ስርዓት ህግዲፍ፡ ከም ኣመሉ፡  ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣልእስላምያ (ብልምዲ መድረሳ ስታዝ በሺር መሓመድ ኑር) ተባሂላ እትፍልጥ ቤት ትምህርቲ ኢዱ ከእቱ ፈቲኑ፡ ካብ መምህራንን ተመሃሮን ወለድን ተቓውሞታት ከጋጥሞ ከምዝጸንሐ፡ ናይ’ዚ ቀረባ መዓልቲ ዜና ኰይኑ ጸኒሑ ኢዩ። ሓላፊ ቤት ትምህርትን መምህራንን ነቲ ብስርዓት ህግዲፍ ዝቐረበሎም ናይ ስርዓት-ትምህርቲ ምልውዋጥ፡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ብሓባር ክምሃሩ ኣለዎም ዝብል ጸቕጢ፡ ደቂ ኣንስትዮ ሕጃብ ወይ መቕንዓት ጌረን ናብ ቤት ትምህርቲ ከይኣትዋ፡ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ከይውሃብ ዝብል መምርሒታት ስለዝተቓወሙ ስርዓት ህግዲፍ፡ ንህዝቢ ንምርዓድ ሓላፊ ቤት ትምህርትን ገለ መምህራንን ብለይቲ ካብ ገዝኦም ጨውዩ ኣብ ማእሰርቲ ከምዘእተዎም ተፈሊጡ።

 

 

ሰሉስ  ዕለት 31 ጥቅምቲ 2017 ህዝቢ ኣስመራ፡ ብሓፈሻ፡ ህዝቢ ኣኽርያን ከባቢኣን ድማ ብፍላይ፡ ተቓውሞኡ ብሰላማዊ ኣገባብ ንምግላጽ ኣብ ጽርግያ ኣብ ዝወጽሉ፡ ወተሃደራት ህግዲፍ ጠያይቲ ብምትኳስ ከርዕድዎን ክብትንዎን ፈተኑ።

 

እቲ ተቓውሞ ግን፡ ደኣ ኣብ ካልእ ቦታታት ኤርትራ (ከረን ኣቝርደትን ኣፍዓበትን፡  ከምዝለሓዀ ዝተፈላለዩ ናይ ሓበሬታ ምንጪታት ክገልጹ ይስምዑ ኣለዉ።

 

ስርዓትህግዲፍ፡ኣብሃይማኖታዊጕዳያትኢዱእናእተወገዛዚዑንምግዛእ፡ ንብረት ኣብያተ-ክርትያናትንምውራስ፡ ዘይፈንቀሎ እምኒ የለን። ንጳጳስ ኣውሪዱ ናቱ ጳጳስ ዝሸይም፡ ንገዳማት ዝደፍርን ንብረተን ዝሰልብን፡ ንመራሕቲ ሃይማኖት  ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክገብሩ ዘገድድ፡ ኣረሜናዊ ስርዓት ኢዩ።

 

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ  ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ነዚ ጥርዓንን  ተቓውሞኡን  ብሰላማዊ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ ዝገልጽ ዝነበረ ኣጽዋር ይኹን ዕጥቂ ዘይብሉ ህዝቢ ብወተሃደራት ህግደፍ ዝተፈነወሉ  ናይ ጠያይቲ ተዅስን ማህረምትን ይኹንን። ስርዓት ህግዲፍ ነቶም ኵሎም ኣሲርዎም ዘሎ መምህራንን ወለድን ተመሃሮን ብህጹጽ ክፈትሖም ድማ ይጠልብ። መላእ ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ግዳም ዘሎ ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ምክልኻሉን ድማ፡ ኣብ ጐድኒ እቶም ግፉዓቱን ውጹዓትን ደው ክብሉን ንኣውያቱ ከቃልሑን ይምሕጸን።

 

ሓድነት ኣፍሪቃን ኣህጕራዊ ማሕበረ-ሰብን ድማ ኣብ ልዕሊ ኵለን ኣብ ኤርትራ ዝርከባ ናይ ብሕቲ ኣብያተ-ትምህርቲ ብስርዓት ኢሳያስ ዝፍጸም ዘሎ ዓፈና ክዅንንኦ ይጽውዕ። 

 

ዓወት ንሰላማዊ ህዝባዊ ተቓውሞ!!

 

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

31 ጥምቲ 2017

ብካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

ነገራት ካብ ሥሩዕ መንገዲ ወጺኦም  ክበላሸዉ ከለዉ፥ ኅብረተ-ሰብና ዝጥቀመሉ ሓደ ኣበሃህላ ኣሎ። ንሱ ድማ ነቲ ንሕጊ ኣኽብሮት ዘይብሉ ወገን፥ ሥርዓት ንምትሓዝ ክድለ ከሎ “-ዝባን-ሕጊ-” ዝብል ኣበሃህላ ክጥቀም፥ ኅብረተ-ሰብና ክሠርሓሉ ዝጸንሐ ባህልና’ዩ። ስለዚ’ውን እቲ “-ዝባን-ሕጊ-” ዝብል ቃል፥ ከም ታቦት ዝፍራህን ዝኸብርን ቃል ስለ-ዝነበረ፥ ብምንም ተኣምር ረጊጽካዮን ጥሒስካዮን ክኽየድ ይከኣል ከም-ዘይነበረ፥ እቲ ነባር ባህልና ሕያው ምስክር’ዩ።

ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና ቤተ-ክርስቲያን-ተዋሕዶ ድማ፥ ነገራት ካብ ዝበላሸዉ ነዊሕ ኮይኑ’ዩ። ንምዕራዮም ወይ ሥርዓት ንምትሓዞም ተባሂሉ፥ ዝተገብረ ጻዕርን ድኻምን’ኳ ብዙሕ እንተኾነ፥ ዛጊት ዘምጽኦ ለውጢ ግና ኣሎ ኣይበሃልን። ስለዚ ድማ እዛ ብቕድስና ዝፍለጥ ታሪኽ ዘለዋ ጥንታዊት ቤተ-ክርስቲያን እዚኣ፥ ንህልውናኣ ኣብ ዝፈታተን ቀራና-መንገዲ ትርከብ ምህላዋ፥ ዘይፈልጥ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።

ስለዚ ድማ’ያ ኣብ ታሪኻ ርእያቶ ዘይትፈልጥ ኣደራዕ ክትቅበል ትርከብ ዘላ። ስለዚ ድማ’ያ በብግዚኡ ተሸይሞም ብዝተላእኩላ ፓትርያርክታት፥ ክትምራሕ ዝጸንሐትን ሕጂ’ውን ዘላን። ክሳብ ሕጂ ግና ባዕላ ይደልዎ ኢላ ዝመረጸቶ ፓትርያርክ የብላን። ብሕጊ ዝቖመን ንሕጊ ዝግዛእን ሲኖዶስ ከይሃለወ ‘ውን፥ ሲኖዶስ ወሲኑዎ እናተባህለ፥ መወዳእታ ዘይብሉ ዕንወት ክፍጸም ጸኒሑ’ዩ። ንእምነትን ረብሓን ቤተ-ክርስቲያን ዝውክል ሲኖዶስ ግና፥ ትማሊ ኣይነበረን ሎሚ’ውን ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን።

ካብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ክፍለ-ዘመን ጀሚራ ድማ፥ እታ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ፖለቲካ ተታሒዛ እናሃለወት፥ ነፃ’ያ ተባሂላ ክንገረላ ጸኒሑ’ዩ። ነፃ ግና ኣይነበረትን፥ ነፃ ኮይና’ውን ኣይትፈልጥን። የግዳስ ዝተኣዘዘቶ ክትፍጽምን ዝተጻሕፈላ ከተንብብን ከም-ዝጸንሐት’ዩ እቲ ታሪኻ ዝዛረብ። ከም-ዝፍለጥ ብስማ ብዙሕ ተባሂሉ ብዙሕ’ውን ተገይሩ’ዩ። ብዛዕባ’ቲ ዝበሃልን ዝግበርን ግና፥ እታ ብጳጳሳታ ዝተጠልመት ቤተ-ክርስቲያን፥ ምንም ትፈልጦ ነገር የብላን።

ይኹን እምበር እቲ ኣብ ልዕሊ’ዛ ቤተ-ክርስቲያን’ዚኣ፥ ክፍጸም ዝጸንሐ ግህሰተ-ሕጊ፥ ምስ ማእሰርቲ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዘተሓሕዙዎ ኣለዉ። እዚኣቶም ግና እቶም ንጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ብርሑቕ ዝፈልጥዎ ጥራይ’ዮም ክኾኑ ዝኽእሉ። ከመይሲ ቅድሚ’ቶም  ፓትርያርክ ምእሳሮም፥ ኣብ ዝነበረ ግዜ ክልተ ፓትርያርክ ነይሮም’ዮም። ንሳቶም ግና ብሽመት ዝመጹ እምበር፥ ብመንገዲ ቀኖና ክምረጹ ዝኸኣሉ’ዮም ነይሮም ዝበሃል ታሪኽ የልቦን።ማለት ኣብ መንጎ ሽመትን ምርጫን ዘሎ ፍልልይ ምርዳእ ኣገዳሲ’ዩ። ክሳብ ራብዓይ-ፓትርያርክ ድማ፥ ብሽመት እምበር ብምርጫ ዝመጸ ፓትርያርክ፥ ኣሎ ዝበሃል ታሪኽ ከምዘየሎ፥ ግልጺ ዝኾነ ሓቂ’ዩ። እንድሕሪ ነገር ክጅመር ከሎ፥ ካብ ሱሩ መሠረቱ ነፃ ዘይነበረት ድማ፥ ነፃ ኮይና ፓትርያርክ መሪጻ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና።

ስለዚ እቲ መንበረ-ፓትርያርክ ብመጀመርታ፥ “ሀ” ኢሉ ክቐውም ከሎ፥ ኣብ መሠረት ሕጊ ረጊጹ ክቐውም ዕድል ኣይረኸበን። ኣብቲ እዋን’ቲ እቶም ሓደ ክልተ ንቕሓት ነይሩዎም ዝበሃሉ ዉሉደ-ክህነትና፥ እቲ ዘይሕጋዊ ኣከያይዳ ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤን ኣጸቢቑ ይርድኦም’ኳ እንተነበረ፥ እቲ ኣብ ማኅበረ-ምእመናን ተዋሕዶና ዝነበረ ንቕሓት ግና፥ ኣብ ማእከል ቤተ-ክርስቲያን እንታይ ይግበር ከም-ዝነበረ፥ ክፈልጥ ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ ንቕሓት ዝበጽሐ ስለ-ዘይነበረ፥ ዝበልካ ኣንተበልካ’ውን ክግበር ዝከኣል ነገር ኣይነበረን። ከመይሲ እቲ ዋና ቤተ-ክርስቲያን ዝኾነ ሕዝቢ፥ እቲ ዝፍጸም ዝነበረ ግህሰተ-ሕጊ ተረዲኡዎ ክልዓል እንተ-ዘይክኢሉ፥ ውሉደ-ክህነት ንበይኑ ክግበሮ ዝኽእል ኣይነበረን።

ስለዚ’ውን ነዚ ዝተባህለ ድኽመት ከም ምኽንያት ብምጥቃም፥ እቲ ፖለቲካዊ-ኃይሊ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስቲያን ኢዱ ክመልስን፥ ንኽቈጻጸራ ዘኽእሎ’ውን ምቹእ-ባይታ ስለ-ዝፈጠረ፥ እታ ቤተ-ክርስቲያን ከም ሓንቲ መንግሥታዊት-ትካል ተቘጺራ፥ እቲ ብቅድስና ዝፍለጥ ታሪኻ ክሳብ እትስእን ታሕቲ ወሪዳ፥ ዝበሉዋ ክትከውን ወይ ዝኣዘዙዋ ክትፍጽም ምጽንሓ ዝፍለጥ’ዩ። ብግዳም ንዝርኢ ግና፥ ሲኖዶስን ፓትርያርክን ዘለዉዋ፥ ነፃ ቤተ-ከስቲያን መሲላ’ያ ክትርአ ጸኒሓ። እቲ ኣብ ውሽጢ ዝነበረ ሓቂ ግና ብኣንጻሩ ካልእ’ዩ ነይሩ።

ነዚ ሕጊ ዝረግጸ ኣከያይዳ’ዚ፥ በብግዚኡ ክቃወሙ ዝጸንሑ ኣቦታት ነይሮም’ዮም። እቲ ክበጽሖም ዝጸንሐ ዕጫ ግና ተነጽሎን ማእሰርትን ስደትን እዩ። ከም መቐጸልታ’ዚ ኩሉ ከኣ’ዩ፥ እቶም ተስፋ ቤተ-ክርስቲያን ክኾኑ’ዮም ተባሂሉ ብብዙሕ ትጽቢት ክግበረሎም ዝጸንሑ፥ ሠለስተ-ካህናት መካነ-ሕይወት መድኃኔ-ዓለም፥ ካብ ዝሓለፈ 13-ዓመት ጀሚሮም፥ ኣብ ትሕቲ መቑሕ ኣትዮም ዝርከቡ ዘለዉ። ኣብዚ ፍጻሜ’ዚ ድማ ብኣውርኡ እቲ ብዮፍታሔን ሃብቶም ርእሶምን ክዝወር ዝጸንሐ መንበረ-ፓትርያርክ፥ ዋና ከሳስን ተዋሳእን ኮይኑ ምርካቡ፥ እታ ቤተ-ክርስቲያን ኣብ ከመይ ዝበለ መጻብቦ ኣትያ ከም-ዝጸንሐትን ከምዘላን፥ ንምርድኡ ዝጽግም ኣይኮነን።  

ብመንጽር’ዚ ኣበሃህላ’ዚ ክርአ ከሎ፥ እቲ ደምበ-ተዋሕዶና ዋና ነይሩዎ ክበሃል፥ ምስቲ ኣብ ባይታ ዝነበረ ሓቂ ክሳነየልና ዝኽእል ኣይኮነን። ስለዚ ድማ’ዩ እቲ ዝኾነ ሞያ ነይሩዎ ዘይበሃል ዮፍታሔ ዲሜጥሮስ፥ መሳልል-ፖለቲካ ተጠቒሙ ኣብ መንበረ-ፓትርያርክ እግሩ ከዕርፍ ዝኸኣለ፥ እቲ “-ዋና-ጸሓፊ-” ዝብል ዝነበረ መደብ ሥርሑ፥ ናብ “-ዋና-ኣማሓዳሪ ቤተ-ክርስቲያን-” ብምቕያር ድማ፥ ነታ ዋና ዝሰኣነት ቤተ-ክርስቲያን፥ ንልዕሊ 13-ዓመት ዝኸውን ከም-ዘይሓልፍ ክፍርሳን ከዕንዋን ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

መወዳእታኡ ግና እቲ ደምበ-ተዋሕዶና፥ ነቲ ኩሉ ኣፍራሲ-ተልእኮ ዮፍታሔ ተጻዊሩዎ ክኸይድ ዝኽእል ኮይኑ ስለ-ዘይተረኽበ። ኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን ዝመርሑዎ ኃያል ተቓውሞ፥ ከልዕል ከም-ዝኸኣለ ዝፍለጥ’ዩ። በዚ ተቓውሞ ‘ዚ ድማ፥ እቶም ክልተ ብዕድልን ገንዘብን ቤተ-ክርስቲያን ከላግጹ ዝጸንሑ፥ እኩያን ተባሂሎም’ውን ክግለጹ ዝኽእሉ፥ ማለት ዮፍታሔ ዲሜጥሮስን ሃብቶም ርእሶምን፥ እቲ ተቓውሞ ብዘልዓሎ ማዕበል፥ ካብ ደምበ መንበረ-ፓትርያርክ ተሓግሒጎም ክወጹ ከም-ዝተገብረ፥ ኩሉ ዝፈልጦ ናይ ትማሊ ታሪኽ እዩ።

ይኹን እምበር እቲ መንበረ-ፓትርያርክ ግና፥ ጸርዩ ክጸሪ ዝኽእል ኮይኑ ኣይተረኽበን። ስለዚ ድማ ብድሕሪ ዮፍታሔን ሃብቶምን’ውን፥ ኣባ-ሉቃስ ነታ ቤተ-ክርስቲያን ሰላም ክህቡዋ  ዝደልዩ ኮይኖም ኣይተረኽቡን። ኣብ ዓዲ ጥራይ ዘይኮነ፥ ካብ ኤውሮጳ ክሳብ ኣሜሪካ ዝርከብ ሰበኻታት፥ ሰላም ከም-ዘይርከብ ንምግባር ብቐጻሊ ሓዊ ክመልሱሉ’ዮም ዝተላዕሉ። እቲ ካብ ኣፎም ክወጽእ ዝስማዕ ዘሎ ቃላት፥ ካብ ሓደ ናይ ፖለቲካ ካድረ እምበር፥ ካብ ኣፍ ሓደ ኣብ መዓርገ-ጵጵስና ዝርከብ ጳጳስ ክወጽእ፥ ዝኾነ ሰብ ክጽበዮ ዝኽእል ኣይነበረን። ንሶም ግና በቲ ጥዑም ክዛረብ ዘይተዓደለ ልሣኖም ኣቢሎም፥ ነታ ቤተ-ክርስቲያን ከናውጹዋ ዋና ሥርሐይ ኢሎም ተታሓሒዞሞ ይርከቡ ኣለዉ።

እቲ ምስ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ዕርቂ ተገይሩ ብምባል፥ ዝጀመሩዎ ናይ ሸፈጥ-ጸወታ ከኣ፥ ገና ከይተበገሰ ከሎ’ኳ ምፍሻሉ እንተ-ተረጋገጸ፥ ንሶም ኣባ-ሉቃስ ግና ሕጂ’ውን ዓሪፎም ክቕመጡ ዝደልዩ ኮይኖም ኣይረኣዩን ዘለዉ። እቲ ብመሪሕነቶም ኣብ ልዕሊ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ ጸቕጢ ብምግባር፥ ክትግበር ዝተደልየ እኩይ ፈተነ’ውን፥ ሓንሳዕ ጥራይ ዘይኮነ ተደጋጋሚ ፍሽለት’ዩ ከጋጥሞ ዝተራእየ። ንሶም እዞም ጸረ ቤተ-ክርስቲያን ዝኾነ ኣቕዋም ሒዞም ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ ጳጳስ እዚኦም ግና፥ ሕጂ’ውን ካብቲ ቤተ-ክርስቲያን ንምንዋጽ ዝተበገሱሉ እኩይ ሓቐነ፥ ንድሕሪት ክምለሱ ዝደልዩ መሲሎም ይረኣዩ የለዉን። እኳደኣ ኣብ ቤተ-ክርስቲያንና ሰላምን ምርግጋእን ከም-ዘይርከብ ንምግባር፥ ኣበርቲዖም ይንቀሳቐሱ ምህላዎም፥ ክንደይ ዘጉሂ ክንደይ ከኣ ዘሕዝን’ዩ። ንሕና ግና እግዚኣብሔር ይቕረ ይበለሎም ምባልና ክንቅጽል ኢና።

እምበኣር ነዚ ኩሉ’ዚ ክዕዘቡ ድሕሪ ምጽናሕ’ዮም፥ እቶም ኩሉ ግዜ ሓበን ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ዝኾኑ ኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን፥ ኣንጻር ኣባ-ሉቃስ ሕጂ’ውን ተቓውሞ ኣልዒሎም ዝረከቡ ዘለዉ። ርግጽ’ዩ ኣባ-ሉቃስ በዓል-ግዜ ከም ምዃኖም መጠን፥ ነቶም ገዳማውያን ኣቦታት ኣብ ሞቁሕ ከእትዉዎምን፥ ናዅራ ከም-ዝሰፍሩ ክገብሩዎምን ይኽእሉ እዮም። ግዳስ ኣንድዒ ደኣ ንዕኦም ዘይርኣዮም ከይከውን እምበር፥ ኣብቲ ደምበ-ተዋሕዶናስ ብማእሰርትን ሞቑሕን ዝፍታሕ ዕጥቂ ከም-ዘየልቦ ክርድኡ ምተገብኦም ነይሩ’ዩ።

ከመይሲ ባዕሎም ኣባ-ሉቃስ ንመቑሕ ኣሕሊፎም ዝሃቡዎም፥ ካብ ዝሓለፈ 13-ዓመት ጀሚሮም ተሞቒሖም ዝርከቡ ደቂ ቤተ-ክርስቲያን ዉሑዳት ኣይኮኑን። እንተኾነ “-እስመ በእንቲኣከ ይቀትሉነ ኩሎ ኣሚረ። ወኮነ ከመ ኣባግዕ ዘይጠብሁ። ንቃህ እግዚኦ ለምንት ትነውም-” እናበሉ ደኣ፥ እታ እግዚኣብሔር መልሲ ዝህበላ መዓልቲ ይጽበዩ ኣለዉ እምበር፥ ዕጥቁ ፈቲሑ ንድሌት በዓል ኣባ-ሉቃስ ዝምብርከኽሲ፥ ዛጊት ተረኺቡ ዝበሃል ታሪኽ ኣይተሰምዐን። እዚ ከኣ ኣባ-ሉቃስ ኣዐርዮም ይፈልጡዎ እዮም።ስ

ብዝተረፈ ፓትርያርክ-እንጦንዮስ, ቀሲስ-ገብረ-መድኅን ገብረ-ጊዮርጊስ, ቀሲስ-ፉጹምብርሃን ገብረ-ንጉሥ, ቀሲስ-ተኽለ-ኣብ መንግሥተ-ኣብ, መሪ-ጌታ ይትባረክ በርሀ፥ በደልኩም ኣሚንኩም ይቕሬታ ሓቲትኩም ድሕሪ ምፍራም፥ ክትወጹ ትኽእሉ ኢኹም ዝብል ብመዓር ዝተሸፈነ ዕረ ቀሪቡሎም ከም-ዝነበረ ዝፍለጥ እዩ።

ንሳቶም እቶም ምእንቲ ቅድስናን ክብርን ቤተ-ክርስቲያን ክብሉ፥ ኣብ መቑሕ ዝበልዩ ዘለዉ ኣቦታት ግና፥  ኣብቲ ዝተዳለወሎም መጻወድያ ሕራይ ኢሎም ዝኣትዉ ኮይኖም ኣይተረኽቡን። እዚ ኩሉ’ዚ ከኣ ነቶም ሕማም ርእሲ ቤተ-ክርስቲያን ኮይኖም ዝንቀሳቕሱ ዘለዉ ኣባ-ሉቃስ፥ ይጠፍኦም’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን።

ብዝተረፈ ኣብቲ 2 መስከረም 2010 ዓ/ም (2017) ኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን ዘሕለፉዎ ቃለ-ውግዘት፥ ንኣባ-ሉቃስን ኣባ-ባስልዮስን “-ሕዝበ ክርስቲያን ዘፋልስን፥ ቤተ-ክርስቲያን ዘፍርስን-” ተግባር ኣብ ምፍጻም ይርከቡ ኣለዉ ብምባል፥ ነቲ ተግባሮም ኣውጊዞሞ ኣለዉ። ግዚኡን ሰዓቱን ሓልዩ ዝተወስደ ቃለ-ውግዘት ብምዃኑ ድማ፥ ምሉእ ማኅበረ-ምእመናን ተዋሕዶ ዝደገፎን ዝተሰማማዓሉን ውሳኔ ኮይኑ’ዩ ዝርከብ ዘሎ። እዚ ውግዘት’ዚ ከኣ ብምንም ዓይነት ጥሒስካዮ ክሕለፍ ዝግባእ ኣይነበረን። እቶም ጳጳስ ክትብሎም ዘጸግሙ ኮይኖም ዝርከቡ ዘለዉ ኣባ-ሉቃስ ግና፥ ሕጂ’ውን ጌግኦም ክእርሙን ኣብ ልቦም ክምለሱን ዝደልዩ መሲሎም ኣይረኣዩን ዘለዉ።

ናቶም ከይኣክል ግና፥ እቶም ብቅዉም-ነገር ዝፍለጥ ታሪኽ ኣለዎም ዘይበሃሉ ኣባ-ቄርሎስ፥ ነቲ ሲኖዶስ እውክል’የ ብምባል ጠበቓ ኣባ-ሉቃስን ኣባ-ባስልዮስን ኮይኖም ክርከቡ ምድላዮም’ዩ። ግዳስ ወዮ ደኣ ንሶም ዝፈልጡዎ ነገር ዘይብሎም ኮይኖም እምበር፥ ፓትርያርክ ዘይብሉ ሲኖዶስ፥ ሲኖዶስ ክበሃል ከም-ዘይከኣል፥ በየናይ ቋንቋ እንተ-ዝንገሮም ኮን ክርድኦም ምኸኣለ ይኸውን-?! ንሶም ኣባ-ቄርሎስ ግና፥ ምስ ቤተ-ክርስቲያን ተረሓሒቖም ማዕዶ ተቐሚጦም ይርከቡ ስለ-ዘለዉ፥ ዘይተጻሕፈ ከንብቡ እንተ ተራእዩ ዘገርም ኣይኮነን።

ብዝተረፈ እንኳንዶ ንኻልኦት፥ ንርእሶም ክውክሉኳ ዘይክእሉ ክነሶም፥ ጠበቓ ካልኦት ኮይነ ክርከብ’የ እንተበሉ፥ እቲ ስበት ደኣ ምስሓቡ ከይ-ጨንቆም እምበር፥እኽእል’የ በሃሊ እንተደኣ ኮይኖምሲ፥ እንሆ ፈረስ እንሆ ሜዳ ካብ ምባል ሓሊፍና፥ ክንብሎም እንደሊ ካልእ ዘረባ የልቦን። ከመይሲ ኣባ-ቄርሎስ ኢሎም ኣይሎም ከምጽኡዎ ዝኽእሉ ለውጢ ስለ-ዘየሎ’ዩ።

ንመንነት ኣባ-ቄርሎስ ካብ ዝገልጽ ሓደ’ውን፥ እቲ ቤተ-መቕደስ ኣምላኽ መሕብኢ ብረት ክኸውን ብምፍቃዶም ምኽንያት፥ ሰርቲፊኬት ክቕበሉ ኣብ መራኸቢ ብዙኃን ዝቐረቡሉ ግዜ፥ ኣርበኛ ተባሂለ ኢሎም ኩርዕርዕ ኢሎም ክርኣዩ ምድላዮም፥ ብዙሓት ብዕድል’ታ ዘይተዓደለት ቤተ-ክርስቲያን ክሓዝኑ ከለዉ፥ በቲ ታሕቲ ዝወረደ ዘሕፍር ተግባርም ድማ፥ ዝሓፈሩ ዉሑዳት ኣይነበሩን። ካብ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ታሕቲ ወሪዶም መዓርጎም ዘዋረዱ ጳጳሳት ከኣ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ እትጽበዮ ተስፋ የብላን።

ብዝኾነ ኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን፥ ኣንጻር ኣባ-ሉቃስን ኣባ-ባስልዮስን ዘሕለፉዎ ውግዘት፥ ዝበልካ እንተበልካ ንድሕሪት ዝምለስ ኣይኮነን። ስለዚ እዚ ውግዘት’ዚ ንኸይፍጸም በዓል ኣባ-ሉቃስ ክፈጥሩዎ ኣብ ዝኽእሉ፥ ኣድማን ሕልኽልኽን ተሳታፊ ኮንካ ምርካብ፥ ኣንጻር ቤተ-ክርስቲያን ምስላፍ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። ብዝተረፈ እዚ ውግዘት’ዚ፥ ኣቕሊልካ ክርአ ስለ-ዘይግባእ፥ እቶም ዘራያት በዓል ኣባ-ሉቃስ ኮይኖም ክለዓሉ ዝኽእሉ ወገናት፥ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ኢዶም መሊሶም ከይርከቡ፥ ተዓገሱልና ኢልካ ምጥንቃቖም ኣገዳሲ ኮይኑ ይስመዓና

ከመይሲ ንሕቶ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣይሰምዕን’የ ምባል፥ ፈኸም እናበለ ከኸትሎ ዝኽእል ሳዕቤን ከይሃለዎ ስለ-ዘይተርፍ፥ ነዚ ጉዳይ’ዚ ብናይ ትማሊ ዓይኒ ክትርእዮ ምፍታን፥ ዘይተደልየ ጸገም እምበር ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል ኣይኮነን። ከመይሲ መድረኽ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ሕጂ፥ ከምቲ ቅድሚ ዕሥራ-ዓመት ዝነበሮ፥ማንም መጺኡ ክዕንድረሉ ዝኽእል መድረኽ ከም-ዘይኮነ ክፍለጥ ይግባእ። ማለት ሕጂ ዋናታት ዘለዉዎ መድረኽ ክኸውን በቒዑ’ዩ። ስለዚ እቲ ብከም በዓል ኣባ-ሉቃስ ኣቢልካ ክግበር ዝድለ ናይ ፖለቲካ ጸወታ ክብቅዕ ኣለዎ በሃልቲ ኢና።

ስለዚ ነዚ ብኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን ኣቢሉ ዝቐርብ ዘሎ ተቓውሞ፥ ብጐነጽ ወይ ብማእሰርቲ ኣቢልካ ፍታሕ ክርከበሉ ኢልካ ምሕሳብ፥ ብልቦና ዝተጠመተ ኣሠራርሓ’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን። የግዳስ እቶም ሰብ-ፖለቲካ፥ ንቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ክውክሉ ዘይክእሉ፥ ምስ ከም በዓል ኣባ-ሉቃስ ክሠርሑ ካብ ምድላይ፥ ንሕዝቢ ተዋሕዶ ክውክሉ ምስ-ዝኽእሉ ኣቦታት ርክብ ብምግባር፥ እቲ ጸገም ክታሕ ክረኽበሉ ዝኽእል መንገዲ ክርከብ ምተኻእለ።

ይኹን እምበር ንዝኾነ ዝቐርብ ሕቶ ኣይሰምዕን ኢልካ፥ ከምኡ’ውን ንፓትርያርክ-እንጦንዮስን ንካህናት መካነ-ሕይወት መድኃኔ-ዓለምን ኣብ ትሕቲ መቑሕ ሒዝካ ግና፥ ክመጽእ ዝኽእል ዝኾነ ፍታሕ ክህሉ ይኽእል’ዩ ዝብል እምነት የብልናን። ስለ’ዚ እቲ ንበዓል ኣባ-ሉቃስ ከም መጋበሪ ብምጥቃም፥ ክግበር ዝድለ ጸወታ ኣብዚ’ዩ ከብቅዕ ዘለዎ። ድሕሪ ደጊም ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻርና ጌርና ክንሕዛ ኢና ምባል፥ ኣብ ድቃስ ኮንካ ዝሕለም ሕልሚ እንተ-ዘይኮይኑ፥ ክትግበር ይኽእል’ዩ ክንብል ኣይንኽእልን።

ከመይሲ ትማሊ ዋና ኣይነበራን። ሎሚ ግና ክብሪ ንዕኡ ንመድኃኔ-ዓለም ይኹን፥ ንዝኾነ መድረኽ ክገጥሙ ዝኽእሉ ምሁራን ወሊዳ’ያ። ስለ’ዚ እቲ ክሳብ ሕጂ ክግበር ዝጸንሐ ናይ ፖለቲካ-ጸወታ፥ ድሕሪ ደጊም ክድገም ከም-ዘይከኣል ምፍላጡ ኣገዳሲ’ዩ። ስለዚ ድማ ኢና እቲ ብኣቦታት ገዳም ደብረ-ቢዘን ዝተመሓላለፈ ውግዘት ሕጋዊ ስለ-ዝኾነ፥ ነቲ ብኃይሊ ንምዕጋቱ ክግበር ዝርአ ዘሎ ፖለቲካዊ-ምትእትታው፥ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክህልዎ ስለ-ዝኽእል፥ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ ንሕዝቢ-ተዋሕዶ ዝግደፍ ዕዮ ገዛ ደኣምበር፥ ሰብ-ፖለቲካ ዝጭነቑሉ ጉዳይ ክኸውን ኣይግባእን ንብል ዘሎና።

ካህን ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን

ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ

       

Africa, Eritrea, Horn of Africa, United States

 

Security Message for U.S. Citizens: Protests in Asmara

 

The U.S. Embassy has received reports of gunfire at several locations in Asmara due to protests.  The Embassy advises U.S. citizens to avoid the downtown area where protests appear to be more prevalent.  Streets in the downtown area may be closed, and police continue to maintain a significant presence.

Even demonstrations intended to be peaceful can turn confrontational and escalate into violence.  Avoid areas where demonstrations are taking place and exercise caution when in the vicinity of any large gatherings, protests, or demonstrations.  Review personal security plans, remain aware of your surroundings, including at local events, and monitor local news for information.  Maintain a high level of vigilance and take appropriate steps to enhance your personal security.

ዝኾነ ይኹን ሰብ ርእይቶኡ ክህብ መሰሉ እኳ እንተኾነ፥ እቲ ርእይትኡ ግና ቅቡል ዲዩ ኣይቅቡልን፥ እወንታ ዲዩ ኣሉታ ተባሂሉ ክምዘን ጽቡቕ እዩ። ብድፍኑ ኣየናይ ይሓይሽ ከይተመራመርካ ንዝኾነ ይኹን ርእይቶ ምንጻግ ወይ ከኣ ብኣሉታ ምምዛን ነቲ ጉዳይ ብግቡእ ክንርዳእ የድሊ። እወ! “ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ጎድኒ ህዝብኻ ደው በል” ዝብል ጻውዒት ወይ ርእይቶ ንኹልና ዘኽስብ እምበር ዘኽስር ኣይኮነን።

መጀመርያ እዚ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እዚ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዘሎ ኣድራዕን መከራን ዝተፈልየ ራህዋን ቅሳነትን የብሉን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ኣብ ውሽጡ ብዋሕዲ ደሞዝ፥ ሕማቕ ምሕደራ፥ ዘይምዕሩይ ኣተሓሕዛ ይሳቐ ከምዘሎ ኩልና እንርድኦ ሓቂ እዩ። እወ! እዚ ሰራዊት እዚ ንኹሉ መከራ፥ ጥሜትን፥ ዕርቃንን ተጻዊሩ ንድሌታት እቲ መላኺ ስርዓት ብድፍኑ ብዕግበቱ የገልግልን ይፍጽምን ኣሎ ክንብል ግን ኣንጻር ለውጢ ተዓጠቕ ንብሎ ኣሎና ማለት እዩ ዝኸውን።

ቅድም ቀዳድም እዚ ቅድሚ ናጽነት ዝነበረ ሰራዊት ዋላ እኳ ብፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት  ዘይተመልመለ እንተኾነ ናይ ፖለቲካ ሀ-ሁን ዲሞክራሲያዊ ራኢን ፍጹም ዘይብሉ ኣይኮነን። ስለዚ ነዚ ሰራዊት እዚ ኣብ ስለስተ ክፋላት ከፊልና ምርኣዩ ኣገዳስነት ኣለዎ። እዚ ክፋላት እዚ  ከኣ ላዕለዋይ፥ ማእከላይን ታሕተዋይን ጽፍሕታት ዝሓዘ ቀጸላታት ዘለዎ እዩ። እቲ ላዕለዋይ ጸፍሒ ገባርን ሓዳግን ኮይኑ በቲ ማእከላይ ጽፍሒ ኣቢሉ ነቲ ታሕተዋይ ጸፍሒ ትእዛዙ የመሓላልፍ። ሰራዊት ከኣ ናይ ግድን እዩ ክሳብ እቲ ጉዳይ ዝበርሃሉ ዝወሃቦ ትእዛዝ ከተግብር ።

ከምቲ ዝተጠቕሰ እቲ ሰራዊት ኩሉ ጥዒምዎ ከምዘየለ፥ ግን ከኣ ካብ ውሽጡ ነቲ ስርዓት ብፍሉይ ኣገባብ ዝተሓዙን ሓላፋታት ዘለዎምን ኣይሳእንዎምን እዮም። ምኽንያቱ ምልኪ ኩሉ ግዜ ረብሓኡ ኣብ ከፋፊልካ ግዛእ ስለዝኾነ። በዚ እቲ ሰራዊት ዘጋጥሞ ዘሎ ከርፋሕ ናብራ ዕድልን መድሎን ኣብ ዝረኽበሉ እዋን ነቲ መላኺ ስርዓት ክልውጦ ተኽእሎ ኣለዎ። ልክዕ እዩ እዚ ሰራዊት ምክልኻል ውልቃዊ ድሌታት ወይ እውን ናይ እኩባት ረብሓታት ዘለውዎ ሰራዊት ምዃኑ ክንክሕዶ ኣይንኽእልን ኢና። እዚ ክህሉ ከኣ ባህሪያዊ እዩ። እዞም ንውልቆም ዲዮም ንእኩብ ረብሓታቶም ጥቑዓት ዝኾኑ ከኣ እዮም ነቲ መላኺ ስርዓት ብዝያዳ ዘገልግልዎን ዝከላኸልሉን። ስለዚ “ብሰንኪ ንቑጽ ይነድድ ርሑስ” ከም ዝበሃል ብኣልማማ ኩሉ ዝኹነን ወይ ዝነኣድ ኣይኮነን።

ኣብ ውሽጢ እዚ ሰራዊት እቲ ንለውጢ ዝብህግ ክሳብ ዝዕወት ኣብ ዲሞክራሲያውነት ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ። ነዚ ከምዘይናትና ወይ ብኣተሓሳስባ ከም ኣካል ሓይሊ ተቓውሞ ምዃኑ ነጺግና ክንኩንኖ እንተዀንና፥ ነቲ ኣዕኑድ ናይቲ መላኺ ስርዓት ክንሰብሮ ኣይክንክእልን ኢና። እቲ ኩሉ ጻዕርና ፖለቲካዊ ቃልሲ ብምዃኑ ኣብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ከኣ ተጻዋርነት እቲ ቀንዲ ሓያል ጎድኒ ናይ ቃልስና ኣካል እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ኣንጻርቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ኣብ ለውጢ ዝርባሕ ኣካል ሰራዊት ምክልኻል ተጻብኦታት እንተኣዘውቲርና መሊስና ነቲ ዕድመ ስርዓት ጉንዖ ነወፍየሉ ኣሎና።

ስለዚ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ምኽሳቡ ስለዝፈሸልና ኣብ ሓደ ቁራዕ ኣእቲና ክኹነን ኣለዎ ኣብ ክንዲ ምባል ንኽንከስቦን ኣብ ጎኒ ደለይቲ ፍትሒ ደው ንኽብል ክነኽእሎ ዝግበኣና ጉዳያት ክነማልእ ኣሎና። ነቲ ሰራዊት ብዝተኻእለ መጠን ካብ ናይ ምልካዊ ፖለቲካዊ ጸወታ ገለልተኛ ክኸውን ምጽዓር። ካልኣይ ነጥቢ ከኣ ኩሉ ኣባል ደምበ ተቓውሞ ብዝተኻእለ መጠን ሰራዊትን ህዝብን ናብ ጥብቕ ዝበለ ዝምድና ንምብጻሕ ዝደጋገፉሉ ኣገባብ ምዝውታር። ወተሃደር መብዝሕትኡ ግዜ ዓመጽ፡ ምፍርራሕን ምግዳድን እኳ ዝጥቀም እንተኾነ፡ ነዚ ኣገባብ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ንኸየዘውትሮ መጸዋዕታ ምቕራብ ነውሪ የብሉን። ከምዚ ምግባር ኣብ ድሌታት ወተሃደራዊ መሪሕነት ናይ ጉጅለ ህግደፍ ምውዳቕ ወይ ምርዓም ማለት ኣይኮነን። ከም ኣብነት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ  ሃገራዊ ጉባኤኣ ንናይ ሽዑ ኮማንዶስ ኣካል ህዝባዊ ቃልሲ እምበር ኣንጻር ናጽነት ኣይኮነን፡ ዋላ እኳ ንግዝያዊ ጠቕሙ ምስ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሴ ደው እንተበለ ከም ጸላኢ ኣይንቖጽሮን ዝብል ውሳኔ ወሲዳ። ድሕሪ እዚ ሰራዊት ኮማንዶስ በብሓደ ይኹን ብእኩብ ናብ ሰውራ ኤርትራ ክጽንበሩ ጀመሩ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ማእከል ኣስመራ ንህዝቢ ካብ ስጉምቲ ሓይልታት መግዛእቲ ከምዝተኸላኸሉ ርኡይ ናይ ትማሊ ምስክር እዩ።

ብመንጽር’ዚ እዚ ህልዊ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንስርዓት ህግዲፍ ደው ዘበለ ናይ ምልኪ ሰራዊት እዩ ኢልና ኣንጻር ህዝቡ ኣብ ክንዲ ዝብገስ፡ ኣንጻር እቲ ስርዓት ንኽብገስ መጸዋዕታ ምቕራብሲ ምስ ህግደፍ ምድንጋጽዶ የስምዕ ይኸውን? ነቲ ስርዓትሲ ደው ኣቢልዎ ዘሎ እዚ ፋሕ ከም ደቂ ዛግራ ኮይኑ ዘሎ ደምበ ተቓውሞዶ ኣይኮነን? ስለዚ ንሰራዊት ወትሩ መጸዋዕታ ምቕራብ ናብቲ እንደልዮ ዘሎና ለውጢ ተሓባባርን ተሓጋግዝን ጥራይ ንክኸውን ዘይኮነስ እንተላይ ንረብሓኡ ምዃኑ ምእማትን ኣብ ጎድኒ  ህዝቡ ደው ንኽብል ንምኽኣል ዝሕግዝ ኣገዳሲ መጸዋዕታ እዩ። ትርጉም ናይቲ መጸዋዕታ፡ ንህዝቢኻን ንሃገርካን ተኸላኸል፥ ነቲ ስርዓት ከኣ ፎእ በሎ ዝብል እዩ።

ስለምንታይ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ጎድኒ ህዝቡ ደው ክብል መጸዋዕታ ምቕራብ የድሊ እምበኣር ምኽንያቱን ኣድላይነቱን ንጹር እዩ። ነዚ ሓይሊ እዚ ኣብ ክንዲ ብኣሉታ ንጥምቶ ብእወንታ ጠሚትና ንእወንታዊ ትግባረ ክንጽውዖ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ኣንጻር ረብሓኡ ተሰሊፉ ስለ ዘሎ።  ብዘይካዚ፡ እዚ ስርዓት ከምቶም ዝሓለፉ ክሓልፍ ምዃኑ ናይ ግድን እዩ። ኣብ ከምዚ ህሞት ባዶነት ከጋጥም እንከሎ ነታ ሃገር ንግዚኡ’ኳ ይኹን ጸጥታን ምርግጋእን ናይ ምውሓስ ሓላፍነቱ ምዃኑ ክነተባብዖን ኣብ ጎንኻ ኣሎና ክንብሎን ብኣውንታዊ ጐኑ ክንርእዮን ኣድላይ’ዩ።  ከምኡ’ውን ቃልስና ብብሄራዊ፥ ሃይማኖታውን ሕብረብሄራውን ኣሰላልፋ ተፈላልዩ፡ ነናቱ ሰራዊት ዘለዎ ደምበ ተቓውሞ ነታ ሃገር ዝከላኸል ሓይሊ ክኸውን ኣጸጋሚ እዩ። ምኽንያቱ ነፍሲ ወከፍ ነናቱ ሰራዊት ሒዙ ጽባሕ እውን ኣብ ነንሓድሕዱ ናይ መን ዓብለለ ጉስጢ እንተካይዱ፡ እቲ ሰራዊት “ኣይከምኡን” ክብል ትጽቢት ይግበረሉ።

ስለዚ ደምበ ተቓውሞ ካብ ዘሰማምዕዎ ዝፈላልይዎ ዝወሓዱ ክንሶም፡ ከምቲ ዝድለ ኣብቲ ዘሰማምዖ ሰጢሙ ክሰርሕ ኣብ መስርሕ ኣብ ዝሃለወሉ፡ ናብቲ ፈትዩ ዘይኮነስ ተገዲዱ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ዘገልግል ዘሎ ሰራዊት “ዋልታ ህዝብኻ ኩን” ዝብል መጸዋዕታ ምቕራብ፡ ከም ምድጋፍ ንዲክታቶሪያዊ ጉጅለ ኣምሲልካ ምርኣዩ ቅቡልን ቅኑዕን ኣይኮነን።

Providing concrete responses by action to recent baseless claims that surfaced in today's uncontrolled social media outlets, EPDP members in Europe and North America held a chain of six meetings during the last two weeks of October 2017 alone to reaffirm dedication to the party line; to the review past performances of their organs and branches and to start implementing the one-year action plans adopted at the recent 8th regular meeting of the party's Central Council. 

 

Seattle Branch Meeting

The EPDP Seattle branch in Washington State met on 15 October to discuss  questions raised by a handful party members in North America who wrongly defied  leadership decisions related to disciplinary measures taken against wrong-doers in the party, including Mesfin Hagos. The Seattle branch reaffirmed its unflinching respect to and protection of the 2015 EPDP constitution and related party rules and regulations. The meeting fully supported previous and recent Central Council decisions and  wished to inform EPDP members outside North America not to worry much about the localized hiccup that occurred in their zone during the past few months. The branch members commended and supported the speedy implementation of the EPDP proposal for joint work in the opposition camp and deeply regretted the waste of time by certain individuals whose words and actions only serve the common enemy of the people and the rest of the opposition camp.

 

Youth Affairs Office Meeting

Following the 21 October meeting of the Women's Affairs Office which was reported earlier, the Youth Affairs Office of the EPDP Executive Committee held its regular meeting on  26 October and reviewed past performances with identifiable shortcomings that have to be followed up, and the time-frame for implementing the Office's new action plan for year 2017-2018.  Both the regular meetings of these two party organs were conducted electronically.

 

Frankfurt Branch Meeting Attended by Party Chairman

A day after the 14 October meeting of the all-Germany branches meeting in the German financial capital of Frankfurt (also reported earlier), the EPDP branch for Frankfurt and Environs also held its regular monthly meeting on 15 October at which EPDP Chairman Menghesteab Asmerom was present. The monthly meeting was briefed on latest developments within the party, the opposition camp as well as events taking place in the Horn of Africa Red Sea regions. In relation to party matters, emphasis was given the objectives of and expectations from the unity proposal and the party renewal programme underway. 

 

Frankfurt Branch 15.10.2017

 

Party Chairman Menghesteab Asmerom took the opportunity of his attendance of the branch meeting to explain about a recent meeting he and his delegation attended in Berlin with important governmental and party officials to discuss problems of Eritrean refugees in Germany. He underlined the importance of the issues discussed at the Berlin meeting on future action to assist Eritrean refugees in Germany.

 

Meetings in Oslo 

On 14 October 2017, the Oslo branch held its 7th congress in the presence of two Executive Committee members of the party, Mr. Tesfai Woldemichael (Degiga),  head for Organizational Affairs, and Mr. Medhanie Habtezghi, head of Youth Affairs Office. It is to be recalled that the two EPDP leadership members earlier on 14 October led a public meeting which discussed hot issues of the hour, including the urgency of joint work by forces opposed to the dictatorship at home. 

ኣብ ሓደ ንኹልኻ ብማዕረ ዝምልከትን ዘርበሓካን ዕማም ክትወፍር እንከለኻ፡ ዕዉት ምእንቲ  ክትከውን፡ ምትሕግጋዝ፡ ምትሕልላይ፡ ምፍቓርን ምትሕብባር ከም ዘድሊ ቅቡል እዩ። እዚ ቅቡልነት እዚ ኣብ ሕብረተሰብና ኣብ ኩሉ መዳይ ህይወት እንተላይ ኣብ ፖለቲካዊ ዛዕባ ዝስረሓሉ እዩ። ውጽኢቱ ከኣ ናይ ሓባር ዓቕሚ ዘዕንትርን ኣድማዕን እዩ። እንተኾነ መን ይፈልጥ እቲ ምትሕብባር ከምቲ ዝድለ ኣብ ዘይኮነሉ እቲ መስርሕ ምእንቲ ስሩዕ ቀጻልነት ክህልዎ ኣብ ርእሲ እቲ ናይ ምትሕልላይን ምትሕግጋዝን ቅሩብነት ጠማሪ ውዕል ወይ ስድቢ የድሊ። እዚ ኣብዚ ንነብረሉ ዘለና ዘበናዊ ኣሰራርሓ ጥራይ ዘይኮነ፡ ወለድና ኣብ ዓዶም፡ ጉዳይ ዘርዓ፡ ሓለዋ ሕዛእትን ኣግራብን፡ ዘጋጥም ሓጐስን ሓዘንን ዝምልከቱ ንምትሕብባርን ምትሕስሳብን ኣሳንዮም ዝሕዙ ስድብን ኣካይዳን ከዘውትሩ ጸኒሖም እዮም።

ስለዚ እቲ ካብ ቅሩብነትን ሓልዮትን ዝነቅል ድቡቕ ድሌት ብሕግን ስርዓትን ከም ዝስነ ይግበር። እዞም ቅሩብነትን ምትሕስሳብን በቲ ሓደ ወገን  መቆጻጸሪ ሕግን ስርዓትን፡ በቲ ካልእ ወገን ተጻረርትን ሓደ ብዘይካቲ ካልእ ዝህሉን ዘይኮኑ ተመላላእቲ እዮም። ሕግን ምትሕስሳብን ዘይብሉ ኣብ ናይ ሰባት ጽቡቕ ድሌት  ጥራይ ዝምርኮስ፡ ጉዕዞ ውሕስነት ቀጻልነት የብሉን። ጽቡቕ ድሌትን ቅሩብነትን ዘይተሓወሶ ሕግን ምቁጽጻርን በይኑ እውን ውጽኢቱ ኣድማዒ ኣይከውንን። ክልቲኦም ኣምራት ኣብቲ ዘዘድልይሉ ኣሳንዮም ክዝውተሩ እንከለዉ ግና ኣዕጋብን ቀጻልን ውጽኢት የመዝግቡ።

ኣብ ከምዚ ዓይነት መስርሕ ብሓባር ክትጐዓዞ ዝጸናሕካ መስርሕ ኣብ ሓደ ምዕራፍ ኮይንካ ምምዛኑ ኣገዳሲ እዩ። እቲ ምትሕስሳብ ንብሎ ዘለና ድማ ንሱ እዩ። ኣብዚ ሕጋዊ ናይ ምትሕስሳብ መድረኽ እቲ ማእከላይ መወከሲ እቲ ከሎ ጌና  ከቢብካን ነቢብካን ዝሰነድካዮ  መተሓሳሰቢ ሕጊ እዩ። እዚ ኣብ ሓደ ውሱን ጽፍሒ ናይ ሓደ ትካል ጥራይ ዘይኮነ ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዝለዓለ እሞ ድማ ኣብ ዓብይ ይኹን  ንእሽቶ ትካል ክዝውተር ዝግበኦ እዩ። እዚ ተቐራሪብካን ተሓጋጊዝካን ምስራሕ ኣድላይ ክኸውን እንከሎ፡ ዘይምንሕሓፍን ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ህይወት ፖለቲካዊ ይኹን ማሕበራዊ  ብመልክዕ ኣኼባታት፡ ሰሚናራትን ጉባአታትን ካልእ መላዘቢ ኣጋጣምታትን ዝትግበር እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ጨንፈራት ሰልፍና ዘካይደኦ  ኣኼባታትን ብመሪሕነት ዝውደብ ናይ ሓባር ርክባትን ናይዚ “ከም ሓው ተፋቐር ከም ጓና ድማ ተሓሳሰብ” ኣብነት ኮይኑ ክጥቀስ ዝከኣል እዩ።

ብፍላይ ከም ጓና ተሓሳሰብ ክበሃል እንከሎ፡ ነቲ መኻይድኻን መቓልስትኻን ስለ እተፍቅሮን እተኸብሮን ሕጽረታቱ ኣይትሕበኣሉ ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ። ንሓደ ኣካል ክትተሓሳሰቦ እንከለኻ ንሱ ክርእዮ ዘይከኣለ ዘሓሸ መንገዲ ኢኻ እተርእዮ እምበር ኣይተነውሮን ኢኻ። ንሱ ብፍላጥ ድዩ ብዘይፍላጥ ካብ ዘርእዮ ጥሕሰት ኢኻ እትመልሶ እምበር ንኣበርክቶኡ ኣይተነኣእሶን ኢኻ። ንኣድላይነት ከምዚ  ዓይነት ናይ ሓሳብ ሓገዝን ምዕዶን  ከኣ እዮም ለባማት “ኣብ ልዕሊ ዘለካ እንተዝውስኹኻ፡ ኣብ ልዕሊ ልብኻ እንተዝመኽሩኻ” ዝብሉ። ብኣንጻሩ ናይ ቀረባ መሳርሕትኻን መኻይድኻ  እተቐይሞ ዘለኻ መሲሉካ ኣድላይ ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ዘይምትሕስሳቡ በደልካዮ እምበር ኣይሓገዝካዮን። ምኽንያቱ ብዓንተቦ እንተዝተሓዝ ብቐሊሉ ክፍታሕ ዝኽእል ዝነበረ ሕጽረት ምስ ሳዕረረ ምእላዩ ኣጸጋሚ ስለ ዝኸውን። እቲ እንተ ተሓሳሰብካዮ ዝጐዳእካዮ ዝመሰለካ ኣካል ብሰንኪ ናትካ ብእዋኑ ብዘይንሕስያ ዘይምትሕስሳብ ምስ ተጐድአ ብኣንጻሩ ክቕየመካ ከም ዝኽእል ፍሉጥ እዩ።

ኣብዚ ግሉጽነት ኣገዳሲ እዩ። እቲ ዝተሓሳሰብ ኣካል ካብ ቅንዕና ክሕግዝን ቅኑዕ መንገዲ ከትሕዝን ከም ዝተላዕለ ነቲ ዝምልከቶ ኣካል  ከረድእ ክበቅዕ ኣለዎ። ተግባሩ ሓላይን ተገዳስን መሲልካ ካልእ ሕቡእ ጐዳኢ ኣጀንዳ ከምዝየብሉ ከርኢ ክበቅዕ ይግበኦ። ከምኡ እንተዘይገይሩ ምትሕስሳቡ ውጽኢት ክህልዎ ኣይክእልን እዩ። እቲ ካልእ ወገን እውን እቲ ምትሕስሳብ ንዕኡ ዝሕግዝን ካብ ሕጊ ወጻኢ ከይዱ ንከይጥቃዕ ንምድጋፉን ምዃኑ ብክፉት ሕልና ክቕበሎን፡ ሕነ ካብ ምፍዳይን ቂም ካብ ምሕዝን ናጻ ክኸውን ይግበኦ። ሕጂ እውን ደጊመ ክጠቕሶ ዝደሊ እዚ “ከም ሓው ምፍቓርን ከም ጓና ምትሕስሳብን” ፊን ብዝበለካ ኣገባብን ቃሕ ኣብ ዝበለካ ግዜን እሞ ድማ ኣብ ፍንው መድረኽ ዝካየድ ዘይኮነ ኣቐዲሙ ብዝተቐርጸ ቀጥዕን ኣገባብን እዩ ዝካየድ። ንኣብነት ኣብ ኣሰራርሕ ሰዲህኤ እንተመጻእና እቲ ቀጥዒ ቅዋም ሰልፊ፡ እቲ መድረኽ ካብ ኣኼባ ጨንፈር ጀሚርካ ክሳብ ጠቕላሊ ጉባአ ሰልፊ ዘለዉ ሜዳታት፡ እቲ ግዜ ድማ እዞም መድረኻት ዝዝውተርሉ ኣብ ቅዋም ዝሰፈረ ናይ ግዜ መቐናት ምዃኑ ምጥቃስ ይከኣል። 

ጨንፈር ስያትል ብሰንበት ዕለት 10/15/17 ምዱብ ወርሓዊ ኣኸባኡ ኣካይዱ፣ ኣባላት ጨንፈር ስያትል ዝተመያየጡሉ ኣጀንዳ ነዚኦም ዝስዕቡ ዝሓዘ እዩ

ገምጋም ኣብ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ሰደህኤ ከዛርብ ዝቐነየ ናይ ውሑዳት ኣባላት ሕቶን ውሳኔ ሰልፊን ዝምልከት፡

ጨንፈር ኣብዚ ጉዳይዚ እቲ ብባይቶ ሰልፊ ዝተወስደ ውሳኔ ቅኑዕ ምዃኑ እንደገና ኣስሚሮምሉ፣

ጨንፈር ስያትል፡ ውሳኔ ባይቶ ኣብ ልዕሊ ሓው መስፍን ቅኑዕ ከምዝኾነ፡ ብናይ ገለ ኣባላት ድሌት ዝቕየር ውሳኔ  ከምዘይኮነ፣ ደጊሞም ኣረጋጊጾም።

እቶም ሕቶ ዘልዓሉ ኣባላት ሕቶኦም ብቅዋም ሰልፊ መሰረት ተመሊሱ ከብቅዕ ርእይትኦም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ስለዘይተዓወተ ንመደባት ሰልፊ ክዕንቅፉ ስለዝተረኽቡ ብዓይኒ ቻርተር ወይ ቅዋም ሰልፊ ክርኤ ከሎ ኣብ ጌጋ ከምዘሎው ንጹር ምዃኑ ርእዩ፡

እቲ ኣብ ካልእ ዓለም ዝነብር ኣባል ሰልፊ በዚ ክሻቐል ከምዘየድሊ፡ ኣባላት ጨንፈር መልእኽቶም ኣምሓልሊፎም።

ካብዚ ሓሊፉውን ዋላ ፍልልይ ናይ ኣርኣእያታት እንተ ተረኽበ እቶም በዚ ፍልልይ ምኽንያት ኣብ ሰልፊ ከምዘየለዉ፡ ሰልፊ ደሞክራሲ ነበር እንበሉ ክጽሕፉ ዝውዕሉ ዘሎው ኣብ ክንዲ ኣትኩሮ ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ኣብቲ ውልቀ መላኺ ዝኸውን እዞም ኣሕዋት ግን ንውልቀ መላኺን ጉዳይ ምድሓን ህዝብን ገዲፎም ንብጾቶም ከም ቀዳማይ ጸላኢኦም ገሮም ጊዝየኦምን ጉልበቶምን እንተዘይ ኣባኽኑ ተመራጺ ምኾነ ብማለት ኣባላት ጨንፈር ሓሳባቶም ይገልጹ፣

ምዕባለታት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤሪትራ ዝምልከት፡ ጨንፈር ስያትል ነቲ ብሰልፊ ዝቐረበ ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ብሓደ ምስራሕ ዝብል እማመን ጻውዒትን ደጊፉ፡ ነዚውን ብዓቕሙ ክሰርሓሉ ምዃኑ ኣረጋጊጹ፡

ኣባላት ጨንፈር ኣብ ኩሉ መዳያትን ምንቅስቓሳትን ናይ ሰልፊ፡ ኮምኡ ካብ ሰልፊ ወጻኢ ዝቃለሱ ኤሪትራውያን ዝገብርዎ ውደባን ምልዕዓልን ብሓደ ኰንካ ናይ ምስራሕ ሓሳባትን ብፍላይ ክኣ ኣብ ከተምኦም ዝግበር ምንቅስቓሳትን ስርሓትን ተራኦምን ኣበርክቶኦምን ክሓይሉ ብዳግማይ መብጽዓ ብምእታው ኣኸባ ደምዲሞም፣ 

ዓወት ንህዝብና

ጨንፈር ስያትል 

Saturday, 28 October 2017 21:17

Radio Demtsi Harnnet Kassel 26.10.2017

Written by

Eritrea: UN expert urges world not to turn its back on people fleeing unending human rights abuses

GENEVA (27 October 2017) – The people of Eritrea are suffering unending brutal human rights violations, and thousands continue walking for days in a desperate bid to reach the borders with neighbouring countries, the UN General Assembly has heard.

Special Rapporteur Sheila B. Keetharuth listed multiple severe violations of people’s human rights, pleading with the international community to show compassion to those who risked death to cross the border, where shoot-to-kill orders were allegedly carried out by the military.

“I appeal to the international community not to turn their backs on Eritrean refugees for short-term political gain in response to populist electoral demands or promises, which can translate into actual restrictions, harassment and human rights violations,” she said, while updating the General Assembly on the country’s bleak human rights picture.

“At best, efforts to reduce the number of Eritrean refugees arriving will lead only to a temporary drop in numbers, but they will not stop people crossing deserts and seas in search of safe havens. No barrier will be insurmountable for someone fleeing human rights violations.”

The Special Rapporteur said that with no apparent changes in Eritrean policy at home, citizens were still dying in custody or enduring indefinite detention with no access to their families and lawyers.

The rights to freedom of expression and religion were also being violated, the Special Rapporteur said, citing reports that followers of both recognized and non-recognized religious denominations were still being detained in the capital, Asmara.

“Arrest and detention are used to punish, intimidate, create an atmosphere of fear, or to ‘disappear’ those who are deemed dangerous because they do not toe the line,” said Ms. Keetharuth, urging the Government of Eritrea to end its long-standing practice of arbitrary detentions and respect the rights of all prisoners.

“Eritrea still has no constitution to provide protection for fundamental human rights, no independent judiciary, no legislative assembly – in fact no institutions that could ensure checks and balances or protect against the misuse of power by the state,” she said.

Many arrests followed the same pattern, she said. Detainees were not told why they were being held, were not taken to court where they could challenge their detention, and were denied access to lawyers and visitors. Even close family members could only hand food and clean clothes to prison guards. Detainees were not told whether or when they would be freed, and no information was made public on specific cases.

Countless Eritreans were seeking to leave in search of a place where their rights would be respected, but even that was fraught with risks, the Special Rapporteur said.

Ms Keetharuth highlighted that Eritreans were still being forced into indefinite national service, despite a maximum of 18 months being set by the country’s laws.

Recent figures from the International Organization for Migration (IOM) show 20,000 people have crossed into a neighbouring country so far this year, nearly as many as in the whole of 2016, with 46 per cent of those transported by the IOM aged 18-24.  

The Special Rapporteur said that, rather than trying to reduce the number of Eritrean asylum seekers and refugees they were receiving, other countries should ensure their human rights were protected.

“The international community needs to restore the rights and dignity of Eritrean refugees by closing human rights protection gaps in national refugee policies,” she said.

Calls by the Commission of Inquiry to ensure accountability for past human rights violations and crimes against humanity had not resulted in any new measures, she added.

The Special Rapporteur, who has proposed a series of benchmarks to assess Eritrea’s progress, urged the Government to show its “genuine commitment and serious determination” to achieve progress by taking concrete steps to improve people’s lives.

ENDS

Ms. Sheila B. Keetharuth (Mauritius) was appointed as the  Special Rapporteur on the situation of human rights in Eritrea in October 2012. From 2014 to 2016, she also served as a member of the Commission of Inquiry on Human Rights in Eritrea. Since May 2014, Ms. Keetharuth has been an expert member of the Working Group on Extractive Industries, Environment and Human Rights Violations of the African Commission on Human and Peoples’ Rights. Until 2012, Ms. Keetharuth was the Executive Director of the Institute for Human Rights and Development in Africa in Banjul, The Gambia. She also worked with Amnesty International in Kampala, Uganda, and as a lawyer and broadcaster in Mauritius. In 2017, Ms. Keetharuth was awarded the Outstanding Alumni Achievement Award by the University of Leicester, in recognition of her human rights work.

The Special Rapporteurs are part of what is known as the Special Procedures of the Human Rights Council. Special Procedures, the largest body of independent experts in the UN Human Rights system, is the general name of the Council’s independent fact-finding and monitoring mechanisms that address either specific country situations or thematic issues in all parts of the world. Special Procedures’ experts work on a voluntary basis; they are not UN staff and do not receive a salary for their work. They are independent from any government or organization and serve in their individual capacity.

UN Human Rights country page – Eritrea

For inquiries and media requests, please contact Birthe Ankenbrand (+41 22 928 9465 / ).

For media inquiries in New York please contact: Ravina Shamdasani  (+1 347 446 5294 / ) or Nenad Vasic ().

Concerned about the world we live in? Then STAND UP for someone’s rights today. #Standup4humanrights and visit the web page at http://www.standup4humanrights.or

Source=https://martinplaut.wordpress.com/2017/10/27/un-expert-urges-general-assembly-not-to-turn-their-backs-on-eritrean-refugees/

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት መንእሰያት ሰልፊ ብ26 10 2017 ንነውሕ ግዜ መቐጸልታ ስሩዕ ኣኼባታቱ ዝኾነ ኣኼባ ኣካይዱ። ቤት ጽሕፈት ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ኣጀንዳታቱ ኣብ ክልተ ከፋፊሉ ዘትዩ። ብሓደ ወገን ትግባረ መደባት ዝሓለፈ ዓመተ ሰራሕ ሪኢዩ፣ በቶም ዝተሰላሰሉ ክሕበን ከሎ፣ ነቶም ዘይተሰላሰሉን፣ ኣብ መስሪሕ ምስላጥ ዝርከቡ  መደባት ግን ትግባረኦም ቀዳምነት ሂቡ ክሰርሓሉ ከምዘለዎ ኣስሚርሉ።  ቀጺሉ ኣኼባ ከም ካልኣይን ቀንድን ኣጀንድኡ ዝረኣዮ ናይ መጻኢ መደብ ዕዮኡ ቤት ጽሕፈት እዩ ነይሩ ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓንቀጽ ናይቲ ወጺኡ ዘሎ ውጥን ድማ ብዕምቆት ዘትዩ።   

 ኣብ መወዳእታ ኣኼበኛታት: ድሕነት ህዝብን ሃገርን ክሳብ ዘውሕሱ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ኩነታት ሓቦን ኒሕን ተዓጢቆም ብጽንዓት ክቃለሱ ምዃኖምን፣ ተመያዪጦም ንዘጽደቁዎ መደብ ዕዮ ትግባረኡ ንምርግጋጽ ድርብ ክሰርሑ ቃል ኣትዮም።

ዓወት ንደሞክራስያዊ ቃልሲ !

ሰላምን ፍትሕን ንውጹዕ ህዝብና!  

EPDP Magazines