ሓድሽ ቀዳማይ ምኒስተር ፈደራላዊ ደሞክራስያዊት ረፐብሊክ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ካቢነ ሚኒስተራት ዝገበርዎ ለውጢ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ (ፓርላማ) ቀሪቡ ብ19 ማዝያ 2018 ጸዲቑ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ነቲ 32 ዝነበረ ብዝሒ ሚኒስትርታት ናብ 31 ኣውሪዶም ካብቶም ዝነበሩ ሚኒስተራት ኣብቶም 15 ለውጢ ኣይገበሩን። ካብቶም ከም ዝነበርዎ ዝቐጸሉ ምኒስተራት ናይ ወጻኢ ጉዳይን ናይ ገንዘብን ይርከብዎም።

ካብቶም ዝተረፉ 16 ምኒስተራት ዓሰርተ ሓደስቲ ከምጽኡ እንከለዉ ኣብቶም ሽዱሽተ ድማ ናይ ቦታ ሓላፍነት ለውጢ ገይሮም። ካብቶም ሓደስቲ ሚኒስተራት ናይ ሕርሻን ሃብቲ እንስሳን፡ ናይ መንግስታዊ ትካላት ልምዓት፡ ናይ ጥዕናን ንግድን ሚኒስትርታት ይርከብዎም። ካብቶም ናይ ሓላፍነት ቦታ ምቅይያር ዝተገብረሎም ድማ ናይ ምክልኻል፡ ናይ ትራንስፖርትን ባህልን ቱሪዝምን ሚኒስትርታት ይርከብዎም። ካብ ጠቕላላ እቶም ሚኒስተራት እተን 5 ደቂ ኣንስትዮ እየን። ድሕሪ እቲ ናይ ካቢነ ሚኒስተራት ምጽዳቑ ከኣ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ላዕለወይቲ ኣወሃሃዲት ማእከል ምህናጽ ደሞክራሲያዊ ስርዓት፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ፡ ኮሚሽነር ፈደራል ፖሊስን ሓላፊ ትካል መለስ ዜናዊ ኣካዳምን ዝርከብዎም 9 ላዕለዋይ መዝነታት ሂቦም።

ምስዚ ብዝተተሓሓዘ በቲ ዕለት ፓርላማ ኢትዮጵያ ንወይዘሮ ሞፍሪያ ካሚል ናይ መጀመርያ ጓለንስተይቲ ኣፈባይቶ ገይሩ መዚዝወን። ወይዘሮ ሞፍሪያ ካሚል ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሒ ሓላፍነት ክልልን ፈደራልን ክሰርሓ ዝጸንሓ እየን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ቅድም ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ግንባር ኢህወደግ ኣቦመንበር ኮይኖም ተመሪጾም። ድሕሪኡ ድማ ብመሰረት ናይ ኢትዮጵያ ሕገመንግስቲ ናይቲ መንግስቲ ዝመርሕ ግንባር ኣቦመንብር ቀዳማይ ሚንስተር ኮይኑ ስለ ዝስየም ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቦም ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኖም። ድሕሪ ቀዳማይ ምኒስተር ምዃኖም ከኣ ኣብ ክልላት ሶማልያ ከተማ ጂግጂጋ፡ ኦሮሚያ ከተማ ኣምቦን ትግራይ ከተማ መቐለን ዑደትን ኣኼባታት ህዝብን ኣካይዶም። ብዘይካዚ ምስ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባት፡ መንእሰያትን ሕብረተሰብ ንግድን እውን ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ክዘራረቡ ከም ዝቐነዩ ዝዝከር እዩ። ኣብ ኩሉ ርክባቶምን መደረታቶም ከኣ ኣብ መንጎ ኤርርትራን ኢትዮጵያን ዘሎ ኣይሰላም ኣይውግእ ኩነታ ከም ቀንዲ ዛዕባ ይጠቕስዎም ካብ ዝነበሩ ጉዳያት እዩ።

ዕላማ ቃልስና ጨቋኒ ስርዓትህግዲፍ ኣልጊስካ መስተርሆ ህዝቢ እትውሕስ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ንምህናጽ እዩ።ነዚ ሓሳብ’ዚ ዝቕበሎ እምበር ዝነጽጎ ኤርትራዊ ሰልፊ፡ ውድብ ወይ ማሕበር ክህሉ ማለት ዘበት እዩ። እቲ ምቕባል ግን ካብ ክሳድ ንላዕሊ ወይ ከኣ ብልቢ ክኸውን ይኽእል። ግን ከኣ ኩሉ ብሓደ መለክዒ ይኣምነሉ ከይትብል እቲ ኣብ ከመይነት ምህናጽ ዲሞክራሲያዊት ኤርትራ ንፈላለ ምዃና ኣመላኸቲ እዩ።

ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፥ መላኺ ስርዓት ህግዲፍ ንምልጋሲ ቃልሲ ካብ ዝጅምር፥ እነሆ መስታ እቲ ብኢደወንኑ ስልጣን ዝጨበጠ፥ ቅዋም ኣልቦ ስርዓት፡ ብዕድመ ማዕረ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ኣተሃላልዋ ደንበ ተቓውሞ ንገዛእ ርእሱ ሃገራዊ ሓይሊ ከይዓኩኽ ዓንቂጽዎ። ምኽንያቱ ፋሕፋሕ ኢልካ ወይ በብናትካ፥ “መሰል እንዲዩ” እናበልካ ዝግበር ውደባን ቃልስን፥ ንቕድሚት ከሰጉመና ኣይከኣለን። ምኽንያቱ ዝተበታተነ ቃልሲ ምክያድ ወይ ከም ምርጫ ምውሳድ፥ ብቕዓታት፡ ክእለታት፥ ተጻዋርነትን፥ ስልጣኔን ዘይምህላዉ እዩ ዘመስክር። ተጻዋርነትን ምክእኣልን እንተ ጠፊኡ፥ ብዓቕሚ ይኹን ክእለት ይዳኸም። ምትእምማን ይጠፍእ። ድሕሪ እዚ እቲ ኣተሓሕዛ ዘይስልጡን ኣገባብ ይኸውን። እምኽንያቱ እቲ ሓቢርካ ምስራሕ ዝብል ኣምር ዕድል ስለዝስእን ጥቕሙን ጉድኣቱን ከተለሊ ኣጸጋሚ ይኸውን።

ሎሚ ሓንቲ ካብ ክልተ ምምራጽ ናይ ግድን እዩ። ብመንጽር እዚ ደምበ ተቛውሞ ኤርትራ፡ ንኹሉ ፍልልያቱ ኣወንዚፉ ብሓባር ምስራሕ፥ ወይ ከኣ ተበታቲንካ መፍቶ መላኺ ስርዓ ምዃን ኣብ ቅድሚኡ ተገቲሩ ዘሎ ምርጫታት እዩ። ርግጽ እዩ; ነታ ምብትታን ዝመርጻኤርትራዊ ኣካል የለን። ነታ ምብትታን ዝመርጽ ካብ ዘይሃለወ እምበኣር፥ ነቲ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ፡ ምስ ኩሉ ኣውንታኡን ኣሉታኡን ተቐቢሉ፡ ኣብ ንኩልኻ ዘርብሕ ማእከላይ ቦታ ክራኸብ ይግበኦ። ምኽንያቱ እቲ ዝተበታተነ ዝተፈላለየ ርእይቶ ከም ምብዝሑ ስለዝኸውን ነቲ ካብ ብዙሓት ዝርከብ ርእይቶታት; ትግባረን፥ክእለታትን ምስ ዝጥርነፍ ኣድማዒ ተራ ክህልዎ ይኽእል።

ንሓደ ዕላማ ዝቃለሱ ኣካላት ኣብ ክንዲ በበይኑ ዝወፍር ብሓባር ከተስልፎ ኣዝዩ ተመራጺ እዩ። እዚ ዘመልክቶ እቲ ሓባራዊ ስራሓት ብዕቱብነት ተታሒዙ ምስ ዝስረሓሉ፡ እቲ ኣብ ሓድሕድካ ዘሎ ርክብ ይድልድል። እዚ ከኣ ናብቲ ዓቢ ኣድማዕነት ዘለዎ ስራሕ ንምብጻሕ እቲ ፍልልያት ንኽውንዘፍ ይኹን ንክሃስስ የተባብዕ።

“እቲ ውልቃዊ ጻዕሪ እዩ ዝያዳ ዘድምዕ” ብዝብል ግጉይ ብሂል ደንበ ተቓውሞ፡ መብዛሕትኡ ናብ ዘየድልን ዘየዕውትን ኣገባብ ውደባ ገጹ ሃሰውሰው ክብል ንርእዮ ኣሎና። ከምኡ ስለዘኾነ ከኣ እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ድሌታት ክማላእ ስለ ዘይክእል፥ ናብ ናይ ሕድሕድ እምነት ምጉዳል ገጹ ስለ ዘምርሓና፥ “ኣነ ብኣውራጃይ፥ ብብሄረይ፥ ብሃይማኖተይ” ናብ ዝብል ኣገባብ ስርርዕ ክወስደና ምዃኑ ርጉጽ እዩ። እዚኦም’ባ እቲኦም እናበልካ ሕድሕድ ምቁንጻባትን ምንእእስን ንወጽዓ ህዝቢ ዘገልግል ኣይኮነን። ዘገልግል ነይሩ እንተዝኸውን ንዕስራን ሽድሽተን ዓመት ተፈላሊናን ተረሓሒቕናን ኢና፥ ስለዚ ጎዲኡና እምበኣር ፍረ ኣይነበሮን። ውልቃዊ ጻዕሪ እዩ ዝያዳ ኣድማዒ ዝብል ኣምር ዝኽተል ከኣ፥ ነቲ ሓባራዊ ስራሓት ፍሕት ከምዘይብል ይገብሮ። ካብዚ ነቒሉ መራሕን ተመራሕን ክህሉ ዝግበኦ ተርሲዑ ኩሉ መራሒ ክኸውን ህርድግ ስለ ዝብል፡ ነቲ ምድሓን ወጽዓ ህዝብን ሃገርን የደናጉ ዮእዩ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ፈቲና ጸሊእና ፍልያትና ዓቂብና፥ ብሓባር ክንስርሕ ዘይንደሊ እንተኮይና፥ በዚ ድምበ ተቓውሞ ክሳብ ሕጂ ዝኸዶ ዘሎ ዝተበታተነ መንግዲ ነዚ ስርዓት ጽንጽያ ዓይኑ ኣይከነንፍረሉን ኢና። እዚ ካብ ኮነ ነቲ ስርዓት ናይ ምውጋድ ጉዕዞና ዘገምታዊ ከይከውን ዘየስግእ ኣይኮነን።

ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰ.ዲ.ህ.ኤ.) ብዕለት 31 መጋቢት ናብ ሃገር እስራኤል ዝጀመሮ ዑደት ብዕለት 13 ሚያዝያ ብሰፊሕን ዕውትን ህዝባዊ ኣኼባ ተዛዚሙ።

እብዚ ብዝሓት መንእሰያት ዝዓሰሎ ህዝባዊ ኣኼባ ልኡኽ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ቅዋማዊ ኣሰራርሓ ሰልፍን፣ ፖለቲኣዊ ፕሮግራምን፣ ናይ ሓድነት እማሜን ብዑምቆት ገሊጹ። ኣብ ርእሲኡ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ንህዝቢ ዘበርክቶም ዘሎ ኣገልግሎት ከም በዓል ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፎይ፣ ናይ ማዕዶ ወላዲ …ወዘተ ዝኣመሰሉ ብሰፊሕ ኣብሪሁ። ኣኼበኛ ንገለጻ ልኡኽ ምስ ሰምዔ ኣድናቆቱን ደገፉን ንሰ.ዲ.ህ.ኤ. ገሊጹ።

ልኡኽ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ኣብዚ ታሪኻዊ ዑደቱ ንኤትራውያን ተቀማጦ ሃገር እስራኤል ኣብ ሓጺር ግዜ ብዞባ ድረጃ ክሰርዕ ምብቅዑ እዩ። ኣቦ መንበር ዞባ ከኣ ሓው ጸጋይ ተስፋይ እዩ። እዚ ተራእዮዚ ዝምስክሮ እንተሎ መንእሰይ ኤርትራዊ ጸበብኡ ብዘይገድሽ ንፍትሕን ራህዋን ክውፈ ድሉው ምዃኑ እዩ።

ልኡኽ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. ኣብ እስራኤል ኣብ ዝጸአንሓሉ ግዜ ምስ ኤርትራውያን ዜጋታትን፣ ውድባትን፣ ማሕበራትን፣ ደቂ ኣንስትዮን ተራኺቡ ንኵነታቶም ዘርእዩ ኣርእስታት ተመያይጦም። ከምኡ’ውን ምስ እስራኤላውያን ዜጋታት ተጣበአቅቲ መሰል ደቂ ሰባት ተራኺቦም ብዛዕባ ህልው ኵነታት ኤርትራውያን ኣብ እስራኤል ተመያይጦም።

ኣብ መጨረሻ ኤትራውያን ተቀማጦ ሃገር እስራኤል ንልኡኽ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ብድምቀት እዮም ተቀቢለሞም። ንሰ.ዲ.ህ.ኤ እውን ሓላይ ህዝቡን፣ ህዝባዊ መደባት ዝሓዘን፣ ንህዝቢ ዝውክልን ኢሎም ገሊጾሞ። ተልእኮ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ንኣጽናቲ መደባ ህግደፍ ምስ ህዝብና ብሓደ ኢድ ጓንትን ኮይና ምፍሻሉ እዩ።

ተሳትፎ ናይ ኩሉ ህዝቢ ጥፍኣት ህግደፍ እዩ።

Thursday, 19 April 2018 21:33

ኣድህቦ !

Written by

እንትርፊ ንምልካዊ ስልጣን ከም መከላኸሊ ገበናዊ ተግባራቱ ዝጥቀሙሉን ካብ ምልካዊ ምሕደራ ውልቃዊ ረብሓ ዝምነይን፣ ንምብትታን ስድራቤታትን ህዝብን፣ ንብርሰት ሃገርን፣ ምብላል ኤርትራዊ መንነትን ብኣፍልጦ ብተዓዛብነት ዝምልከት ዜጋ ዋላ ሓደ የሎን።

ሎሚ ጸሎትን ምህለላን፣ ባህግን ትምኒትን ኣብ ውሽጢ ሃገርን ደገን ዘሎ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ሃገሩ ሰላምን ፍትሕን ረኺቡስ ምስኩሎም ወገናቱ እንዳ ተራኸበ፣ ክብረትን፣ መቐረትን፣ ትርጉምን ዘለዎ ኤርትራዊ ህይወት ንኸስተማቅር እዩ። ኣብ ዓድና ሰላምን ቅሳነትን ረኺብና ጸገምና ስእነት እንተዝኾነልናስ ክንደይ ኮን ምሓሸና፣ እንዳበለ ብዘለዎ ኩነታት ዘማርር ደኣምበር ሳላ ዝተሰደድና ዶላራት ሓፊስና፣ ሳላ ዶላራት ዝሓፈስና ድማ ሕጉስን ትርጉም ዘለዎን ህይወት ነሕልፍ ኣሎና ኢሉ ዘመስግን ዜጋ ኮቶ ኣይርከብን። እቲ ምንታይሲ ብፍላይ ንዓና ንኤርትራውያን ትርጉምን መቐረትን ዘለዎ ህይወት ኣብ ጥረ ገንዘብን ንዋይን ዘይኮነስ፣ ይጥዓም ይምረር ምስ ስድራኻን ቤተ ሰብካን፣ ደቂ ዓድኻን ደቂ ጎዶቦኻን፣ ምስ ዓርኪ መሓዙትካን ሓቢርካ ብምንባር እዩ ዝርከብ ዝብል ሓቀኛ እምነትን ኣምልኾን ስለዘሎና።

እዚ ባህጊ ኩሉ ኾይኑ ግን፣ ሎሚ ምናልባት ሊዕሊ ፍርቂ ዝኸውን ኤርትራዊ ዜጋ ካብ ዓዱ ክስደድ ተገዲዱ፣ ገሊኡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ከንያ፣ ኡጋንዳ፣ ወዘተ፣ ገሊኡ ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቅ፣ ስዑድ ዓረብ፣ ቀጠር፣ የመን፣ ኢስራኤል፣ ገሊኡ ኣብ ኤውሮጳ፣ ካናዳ፣ ኣመሪካ፣ ኣውስትራልያ ተዘሪኡ ይርከብ። ከም ሓደ ጭቡጥ መርትዖ ናይዚ፣ ምስቲ ምዝጉብን ዘይምዝጉብን መዓልታዊ ንስደት ዝውሕዝ ዘሎ ቁጽሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ብዕለት 7 ሚያዝያ 2018 ዓመተ ምሕረት፣ ሓደ ኣብ ሃገረ ስደት ዝርከብ ኤርትራዊ መንእሰይ፣ ንበዓል ፋሲካ/ትንሳኤ ምኽንያት ብምግባር ብመንገዲ ሓደ ኤርትራዊ ፈነወ ራድዮ ኣቢሉ፣ ንሓያለይ ቤተ ሰቡን አዕርኽቱን ናይ ርሑስ በዓል ፋሲካ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ነይሩ። ንሱ ኣብ ናይ ርሑስ በዓል ሰናይ ትምኒቱ ብሓፈሻ ገዲፍካ፣ ንነፍሱ ወሲኹ ናይ 44 ኣዝማድን አዕሩኽትን መሓዙትን ሰምዩ። ካብቶም ዝተሰምዩ 44 ሰባት፡ እቶም 17 ክሳብ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከቡ ኮይኖም፣ ዝተረፉ 27 ካብኣቶም ግን ብስደት ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝርከቡ እዮም። ብምእታዊት ክረአ እንተኾይኑ ሊዕሊ 60% ካብ ቤተሰብን ዓርከ-መሓዛን ናይዚ ሰብ እዚ፡ ካብ ሃገር ወጺኦም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተበታቲኖም ይርከቡ ኣለዉ ማለት እዩ። እቶም ኣብ ከርሲ ዓዶም ኣብ በዓላትን ውራያትን ብኣካል ዝራኸቡን፣ ንምረትን ደስታን ብሓባር እንዳተቋደሱ ትርጉም ዘለዎ ህይወት ዘስተማቅሩ ዝነበሩስ፣ ኣብ ተረኽቦ ነጻነታን ልዑላውነታ ዝኣወጀት ኤርትራን፣ ድሮ ሊዕሊ 60% ምእታዊት ካብኣትም ካብ ሃገር ወጺኦም ተበታቲኖም ይርከቡ። ካብዚ ዝኸፍእ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ዝበጽሐ ምብትታን ህዝብን ብርሰት ሃገርን እንታይ ክህሉ ይኽእል!!! ኣብ ገለ ገለ ስድራ ቤታት 7, 8, ውላድ ዝነበርዎ ኩሎም ንስደት ኣምሪሖም፣ ካብ ወለዶም ነቶም ብህይወቶም ዘለዉ ብዝተፈላለየ ሜላ ናብቲ ዝነብርሉ ሃገራት ስደት ክስሕብዎም ዝቃለሱ ሓያለይ ዜጋታት ክትርኢ ከሎካ ግን፣ ኣብ ገለ ገለስ፣ እቲ ምብትታን ስድራ ቤታትን እንዳታትን ክሳብ 100% በጺሑ ከምዘሎ ይረኣየካ።

ምብትታን ሓደ ህዝብን፣ ስድራ ቤታትን፣ እንዳታትን ብወገኑ ዝፈጥሮ ካልእ ጸገም ክብደቱን ምረቱን ከምዚ እዩ ኢልካ ብቀሊሉ ዝግለጽ ኣይኮነን። ከምቲ ብዘይ ሓድጊ ዝሞተ ሰብ ጸኒቱ ዝበሃል፣ ሓደ ህዝብውን ካብ ኩቡር ባህልታቱን ልማዳቱን ወጺኡ ናብ ባህልን ልማዳትን ኣአንገድቱ ሃገራት ተመሳሲሉ ክነብር ምስ ዝግደድን፣ ንባህልታቱን ልማዳቱን ተቀቢሉ ዝወርስን ዝትክኦን ወለዶ ከዕብን እንተዘይተዓዲሉ፣ ዕጫኡ ካብቲ ብዘይ ሓድጊ ሞይቱ ዝጸነተ ውልቀሰብ ብዙሕ ዝፍለ ኣይኮነን። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኤርትራውነትን ኤርትራዊ ክቡር ባህልታትን እውን ብመንጽሩ፣ ቀስ ብቀስ ይብለልን ይቅህምን።

ክቡራትን ክቡራንን ኣንበብቲ፣ ንህልው ኩነታትና ብዓይኒ ኤርትራዊ ሕልና ንርኣዮ፣ ልክዕ ርዝነቱን ምረቱን ንኽንፈልጥ ድማ ምስ ናይ ርሑቅን ቀረባን ኣሉታዊ ሳዕቤናቱ ነገናዝቦ።

 

Apr 17, 2018

Teklit Michael started running with Eritrea’s fastest athletes when he was just 14 years old. His plan: to compete in the 2012 London Olympics.

Michael burned through a pair of sneakers nearly every month, so he went to work at a government textile factory to foot the bill. One day after hours of labor, he went to collect his earnings. But he says his supervisor, a government employee, refused to pay him. When Michael pushed back, the man threatened him.

“He told me, 'You are a son of a bitch, and you are talking against the government,'” Michael recalls.

According to Freedom House, a watchdog agency that evaluates the state of democracy worldwide, Eritrea is not considered a "free" country. The dictatorship there is considered among the most repressive governments in the world. Military conscription can stretch indefinitely, and rights groups say the country ranks at the bottom when it comes to press freedom — below North Korea. Michael says punishment for criticizing the government is often prison.

He eventually decided to quit that job.

One day after practice, Michael's running coach pulled him aside as if he was foreshadowing, and told him, “You’re born to run. So don’t stop running."

Looking back at that moment, Michael says he thinks his coach knew he might get arrested. “He knew there was something wrong in the country,” Michael says. “He knew that something going to happen.”

A few months later, the police arrived and handcuffed Michael, accusing him of questioning the government. They put him in a dirty, crowded prison cell, which Michael says he was routinely dragged out of and beaten.

But even in his cell, Michael continued to train. He says the other prisoners made room for him while he did jumping jacks and jogged in place.

“They gave me space, one to two meters to jog — up and down, up and down,” he says. 

After nearly a year of detention without an official charge, Michael decided to escape. He and another prisoner jumped a fence at night and sprinted into the darkness. When they reached the Sudanese border three days later, Eritrean soldiers tried to arrest them.

So they ran. Michael says the soldiers shot at them. Bullets hit the ground and dust flew up around his ankles. Michael remembers thinking “not my legs, not my legs. Please don’t shoot my legs,” he says. “I was always praying when people are shooting [at] me, 'Please don’t hit my legs.'”

Fleeing Eritrea

He ran fast, all day, covering about 100 kilometers (about 62 miles). At some point, he and his friend from prison were separated.

When Michael finally made it to the Sudanese capital, Khartoum, he walked to a massive open-air stadium. It was empty. Michael was hungry and wearing plastic sandals on his feet, but he stepped onto the track — and he ran. He imagined the stadium packed with people, cheering him on.

“It reminds you that you are special person, you are human being. You are not just a person searching to live — or searching to survive,” Michael says.

For the first time since he was dumped in prison, Michael says he felt human again. But he quickly went back to survival mode because he heard that the Sudanese government was arresting and deporting thousands of Eritreans.

Michael earned some money working odd jobs, mostly on farms. He scraped up enough to pay smugglers to get him to Egypt and across the Sinai desert. There, he pulled himself over the border fence into Israel’s Negev desert. 

A new life in Israel 

He eventually made his way to Tel Aviv. At first, Michael was homeless. He got a job sweeping floors in a 10-story parking garage and during his breaks, he would run the stairs. He ran whenever and wherever he could.

One day, Michael was spotted by a coach from the Israeli national team. The coach told Michael he had the potential to run professionally and invited him to train with the team. He brought Michael new shoes and jerseys.

“What can I say? It was my dream, to compete,” Michael says. “It’s not about the prize, it’s not about the medal.”

Michael's Olympic dreams were back on track. But there was one more problem standing in his way: he didn’t have papers or a passport. 

“To be in that level [of competition] you have to have at least travel documents. I have none of them,” he says. “I am a stateless person. I am out of the system.”

He didn’t have much hope of that changing. Of the nearly 35,000 Eritrean and Sudanese migrants who have arrived in Israel since 2009, just 11 have received asylum.

Michael says his coach had one final idea, and it was a long shot. His coach told him that if he converted to Judaism, he might have a chance at citizenship. (Reporter's note: When I asked a spokesperson from the Israeli Federation of Athletics about this plan, he told me he had never heard of anything like that happening.)

Michael went to church, where he sat down to think about the suggestion. By the time he stood up, he says he knew it wasn’t an option for him. He was Eritrean and an Orthodox Christian. He says that converting felt as if it would be a betrayal of his identity.

Putting away his running shoes, and picking up a new purpose

He made another decision at that point too. He gave up his dream of Olympic competition.

“I say to myself, 'There is no more running,'” he says.

Michael, 29, now works as an advocate at the Eritrean Community Center in south Tel Aviv. In the past few years, he has spoken out against Israeli policies targeting asylum-seekers from African countries.

“When I stopped training one thing came to my mind: I have to shift my thinking. Not just to cry, but to do more meaningful things,” he says.

The Israeli government announced plans in January to deport about 20,000 African migrants over the next two years. On April 2, Israeli Prime Minister Benjamin Netanyahu announced a deal with the United Nations Refugee Agency to resettle about 16,000 African migrants to the West and give a similar number temporary status to remain in Israel. When he heard the news, Michael says he felt more optimistic than he had in years.

But the next day, Netanyahu cancelled the deal, amid criticism from harder-line members of his governing coalition.

Michael now says he doesn't trust any government anymore. Every government, he says, has betrayed him.

Source=http://wvtf.org/post/life-statelessness-derailed-eritrean-runners-hopes-compete-olympics

press release

Co-Chairman Hultgren and members of the Commission, thank you for the invitation to testify today.

Thousands of Eritreans, many of them young, flee Eritrea every month. This means Eritrea is losing a significant percentage of its population - by far the largest of any country not wracked by active conflict. UNHCR reported that at the end of 2016 there were 459,000 Eritreans who had claimed asylum worldwide in African states, in the Middle East, in Europe and here in the United States. Eritrea does not release population statistics, but estimations put that at more than 10% of Eritrea's current population.

Based on Human Rights Watch research, Eritreans' most predominant impetus for flight is to escape what is known as "national service." By a proclamation issued in 1995, all Eritreans are subject to 18 months of national service, including six months of military training. Eritrean law requires Eritreans leaving the country to hold an exit permit which the authorities only issue selectively, severely punishing those caught trying to leave without one, including with jail time.

To be clear, limited terms of national conscription do not, in themselves, constitute human rights violations. But it is not limited in Eritrea. The Eritrean government disregards the proclamation's time limits. Many conscripts are forced to serve indefinitely. Human Rights Watch has interviewed hundreds of Eritreans who were forced to serve a decade or more before they decided to flee -- in one recent case, a man had been in forced national service for over 17 years.

While some fortunate conscripts are assigned to civil service jobs or as teachers, many are placed in military units assigned to work on "development" projects in agriculture and infrastructure. None have a choice about their assignments, the locations or length of their service.

In the past few years, more and more unaccompanied children have fled Eritrea. When interviewed in Europe, they've explained they feared being forced into possibly indefinite military service. Many children told us they had observed what had happened to their fathers, older siblings, or other close relatives who had been conscripted and didn't want to suffer the same fate.

It's not just the length of time that causes so many conscripts to flee. What happens to them during their years of service is also devastating.

Pay during national service is below subsistence, although the Eritrean government has recently announced increases for some conscripts. The United Nations Commission of Inquiry in 2015 correctly called Eritrea's national service a form of "enslavement." During service, commanders subject conscripts to physical abuse, including torture.

Source=http://allafrica.com/stories/201804190426.html

April 18, 2018, Written by Observer Media Ltd

Medhaine Yahdego Mered

Eritrean national Medhaine Yahdego Mered, labelled the world’s most wanted man for his notorious human trafficking racket, was travelling on a Ugandan passport.

A highly-placed source said Mered’s passport carried the name Habte Amanuel purporting to be a Ugandan.

The source said Mered has been operating between Khartoum and Juba in Sudan and South Sudan, respectively, funnelling refugees to Kampala for a price – a criminal exercise he has carried on for the last two years.

Police spokesperson Patrick Onyango said yesterday that they “would have to first verify information” that the smuggler was travelling on a Ugandan passport.

His revelation will cast a further shadow over Uganda’s Immigration Department where former director, Godfrey Sasaga and commissioner, Anthony Namara, were sacked last month on the orders of President Museveni.

The sacking came amid reports that immigration officials have long been selling Ugandan passports to international criminals, including Nigerian and other West African drug peddlers.

Onyango said he has spoken to Interpol’s Ugandan office to see if they have received notice for the arrest of Mered who is reported to be living somewhere in Kampala. By press time, the Interpol office had not given a response.

Other sources told The Observer that: “In Sudan, he was not hiding from anyone. Some Eritreans would come to him and he would smuggle them to Uganda,” said another source, who leaves with some people who are here because of Mered.

He operated under the nickname “General” in a venture where he’s managed to amass huge sums of dollars – facilitating his luxurious life in Kampala and using the same money to avoid arrest.

Last week, Swedish television SVT and the Guardian UK newspaper revealed that 35-year-old Mered, wanted for smuggling thousands of Africans through the Mediterranean Sea to Europe, is living the high life in Uganda. 

In a case of mistaken identity, European and Italian prosecutors arrested a refugee in 2013 from Khartoum claiming they had arrested Mered. According to the Guardian, Medhanie Tesfamariam Behre was extradited and prosecuted by mistake with prosecutors insisting he was Mered, the smuggler.

DNA tests on this refugee’s mother have come out negative while the smuggler’s wife who lives in Sweden has spoken that the person they are holding is not her husband.

The hunt for Mered and his affiliates began after the shipwreck of October 3, 2013, off the island of Lampedusa, where 368 mostly Somali and Eritrean migrants died.

The Observer has been told that most Eritreans would cross from Eritrea to Khartoum, where at a fee, Mered would smuggle them to Uganda. From here, a witness said, the refugees would be told never to tell anyone that they were smuggled in by Mered. He would tell them that they would be deported if they reported him.

According to the Guardian, the smuggler was a regular patron at Hotel Diplomate, Molober, a bar located off Muyenga road in Kabalagala, a popular hangout with Eritreans, and Sami’s bar in the same area.

Another witness told the Guardian that some people just don’t know who to report to and fear for their own lives.

“Even if we tell [Uganda] police, they will not arrest him,” a witness said. “He is rich and can pay anyone to get his freedom.”

One witness said Mered moves with four or three Ugandan guards. “They are Ugandans and not from a registered security company. He keeps changing guards.”

MORE SMUGGLERS

The revelation has blown the lid off a human smugglers network in Uganda. Informed sources say that there are more traffickers and smugglers in Kampala because it is safe to work from.

“They find it a safe haven,” said a source, who worked on a case of Eritreans deported from Israel with no clear documents to stay in Uganda in 2015.

There is a house in the posh Kololo area of Kampala, where the smuggled refugees are kept for two days before being let loose on the streets.

Some of those kept at the Kololo house have been deported from Israel to Rwanda from where they are again smuggled back into Uganda, we have been told.

The source said one smuggler in 2015 brought Eritrean refugees and abandoned them in Kampala after taking $10,000 from them.

According to our source, the trafficker was then arrested, briefly detained in Kabalagala, and released after he promised to refund money. He only paid back $600 and was freed, the source said.

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

Source=http://observer.ug/news/headlines/57487-world-s-no-1-smuggler-holds-ugandan-passport.html

                          መጸዋዕታ ንኩለን ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን ተቀማጦ ጀርመን

ብመሰረት እቲ ኣብ ደንሃክ-ሆላንድ ብደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራውያን ዝተጋብአ ዋዕላ ምርኩስ ብምግባር ኩሉና ማሕበራትን ውልቀ-ሰባትን ድቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ኣብ ንነብረሉ ሃገራት ኣብ ህልዊ ኩነታት ደቂ ኣንስትዩ ዘተኮረ ሓደ ጥርኑፍ ዝኾነ ኣስራርሓ ንክህልወናን ስፍሕ ዝበለ ናይ ምርድዳእን ምይይጥ ባይታ ከነጣጥሕ ኣብ`ቲ ብቀዳም ዕለት 05/5/2018 ልክዕ ሰዓት 14:00 ድሕሪ ቀትሪ እነካይዶ ኣኼባና ክትሳተፋ ብክብሪ ንዕድም።

ዛዕባታትኣኼባ  

  1. 1.ናይ ሓባር ራእይ ምቅማጥ
  2. ናይ ሓባር መደባት ምስራዕ
  3. ናይ ሓባር መጽውዒ ወይ መላለይስ ምምግባር
  4. መራከቢት ሽማግለ ምምራጽ

ግዜ፡ ቀዳም ዕለት 05/05/2018 ልክዕ 12፡00 ድሕሪ ቀትሪ

ቦታ፡       Wilhelm Leuchnere strasse 12  

               60329 Frankfurt am Main

   ብድሓን ምጻ

 

دعوة الى جميع النساء الارتريات المقيمات بالمانيا

بموجب مخرجات ملتقاة المرأة الارترية المنعقد فى لاهاى – هولندا التى دعت القيام بعمل مشترك فى دول اقامتنا واستناداً اليها ندعو باحترام جميع جمعيات المرأة والناشطات مشاركتنا فى اجتماع عام سنناقش فيه اوضاع المرأة الارترية الراهن وصولا الى تفاهمات مفادها خلق ارضية مواتية للعمل المشترك المنشود.

والجدير بالذكر نقترح ان تكون اجندة الاجتماع المواضيع التالية:                                                                                                                                                                                         

 الاتفاق على رؤية مشتركة      

  1. وضع برنامج موحد                                                                                                                                                                                                         
  2. تعريف وتسمية الاطار الموحد                                                                                                                                                                                              
  3. انتخاب لجنة تنسيقية                                                                                                                                                                                                          

الزمان: 5/5/2018 الساعة 12:00 

المكان:Wilhelm Leuchner strasse 12    

60329 Frankfurt am Main          

                                                                                                                                                                           أهلاً وسهلاً ومرحباً بكم                 

Tuesday, 17 April 2018 18:03

Radio 88 Demsti Harnnet 14.04.2018

Written by