Contact

Contact us for any queries, comments, article postings, feedback, and questions @ This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it..

For membership email This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it./

For donations and financial contributions to EPDP, visit EPDP Support banner on the home page or email us @ This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it./


Magazine

 TigriniaMagazineharnnetmagazinetigrina

 

 

 


Harnet Magazine Apr 2013


 Harnet_Magazine Mar 2013


Harnet Magazine Jan 2013


Harnet Magazine Dec 2012


Harnet Magazine Nov 2012


Harnet Magazine October 2012


Harnet Magazine Sept 2012


Harnet Magazine August 2012


Harnet Magazine July 2012


Harnet Magazine June 2012


Harnet Magazine May 2012


Harnet Magazine Apr 2012


Harnet Magazine Mar 2012


Harnet Magazine Feb 2012


Harnet Magazine Jan 2012


Harnet Magazine Dec 2011


 Harnet Magazine Nov 2011


Harnet Magazine Oct 2011


Harnet Magazine Sept 2011


Harnet Magazine August 2011


Harnet_Magazine_July 2011


Harnet Magazine June 2011


Harnet Magazine May 2011


Harnet Magazine April 2011


Harnet Magazine March 2011


Harnet Magazine February 2011


Harnet Magazine January 2011


Harnet Magazine December 2010


Harnet Magazine November 2010


Harnet Magazine October 2010


Harnet Magazine September 2010


Harnet Magazine August 2010


Harnnet Magazine July 2010


Harnnet Magazine May 2010


 

Harnnet magazine April 2010

1

 


 

Harnnet Publication March 2010


 

 

 

 
 
Arabic Magazine

harnnetmagazinearabic


 Harnet Magazine May 2013


 Harnet Magazine Mar2013 


Harnet Magazine Dec 2012


 Harnet Magazine July 2012


Harnet Magazine June 2012


Harnet Magazine May 2012


Harnet Magazine Apr 2012


Harnet_Magazine_Mar 2012


Harnet Magazine Feb 2012


Harnet Magazine Jan 2012


Harnet Magazine Dec 2011


 Harnet Magazine Nov 2011


Harnet Magazine Oct 2011


Harnet Magazine Sept 2011


Harnet Magazine August 2011


Harnet Magazine July 2011


Harnet Magazine June 2011


Harnet Magazine May 2011


Harnet Magazine March 2011


Harnet Magazine February 2011


Harnet Magazine January 2011


Harnet Magazine December 2010


Harnet Magazine November 2010


Harnet Magazine October 2010


Harnet Magazine September 2010


Harnnet Magazine August 2010


Harnnet Magazine July 2010


Harnnet Magazine May 2010


Harnnet Magazine April 2010 


 

 

 

 

 

 


موجهات عامة لمن يكاتبوننا

 

موجهات عامة لمن يكاتبوننا

إن ا، هو توفير بيئة صحية وحرة للتبادل الحر والبنـــــَّــــاء للرأي بين أصحاب الرأي من مختلف المشارب والمذاهب، أفراداً كانوا أو جماعات. لذلك فالموقع علي استعداد لنشر أية أفكار أو آراء موضوعية عدتها وعتادها الحجة والمنط لهدف الأساس الذي أنشأنا من أجله هذا الموقع الالكتروني علي الشبكة العنكبوتية الدوليةق، وصحيح أنه كما يقولون: ليس هناك أفكار خاطئة ولكن أحكام خاطئة، إلا أن ذلك لا يمنعنا من حقنا في رفض الكتابات التي يتأفــَّــــف حتى أصحابها من نسبها اليهم أو وضع بصماتهم وتوقيعاتهم وعناوينهم الحقيقية عليها ولا يتشرفون بتبنيها أو ادعاء المسئولية عنها، فضلاً عما تعج به تلك الأفكار من سموم مدسوسة وظاهرة وآراء ملـــــــوِّثة للبيئة الفكرية والإنسانية في ارتريا حاضراً ومستقبلاً، وطمس وتزييف للحقائق واغتيال واغتياب معنوي لمن يتصدون للعمل النضالي العام في جسارة وإنكار ذات.

 

إننا ننطلق في مبادئ النشر عندنا من كل ما يشجع علي تبادل الود والاحترام بين الكتاب أنفسهم ونشر التسامح بينهم رغم تباين آرائهم، والعمل سوياً علي البحث والتنقيب عن حلول المشكلات وتقديم البدائل الأفضل، والسعي الي تقريب المسافات وتذويب الفجوات بين مختلف قطاعات شعبنا والتــــَّـــرنـــُّـــم معاً علي أنغام سيمفونية الوحدة والتقارب، لا الألحان النشاز المفسدة لأذواقنا جميعاً.


መምርሒ ንኣቕረብቲ ጽሑፋት

እዚ መርበብ ሓበሬታ’ዚ ዝተመስረተሉ መሰረታዊ ዕላማ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት ዘለዎም ውልቀሰባትን ጕጅለታት፡ ናጻን ሃናጽን ምልውዋጥ ናይ ርይቶታት ንምክያድ ተባሂሉ ኢዩ። ስለዘዝዀነ ከኣ፡ ኣብ ኣምራት ዝተመርኰሱ ሓሳባት ሓንጐፋይ ኢሉ ከስተናግዶም ድልዊ ኢዩ። ሕማቕ ፍርዲ እንተዘይኰይኑ ሕማቕ ሓሳባት የለን። እዚ ኰይኑ ግን፡ ንሕማቕ ዕላማ ዝተበገሱ፡ ንጭብጥታት ዝጥምዝዙ፡ ንውልቀሰባት ጸለሎ ዝቐብኡ፡ ጐዛዘይቲ፡ ካብ ጽልኢ ዝተበገሱን ሓቀኛ ኣድራሻን መንነትን ዘይብሎምን ጽሑፋት ናይ ምንጻግ መሰል ከምዘሎና ክንሕብር ንፈቱ።

ኵሎም ኣቕረብቲ ጽሑፋት፡ ነንሓድሕዶም ዝከባበሩ፡ ናይ ሓሳባት ፍልልያት ዝጾሩ፡ መፍትሒታት ንምርካብ ዝጽዕሩ፡ መተካእታ ሓሳባት ዘቕርቡን ንሓድነት ዝሕግዝ ቃና ዘለዎምን ክዀኑ ድማ ነተባብዕ።



EPDP Profile (Tigrinia)

ሰደህኤ ኣብ 2016፡ ሓጺር ሌላ


.
ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ) ባሕቲ ጥሪ 2010 ብናይ ክልተ ውድባት ምትሕንፋጽ ካብ ዝምስረት ሸውዓተ ዓመቱ ኮይኑ። 1ይ ጉባአኡ ብ2011 ኣካይዱ። 2ይ ጉባአኡ ድማ ብ2015 ኣብ ክልተ ቦታታት (ኣብ ጎንደር ኢትዮጵያን  ዊሰባደን ጀርመንን) ኣሰላሲሉ። በዚ መሰረት እዚ ንደሞክራሲ ስቃለስ ዓብይ ሰልፊ 7 ዓመታት ኮይንዎ ኣሎ። ሰደህኤ ውጽኢት ኣብ ግዜ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነት ኣዝዮም ተጻረርቲ ናይ ዝነበሩ ክልተ ፖለቲካዊ መስመራት ስለ ዝኾነ ክብደት ዝወሃቦ ሰልፊ እዩ።

እዚ ሰልፊ ኣብዚ ሓጺር ዕድሚኡ፡ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ዝርከብዎ ኣብነታዊ ትምህርትን ኣብ ምሃብ ተዓዊቱ እዩ።
.
• እቶም ነባራት ፖለቲካዊ ውዳበታትን (ከም ተሓኤን ህግሓኤን) ታሪኾምን ጸጋታቶምን በቲ ዘይሕለል ጻዕሮም ዘይርስዑ ምዃኖም
• ቅድም ፖለቲካዊ ተሃላለኽቲ ዝነበሩ ወገናት፡ ንኩነታት ቀይሮም፡ ንናይ መጻኢ ናይ ሓባር ዕማም ብሓባር ክሰርሑ ከም ዝግበኦም
• ዝነበረን ዘሎን ኤርትራዊ ምልክታት (ከም ባንዴራ ዝኣመሰለ) ዋንነቶም ኮነ ውክልናኦም ናይ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ። በዚ መሰረት መፈላለይን መረሓሓቕን ክኾኑ ከም ዘይግበኦም።

እዚ መላለይ (ፕሮፋይል)  ነዚ ዝስዕብ ሓበሬታ ዝተዳለወ እዩ።
• ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ኣብ መስከረም-ጥቅምቲ 2016 ዝተኻየደ፡ 7ይ ስሩዕ ኣኼባ:  በቲ ኣብ 2015 ዝተመርጸ ባይቶ  ዝተመርጹ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ
• ሓጺር ራኢ ሰደህኤ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝትግበርን ድሕሪ ውድቀት ዲክታቶር ኣብ ኤርትራን
• ኣብ 2ይ ጉባአኡ ብ2015 ዝተወሰነ ፖለቲካዊ ውሳነታትን
• ሰልፋዊ ቅርጻ ስርዒትን

 

መሪሕነት ሰልፊ

ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ሰደህኤ

1. መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦመንበር ሰልፊ
2. ወልደየሱስ ዓማር ሓላፊ ወጻኢ ጉዳያት
3. ተስፋይ ወልደሚካኤ (ደጊጋ) ሓላፊ ውደባዊ ጉዳያት
4. ደበሳይ በየነ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜና
5. ረዘነ ተስፋጼን ሓላፊ ገንዘባዊ ጉዳያት
6. ኣለም ዮሃንስ፡ ሓላፊ ማሕበራዊ ጉዳያት
7. ኢድሪስ እስማዒል፡ ሰክረተር ፈጻሚ ሽማግለ
8. ኤርትራ ኣልኣዛር፡ ሓላፊት ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ
9. መድሃኔ ህብትዝጊ ሓላፊ ጉዳይ መንእሰያት

ኣባላት ማእከላይ ባይቶ ሰደህኤ ብመስርዕ ናይ እንግሊዝ ፊደላት ተርታ ከኣ እዚ ዝስዕቡ እዮም

10. ኣድያም ተፈራ
11. ኣክሊሉ ግማይ ዶ/ር
12. ዓሊ ዲናይ
13. ኣልጋነሽ ኢሳቕ
14. ኣማኑኤል በራኺ
15. ኣሰፋው በርሀ
16. ድራር ማንታይ
17. ክብሮም ግረነት
18. ፍሰሃየ ሓጐስ
19. ፈቨን ጊደወን
20. ገርጊስ ነጋሽ
21. ግርማይ ተመስገን (ቀሺ)
22. ሃብተሚካኤል ተኽለ ዶ/ር
23. ሃይለ ገብሩ
24. ሃይለ ወልዱ
25. ኢስማዒል ናዳ
26. ዒሳ መሓመድ
27. መሓመድ ኣደም ኣርተዓ
28. መሓመድ ኣሰሎ
29. ነጋሲ ሓምደ
30. ንጉሰ ጸጋይ
31. ተኽለ መለኪን
32. ትኩእ ተስፋይ
33. ዮሃንስ መንግስቱ

ተጠባበቕቲ ኣባላት

1. ዓብደልቃድር ህብትየስ
2. ሃይለየሱስ ገብራይ


ራኢ ሰደህኤ እንታይ እዩ!


.
• ሰደህኤ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዘይተዓውተ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ባህጊ፡ ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ማዕርነትን ማሕበራዊ ፍትሕን ከማልእ ዝቃለስ ሃገራዊ ደሞክራስያዊ ሰልፊ እዩ።
• ሰደህኤ፡ ብዙሕነታዊ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ብምዕቃብ፡ ንምዕሩይ ምክፍፋል ፖለቲካዊ ስልጣንን ጸጋታት ሃገርንን  ንዘይምእኩል ምምሕዳር ዝቃለስ ሰልፊ እዩ።
• ሰደህኤ፡ እቲ ዝዕወት ህዝባዊ ሓይሊ ምዃኑ ይኣምን። ንህልዊ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምውጋድ፡ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ይኽተል። ቦታ ዲክታቶር ንምትካእ ከኣ ቀንዲ ምንጩ ህዝቢ ዝኾነ ሕገመንግስታዊን ኣብዘሓ ሰልፋውን ምምሕዳር ምዃሙ ይኣምን
• ሰደህኤ፡ መጻኢት ኤርትራ ብልጽግትን ልኡላውነታ ዘውሓሰትን ክትከውን ይርኢ።
• ሰደህኤ፡ እዚ ዝረአ ዘሎ ምክፍፋል ብምጽናዕን ብምርዳእን፡ ህዝቢ ከም ዝርደኦ ብምግባር፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ንክዕወት ዘይተሓለለ ቃልሲ የካይድ።
• ሰደህኤ፡ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ኮነ መላእ ዓለም ንሰላማዊ ዝምድናን ንናይ ሓባር ረብሓን ምድግጋፍን ይቃለስ



ዕማማት ሰደህኤ ዝያዳ ብዕምቆት ንምርዳእ፡ እዚ ካብዚ ቀጺሉ ሰፊሩ ዘሎ ውሳነታት ኣብቲ ብሓምለ 2015 ዝተኻየደ  2ይ ጉባአኡ ዝጸደቐ  እዩ።


ፖሊቲካዊ ውሳኔታት 2ይ ጉባኤ ሰዲህኤ

1. ተራን ተሳትፎን መንEሰይ

• ብሩህ መጻኢ ሃገርና ክንብል ከሎና: መጻኢ ዕማም ናይቲ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ 70% ዝኾነ መንእሰይ ወለዶ ማለት ምዃኑ ብምርግጋጽን፣ ናይ ምስግጋር ሓላፍነቱ ብምስትውዓልን፡
• ኣድማዕን ዕቱብን ተሳትፎ መንእሰይ፡ እምነ-መሰረትን ሞተረን ቃልሲናን፡ ዋሕስ ቀጻልነቱን ዓወቱን ምዃኑ ጥርጥር ስለ ዘየለ፣
• ስርዓት ህግደፍ ፈጢሩዎ ዘሎ ናይ “ኣይ ኵናት ኣይ ሰላም” ኩነታት፡ ንመንእሰይ ወለዶ ከም ናይ መጀመርታ ግዳይ ጌሩዎ ምህላዉ ብምርዳእ፣
• ከም ሳዕቤን ናይ ህልው ስርዓት ህግደፍ ዘሕደረሉ ስምብራትን፡ ድኽመት ደምበ ተቓውሞን፡ ተራን ተሳትፎን
• ኤርትራዊ መንእሰይ ብዝድለ ውዳበ ከም ዘየለን ኣብ ኣዕጋቢ ደርጃ ከም ዘይበጽሐን ብምግንዛብ፡ ኣብ ዕግበት ብምብጻሕ፣
• ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብ 60ታት እውን ዝነበሮ መሪሕ፡ ታሪኻውን ሓርበኛውን ናይ ምልዕዓል ግደ ብምዝካር፡
• ዝያዳ ኩሉ ድማ እቲ ሃገር ናይ ምህናጽን ምቕጻልን ሓላፍነት ዘለዎ መንእሰይ፡ ብሰንኪ ጸረ ህዝቢ ተግባራት ስርዓት ህግደፍ ናብቲ መሰረታዊ ፍታሕ ዘየምጽእ ስደት ምስ ኣምረሐ የጋጥሞ ብዘሎ ህልቂት ኣዚና ስለ እንሓዝን፡
ጉባኤና እዚ ዝስዕብ ወሲኑ፡

• ሰዲህኤ፡ ከም መቐጸልታ ናይ ቅድሚ ሕጂ ጻዕርታቱ፡ መስርሕ ምርግጋጽ ኣድማዒ ተሳትፎ ኤርትራዊ መንእሰይን፡ ምቅልጣፍን ንምስግጋርን መሪሕነታዊ ተራ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ናብ ክዉንነት ንምቕያር ዘኽእል መሳለጥያታትን ኣገባባትን ምፍጣር ሓደ ካብ ናይ’ዚ እዋን ቀዳምነታት ምዃኑ የረጋግጽ። ብግብሪ ክሰርሓሉ ድልዊ ምዃኑ ከኣ የረጋገጽ።
• ካብዚ ሓሊፉ ሓድሽ ኣወዳድባን ዘመናዊ ናይ ርክብ መስመራት ንክዝርጋሕ ከኣ ጉባኤ ወሲኑ።
• ብዘይካዚ መንእሰይ ዘለዎ ረዚን ሓላፍነት ተገንዚቡ ህዝብን ሃገርን ኣብ ናይ ምድሓን ቃልሲ ብትሪ ንክሳተፍ ጉባኤ ጸዊዑ።

2፡ተራ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ

• ደቂ ኣንስትዮ ፍርቂ ክፋል ሕብረተሰ ኤርትራ ስለ ዝኾናን ብዘይተሳትፎአን ዝዕወት ቃልሲ ከም ዘየለ ካልኣይ ጉባአ ሰልፍና ደጊሙ የረጋግጽ።
• ኣብዚ እዋን ዋሕዲ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ቀንዲ ኣሰከፍቲ ጉዳያት ናይ ለውጢ ሓይልታት ሓደ ምዃኑ ጉባአ ተገንዚቡ።

 በዚ መሰረት  ሰልፍና ንብኩራት ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት ጽጹይ መጽናዕቲ ከም ዘካይድ እንዳረጋገጸ፡ ቀንዲ ሰብ ጉዳይ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ብትግሃት  ምእንቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝካየድ ቃልሲ ተሳታፍነተን ከረጋግጻ ሰልፍና ይጽውEን።

3፡ ኣገባብ ቃልሲ

• ድሕሪ ንሕሉፍ ተመክሮታትን ውጽኢታትን ብዕምቆት ምዝታይን ምግምጋምን፣
• ብሕልፊ ከኣ ነቲ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን እተራእየን ዝቐጸለን ህዝባዊ ኣገባብ ተቓውሞ ብምስትብሃልን ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ኮነ ኣብ ወጻኢ ዘሕይልዎ ዘለዉ ህዝባዊ ናዕብታትን ተቓውሞታትን ብምግንዛብ፣
• ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክኽተሎ ዝጸንሐን ዘሎን፡ ሰላማዊ ንዲሞክራሲያዊን ኣገባብ ቃልሲ፡ ሕጂ እውን ህሉው ኲነታት ሃገርናን ህዝብናን ዝጠልቦን ዝጻወሮን ብምዃኑን፡
• ንመጻኢ እውን፡ ህሉው ስርዓት ንምእላይ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ በዚ ኣገባብ’ዚ ኪቕጽል ጉባኤ ወሲኑ።

ዲሞክራሲያዊን ስርዓት ንምትካል ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ፡ ናይ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ተሳትፎን ኣበርክቶን ዝሓትት ይኹን’ምበር፡ ንምቅልጣፉን ናይ ዝበዝሐ ኤርትራዊ ተሳትፎ ንምርግጋጽን፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ናይ ዘሎ ኤርትራዊ ተራ ወሳኒ ምዃኑ ይኣምን። ምስዚ ምትሕሓዝ ነቲ ለውጢ ካብ ውሽጢ ዝብል እምንተኡ ጉባአ ዳግማይ የሕድሶ።

4 ሓድነት ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ብዝምልከት

• ኣብ ሃገርና ዲሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ንምምጻእ ንዝግበር ቃልሲ ንምምራሕን፡ መተካእታን ኣማራጺን ህሉው ስርዓት ህግደፍ ንምዃንን ብቕዓት ዘለዎ ሃገራዊ ውደባ ምድልዳል፡ ይጽንሓልና ዘይብሃል ህጹጽ ናይ ሓባር እማም ምዃኑ ብምእማን፣
• ክሳብ ሕጂ፡ ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቓውሞ ኪግበር ዝጸንሐ ናይ ምቅርራብን ምጥርናፍን ፈተነታት፡ ሕሉፍ ተመክሮታት ብዕቱብነት ከይተገምገመ፡ ተሳትፎ ሓፋሽ ህዝቢ ዝግባእ ግምት ከይተዋህቦ፡ ብቑዕ ምድላው ዘይተገብረሉ፡ ዝጎደሎ፡ ምንባሩ ብምስትብሃል፣
• ነፍሲ ወከፍ ውድብ/ሰልፊ፡ ናይ ካልኦት ፖለቲካዊ ፕሮግራም ኣኽቢሩ፡ ብሰላማውን ዲሞክራሲያዊን ኣገባብ ኣብ ህዝቢ ብምውራድን ብምውድዳርን ተቐባልነት ህዝቢ ከሲቡ፡ ዕላማታቱ ከተግብር ዝኽእል፡ ህሉው ስርዓት ድሕሪ ምልጋሱ ስለ ዝኾነ፡ ምእላይ ህሉው ስርዓት፡ ናይዚ መድረኽ ቀዳምነት ገይሩ ክሰርሓሉ ካብ ዘለዎ ድሌት ብምብጋስ፣

ጉባኤና ነዚ ዝስEብ ወሲኑ፡-

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ውድባት ተቓውሞ ስኒት ዝፈጥር፡ ኩሉ ኤርትራዊ ተቓዋማይ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ እጃሙ ከበርክት ዘኽእልን ዘተባብዕን፡ ክሳብ ውድቀት ስርዓት ህግደፍ ንዘሎ መድረኽ ቃልሲ ዝመርሕ፡ ምስ ኩሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት ናይ ሓባር መድረ ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ ንምዕዋቱ ከይተሓለለ ቀዳምነት ሂቡ ክሰርሕ ቅሩብ ምዃኑ ደጊሙ የረጋግጽ። ነቲ ክሳብ ሕጂ ዓንቂጹ ዝጸንሓ፡ ዘይምትእምማንን ዘይምጽውዋርን ገታኢ ባህሊ ንምውጋድ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ሰልፍና እጃሙ ከበርክት ወሲኑ።

5፡ ሉኣላውነት ኤርትራ

ናይቲ ኤርትራውያን ንነዊሕ ዓመታት ዝኸፈልዎን ጌና ዝኸፍልዎ ዘለዉን ረዚን ዋጋ ማእከላይ ዕላማ ልኡላዊት
ኤርትራ ምርግጋጽን ምዕቃባን እዩ። ኩሉ ኤርትራዊ ባህግታትን ድሌታትን ክረጋገጽ ዝኽእል ኣብ ልኡላውነታ
ዘውሓሰት ኤርትራ ጥራይ ምዃኑ ሰልፍና ይኣምን።

• በዚ መሰረት ጉዳይ ልUላውነት ወትሩ ዘይንዝገዖ ኣጀንዳና እዩ። ናይ ኤርትራ ህልውናን ቀጻልነትን ካብ ዘውሕሱ ዓበይቲ ጉዳያት ሓደ ምዕቃብ ልኡላውነታ እዩ።
• ንኹሉቲ ስርዓት ህግደፍ ንክቱር ፍቕሪ ሃገር ህዝብና መዝሚዙ ዝወስዶ ካብ ልኡላውነት ሃገርና ፈሊኻ ዘይርአ ቀጻልነት ህዝብና ዝህድድ ኣተሓሕዛኡ ንኹንንኖ።
• ቀጻልነት ህዝብናን ምዕቃብ ልኡላውነትናን ከም ናይ ሓደ ቅርሺ ክልተ ገጻት ብማዕረ እንሕልዎምን እንዕቅቦምን እምበር ፈላሊኻ ዘይረኣዩ ምዃኖም ከኣ ንኣምን።

6፡ ስርዓት ህግደፍን ቅዋምን

ብስርዓት ህግደፍ ተነዲፉ፡ ካብ ዝጸድቕ 18 ዓመታት ዘሕለፈን ዘይተተግበረን ናይ 1997 ቅዋም ኤርትራ፡ ህግደፍ ድሕሪ ምውዳቑ ጥራሕ እዩ ባይታ ረኺቡ ከካትዕ ዝኽእል፡፡ ብምልኡ ናይ ምቕያሩ ይኹን ወይ ናይ ምምሕያሹ ጒዳይ ከኣ ብህዝበ-ውሳኔ ወይ ድማ ህዝቢ ብዝመረጾ ባይቶ/ፓርላማ ዝውሰን እዩ” ዝብል ካብ ነዊሕ ግዜ ዝሓዝናዮ መርገጽ ሰልፍና እዩ።

• ኣብዚ ኣዋንዚ ከኣ ስርዓት ህግደፍ ብዘይትግባር መብጸዓታት ህዝቢ ንምዕሻው ጌና እቲ ኣጽዲቐዮ ዝበሎ ቅዋም ተቐባልነት ዘየብሉ ምኽንያታት ኣንዳመሃዘ፡ ብተግባር ከይተፈተነ “ካልእ ሓድሽ ቅዋም ከጽድቕ ኣየ” ምባሉ ካብ ምትላል ሓሊፉ ካልእ ትርጉም ከም ዘየብሉ ጉባአ መዚኑ።
• በዚ መሰረት ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ሕብረተሰብ ዓለም በዚ መታለሊ ተግባራት ከይዕሸዉን ንተግባራት እቲ ስርዓትክኹንኑን ንጽውዕ።

7፡ ጉዳይ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት

ሰዲህኤ፡ ኤርትራውያን በብግዜኡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ንምምጻእ ንዝሓዝዎ እምነትን ዝወሰድዎ ተባዕ ስጉምትን ይድግፍ። ሕጂ እውን እዚ ተጀሚሩ ዘይተፈጸመ፡ ኣብ ኤርትራ ለውጢ ናይ ምምጻእ መስርሕ ኣብ ውጽኢት ንክበጽሕ ኤርትራውያን ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት፡ ብዘይ ውዓል ሕደር ንክፍትሑ ተጽዕኖ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ከሕይል ካብዚ ጉባአና ንጽውዕ።

8፡ ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ዝምልከት

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ዘቖማ መርማሪት ኮሚሽን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት መጽናዕቲ ዘቕረበቶ ናይ 483 ገጻት ጸብጻብ ኣብ ኤርትራ ብስርዓት ህግደፍ ክፍጸም ንዝጸንሐ ኩሉ ዓይነት ግህሰታት ናብ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰባት ይምዕብል ከምዘሎ ኣቃሊዓ እያ። ሰልፍና ነቲ ንኤርትራውያን ግዳያትመሰረት ገይሩ ዝወጸን ንስርዓት ህግደፍ ኣብ መጻብቦ ኣእትይዎ ዘሎን ጸብጻብን ንዓኡ መሰረት ገይሩ ንዝተወሰነ ውሳነታትን ካብዚ ጉባአኡ ይድግፎ። ኣብ ቀጻሊ ናይታ ኣጻራይት ስረሓት ክተሓባበር ድልዊ ምህላዉ ድማ የረጋግጽ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ጉዳይ ብቐጥታ ዝምልከቶም ኣካላት፡ ከምቲ ዝጀመርዎ ግህሰታት ኣብ ኤርትራ ንከብቅዕ ዝገብርዎ ተጽዕኖ ኣሕይሎም ኣብ መወዳእታ ንከብጽሕዎ ደጊምና ንጽውዕ።

9፡ ሰላማዊ ሰልፊ ጀነቫ

በቲ ሓደ ወገን ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናብ ስዉር ገበን ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ገጹ ዝምዕብል ዘሎ ኩሉ ዓይነት ግህሰት ንምኹናን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ነቲ ኣጻራይት ኣካል ዘቕረበቶ ጸብጻብ ንምድጋፍ ብዓብይኡ ኣብ ጀነቭ ከምኡ ኣውን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዓለም ኣብ 26 ሰነ 2015 ዝተኻየደ ሰፋሕቲ ሰልፍታት፡ ሰልፍና ደገፉን ኣድናቖቱን የረጋግጽ። ኤርትራያን ደለይቲ ለውጢእዚ ከምዚ ዓይነት ብሓባር ናይ ምስላፍ ዕማም ሓንሳብ ተራእዩ ጠጠው ዝብል ዘይኮነስ ብቐጻሊ ክሳተፍዎ ንጽውዕ። ኣብቲ መስርሕ እጃሙ ከበርክት ድልዊ ምዃኑ ከኣ የረጋግጽ። እቲ ኣብ ታሪኽ ተቓውሞና ተወዳዳሪ ከም ዘየብሉ ብዙሓት ዝመስከርሉ ሰልፊ ኣብ ጀነቭ፡ ንስርዓት ህግደፍ ዘሰንበደ ጥራይ ዘይኮነስ ብሓባር እንተሰሪሕና ክሳብ ክንደይ ከነድምዕ ከም እንኽእል ዘመስከረ ስለ ዝነበረ ክንቅጽሎ ዘተባብዕ ምዃኑ ከኣ ጉባAና ይርዳ።

10፡ ምፍራስ ኣባይቲ ኣብ ኤርትራ

ስርዓት ህግደስ በብግዜኡ መልክዕ እንዳቐየረ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞም ንዕቀትን ገበናትን ኣዝዮም ብዙሓት ምዃኖም ኣይኮነንዶ ንዓና፡ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም እውን ተጋሂዱ እዩ። እነሆ ድማ ነቲ ኣቐዲሙ ዝጀመሮ ናይ ዜጋታት ኣባይቲ ምፍራስ ብዝሰፈሐ መልክዑ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ቀጺልዎስ ኣዝዮም ብዙሓት ካብ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ኣብዚ ናይ ዝናብ ግዜ ብዘይ መዕቆቢ ንኹሉ ሓደጋታት ይቃልዑ ኣለዉ። ኣባይቶም ምፍራስ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ተግባር ዝተቓወሙ ውገናት ይእሰሩ ኣለዉ። እቲ ስርዓት ከምዚ ዓይነት ተወሳኺ ሰብኣዊ ግህሰት ክፍጽም እዚ ናይ መጀመርታኡ ከም ዘይኮነ እንዳተረዳእና ነዚ ንዜጋታትና ኣብ ገዛእ እታ ብቓልሶም ዘውሓስዋ ሃገር ብዘይ ንጹር ሕግን እቲ ዋና ህዝቢ ዘይርደኦ ኣገባብን የካይዶ ንዘሎ ምፍራስ ኣባይቲ ጉባአና ይኹንኖ። ሕቶ መጽለሊ ኣብ ህልውና ዘለዎ ወሳንነትን ክብደት ግህሰቱን ብምርዳኣን ሕብረተሰብ ዓለም ንክኹንኖ ኣብዚ ኣጋጣሚ ንጽውዕ።

11፡ ዝምድናና ምስ ጐረባብቲ ሃገራት

ነቲ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮና “ምስ ኩለን ሃገራት፡ ኣብ ሕድሕድ ረብሓታት፡ ምክብባርን ጣልቃ ዘይምትእትታውን፡ ዓለም-ለኻዊ ውዕላት ምኽባርን ዝተሰረተ ዝምድናታት ምፍጣር።” ብዝብል ሰፊሩ ዘሎ ፖሊሲና መሰረት ብምግባር ብሓፈሻ ምስ ኩለን ጐረባብቲ ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ዘለና ጉርብትናን ታሪኻውን ባህላውን ዝምድና ምስቲ ኣቐዲሙ
ዝተጠቕሰ ፖሊስና ብዘይጻረር መልክዑ ቀጻሊ ክኸውን እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ሰልፍና ካብዚ ዝምድናዚ ንዝረኽቦ ጸጋታት ከም መሕየሊ ቃልሲ ክጥቀመሉ እዩ።


12. ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ


ሓይልታት ምኽልኻል ኤርትራ፣ ኣካል ናይ'ቲ ብጨቋኒ ስርዓት ዝሳቐ ዘሎ ሕብረተ-ሰብ ብምዃኑን፡ ከቢድ ጾር ተሰኪሙ ዝኸይድ ዘሎ ስለዝኾነን ኣብ’ቲ ነዚ ጨቋኒ ስርዓት ኣልጊስካ ሰላምን ፍትሕን ብልጽግናን ንምርግጋጽ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ሃገራዊ ግዲኡ ከበርክትን ህዝባዊ ሓላፍነቱ ክስከምን ጉባኤ ምሕጽንትኡ የቕርብ።

 

ስርዒታዊ ቅርጻ ሰደህኤ

 


FAQ

QUESTION - Who is Eritrean People’s Democratic Party (EPDP)?

ANSWER - EPDP is an Eritrean party in exile struggling for change and democratization in Eritrea. EPDP is a product of three political organizations, Eritrean People’s Party, Eritrean Democratic Party, and Eritrean People’s Movement, who on December 31, 2009 achieved unity.


QUESTION - What kind of background did the parties have?

ANSWER - EDP and EPM came from an overwhelming Eritrean People’s Liberation Front (EPLF) background, and EPP came from an overwhelming Eritrean Liberation Front (ELF) background. In the past the two liberation fronts fought fiercely and openly engaged in an elimination game. But in the past few years they closed gaps of their differences and realized the only way to establish a democratic society is when the culture of tolerance and respect is manifested. They also came to realize development can only be achieved not living in the past grudges but on the hopes of the future.

 

QUESTION – Are you going to unite with other parties too?

ANSWER – EPDP believes unity is a foundation of a winning formula. We will strive to close gaps of differences with political organizations with similar political programs as EPDP.


QUESTION - What is the vision of EPDP?

ANSWER - In short it is by establishing a democratic state in place of the currently ruling dictatorship.

 

QUESTION - How do you plan to achieve your vision?

ANSWER - By establishing: a state that is governed by a constitution; a state that has three branches of government; a state that respects full rights of speech, press, and religion; a state that offers opportunity on education and jobs to its citizens; a state that empowers its local government; a state that practices democratic culture; a state that practices tolerance, respect, and co-existence.


QUESTION - Does EPDP believe in separation of state and religion?

ANSWER - Separation of religion and state are the core values of democratic cultures and EPDP champions the formation of a secular state. We believe that no religion should impose their values onto others or no religion should play the game of dominance through the instruments of the political system. Religion is an individual matter where politics is a common factor for groups. In a democratic Eritrea religion should not have a place in politics.


QUESTION - Does EPDP believe in peaceful transfer of power?

ANSW ER - EPDP is determined to practice peaceful transfer of power. Tolerance, respect, and abiding by an election results are the core values of a democratic culture. If a party or a political figure for that matter didn’t accept the core values of a democratic culture then the other alternative is dictatorship which we are committed to fight nail and teeth.


QUESTION - Does EPDP believe in ethnic and religious rights?

ANSWER - Yes, it does. In a democratic Eritrea all citizens will enjoy inalienable rights. Rights of individuals, groups, community, and ethnic are part and parcel of the democratic culture.

QUESTION - Does EPDP believe in empowering localities?

ANSWER - Yes, the party aims to introduce a decentralized system of governance. A decentralized system of governance is where localities (village, district, and region) elect their own government and have local constitution.


QUESTION - Does EPDP believe in multi-party system of governance?

ANSWER - Yes, it does. Elections and competing parties are the pillars of a democratic society. One party system is a sign of a cruel dictatorship and power monopoly. EPDP envisions post PFDJ Eritrea to have multiparty system where all parties practice tolerance and abide by the outcome of elections.


QUESTION - What does peaceful method of struggle mean?

ANSWER - Not using violence as its main strategy in removing the regime. One of the core values of a democratic culture is renouncing any violence action to achieve power. EPDP believes power comes from the ballet box meaning by free elections. The people decide who would come to power to govern by participating in elections. One cannot secure a peaceful transfer of power with a violent culture of achieving power.


QUESTION - Does EPDP believe in free market economy?

ANSWER - Yes, it does. In a free market economy markets are decided by supply and demand where in a state controlled economy markets are decided by the discipline of the state. A state controlled economy is a dictatorship state. EPDP strives to establish a free market economy.


QUESTION - Who owns the land?

ANSWER - It shall be decided in post-dictatorship period by an elected Eritrean parliament.

 

QUESTION – How do I submit an article?

ANSWER – Please refer to our posting guidelines. Please click here to access the page.

 

QUESTION – How do I support EPDP?

ANSWER – There are many ways that one can participate in fighting for justice in Eritrea. For financial support please go to the PayPal contributions Button ON Home page. To help with other means please contact us at This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

 

QUESTION – How do I become a member?

ANSWER – Please click here to access the member application form. After receiving your online application we will promptly contact you.

 

QUESTION – Where do I send my comments, inputs, or questions?

ANSWER – For inputs and comments please email us at: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

For questions please Contact Us.




Submission Guidelines

The website was constructed for the purpose of conducting a free spirited and constructive discussions and exchange of ideas amongst individuals and groups with different ideas.  All ideas that are rooted in a concept are welcomed.  There are no bad ideas but bad judgments. We also have the right to reject writings with ill intent; distorting facts, writings that attack personalities, writings that are divisive, writings that are based on hate, writings that have no verification of real address and identity.

We encourage all contributors to engage with a spirit of respect for every contributor, accept difference of ideas, focus on solution finding, bring alternative ideas, and applying a unifying tone.

We will accept articles written with Ms Word or PDF. If you would like to send pictures, you can do so as attachment. Please do not embed them inside a document.

 

Please submit articles to: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it..