እቶም ሰብ ታሪኽ ዝኾኑ ዓደቦና  “-ኣውያት ግበር’ሞ፥ ሰብ ክእከብ ረዳኢ ከኣ ክርከብ-” ዝብል ምስላ ጸኒሑዎም’ዩ። እዚ ማለት ከኣ፥ ዝኾነ ጸገም ክፍታሕ ዝኽእል፥ ሰብ ምስ ዝእከብን ምኽሪ ምስ ዝርከብን’ዩ ንምባል እዩ። ብርግጽ ድማ ንሕና ብታሪኽና ምስ ባይቶ-ዓደቦ ዝተኣሳሰረ ታሪኽ ዘሎና ሕዝቢ ኢና። ከመይሲ ንኹሉ ጸገማት ክፈትሕ፥ ሕቶ ኅብረተ-ሰብ’ውን ክምልስ ዝጸንሐ፥ ባይቶ ዓደቦ ምዃኑ’ዩ እቲ ናይ ትማሊ ታሪኽና ዝዛረብ።

ስለዚ’ውን ኣብ ኅብረተ-ሰብና፥ ባይቶ-ዓደቦ ዝለዓለ ተራ’ዩ ጸኒሑዎ ክበሃል ይከኣል። ኣብዚ ሕጂ ዘሎ እዋን ግና፥ ታሪኽ ባይቶ ዓደቦ ነበረያ ነበረ ከም-ዝበሃል፥ ኣሰሩ ደሊኻ’ውን ክርከብ ኣብ ዘይከኣለሉ ደረጃ ኢና ንርከብ ዘሎና። ብዝተረፈ ናይ ዕድል ነገር ግዲ ኮይኑ፥ ኣብዚ ኣብ ሃገርና ብዙሓት ባዕዳውያን ገዛእቲ መጺኦምን ከይዶምን ‘ዮም። ንክብሪ ባይቶ ዓደቦ ዝገሃሰ ገዛኢ ነይሩ ዝበሃል ታሪኽ ግና ኣይጸንሓናን። ካልእሲ ይትረፍ እቲ ኣብ 40-ታት ዝተኻየደ ፖለቲካዊ-መሥርሕ ሃገርና እንተረአና።

ሕዝብና ኣብቲ መጻኢ ዕድሉ ንክውስን፥ ክልተ ግዜ ቀሪቡሉ ዝነበረ ሕቶ። ኣብቲ ክልቲኡ እዋናት፥ እቶም ብመንገዲ ኅቡራት-መንግሥታት ኣቢሎም መጺኦሞ ዝነበሩ ሓተትቲ። ነቲ ሕዝቢ ኣብ ባይቶ ዓደቦኡ መጺኦም ደኣ’ዮም ዝሓተቱዎ እምበር፥ ናብ ዝኾነ ካልእ ቦታ ጸዊዖም ወሲዶሞ ዝበሃል ታሪኽ የልቦን። እቲ ኣብ 1991 ብበረኻ ኣቢሉ ዝኣተወና ዘራጊቶ ንፋስ ግና። ንባይቶ ዓደቦ ክብሪ ዝህብ ኮይኑ ኣይተረኽበን። ከም ሳዕቤን’ዚ ኩሉ ከኣ፥ ሕዝብና ኣፉ ስለ-ዝተለጉመ። ዝብሎን ዝገብሮን ጠፊኡዎ፥ እንሆ ከም መሸላ እናሓረረ ክስሕቕ፥ ተገዲዱ ይርከብ ኣሎ።

ብዝተረፈ ከየብዛሕካን ከየውሓድካን ይዘረብ ዝበሃል እንተደኣ ኮይኑ። ሃገርና ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ከመይ ዝበለ ደረጃ ትርከብ ምህላዋ፥ ብዙሓት ብዛዕባኣ ጽሒፎምን ተዛሪቦምን እዮም። ካብዚ ብምብጋስ ከኣ’ዮም፥ ነቲ ሕጂ ዘሎዋ መንነት ንምግላጽ “-ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን-ኮርያ-” ዝብል ቅጽል ክህቡዋ ዝስምዑ ዘለዉ። እዚ ዝተዋህባ ቅጽል’ዚ ከኣ፥ ልክዕ ዝሰማምዓን ብዕቅና ከም-ዝተሰፍየን ክዳን ስለ-ዝኾነ። ካብ ንዕኣ ሓሊፉ ንማንም ካልእ ይሰማምዖ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን።

ከመይሲ እቲ በቲ ሥርዓት ኣብ ልዕሊ ሕዝብና፥ እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ-መሰላት። ሓደን ክልተን ኢልካ ዝርዝሩ ዝውዳእ ኣይኮነን። ስለዚ ከኣ’ዩ ሕዝብና፥ ካብ ማእሰርትን, ቅትለትን, ስደትን, ሞትን ምልቓቕ ስኢኑ፥ ብቐጻሊ እግሩ ናብ ዝመርሖ ክስደድ ዝርከብ ዘሎ። ቅዋማዊ-መንግሥቲ ካብ ዘይብላ ሃገር ከኣ፥ ሕግን ፍትሕን ሥርዓትን ክርከብ ትጽቢት ክግበረሉ ዝከኣል ኣይኮነን። ግዳስ ንሕና እቶም ሕዝቢ’ዛ ሃገር’ዚኣ እንበሃል። ገሌና እንስሕቕ ገሌና ከኣ እንቝዝም ብምዃንና።  ንማኅበረ-ሰብ ዓለም እነገርም ሕዝቢ ኮንና ንርከብ ምህላውና’ዩ። ስለዚ ከኣ’ዩ እቲ ሕማምና ሓኪም ክፈልጦን ክፍውሶን ዘይክእል ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ።

የግዳስ ከም ሓቂ ይዘረብ ዝበሃል እንተደኣ ኮይኑ። ኃቢርና ክንበክን ክንቝዝምን ዝግበኣና ሕዝቢ ደኣምበር፥ ተፋላሊና ክንርከብ ዝግብኣና ኣይነበረን። ከመይሲ   እቲ ኩሉ ኣደራዕ ብኃባር ኢና ክንቅበሎ ንርከብ ዘሎና። እቲ ሕዝቢ ኣብ ሓሳብ ሓደ ኮይኑ ንኸይርከብ ግና፥ እተን ፈቖዶኡ ጫጭሐን ዝርከብ ዘለዋ ቆንስላዊ ቤት-ጽሕፈታት። ኣብቲ ሕዝቢ እሾኽ ኣብ ምዝራእ’የን ተዋፊረን ዝርከባ ዘለዋ። ከም ውጽኢት’ዚ ዝተባህለ ኩሉ ድማ፥ እቲ ሓደ ክፋል ሕዝብና ዋይ እናበለ ክቝዝም ከሎ። እቲ ካልእ ክፋል ድማ፥ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ጓይላ ኣትዩ ክስዕስዕን ክዕልልን’ዩ ዝርከብ ዘሎ። እቲ ዘገርም ከኣ ንሳቶም እቶም ዝስዕስዑ፥ ኣብ ዓዲ ዴሞክራሲ እናተቐመጡ ከለዉ፥ ኣብ ልዕሊ ሕሰምን መከራን ሕዝቦም እናላገጹ ክስዕስዑ ምድላዮም እዩ።

እቲ ኣብ ውሽጢ-ዓዲ ዝርከብ ዘሎ ሕዝብና ግና። ኣብ ቃልዕ ወጺኡ ኣውያቱን መረረኡን ከስምዕ ዘኽእሎ ባይታ ኣለዎ ዝበሃል ኣይኮነን። ከመይሲ እቲ ሥርዓት ንሕቶ ሕዝቢ ክምልስ፥ ወይ ንዝቐርበሉ ወቐሳ ክጻወር ዘኽእሎ ትዕግስቲ፥ ትማሊ ኣይነበሮን ሎሚ’ውን ኣለዎ ዝበሃል ኣይኮነን። ስለ-ዝኾነ’ውን ዝኾነ ዝለዓል ሕቶ፥ ነቲ ሥርዓት ከም-ምቅዋም ወይ ከም ጸላኢ ስለ-ዝውሰድ። ዝኾነ ነገር ክብል ዕድል ኣለዎ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ስለዚ ሕዝቢ-ኤርትራ ከም ኣድገ በቕሊ፥ ብልጓም-ፖለቲካ እናተገርሐ፥ ዝበሉዎን ዝኣዘዙዎን ኮይኑ ምንባር እንተ-ዘይኮይኑ። ሕዝቢ ንክሓትት ዘፍቅድ መሰል ኣብ ኤርትራ፥ ትማሊ ኣይነበረን ሎሚ’ውን ኣሎ ዝበሃል ኣይኮነን።   

እዚ ኩሉ’ዚ ከኣ ንዓና ከም ሕዝቢ፥ ዕረፍቲ መዓልትን ድቃስ ለይትን ክህበና ዝኽእል ኣይኮነን። ሓደ ሕዝቢ ኣምሲሉ ከርእየና ዝኽእል፥ ጥርናፈ ስለ-ዝተሳእነ ግና። ገሌና ከነጣቕዕ ገሌና ድማ ክንነብዕ ንርከብ ኣሎና። ግዳስ ከምቲ “-ኣሓስ ምስ ሓራዲአን ማይ-ይሰትያ-” ዝበሃል ክኸውን እንተ-ዘይኮይኑ። ናይቲ ሰብኣዊ-ክብርና ገፊፉ፥ ደም ከንብዓና ዝርከብ ዘሎ ሥርዓት፥ ኣጣቓዕቲ ኮንና ንርከበሉ ምኽንያት ክህሉ ኣይምተገብአን። ከምዚ ምስ-ተረኽበ ከኣ’ዮም ዓደቦና “-ናይ ሞት ይጽናሕ፥ ናይ ሕልፈት ይበኸ-” ኢሎም ዝምስሉ።    

ርግጽ’ዩ ኣከያይዳና ኣይጸበቐን ብምባል፥ ልዕልና ሕጊ ዝተኸተለ ሥርዓት ንኽህሉ፥ በብግዚኡ ክግበሩ ዝጸንሑ ተቓውሞታት ነይሮም ‘ዮም። ግዳስ እቲ  ውልቀ-መላኺ ሥርዓት፥ ንኹሎም ውሒጡ ከም-ዘጥፍኦም፥ ካብቲ እቶም ክልተ ጀጋኑን ተባዓትን ዝኾኑ ተጋደልቲ፥ ማለት ተስፋይ ተምነዎን የማነ ተክለ-ጊዮርጊስን፥ ዝጸሓፉዎ መጽሓፍ ንላዕሊ ክዛረብ ዝኽእል የልቦን። ከመይሲ እቶም ኣብ 1973 ኣብ ሜዳ፥ ጌጋ ንኽእርሙ ኢሎም ተላዒሎም ዝነበሩ ምሁራን። ተደምሲሶም ከም-ዝጠፍኡ ክግበር ዝተኻእለኮ፥ ኣብ ገበን ስለ-ዝተረኽቡ ኣይነበረን። የግዳስ እቲ ንልዕልና-ሕጊ ኣኽብሮት ነይሩዎ ዘይበሃል መሪሕነት። እቲ ምንቅስቓስ ናይቶም ምሁራን፥ ንሥልጣኑ ከም ሓደጋ ወይ ስግኣት ኮይኑ ስለ-ዝረኣዮ። እቶም ሓልዮት ሕዝብን ሃገርን ዝነበሮም ምሁራን፥ ከም ሳዕሪ ተዓጺዶም ክጠፍኡ ከለዉ፥ እቶም ተጋደልቲ’ውን እንተኾኑ፥ ይርእዩን ይሰምዑን ነይሮም’ዮም። ዓገብ-! ክብሉ ግና ኣይተረኽቡን።   

እቶም ኣካለ-ስንኩላን ዝነበሩ፥ ናይ ማይ-ሓባር ተጋደልቲ’ውን። መሰልና ይተሓሎ ኢሎም’ዮም ዝሓተቱ እምበር፥ ካብኡ ሓሊፎም ዝበሉዎን ዝገበሩዎን ነገር ኣይነበረን። እቲ ዝረኸቡዎ መልሲ ግና፥ ኣብ ማእከል ጎልጎል ከም ሳዕሪ ተዓጺዶም ከም-ዝጠፍኡ‘ዩ ዝተገብረ። ብወገን ሕዝቢ ኮነ፥ በቶም ብጾቶም ተጋደልቲ ግና፥ ርኢኻ ሱቕ ካብ ምባል ሓሊፉ፥ ዝተገብረ ወይ ዝተላዕለ ተቓውሞ ነይሩ ኣይበሃልን። ከመይሲ ሕልና’ቶም ተጋደልቲ ኮነ፥ ሕልና’ቲ ሕዝቢ መሬት ከም-ዝዘብጥ ኮይኑ ስለ-ዝተሃስየ። እንኳንዶ እምቢ-! ብምባል ድምፂ ተቓውሞ ከስምዕሲ ይትረፍ፥ ዝኾነ ነገር ክብል’ውን ዓቕሚ ነይሩዎ ዝበሃል ኣይነበረን።

ይተካእ ይለቀብ ድማ፥ ኣብ 1997 ዓ/ም (2005) ናይ ኤርትራ ተዋሕዶ ቤተ-ክርስቲያን ፓትርያርክ፥ ማለት ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ-እንጦንዮስ። እቲ ፖለቲካዊ-ሥርዓት ብዘወሃሃዶ ኣድማ፥ ካብ ሥልጣኖም ብፖለቲካዊ-ጐነጽ ከም-ዝወርዱ ክግበር ከሎ። ሽዕኡ’ውን ዓገብ-! ክብል ዝኽእል ሕዝባዊ-ተቓውሞ፥ ተሰሚዑ ዝበሃል ታሪኽ የልቦን። ከመይሲ ኣብቲ እዋን’ቲ ገለ ዓድታት ሓማሴን፥ ንናይ ገዛእ ርእሰን ጉዳይ ብዝምልከት ተቓውሞ ኣስሚዐን ተባሂለን “ናዅራ” ከም-ዝሰፍራ ዝተገብራ ዓድታት ስለ-ዝነበራ። በዚ ምኽንያት’ዚ ዝኾነ ነገር ክብል ዝደፈረ ኣይነበረን። ስለዚ ድማ’ዩ እቲ ሕዝቢ፥ ብቐጻሊ እናሞተ ከሎስ፥ ሞት ካብ ምፍርሁ ዝኣክል፥ ከም እንስሳ ኩን ዝበሉዎ እናኾነ ዝነብር ዘሎ።

ብተመሳሳሊ መንገዲ’ውን፥ እቶም ብጂ-15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሰበ-ሥልጣን መንግሥቲ። እቲ ዝኸይድ ዝነበረ ኣከያይዳ’ቲ ሥርዓት። ቅዋማዊ ኣሠራርሓ ዘይተኸተለ፥ ብሓደ ሰብ ተመሪሑን ተጐቲቱን ዝኸይድ ምዃኑ  ብምቅዋም። ልዕልና-ሕጊ ዘለዋ ሃገር ንኽትህሉ’ዮም ጻውዒት ዝገበሩ። እዋኑ ዝሓለወን ግዚያዊ ሕቶን ብምንባሩ ድማ፥ እዚ ሕቶ’ዚ ምሉእ ናይ ሕዝቢ ደገፍ ከም-ዝነበሮ ዝፍለጥ’ዩ። ንሱ እቲ ውልቀ-መላኺ ግና፥ ንከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶ፥ ክጻወር ዘኽእል ብቕዓት ወይ ትዕግስቲ ስለ-ዘይነበሮ። ነቶም ላዕለዎት ሰበ-ሥልጣን ኮነ፥ ኣዳለውቲ ብሕታውያን-ጋዜጣታት ዝነበሩ ኩሎም ብኣልማማ፥ ኣብ መቝሕ ከእትዎም’ዩ ዝተጓየየ። ዓገብ-!! ክብል ዝኽእል ሕዝቢ ግና ሽዕኡ’ውን ኣይተረኽበን።

ኣብዚ ዝሓለፈ 27-ዓመት ድማ፥ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሕዝቢ። ዘይተፈጸመ ግፍዒ ኣሎ ክበሃል ኣይከኣልን። መወዳእታኡ ድማ ኣብ 2005 ዓ/ም (2113) ኣብ ላምባዱሳ 365-ደቂ-ሕዝቢ፥ ኣብ ባሕሪ ተዋሒጦም ጠፊኦም ዝብል መርድእ ተሰሚዑ። በቲ ዘጋጠመ ዘሕዝን ፍጻሜ ድማ፥ ዓለም ብዓለሙ’ዩ ከንቀጥቅጥ ዝተራእየ። እቲ ኣብ ኣሥመራ ዘሎ ዲክታቶርያዊ ሥርዓት ግና “..ስደተኛታት ኣፍሪቃውያን’ዮም..” ብምባል’ዩ ናይ ኣሽካዕላል መግለጺ ክህብ ዝተሰምዐ። እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሕዝቢ ክሳብ ክንደይ ንዕቀት ከም-ዘለዎ ዘርኢ’ዩ ነይሩ።

ብርግጽ ድማ ንሕና ከም ሕዝቢ መጠን። ካብዚ ዘሎናዮ ጸበባን መከራን ንኽንገላገል ተባሂሉ፥ ኣብቲ ዝሓለፈ ኩሉ-ዓመታት፥ ክግበር ዝጸንሐ ምትእኽኻባት ውሑድ ኣይነበረን። ሃገራዊ-ባይቶ ቈይሙ ዝተባህለሉ እዋናት’ውን ነይሩ’ዩ። ንጸገም ሕዝብና መሠረታዊ ፍታሕ ከምጽእ ዝኽእል ሓሳብ ግና፥ ዛጊት ተረኺቡ ክበሃል ኣይተሰምዐን ዘሎ። ስለዚ’ውን እቲ ንሕዝቢ ዘይውክል ዲክታተርያዊ-ሥርዓት። ሕጂ’ውን ኣብ ዝባን ሕዝቢ ኮይኑ፥ ምሽክዕላሉ ክቕጽል’ዩ ዝርከብ ዘሎ። ንሕና ከም ንሕና መጠን ግና፥ እቲ ከም ሓደ ሕዝቢ ደው ከብለና ዝኽእል ዝነበረ ጥርናፈ፥ ዓቂብናዮ ኣሎና ክንብል ከም-ዘይንኽእል ንፈልጥ ኢና። እቲ ዝዓበየ ጸገምና ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ከኣ እዚ’ዩ።

እዚ ኩሉ’ዚ ከኣ ብኣጋጣሚ ዝኾነ’ዩ ክበሃል ኣይከኣልን። እንታይ ደኣ እቲ ኣብ 1991 ዝኣተወና ዘራጊቶ ንፋስ’ዩ፥ ሕጂ’ውን ከዕገርግረናን ሰላምና ክዝርግን ዝርከብ ዘሎ። ይኹን እምበር ንእስራኤላውያን’ውን፥ ኣብ ግዜ ሮብዓም ተመሳሳሊ ጸገም ኣጋጢሙዎም ነይሩ’ዩ። ንዕሽነትን ንዕቀትን ሮብዓም ግና ተጻዊሮሞ ክኸዱ ኣይደለዩን። ብትብዓት መኪቶም’ውን፥ ነቲ ተጻዒኑዎም ዝነበረ ኣርዑት ባርነት፥ “-እምቢ-” ብምባል፥ ሰይሮም ከም-ዝደርበዩዎ’ዩ ብሉይ-ኪዳን ዝነግረና። (1ነገ.12/3-17)

ኩነታት ሰላም-ሃገርና ድማ። እቲ ተስፋ መመሊሱ እናረሓቐ ደኣ’ዩ ክኸይድ ዝርአ ዘሎ እምበር፥ ዛጊት ልዕልና-ሕጊ ዘለዋ ሃገር ንምምሥራት ኣብ ዘኽእል ተስፋ፥ ተበጺሑ’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። በዚ መሠረት’ዚ ድማ፥ እቲ ጉዳይ ብኣጠቓላሊ ክርአ ከሎ። ደቂስና ክንሓድር ዘኽእለና፥ ወይ ሰላምን ቅሳነትን ክህበና ዝኽእል ኮይኑ ኣይረአን ዘሎ። እቲ ብቐጻሊ ኣብ ልዕሊ ሕዝብና፥ እናተፈጸመ ዝርከብ ዘሎ ግፍዒ ተጻዊርና ድማ፥ ክንበር ኣይከኣልን’ዩ። ስለዚ ንሕና ክንነብር እንተደኣ ኮንና፥ ዘሎና ምርጫ ሓደ ጥራይ’ዩ። ንሱ ድማ ህልውና’ቲ ውልቀ-መላኺ ሥርዓት፥ ሓንሳእን ንሓዋሩን ሡሩ ተማሕዩ ከልግስ፥ ኣብ ዝኽእለሉ ኣቢልና ክንጥምት፥ እቲ ዘሎ ህልው ኩነታት ይግድደና ምህላዉ ክንዝንግዕ የብልናን።

ስለዚ ኩሎም መራሕቲ-ሃይማኖት። እዚ ጉዳይ’ዚ ካብ ዝኾነ ዋኒን ንላዕሊ። ቀዳምነት ሂቦም ክሥርሑሉ ከም-ዝግባእ፥ ንሳቶም’ውን  ክዝንግዑዎ ይኽእሉ’ዮም ኣይንብልን። ከመይሲ ሕዝቢ ይብተን ሃገር ከኣ ትፈርስ ኣላ፥ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ ኣብዚ ቀውጢ ዝኾነ ሰዓት’ዚ። ልቦም ወዲቑሎም ክድቅሱ ይኽእሉ’ዮም ክንብል ኣይንኽእልን። ስለዚ እቲ መኣዝኑ ስሒቱን፥ ናበይ ከምዘብል’ውን ጠፊኡዎ ዝርአ ዘሎ ሕዝብና። ኣንፈት ዘትሕዞን መንገዲ ዘርእዮን ሓጋዚ ይደሊ ኣሎ።

እዚ ከቢድ ዝኾነ ሓላፍነት’ዚ ከኣ። ካብቶም መራሕቲ ሃይማኖት ዝኾኑ ኣቦታት ንላዕሊ፥  ክበቕዖ ወይ ክምልከቶ ይኽእል’ዩ ዝበሃል ዘሎ ኣይመስለናን። ንሳቶም ብሓባር ዝጸውዑዎ ጉባኤ ከም-ዝዳሎ ኮይኑ ከኣ። ንኩሉ ማኅበረ-ሰብ ኤርትራ ከሳትፍ ዝኽእል። ብደረጃ-ሃገር ዝጥመት ሓደ ዓቢይ ጉባኤ ክግበር፥ እቲ ሕዝቢ ይሓትት ምህላዉ፥ እቶም ኣቦታት ብዓቢይ ትዅረት ክጥምቱዎ ዝግባእ፥ ዓቢይን ወሳንን ጉዳይ ምዃኑ፥ ክዝንግዑዎ ይኽእሉ’ዮም ኣይንብልን። ከመይሲ ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ወሳኒ ጉዳይ ስለ-ዝኾነ።

ብዝተረፈ እቲ ግዜ ኣንጻር ረብሓ ሕዝብና፥ ፍጥነት ወሲኹ ክጐዪ’ዩ ዝርአ ዘሎ። እቶም ን27-ዓመት መመላእታ ብዕድል ሕዝብን ሃገርን ክጻወቱ ዝጸንሑ መራሕቲ ፖለቲካ ከኣ። ኣብ ካልእ ዘይምልከተና ጸገም፥ ከእትዉና ደኣ’ዮም ሃነፍነፍ ክብሉ ዝረኣዩ ዘለዉ እምበር። ካብ ጌጋኦም ተማሂሮም ኢዶምን እግሮምን ኣኪቦም ክቕመጡ ዝደልዩ መሲሎም ኣይረኣዩን ዘለዉ። ከመይሲ ኣብ ዝኾነ እዋን፥ እቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኩናት፥ ካብቲ ሕጂ ዘለዎ ንላዕሊ ክባራዕ ተኽእሎ ስለ ዘሎ፥ እቶም መጀመርታ በቲ ሃልሃልታ ሓዊ ክልብለቡ ዝኽእሉ። ንሕና ኢና’ምበር፥ ካልእ ሕዝቢ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

ከምኡ’ውን እቲ ብመንገዲ ዶክተር-ዓቢይ ክግበር ዝድለ ዘሎ ዕርቂ። ንሕና ከም ሕዝቢ እንደልዮን እንምነዮን እኳ እንተኾነ። እቲ ሓንሳእ ጎንደር ሓንሳእ ድማ፥ ኣዋሳ እናኸድካ ክግበር ዝተራእየ ወዛሕዛሕ-!! ግና፥ ካብ ንፕሮፖጋንዳዊ-ሃልኪ ምዃን ሓሊፉ። ውሕስነት ዘለዎ ዕርቅን ሰላምን ከምጽእ ይኽእል’ዩ፥ ዝበሃል ኮይኑ ስለ-ዘይተራእየ። እዚ ብጭቡጥ ከምዚ’ዩ ነይሩ ኢልካ ክዝረበሉ ዘይክኣል ዑደት’ዚ። ውጽኢታዊ’ዩ ነይሩ ክበሃል ስለ-ዘይከኣል፥ ንኽልቲኡ ሕዝቢ ዘርብሕ ዘተኣማምን ዕርቅን ሰላምን ተረኺቡ’ዩ ዝብል እምነት ኣብቲ ሕዝቢ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን።ብዝተረፈ እቲ ናብ ኵናት ንኽእቶ ጠንቂ ዝኾነ ባድመ፥ ኣብ ክሊ ትግራይ ምህላዉ እናተፈልጠ ከሎ። እቲ ንትግራይ ዘሊካ ብምኻድ፥ ኣብ ጎንደርን ኣዋሳን ክግበር ዝቐነየ ብልቦና ዘይተጠመተ ፖለቲካ። ኣብ ዝኾነ ክበጽሕ ዘይክእል ፍሹል ምንባሩ፥ ክልቲኡ ሕዝብታት ድሮ ፈሊጡዎ ኣሎ ዝብል እምነት ‘ዩ ዘሎና።  

ብዝተረፈ ከምቲ “-ክሰርቀኒ ዝረኣኹዎ፥ ክመልሰለይ ነይኣምኖ-” ተባሂሉ ዝምሰል። እቶም ንሕዝቢ-ኤርትራ ትማሊ፥ ኣብዚ ኩሉ ጸበባን መከራን ከም-ዝሽመም ዝገበሩዎ መራሕቲ-ፖለቲካ። ሕጂ ድማ ንዕኡ ነቲ ደም ከንብዕዎ ዝጸንሑ ሕዝቢ ሓሊፎም፥ ነቲ መድረኽ ቀዲሞም ክቈጻጸሩዎ። ብዝኾነ ተኣምር ቅቡል’ዩ ዝበሃል ኣይኮነን። ስለ’ዚ እቶም መራሕቲ-ሃይማኖት ኣቦታት፥ ነዚ ሰብ ክጾሮ ዘይክእል መከራን ጸበባን እናተቐበለ፥ ግደ ማእሰርትን ሞትን ስደትን ኮይኑ ዝርከብ ዘሎ ሕዝቢ። ዝጸንሖ ፍልልያት ኣወጊዱ፥ ኣብ ሓደ ናይ ሰላምን ዕርቅን መኣዲ ክራኸብ’ሞ፥ ነቲ ናይ መጻኢ ዕድሉ  ወሳኒ ዝኾነ መድረኽ። ባዕሉ ዝቈጻጸሮን ዝውንኖን ኮይኑ ምእንቲ ክርከብ። ኣብዚ ወሳኒ ዝኾነ መድረኽ’ዚ።ሓገዝ መራሕቲ-ሃይማኖቱ ኣዚዩ ኣገዳሲ ስለ-ዝኾነ። ነቲ ሕዝቢ ኣብ ሓደ ናይ ፍቕርን ምርድዳእን መኣዲ ከራኽቡዎ’ሞ፥ ንመሰሉን መጻኢ-ዕድሉን ባዕሉ ወሳኒ ኮይኑ ክርከብ። እስከ ዘይብሉ ዘይተቘጠበ ጻዕሪ ከካይዱ፥ ታሪኻዊ ሓላፍነት ከም-ዘለዎም ይዝንግዑዎ’ዮም ኣይንብልን።

ብዝተረፈ እቶም ን27-ዓመት መመላእታ፥ ነቲ ሕዝቢ ደም ከንብዑዎ ዝጸንሑ መራሕቲ-ፖለቲካ ሃገርና። ሕጂ ንሕዝብን ንሃገርን ብምውካል፥ ኣብዝን ኣብትን እናተገላበጡ ወዛሕዛሕ  ክብሉ ዝፈቕደሎም ሕዝቢ የልቦን። ካብ ሕጂ ንደሓር እግሮምን ኢዶምን ኣኪቦም ደኣ፥ ወሰን ከይዶም ጸግዖም ይሕዙ እምበር። ወከልቲ ሕዝቢ ኮይኖም ኣብ መድረኽ ክቐርቡ፥ ሕጋዊ ኮነ ሞራላዊ ብቕዓት የብሎምን። ከመይሲ ባዕላቶም’ውን “-game over-” ክብሉ ተሰሚዖም እዮም። ብርግጽ ድማ እቲ ብዕድል ሓደ ሕዝቢ፥ ክግበር ዝጸንሐ ጸወታ ኣብዚ ኣብቂዑ ስለ-ዝኾነ። ካልኣይ ግዜ ክዕሸወሎም ዝኽእል ሕዝቢ ይረኽቡ’ዮም ኣይንብልን።     

ስለዚ’ውን እቲ ሕጂ ሃገርና፥ በጺሓቶ ትርከብ ዘላ ውድቀት። ግዜ ክህበና ዘይክእል ምዃኑ ተፈሊጡ። እዞም ኣብዚ ወጻኢ ዝርከቡ ዘለዉ ተጸዋዕቲ ሃይማኖታውያን-ትካላት። እቲ ኣብ መንጎ ክህሉ ዝኽእል ፍልልያት ተጻዊሮም ብምክእኣል። ንድኅነት ሕዝብን ሃገርን’ውን ክብሉ። ሓደ ንኹሉ ከሳትፍ ዝኽእል፥ ዓቢይን ሰፊሕን ጉባኤ ክግበር ኣብ ዝከኣለሉ ኣቢሎም፥ ጠመተ ወይ ጻዕሪ ክገብሩ። እቲ ሕጂ ዘሎ ህልው ኩነታት ሃገርና፥ ከቢድ ሓላፍነት የሰክሞም ምህላዉ ክዝንግዑዎ የብሎምን በሃልቲ ኢና።

ይኹን እምበር እቶም ኣብ ሥልጣን ዘለዉ መራሕቲ-ፖለቲካ። ኣብዚ ዝሓለፈ 27-ዓመት። ሕዝብና ሃይማኖትን ባህልን ክብርን ታሪኽን መንነትን ዘይብሉ ኮይኑ ንኽተርፍ። ብመደብ ክሠርሑሉ ምጽንሖም ዝፍለጥ’ዩ። ከም ሳዕቤን’ዚ ኩሉ’ዚ ድማ’ዩ፥ ኣብዚ እዋን’ዚ ንሕና ከም ንሕና መጠን። ሓደ-ሕዝቢ ኣምሲሉ ከርእየና ዝኽእል ጥርናፈ ስኢንና፥ ኣብ ሓደ መወዳእታ ክርከቦ ዘይክእል፥ ኮለል ኣቲና ንርከብ ዘሎና

ስለ’ዚ ነዚ ናይ ቅርሕንቲ ሕማም’ዚ ፈዊሶም። ነቲ ሕዝቢ ኣብ ሓደ ናይ ፍቕሪ መኣዲ ከራኽቡዎ ዝኽእሉ፥ ንሳቶም እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ጥራይ ስለ-ዝኾኑ። ኣውያት እቲ ሕዝብን እታ ሃገርን፥ ኣብ እዝኖም ክበጽሕ ጸሎትናን ተስፋናን እዩ። ብዝተረፈ ነቲ ሕጂ ዘሎ ህልው ኩነታት፥ ኣብ ግምት ኣእቲና ክንዛረብ እንተደኣ ኮንና። ንኹሉ ዝኸውን ግዜ ኣሎና ክበሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ከመይሲ ኣብቲ መወዳእታ ጫፍ ናይቲ ጸድፊ፥ ኣብቲ ገምገም ንርከብ ምህላውና። እዚ ጥቓ ሞትን ጥፍኣትን ዘሎ ሓደጋ’ዚ፥ ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት፥ ተኸዊሉዎም ኣሎ ክበሃል ስለ-ዘይከኣል።ደሃይ ሃቡ-!! ይበሃሉ ኣለዉ’ሞ፥ ሃገር ብሃገሩ ድምፆም ክሰምዕ ይጽበ’ዩ ዘሎ።

                                 ይትባረክ እግዚኣብሔር ኣምላከ ኣበዊነ

                                 ስቡሕኒ ውእቱ ወልዑልኒ ውእቱ ለዓለም

                                     ካህን ተክለ-ማርያም ምርካጽዮን

                                            ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ                                              

            

     

 

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ከም ዝተቐየረ ካብ ዘመልከቱ ስጉምትታት ሓደ፡ ምኽፋት ዶባዊ ኣፍደገታት ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። ቅድም ኣፍደገ ሰርሓን ዛላንበሳን ኣብ ዕለተ ቅዱስ ዮሃነስ ተኸፊቱ። ኣብዚ ዕለት ኣፍደገ ቡሬ እውን ተኸፊቱ። ቀጺሉ ከኣ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ኣፍደገታት  ክሳድ ዒቃን ራማን ከምኡ’ውን እሞሓጀርን ሑመራን ተኸፊቶም። ድሕሪ ምኽፋት ናይዞም ዶባት ተኸቲሉ ዝተራእየ ምዕባለታት ከኣ መልእኽቱ ንጉጅለ ኢሳይያስ ዘሰንብድ ነይሩ።

ዶብ ሰርሓን ዘለንበሳን ክኽፈት እንከሎ፡  ኢሳይያስ ነቲ ናይ ህዝቢ ርክብ እናቆንጠረ ከካይዶ እዩ ነይሩ መደቡ። ንኣብነት ኣብቲ ዕለቲ ናብቲ ተጋሩ ኣዳልየምዎ ዝነበሩ ናይ ዛላንበሳ ኣቀባብላ ኣጋይሽ፡  ክሳተፉ መደብ ተታሒዝሎም ዝነበሩ ኤርትራውያን ሰራዊት ወሲኽካ 1,500 ሰባት ጥራይ ነይሮም። እቲ ብግብሪ ዝተራእየ ግና ህዝቢ ሓደ ምክትል ወረዳ ዘይኮነስ፡ ህዝቢ ናይቲ ከባቢ ምክትል ወረዳታት’ዩ ካብ ህግዲፍ ፈቓድ ከይተጸበየ በብዝጠዓሞ ኣገባብ  ደፊኡ ኣትዩ። ካብቲ ብጸቢብ ስነስርዓት ብምቁጽጻር ክንድዚ ይከኣል ተባሂሉ ዝተገመት ሰራዊት እውን ዕጥቁ ፈቲሑ ከምቲ ሲቪል ህዝቢ ዝያዳ ኣሃዝዩ ደፊኡ ኣትዩ። ካብዞም ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ሽዑ ናብ ትግራይ ዝኣተዉ ኤርትራውያን ዳግማይ ናብ ኤርትራ ዘይተመልሱ ብዙሓት እዮም። በዚ ዘይተጸበዮ ማዕበል ዝሰንበደ ኢሳይያስ ካብቲ ዶብ ናይ ምኽፋት ስነስርዓት ብኸመይ ከም ዝሃደመ ሽዑ ብናይ ቀጥታ ፈነወ ተለኢቪዥን ብዙሓት ዝተዓዘብዎ እዩ።

እቲ ድሕሪ ምኽፋት ዶብ ኤርትራን ትግራይን ዝተራእየ ዋሕዚ፡ ተራ ሃገር ገዲፍካ ምውጻእ ዘይኮነ ናብቲ ዲክታቶር ናይ “ንስኻ ኣይናትና ንሕናውን ኣይናትካን” መልእኽቲ ኣመሓላለፈ ነይሩ። ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፈጸሞ ገበን ስለ ዝፈልጥ፡ ህዝቢ ነቲ ኣጋጣሚ ከም ዝጥቀመሉ ዝተጸበዮ’ኳ እንተነበረ፡ እቲ ብዝሕን ኣገባብን ግና ካብ ግምቱ ወጻኢ እዩ ነይሩ። ሳላዚ ዘይግሉጽን ናበይ ከም ዝምዕብል ዘይተሓስበሉን ምኽፋት ዶባት ኤርትራን ትግራይን፡ ተፈላልዩ ዝጸንሐ ስድራቤታት ምርኻቡ ብኣውንታ ዝርአ ነይሩ። ካብዚ ሓሊፉ ንሕያሎ ዓመታት ብስእነትን ልዑል ክብርን መሰረታዊ ቀረባት ክሳቐ ዝጸንሐ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስቲ ምኽፋት ዶባት፡ ካብ ትግራይ ናብ ኤርትራ ዝኣተወ ቀረብ ብርትዓዊ ዋጋ ክረክብ ምኽኣሉ እውን ካልእ ናይዚ ብስምዒትን ብዘይንጹር ቀጻልነትን ዝተኸፍተ ዶባት ዝተረኽበ መኽሰብ’ዩ ነይሩ። እንተኾነ “ስለምንታይ ሎሚ፡ ብመን፡ በየናይ ስምምዓት፡ ክሳብ መዓስከ?” ዝብሉ ሕቶታት ዘይመለሰ ሽፉን ስለ ዝነበረ ህዝቢ ብዓይኒ ስኽፍታ እዩ ርእይዎ። እነሆ ከኣ እቲ ስኽፍታ ስኽፍታ ጥራይ ኮይኑ ኣይተረፈን ስግኣት ኣስዒቡ።

ከምቲ ህዝቢ ዝገመቶ ብናይ ህዝብታት ርክብን ናይ ቀረብ ሕቶኦም መፍትሒ ምርካቡን “ዓይኑ ደም ዝመለአ” ኢሳይያስ ቅድም ኣፍደገ ሰርሓ-ዛላንበሳ ዓጽይዎ። ስለምንታይ ከም ዝተዓጽወ መብርሂ ዝህባ ኣካል ኣይነበረን። ድሕሪኡ በብግዜኡ እቲ ናይ ምዕጻው ለበዳ ቀጺሉ ኣርባዕቲኡ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ ኣፍደገታት ተረጊጡ። ብዛዕባዚ ጉዳያት ብወገን ኤርትራ መብርሂ ኣይተዋህበን። እዚ መብርሂ ዘይምሃብ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣረገሉ ስለ ዝኾነ እምብዛ ኣይሕደሶን። ምናልባት ብወገን ኤርትራ “ብኸምዚ ምኽንያት ኢና ከፊትናዮ ወይ ዓጺናዮ” ዝብል መብርሂ እንተዝወሃብ ግና፡  ኣዝዩ ውዑይ መዛረቢ መኾነ። ምኽንያቱ ንኤርትራውያን እቲ ሓድሽ ናይ ጉጅለ ህግዲፍ ምጽቃጥ ዘይኮነ፡  ድምጽኻ ምስማዕ ስለ ዝኾነ። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ከኣ ከምቲ “ሕማም ጐረቤት ተላጋቢ”  ዝበሃል፡ ግዲ ኮይኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ተዓዛቢ ዓዲሙ ተጠሊዑ ዝኸፈቶ ኣፍደገታት ክዕጸው እንከሎ፡ ካብቲ ብዛዕባ ዝኾነ ምዕባለ ናይ ምሕባር ባህሉ ወጺኡ፡ ሕማቕ ምስሊ ኢሳይያስ ክሓብእ ግዲ ደልዩ ምጽቃጥ ምምራጹ ዘገርም እዩ።

ጉጅለ ኢሳይያስ ነቲ ብወገን ትግራይ ምስ ኢትዮጵያ ዘራኽብ ዶባት ክኸፍት እንከሎ፡ ካብቲ ናይ ህዝቢ ጽቡቕ ድሌት ዝተፈልየ ግና ዝበርዓነ ዕላማ ከም ዝነበሮ ፍሉጥ እዩ። እዚ ብዛዕባ ኤርትራ ክዛረብ እንከሎ ትንፋስ ዝሓጽሮን ዘንጸርጽርን፡ ዝተዓዛዘሮ  ወዲ 73 ዓመት ገበነኛ ሰብኣይ ብዛዕባ እንዳማቱ፡ “እቲ ጸወታ ተወዲኡ’ዩ (The game is over)” ምእዋጁ ትጽቢቱ ኣብ ግጉይ ሕሳብ ዝተመስረተ ምንባሩ ዘመልክት እዩ። እዚ ሓደ ካብቲ ነቲ ዝተኸፍተ ኣፍደገታት ጥዕና ዝኸለኦን መሊሱ ንክዕጾ ዘገደዶን ነይሩ ዝብል እምነት ኣሎኒ። መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ከምቲ “ላምሲ ፍርቂ ጐና ዓቢሩ ፍርቂ ጐና ኣይትሰብሕን እያ” ዝበሃል፡ ኣብ ልዕሊ ገለ ክፋል ኢትዮጵያ ሴፍ ክመዝዝ ዝደናደን ኤርትራዊ መራሒ እየ በሃሊ፡ ናይ ኢትዮጵያ በዓል ጽቡቕ ክኾነሉ ምጽባዩ ቅኑዕ ነይሩ ምባል ኣይከኣል። ብመንጽር ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮ፡ ኢሳይያስ ምስ ጐረባብቲ ዝምድና ክፈጥር እንከሎ ኢድ ኣእታውነት መለለይኡ ምዃኑ ላዕለዎት ሓላፍቲ ኢትዮጵያ ከሎ ጌና ክፈልጥዎ ዝግበኦም ዝነበረ እዩ። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ሓደ LTV ዝበሃል ናይ ኢትዮጵያ ዘይመንግስታዊ መደበር ተለቪዥን፡ ነባር ናይ ኦሮሞ ነጻነት ግንባር መራሕን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም ንዲክታቶር ኢሳይያስ ዝፈልጥዎን ኣቶ ለንጮ ለታ፡ “መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ የእቱ ኣሎ ይበሃል’ሞ ከመይ ትርእይዎ?” ተባሂሎም ምስተሓቱ ፡ ርእሶም እንዳነቕነቑ “እዚ ሕቶዚ ሎሚ ኣይምልሶን እየ” ብዝብል ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ረዚን ትሕዝቶ ዘለዎ እዩ። ኣብ ናይ ካለኦት ጉዳይ ኢድ ምእታው ከኣ፡ ሓደ ካብ መለለዪ ናይ ኣብቲ ብቐጥታ ዝምልከቶም ጉዳይ ዝፈሸለ ኣካል እዩ።

 

U.S. Deputy Assistant Secretary (DAS) for East Africa and The Sudans (R) pose with Sudan opposition delegation 23 April 2019 (Photo U.S. Embassy)

April 23, 2019 (KHARTOUM) - The U.S. Deputy Assistant Secretary (DAS) for East Africa and The Sudans called n the leader of the transitional military council (TMC) to negotiate with the opposition groups on the formation of a civil government.

Makila James who is visiting Sudan nowadays met Tuesday with Abdek Fattah al-Burhan TMC leader to discuss the political situation in the country after the fall of the regime of President Omer al-Bashir.

In a statement released on Tuesday evening, the U.S Embassy in Khartoum said the visiting diplomat commended the TMC on their decision to heed the people of Sudan’s legitimate demand for a civilian-led, inclusive and representative government that respects human rights.

"She, also, encouraged the TMC to continue to negotiate with the political opposition and protest leaders and to form a civilian-led transitional government," reads the statement.

The opposition which suspended discussions with the TMC political committee organized significant protests across the country on Tuesday and has proven its capacity to mobilize the Sudanese street.

Another protest is scheduled for Thursday before to announce civil authority, a lean government and the appointed transitional legislative assembly.

The visiting diplomat, also, held a meeting with the Freedom and Change forces.

"She commended the people of Sudan for their resiliency and commitment to non-violence as they expressed their legitimate demand for inclusive and representative government," said the Embassy.

Further James reiterated the U.S. priority to see a civilian-led transition to a peaceful and democratic Sudan, stressed the statement.

(ST)

Source=http://www.sudantribune.com/spip.php?article67421

Wednesday, 24 April 2019 10:06

MBEKI URGES RESPECT FOR SUDAN’S SOVEREIGNTY

Written by

MBEKI URGES RESPECT FOR SUDAN’S SOVEREIGNTY

 Former President Thabo Mbeki has weighed in on the ongoing Au Troika Summit in Egypt being attended by President Cyril Ramaphosa.

JOHANNESBURG – Former President Thabo Mbeki says while the African Union and the international community discuss the future of Sudan, the country’s sovereignty must be respected.

Mbeki visited the African National Congress (ANC) pavilion at the Rand Easter Show where he weighed in on the ongoing Au Troika Summit in Egypt being attended by President Cyril Ramaphosa.

“The sovereignty of the Sudanese people about their own future has to be respected and that’s important, there’re clearly many other people around the world who are very interested in the future of Sudan, which is good. But I’m saying that interest must not undermine the possibility of the Sudanese to exercise sovereignty.”

At the summit, African leaders will focus on “the evolution of the situation in Sudan” where protests continue after the military toppled President Omar al-Bashir.

Egyptian President Abdel Fattah al-Sisi is also the current president of the African Union.

He will receive the Chadian president Idriss Deby, Rwanda’s head of state Paul Kagame, Congo’s Denis Sassou-Nguesso, Somalia’s Mohamed Abdullahi Mohamed and Ramaphosa as well as Dijbouti’s leader Ismail Omar Guelleh.

For Sudan, the objective “is to discuss … the most appropriate ways to address the evolution of the situation and to contribute to stability and peace”, Egypt’s presidency said.

The AU on 15 April threatened to suspend Sudan if the military does not hand over power within 15 days of that date to a civilian authority.

President of the African Union Commission Moussa Faki is also expected to participate in the discussions, along with officials from Ethiopia, South Sudan, Uganda, Kenya and Nigeria.

Source=http://smc.sd/en/mbeki-urges-respect-for-sudans-sovereignty/?utm_source=rss&utm_medium=rss&utm_campaign=mbeki-urges-respect-for-sudans-sovereignty

April 24, 2019 News

FOR IMMEDIATE RELEASE
24 April 2019

Eritrea Focus

UN Secretary General’s former Africa representative calls for democratic change in Eritrea

London, 24 April 2019Ambassador Haile Menkerios, who served as the United Nations Special Representative to the African Union, and Eritrea’s ambassador to Ethiopia from 1991 to 2000, is calling for a “national conference of representatives of the Eritrean people that would decide on a transitional arrangement to ensure an inclusive process of building participatory democracy in the country.”

Ambassador Menkerios will make his remarks to ‘Building Democracy in Eritrea’, a two-day conference held at Senate House, University of London, from 24-25 April.

The landmark conference will hear from Ambassador Menkerios that only the formation of a new national body of representatives “can prevent violence” following the end of the current dictatorship.

President Isaias Afwerki has ruled Eritrea since independence in 1993. He has suppressed all opposition parties, crushed the independent media and imprisoned his opponents indefinitely.

Eritrea has “the notoriety of being perhaps the only country in Africa that does not have a functioning constitution, a legitimate elected government, nor legitimate and functioning governance institutions that ensure accountability,” Ambassador Menkerios will say.

Conference objective

The two-day conference is being organised by Eritrea Focus, in partnership with the Institute of Commonwealth Studies at the School of Advanced Study. It brings together more than 70 delegates from the USA, Europe and Africa, including academics, campaigners, members of the Eritrean diaspora, and international experts.

“The objective of ‘Building Democracy in Eritrea’ is to bring together Eritreans and international supporters to begin thinking about tangible, realistic objectives for the establishment of democracy and the administration of justice in the country”, said Habte Hagos, Chairman of Eritrea Focus. “The time for this is now.”

The lessons from Sudan and Algeria

The London conference meets as the Sudanese and Algerian uprisings are unfolding, and which serve as examples of how regime change can come about.  The aim of the conference is to look beyond Eritrea’s current dictatorship and to explore how democratic renewal can be assisted and encouraged.

Among those participating are:

  • Dr Bereket Habte Selassie, the author of the Eritrean Constitution
  • Ambassador Andebrhan Weldegiorgis, former Eritrean Ambassador to the European Union
  • Abraham Zere, head of PEN Eritrea
  • Dan Connell, eminent author and scholar
  • Prof Kjetil Tronvoll, of Norway’s International Law and Policy Institute, expert on the Horn of Africa
  • Prominent humanitarians working with the US Congress, the European Union and the British Parliament.

While the rapprochement between Eritrea and Ethiopia last year brought an end to the state of “no war, no peace” that persisted for 20 years, there are no signs that any reforms have been enacted to address the drastic situation of human rights within the country, which last month the UK Government said remained of “significant concern”.

“The almost absolute concentration of power in the hands of the President is both unstable and unsustainable”, says Habte Hagos. “The British Government acknowledges that we have seen no improvement in the situation of Eritreans following the peace deal with Ethiopia, and people continue to flee the brutal regime of indefinite conscription and the suppression of their most basic human rights. We must learn the lessons of dictatorships that fell but did not give way to democracy, and act quickly to set out the conditions that must be met for a future free from the tyranny of the past three decades.”

ENDS

Notes to editors:

Eritrea Focus is an association of Non-Governmental Organisations (NGOs), human rights organisations, exile and refugee groups and individuals concerned with the gross abuses of human rights in Eritrea.

The objective of Eritrea Focus is to draw attention to the horrific abuses and suffering of Eritreans, both within the country and as refugees living abroad. We campaign for democratic accountability in Eritrea and the establishment of the rule of law, and actively engage with the international community in our efforts to achieve this.

Eritrea Focus provides secretarial support to the All-Party Parliamentary Group (APPG) on Eritrea.

For media enquiries, contact:
James Killin
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
Tel: 020 7922 7719

Source=https://eritreahub.org/london-conference-hears-call-from-senior-african-and-un-diplomat-for-democratic-change-in-eritrea

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ነጻ ሃገረ-ኤርትራ ብዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ክትምራሕ ምስ ጀመረት፡ ምስ የመን፡ ሱዳን፡ ጂቡትን ኢትዮጵያን ኣብ ቀጻሊ ውግእ ከም ዝኣተወት ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮና እዩ። እዚ ውግኣት ተዘክሮ ጥራይ ዘይኮነ ጌና ደሙ ኣይነቐጸን። ብፍላይ ከኣ ናይቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኸየደ፡ በቲ ኢሳይያስ ዝተኣመነሉ ጥራይ ካለኦት ግና ዝያዳ እዩ ዝብልዎ፡ 19 ሺሕ ኤርትራውያን መላምል ዝተቐዝፍሉ፥ ምግማቱ ዘጸግም ኤርትራዊ ንብረት ዝዓነወሉ፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝተማዛበልሉ፡ ዝተሰድሉ፡ ንብረቶም ዘርሞዘርሞ ዝኾነሉንን፡ ዲሞክራስያዊ ተስፋ ኤርትራውያን ዝጸልመተሉን፡ ስለ ዝኾነ ኣይኮነንዶ ሎሚ ጽባሕ እውን ዝርሳዕ ስንብራት ኣይኮነን። ናይዚ ኩሉ ክሳራን ንድሕሪት ምምላስን ተሓታቲ ከኣ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ጉጅለኡን እምበር፡ ካልእ ከምዘይኮነ  ክንእመነሉ ዝግበኣና ዘየገላብጥ ሓቂ እዩ። በቲ መርዛም ስብከቱ ተሰሊብካ፡   ጉጅለ ህግዲፍ ንምድሓን ነቲ ተሓታትነት ናብ ካልእ ንኣብነት ናብ ወያነ ከተላግቦ ምፍታን ከኣ፡ ርትዓውን ፍትሓውን ኣብ ልዕሊ ዘይምዃኑ ንገዛእ ርእስኻ ምዕሻው እዩ።

“ስለምንታይ እዩ ጉጅለ ህግደፍ ናይ ሓሶት ምኽንያታት እንዳሰነዐ ምስ ኩለን ጐረባብቲ ሃገራት ሓዊ ዝኣጉድ ዝነበረ?” ናይ ዝብል ሕቶ መልሲ፡ ኣብ ኤርትራውያን ፍልልያት ከምጽእ ከም ዝጸንሐ ፍሉጥ እዩ። ህግደፍ ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ነዚ ሕቶዚ ንምላስ፡ ክህንድሶ ዝጸንሐ ምህዞታት፡ ዶብና ስለ ዝተወረ፡ ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ስለ ዘልሓኹልና፡ ንኢሳይያስ ክቐትልዎ ስለ ዝሃቀኑ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይና ስለ ዝኣተዉ ,,,,, ወዘተ ዝብሉ ምህዞታት ከም ዝነበሩ ንዝክሮ ኢና። ነቲ ኩነታት ትንፋስና ውሒጥና የማነ ጸጋም መዚና ካብ ጸቢብነት ተዓጊስና ክንመዝኖ እንከለና ግና፡ ምህዞ ህግደፍ ፍጹም መሰረት ዘየብሉ ሓሶት እዩ ነይሩ።

እቲ ሓቀኛ ናይ ህግዲፍ ፈቐድኡ ውግእ ናይ ምእጓድ ምኽንያት፡ ብዘይካ ሓቀኛ መንነቱ ኣብ ናይ ውግእ ህቦቡላ ንምሕባእን፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ኣተሓሳስባ ኣቕጣጫ ካብ ውሽጢ ናብ ደገ ምቕናዕ ከኣ ካልእ ምኽንያት ነይሩ። ህግዲፍ ህዝቢ ኤርትራ “ሃገርካ ክትውረር እያ” ዝብል ደርጓዕጓዕ እንተስሚዕካዮ “ብመንን ስለምንታይን” ከይበለ ሴፉ ከም ዝስሕል ስለ ዝተረደአ፡ ነዚ ሕኑን ኤርትራዊ ሃገራዊ ፍቕሩ መዝሚዙ ኣብ ሓዊ ክጠብሶ ጸኒሑ። እዚ እቲ መሸፈኒ ኮይኑ፡ ብፍላይ ናይቲ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝወለዖን ዝተፈላለዩ ሕብርታት ክቐብኦ ዝጸንሐን ውግእ ቀንዲ ምኽንያት፡ እቲ ክዝረበሉ ዝጸንሐ ጉዳይ ዶብ ከምዘይኮነ፡ ሎሚ ናይ ማሕበራዊ ሳይንስ ተመራመርቲ ዓው ኢሎም ዝገልጽዎ ዘለዉ እዩ። ዘይተጸንዐን ኣመዛዚኑ ዘይርእን ኣብ መወዳእታ ዝተሳዕረን ናይ ሽዑ ቁጠባዊ ፖሊሲ ህግደፍ ምስ ተሳዕረ ህግዲፍ ኣብ ውግእ ንኽኣቱ ከም ዘገደዶ ሎሚ ብወግዒ ተፈሊጡ እዩ። እዚ ናይ ሽዑ ናይ ውግእ ጠንቂ ሎሚ’ውን ካብ ኣእምሮ’ዚ ዲክታቶር ኣይወጸን። እቲ ካብኡ ዝገደደ ንህግዲፍ ናብ ውግእ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝደፈኦ ናይ ኢሳይያስ ዓባይ ኢትዮጵያ ናይ ምምራሕ ህርፋን ምስ በነነ ምዃኑ ሎሚ ብዙሓት ተመራመርትን ፖለቲከኛታትን ዘግህድዎ ዘለዉ እንተኸወልካዮ ዘይክወል ጠንቂ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ከይዱ ኣፍልቡ ዝወቕዓሉ ዘሎ ቆልዓዊ ምኽንያት እውን ነዚ ሕነ ናይ ምፍዳይ ባህሪኡ ዘመልክት እዩ። ኣብ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኢሳይያስ ኣብ ሓሳብን ኣርሒቕካ ምርኣይን ምስተሳዕረ፡ ሕነ ናይ ምፍዳይ ውግእ ከም ዝጀመረ ንሕና ንብሎ ዘለና ዘይኮኮነ ብደረጃ ዓለም ነዚ ጉዳዚ ከጻሪ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ከም ዝመስከረን ኤርትራ ከም ጀማሪት ውግእ ንክትክሕስ ዝፈረዳን ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን።

ኢሳይያስ ስለምንታይ ከምዚ ዓይነት ውግእ ናይ ምኽፋት ስጉምቲ ወሲዱ ካብ ቅድም’ውን ንጹር እዩ። ካብ ወልፊ ውግእ ወጻኢ ክነብር ስለ ዘይክእል እዩ። ንሱስ ሕራይ ባህሪኡ ኮይንዎ፡ “ስለምንታይከ ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣሚኑ ኣብ ሓዊ ተጠቢስሉ?” ዝብል ግና ኣዘራራብን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ሕቶ ዘልዕልን እዩ። ደሓር ግና ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኢሳያሳዊ ወልፊ ንምርዋይ ዝተወጠነ ውግኣት ክጥበስ እንከሎ፡ ከም ዝተዓሸወ ዝተረደአ ይመስል። ነዚ ስርዓት ራሕሪሕዎ ናብ ስደት ምውሓዙ በቲ ስርዓት ተዓሽዩ ከም ዝነበረ ናይ ምርድኡ ምልክት እዩ። እቲ ተዓሽዩ ከም ዝነበረ ምርድኡ ጽቡቕ ኮይኑ፡ እቲ ከም ግብረ መልሲ ዝወሰዶ ናይ ስደት ምርጫ ግና ካልእ ነዚ ዲክታቶር ዘሕጎሱ እዩ። ምኽንያቱ ነቲ ሃገር ናይ ምብራስ ሕቡእ ኣጀንዳኡ ዘተግብረሉ ኮይኑ ስለ ዝረኸቦ። እንተኾነ ሕጂ እውን ከምቲ “ክንብል በለ እምበር ኣይተኻዕወን” ዝበሃል፡ ቃልሲ መንእሰያት ኣንጻር ዲክታቶር፡ ከካብ ዘለኻዮ ኩርናዕን በብዝጥዕመካ ኣገባብን ይቕጽል ስለ ዘሎ ተስፋ ዝህብ እዩ። መድረኽ “ይኣክል” ክሳብ ክንድዚ ምዕማሩ ከኣ ነዚ ዘመልክት እዩ።

ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ናይ ታዕሊም ተሃድሶን ግፋን የካይድ ከምዘሎ ይሕበር ኣሎ። እዚ ከኣ ተዋጋኢ ባህሪኡ ኣብ ቦትኡ ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ። ኣብ ቦታኡ ዘሎ እቲ ተዋጋኢ ባህርያቱ  ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ካብ ገዛእ ርእሱ ዘይጅምር ጽገዕተኛ ናይ ቁጠባ ፖሊሲኡ እውን ከምኡ ኣብ ቦታኡ’ዩ ዘሎ። ከምቲ ወለድና “ኣመል ምስ መግነዝ” ዝብልዎ እዚ ዲክታቶር ክሳብ ዘሎ ተናኻሲ ባህሪኡ እውን ምስኡ እዩ ዘሎ። እቲ ቅድሚ ሕጂ ኣንጻር ኢትዮጵያን ካለኦት ጐረባብቲ ሃገራትን ውግእ ዝኸፈተ ባህሪኡ ምስኡ እዩ ዘሎ። ምስዚ ባህሪኡ ክሳብ ዘሎ ከኣ፡ ዓቕሚ እንተዘይገዲብዎ፡ ውግእ ካብ ምኽፋት ዓዲ ከምዘይውዕል ተግባራቱ’ውን ይምስክር ኣሎ። ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ኢትዮጵያን ናይዚ እዋንዚ ለኣኽቱ ሃገራትን ከይዱ ኣፍልቡ ብምውቓዕ ድዩ ኢዱ ብምስዓም ባህሪኡ ዝቐየረ ዝመስሎም  ኣካላት ከይጋገዩ ናይ “ኢሳይያስ ቀደም ኮነ ሎሚ፡ ኢሳይያስ’ዩ እሞ፡ ኣይትተሃመሉ” መልእኽትና ነመሓላልፈሎም።

Sunday, 21 April 2019 09:20

Radio Demtsi Harnnet Sweden 20.04.2019

Written by

 

 

President Omer al-Bashir speaks to police senior officers at the headquarters of the “police house” in Burri suburb on December 30, 2018. (AFP Photo)

April 20, 2019 (KHARTOUM) - Sudan’s public prosecutor’s office opened two complaints against the deposed President Omer al-Bashir on charges of money laundering and possession of large sums of hard currency without legal ground, a judicial source told Reuters on Saturday.

The source added that the senior prosecutor appointed by the military council to fight corruption ordered the arrest of the former president and questioned him soon in preparation for his trial.

The prosecution will question the former president who is already imprisoned in Khartoum central prison of Kober, and that there are legal proceedings will be taken against some other figures of the former regime who are accused of corruption.

Sudanese media said on Saturday that a team of the armed forces and military intelligence had raided the residence of the ousted president.

The Alray Alaam newspaper reported that the team found large amounts of foreign and local currencies which amounted to more than 6 million Euros, 351 thousand U.S. dollars, and 5 billion Sudanese pounds.

The newspaper quoted the prosecutor in charge of corruption cases, Mutasim Abdellah Mahmoud, as saying that the prosecution immediately began to implement the directives of the Transitional Military Council, and carries out its duties in the fight against corruption.

Mahmoud said further search operation will be at al-Bashir’s residence, and the seized money will be deposited in the Central Bank.

The military council said they refuse to hand over the former president to the International Criminal court and pledged to try him for Darfur war crimes in Sudan.

(ST)

Source=http://www.sudantribune.com/spip.php?article67405

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ትርከብ ዘለኻ፡ኣቐዲምና ካብ ደቅኻ፡ ብስም እቲ ኩሉ ዝከኣሎ ኣምላኽ ካብ ከተማ ካስል/ጀርመን ሰላምታና ይብጻሓካ። ጭዋ ህዝቢ ኤርትራ፡ካብ ነዊሕ መዋእላት ኣትሒዝካ ከይቀሰንካ ትካለበት ዘለኻ ከመይ ትኸውን ኣሎኻ።ኩላትና ደቕኻ ኣብ ምሉእ ዓለም ፋሕ ኢልና ዘለና፡ብኣኻን ብሃገርናን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዝና ከምዘይቐሰና ኣጥቢቕና ክንሕብረካ ንፈቱ። ብመሰረቱ ጠንቂ ናይ’ዚ ኣብ ልዕለኻን ሃገርናን ወሪዱ ዘሎ ዘይንስሕቶ’ኳ ይኹን’በር።ድኽመታትናን ፍልልያትናን ወጊድና፡ብሓድነት ዘይምግጣምና ድኽመታትና ምዃኑ ኣይንስሕቶን ኢና።ኮይኑ ግን እቲ መጀመርታ ዘለዎ፡ መወዳእታ ኣለዎ እሞ፡እዚ ሕሱም ጸላኢ ህዝብናን ሃገርናን፡ብሃንደበት ዝመጸ ዘይኮነስ ተኾስኵሱን ተመልሚሉን ንኤርትራዊ ዘርኢ ንምድምሳስ፡ገረብ ብሓኽላ ዕላማ ሒዙ ዝወፈረ ስለዝኾነ እንሆ ንህዝብናን ሃገርናን ኣብሪሱዎ ይርከብ ኣሎ።* እዚ ሕሱም ጨካን ጸላኢና ኣብ ውሽጥና ኣትዩ፡ኣብ ነንሕድሕድና ከምዘይንተኣማመን ገይሩ ንመዋእላት ከሳቕየናን ከጽንተናን ጸኒሑን ኣሎን።ብፍላይ ገለ ካባና ነዚ  ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ፡ንልዕሊ ኣርበዓ ዓመት ዝኣክል ጸላኢናን ሓደገኛን  ምዃኑ ዘይሓበርና ኣይኮናን፡እንተኾነ ግዳ፡ትሰምዓና እዝኒ ኣይረኸብናን። እወ!እዚ ሽፍታ’ዚ ንኣሕዋትና ምሁራትን ኣስተውዓትን ተጋደልቲ ክቃለሱ ንሜዳ ኤርትራ ዝወረዱን፡ዓበይቲ ዓድን፡ኣሽሓት ገባርን ደቂ ገባርን ዝቐዘፎም ማእለያ የብሎምን።ብድሕሪ’ታ ነጻነት ተባህላ ትፍለጥ፡ ግን ከኣ ባርነት ዝኾነት፡ንህዝብና ብጋህዲ ቅንጸለን ማእሰርትን ኣብ ዘየድሊ ኵናት ምጥባስን፡ንብረቱ ምዝራፍን፡ክሳብ ሃገሩ ገዲፉ ንሰደት ከም ዘምርሕ ገይሩዎን ረጊጹዎን ኣሎ።ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣትሒዙ ንሉኡላዊ መረት ኤርትራ፡ዓሰብ ንኢሜራት ዓርብ ብዘይ ኣፍልጦ ህዝቢ መጥይዎ ይርከብ ኣሎ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ድማ፡ ብሽፋን ናይ ሰላም ዘብዘብ ዝተጀመረሉ ግዜ፡ውልቀ መላኺ ኤርትራ ሕሉፍ ሓሊፉ፡ንኣዕጸምቲ ጀጋኑ ስዉኣትና ረጊጹ፡፡ነቲ ኣብ ዝሓለፈ መዋእላት ዝእምቶ ዝነበረ፡ ብጋህዲ’ዩ ደርጉሒዎ፡ ዶ/ር ኣቢይ "ምርሓና  ንስኻ፣ ሓላፍነት ሂበካ ኣሎኹ፡ኣይከሰርናን፡ዝጠፍኣና ንብረት የብልናን፡ዶብ ምሕንጻጽ ክጸንሕ ዝኽእል ጉዳይ ኢዩ፡ቀዳማይ ዕማም ክውሰድ ዘለዎ ምርግጋእ ኢትዮጵያ ኢዩ፡ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብታት ኢዮም ኢሉ ዝሓስብ፡ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥን፡ንሰላምና ክብርዛ ዝደልን እዩ፡ክብል ሰሚዒናዮ ኢና። ኤርትራ፡ካብ ዝሓለፈ ዓመት  ኣትሒዛ ድማ፡ ከም ክልል ኢትዮጵያ ኮይና ትኸደሉ ዘላ ብዙሕ ጩራታት ይረኣዩ ኣለዉ።ብፍላይ ኣብዚ ግዜ’ዚ ድማ፡ ውልቀ መላኺ፡ ንኤርትራዊ ሓይሊ ባሕሪ ኣፍሪሱ፡ንባጽዕ ሓይሊ መደበር ኢትዮጵያ ክትኸውን ሂብዎም ከምዘሎ ብዙሓት ምንጭታት ሓቢሮም ኣለዉ። 

ክቡራት ኣሕዋት ዝዓበኹም ዝነኣስኩም፡ሎሚ ይኣክል ምፍልላይ፡ሃገርናን ህዝብናን ነድሕን።ብፍላይ ህግደፋውያን ኣሕዋትና ይኣክል ጓይላን ዳንከረን ምስዚ ጠላሚ ህዝቢ ኤርትራ።እዚ ጠላሚ፡ንህዝብና ከጽንትን፡ንሃገርና ከዕኑን ከም ዝተዓጥቀ ዝተረድኡ ኣሕዋትና ህግደፋውያን፡ናብ ልቦም ተመሊሶም ንህዝቦም ክኽሕሱ ዝተበገሱ ድማ መርሓባ ክቡራት ኣሕዋት ንብሎም። ነቶም ገና ምስዚ ሽፍታ ደምሳሲ ህዝብናን ሃገርናን ንዓሰርተታት ዓመታት ዘጣቕዑን፡ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዘላገጹን ናብ ልቦም ተመሊሶም ብህጹጽ ኣብ ጎኒ ህዝቦም ደው ክብሉ ደጊምና ደጋጊምና ይኣክል  ንብሎም።ነቶም ኣብ ላዕለዋይ ጽሕፍታትን፡ሓለፍቲ ሰራዊትን፡ከምኡ እውን ኤምባሲታትን ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ደው ክብሉ ህጹጽ መጸዋዕታና ነቕርቦሎም።እዛ ውቅብቲ ንምክሓላ ሃገርና ኤርትራ! ርኢና ከይንስእና፡ደጊም ይኣክል ተመለሱ ምስ ህዝብኹም ደወ በሉ ንብሎም! ይኣክል ስደትን ውርደትን፡ ይኣክል ጭውያን ቅትለትን፡ ይኣክል ዕንደራን ብድዐን፡ ይኣክል ጽምዋን ብኽያትን፡ ይኣክል ምጽናትን ብርሰትን።ይኣክል ማእሰርትን መቕዘፍትን፡ ይኣክል ናይ ደቅና ኣብ ባሕሪ ህልቂት! ይኣክል በብመዓልቱ ዝጭወዩን ኣብ ጎዳጉዲ ዝዕበጡ ዘለዉን!፡ ይኣክል ኣውራጃውን፥ ብሄራውን፥ሃይማኖታውን ፍልልያት! ሓደራ ካብ ኩሉ ሕማማት ወጺእና፡ ሃገራዊ ህዝባዊ ጥርናፈ ነዘውትር!፡ ብህጹጽ ህዝባዊ ባይቶ ይቑም!።ክቡራት ኣሕዋት ዝዓበኹም ዝነኣስኩም፡ሎሚ ይኣክል ምፍልላይ፡ሃገርናን ህዝብናን ነድሕን።ብፍላይ ህግደፋውያን ኣሕዋትና ይኣክል ጓይላን ዳንከረን ምስዚ ጠላሚ ህዝቢ ኤርትራ።እዚ ጠላሚ፡ንህዝብና ከጽንትን፡ንሃገርና ከዕኑን ከም ዝተዓጥቀ ዝተረድኡ ኣሕዋትና ህግደፋውያን፡ናብ ልቦም ተመሊሶም ንህዝቦም ክኽሕሱ ዝተበገሱ ድማ መርሓባ ክቡራት ኣሕዋት ንብሎም። ነቶም ገና ምስዚ ሽፍታ ደምሳሲ ህዝብናን ሃገርናን ንዓሰርተታት ዓመታት ዘጣቕዑን፡ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዘላገጹን ናብ ልቦም ተመሊሶም ብህጹጽ ኣብ ጎኒ ህዝቦም ደው ክብሉ ደጊምና ደጋጊምና ይኣክል  ንብሎም።ነቶም ኣብ ላዕለዋይ ጽሕፍታትን፡ሓለፍቲ ሰራዊትን፡ከምኡ እውን ኤምባሲታትን ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ደው ክብሉ ህጹጽ መጸዋዕታና ነቕርቦሎም።እዛ ውቅብቲ ንምክሓላ ሃገርና ኤርትራ! ርኢና ከይንስእና፡ደጊም ይኣክል ተመለሱ ምስ ህዝብኹም ደወ በሉ ንብሎም! ይኣክል ስደትን ውርደትን፡ ይኣክል ጭውያን ቅትለትን፡ ይኣክል ዕንደራን ብድዐን፡ ይኣክል ጽምዋን ብኽያትን፡ ይኣክል ምጽናትን ብርሰትን።ይኣክል ማእሰርትን መቕዘፍትን፡ ይኣክል ናይ ደቅና ኣብ ባሕሪ ህልቂት! ይኣክል በብመዓልቱ ዝጭወዩን ኣብ ጎዳጉዲ ዝዕበጡ ዘለዉን!፡ ይኣክል ኣውራጃውን፥ ብሄራውን፥ሃይማኖታውን ፍልልያት! ሓደራ ካብ ኩሉ ሕማማት ወጺእና፡ ሃገራዊ ህዝባዊ ጥርናፈ ነዘውትር!፡ ብህጹጽ ህዝባዊ ባይቶ ይቑም!። 

ይኣክል ሙሉኽ  ዜጋ  ምዃን! ይኣክል ኣምልኾ ንውልቀ መላኺ! ይኣክል ኣምልኾ ንጠላሚ! ይኣክል ኣምልኾ ንሽፍታ! ይኣክል መቕዘፍትን፡ጭውያን! ይኣክል ምፍልላይ! ሉኡላውነት ሃገርና ይተሓሎ! እሱራትና ይፈትሑ!

ክብርን ዝኽርን ንስዉኣት! ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!  

ደለይቲ ፍትሒ ከተማ ካስል/ከባብን ካስል/ጀርመን

ዕለት 13/04/2019