“ኣማራ ብሄራዊ ንቅናቄ (ኣብን)” ዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ውድብ፡ ንሃገርነት ኤርትራ ኣፍልጦ ኣይህብን ከም ዝበለ ብ28 ማዝያ 2025 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ምንቅስቓስ ድሕሪ ምክያድ ሳልሳይ ጉባአኡ፡ ኣብ ዘውጸኦ 6 ገጻት ዝሓዘ ናይ ፈጻሚ ኣካል መግለጺ  እዩ ነዚ ዕዉርን ዘይሓላፍነታውን ክሕደቱ ዝገለጸ።

“ኣብን” ኣብቲ መግለጺኡ ናይ ኤርትራ ሃገርነት ዝመጸሉ መስርሕ ንኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘስኣነ ምዃኑ ብምጥቃስ’ዩ ንኤርትራዊ ሃገርነት ኣፍልጦ ከም ዘይህብ ኣስፊሩ። እቲ ዘይሓላፍነታዊ መግለጺ ነቲ ኤርትራውያን ን30 ዓመታት ዘካየድዎ መሪርን ክቡርን ቃልስን ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ዘካየድዎ ረፈንደምን ክሒዱ፡ ኤርትራ ልኡላዊት ሃገር ዝኾነትሉ መስርሕ ብድኽመት ናይቶም ኣብቲ እዋንቲ ንኢትዮጵያ ዝመርሑ ዝነበሩ ኣካላት ዝተዓወተ  ኣምሲሉ ክገልጾ እዩ ፈቲኑ።

ኣብቲ መግለጺኡ ዘይሓላፍነታውን ዘይህዝባውን ኣካይዳ ጉጅለ ህግደፍ ብሰፊሑ ዘዚሩ፡ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዘለዎ ሕርቃንን ጽልእን ክገልጽ ክብል ነቲ ብቓልሲ መላእ ኤርትራውያን ዝተረጋገጸን ዓለም ለኻዊ ኣፍልጦ ረኺቡ ዝተመዝገበን ልኡላውነት ኤርትራ ክኽሕድ ምፍታኑ ንብዙሓት ዘገርም ኮይኑ ኣሎ። ብዙሓት ነቲ መግለጺ ዝተኸታተሉ ከም ዝሰማምዕሉ፡ እዚ ክሳብ ሕጂ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ዝኾነይኹን ሕቶ ዘይነበሮ ክነሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ብኽሕደት ዝተላዕጠጠ መግለጺ ምውጻኡ፡ ኣብ ስልጣን ምእንቲ ክቕጽል፡ ነቲ ገዛኢ ሰልፊ ኢትዮጵያ ብልጽግና፡ ኣብ ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራን ውደብ ዓሰብን ዘቕርቦ ዘሎ ሸፋጢ ሕቶ ንምርጓድ ክብል ዝሓዞ ተበላጺ መርገጽ እዩ።

መግለጺ “ኣብን” ብዘይካቲ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ዘንጸባረቖ ክሕደት፡ ብሓፈሻ ኣብቲ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት እውን ምስ ናይ ብልጽግና ተመሳሳሊ መርገጽ ዝሓዘ ኮይኑ፡ ብፍላይ ከባቢ ወልቃይት ናብ ትግራይ ንከይምለስ ተሪር መርገጽ ከም ዘለዎ ኣስፊሩ።

ውድብ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራ፡  ብኣቦመንበርነት ሚኒስተር ሳይነሳዊ ምህዞ (innovation)  ዶር በለጣ ሞላ ዝምራሕ ኮይኑ፡ ኣብ ፈደራል መንግስቲ 5 ኣብ ፓርላማ 1 ድማ  ኣብ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት  መናብር  ዘለዎ እዩ።

                الدولة هي ظاهرة تاريخية اجتماعية في تطور الجماعات البشرية ويكون لها حدود سيادية وإدارية وسياسية في رقعة جغرافية برياً وبحرياً وجوياً و رمزيًا ودبلوماسيًا

إنّ مبدأي القوة والقانون ؛ هما قطبا الرّحَى في تنظيم العلاقات بين الشعب والسلطة وبين الأفراد والهيئات والمؤسسات بل وبين الدول فيما بينها؛ أي أن القانون هو المنظم لمفهوم القوة وبه تُكتَسَبُ الشرعية من عدمها؛ فالسلطة لا يمكن أن تَكتَسِبُ القوة إلا بالقانون،  أما عكس ذلك أي القوة المحضة غير المنظمة بالقانون؛ فالأمر يكون تعسفاً واستبداداً مطلقاً،  فالتُُ من عقالهِ كما هو الحال في وطننا، حيث الحاكم بأمره يكتسب القوة لشخصه من غير أي وازع قانوني.

  في البلدان التي تحكمها حكومات منتخبة وتكون السلطة للشعب،  تكون فرصة سيادة القانون كبيرة،  ولذلك يتمتع جميع أفراد الشعب بحقوق متساوية أمام القانون .

أما في الدول التي تحكمها أنظمة استبدادية لا تلتزم بسيادة القانون، فنجد  أنها تمارس سلطتها بالقوة والعنف والظلم للبقاء في الحكم.

في ارتريا؛ الدولة حديثة الاستقلال والتي كانت أمامها فرصة نادرة لتكون دولة تحكمها سيادة القانون .  تتسم العلاقة الأساسية في ارتريا بين الحاكم والشعب بالاستبداد ، حيث  نصّب الحاكم  نفسه فوق القانون ، معتمدًا على منطق القوة والبطش بعد أن اختطف السلطة بذريعة الشرعية الثورية منذ فجر الاستقلال  في  عام 1991.

أما القوى السياسية الساعية للتغيير وعامة الشعب الارتري؛  فإنها تسعى إلى كسر هذا الواقع الأليم،  من خلال تأكيد مبدأ سيادة القانون و ضمان خضوع الحكومة ومؤسساتها للمساءلة والمحاسبة.

القانون هو النظام الأساس الذي ينظم العلاقات  والمهام والتطلعات المتنوعة لدى الأفراد والدول، ويحدّد ما يجب فعله وما يجب تجنبه ؛ هو الرادع لكل من يخالفه،  مما يساعد  جميع الجهات ذات المهام والتطلعات المختلفة على التعايش في ظل القانون، بالتعاون والتآزر.

تتمتع جميع دول العالم ذات السيادة،  والتي يصل عددها تقريباً إلى أكثر من ١٩٣ دولة وكيان، حيث تتمتع بالأمن والاطمئنان من خلال الالتزام بالقوانين،  والأعراف الدولية المتفق عليها في إطار ميثاق الأمم المتحدة والمنظمات الدولية الأخرى، إذ لولا الاحترام والعمل بهذه المواثيق ، لساد عالمنا قانون الغاب وتعرضت الدول الضعيفة لتسلط الدول القوية.

تحتل إريتريا المرتبة 101 عالمياً من حيث المساحة إذ تبلغ مساحتها حوالي 117,600 كيلو متر مربع،  أما من حيث عدد السكان, فتحتل المرتبة 132 عالميا .

هذه المؤشرات تظهر أن هناك العديد من الدول تفوق ارتريا في المساحة والسكان، وأخرى تقل عنها.

ومن أبرز العوامل التي تميز ارتريا هو كفاحها المسلح المرير الذي استمر لمدة 30 عاما من أجل الاستقلال عن اثيوبيا والذي توِّج بتحقيق الاستقلال في 24 مايو 1991، وبهذا أصبحت ارتريا دولة ذات سيادة وعضواً في ألامم المتحدة تتمتع بالحقوق والامتيازات نفسها التي تتمتع بها بقية الدول الاعضاء في المنظمة.

 إن وجود السيادة الوطنية لايرتبط بوجود النظام الحاكم أو غيابه، بل هي قائمة ما دامت ارتريا وشعبها موجودَين، والنضال الذي يخوضه الشعب الارتري وقواه السياسية يهدف إلى الحفاظ على هذه السيادة وتعزيزها من خلال العمل على اقامة حكم ديمقراطي يحترم سيادة القانون ويضمن حقوق المواطنين.

عندما يكون منطق القوة فوق منطق القانون فإن تداعيات ذلك  تكون وخيمة بلا أدنى شك.

نحن الارتريون عانينا كثيرًا، ودفعنا ثمنًا باهظًا نتيجة ممارسات فرض القوة على حساب القانون وابسط دليل على هذه الممارسات هو اختلاق الذرائع للاعتداء على سيادة الآخرين من قبل الدكتاتور الارتري.

نشاهد اليوم  فعل كهذا من قبل روسيا ضد أوكرانيا وكذلك الاحتلال  الاسرائيلي على فلسطين وما يثير الاستغراب هو وقوف النظام الذي عانى شعبه جراء هذه الممارسة إلى جانب الروس !

ومن جانب آخر نرى الدول العظمى التي تعتبر شرطي العالم بتجاوز رئيسها الحالي ترامب القوانين الدولية المنظمة لاستقرار الدول بالإعلان رغبته في الاستحواذ على جزيرة غرينلاند الأمر الذي يمثل تشجيعاً لجعل منطق القوة يعلو على منطق القانون.

وفي ذات السياق، نلاحظ في الآونة الأخيرة  أن الاثيوبيين يرددون على مستويات مختلفة وفي مناسبات عديدة  زعمهم بالأحقية في منفذ بحري ويصرون على أن هذا "الحق" هو حق تاريخي و جغرافي  واجتماعي  متجاهلين بذلك القانون والمنطق.

بدلا من الالتزام بالاتفاقيات التي تم التوصل إليها بين ارتريا واثيوبيا منذ عهد الامبراطور منليك الثاني مروراً باتفاقية الجزائر ، نراهم يسلكون طريق التصعيد والتهديد!!

التفكير السلبي القائم على الاستحواذ القسري على منفذ بحري  عمل عدواني؛ ولكن لماذا لا يتم اللجوء إلى قوانين البحار لاسيما اتفاقية 1982 الخاصة بحق الدول الحبيسة في الوصول إلى البحار عبر دول العبور ؟ ففي هذا المسار مسلحة للطرفين، بعيدًا عن الصدام والتوتر.

إن أصرّ الإثيوبيون على استخدام القوة بدلا من القانون  فعليهم أن يتذكروا المثل القائل:

"كما تدين تدان". فمن يعتدي اليوم بالقوة،  ضارباً بالقانون عرض الحائط ، سيواجه نفس المنطق غدًا.

ኣብ ጅቡቲ ወግዓዊ መንበሪ ፈቓድ ዘይጸንሖም ግና ግዳ፡ ንነዊሕ ዓመታት ብሰላም ክሰርሑ ዝነበሩ  ኢትዮጵያውያን ተገዲዶም ናብ ሃገሮም ከይምለሱ ኣብ  ዝለዓለ ስግኣት ከም ዘለዉ፡ ብእንግሊዝ እትሕተም ሰሙናዊ ጋዜጣ ሪፖርተር ኣብ ናይ 26 ሚያዝያ 2025 ሕታማ ሓቢራ። እቶም ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ስረሓት ተዋፊሮም ዝጸንሑ ኢትዮጵያውያን ድሮ ብሓይልታት ጸጥታ ጅቡቲ ተጽዕኖታት ክገጥሞም ብምጅማሩ ዝሓደሮም ስግኣት ኣፍሊጦም።

ናይታ ጋዜጣ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ ጅቡቲ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ እቶም ኢትዮጵያውያን ግዳያት ክሳብ 2 ጉንበት 2025 ኣብ ዘሎ ግዜ ናብ ሃገሮም ንክምለሱ፡  ክዳለዉ ክሕብር እንከሎ፡ እቶም ኢትዮጵያውያን ድማ ወያ ንእሽቶ ሃገር ክንብላ ዝጸናሕና ኣብ መዋጥር ኣእትያትና  ብዝብል ኣብ ሻቕሎት ይገልጹ’ለዉ።

ነቲ ተርእዮ ዝተዓዘቡ ወገናት ምስ ናይ ግብጺ መራሒ ብ23 ማዝያ 2025  ምብጻሕ ናብ ጅቡቲ ከተሓሕዝዎ እንከለዉ፡ እንተደኣ እዞም ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፡ ኣብ ኩለመዳያዊ ምንቅስቓስ ጅቡቲ እውን ኣሉታዊ ጽልዋ ከሕድርዩ ዝብል ግምት ኣለዎም። ካብቲ ጅቡትን ግብጽን ኣብዚ ሓድሽ ርክብ መራሕተን ተረዳዲአናሉ ዘለዋ፡ ኣብታ ሃገር ጸዓት ምምዕባል ዝብል ስለ ዝርከቦ፡ ግብጺ ንጅቡቲ ካብ ኢትዮጵያ ንምፍላያ ክትሰርሕ መደብ ከም ዘለዋ  የመልክቱ።

ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ ልዕሊ 90% ዝኸውን ኣገልግሎት ወደብ ብጅቡቲ እትጥቀም ኮይና፡ ነዚ ኣገልግሎት ድማ ኣብ ዓመት ናብ 2ተ ቢልዮን ዶላር ዝጽጋዕ  ከም እትኸፍል ብተደጋጋሚ ዝግለጽ እዩ። ጅቡቲ ብወገና ኤለክትሪክ፡ ዝሰተ ማይን ጫትን ወሲኻ ዘድልይዋ ሕረሻዊ ማእቶት ካብ ኢትዮጵያ እያ እትረክብ። ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያን ጅቡትን  ብነፋሪት፡ መኪናን ባቡርን ርክብ ኣለወን።

Sunday, 27 April 2025 00:51

Dimtsi Harnnet Sweden 26.04.2025

Written by

ጥምሮ ኣብያተ-ጽሕፈት ጉዳያት ውደባዊ፡ ደቂ ኣንስትዮን መንእስያትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ዝወደቦ ወርሓዊ መድረኽ 26 ምያዝያ 2025 ንቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት ዝምልከት ኣስተምህሮ ተዋሂቡ። ኣብዚ ኣባላት ሰዲህኤ ዝተሳትፍሉ ኣስተምህሮ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳይ ብጻይ ፍሰሃየ ሓጐስ ተልእኮን ኣቓውማ ምምሕዳር ናይቲ ቤት ጽሕፈትን ብመሰረት ቅዋም ሰልፊ   ኣሰራርሓኡን  ብምጥቃስ መበገሲ ሓሳብ ኣቕሪቡ።

ኣብ ኣስተምህሮኡ ዝያዳ ኣተኩሮ ዝሃቦም ክፍልታት ናይቲ ቤት ጽሕፈት፡ ንትምህርቲ፡ ናይ ማዕዶ ወለዲ፡ ንስደተኛታት ዝምልከቱ  ክኾኑ እንከለዉ፡ ብሰንኪ ውግእ ሱዳን ንዝተመዛበሉን ካልእ ማሕበራዊ ጸገማት ንዘጋጠሞምን ኣባላት ሰዲህኤ ንምሕጋዝ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕርን ዝምልከቱ ዛዕባታት ኮይኖም፡ ብዛዕባ ነፍሲ ወከፎም ድማ ዝርዝራዊ መግለጺ ሂቡ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኣባላት ሰልፊ ንናጻ ማሕበር ኣካለ ጽጉማና ኤርትራ የበርክትዎ ግደውን ጠቂሱ።  

ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣገባብ ምምሕዳሩን ኣመራርሕኡን ከምኡ እውን ዝኽፈተሉን ዝዕጸወሉ ግዜ ብምጥቃስ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ኣስታት 700 ተመሃሮ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ከም ዘለዉ ሓቢሩ። እዚ ቤት ትምህርቲ ብሰንክቲ ኣብ ሱዳን ዘጋጠመ ውግእ ንዝተወሰነ ግዜ ተዓጽዩ ከም ዝነበረ እውን ጠቒሱ። ብዘይካዚ በብግዜኡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዘጋጥሙ ብደሆታትን ንምፍተሖም ዝግበር ጻዕርታትን ዝምልከት ኣብሪሁ።

 ታሪኽ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ካብ 1967 ከም ዝጅምር ብምጥቃስ ከኣ፡ እቲ ጠንቂ መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፍጽሞ ዝነበረ ጨፍጫፍ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ። ከምኡ ድማ ብዛዕባቲ በብግዜኡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ከጋጥሞም ዝጸንሐን ጌና ዘሎን ብደሆታትን ክሳብ ሎሚ ዘለዉዎ ኩነታትን ዘርኢ ሓበሬታ ሂቡ። ኣተሓሒዙ ድማ ድሕረ-ባይታ ስደት ኤርትራውያን ዝድህስስ ሰነድ በቲ ቤት ጽሕፈት ተዳልዩ ምዝርግሑ ኣገንዚቡ።

ኣተሓሒዙ ድማ በብግዜኡ ንኣባላት ሰዲህኤ ዘጋጥምዎም ዝተፈላልዩ ማሕበራዊ ጸገማት ኣብ  ምፍታሕን ምጽጋን ቤት ትምህርቲ ወዲ ሰሪፈይን ዝውዕል ሓገዝ ንዘበርከቱ ኣባላት ሰልፍን ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ኣካላትን፡ ዘርእይዎ ልግስን ነቲ ሓገዝ ንምምቕራሕ ዝካየድ ኣሰራርሓን ዝምልከት መግለጺ ኣቕሪቡ። ነቶም በብግዜኡ ዝልግሱ ኣባላትን ኣካላትን ንኢዱ  ልግሶም ኣብ መጻኢ እውን  ንክቕጽልዎ  ጸዊዑ።

ድሕሪቲ መበገሲ ሓሳብ ምቕራቡ፡ ኣብ ዝተኸፍተ መድረኽ  ናይ ተሳተፍቲ፡ ብደሆታት ናይቲ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት እንታይ እዮም?፡  ንስደተኛታት ኣብ ዝምልከት ዳህሳሱ ምሉእ ምእንቲ ክኸውን ቆላሕታ ክገብረሉ ዝግበኦ ከባብታት፡  ኣብ ወዲ ሸሪፈይ ተማሂሮም ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ዝበጽሑ ምሁራት ተመሊሶም ሓገዝቲ ዝኾንሉ ኩነታት ብኸመይ ይፍጠር? ህልዊ ኩነታትን ብዝሕን ስደተኛታት ንምፍላጥ ብኸመይ ብቐጻሊ ይጽናዕ? ዝብልን ዝኣመሰሉን ሕቶታት ቀሪቦም’ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ብጻይ ፍሰሃየ ሓጎስን ምክትል ሓላፊ ምምሕዳር ናይቲ ቤት ጽሕፈት ብጻይ ግርማይ ተመስገን ቀሽን ዝርዝራዊ መልሲ ሂቦም። ስዒቡ ቤት ትምህርቲ ዋዲ ሸሪፎይ ንምቕጻልን ንምድንፋዕን ክሕግዙ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ ሓሳባትን ለበዋታትን ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣቕሪቦም።

ኣብቲ ኣኼባ; ቅድሚ 33 ዓመታት 26 ሚያዝያ ካብ ከተማ ከሰላ ብጨወይቲ ኣካላት ህዝባዊ ግንባር  ሓርነት ኤርትራ ምስተሰወሩ ክሳብ ሎሚ ደሃዮም ዘይተፈልጠ፡ ሓርበኛታት  ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን ወልደማርያም ባህልብን ከምኡ እውን ከም መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ዝኣመሰሉ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ተጨውዮም ደሃዮም ዝጠፈአ ግዳያት ተዘኪሮም።

ዕለት 26 ሚያዝያ ናይዚ ዓምት እዚ’ውን ተጋዳላይ ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን (ወዲ ባሻይን) ተጋዳላይ ወልደማርያም ባህልብን ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ናይ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ዝነበሩ ካብ ከተማ ከሰላ ሃገረ ሱዳን ብናይ ስለላን ሽበራን ጉጅለ ዲክታቶርያዊ ስርዓት መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራን ተሓባበርቶምን ተጨውዮም ክሳብ ሎሚ ሃለዋቶም ከይተፈልጠ መበል 33 ዓመት መጭወይቶም እንዝክረሉ ዘለና መዓልቲ’ዩ። ኣብ 1992 ዓ.ም. እዛ ዕለት እዚኣ ጾመ ኣርባዓ ተወዲኡ በዓለ ትንሳኤ (ኣፋስጋ) ዝኽበረኡ ዕለት ኢዩ ነይሩ። በቲ ኣጋጣሚ ሓደ ንብጻይ ወልደማርያም ባህልቢ ቀረባ ዘመዱ ተስፋጼን ገብረሱስ ዝተባህለ ኤርትራዊ  ክልቲኦም  ምሳሕ ዓደሞም።

እዛ ዕለት እዚኣ ድማ ይትረፍዶ  ኣብ ቀረባኻ ምስዘሎ ቤተ-ሰብስ፡ ዋላ እቶም ኣብ ርሑቅ ዝነብሩ ኣባላት ስድራ-ቤታት እንተኾነውን ናብ ዓዶምን ስድራኦምን ተጓዒዞም ብሓባር ምስ ወለዶምን መታዓብይቶምን ዝውዕሉላን ዝራኸቡላን መዓልቲ ስለዝኾነት፡ ብጾት ንዝተገብረሎም ናይ ምሳሕ ዕድመ ብዘይ ገለ ምኽንያት ይቕሬታ ክሕተቶ ዘይካኣል እዃ እንተነበረ ኣብዘይጥዕሞም ሰዓታት ስለዝነበረ እቲ ዕድመ ንምሳሕ ምዃኑ ተሪፉ፡ ብሓባር ንኽቈርሱ ተሰማምዑ። ምኽንያቱ ዓዳማይ ናይ ግድን ኣብ ሓዲኡስ ክንራኸብ ኣለና ስለዝበሎምን ንባዕሉውን እቲ ዓዳማይ ነቲ በዓል ምስቶም ኣብ ሱዳን ዝቕመጡ ስድርኡ ብሓባር ንኸብዕሎ ኢሉ ካብ ስዑድያ ዝመጸን ኢዩ ነይሩ።

ከም ቈጸራኦም ከይዶም ድማ ብሓባር ቈረሱ። ድሕሪ ቁርሲ ገለ ግዜ ጸኒሖም ንኽብገሱ ፍቓድ ምስ ሓተቱ  ዓዳማይ ሓንሳብ ጽንሑ ካብ ዕዳጋ (ሱቕ) ዝዕደግ ኣለኒ ብምባል ንሓንቲ ካብተን ብሽግለታት ናይዞም ብጾት ወሲዱ ንወዱ ለኣኾ። ወዲ ተስፋጼን ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ተመልሶም’ሞ፡ እዞም ብጾት ብሽግለታኦም ስለዝተመልሰትን ዝኣኽሎም ናይ ዕላል ግዜ ስለዝወሰዱን ንክኸዱ ፍቃድ ሓተቱ። ተመሳጊኖም ካብቲ ገዛ ምስ ወጹ፡ ድሕሪ ቁሩብ ስጉምትታት፡ ካብቲ ዝነበርዎ ገዛ ከይራሓቑ፡ ሓደ ሰብ ምስ ምሉእ ወታሃደራዊ ልብሱ ኣብ ቅድሚኦም ጸኒሑ ደው ኣበሎምም፡ ኣብ መደበር ወታሃደራዊ ስለያ ናይ ከሰላ ትድለዩ ኣለኹም ድማ በሎም። እዞም ብጾት ነዚ መጸዋዕታዚ ከም ሓድሽ ጉዳይ ገይሮም ኣይወሰድዎን። ምኽንያቱ ኣባላት መሪሕነታት ኮነ ካድራት ተቓወምቲ ውድባት ብጸጥታ ናይቲ ሃገር ኩሉ ግዜ ክሕተቱን ክጽዉዑን ልሙድ ኣብርእሲ ምዃኑ ክልቲኦም ከኣ ኣባላት መሪሕነት ብምንባሮም ምስ ክራኸብዎም ዝኽእሉ ሰበ-ስልጣን ናይቲ ሃገር ናይ ስራሕ ሌላታትን ርኽክባትን ስለዝነበሮም ነቲ ወታሃደር ሰዓብዎ።  ካብቲ እዋንቲ ጀሚሩ ብዘይካቲ ናብ ኤርትራ ምውስዶም ሓበሬታ ኣይተረኽበን። 

ውዲቲ ንምሳሕ ዝዓደመ ሰብኣይ ኣቐዲሙ ብብሽግለታ ተላኢኹ ዝተመልሰ፡ መልእኽቲ ናይ ወላዲኡ ናይ ጥዕና ከምዘይኮነ ስለዝተገንዘበ ብጾት ካብቲ ገዛ ምስተሰናበቱ ብካንሸሎ/መካበብያ ናይቲ ገዛ ይኸታተሎም ነበረ። እቲ ፖሊስ  ደው ኣቢሉ ከዘራርቦም ምስራኣየ ድማ ኣይቀሰነን። ስግኣት ስለዝሓደሮ ድማ፣  ኲነታቶም ንምፍላጥ ደድሕሪኦም ስዒቡ ክሳብቲ ወተሃደራዊ መደበር ሱዳን ዝኣትዉ ከምዝተኸታተሎም የረጋግጽ። ክልቲኦም ብጾት ብወተሃደራት ተኸብኪቦም ተወሲዶም ዝብል ወረ ኣብቲ ከተማ ምስተሰምዐ ጉዳዮም ንምፍላጥን መዕለቢኦም ንምርግጋጽን፡ ኣብ ብዙሕ ናይ ምድላዮም ጻዕርታት ተኣትወ። ነዚ ዝሰምዐ ካልእ ናይ ዓይኒ ምስክር ከምዝሕብሮ ድማ “ክልቲኦም ዝተሰቕሉዋ ሓንቲ ብብርቱዕ ናህሪ ኣትጐዓዝ ዝነበረት ቶዮታ ካብ ከተማ ከሰላ ንዶብ ኤርትራ ገጻ ክትወጽእ ርእየያ” ይብል።

በዚ ኣገባብዚ ድማ ኣብ ኢድ ናይቲ መፈንጠራዊ ስራሓት ንምስልሳል ውራየይ ኢሉ ዝተዓጥቀ ኣካል ስለያ ህዝባዊ ግንባር  ዝኾነ መርሃዊ ክብሮም ዝተባህለ ባእታ ቅድም ኣባል ተሓኤ፡ ድሕሪ 1982 ከኣ ኣባል ተሓኤ ሓጋጊ ኣካል ዝጸንሐ፡ ቀጺሉ ኣባል ስሙር ውድብ ዝነበረ ዕሱብ ከምዝወድቁ ኮነ። መርሃዊ ክብሮም ድሕርዚ ሓደ ካብቶም ኣብ ጎቦታት ሓልሓል ዝነበረ መደበር ስለላ ህግዲፍ እንዳተዋፈሩ ኣብ ዶባት ኤርትራን ሱዳንን ዝንቀሳቀሱ ኣብ ቅንጸላን ምጭዋይን ኤርትራውያን ዓብዪ እጃም ዝነበሮ ናይ ስለላን ሽበራን ጉጅለታት ናይቲ ስርዓት ምንባሩ ዝፍለጥ ኢዩ። “ሰራቕ ሞባእስ ባዕሉ ይለፋለፍ፡ ከምዝባሃል፡ ኩሎም ኲነታት ናይዞም ዝተጨውዩ ብጾት ዝሰምዑ ኣባላትን ዘይኣባላትን ውድብ ብጭንቀት ተዋሒጦም ንምንዳዮም ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝብልሉ  ዝነበረ ግዜ፡ ተስፋጼን ገብረሱስ ግን ብዛዕባኦም ከይሓተተን ከይተሻቐለን ምሉቅ ኢሉ ንስዑድያ ከይዱ። ቅድሚ ምብጋሱ ግን፡ ንሓንቲ ናይ ቀረባ ዘመድ ብጻይ ወልደማርያም  ዝዀነት ሰብ፣ “ኣይትሸገሪ ናብ ዓዶም ኢዮም ኣትዮም ዘለዉ” ከም ዝበላ ይፍለጥ። ብዘይካ’ዚ ውድብ ድሒሩ ብዘካየዶ  ክትትልን ምጽራይን፡ እዞም ኣባላት መሪሕነት  ብተሓባባርነት ጸጥታ ሱዳንን ተስፋጼን ገብረሱስን  ብናይ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ናይ ስለላ ኣካላት ከምዝተጨውዩ  ምሉእ ብምሉእ ተረጋገጸ።

ብድሕር’ዚ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ፡ ብቁጽሪ መዝገብ 754 ዓንቀጽ 162 ናይ 1958 ዝጸደቐ ናይ ሱዳን ሕጊ መሰረት ክሲ ኣቕሪቡ። ብ16.05.1992 ከኣ እቲ ቀዳማይ ኣብ ምጭዋዮም ቀጥታዊ ኢድ ኣለዎ ዝተባህለ ተስፋጼን ካብ ሱዳን ንኸይወጽእ በቶም ሰበ-ስልጣን ከምዝተወሰነ ይዝከር። ተስፋጼን ገብረሱስ ግን ኣብቲ ውዲት ዝዓበየ ኢድ ከምዝነበሮ ከይኽሻሕ፡ ቅድሚ እታ ናይ ሕጊ ኢድ እተርክቦ ናይ ምውጻኡ መደብ ኣዳልዩን ሰሪዑን ስለዝጸንሔ ከምልጥ ከኣለ። እንተኾነ ዋላኳ ንግዝያኡ ዘምለጠ እንተመሰሎ፡ ካብ ሕማቕ ታሪኽን ህዝቢ ኤርትራን ንሓዋሩ ከምልጥ ከምዘይኽእል ግን ንኣምን።

እነሆ 33 ዓመታት ሓሊፉ እዞም ብጾት ተጋደልቲ፡ ካብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ናብ ካልእ ቤት ማእሰርቲ እንዳተኸላበቱ እዚ ጨቋኒ ዲክታቶርያዊ ስርዓት’ዚ የሳቕዮም ምንባሩ ዝተፈልጠ እዩ። እቲ ስርዓት ካብ ዝተፈላለዩ መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያንን ኣካላት ንኣታሃላልዉኦም ንዝምልከት ንዝቐርበሉ ሕቶታት ኩሉ ግዜ ኣሉ ምስ በለ እዩ። እዞም ተጋደልቲ እዚኣቶም ኣብ መፋርቕ ናይ ሰብዓታት ከምቶም  መዛንኦም ትምህርቶምን መነባብሮኦምን ጠንጢኖም በጃ ሃገሮም ክዀኑ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፉ ኢዮም። ንኹሉ ጸገማትን ሽግራትን ጠሓሒሶም ድማ በቲ ዝነበሮም ናይ ቃልሲ ተመኩሮን ተወፋይነትን ንመትከላት ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ናይ ምዕዋት ተሪር እምነትን፡ ኣባላት ሰውራዊ ባይቶ ቀጺሎም ድማ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ኰይኖም ናይ ቃልሲ ሓላፍነት ተሰከሙ።

እቲ እዋንቲ ሃገርና ካብቲ ን30 ዓመታት እተኻየደ መሪር ጸረ  መግዛኣታዊ ውግእ ሓራ ዝዀነትሉ ናይ ውግእን ወረ ውግን ምዕራፍ ኣኸቲሙ፡ ናይ ዳግመ ህንጻ፡ ስኒትን ዲሞክራስን ሓድሽ ምዕራፍ ክኽሰት ትጽቢትን ባህግን ዝነበረሉ እዋን እዩ ነይሩ። ተሓአ ሰውራዊ ባይቶ ነቲ መድረኽ ብግቡእ ብምልላይን ሓድሽ ናይ ምርድዳእን ስኒትን መድረኽ ክጅምር ንኹሉ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ንልዝብ ዝጸዋዓሉ መድረኽ እዩ ነይሩ። ዕላምኡ ከኣ ህዝባዊ ግንባር ነቲ ተፈጢሩ ዝነበረ ናይ ስልጣን ባዶነት ንምምላኣ ዘቖ`ሞ ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ደጊፍካ፣ ካልኦት ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ብሰላማዊ ኣገባብ ኣብ ኤርትራ ክንቀሳቀሳን ክወዳደራን ምፍቃድ፡ እተን ኣብ ሓርነታዊ ቃልሲ እጃመን ዘበርከታ ውድባትን ኣገደስቲ ውልቀ ሰባትን ዓበይቲ ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ህዝባዊ ውክልና ዘለዎም ሃገራውያን ማሕበራትን ዝሳተፍዎ ዋዕላ ብጉዳይ ሃገራዊ ቻርተርን ዲሞክራስያዊ ቅዋምን ክካየድ ትጽቢት ዝነበረሉ እዩ። ባሓቲ መርሆ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ግን፣ ንውድበን ኣፍሪሰን ናብ ህዝባዊ ግንባር ይጸንበራ ዝብል ዘይተግባራውን ዘይክውንነታውን ናይ ሰማንያታት መርገጻቱ ስለዝደረቐ ተበግሶ ተሓአ ሰውራዊ ባይቶ ንስኒትን ሃገራዊ ዕርቅን ክዕወት ኣይካኣለን።

በዚ ዲሞክራስያውን ናይ ህዝቢ ረብሓ ዝሕሉን ጠለባት ዝተሰናበደት ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ንኹለን ውድባት ኤርትራ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምድምሳስ ዝዓለመ ወታሃደራዊ ዓመጽ ንምክያድ መረጸት። ከምኡውን ኣብ ከተማታት ሱዳን ንዝርከቡ ኣባላት ውድባት ኤርትራ ናይ ምጭዋይን ምቅታልን መደባት ሰሪዓ እከይ ተግባራታ ንኽትፍጽም ኣበርቲዓ ክትንቀሳቐስን ኣብ ምዝርራይ ክታሓባበርዋ ምስዝኽእሉ ኣካላት ጸጥታ ሱዳን ውዲታዊ ዝምድና ፈጠረት። በዚ ርኹስ ኣገባብዚ ከኣ ኢዮም ተጋዳላይ ወልደማርያም ባህልብን ተኽለብርሃን ወዲ ባሻይን ናይዚ ውድባት ንምጽናት ዝዓለመ ብቐንጻሊ ስርዓት ዝተወስደ  ጃምላዊ ወታሃደራዊ ጭውያ ግዳይ ዝኾኑ።

እቲ ኣብ ዕለት 16 ጥሪ 1995 ኣልወስጥ ኣብ ዝተባህለ ናይ ዓረብኛ ጋዜጣ ሱዳን ሕታም ቁጽሪ 155 ዝተቓልዐ ጸጥታዊ ሰነድ ስምምዕ ግርማይካ ከኣ መቐጸልታ ናይቲ ኣቐዲሞም ዝወሰድዎ ውዲታዊ ስጉምቲ ምንባሩ’ዩ ዘረጋግጽ። እዞም ኣብ ቅድሚ ሓቅን ፖለቲካዊ ግጥምያን ደው ክብሉ፡ በይኖም ገጢሞም ክስዕሩ ዘይኽእሉ መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር ቃጻን ውዲትን ቀንዲ መሳርሒኦም ስለዝኾነ፣ ብተመሳሳሊ ኣብ ኢትዮጵያ’ውን ቀጺለሞ እዮም። 

እዞም ንጹሃት ተጋደልቲ እዚኣቶም እንታይ ዝፈጸምዎ ኣበሳ ስለዘለዎም ኢዮም ክሳብ ሎሚ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ንክንድዚ ዓመታት  ኣብ ዘይፍለጠሉ ናይ ስቓይን ዓዛብን መዋእል ዘሕልፉ ዘለዉ? ንዝብል ሕያዋይ ሓታታይ እቲ መልሲ፡

  1. ብኢሳያስ ንዝቐረበ ናይ ምሕረት ኣዋጅ ተቐቢሎም ውድቦም ራሕሪሖም ናብቲ ንሱ ዝመርሖ ዓንኬል ዘይምእታዎምን ኣገልገልቲ ናይዚ ቀንጻሊ ስርዓቱ ዘይምዃኖምን፡
  2. ካብ ናይ ኢሳያስ ሓሳብ ዝፍለ ሃገራውን ህዝባውን ርእይቶ ስለዝነበሮምን ጥራሕ እንተዘይኰይኑ፡ ካልእ ዝፈጸምዎ ኣበሳ ኣይነብሮምን፡ የብሎምን’ውን። እዚ ከኣ ህዝቢ ኤርትራን ኩሎም ዝፈልጥዎም ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶን ዘረጋግጽዎ ሓቂ እዩ።

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ዝወሰዶ ናይ ራዕድን ሽበራን ስጉምቲ ኣብተን ምጽንባር ዝነጸጋ ውድባት ጥራሕ ዝተወሰነ ከምዘይኮነ፡ ክፍለጥ ይግባእ። ሓደ ካብ መለለዪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ “ዝኣመነ ብሴፍ ዝኻሓደ ብሴፍ”  ዝብል ስለዝኾነ፡ ዋላ ኣባላት ናይተን ነቲ መጸዋዕታ ተቐቢለን መብጻዓታቱ ኣሚነን ህልውናኤን ኣፍሪሰን ናብ ህዝባዊ ግንባር ዝኣተዋ ውድባትውን ካብቲ  ቅንጸሊ መሓውራቱ ኣየምለጣን። ከም በዓል ዑስማን ዳየር፡ ማሕሙድ ዲናይ፡ መሓመድ ኬርን እስሌማን ሙሳ ሓጅን ዝኣመሰሉ ገዳይም ሃገሮም ዝባሃጉ ተጋደልትን እምባየ ሕድሩን ኣበይ ኣለዉ? ካልኦት ካብ ጐረባብቲ ሃገራት ተጨውዮም እተወስዱ ከም በዓል ገብረሂይወት ቀለታ፡ ውልደስላሰ ቻንቹ፡ ገብረብርሃን ዘርኤ፡ ዝኣመሰሉ ተጋደልቲኸ ኣበይ ነጠቡ?

ኣብ  ኤርትራ ናይ ራዕዲ፡ ሽበራን ቀንጸላን  ነጊሱ ምህላዉ ዘካትዕ ጉዳይ ኣይኰነን። በዚ ኣጋጣሚዚ መበል ሳላሳን ሰለኣተን ዓመት መጭወይቲ ተጋዳላይ ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን ወልደማርያም ባህልብን ኣብ እንዝክረሉ ዘለና እዋን እምነቶምን ኣተሓሳስባኦምን ብዘየገድስ፡ ብልኡኻት ናይቲ ቀንጻሊ ስርዓት ተጨውዮም ዝጠፈአ ኩሎም ኤርትራውያን ዜጋታት ካብ ዘገምታዊ ይኹን ሃንደበታዊ ሞት ንምድሓኖምን ነጻ ንክልቀቑን ድምጽና ከነስምዕን ከምኡውን 26 ሚያዝያ ምስቶም ብኣእዳው ቀንጻሊ ስርዓት ተጨውዮም ዝጠፍኡን ደው እንብለላን ደገፍና ንዓኣቶም  እንገልጸላን ኰይና ንኽትዝከር እንጽዋዓላ ዕለት ኢያ።

ሓራን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ንዘልኣለም ትንበር!!

ክሳብ ምሉእ ሓርነታት ህዝብናን ነጻ ምልቃቕ ፖለቲካዊ እሱራትን ዝረጋገጽ ንቃለስ!!

ውድቀትን ስዕረትን ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግዲፍን መጋበርያታቱን!

መራሒ ግብጺ ፕረሲደንት ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲን መራሒ ጅቡቲ ፕረሲደንት ዑመር ገለን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ጉዕዞ ስግኣት ይኸውን ንዘሎ ተርእዮታ ብትሪ ኮኒንም፡ ብዛዕባ ኣድላይነት ሰላም ናይቲ ባሕሪ  ከም ዝተረዳድኡ ኣል ኣህራም ኦን ላይን (Ahram Online) ዝተባህለት መዲያ ኣፍሊጣ።

እቶም መራሕቲ ነዚ ዝገለጹ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዋና ከተማ ጅቡቲ ተራኺቦም፡ ንክልቲአን ሃገራት ዘጋጥም ብደሆታት ሓቢሮም ብዛዕባ ምምካት ኣብ ዝተመያየጥሉ መድረኽ ምዃኑ እታ መዲያ ሓቢራ። እቶም መራሕቲ ብፍላይ ኣብቲ ርክቦም ንኣገዳስነት ሰላም ኣብቲ ኣብ መንጎ  ቀይሕ ባሕን ወሽመጥ ዓደንን ዝዝርጋሕ ንግዳዊ መስመር ኣዕሚቖም ተመያይጦም።

መራሕቲ ክሊቲአን ሃገራት፡ ንኣድላይነት ምብርባርን ብግቡእ ከም ዝሰርሕ ምኽኣልን እቲ ምስ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ዝዳወባ ሃገራት ኣፍሪቃን ዓረብን ብኣባልነት ዝርከበኦ ባይቶ ኣብ ዝምልከት እውን ተመያይጦም። ኣብቲ ምይይጦም ንክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘገድሱ ዞባውን ዓለምለኻውን ብፍላይ ድማ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝምልከቱ ዛዕባታት ከም ዝዳህሰሱ’ውን ኣል ኣህራም ኦንላይን  ሓቢራ። 

እዞም መራሕቲ፡ መንግስቲ ሶማሊያ ንምብርታዕ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ደጊፎም፡ ብኣንጻሩ ኣንጻር መራሒ እታ ሃገር ዝግበሩ ፈተነታት ተቓዊሞም። ኣተሓሒዞም ድማ ሱዳናዊ ሃገራዊ ትካላት ምቅርራብ ከም ዘድሊ ጠቒሶም፡ ኩሎም ሱዳናዊ ጉጅለታት ዝሳተፍሉ መድረኽ ንክፍጠር ጸዊዕም። ንሱዳን ዝወሃብ ሓገዝ ንክቕጽል ተማሕጺኖም፡ ሱዳን ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣባልነታ ንክምለሳላ ከኣ ኣዘኻኺሮም። ኣብ ርእሲዚ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኽሰቱ ዘለዉ ጸገማትን መፍትሒኦምን ዝምልከት ዳህሳስ ከም ዘካየዱ እቲ ዜና ኣመልኪቱ
Thursday, 24 April 2025 21:33

Dimtsi Harnnet Kassel 24.04.2025

Written by
Page 4 of 601