላግሰና፡ ልቦና ከነዕብን ክንከኣኣልን ይግበና። እዚ ተላዒሉ ዘሎ ጉዳይ ቀይሕ ባሕርን ወደብ ዓሰብን፡ መንቀሊኡ ንሱ ጥራይ’ዩ እኳ እተዘይበልናዮ፡ ካብቲ ሒዝናዮ ዘለና ኣብ ኤርትራ ለውጢ ናይ ምምጻእ ቃልሲ ኣንፈት ምስሓት ተልእኮ ከም ዝህልዎ ኣይንዘንግዕ። እዚ ከኣ መትከላዊ እምነትካ ብዘይምስሓት “ከይንግዳዕ፡ ከም ወትሩ ኣብ መትከልና ንጽናዕ” ዝብል፡ ጭረሖ ኣምሪሕናን ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮና ተማሂርናን ክንብደሆ ዝግበኣና እዩ።
Eritrea. Liberty Magazine Issue Nr.81
Written by EPDP Foreign Affairs Officeተሓላቒት መሰል ደቂ ኣንስትዮ፡ ገበናት ውግእ ሱዳን ክምርመር ጸዊዓ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሃላ ኣል-ካሪብ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ክፉት ምይይጥ ሓሳባ እናቕረበት
ብመሰል ደቂ ኣንስትዮ እትሕለቕ፡ ሃላ ኣል ካሪብ፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ሱዳን ብሰንክቲ 6ይ ወርሑ ሒዙ ዘሎ ውግእ ሕድሕድ ይፍጸም ዘሎ ገበናት ውግእ ብመንጽር ዓለም ለኻዊ ሕግታት ንከጽንዖ መጸዋዕታ ምቕራባ ካብቲ ቤት ምኽሪ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከም ዘረደአ ሱዳ ትሪቡን ጠቒሳ።
ኣል ካሪብ ዞባዊ ዳይረክተር ተበግሶ ንጉዳይ ደቂ ኣንስቶ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ነዚ መጸዋዕታ ዘቕረበት ብ25 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተኻየደ ክፉት ምይይጥ እዩ። ኣብቲ ክትዕ እታ ዞባዊት ዳይረክተር፡ እቲ ብቤት ምኽሪ ናይቲ ገበንናት ተሓተቲ ኣብ ምቅላዕ ንክሰርሕ ጸዊዓ። ብምትሕሓዝ ድማ እቲ ምጽራይ ደረጃኡ ብዝሓለወ ዓለም ለኻዊ ሕጊ ናጻን ዘይሻራ ብዘይብሉን ክኸውን ጸዊዓ።
ኣተሓሒዛ ድማ እቲ ዝግበር ምጽራይን እገዳን፡ ኣብ ጉዳይ ጾታው ወሲባውን ዓመጻት ደቂ ኣንስትዮ ዝሕተቱ ኣካላት ብንጹር ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ጸዊዓ። ኣል ካሪብ መግለጺኣ ብምቕጻል፡ ሚልዮናት ሱዳን ደቂ ኣንስትዮ ህይወተን ንብረተንን ከም ዝሰኣናን እተን ብህይወት ዝተረፋ ድማ መሰረታዊ ቀረባት ክረኽባ ከም ዘይከኣላ ዘርዚራ። ሕጂ እውን እቶም ካብቲ ዝተመዛበለ ህዝቢ ዓብላሊ ብጽሒት ዘለዎም ኣደታትን ህጻናትን እቲ ዝተሓተ መሰረታዊ ሰብኣዊ ቀረባት ይጽበዩ ከምዘለዉ ኣብሪሃ።
More...
African Union publishes Eritrea’s official report on its obligations under the AU Charter
Written by Martin Plaut
ላዕለዋይ ተወካሊ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ሰብኣዊ ኩነታት ኢትዮጵያ መግለጺ ኣውጺኦም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤስእሊ ካብ መርበብ ሕብረት ኤውሮጳ
ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኤውሮጳ ጆሴፍ ቦረል፡ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ይካየድ ብዘሎ ቀጻሊ ጐንጺ ይወርድ ብዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ይኽተል ብዛዕባ ዘሎ ሞት ሰባትን ብዝሓደሮም ተሪር ሻቕሎት መግለጺ ኣውጺኦም።
በቶም ኤውሮጳዊ ላዕለዋይ ሓላፊ ዝወጸ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ህጹጽ ኩነታት ካብ ዝእውጅ ንደሓር ብዝተኻየደ ሰፊሕ ወፈራ ዝተኣስሩ ኢትዮጵያውያን ንክፍትሑ፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ኢትዮጵያን፡ ብተደጋጋሚ መሰል ሲቪል ሕብረተሰብ ንክሕሎን ህውከት ንክቋረጽን ክቐርብ ንዝጸንሐ መጸዋዕታታት ሕብረት ኤውሮጳ’ውን ዝቕበሎ ምዃኑ ሓቢሩ።
እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ምስ ዝኾነ ልዝብ፡ ዕርቅን ሰላምን ዘምጽእ ፖለቲካዊ መፍትሒ ንምምጻእ ዝካየድ መስርሕ ክተሓባበር ቅሩብ ምዃኑ ሓቢሩ። ኢትዮጵያውያን መንገዲ ሰላምን ዘተን ክኽተሉ ድማ ኣትሪሩ ጸዊዑ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ፡ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ኢትዮጵያ ዝረኣዩ ዘለዉ ሰብኣዊ ጥሕሰታት፡ ብዘይኣድልዎን ብብቕዓትን ክጻረዩን ዝምልከቶም ኣካላት ከኣ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ተሓተቲ ንክኾኑ ተሪር መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።