ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰዲህኤ 1ይ ናይ 2018 ኣኼብኡ ኣካይዱ
Written by ቤ.ጽ ዜና ሰዲህኤዕለት 4 መጋቢት 2018፡ ምምሕዳራዊ ሽማግለ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ 2018 መጀመርያ ስሩዕ ኣኼብኡ ብምክያድ ናይ ዝሓለፈ 4 ኣዋርሕ ጸብጻባት መዚኑ፤ ናይ ዝመጽእ መድረኽ መደባት ከኣ ኣጻፊፉ። ኣብ ኣኼባ ንሸውዓተ ቦታውያን ሽማግለታት ዝወከሉ (ማለት ንካናዳን ሕቡራት ሃገራትን ሓደ ኣካል ቈጺርካ) ተሳተፍቲ ብምልኣት ተረኺቦም። ነፍስ-ወከፍ ቦታዊ ሽማግለ ኣብ ኣኼባታት ምምሕዳራዊ (ኣህጉራዊ) ሽማግለ ብክልተ ሰባት ኢዩ ዝውከል።
ኣኼባ ንሓፈሻዊ ኲነታት ሰዲህኤን፡ ኲነታት ህዝብናን ሃለዋት ደንበ ተቓውሞን ድሕሪ ምምዛን፡ ነቲ ብሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዝቐረበ ናይ ዝሓለፈ መደረኽ ጸብጻብ ተቐቢሉ። ቀጺሉ'ውን ጸብጻባት ቦታውያን ሽማግለታት ቀሪቡ። ኵለን ቦታውያን ሽማግለታት ንኣገዳሲ ሰልፋዊ ጽሑፋትን መጽሔታዊ ሕታማትን ብግቡእ ኣብ ምዝርጋሕ ዕዉት ንጥፈታት ከም ዘካየዳ ተሓቢሩ። ብሓፈሻ ከኣ ሰዲህኤ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መዳይ ዝገብሮ ዘሎ ዘተባብዕ ንጥፈታት እናደንፍዐ ክቕጽል ንቓልሲ ደንበ ተቓውሞ ጠቓሚ ምዃኑ ኣኼባ ኣስሚርሉ።
ኣብ ናይ 2017-2018 መደብ ዕዩ ተጠቒሱ ከም ዝጸንሐ፡ ቦታውያን ሽማግለታት ቤት ጽሕፈት ንህዝባዊ ዲፕሎማሲ ዝያዳ ከበርኻ ትጽቢት ሰዲህኤ ምዃኑ ተሓቢሩ። ካብዚ ምንቃል፡ ነፍስ-ወከፍ ናይ ዞባ ሽማግለ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዞባታትን ጨንፈራትን ሰልፊ ብምትሕብባር ክትግገብሮ ዘሎዋ ስራሓት ነዚ ዝስዕብ ዝወሰኸ ምዃኑ ኣኼባ ኣረጋጊጹ። ማለት፡-
- ነፍስ-ወከፍ ሽማግለ ንዕላማታት ሰዲህኤን ተቓውሞ ህዝቢ ኤርትራን፡ኣብቲ ናይ እትርከቦ ሃገር መንግስትን፣ ትካላትን፣ ህዝብን (ኣባላት ባይቶን) ንምልላይ ዝያዳ ንጥፈታት ክትገብር፤
- ነፍስ-ወከፍ ቦታዊት ሽማግለ ነቲ ዘሎዋ ኣድራሻታት (data base/ ዝያዳ ተማዕብሎ፣ ጽሑፋት ሰልፊ ከኣ ብንጡፍ ኣገባብ ናብ ኩሉ ትካላት ይመሓላለፍ። ኣውራ ከኣ ናብ፡-
- ኣገዳሲ ኤምባስታት (ብምርጫ ንኡስ ሽማግለ እተዳለወ)፤
- ምኒስትሪታት ወጻኢ ጒዳይ፤ ውሽጣዊ ጒዳይ፤ ምኒስትሪ ዜና፤ ጸጥታ፤
- ፓለቲካዊ ሰልፍታትን ኣገደስቲ ኣባላት ባይቶ ናይቲ ሃገርን (ከም ኲነታቱ)፤
- ቀይሕ መስቀል/ቀይሕ ወርሒ፤ ከምኡ ከኣ ካልእ ናይቲ ሃገር ልሉያት ዘይመንግስታውያን ትካላት፤ ዩኒቨርሲታት ወዘተ…
- ናይ ሕቡራት መንግስታት፣ ቤት ጽሕፈታት፤
- ዞባውያን ትካላት ንኣብነት
- ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት
- ኤርትራዊ ውድባትን ማሕበራትን፤
- ኣገደስቲ ውልቀ-ሰባት።
- እቲ ዕማማት ዝትግበር፡ ምስ ዝምልከቶም ብኣካል እናተራኸብካን ጽሑፋት እናኣመሓላለፍካን ይኸውን።
- ንጻውዒት ሓባራዊ ስራሕ ሰልፊ ንምዕዋት፡ ቦታውያን ሽማግለታት ምስ እትርከቦ ጨንፈራት ሰልፊ ብምትሕብባር፡ ምስ ካልኦት ወከልቲ ፖለቲካዊ ውድባትን፡ ሲቪካዊ ማሕበራትን፡ ግዱሳት ውልቀ ሰባትን ኰይና ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ከተዕውቱ ምጽዓር ዝብል እተመሓየሸ መደባት ኣብዚ ናይ 4 መጋቢት ኣኼባ ጸዲቑ።
Liberty English Magazine Issue No. 49
Written by EPDP Information OfficeLiberty English Magazine Issue No. 49
Written by EPDP Information Officeሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ከተማ ኦስሎ ዕዉት ዓውደ መጽናዕትን ክፉት ህዝባዊ ኣኼባን ኣካይዱ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤማሕበር ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ዕለታት 3ን4 መጋቢት 2018 ኣብ ከተማ ኦስሎ፣ ኖርወይ ብደረጃ ኤውሮጳ ዝተጋበአ ዕዉት ዓውደ መጽናዕትን፣ ህዝባዊ ኣኼባን፣ ባህላዊ መደብን ኣካይዱ። ካብ ሓያለይ ሃገራት ኤውሮጳ ብውክልና ዝተሳተፉ ኣባላት ናይቲ ማሕበር ምስ ካብ ዝተፈላለየ ኩርነዓት ናይ ኖርወይ ዝመጹ ብጾቶም ኣብ ዕጹው መጋባእያ ብዛዕባ ህይወት ምንቅስቃሶም መጽናዕታዊ ምምይያጣት ድሕሪ ምግባር እዮም ናብ ክፉት ህዝባዊ ኣኼባን ባህላዊ መደባትን ዝሰገሩ።
ኣቦ መንበር ጨንፈር ኖርወይን ከባቢኣን ናይቲ ማሕበር ሓው ስቲፋኖስ ሽፍታ ናይ ሓጺር ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻኹምን ናይ ምስጋናን ንተሳተፍቲ ድሕሪ ምሃብ፣ ኣሲዒቡ ኣባል ፈጻሚ ሽማገለ ናይቲ ማሕበር ዝኾነ ኣቶ ዓንደብረሃን ንማሕበሮም ምስ ህዝቢ ንምልላይ ብምዕላም፣ ኣብ ኣመጻጽኣን ኣመዓባብላን ናይቲ ማሕበር፣ ኣብ ዕላማታቱን፣ ራኢኡን ኣመልኪቱ ሰፊሕን ዓሚቊን መግለጺ ሂቡ። ኣብ መደረኡ ማሓበር ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ኣብ ኩሉ መዳያዊ ኣገባብ ቃልሲ ዝኣምን ምንቅስቃስ ኮይኑ፣ ድሕሪ ምውዳቅ ስርዓት ህግደፍ ድማ ብኣገባብ መረጻ ተመጣጣኒ ውክልና(proportinal representation) ዝቀውምን፣ ብዝሓ ሰልፍታት (multi party) ዘፍቅድን፣ ኣብ ናጻ ዕዳጋ (free market) ዝመሰረቱ ቁጠባዊ ዕብየት ዝኣምንን፣ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘረጋግጽን፣ ባይቶኣዊ መንግስቲ (Parliamentary Government) ንምትካል እዩ ክብል ኣብሪሁ።
ኣቶ ዓንደብረሃን ብተወሳኺ ምስቅንቓሶም ምስ ዝኾነ ብቻርተር ዝመሳሰሎ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ማሕበር ክሰምር፣ ምስ ዝኾነ ብመትከል ዘይጻረሮ ድማ ሓቢሩ ክሰርሕ ድልው ምዃኑ ኣበሲሩ። ድሕሪ ናይ ሕቶታትን ሪኢቶታትን መድረኽ ድማ ተሳተፍቲ ኣኼባ ብኣባላት ማሕበር ብዝተቀረበሎምን እክለ ማይ ተዓንጊሎም፣ ኣብ ናይ ወጋሕ ትበል ለይቲ ባህላዊ መደብ ሓዲሮም።
ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ዲ.ህ.ኤ) ብዛዕባ ምሕዳስ ሰልፊ ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣባላት ኣካይዱ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜናን ብህልን ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰ.ድ.ህ.ኤ.ሃገራውን ሰውራውን ተዘኩሮታተይ ምስ ጅግና ስውእ ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር
Written by ብገዲም ተጋዳላይ መሓመድ ብርሃን ብላታሓርበኛ ኣይነብርን እዩ ታርኹ እዩ ዝነብር
ኩቡር ሓርበኛ ኣቦና ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ነታ ኣብ ሰምየን ከተማ ኣስምራ ዝተደኮነት ቤት ትምህርቲ ኣልድያእ ኣኽርያ ዝምልከት ኮይኑ እቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝተላዕለ ዘይፍትሓዊ ጠለብ ብኹሉ መዐቀኒታት ቁቡል ስለ ዘይነበረ፡ ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ዘማእክላ ንቤት ትምህርቲ ድያእ እተካይድ ኮሚተ፡ እቲ ጠለብ ብስርዓት ህግደፍ ምስ ቀረበ፡ ንመሰል እታ ቤት ትምህርትን መሰል ተመሃሮን ብኡ ኣቢሉ ንህዝቢ ዝትንክፍ ስለ ዝነበረ ከም ዘይትቕበሎ ብትብዓት ኣብ መርገጻ ጸኒዓ ምስ ነጸገቶ፡ ንሰበስልጣን ስርዓት ህግደፍ ስለ ዘይተዋሕጠሎም ከም እመሎም ከምቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዝውንኑወን ኣብያትምህርታት ይኹና፡ ንሃይማኖት ጠቐስ ዝነበረ ንጥፌታት ደው ከብሉዎን ክዓጽዉዎን ንገለ መራሕተን ክኣስሩን ዝጽንሑ፡ ቤት ትምህርቲ ኣድያእ ውን ተረኣ በጺሑዋ ከይተማትኡ ንሓጅ ሙሳን ምስ ኩሉም ኣባላት ኮሜተ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣትዉ ምግባሮም ካብ'ቲ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ንኽትገልጾ ዘጸግም ማእላያ ዘይብሎም ግብፍዕታ ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን።
ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ንእስታት ሓሙሽተ ወርሒ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መበል 94 ዓመት ዕድሜኡ ካብዛ ግዝያዊት ዓለምና እቲ ዘይተርፍ መጓዕዝቲ ወዲ ሰብ ዝኾነ ብሞት ተፈልዩና እንሆ ብዕለት 3- 3- 2018 ብኣሻሓት ዝግምት ህዝቢ ዝተሳተፉዎ ናይ ስነስርዓት ቀብሪ እታ ናይ መወዳእታ ሓመድ ኣዳም ኣብ መቓብር ሼኽ ኣልኣሚን ከም ዝለበሰ ክረጋገጽ ከሎ ህዝቢ ኣሰርካ ክንክተል ኢና ታሪኽካ ነባሪ እዩ ቅሰን ቅሰስን እንዳበሉ ከፋንውዎ ክሎዉ ሓዘን ዘይኮነስ ኩርዓትን ሓበንን እንዳተሰመዖም ብኡ ኣቢሎም ውን ቀጻልነንት ቃልሶም ከረጋግጽዎ ከሎዉ ንኹሉ ኤርትራ ወኪሎም ዘርኣይዎ ሃገራዊ ንሕን ትብዓትን፡ ንዓና ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ዲያስፖራ እንርከብ ዓቢ ኩርዓትን ሓበንን ጥራሕ ዘይኮነስ ቃልስና ከነሕይል ሓድነትና ከነደልድል ብኡ ኣቢልና ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ምእላዩ ክንቃላጠፍ ናይ ምብርባርን ሞራልን ከምዝሃበና ኣየጠራጥርን።
መን እዩ ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር? ኣብ ዝተናውሐ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ተረኡ እንታይ ነይሩ ብኸመይ ነለልዮን ንገልጾን ዝብሉ ሕቶታት ክምልሽ እንተ ኾይነ፡ ሓጅ መሳ መሓመድኑር ካብ ንኡስ ዕድሜኡ ኣትሒዙ ኣብቲ ሃገራውን ሰውራውን ቃልሲ ህዝቢ ኢርትራ ብትብዓት ዝተሳተፈ ምኩሕ ኢርትራዊ ዜጋ ኮይኑ፡ ካብ ኣርባዓታት ጀሚሩ ኣብቲ ኤትራ ትሃሉ ዶ ኣይትሃሉ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ናይ ነዊሕ ናይ ዝተፋላለዩ ባዕዳዊያን ገዛእቲ ስርዓታት ተላቒቓ ህዝቢ ባዕሉ ዝውንና ሃገር ሃልያ ከቢሩ ምሉእ መሰሉ ተሓልዩሉ ክነብር፡ ኣብ ኩሎም ንሃገር ዝምልከቱ ናይ ምውሳን መሰል ሃልዩዎ ብኡ ኣቢሉ ኣብቶም ቀንዲ ናይ ሃገር ምዕባሌ ዝኾኑ ቀንድን መሰረታዊያን ረቛሒታት ኣብ ዕብየት ፖሎቲካውን ማሕበራውን ቁጠባውን ሓላፍነት ወሲዱ ጉዕዞ ምዕባሌኡ ክቕጽል ዝብሉ ሃገራዊ ጠለብ፡ ነዞም ዝተጠቕሱ ኣብ ምትግባሮም ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ሓደ ካብቶም ቀንዲ ደረኽቲ ሓይልታት ከም ዝነበረ መዛግብቲ ሃገርና ኤርትራ ዝምስክሮ ሓቂ እዩ ክበሃል ይከኣል።
ካብዚ ሓቅታት'ዚ ብምብጋስ እምበኣር ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ሓደ ካብቶም መስረቲ ውድብ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትርታ (ብማሕበር ሸውዓተ) ዝፍለጥ ዝነበረ ኮይኑ ንህዝቢብሓፈሽኡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ንመንእሰይ ዘተኮረ ኮይኑ ኣብ ምልዕዓልን ምውዳብን ኣብ ኩሎም ዝካየዱ ንጥፌታት ቀንዲ ተዋሳኣይ ከም ዝነበረ ውን ይፍለጥ።
ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ኣበጊሱዎ ዝነበረ ኣብ ሓቀኛ ድልየቱ ዝተሞርኮሰ ሕጋውን ሰላማውን ሃገራዊ ቃልሱ፡ በቶም ኣብቲ ግዜ'ቲ ብደረጃ ዓለምና ላዕለዋይ ኢድ ዝነበሮም ገዛእቲ ሓይልታት ተቐባልነት ስለ ዘይረኸበ፡ ስርዓት ንጉሰነገስት ሃይለስላሴ ንኤርትራ ምጉዕጻጽ ብዙሓት ክጥቀሱ ዝኽእሉ ሽርሕታን ንዓበይቲ ፖሎቲካዊያን ኤርትራዊያን ምቕንጻልን ዝገብሮ ዝነበረ እከይ ተግባራቱ ዝሰሓት ኣይኮነን፡ ይኹን'በር ህዝቢ ኤርትራ ብተባዕ ቃልሱን መስዋእቱን ኣብ ድልየቱ ክበጽሕ ኣሎዎ ዝብሉ ቆራጽ ፖሎቲካዊ ውሳኔኡ ምስ ወሰደ ነዚ ታሪኻዊ ውሳኔኡ ንምትግባር እምበኣር ኣብ ስሳታት ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተመስሪቱ ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ 1961 ብጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ኣብ ጎቦታት ኣዳል ጋሽ ባርካ ንህዝቢ ኤርትራ ዘበሰረት ናይ መፈለምታ ጥይት ዝተቶከሰት ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ምስ ሃገራዊ ዕጥቁ ምስ ተበገሰ፡ እዚ ሓድሽ ተረኽቦ'ዚ ንስርዓት ሃይለ ስላሴ ኣሰንቢዱዎ ስለ ዘይተቐበሎን ዘይተዋሕጠሉን ስራዊቱ ኣዕጢቑ ብድርኡ ንኽድምስስ ወላ እንተ ፈተነ ጅግና ስራዊት ሓርነት ኤርትራ ብመሪሕነት ሓምድ ዓዋተ እቲ ኲናት ክጅመር ክሎ ኣብ ርእሲ ጸላኢ ውን ብዙሕ ዓወታት ዝለ ዝተመዝገቡ፡ ንህዝቢ ኤርትርታ ዓቢ ብስራት ኮይኑ መቓልሑ ናብ መላእ ኤርትራ ስለ ዝተዘርገሐ ህዝቢ በብኩርናዓቱ ከውደብን ደገፉ ክገልጽን ከም ዝጅመረ ውን ይፍለጥ።
ካብዚ ርኡይ ሓቅታት'ዚ ብምብጋስ እምበኣር ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ካብቶም ቀዳሞት ናይ ውድብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ስሩዕ ኮይኑ ካብቶም ውሑዳት ሓለፍቲ ስለ ዝነበረ ከተማ ኣስመራን ከባቢኣን ዳርጋ ኣብትሕቲ ምቅጽጻሩ ስለ ዝነበረት ኩሉ እቲ ሰውራዊ ምንቅስቓስን ንጥፌታትን ሓጅ ሙሳ መሕመድኑር ላዕለዋይ ሓላፊ ከምዝነበረ ውን ይፍለጥ፡
እምበኣር ካብዚ ዝተገልጸ ሓቅታት'ዚ ብምብጋስ ኣነ ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ ብርሃን ብላታ ኣብ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ ስሩዕን ንጡፍን ስለ ዝነበርኩ፡ ዓወታት ሰራዊት ሓርነት ኤርትራን መቓልሑን ናብ መላእ ኤርትራ ክዝርጋሕ ምስ ጅመረ ጽልውኡ ብፍላይ ኣብ መንእሰያት ምስ ተዘርገሐ ካብዚ ሓድሽ ስውራዊ ምዕባሌ ብምጋስ እምበኣር ከይወዓልካ ከይሓደርካ ክድ ተሰለፍ ኣርክቦ ነቲ ጅግና ዝብሉ ኣብ ኣእምሮም ሰፊሮም ብኽሎም ህዋሳተይ ክደፋፍኡኒ ስለ ዝጀመሩ ናብ እቲ ዝሰርዓኒ ያሲን ክለፋ ኣደም ከይደ ኣካፈልኩዎ እሞ ብሓደ ተታሓሒዝና ናብ ሙሳ መሓመድኑር ኬድና ኣቐዲመ ይፈልጦ ስለ ዝነበረኩ ዝኾነ ጸገም ኣይነበረን፡ እቲ ሰውራዊ ሓሳበይ ምስ እካፈልኩዎ እሞ ክትቅጽሎ ትኽእል ዲኻ ምስ'ቲ ወድ ከተማ ምዃነይ ኣጻምእ ባርካን ናይ ውግእ ሽግራቱን ክምቲ ብማዕዶ ትመዝኖ ቀሊል ከምዘይኮነ ክትጸሮ ትኽእል ዲኻ ዝብሉ ርእይትኡ ኣቕረበለይ ፡ ብወገነይ ንኹሉ ተዳልየሉ ስለ ዘሎኹ ምእንቲ ሃገር ስለ ዝኾነ ውን ክጸሮ እየ ብዓቢ ፍናን ክቃለስ እየ ኣጆኻ ከም ኣያይ ኣየሕፈረካን እየ ዝብሉ መልሰይ ምስ ሃብኩዎ፡ ተቐቢለካ ኣሎኹ ተዳሎ ባዕለይ ከበግሰካ እየ ዝብሉ ዝሃበኒ መልሱ ክሳብ ሕጂ ካብ ኣእምሮይ ኣይኩወሉንን ኣብ ትጽቢት ካኣ ኣቶኹ ኣብ ተጠንቀቕ ስለ ዝኣቶኹ ለይትን መዓልትን ክሓስብ ኣብ ሃወኽ ኣቶኹ፡ እንታይ ከም ዘሎ ክፈልጥ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ይምለሶ እሞ በቲ ሕያዋይ ኣቀራርብኡ በቲ ለባም ኣዘራርብኡ ህድእ ኢሉ እዞም ንኣገዳሲ ስርሒት ክፍጽሙ ካብ ሜዳ ዝመጹ ደባይ ተዋጋእቲ ስውእ ስዒድ ሑሴንን ብጾቱን ኣብ ቀይዲ ዘሎዉ ኣብዘን ቁሩብ መዓልታት ነጻ ክወጹ ዝብል ተስፋ ስለ ዘሎና ምሰኦም ክሰደካ እየ ዝብል መልሱ ምስ ሃበኒ ኣብ ቆጾሮ ናይ ቤት ፍርዲ መዓልቱ ፈሊጠ ፍርዶም ክሰምዕ ኣንጊህ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከድኩ፡ ውጽኢቱ ግን ከምቲ ዝተጸበናዮ ወይ ከምቲ እቲ ጠበቐኦም ተስፋ ገይሩሉ ዝነበረ ኣይኮንን፡ ፍርዶም ንዓሰርተ ዓመት ምስ ኮነ ኩሉና መብዛሕትና ስሩዓት ንኽንሰምዕ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ስለ ዝነበርና ተጣማሚትና ምልክት ናይ ሕርቃን ኣብነፍሰ ወክፍና ይረአ ምንባሩ ናይ ኩሉና ሓባራዊ ስምዒት እዩ ነይሩ ክበሃል ይካኣል።
ንጽቢሑቱ ምስ ሙሳ ምስ ተራኸብና ነቲ ኩነታት ብሓባር ርኢናዮ እሞ ጽባሕ ተዳሊኻ ኣብ ድንካን ናይ ኣሕመድ ሓሊ ኣብ ኩርናዕ ህንጻ ናይ እንዳ ፈረጅ ለማ ትርከብ ብዙሕ ግዜ ይመላለሶ ስለ ዝነበርኩ ኣየሕደሸንን፡ ንጽቢሕቱ ዓይነይ ሰለም ከየብልኩ ሓዲረ ደበኽ በልኩ፡ ሓጅ ሙሳ ክጽበየኒ ጸኒሑ ብሓደ ናብ ቤት ሸቐት ጅግና ስውእ መሓመድ ብርሃን ነጋሽ ንኹይድ እሞ ንሱ ንዓይ ዝወስደኒ ነባራይ ከተማ እቑርደት ኣዳልዮም ጽኒሖም ከበጉሱኒ ከሎዉ ሓጅ መሳ ምሓመድ ኑርን መሓመድ ብርሃን ነጋሽን ክልቲኦም በል ብርሃን ኣጆኻ ኣይትሕመቕ ብዙሕ ጸገማት ክህሉዉ ይኽእሉ እዮም ነዚ ፈሊጥካ ትብገስ ስለ ዘሎኻ ንኹሉ ከም ትጸሮ ንተኣማመን ኢና ኣጆኻ ንስኹም ብሜዳ ንሓና ብውሽጢ ብናይ ሓባር ቃልስና ንኤርትራና ነጻ ከነውጽኣ ኢና ደጋጊሞም ኣጆኻ ክብሉኒ ኣብ ሃገራውን ሰውራውን ዝተሞርኮሰ ሞራል ክህቡኒ ክሳብ ናብ ኣውቶቡስ ገጽና ኣርሒቕና ንኸይድ ናይተን ለዋሃት ኣዒንቶም ጠመተኦም ከየቋረጹለይ ዝህቡኒ ዝነበሩ ሓልዮትን ተገዳስነትን ክሳብ ሕጂ ካብ ኣእምሮይ ኣይኵአሉንን፡ እቲ ዝመርሓና ዝነበረ ካብቶም ቀንዲ ስሩዓት ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኮይኑ ናብ ኩለን ክተማታት ማለት ካብ ተሰነይ ሃይኮታ ባረንቱ ኣቐርዳት ከረን ኣስመረ ብሰውራዊ ዕማም ተንቀሳቓሳይ ስለ ዝነበረ ዝኾነ ጸገም ከይተጓነፈና ናብ እቑርዳት ክንኣቱ ከሎና ናብ መንበሪ ስውእ ሳልሕ መሓመድ ስዒድ ኣብጽሓኒ፡ ንሱ ውን ተሓቢሩ ስለ ዝጸንሐ ዝኾነ ጸገም ኣይተጓነፈናን።
ኣብቲ ዝዓረፍኩሉ ናይ ስውእ ሳልሕ መሓመድ ስዒድ ገዛ ዳርጋ ንዓሰርተ ማዓልታት ምስኡ ክጸንሕ ከሎኹ እቲ ቃልሲ ሓቀኛ ድልየተይን ብስምዒተይን ካብሽዑ ዝጀመርኩዎ ኮይኑ ስለ ዝተሰማዓኒ ኣብ ክሊ ናይ ሰውራዊ መንፈስ ኣትየ ሞራለይ ናይ ብሓቂ መግለጺ ኣይረኽበሉን እንተበልኩ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይኮነን፡ ናብ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣሃዱታት ዝርከበኦ ዝነበራ ብልክዕ ኣበይ ክም ዘለዋ ምስ ተሓበረ፡ ኣብ ተጠንቀቕ ውን ስለ ዝጸናኩ በቲ ሩባ ባርካ ኣቢልና ናብ ሰሜየን ከተማ ኣቑርዳት ኣምራሕና እሞ ድሕሪ ናይ ሓደ ሰዓት ዝኾውን ጉዕዞና ኣብ ብጅግና ስውእ ኣደም ግንድፍል ትምራሕ ዝነበረት ኣሃዱ ክጽንበር ከሎኹ ግዝያቱ ኣብ ወርሒ ጉንበት ናይ 1964 አቲ ናይ ጋሽ ባርካ ናይ መታሕት መሪር ጸሓይ ካብ ሽዑ ኣትሒዘ ኣስተማቒረዮን ከም ልምምድ ኮይኑ ኸኣ ንኽጸሮ ብዙሕ ሓጊዙኒ ክብል ይኽይእል።
እምበኣር እቲ ናይ ፈለማ ናይ ነዊሕ ጉዕዞ ቃልሰይ ክጅምሮ ከሎኹ ናብ ሰራዊት ሓርነር ኤርትራ ተጸምቢረ ከም ጉቡእ በቶም ምኩራት ተጋደልቲ ሓጺር ወተሃደራዊ ታዕሊም ወሰደ ብረተይ ዓጢቐ እቲ ቃልሲ ክጅምሮ ከሎኹ ኣብ ኩሉ ጉዕዞታተይ ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ስለ ዘይተኸወለኒ እቲ መንፈሳዊ ምትእስሳር ኣይቋረጸን ክብል ይኽእል።
ኣብቲ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትርታ ድሒሩ ዝመጸ ምዕባሌታት ኣነ ካልእ መደብ ተዋሂቡኒ ንስርርዕን ምውዳብን ነስመራ ክንኣቱ ከሎና እቲ ቀዳማይ ንረኽቦን ዝሕግዘናን ሙሳ መሓመድኑር ስለ ስነበረ ምስቲ ዝጸንሓኒ እቲ ኣብ ሓባራዊ ቃልሲ ዝተሞርኮሰ ርኽክብና ኣዝዩ ከም ዝሕይል ምግባሩ ንዓይ ዓቢ ትምህርትን ተሞኩሮን እዩ ነይሩ ክብል ይኽእል።
ቃልሲ ቀጺሉ ጉዳይ ኤርትራና ብዓወት ምስ ተደምደመ ኣብ 1991 ንእስመራ ድሕሪ 27 ዓመት ምስ ተመለስኩዋ ካብቶም ቀዳሞት ዝረኸብኩዎም እቲ ዝተተምንናዮን ዝተቓለስናሉን ተዓዊቱ ዝብል እምነት ስለ ዝነበረና እቲ ናይ ናጽነት ሃዋሁ ብሓደ ኮይና ከነስተማቕሮ ባህርያዊ እዩ ነይሩ ክበሃል ይከኣል።
እምበኣር ተዘኩሮታተይ ምስ ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ክብል ከሎኹ ልዕሊ ሓምሳ ዓመት ዝወሰደ ሓባራዊ ቃልስና ንዘልዓለም ንውሉድ ወለዶ ቀጻሊ ስለ ዝኾነ ንዓና ክብረትን ሓበንን ከምዝኾነ ውን ኣይሰሓትን ።
ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ንስኻ ጅግና ንስኻ ያታ፡
ንስኻ ታሪኽ ንስኻ ሰነድ ንስኻ ኣብነት ናይ ሃገር ዋልታ፡
ቃልሲ ኣበጊስካዮ ብሓቦ ብኒሕ ካብ መፈለምታ፡
ተወዳዳሪ የብልካን ክዝረበሉ እዩ ናትካ ሓቀኛ ዛንታ፡
ብቃልስኻን ጻዕርኻን ክትህሉ እያ ኤርትራ ዘይብላ መሰታ፡
በዘን ውሑዳት ቃላተይ ክድምድም ክለኹ ሓጅ ሙሳ መሓመድኑር ከምቶም ኩሎም ጀጋኑ ስውኣትና ኣብ ነፍሰወክፍ ኤርትራዊ ልብና ሰፊሮም ንውሉድ ወሎዶና ካብቶም ንዝክሮም ስለ ዝኾነ ወላ ብኣካል እንተ ተፈልየና ብስምዒት ብመንፈስ ኣይክፍለየናን እዩ እንዳበልኩ እዛ ሓጻር ተዘኩሮታተይ ይድምድም።
ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ሙሉኣት ስድራቤቱ ጽንዓትን ሰብርን ንመዋቲ ኸኣ
ኣላህ ኣብቲ ሰፊሕ ዳሩ ምስቶም ዝሓለፉ ጻድቃናት ይጸንብሮ ራሕሲ ይግደፍ
እንዳበልኩ ንነፍሰይ ውን የጸናንዓ።
ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና
ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ።
ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ብ2 መጋቢት 2018 መበል 12 ዓመት ዝኽሪ ምምስራቱ ኣጸንቢሉ ። ኣብዚ ኣብ ስዑድ ዓረቢያ ከተማ ርያድ ዝትኻየደ ጽንብል ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢኢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ወሲኻ ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሳ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ተሳቲፈን። ኣብዚ ኣብ ህላወ ብናይቲ ሰልፊ ኣቦመንበር ሓው ዓብደል ራሕማን ጥሃ ኑር ዝተኻየድ ኣጋጣሚ ጨንፈር ርያድ ሰዲህኤ ተሳቲፉ።
ኣብዚ ኣጋጣሚ ዝተሳተፈ ኣቦመንበር ጨንፈር ርያድ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስመዖ ናይ ደገፍን ምሕዝነትን ቃል ነቶም ዝዓደሙ ሽማግለ ርያድ ሰልፊ ናህዳን ነቲ ኣጋጣሚ ዝወደበት ኣካልን ምስጋናኡ ኣቕሪቡ። ንኣገዳስነት ናይቲ ኣጋጣሚ ንኢዱ ከኣ ኣብ መጻኢ ሰዲህኤን ናህዳን ክተሓጋገዙን ብሓባር ክሰርሑን ከም ዝግበኦም ኣንጸባሪቑ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ማለት ኣብ 2013 ኣብ ምንቅስቓስ ወዲ ዓልን ኣብ 2017 ኣብ ምንቅስቓስ ኣኽርያን ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ብዛዕባ ዝተራእዩን ክተባብዑ ዝግበኦም ተቓውሞታት ገሊጹ።
ሰልፊ ናህዳ ኣብቲ ብባህላዊ ምድላዋት ዝተሰነየ ኣጋጣሚ ተረኺቦም ደገፎም ንዝገለጹ ዕዱማት ናይ ተሳትፎ ምስክር ወረቐት ከም ዝሃቡ እውን ተገሊጹ።
ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዞባ ኤውሮጳ ብ3 መጋቢት 2018 ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ሓያልን ድኹምን ሰልፎም ብምርዳእ ነቲ ሕያል መሊስካ ንምሕያል ነቲ ድኹም ድማ ንምእራም ቃልሶም ከሕይሉ ቅሩባት ምህላዎም ኣረጋጊጾም። እቶም ኣባላት ነዚ ዘረጋገጹ መደባት ምሕዳስ ሰልፊ ንምብራህን ኣተገባብራኡ ንምንጻር ኣብ ዝተኻየደ ናይ መላእ ኣባላት ዞባ ኣኼባ እዩ።
ኣብዚ ኣኼባ መበገሲ ሓሳብ ዘቕረበ ብጻይ ወልደየሱስ ዓማር ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳያትን ምክትል ኣቦመንበርን ሰዲህኤን ኣባል ኮሚሽን ምሕዳስ ሰልፍን፡ ኣብዚ እዋንዚ ብደረጃ ዓለም እንተረኣናውን ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ውድባትን ሰልፍታትን ትሑት ምዃኑ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ካብ ሰነድ ምሕዳስ ሰልፊ ሰዲህኤ ሓያልን ድኹምን ዘርኢ ዝርዝር ኣቕሪቡ። ካብቲ ድልዱል ጐድንታት፡ ሰዲህኤ ኣብ ኣገዳስነት ብዙሕነት ዘለዎ መትከላዊ እምነት፡ ዝምድና ሃይማኖትን ፖለቲካን ዝምልከት፡ ስፍሓት ዝርጋግሓ ኣካላቱ፡ ብመትከል ግዝኣተ-ሕጊ ዝምእዘዝ ሰልፊ ምዃኑ፣ ሓቛፊ እማመኡ ኣብ ሓቢርካ ምስራሕ፡ ነቲ ናይ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ፍልልይን ኣሉታዊ ስንብራትን ሰጊሩ ንቕድሚት ንምምዕዳው ዝወሰዶ ተባዕ ስጉምትን ናይ ኣባላቱ ተወፋይነትን ዝምልከቱ ነጥብታት ብዝርዝርን ብኣብነት ብምስናይን ኣቕሪቡ። ብኣንጻር’ዚ ተሳትፎ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ከምቲ ዝድለ ዘይምዃኡ ሓደ ካብ ድኽመታቱ ምዃኑ ኣስፊሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ሓያላት ኮነ ድኹማት ጐድንታት ሰልፊ ብወድዓውን በዓል ቤታውን ረቛሕታት ዝጽለዉ ምዃኖም ሓቢሩ።
ብጻይ ረዘነ ተስፋጼን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳያት እውን ካብቶም ነቲ ኣኼባ ንክመርሑ ዝተመዘዙ ስለ ዝነብረ፡ ኣብ ምሕዳስ ሰልፊ ኣገዳሲ ግደ ንዘለዎ ግዝኣተ ሕግን ሕጋዊ ኣሰራርሓን ብዝምልከት ሰፊሕ መግለጺ ኣቕሪቡ። ኣብዚ መግለጺኡ ኣብ ህልውና ሰልፊ ወሳኒ ግደን ሓያል ጽልዋን ንዘለዎም፡ ግደ ብዙሓትን ውሑዳትን፡ ሓላፍነት ላዕለዎትን መሰል ታሕተዎትን ግሉጽነትን ኣብ ዝብሉ ኣዕኑድ ዲሞክራሲ ንጹር መብርሂ ሂቡ። ብጻይ መድሃኔት ህብትዝጊ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ምንእሰያትን ምክትል ኣቦመንበር ኮሚሽን ምሕዳስ ሰልፍን ብወገኑ ኣገዳስነትን ኣመሰራርታን ኮሚሽንን፡ እቲ ሰነድ ምሕዳስ ሰልፊ ዝመጸሉ መስርሕን ወሳኒ ግደ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ምዕዋት መስርሕ ምሕዳስን ዝምልከቱ ጉዳያት ገሊጹ።
ድሕርቲ መበገሲ መግለጽታት፡ ኣባላት ሰልፊ ነቲ ካብቲ ሰፊሕ ሰነድ ምሕዳስ ተወሲዱ ከም ኣጀንዳ ዝቐረበ ሓያልን ድኹም ጐድንታት ሰልፊ ዝምልከት ሕቶታት ኣቕሪቦም፡ ኣብቲ ሕያል ኮነ ድኹም ገድንታት ዘይሰፈሩ’ሞ ክሰፍሩ ይግበኦም ዝበልዎም ነጥብታት ብምቕራብ ነቲ ሰነድ ዘህብትምን ተዛማዲ ሓሳባትን ኣቕሪቦም። እቶም ነቲ ኣኼባ ዝመርሑን መበግሲ ሓሳባት ዘቕረቡ ብጾት ከኣ ነቲ ሕቶታት ብግቡእ መሊሶም ነቲ ሰነድ ዝምልከቱ መህብተሚ ሓሳባት ከኣ ናብታ ኮሚሽ ከም ዘቕርብዎ ኣረጋጊጾም።
ኣብ መወዳእታ ኣባላት ሰልፊ ኣብ ኩሉ መዳያት መደባት ምሕዳስ ሰልፊ ንምዕዋት ኩሉ ዝከኣሎም ክገብሩ ከም ወትሩ ድልዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም። ነቲ ኣኼባ ዝመርሑ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰልፊ ከኣ እዚ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ብዘውጸኦ መደባት መሰረት ኣብ ኩሉ ኣካላት ሰልፊ ዘለዉዎ ኩርነዓት ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ ጠቒሶም፡ ኣብ መጻኢ’ውን ብዛዕባ ካለኦት ክፍልታት ናይቲ ሰንድ ምሕዳስን ተዛመድቲ ዛዕባታትን ኣኼባታት ቀጸልቲ ምዃኖም ኣረጋጊጾም።
More...
ውድባት: ማሕበራትን ሰልፍታትን ኩሉ ግዜ ምእንቲ ህዝብን ንረብሓ ህዝብን እየን ዝውደባን ዝቃለሳን። ልክዕ እዩ መላእ ህዝቢ ሓንቲ ሃገር፡ ኣብ ማሕበራትን ከዐውትዎ ዝደልዩ መትከላትን ክስለፍ እንከሎ ዕላማኡ ንረብሓ ሃገርን ህዝብን ዝውዕል ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን እንተዘይኮይኑ ህዝቢ ክስዕቦ ይኹን ክድግፎ ኣይክእልን እዩ።
እወ! ዝኾነ ይኹን ዝተጠርነፈ ወይ ዝተወደበ ፖለቲካዊ ይኹን ዘይፖለቲካዊ ጉጅለ ብዘይ ሓገዝ ህዝቢ ንቕድሚት ከም ዘይስጉም ርዱእ እዩ። ዜጋታት ኣብ ጉዳይ ሃገር ኩሎም ብማዕረ ክሳተፉ ወይ እውን ነቐፈታኦም ይኹን ደገፎም ከርእዩ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ምእንቲ ህዝቢ ኢሉ ዝንቀሳቕስ ብእኩብ ይኹን ብተናጸል፥ ህዝቢ ክከታተሎን ክቆጻጸሮን ስለ ዘለዎ። ህዝቢ ተኸታቲሉ ከኣ እቲ ዝትለምን ኣብ ተግባር ዝረአን ኣወዳዲሩ እንተስ ክነጽጎ እንተስ ክስዕቦ ምርጭኡን ሓላፍነቱን ስለዝኾነ። ሓደ ሰልፊ ወይ ፖለቲካዊ ውድብ፡ “ምእንቲ ህዝቢ ኢየ ዝቃለስ” ኢሉ ክንቀሳቐስ እንከሎ፥ ህዝቢ እውን “ናይ ብሓቂ ናተይ ዲዩ ኣይኮነን” ኢሉ ክመራመር ናይ ግድን እዩ። ሓደ ስርዓት ንህዝቢ ዘየርብሕ እንተኾይኑ ህዝቢ “ኣይፋልካን መንግስተይ እንተዀንካ ኣገልጋልየይ እምበር ጨፍላቕየይን ጨቛንየይን ክትከውን የብልካን” ኢሉ ኣይናተይን ክብሎ ይግባእ። ንኣብነት ስርዓት ኢሰይያስ ኣፈወርቂ ሕጊ ኣልቦ ብምዃኑ ሓድነት ህዝብን ሃገርን ዝዓጦ ኣይኮነን። ስልዝኾነ ከኣ ህዝቢ ፋሕ ክብልን ከይረዳዳእን እዩ ዝጽዕር።
ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ ከኣ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ እንተርኢናዮ፥ ኣብ ክንዲ ሓቢሩ ዝሰርሕን፥ ፍልልያቱ ዓቂቡን ሰላማዊ ዘተ ዘካይዱን ዝሰርሕ፡ ወገሐ-ጸበሐ ክፈናጨልን፥ ፍልልያቱ ኣብ ህዝቢ ክዝርግሕን ሓድነት የዳኽም። ወላ’ውን እቲ ዝኸዶ መንገዲ ንረብሓ ሃገርን ህዝብን ከምዘይውዕል ብሩህእንተኾነ ከእርም ኣይረአን። ስርዓት ኢሳይያስ ከኣ ናቱ ክፋእ ኣቐሚጡ፡ ንተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ “መሳርሕን ልኡኻትን ወያነ እዮም፥ ሽዩጣት እዮም፥ ከደምቲ ኮይኖም … ውዘተ” ብዝብላ ጽዩቓት መውጽኢ ኣፉ ቃላትዩ ዝደጋግም። ኣብ ደምበ ተቓውሞና ከኣ ነቲ መሰረታዊ ምኽንያት ብምስሓት፡ “ስርዓት ኤርትራ ናይ ሓደ ኣውራጃ ወይ ወኪል ናይ ሓደ ሓደ ቋንቋ ተዛረብቲ እዩ፥ እገለ ኣውራጃ ኣንጻር ለውጢ እዩ፥ እገለ ዝበሃል ሰልፊ ህዝቢ ኣይውክልን እዩ፥ እገለ ኣንጻር ኢሰይያስ ኣይኮነን ዝቃለስ ዘሎ … ወዘተ ዝብል ህዝቢ ሓቢሩ ኣንጻር ወጽዓ ከይቃለስ ዝዕንቅፍ ወስታታት ሓሓሊፉ ይስማዕ እዩ። እዚ ከኣ ንጉጅለ ኢሳይይያስ እምበር ንናይ ለውጢ ቃልሲ ዝሕግዝ ኣይኮነን።
ክልቲኡ ፖለቲካዊ ሸነኻት፥ እምበኣር ንሓድነት ህዝብን ዓወቱን ይቃለስ ኣለኹ ካብ ዝብል ወገን ክወጽእ ዝግበኦ ኣይኮነን። ስርዓት ኢሳይያስስ ሕራይ ኣቡኡ ዘፍለጠ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይኣፈላላይ ክደቁስ፡ ክጭፍልቕ፡ ክኣስርን ክፈላልን ባህርያቱ እዩ። እቲ ንለውጢ ዝቃለስ ደምበ ተቓውሞኸ ስለምንታይ እዩ ኣብ ነንሓድሕዱ ዝተናኾልን። ንካለኦት ኣግሊልካ “ኣነ ጥራሕ እየ ቅኑዕ እሞ ነዓይ ጥራይ ስምዑ” ምባልሲ ብሓቂ ቃልሲ ኣሰሲኑ ንሃገርን ህዝብን ዘርብሕ ዲዩ? እቲ ነዚ ዘቅርዑይ መንገዲ ዝመርጽ ንካለኦት እናተጸላለመ ስልጣን በቋራጽ ክጭብጥ’ሞ፡ ጽባሕ’ውን ንህዝቢ ኤርትራ ድከቱ ከስትዮ ዲዩ ሕልሙ? እቲ ስልጣን ዋንኡ ህዝቢ ምዃኑኸ ደኣ በየን ኣቢሉ እዩ ከረጋገጽ? ስለዚ እንተደኣ ስልጣን ዋንኡ ህዝቢ ኮይኑ’ሞ ነዚ ኩሉ ተቓዋማይ ዝኣምነሉ እንተ ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ኮፍ ኢልካ ዘተ ምክያድን እንካን ሃባን ምብህሃል ተጸሊኡ ኣኣጉዶኻ ምሓዝዶ መድለየ? ህዝቢኸ ኣብ ከምዚ ኩነታት ነቶም ካብ መስመር ዝወጹ እንታይ ኢኹም ትገብሩ ዘለኹም ኢሉዶ ክውጥር ሓላፍነቱ ኣይኮነን እዩ? ስለምንታይ ደኣ ህዝቢ ክግስጥ፥ ኣይፋልን ክብል፡ ክተባብዕ፥ ካብ ብሕጂ መሰሉን ግቡኣቱን ምዃኑ ዘረጋግጸሉ መንገዲ ዘይምድመደሉ። እነሆ እምበኣር ገሌና እቲ ቅኑዕ መንገዲ ክንሕዝ ዘይምኽኣልና፥ ንግጉይ ከም ቅኑዕ ጌርና ወግሐ ጸብሐ ክንነዝሕ እንከሎና ብሓቂዶ ንረብሓ ህዝቢዶ ንቃለስ ኣለና? ኢልና ነንነብስና ክንሓትት ይግበኣና። ንህዝቢ ዘርሕቕ ሕድሕዳዊ ጸለምታትን ብምክያድከ ህዝቢ ነተን ሰልፍታት ኣለልዩ “እዚ ቅኑዕ እዚ ከኣ ግጉይ” ዝብል ብይን ከይብዶ ኣይዓግቶን?
ተጋዳላይ ብርሃነ ተስፋማርያም (ወዲ ጎሹ) ብ6 ለካቲት 2018 ብሕማም ካብ’ዛ ዓለም ምፍላዩ ሰሚዕና፡ ብዙሕ ድማ ጉሂና። ስውእ ብርሃነ ጎሹ፡ ሓደ ካብ’ቶም ቀዳሞት ተቓዳደምቲ ብሽክለታ ናይ ኤርትራ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ክፍላ ናይ 1970ታት ድማ ምስ’ቶም ናብ ተሓኤ እተጸንበሩ ብዙሓት ስፖርተኛታት ንሜዳ ኤርትራ ወጺኡ። ብድሕሪኡ ኣባል ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶን ኣባል ግንባር ሃገራዊ ድሕነትን ኮይኑ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንብዙሕ ዓመታት ተቃሊሱ።
በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንስዉእ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ፡ ንቤተ-ሰቡን መቃልስቱን ድማ ጽንዓት ይሃቦም እናበለ ናይ ሓዘኖም ተኻፋሊ ምዃኑ ይገልጽ።
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
4 መጋቢት 2018
ኣካያዲ ናይ’ታ ኣብ ኣኽርያ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣልእስላም (ወይ ድማ መድረሳ ስታዝ በሺር) ዝነበሩ ሃገራዊ ኣቦና ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር፡ ብዓርቢ ዕለት 2 መጋቢት 2018፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህግዲፍ ከምዝዓረፉ ምስማዕና ብዙሕ ኣሰንቢዱናን ኣጉህይናን።
ነብሰሄር ሓጅ ሙሳ መሓመድ ኑር፡ ነታ ብናይ ህዝቢ ኣበርክቶ እትካየድ ቤት ትምህርቲ፡ ኣሕሊፈ ንስርዓት ኢሳያስ ኣይህብን፥ ነቲ ካብ ስሳታት ኣትሒዛ ክትህቦ ዝጸንሐት ኣገልግሎት ኣይቕይርን ብማለት ንህይወቶም ክሳብ መስዋእቲ ክኸፍሉ ዘርኣይዎ ድልውነትን ዘሐብን ጽኑዕ መርገጽን ብህልውን መጻኢ ወለዶን ክዝከርን ክምጎስን ክነብር ኢዩ።
መስዋእቲ ሓጅ ሙሳ፡ ነቲ ካብ ሚኢቲ ዓመት በጊዕ፡ ሓደ ዓመት ኣንበሳ ኮይንካ ምሟት ዝብል ፈለግ ናይ ጀጋኑ ሃገራውያን ተቓለስቲ ዝተኸተለ ጉዕዞ ስለዝኾነ፡ ዋላ እኳ ብኣካል እንተተፈለዩና፡ ብመንፈስ ንዘልኣለም ኣብ ልብና ክሰፍሩ ምዃኖም ኣይንጠራጠርን ኢና።
በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንመዋእቲ መንግስተ-ሰማይ፡ ንመላእ ቤተሰቦምን ንህዝቢ ኤርትራን ድማ፡ ጽንዓት ይሃብኩም ጠሉ ድማ የውርደልኩም እናበለ ናይ ሓዘንኩም ተኻፋሊ ምዃኑ ክገልጽ ይፈቱ፡
መንግስተኣብ ኣስመሮም
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
4 መጋቢት 2018
በዓል ሰራዊት ሓርነት (ቶጎሩባ) ኣብ ፍራንክፈርት
ንቀዳም ዕለት 17.03.2018 ኣብ ፍራንክፈርት ኣብ ታሕቲ ሰፊሩ ዘሎ ሰዓትን ቦታን ብምኽንያት መዓልቲ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ (ቶጎሩባ)፣ ብምትሕብባር ኣብዚ ከባቢ ዘለው ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ (ውድባት፣ ሰልፍታት፣ ምንቕስቃሳትን ነጻ ኣካላትን) በዓል ከነካይድ ምኻና ንሕብር።
እዚ በዓልዚ ነቲ ብዕለት 15.3.1964 ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ (ተጋደልቲ) ኣብ ቶጎሩባ ናይ መጀመርያ ተኺል ውግእ ምስ ሰራዊት ገዛኢ ስርዓት ኤትዮጽያ ዘካየደሉን ዝተዓወትሉ (ብብርክት ዝተሰውእሉን) ከም ሲምቦል ዝተወስደ መዓልቲ ይኹንምበር፣ ነቲ ኩሉ ብድሕርኡ ንልዕሊ ርብዒ ዘመን ተእምራታዊ ናይ ጅግንነት ውግኣት ዘካየደን ኣብ መጨርሻ ዲማ ነጻነት ዘምጽኤን ኩሉ ስውእን ህልውን ጅግና ሰራዊት ሓርነት ውድባት ኤርትራ ንዝክርሉ መዓልቲ እዩ።
ድሕሪ ሕጽር ዝበለ ፖሊቲካ መደብ ክሳብ እቲ ተጥቒሱ ሰዓት ባህላዊ ምሸት ክካየድ እዩ። ንኹሉ ደላይ ፍትሒ ኣብዚ በዓልዚ ክሳተፍ ብኽብሪ ንዕድም።
ዝግበረሉ ዕለት ፡ ቀዳም ዕለት 17.02.2018
ዝካየደሉ ሰዓት ፡ ካብ 15፡00 ክሳብ 24፡00 (ፍርቂ ለይቲ)
ዝግበረሉ ኣዳራሽ ፡ ሳልባው ፈሸንሃይም
SAALBAU TSG-Halle Fechenheim
Pfortenstrasse 55
603863 Frankfurt am Main
ሓበረታ ብባቡር ትመጹ፡
ብሽትራሰንባን ቁጽሪ 11 (Straßenbahn 11) ናብ ፈሸንሃይም ሺስሁተን ሽትራሰ (Fechenheim Schießhüttenstraße) ገጽ ትኸይ ድሒዝኩም ኣብ ካሰላሽትራሰ (Cassellastrasse) ወሪድኩም ብየማንኩም ዘሎ ጽርግያ ለኦጋንስሽትራሰ (Leo-Gans-Starsse) ክሳብ መጨርሻ (ኣስታት 700 መትሮ) ምስከድኹም ዝርከብ ናይ ዛልባው ኣዳራሽ እዩ።
ብድሓን ምጹ
ሽማግለ ህዝባዊ ምልዕዓል ፍራንክፈርትን ከባቢን