ኣብ ዞባ ደቡብ ብ28 ሚያዝያ 2017 ኣርባዕተ ሰባት ብመንግስቲ ኤርትራ ከም ዝተረሸኑ ሬድዮ መድረኽ ሓቢራ። እቶም ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝተረሸኑ ማዓሾ ገረላሰ፡ ኢብራሂም መንሱር፡ ያቆብ ኣረጋን ተስፋልደት ገብረክርስቶስን ዝተባህሉ እዮም። እቲ ምንጪ ከም ዝገለጾ እዞም ዜጋታት ዝተኸስሉ “ኣብ ከባቢ ሰንዓፈ ሰባት ዘሳግሩ ዝነበሩ እዮም” ዝብል ኮይኑ፡ እንተኾነ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቦም ነብሶም ናይ ምክልኻል ዕድል ከም ዘይረኸቡ እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ። ብኣንጻሩ መንግስቲ ህግደፍ ባዕሉ ከሳሲ፡ ዓቃብ ሕግን ዳኛን ኮይኑ ዝወሰዶ ምዃኑ እቲ ካብ መድረኽ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ጋሽ ባርካ ዒላ ዓብደላ ኣብ ዝተባህለ ፍሉይ ከባቢ ኣብ ሕድሕድ ግጭት 3 ዕጡቓት ከም ዝተቐትሉ ቤት ጽሕፈት ዜና ስሙር ደሞክራስያዊ ግንባር ኤርትራ ሓቢሩ። እቲ ናብዚ ሞት ዘብጸሓ ምኽንያት ኣብ መንጎ ናይቲ መንግስቲ ኣባላት ስለያ ዶብን ህዝባዊ ሰራዊት ዝበሃሉ ሰብ ብረትን ዝተፈጥረ ምስሓሓብ እዩ። ኣብቲ ንኣስታት ሓደ ሰዓት ዝኸውን ሕድሕድ ተኹሲ ዝተኻየደሉ፡ እቶም ኣባላት ስለያ ዶብ፡ ዓብዱ ሽፋ ብዝበሃል ካብ እትምራሕ ጋንታ ህዝባዊ ሰራዊት ሰባት ክኣስሩ ምስ ፈተኑን እታ ጋንታ ህዝባዊ ሰራዊት ኣይነእስርን ብዝብል ምስተኸላኸለት እዩ። ድሕሪ እቲ ኩነታት እቶም ኣባላት ጋንታ ህዝባዊ ሰራዊት ተበታቲኖም ካብ ሃገር ከም ዝወጹ ኣብቲ ዜና ተመልኪቱ።

እዚ ኩነታት ስርዓት ህግደፍ ብዝፈጥሮ ምፍልላያት ኣብ ውሽጢ እሙናተይ ዝብሎም እውን ምብትታንን ምድኻምን ይፍጠር ከም ዘሎ እዩ።

ብመሰረት ጻዊዒት “ተበግሶ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጀርመንን፣ “መርበብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን“፣ ንሰፊሕ ልዝብ ደቂ ኣንስትዮ፣ አብ ትሕቲ “ናይ ሓባር ሕቶና ብሓባር ዓጢቕና ንመክቶ“ ዝብል ጭርሖ ዝተኻየደ አኼባ ብዓወት ተዛዚሙ።

ተሳተፍቲ ኣኼባ ዝተፈላለየ ድሕረ-ባይታ ዘለወንን  ካብ ዘተፈላለያ ሃገራት ኤሮፓን አፍሪቃን ብኣካልን፣ ብመራኸቢ ብዙሃንን  ተኻፊለን ኣብዚ ዝስዕብ ነጥብታት ተላዚበን፡ 

  1. ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ዝምልከት፣ ናይ ሓባር ተረድኦ ንኽህልወና፣
  2. ዝሓለፈ ኣገባብ ቃልስናን ተመኩሮናናን ብምግምጋም፣ እቲ ተፈላሊኻ ምስራሕ ንሃልኪ ጥራሕ ምዃኑን ናብ ዓወት ገጹ ከምዘይወሰደናን ንቕድሚት ከምዘይሰጎምናን ተገንዚብና፣ ዝሓሸ ኣገባብ ቃልሲ ከነማዕብል፣
  3. ዕላማን  ራኢን ናይ ተበግሶ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጀርመንን፣ ናይ መርበብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን ሓደ ምዃኑ ድሕሪ ምግንዛብ፣ ዓቕምታትና ነውሃህደሉ ኣገባብ ብኣተኩሮ ንምንዳይ፣
  4. ተሳትፎ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ንምዕዛዝን መሪሕ ግደ ንኽወስዳ ኣተኲርና ክንሰርሓሉ፣
  5. ግደ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ሕቶ ደቂ ኣነስትዮ ንፍትሕን ማዕርነትን፣ ክዓዝዝ፣
  6. ብጉዳይ ኣብ ልዕሊ ድቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ዝፍጸም ኩሉ ዓይነት ዓመጽን፣ ግፍዕን፣ ግህሰትን ክውገድ፣
  7. ህሉው ኩነታት ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፣  ኩነታት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ድማ ብፍላይ፣ ኣብ ግምት ብምእታው፣  ኣብ ዲክታተራዊ ስርዓት ምልጋስን፣ ቅዋማዊ ምሕደራ ምትካልን ኣብ ዝካይድ ቃለሲ ታሪኻዊ  ሓላፍነትና ከነልዕል፣
  8. ጉዳይ ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮን ዘጋጥመን ዘሎ ብድሆታትን ንምቅላል መንገድታት ከነናዲ ከምዘለና።

ኣብ መደምደምታ፣ ነቲ ካብ 2015 ዝተጀምረ ናይ ዝተፈላለያ ማሕበራትን ውልቀስባትን ደቂ ኣንስትዮ ልዝብ መሰረት ብምግባር.፣ኣብዚ ዕለት‘ዚ፣ ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቂሱ ዘሎ ብድሆታት ብዕቱበነት ንምግጣም ኣባላት ተበግሶ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጀርመን፣ መርበብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮን፣ ካልኦት ንጡፋት ኤርትራወያን ደቂ ኣንስትዮን፣  ነዚ ዝስዕብ ውሳነ ኣጽዲቐን፣

  1. ካብ ዕለት 30 ሚያዝያ 2017 ጀሚሩ፣ ኣባላት ተበግሶ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጀርመንን፣ ንጡፋት ተቐማጦ ጀርመን ደቂ ኣንስትዮን “መርበብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ  ጅርመን“፣ ብዝብል ሰም ከም ሃገረ ጀርመን ናይ መርብብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኵና ብሓባር ቃልስና ክንቅጽል ወሲና፣
  2. ንመርበብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ  ጅርመን ተማእክል 5 ዝኣባላታ ግዝያዊት ሽማግለ መሪጽና።

ናይ ሓባር ሕቶና ብሓባር ዓጢቕና ንመክቶ!

መርበብ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ  ጅርመን

ጀርመን 30.04.2017

ብዕለት 07.05.2017 ካብ ሰዓት 13.00 ድ.ቀ ክሳብ ሰዓት 18.00 ዝነበረ ብሓያሎ ደለይቲ ፍትሒ ከተማ ዮተቦርግ ከባቢኣን ከተማ  ስኮራ ዮንሾፒን ሊድሾፒንግን ዝመጹ ከቢድ ተቋውሞ ራዕድን ስለ ዘጋጠሞ ብ6ተ ፖሊስን ሓንቲ መኪና ዝጀመረ፡ ኣብ ፍርቂ ሰዓት ብብዝሒ ደለይቲ ፍትሒ ጎልጎል ምስ መልኤ 16 መካይን ፖሊስን ኣኽላባት 74 ፖሊስ፡ ብመርሪ ጋዝ ብምጥቃም ንኩልና ደልይቲ ፍትሒ ናብ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባ ዝነበረ፡ ካብ ምእታው ከልኪሎምና።  ደገፍቲ ዉልቀ መላኺ ህግደፍ ዋላ ፍቃድ መኤከቢ ይሃልዎም እቲ ዕድመ ኣኼባ ግና ንኩሉ ኤርትራዊ ተቀማጣይ ዮተቦርግ ስለ ዝብል ስለ ዝኾነ ብስነ ስርዓት ኣቲና ክንሰምዕ ክንሓትታ ኢና ብምባል ምስ ሓለውቲ ስነ ስርዓት ፖሊስ ተራዳድእና ። ፖሊስ ኽሓቶም እየ ኢሉ ሓቲቱ ኣኼባ ንኣባላት ጥራሕ እዩ ፡ ስለዚ ኣይፍቀደኩምን ስለ ዝበለና ኣብ ዝተወሰነልና  ቦታ ኮንና ክጭርሕን ክንዕዘብን ወሰና ። ዝገርም ኩሎም ሓለውቲ ብጫ ጂለ ጌሮም ዝነበሩ ኩሎም ካብ ስቶኮልምን ከባቢ ዮተቦርግን ዝመጹ ነበሩ። ምኽንያቱ ኣብ ዝሕለፈ 25/26.03.2017 ጉባኤ ህግደፍ ናይ ሙሉእ ሽወደን  ብሚስጢር ኣብ ዮተቦርግ ዝገበርዎ፡  ኣብ ክልተ ስለ ዝተጋማምዑን መራሕቲ እውን ስለ ዝቀያየሩን፡ ዝመጽዎም ካብ ዮተቦርግ  ስለ ዘይኣመኑ ሓገዝ ጠሊቦም ኩሎም ሓለውቲ ክልተ ሚኒባስ መሊኦም ካብ ስቶኮልም ኣምጺኦም።

ድሕሪ ክልተ ሰዓት ካብ ዝተወሰነ ቆጸሮኦም ኣባላቶም ተቀማጦ ዮተቦርግ ዘርጠብጠብ ብምባል ገለ ገለ ዓያሹን ገለ ኣዋልድን ክመጹ ጀመሩ። ጸኒሑ ብብዝሒ ህዝቢ እቲ ከባቢ ሽወደናውያንን ሓለፍቲ መገድን  ተገሪሞም፡ ብዝሒ መካይንን ፖሊስን ምስ ረኣየ ንዝምልከቶም ክድውልን ክሓቱን ከለዉ  ናይ ሃገር ሽወደን ቲቪ እውን ከተፍ በሉ። ምስ ሓያሎ ደለይቲ ፍትሒ ቃለ ሓተታ ጌሮም ንዝተጋጠመ  ሰኒዶም ከዱ። ኣብ ዕላዊ ቲቪ ዜና ናይ ሃገር ከኣ ኣብ ነብሲ ወከፍ ሰዓት ክቃላሕ ኣምሲሰየ። ቀጺሎል ሓያሎ ጋዜጠኛታት መጹ። ኩሉን መዓልታውያን ጋዜጣታት ሃገር ሽወደን ከኣ ፖሊስ ንኤርትራውያን ተቋወምቲ ብመሪ ጋዝ ደው ኣቢለሞም፡ ዕግርግር ኣብ ከተማዮተቦርግ ዝብል ኣርእስታት ሂበን ብስእልታት ዝተሰነየ ጺሒፈን። ንጽባሒቱ በቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሓት ደለይቲ ፍትሒ ዝተወስደ ናይ መሪር ጋዝን ኣብ ልዕሊ 12 ሰባት የዕንቶም ዝወረደ ፡ ንጨካን ዲክታቶር  ፍቋድ ምሃብ ጌጋ ምኳኑን ናይ ምትላል ጸዊዒቶ  ቅዳሕ ጌርና፡ ምስ ፖሊስ ተራኺብና ኣገዳሲ ዘተ ጌርና ። ኣብቲ ርክብ እቶም ኣብቲ ቦታ ዝተመደቡ ፖሊስ ሃገር ሽወደን ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ንጹር ኣፍልጦ ከም ዘይነበሮም ሓላፊ ፖሊስ እውን ተኣሚኑ። ኣብ መደምደምታ ዘሎና ሰነዳት ተላዋዊጥና ንቀጻሊ ብኸመይን እንታይ ከም እንገብርን ተራዳዲእና።  

                                                                                                                                                                                                                

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብ7ን 8ን ጉንበት 2017 ስሩዕ ኣኺኣቡ ኣካይዱ። ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ድሕሪ 2ይ ጉባአ ሰልፊ ን5ይ ግዜ ዘካየዶ ስሩዕ ኣኼባኡ ናይ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ሰልፊ ጸብጻባት ሰሚዑን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጸብጻብ ዓሚቕ ምይይጥ ኣካይዱን። ድሕሪኡ ድማ ኣብቲ ጸብጻባት ኣድላይ ምትዕርራያት ብምክያድን ኣድላይ ዝበሎ ውሳነታት ብውሳንን ከም ሰነዳት ሰልፊ ኣጽዲቕዎ።

ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ርእሲ እዚ ጸብጻባት፡ ኣገደስትን እውናውያንን ኣብ ዝበሎም ሰልፋዊ፡ ሃገራውን ዞናውን ጉዳያትት ተመያይጡን ገምጊሙን። ኣብዚ  ዝያዳ ቆላሕታ ካብ ዝሃቦም፡ ውሽጣዊ ሃለዋትን መስርሕ ተሓድሶን ሰልፊ፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ከባቢና ዘካይዶ ዘሎ ዘይንጹር ዝምድናታትን ሓደገኛ ሳዕቤናቱን፡ ጉዳይ ሓድነት ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ፡ ግደ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን፡ ስርዓት ህግደፍ ዝፈጥሮ ዘሎ ረቂቕ ኣገባብ ጭቆናን ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘውርዶ ዘሎ ኣሉታዊ ሳዕቤንን፡ ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ኣብ ወጻኢ ኣንጻር ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍ ዘካይድዎ ዘለዉ ዕዉት ቃልስን፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝምድናኡ ምስ ኤርትራ ኣብ ዝምልከት ከተኣታትዎ ዝደሊ ዘሎ ሓድሽ ፖሊሲን ዘበገሶ ክተዓትን  ዝተፈላለዩ ወገናት ዝህብዎ ዘለዉ ግምታትን ካብቶም ግቡእ ግዜ ወሲዱ ዝተመያየጠሎም እዮም።

ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዞም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ ብፉሉይ ዝገምገሞም ዛዕባታት፡ ንዝጸንሖ ሰልፋዊ መርገጺ ዳግማይ ኣነጺሩ። ጉዳይ ሓድነት ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ዘይስገር መሰረታዊ ጉዳይ ክነሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ጠጠው ኢሉ ዘሎ ምዃኑ መዚኑ፡ ንመጻኢ ንምብርባሩ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ሰደህኤ እጃሙ ከበርክት ድልዊ ምህላዉ ኣመልኪቱ።  ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ነቲ ኣብ ሃገር ሆላንድ ጀሚሩ ዘሎ መኸተ ኣንጻር ህግደፍ ምቕጻሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ተገንዚቡ። ሓድሽ ፖሊሲ ዝምድና መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ፡ ሰላምን ርግኣትን ክልቲኡ ህዝብታት ዘውሕስን  ልኡላውነት ኤርትራ ዝዕቅብን ክኸውን ዘለዎ እምነት ኣነጺሩ።

ኣብ መወዳእታት ፈጻሚ ሽማግለ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሰልፊ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ዝቐረብሉ ለበዋታት መዚኑ። ድሕሪ ሚዛን ኣብ ሓያሎ ጉዳያት ውሳነታት ክውስን እንከሎ፡ ናብ ማእከላይ ባይቶ ክምርሑ ዝግበኦም ጉዳያት ድማ ኣለልዩ። ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ሰህኤ ብመሰረት ዓንቀጽ 6፡2፡4 ቅዋም ሰልፊ፡ ኣብ ዓመት 3ተ ግዜ ዝካየድ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከባቢ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ካብ ዝርከብ መደበረን ዝዋፈራ ነፈርቲ ዓረብ ኤምረይትስ ኢድሪስ ራድዮ ዝበሃል ኤርትራዊ ዓፋር ቀቲለን 6 ካለኦት ከም ዘቑሰላ “ገዳብ ነውስ” ሓቢራ። ካብዞም ዓሳ እንዳገፈፉ ግዳያት ዝኾኑ ሓደ ኣጋፍፋ ዓሳ ዝለማመድ ዝነበረ ህጻን ጥራይ ብዘይጉድእት ከም ዝደሓነ ተፈሊጡ።  እዞም ኤርትራውያን ዝተቐትሉን ዝቖሰሉን፡ ካብ ወደብ ዕዲ ንውሽጢ ኣብ ናይ 8 ኪሎሜተር ርሕቀት ኣብ ጥቓ ኣበይል  ዝተባህለ ንእሽቶ ደሴት እዩ። ነቶም ግዳያት ካብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ናብ ሕክምና ዓሰብ ዝወሰድዎም ኣካላት መንግስቲ ኤርትራ ወይ ዓረብ ኤምረይትስ ዘይኮኑ ከምኣቶም ኣብ ምግፋፍ ዓሳ ተዋፊሮም ዝነበሩ ዜጋታት እዮም።

እቲ ዜና ከም ዝጠቐሶ፡ እዚ ጉድኣት ዘውረደ ደብዳብ ኣካል ናይቲ ኣብቲ ከባቢ ዝካየድ ዘሎ ቀጻሊ ደባባት እዩ። ምግፋፍ ዓሳ ኣብቲ ቦታ ኣዝማድን ቤተሰብ ብሓባር ዘካይድዎ ስለ ዝኾነ እቲ ዝሞተ ሓው ናይ ክልተ ካብቶም ዝቖሰሉ 6 እዩ። መብደብ ሓይሊ ኣየር ዓረብ ኤምረይትስ ካብ ከተማ ዓሰብ ንወገን ደቡብ ኣብ ጥቓ ዶብ ኤርትራን ጅቡትን እዩ ዝርከብ።

ኤምረይትስ ኣካል ናይቲ ብሳዑዲ ዓረብያ ዝምራሕ  ኣብዚ እዋንዚ ኣብቲ ንከተማታት የመን ዘዕነወን እዚ ኢልካ ክትገልጾ ዘጸግም ሰብእዊ ውድቀት ዘኸትለን  ኣንጻር ዓሌት ሆውቲ ዝካየድ ምሕነት ውግእ  እያ። ኣብዚ እዋንዚ መነባብራኦም ኣብ ልምዳዊ ምግፋፍ ዓሳ ዝተመስረተ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝነብሩ ኤርትራያን ብሰንክቲ ዝካየድ ውግኣት ኣብ ጸገም ወዲቖም ኣለዉ።

ገዳብ ንማዕከን ዜና ዘጋርድያን ጠቒሱ ከም ዝገለጾ ከኣ ቅድሚ ሕጂ እውን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ የመን 42 ሶማላውያን  ስደተኛታት ብናይ ሄሊኮፕተር ደብዳብ ተቐቲሎም እዮም። ተቓዋሚ ውድብ፡ “ደሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ” ነዚ ኩነታት ብምቅዋም መግለጺ ከም ዘውጸአ እውን ኣብቲ ካብ ገዳብ ዝተረኽበ ሓበረታ ተመልኪቱ።

Sunday, 07 May 2017 19:34

Radio Demtsi Harnnet 04.05.2017

Written by

ኣብ ወርሓዊ ኣስተምህሮኣዊ መደብ ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ “ቃለ መጠይቕ፡ ትርጉሙ፡ ኣተገባብራኡን ኣገዳስነቱን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ። ኣብዚ ናይ 6 ጉንበት 2017 መደብ ኣስተምህሮ ዝሃበ ኣቶ ደበሳይ በየነ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዜና ሰህኤ እዩ። ኣቶ ደበሳይ ኣብቲ ኣስተምህሮኡ ካብቲ ሰፊሕ ትርጉም ቃለመጠይቕ ዝተወሰነ ነጥብታት ጠቒሹ። ከም ሓፈሻዊ መግለጺ “ቃለመጠይቕ ኣብ መንጎ ሓታትን መላስን ዘሎ ናይ ሓሳባት እንካን ሃባን እዩ” ብዝብል ጠቒሱ።

ብዘይካዚ ቅድሚ ቃለ መተይቕ ምክያድ ክግበር ዝግበኦ ምድላው፡ ዓይነታት ቃለመጠይቕ፡ ትሕዝቶ ቃለ መጠይቕ ዝልከዓሉ ነጥብታት፡ ቃለ መጠይቕ ዝካየደሉ ዛዕባ ምስ መረጽካ ዘተግብሮ ኣካል ኣብ ምምራጽ ዝግበር ጥንቃቐ፡ ቃለ መጠይቕ ከካይድ ዝተመዘ ክኢላ ከካይዶ ዝግበኦ ቅድመ ምድላውን ምድላው መሳርሕታትን ዝብሉ ዛዕባታት ካብቶም ሰፊሕ መብርሂ ዝሃበሎም ነጥብታት ነይሮም። ኣስዒቡ ድማ ቃለ መጠይቕ ክድገፍ ዝግበኦ ተረኽቦ ንምስፋሕ ጥራይ ዘይኮነ ክቃላዕ ዝግበኦ ንምቅላዕ እውን ከም ዝካየድ ኣብሪሁ።

ቃልለመጠይቕ፡ ካብኡ ነቒልካ ሓተታ፡ ዜና፡ ርእሰ-ዓንቀጽን ጸብጻብን እተዳልወሉ፡ ናይ ኩሉ ጋዜጣዊ ስረሓት መበገሲ ስለ ዝኾነ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ኣብዚ ኣስተምህሮ ተገሊጹ። ንቓለመጠይቕ ከቢድን ጥንቃቐ ዘድልዮን ካብ ዝገብርዎ ጉዳያት፡ ኤክትሮኒካዊ መሳርሒ ጠዊቕካ ከም ዝሰርሕ ምግባር ዘይኮነ፡ ክኢላ ሰብ ብዛዕባቲ ከም ሸቶ ዝሓዝካዮ ዛዕባ ከም ዝዛረብ ምግባር ስለ ዝኾነ ምዃኑ ኣቶ ደበሳይ ኣብቲ ስተምህሮኡ ገሊጹ። ኣብ መወዳእታ ድማ ቃለ መጠይቕ ከም ኩሉ ጋዜጣዊ ዛዕባ ናይቶም ኣብኡ ዝሳተፉ ህርኩትና ዝሓትትን ምስ ኩለመዳያዊ መሰረታዊ ትሕዝቶኡ ከይቀየረ ኩነታት ኣብ ግምት እንዳእተወ ዝለዋወጥን እምበር ከም ተፈጥሮኣዊ ሳይነስ ብዘይቅየር ከዋሚ ቀጥዕታት ዝቕየደ ከምዘይኮነ ገሉጹ።

ድሕሪቲ ኣስተምህሮ ኣብ ዝተኸፍተ መድረኽ እቶን ርኢቶን ምስተኸፍተ፡ ተሳተፍቲ ብሓባራ ኣገዳስነት ናይቲ ኣስተምህሮ ኣንጸባሪቖም ከምዚ ዓይነት መድረኽ ምሕያል ውሽጣዊ ዓቕሚ ብዛዕባ ኣገደስቲ ዛዕባታት ቀጻሊ ክኸውን ተላብዮም። ካብዚ ሓሊፍ እቲ ኣስተምህሮ ሓፈሻዊ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ጸቢብ መድረኽ ብዝዓሞቐ ኣገባብ ዝካየደሉ መደብ ክስራዕ፡ በዚ ኣስተምህሮ ብዝረኸብናዮ ግንዛበ ብዘለና ዓቕሚ ናብ ተግባር ክንዋፈር ይግበኣና፡ እዚ ኣስተምህሮ ብደረጃ ጽሑፍት ተዳልዩ ክዝርጋሕ ዝብሉ ቅቡላት ሓሳባት  ቀሪቦም።

ብዘይካዚ፡ ካብ ሓደ ኣካል ሓበሬታ ንክንረክብ ክንሓቶ ዝግበኣና ሕቶ ብኸመይ ንውስን? ኣብ መስርሕ ቃለመጠይቕ፡ ሓታቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተሓተቲ (ወሃብቲ ቃለመጠይቕ) ኮይና ክንቀርብ እንከለና ክንክተሎ ዝግበኣና ኣገባብ ከመይ እዩ?፡ ዝብሉን ካለኦት ኣብ ሓፈሻዊ ሚዛናዊ ኣሰራርሓ ሚድያ ዘተኮሩን ሕቶታት ቀሪቦም ብወሃቢ ኣስተምህሮን ተሳተፍትን መልሲታት ተዋሂብዎም።

ኣብ መወዳእታ ኣቶ ደበሳይ ቃለመጠይቕ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኩሉ ስረሓት ዜና ብባህሪኡ ብዙሓት ዝሰምዕዎ፡ ዘንብብዎን ዝዕዘብዎን ጥራይ ዘይኮነ ብዙሓት ዝሳተፍዎ ስለ ዝኾነ ተሳተፍቲ ናይቲ ኣስተምህሮ ኣብ ምሕያል ዜናዊ ስረሓት ሰልፊ ዘዝዓቕሞም ከወፍዩ ተላብዩ። ነቲ ናይ ኣስተምህሮ መደብ ንዝወደበ ቤት ጽሕፈት ውደባዊ ጉዳያት ብፍላይ ከኣ ክፍሊ ፓልቶክን ተሳተፍትን ከኣ ምስጋናኡ ኣቕሪቡ።