Source: the Conversation
Radio Demtsi Harnnet Kassel 05.09.2019
Written by Demtsi Harnnet Kasselኣብዚ መበል 21 ዘመን ምቛም መንግስታት ብዓለትነትን ሃይማኖትን ይከኣልዶ ተራእዮ ኣግኣዝያንከ ንረብሓ መን?
Written by ፍስሓ ናይር"Exposing Agazian’s false narratives of building TigrayTigrini
“ ሎሚ ንኣፍሪቃውያን ብሓፈሻ፣ ንነበርቲ ሕዝብታት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ዘድልየና ውሕደትን ብሰላም ብሓንሳብ ምንባርን ድኣ እምበር ወለዶን መበቈልን ፣ ንሕናን ንሳቶምን እናበልካ ኣብ ናይ ቃላት ውግእ ግዜኻ ምጥፋእ ንጥቅሚ ኩሉ ኣይኮነን”
ሎሚ ነዚ ሓተታ ከቅርብ ዝገደደኒ እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን ብፍላይ ድማ ኣብ ፓልቶኮት ኤርትራውያን ክቀርብ ዝጸንሔ ዘይጸረየን ኣብ ሓቀኛ ጽሑፋት ታሪኽ ብዛዕባ ሕዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ምርኰሳ ዘይብሉ ናይ ሃውተታ ክትዓት ክካየድ ብምኽትታልን ከምኡ ድማ ኣብ ገለ መጽሔታት ከም "ውራይና" ዝብሉ መጽሔታትን ብምንባብ እዚ ጉዳይ እዚ ንኩልና ስለዝምልከት ሰነ ፍልጠታዊ ድህሰሳ ዘድልዮ ተረኽቦ ኢዩ።
መጀመርያ ታሪኽ ምፍላጥ ንህልዊ ኩነታትናን ንመጻእን ካብ ዝሓለፈ ናይ ሓድሕድ ውግእን ኩናትን፣ ብርሰትን ድኽነትን ድንቁርናን ኣተሓሳስባ ወጺእና፣ ሓዲሽ ኣተሓሳስባ ነዛ ብብዙሓት ዓለታትን ሃይማኖታትን ዝቆማ ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብኡ ሓሊፍካ ድማ ንምሉእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሃገራት ሰላምን ደሞክራስያን፣ ሰብኣዊ መሰላትን ግዝኣተ ሕግን ዘንግሳ መንግስታት ምሕናጽ ድኣ እምበር ኣብ ሓደ ዓለታዊ ኣተሓሳስባ ናይ ዘመኒ እምኒ 4000 ዓመት( ንድሕሪት ምሕሳብ እንታይ እዩ እቲ ምኽንያት ንረብሓ መንከ፣ ዓሚቁን ሰፊሕን ትንተናን ሰለ ዘድልዮ፣ኩልና እቶም ንድሕነት ሕዝብናን ኣካባቢናን ንግደስ ከነድህበሉ እዋኑ ኢዩ ይመስለኒ።
ኣብ ጥንታዊ ታሪኽ ኣብዛ ሎሚ ኢትዮያን ኤርትራን ተባሂለን ዝጽዋዓ ሃገራት ሕዝብን ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ዝነበረን ድሕሪኡ ዝተረኽበን ጽሑፋት እቲ ኣብዘን ሃገራት ዝነብር ዝነበረ መበቆሎም ካብ ካም /ኩሽ ፣ሰም፣ ሓማውያን ወይ ድማ ሓውዋስዋስ ዓለታት ከምዝኾኑ ይዝንቶ። ነዚ ዝያዳ ንምርዳእ ድማ
ናይ ሎሚ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሕዝብታት ታሪኽ ንምፍላጥ ዝሕግዙና፣ ናይ ኣርኪዮሎጅን ናይ ታሪኽ ቅርስታት፣ ናይ ታሪኽ ጽሑፋት፣ ካብ ጥንታዊ ቦታታት ብምድላይ፣ ናይ ሕዝብታት ዘርእን መበቈልን እምነታትን፣ምቋም ሃገራትን ሃገራውነትን ኣብ እንታይ ዝተመርኰሰ ምዃኑ ክሕግዘና ይኽእል፡
ኣብ ጥንታዊ ታሪኽ ቅድሚ ጽሑፍ ምምጹኡ፣ ወድሰብ ዝተፈላለየ ናይ ሕይወት መነባብሮ ከምዝሓለፈ ይዝንቶ ካብ ምእራር ዝብላዕ ካብ ኣታኽልቲ ድሓር ሃድን፣ ጸኒሑ ኣብ ሓደ ቦታ ምቅማጥን ሕርሻን፣ጸኒሑ ድማ ኢንዱስትሪ ከምኡ እናበለ ሰልጣነ ሕዝብታት ዓለም ኣብዚ ሕጂ ግሎባላይዘን ዓለም ኣብ ሓንቲ ቂሾት ኮይና ትግለጸሉ ደርጃ ኣብ ዝተበጽሔ ግዜ ሕጂ ተመሊስካ፣ ንሕና እባ ኣጋዝያን፣ንሕና ኢና ንመርሓኩም፣ትግራይ -ትግሪኚ፣ ኣስላምን ዓረብን ክጥፍኡ ኣለዎም እናበልካ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ዓጀውጀው እምበርዶ ናይ ጥዕና ኢዩ ኢልካ ክትሓስብ ዝግድደካ ኢዩ፡፤
ኣብቲ ግዜቲ ሃገራት ብዶባት ዝፍልጣ እውን ኣይተፈጥራን ነረን[1]፣ እታ ሓንቲ ኣሰር ንግስነታት ከምዝነበራ ክሳብ ክንደይ ሕዝብን ስፍሓት መረትን ሒዞም ይገዝኡ ነሮም፣ ዝፍለጣ ቅድሚ ንግስነት ኣግኣዝያን ናይ ነገድ ኖህ ካም ኩሽ ዘመን መንግስቲ ከምዝነበረ ድሕሪኡ ድማ ናይ ኣግኣዝያን ንግስነት ቅድሚ ልደት ክርስቶስን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስን ከምዝነበረ፣ ድሕሪኡ ኣብ መበል 1300-ናይ ነገደ ዛጉየ ዘመነ መንግስቲ ድሕሪኡ ድማ ናይ ሽዋ ነገስታት ኢየን። ብዛዕባ ነገድ ዮቅጣን- ነገደ ኣግኣዝያን ጽሑፍ ግዕዝ ከምዝነበሮም ዝፍለጥ ሰነድ የለን፣ ግን ነገደ ሳባ ካብ ደቡብ ዓረብ እዮም ፍደል ግዕዝ ዝመሃዙ እዚኦም ድማ ካብ ካብ ሶርያ /ፈኒቅያ - ጢሮስ ናይ ሎሚ ሊባኖስ ከምዝመጽኤ ኢዩ ዝእመን( ፍስሓ ያዜ ካሳ፣ የኢትዮያ የ 5 ሺ ዓመት ታሪክ፣ ከኖህ እስከ ኢህአዴግ፣ መጽሓፍ 1 ርኤ)
ኣመጻጽኣ ፍደላት ምስ ትውልዲ ዝተኣሳሰር ዘይኮነስ ምስ ምህዞ ደቂ-ሰባት ድኣ እምበር ሕዝቢ ሓደ ዓለት ተኣኪቡ ዝመሃዞ ኣይኮነን።
ብዛዕባ ኣመጻጽኣ ፍደላት
ኣብቲ ግዜቲ ፈኒካውያን ማለት እቲ መጀመርያ ናይ ጽሑፍ ፊደላት ዝመሃዙ ኣብ ናይ ሎሚ ማእከላይ ምብራቅ ሃገራት፣ መሶጳጣምያ ሱርያን ሊባኖስ ከምኡ ድማ ኢራቅ ምንጪ ናይ ሎሚ ኩሉ ፍደላት ዕብራይስጢ፣ ዓረብ፣ ግዕዝ፣ ጽኒሑ ድማ ላቲን ኣብ ግዜ ሮማውያን ዝተጀመረን ዘሎን ፍደላት ምዃኑ ታሪኻውያን ይዝንትዉ፣ ምልክት ፍደላት ግዕዝ ሎሚ ኣብ ኤርትራን ኣብ ክልል ትግራይን ይርከብ፣ ዘሐወለ ዘተአገበረ..........ሓውልትታት ይርከብ፣ እቲ ኣብ ኣኽሱም ይኹን ኣብ ካል እ ቦታት ዝርከብ ሓውልታት ብግዜ ኣግዝያን ጥራሕ ዘይኮነ ብኩሎም በቶም ሽዑ በብተራ ዝነግሱ ዝነበሩ ዝተሰርሔ ድኣ እምበር ብኣግዝያን ዝበሃሉ ጥራሕ ነሮም ማለት ዝንቡዕ ሓበረታ ኢዩ።
እቲ ከም መንግስቲ ወይ ንጉሳዊ መንግስቲ ኣስማቱ ካብ ኣክሱም( Axumite Kingdom, Zaguie Dynasty, Solomonic Dynasty................ and many other coercive rules in this region) ኩሎም ድማ ኣብ ዝተወሰነ ቦታት ውሱን ኣካባቢ( city- states ) ድኣ ነሩ እምበር ኣብዚ ሎሚ ንፈልጦ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣስፋሕፊሖም የማሓድር ነሩ ዝብል ጽሑፋት የለን፣ እቶም ኣብቲ ግዜቲ ገዛእቲ ዝነበሩ ብንግስናን ሽማምንትን በተክህነትን ድኣ እምበር ሕዝቢ ዝመረጾም መንግስታት ይኹኑ ሃገራት ብዶባተን ዝፍልጣ ይትረፍዶ ኣግኣዝያን ኣብ ምሉእ ዓለም እውን ክሳብ 990 ድ.ልደት ክርስቶስ ዝቆማ መንግስታት ይኹና ሃገራት ኣይነበራን።
ኣመጻጽኣ ክርስትናን ኢስልምናን
ኩላትና ኣብ ታሪኽ ኣብ መባእታውን ካል ኣይን ደረጃ ትምህርቲ ዝተመሃርናዮ ብዛዕባ ምምጻእ ክርስትናን ኢስልምናን ኣብዘን ሎሚ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተባሂለን ዝጽዋ ዓ ሃገራትን ሕዝብን ፣ ክርስትና ኣብ 4ይ ዘመን ልደት ክርስቶስ ብክልተ ኣሕዋት ካብ ቲሮስ ወይ /Tyre ሎሚ ብሊባኖን ትፍለጥ ሃገር ትውልዶም ሲርያውያን ፈኒካውያን፣ፍረሚናጦስን-ከሳተ- ብርሃን ፣ እደስዩስን ምስ ሓውቦኦም መሮፒኡስ ካብ ጢሮስ ብቀይሕ ባሕሪ ተሳጊሮም ኣብ መረት ምስ በጽሑ እቶም ባሕረኛታት ብዘይካ እቶም ክልተ መንእሰያት ፍረመንጡስን ኤዲስዩስን ካልኦት ከምዘተቀትሉ፣ፍረሚንጦስን ኤደስዩስን ግን ከምባሮት ተታሒዞም ናብ ንጉስ ኤዛና ናብ ኣኽሱም ከምዝተወስዱ ታሪኽ ይዝንቱ፣ ንሳቶም ድማ ንጉስ ኤዛና መማኽርቱ ኮይኖም ክርስትና ከምሁሩ ጀመሩ፣ፍረሚንጦስ ኣብ አኽሱም ጥራሕ ከይተወሰነ ክሳብ እስክንድርያ/ግብጺ በጺሑ ኣቡን ተሸይሙ ኣብ ኣኽሱም ተመሊሱ ከም መራሒ ሃይማኖት ክርስትና ኣብ ምስፍሕፋሕ ተጸምደ፣ ሓዉ ኤደስዩስ እውን ጢሮስ ተመሊሱ ክህነት ተቀቢሉ፣ ምስ ፍረሚንጦስ ኮይኑ ክሳብ እስክንድርያ ብምብጻሕ ንፓትርያክ እስክንድርያ ናብ ኢትዮጵያ ኣቡን ክሰዱ ተማሕጸንዎ፣ ኣብቲ ግዜቲ ኢዩ ድማ እቲ ክልተ መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳንን ሓዲስ ኪዳንን ናብ ግዕዝ ዝተተርጐመ፣ ሰነ-ጽሑፍ ግዕዝ ድማ ካብ ኣብጃ/ Consanants/ ናብ ኣቡጊዳ/ Vocal/ syllabus ዝተለወጠ/ ሰለዚ ንቋንቋ ግዕዝ ሰነ-ጽሑፋዊ ቅርጻ ዝሃብዎ ከምቲ ናይ ሎሚ ፍላስፋታት ኣግዝያን ዝብልዎ ዘይኮነስ መሰረቱ ካብ ማእከላይ ምስራቅ ዝመጹ ሱርያዊ/ፈኒካዊ ፍልስፍና እዩ፣ እምብኣር ፍላስፋታት ኣጋዝያን ክንዲ እቲ ሓቀኛ ታሪኽ ኣመጻጽ ክርስትና ብኣይሁድ ዘይኮነስ በቶም ኣብዚ ግዜዚ ቋንቋ ዓረብ ዝዛረቡ ክርስትያን ዝመንጨወ ኢዩ። ንመጀመርያ ሃይማኖት ክርስትና ኣብዛ ናይ ሎሚ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝበሃላ ሃገራት ዝመስረቱ ኩሻውያን ሕዝቢ ኣገው ኢዮም፡፡
ሃይማኖት እስልምና እውን ካብ 6ይ ክፍለ ዘመን ንመጀመርያ ኣብቲ ግዜቲ ነቢይ መሓመድ ሰዓብቱ በቶም ኣረማውያን ምስ ተሃድኑ ኪዱ ናብ ምድሪ ሓበሻ ኣብኡ ንጉስ አኽሱም ኣብ ሓደ እግዚብሔር ዝኣምን ሰለ ዘሎ ክቀብለኩም ኢዩ ምስ በሎም ኣመንቲ ምስልምና ናብ ኣኽሱምን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ሎሚ ኣዱሊስ ተባሂላ ትጽዋዕ ቦታ ሰፈሩ፣ካብኡ ንንየው ድማ ብሰላም ሃይማኖቶም ከስፋሕፍሑ ጀመሩ፣ ካብ ሽዑ ድማ ኢዩ ሃገራት ኣዕራብ ይኹና ካልኦት ምስልምና ሃገራት ንኢትዮጵያን ኤርትራን ዓብይ ኣኽብሮት ዘለዎም፣ ኣቱም ጽዮናውያን - ኣግኣዝያን ኣብ ስደት ብሳላ ወል ፈያር/ Social-Welfare ናይ ምዕራባውያን ሃገራት ከይሰራሕኩምን ከይተምሃርኩምን እዚ ናይ ግዜና ተክኖሎጂ ኣብ ድሕሪ ኢንተርነት ኰንኩም ተፈላሰፉ ዘሎኹም፣ ኣብ ስራሕን ትምህርትን ምስ እትዋፈሩ ንነፍስኹምን ሕዝብኹምን ምጠቀምኩም፣ ካብዚ ናይ ጥንቲ ፖሊቲካን፣ ናይ ጽልእን ፍርሓትን እውን ምደሓንኩም፣ እወ እዚ ግዜዚ እቶም ኣብ ከምዚ ሃለዋት ዘለዉ፣ ገለ ናይ ሰነ-ኣእምሮ ተመራመርቲ ከምዝብልዎ እዞም ኣብ ሶሽያልመራኸቢ ብዙሓን ዘህተፍትፉ ገለ ጉድለት ናይ ሰነ-ኣእምሮን ካብ ማሕበረ-ሰብ ዝተነጸሉን ኢዮም ኢሎም ይገልጽዎም እሞ ተራፒ ሕክምና ሰነ-ኣእምሮ የድልዮም ይብሉ፡፤
ኣብዛ ሎሚ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝብሃላ ሃገራት እቶም ገዛእቲ ኩሉ ግዜ ነንሕድሕዶም ክዋግኡን ሕዝቦም ከጥፍኡን ከምዝነበሩ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ናይ ሕዝቢ ምንቅስቃስ ከምዝነበረ ይዝንቶ ፣ ናቱ መቀጸልታ ድማ ወራራት ኣብ ልዕሊ ሕዝብታት ናይዚ ከባቢ ንሕና ዘርከብናዮ እኹል ምስክር ኢዩ፡ መጀመርያ ግዕዝ ዝብል ቃል ናይቲ ፍደላት እምበር ናይ ሕዝቢ መጸውዒ ሰም ኣይኮነን፣ እቶም ብግዕዝ ክጽሕፉ ዝጀመሩ ኣብ ግዜ ምእታው ክርስትና ካብ ናይ ሎሚ ሱርያ ዝመጹ በተክህነት ክርስትያን እዮም ንጉሳዊ መንግስቲ ኣክሱም ዕላዊ ቋንቋኡ ግሪኽ ወይ ጽርኣ ዝበሃል ኢዩ ነሩ፣ ንክርስትና ዝተቀበሉን ዘስፋሕፋሑን ድማ እዞም ሎሚ ኣግኣዝያን ንሕና ዝብሉ ዘይኮነስ ዘርኢ ካም-ኩሽ ኣገው ዳይናስቲ እቶም ንኣኽሱም 300 ዝገዝኡ፣ ነቲ ስልጣን ድማ ብሰላም ናብቶም ንሕና ኢና ካብ ነገደ ይሁዳ ዝብሉ ኣመሓላሊፎም፣ ናይዚ ጭቡጥ ምስክርነት ድማ ሎሚ ኣብ ላሊበላን ካልእ ቦታታን ዘሎ ሕንጻታት በተክርስትናት እኹል ምስክር ኢዩ፡፤ ኣብ ኤርትራ እውን ንቋንቋ ትግርኛ ብስነ- ጽሑፍ ዘማ ዕበሉ እቶም ኣግዝያን ዝብሃሉ ኣይኮኑን እንታይ ድኣ ካልኦት ዘርኢ ሕዝቢ ኢዮም፣ ሓደ ቋንቋ ናይ ሓደ ዘርኢ ከምዘይኮነ ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን ንምስክሮ ሓቂ ኢዩ፣ ሎሚ ቋንቛ እንግሊዝ ብዝበዝሕ ሕዝብታት ዓለም መራኸቢ ኮይኑ ኣሎ፣ ቋንቋና ከይትዛረቡ ዝብሉ እንግልዛውያን ግን የለዉን፣ ከምኡ እውን ሃይማኖት ዘርኢን ደረትን የብሉን፣ ኣቱም ፍላስፋታት ኣግኣዝያን መጀመርያ ሃይማኖት ክርስትና ካብ ዘርኢ ኣይሁድ ኣይመጽኤን፣ ስለምንታይ ኢኹም ዝምድናኹም ምስ ኣይሁድ ተታሕዝዎ፣ ሞኣ ኣንበሳ ዘእምነገደ ይሁዳ፣ እዚ ኢዩ ምልክትና ባንደራን ድማ ትብሉ፣
ትፈልጥዶ ሎሚ እቶም ቅድሚ 37 ዓመታት ፈላሻ ዝበሃሉ ሕዝብታት ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኢስራኤል ዝመጽኡ ኩነታት መነባብሮኦም፣ብዛዕባ ሰብኣውን ዘግነታውን መሰላቶም፣ ትማሊ ትማሊዶ በሽሓት ወጺኦም ሰላማዊ ሰልፊ መሰልና ይሕሎ የለን ኢሎም ክሓቱ ኣይተራእይንዶ ብእንታይ ድኣ እሞ ኢኹም ኣጋዝያንን ኢስራኤል ትብህግዎን ትውልድኹም ካብ ኣይሁድ ኢና ትብሉ፣ በጃኻትኩም ቅድሚ ኣብ ፓልቶክ ወይ ፈይስ ቡክ ዘርባዕባዕ ቅድሚ ምባልኩም ኣመጻጽኣን ኣቋቁማን መንግስታት - ሃገራት ታሪኽ ኣንብቡ።
ንሕናስ ኣፍሪቃውያን ኢና ይትርፍዶ ሎሚ ኣብዚ መበል 21 ዘመን ዘይኮነስ ሓድነት ኣፍሪቃ ኣብ ምምስራት ዓብይ ግደ ዝተጻወትና ሎሚ ድሕሪት ከምሽንቲ ገመል 4000 ዓመት ንድሕሪት መንግስቲ ትግራይ/ትግርኚ ረፑብሊክ ኣግኣዝያን ዝብልሲ እምበርዶ ኣብዛ ናይ ሎሚ ዓለምና ኣሎኹም ክሓቶም እፈቱ። ንእሽቶ ትግራይ /ትግርኚ ዶ ትሓይሽ ወይስ ሰፋሕ ሃገረ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብኡ ሓሊፋ ድማ ንኩላተን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝሕበር ኣንጻር ድኽነትን ድንቁርናን ውግእን ወረ ውገን ሓቢሩ ዝቃለስ ዝተዋሃሃደ ንብዙሓነት ሕዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሰላምን ብልጽግናን ዘማሓድር ስርዓታት ድኣ ኣብ ምሕናጽ ድኣ ንሕሰብ እምበር ሕና ንሳቶም ኣብ ዝብል ክርክር ምእታው እቲ መጀመርያ ዝጉዳእ ሕዝቢ ትግራይን ኤርትራን እዚ ሎሚ ንሕና ኣግዝያን ዝብል ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ፣ ውጥን ኣግኣዝያን- ትግራይ ትግርኚ ኣብ ኣርባዓታት ድሕሪ ስዕረት ኢጣልያዊ መግዛእቲ ናይ ኤርትራ መሰል ርእሰ ውሳነ ሕቶ ምስ ቀረበ ከም ርእይቶ/ሓሳብ ብገለ ኤርትራውያን ዝቀረብ ዝነበረ ኢዩ ነሩ እንተኾነ ኣብቲ ግዜቲ በተን ፖሊቲካዊ ሰልፍታት ኤርትራ ተቀባልነት ሰለዘይረኸበ ፈሺሉ ዝተረፈ ርእይቶ ኢዩ ነሩ፣ ብፍላይ ነዚ ውጥን እዚ ዘፍሽለ እቲ ብራእሲ ተሰማ ዝምራሕ ዝነበረ ሊበራል ሰልፊ ምንባሩ ኣብ ብዙሕ ታሪኻውን ፖሊቲካውን ጽሑፋት ይገልጽ።( ኣይንፈላለ፣ 1941-1950 ብ ኣለምሰገድ ተስፋይ) ከምኡ እውን ዶር.ደጃዝማች ዘውደ ገብረስላሰ ኣብ መጽሓፉ፣ ( የኢትዮጵያ እና የኤርትራ ግጭት መንሥ ኤ እና መፍትሔ) ኣብ ዝብል መጽሓፉ ከምዚ ይብል፣
"ኤርትራና ትግራይ በኢጣልያ የግዛት ዘመን ተቀላቅለው እንደነበሩ ውህደታቸውን ቀጥሎ ነጻ የትግራይ ትግርኚ መንግስት በኢንግሊዝ ድጋፍ ለመቋቈም ያቀዱት፣ ልዑል ራስ ስዩም መንገሻ ኢትዮጵያን ኣልከፍልም ብማለት አሳቡብ ተቃውመው ከኣምባ ኣላጌ ጦርነት በኋላ በ1943 ዓ. ም ወደ ኣዲስ ኣበባ በመሄዳቸው ከሸፈ።"
ሰለዚ ትግራይ -ትግርኚ ውጥን ኣብ ዝሓልፈ ታሪኽ ብትግራዎት ይኹን ኤርትራዉያን ተቀባልነት ዘይብሉ ውጥን ኢዩ፣ ውጥን ትግራይ ትግርኒ ናይቶም ተስፋ ዝቈረጹ ባእታት እምበር ናይ ሕዝቢ ኤርትራን ትግራይን ውጥን እውን ኣይኮነን።
አብ መጽሔት ውራይና መበል 34 ሕታም ጥሪ 2009 ዓ. ም ኣብቲ ውጥን ኣግኣዝያውነት ወይ ብሄር ኣግኣዚ ክልተ ከምዝነበሩ እቲ ሓደ ብናይ ትግራይ ተጋሩ ዝተጀመረ ብማሕበር ዝፍለጥ፣ ጸኒሑ ድማ ሃገራዊ ግንባር ኣግ ኣዝያን ከምዘቆሙ ይፍለጥ ንዝያዳ ሓበረታ ምስዚ ተኣሳሲሩ ብ PDF ዝተላኤኸ ርኤ
ጸላእቲ ኣግ ኣዝያን፣ ፖሊቲካ ኢስላምን ዓረባዊ ሃገራውነትን፣ ሃገራውነት ኣምሓራን ኢዩ ይብሉ።
ውከሳ/ References
- Cardinal Paulos Tsadua On SaintFrumentius and the Liturgy of Ethiopian Church
- ውራይና፣ ኣግኣዝያን እንታይነት ምንቅስቃስ ብሄረ ኣግ ኣዝያን/ትግራይ -ትግርኚ
- የኢትዮጵያ የ 5 ሺ ዓመት ታሪክ ፣ ከኖህ እስከ ኢህአዴግ፣ ብፍስሓ ያዜ ካሳ
- ኣይንፈላለ ፣ 1941-1950፣ ኣለምሰገድ ተስፋይ
- የኢትዮጵያ እና የኤርትራ ግጭት መንሥኤ እና መፍትሔ፣ ዶ/ር ደጃዝማች ገብረ ሥላሴ
- Eritrea - The making of A Nation -1890-1991 by Redie Bereketeab Uppsla University 2000
- Paths toward the nation, Islam Community, and early Nationalist Mobilization in Eritrea, 1941-1961 by Joseph L. Venosa
- Italian Colonialism in Eritrea , 1882-1941 Policies, praxix and impact by Tekeste Negash
- Eritrea and Ethiopia- The Federal Experience by Tekeste Negash
- Eritrea At CrossRoads- A narrative of Triumph, Betrayal and Hope by Andebrhan Welde Giorgis
- Coercion, Capital And European States- AD 990-1992 by Charles Tilly
ኣብ ዝተወሰነ ግዜ፡ ዝተወሰኑ ሰባት ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናቱ ርኢቶ ወኒኑ ዝቃለስ መትከላዊ ሰልፊ ዘይኮነ፡ ከም ካልኣይ ገጽ ናይ ስርዓት ኢሰያስ ገይሮም ዝግምትዎ ነይሮም። ሕሉፍ ሓሊፎም ብሱሩ ክጠፍእ እምበር ክዕምብብ ዘይደልይዎ’ውን ነይሮም። ስለምንታይ ክሳብ ክንድዚ ዘይምሕር ጸለም ኣብ ልዕሊዚ ሰፊ ይካየድ ነይሩ ግና ንጹር ኣይኮነን። ዋላ’ውን “ነፍሱ ይመሓር” ነፍሰ-ሄር መለስ ዜናዊ ከይተረፈ፡ ንሰልፍና “ትምክሕተኛታት እዮም ይብልኹም” እናበለ ርኢቶ ይድርቢ ነይሩ ዝብሉ ኣካላት ነይሮም። ከምኡ ማለቱ ድማ ምስቲ “ምስቲ 2ይ ገጽ ስርዓት ኢሳይያስ እዮም” ዝብል ባዶ ሕሜታ ዘሳኒ ይመስል። እቲ ዝገርም ድማ ከም ሎሚ ኩሉ ከይለበመ ገለ ወገናት ካብ ደምበ ተቓውሞ ከይተረፉ ነዚ ጸለመ ይነዝሕዎ ምንባሮም እዩ።
መጀመርያ እዚ ሰልፊ መሰረታዊ መትከላዊ መንቀሊኡ እቲ ካብ ሃገራዊ ናብ ሃገራዊ ዲሞክራሲያዊ ሰውራ ንምስግጋር ኣብ ተሓኤ ዝካየድ ዝነበረ ዲሞክራሲያውያን ቃልሲ እዩ። ኣብ 1971 ብቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተሓአ ዲሞክራሲያዊ ትካላትን ኣዕኑድ ዲሞክራስ ካብ ዝሓንጸጸሉ ኣትሒዙ ነቲ ቃልሲ ቀጺልዎ። መሰረታዊ ዕላማኡ ኣብ ኤርትራ ንኹሉ ዘሳትፍ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምትካል ነይሩ። ሕጂ’ውን ብመንፈሱ ነቲ ብ1971 ዝተሓንጸጸ መትከል ኣብ ግብሪ ንምውዓል ጌና ዝቃለስ ዘሎ። እዚ ነገዛእ ርእሱ ነቶም ነዚ ሰልፊ እዚ ምስ ስርዓተ-ምልኪ ዝሓዋውስዎ ነቲ መትከል ዲዮም ጸሊኦም ወይ ነቶም ኣብኡ ዝዋስኡ ንውልቀ-ሰባት ኣጸጋሚ ኢዩ።
ሰውራዊ ባይቶ ብቲ ካብ ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ኣትሒዙ ዘጸደቖ መትከል ተቐይዱ ደጋዊ፡ ውሽጣውን ከባቢያውን ማሕለኻታት ጠሓሒሱ ነዊሕ ተጓዒዙ እዩ። ኣብ መስርሕ ከኣ፡ ናብ ሰልፊ ማዕቢሉ ብጽንዓት ምእንቲ ዲሞክራስን ፍትሕን ግዝኣተ-ሕግ ክነግስ ይቃለስ ኣሎ። እዚ ሰልፊ ጸኒዑ ተቓሊሱናብዚ ሎሚ ዘለዎ ደረጃ ክበጽሕ ዘኽኣሎ፡ ኣዕኑድ ዲሞክራሲ ብምኽታሉ እዩ። ካብቲ መትከላት ዝኾነ ይኹን ካልኣዊ ግርጭት ብሰላማዊ ኣገባብ ክፍታሕ፡ሕጉግ ናይ ግዜ ገደብ ክህልዎ፡ ንኣብነት ኣቦመንበር ንክልተ ግዜ ጥራይ ክምረጽ ዝብሉ ይርከብዎ። ሰልፍና ነዚ ዝኽተል ኣብ መጻኢት ኤርትራ እውን እቲ ስልጣን ዝህብ ወይ ዝኸልእ ህዝቢ ብምዃኑ ንልኡላውነት ህዝቢ ኣሚኑ ዝቃለስን ብድምጺ ብዙሓት ዝግዛእ ሰልፊ ንክኸውን ባይታ ንምጻፍ ኢዩ።
ካብዚ ሓሊፉ ፖለቲካን ሃይማኖትን ርእሱ ዝኸኣለ ብምዃኑ ኣብ ንሓድሕዱ ጣልቃ ብዘየተኣታቱ ክመሓደር፥ ሃይማኖት ካብ ፖለቲካ፥ ፖለቲካ ድማ ካብ ሃይማኖት ነጻነቱ ሓልዩ ክጎዓዝ፡ ኣብ ሕድሕዶም ዝህሉ ርክብ ከኣ ኣብ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝ ዝተሰረተ ክኸውን። ስርዓት ኣብዝሓ ሰልፍታት ህያው ዝኾነላ ሃገር ምፍጣርን፥ ነዚ ብዘይጻረር ከኣ ሃገርና ኤርትራን ህዝባን ሓድነታን ተዓቚቡ ኩለን ምምሕዳራዊ ኣውራጃታት ብዘይምእኩል ምሕደራ ክመሓደር ኢሉ ዝኣምንን ምእንታኡ ዝቃለስን ሰልፊ ኢዩ። ካብዚ ሓሊፉ መሬት ናብ ዋንኡ ህዝቢ ክምለስ ዝብል መትከላዊ እምነቱ ኮይኑ፡ ነዚ ንምትግባር ምስ ሃገራዊ ቅዋም ዘይጻረር ሕጊ ክወጸሉ ዝኣምን ሰልፊ’ዩ። ምስ ኩሉ ኤርትራዊ ሃገራዊ ሓይልታት ብሕድገታትን እንካን ሃብን ኣቢሉ፡ ኣብ ፍርቂ መንገዲ ንምርኻብ ዝብል ኣተሓሳስ ዝወነነ ሰልፊ እዩ። ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ዓሌት፥ ብሄራዊ መቦቆል ወይ ሃይማኖትን ጾታን መሰረት ዝገበረ ኣድልዎ ዘይብሉ ማዕረ መሰል ከምዝህልዎ ዝኣምንን ዝቃለስን ኢዩ።
ቅድሚ ናይ ሎሚ ሰዲህኤ፡ ሰህኤ ማለት ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራ ቀጺሉ ምስ ክልተ ህዝባዊ ግንባር ዝድሕረ-ባይተአን ውድባት ሰሚሩ። ድሕሪቲ ምስ ህዝባዊ ግንባር ዝድሕረባይተኦም ኣብ ደንበ ለውጢ ዝተሰለፉ ኤርትራውያን ምስማሩ እቲ ጸለመ መሊሱ ሓይሉ ምንባሩ ዝከር እዩ። ብፍላይ እተን ኣብ ቻርተር ምህዝነት ዝነበራ ዓንቀጻት 3ን 4ን ግዜአን ዘይሓለዋ ስለ ዝኾና፡ ክወጻ ይግበአን ስለዝበለ ጥራይ መዓት ወሪድዎ። ኣብ ኪዳን ውን እንተኾነ ሰውራዊ ባይቶ በታ ዘይጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ምምራጹ ጥራይ ከም ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ዘይሓልን ወጻዒ ስርዓት ህግዲፍ ክለግስ ዘይደልን ጸጋን ተቖጺሩ ህዝብን መንእሰያት ንክርሕቅዎ ብዙሕ ተባሂሉ’ዩ። ይኹን እምበር ኣብ ሃገራውነቱን መትከላዊ እምነቱን ጸኒዑ ሳላ ዝተቓለሰ እነሆ ሎሚ እቲ ንሱ እንከሎ እቲ ካብ ቅድም ካብ ብሱል ገምጋሙ ነቒሉ ደጊም ብረታዊ ቃልሲ ኣብቂዑ፥ ሓድሕድ ውግእ ይኣክል ኢሉ፥ ንሓርነታዊ ቃልሲ ተወዲብካ ፖለቲካዊ ቃልሲ ምክያድ ዝብል ብተግባር ዝኣወጆ ናይ ብዙሓት ወገናት ቀልቢ ይስሕብ ኣሎ።
ንህላወ ሰልፍታት ስለዝኣምን፡ ኣማራጺ ራኢ ዘለዎም ሰልፍታት ይብዝሑ ይውሓዱ ብዘየገድስ ክምስረቱን ክስሱኑን እምነቱ ኢዩ። ምኽንያቱ ህዝቢ ካብ ብዙሑት ሰልፍታት ዝረኽቦ ንዓኡ ጎሊሁን የርብሓንን እዩ ኢሉ ከስተማቕሮ ዝኽእል ለውጢ ንኸመጽእ ዝሓሓ መስመር ንኽመርጽን ፖለቲካዊ ምዕብልናን ስልጣኔን ክኻዕብትን ዕድል ስለ ዝረክብ። ስለዚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ዝኾነ ይኹን ምልዕዓልን ምትእኽኻብን ይኹን ውደባ ኣይኮነን። ኣብቲ መስርሕ እዚ ይጠቅም እቲ ኣይጠቅምን ኣብ ዝብሉ ርእይትኡ ክህብ መሰሉን ግቡኡን ምዃኑ ክዝንጋዕ ዘየብሉ እዩ። ሰዲህኤ እምበኣር ንዝተጠርነፈ ክፍንጥሕ፡ ወይ ንበይኑ ዓብሊሉ ክወጽእ ኢሉ ዝጽዕት ሰልፊ ኣይኮነን።
ብእምነታውያን ተቊዋማት ዝመሓደራ ሸውዓተ ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ተሃጊረን
Written by Vatican Newsመንግሥቲ ኤርትራ ከም መቀጸልታ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ዝጀመሮ ምህጋር ናይተን ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ዝውነናን ዝመሓደራን ዝነበራ ተቊዋማት ሕክምና ሎሚ ዕለት 3 መስከረም 2019 ዓምፈ ሰለስተ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ክልተ ብተኸተልቲ እምነት ምስልምና ኤርትራ ሓንቲ ብኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ሓንቲ ከኣ ብፈይዝ ሚሽን ዝውነናን ዝካየዳን ዝነበራ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝሃገረ ተሓቢሩ።
አባ መኰንን አማኑኤል - ከተማ ቫቲካን
ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልቲ ሰሊኹ ዝወጸ ናብ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ክቡር ኣቶ ወልደሚካኤል ኣብርሃ ዝተጻሕፈ ትእዛዝ ከዝምዙይ ይብል። 'ጉዳዩ ምስግጋር ምሕደራ ኣብያተ ትምህርቲ ይምልከት። ኣዋጅ ኣዋጅ 73/1995 ምሕደራ ዓለማዊ ትምህርቲ ንሃይማኖታዊ ትካላት ፍቑድ ከይዘይኮነ ዝፍለጥ እዩ። ክንድ ዝኾነ ኣብ ትሕቲ ሃይማኖታዊ ትካላት ዝነጥፋ ዝነበራ ማሕበራዊ ትካላት በብመድረኹ ናብ መንግስታዊ ምሕደር ክሰጋገራ ጸኒሐን። ኣብ ዞባታት ማእከልን ደቡብን ዓንሰባን ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕርን ዝርከባ 7 ኣብያተ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ምስ ገለ ምስኣተን ኣብ ሓደ ቀጽሊ ዘለዋ ኣብያተ ትምህርቲ ማእከላይን መባእታን ደረጀታት ናብ መንግሥታዊ ምሕደራ ክሰጋገራ ተወሲኑ ኣሎ። እዚ መደብ'ዚ ካብ ዕለት 03/09/2019 ጀሚሩ ኣብ ኩለን ዞባታት ኣብ ሓደ እዋን ክትግበር እዩ። ስለዚ ኣካል ሚኒስትሪኹም ዝኾኑ ምምሕዳራት ዞባታት ነዚ ተወጢኑ ዘሎ መደብ ክትግብሩ ሓበሬታን መምርሕን ከተመሓላልፉልና ብኣኽብሮ ንሓትት 'ይብል።
ሰማይ ሃገርኩም ን 28 ዓመት ብዘይ ቊዋም እትመሓደር ሃገርስ ቅድሚ 24 ኣዊጅና ብዝበልዎ እሞ ብተደጋጋሚ ብቃልስ ይኹን ብጽሑፍ ኣይፍላ ንረዳዳእ ብማለት ኣብየት ቢልካ ዘይተሰማዕካሉ ሎሚ ብከምዚ ክመጽእ ዘገርም እኳ እንተኾነ ኣቋም ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን በብሓደ ንሕክምና ዝምልከትስ ይኹን ንትምህርቲ ንኩለንትናዊ ሰብኣዊ ምዕባሌ መሥራቲኣ ብሥጋን ብሥጋን ብሥጋን ይሃልዋ ኣይሃልዋ ቤት ሕክምና ይሃልዋ ኣይሃልዋ ወላ ከምቲ ናይ ጐይታና ኢየሱስ እውን ኣይሃልዋ ክትቅጽሎ ምዃና ፍሉጥ እኳ እንተኾነ እንታይ ዝወርድ ዘሎ ቢሉ ንዝሓትት ቅዱስ መጽሓ መልሲ ኣለዎ.
7 ኦሪት እስራኤላውያን ከመይ ኢሎም ኣብ ጸገም ይኣትው ከምዝነበሩ ካብ ዝገልጽ ብዙሕ ዛንታት ንኩነትና ትመሳሰል ኣብ መሳፍንቲ 9. 7-15 ' ንዮታም እዚ ምስ ነገርዎ ናብ ርእሲ ኸረን ጌሪዚም ከይዱ ኣብኡ ደው በለ ቃሉ ዓው ኣቢሉ ጨደረ እሞ በሎም ኣቱም ሰብ ሴኬም ኣምላኽ ኪሰምዓኩምሲ ስምዑኒ. ኣእዋም ኣብ ልዕሊኦም ንጉስ ኪቐብኡ ኸዱ እሞ ነውልዕ ኣብ ልዕሌና ንገስ በልዎ። እቲ ኣውልዕ ግና ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ ነቲ ኣምላኽን ሰባትን ኣባይ ዜኽብርዎ ዘይተይዶ ኽገድፍ እየ፧ በሎም። ሽዑ እቶም ኣእዋም ንበለስ ንስኻ ንዓ እሞ ኣብ ልዕሌና ንገስ በልዎ። እቲ በለስ ግና ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ ነቲ ጣዕመይን ጽቡቕ ፍረይንዶ ኽገድፍ እየ፧ በሎም። እቶም ኣእዋም ንወይኒ ድማ ንስኻ ንዓ እሞ ኣብ ልዕሌና ንገስ በልዎ። እቲ ወይኒ ኸኣ ከይደ ኣብ ልዕሊ ኣእዋም ሰሰው ክብል ኢለስ ነቲ ንኣምላኽን ንሰባትን ዜሐጕስ ወይነይዶ ኽገድፍ እየ፧ በሎም። ሽዑ ዅሎም ኣእዋም ንእሾዅ ንስኻ ንዓ እሞ ኣብ እሾዅ ድማ ብሓቂ ንኣይ ቀቢእኩም ኣብ ልዕሌኹም ክተንግሱኒ እንተ ደሌኹምሲ ኣብ ጽላለይ ኣጽልሉ እንተ ዘይኰነስ ድማ ካብቲ እሾዅ ሓዊ ይውጻእ እሞ ነቲ ጽሕድታት ሊባኖስ ይብልዓዮ በሎም። ' ከምኡ እውን ኮነ ይብለና።
ሕዝቢ ኤርትራ ኣስተውዕል! ውግዘት ብፁዕን ቅዱስን ፓትርያርክ ኣንጦንዮስ ምርቃ ከይመስለካ! መርገም ፈላሲ እንትዘይቀተለ ጥራይ ዘይኮነ ከምቲ ኣምሓሩ ዝብልዎ የኣቡነ ዘበሰማያት ጦር ሲወጋ እንጂ ሲወረወር ኣይታይም እዩ ነገሩ። ኣስላምና ክርስትያና ከምዚ እስራኤላውያን ዝገበርዎ ጌጋ ጌርና ከይንህሉ እሞ ተማህሊልና ሓዊ ኣምጺእና ከይንኸውን ምስትውዓል ከድሊ እዩ። ኤህ ክብሉኻ ኣይጽቡቕን! ስለእግዚአብሔር ስለ ማርያም በቦኻን በደኻን ተለመን ክብሉኻ ዘይምስማዕ ኣይንኡድን። መራሕትና ተለመኑ ካብ ውግዘትን መከራን ሓውን ሃገርና ኣድሕኑ ምባል እንተዘይኮይኑ ካልእ ዝበሃል የልቦን።
ምውራስ ካቶሊካውያን ገዳማትን ኣብያተ ትምህርትን ካልእ ተቍዋማትን ንመጀመርያ ኣይኮነን። ብዝቀረበ ክንጅምር ንኣብነት! ብ1982 ሻልቃ ዳዊት ወልደገዮርጊስ ዝመርሖም ማርክሳውን ሌኒናውን ፍልስፍና ኢና እንኽተል በሃልቲ ፖሎቲከይናታት ሰበስልጣን ደርግ ገዳማትን ካቶሊካዊ ተቊዋማትን ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ብኢደ ዋኒኖም ወረሱ። በቲ እዋን'ቲ ብደርግ ዝተሃገሩ ገዳማት እዞም ዝስዕቡ እዮም።
1. ገዳም ማሕበር ካፑቺኒ (ቅዱስ እንጦንዮስ) ጎዳይፍ።
2. ገዳመ ሲታውያን መንበርን ክፍሊ ስነምዕበያን ቤትትምህርትን ሰፊሕ ሕርሻን።
3. ገዳም ኮምቦኒ ካህናት ብሉጽ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርትን መንበሪ ግዳምን ኮልጅ ኮምቦንን።
4. ማሕበረ ልኡኻን ላዛሪስት መንበሪ ግዳም (ድሕሪ ነዊሕ ቃልሲ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ናብ ዋንነቱ ተመሊሱ።)
5. ማሕበር ደናግል ኮምቦኒ ሰፊሕ ቤትትምህርቲ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራን ማንበር ሳንታ ፋሚልያን ኮልጅ ሳንታ ፋሚልያ።
6. ኣሕዋት ዘላሳል ሰፊሕን ብሉጽን ቤትትምህርትን መንበሪ ገዳሞምን ኮልጅ ላሳል።
7. ማሕበር ደናግል ቅድስቲ ሃና ውሩይ ገዳምን ብሉጽ ቤትትምህርትን ኮለጅ ሳንታ ኣና እዮም።
ኣቡነ ኣብራሃ ነዚ ገዳማት ናብ ዋንነቶም ንምምላስ ብዙሕ መንገዲ ተበላሓቱን ተኸላኸሉን ንጉባኤ ሲኖዶስን ንሓለፍቲ ኢሰፓኣኮ ደብዳቤታት ጸሓፉ ካብቶም ዝጸሓፍዎም ኣደነቕቲ ደብዳቤታት እነሆ ፥
ንሕብረተ ሰብኣዊት ንግዝያዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣማኑኤል ዐምደሚካኤል ዋና ጸሓፊ ዝጸሓፍዋ ደብዳቤ
ኣስመራ የካቲት 27 ቀን 1974 ዓ.ም.ፈ.
ሳ.ፓስታ ቊ .244 ስልኪ ቊ .10206
ለሕብረተስብኣዊት ኢትዮጵያ ጊዜያዊ ወታደራዊ መንግስት
በኤርትራ ክ / ሃገር ሁለገብ ኣብዮታዊ ዘመቻ ጽሕፈት ቤት
ለክቡር ዋና ጸሓፊ ኣማኑኤል ዓምደሚካኤል ኣስመራ ፥
የሃገሪቱን ምሉ ጥረት የሚፈለግ ስለሆነ ሁለገብ ዘመቻው በክፍ ልሀገሩ የሰላምና ልማት ግቡን ይመታ ዘንድ በመንግስትና በቤተክርስትያን በካከል ኣለመግባባት እንዳይፈጠር ማድረግ እንደ መንፈሳዊ ግዴታዋ ነው የምትቆጥረው ቤትክርስትያን። ከየካቲት 25 ቀን 1974 ዓ.ም.ግ. ዛሬ ድረስ በዘመቻው መስክ ውስጥ ቤተክርስትያን ነክ ይሆኑት እርምጃዎች ተወስደዋል። ውይይት መግባባትን ያቅናናልና ጳጳሳቱ ሆነ ግዳማት ትወካዮቹ ወደ ጉለገብ ዘምቻ ዋና ጸሓፊ እንድንቀርብ እንዲፈቀድልን በትሕትና እልምናለሁ። ኣምላክ ኢትዮጵያ እግዚኣብሔር ይስጥልኝ። ኣቡነ ኣብራሃ
ትርጉም ፥ ኣብ መንጎ ቤተክርስትያንን መንግስትን ዘይምርድዳእ ከይፍጠርን ሁሉገብ ዘመቻ ኣብ ክፍለ ሃገሩ ሰላምን ልምዓት ዕላምኡ ምእንቲ ክወቅዕን ናይ ምሉእ ሃገር ጻውዒት የድሊ ኣሎ። ነዚ ከኣ ቤተክርስትያን ከም መንፈሳዊ ግቡኣ እያ ትቆጽሮ። ካብ የካቲት 25.1974 ዓ.ም.ግ. ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ብዘመቻ ምኽንያት ኣንጻር ቤተክርስትያን ዘየድልዩ ስጉምትታት ተወሲዶም ኣለዉ። ምምይያጥ ምርድዳእ ይፈጥር እዩ'ሞ ጳጳስ ኮነ ናይ ገዳም ተወከልቲ ናብ ሁሉገብ ዘመቻ ዋና ጸሓፊ ክንቀርብ ክፍቀደልና ብትሕትና እልምን ኣሎኹ።
ኣቡነ ኣብራሃ
I asked young Eritreans why they risk migration. This is what they told me
Written by Milena Belloni
Post-doctoral researcher, University of Trento
Disclosure statement
An Eritrean migrant leaves a detention facility near Nitzana in the Negev Desert in Israel, near border with Egypt. EPA-EFE/Jim Hollander
Isaias was 16 when he escaped from Sa’wa, the military training camp for final-year high school students in Eritrea. His parents came to know of his whereabouts only a few weeks after. From Sudan he tried to cross the Sinai to reach Israel. But he was kidnapped by bandits. His family paid a high ransom to save him.
Isaias returned to Addis Ababa, the capital of neighbouring Ethiopia, where I met him when he was 17. His family was supporting him financially and wanted him to remain there. But Isaias had different plans. A few months later he disappeared. As I was later to learn, he had successfully crossed from Libya into Europe.
This young man is part of a worrying statistic. Since around 2010, the flow of unaccompanied minors from Eritrea has significantly increased and has become the subject of international concern. In 2015, over 5000 unaccompanied minors from Eritrea sought asylum in Europe according to the Mixed Migration Centre. In 2018, the number was 3500.
Minors are only part of a wider exodus that involves mostly Eritreans in their twenties and thirties. The UN refugee agency calculates that at the end of 2018 there were over 500 000 Eritrean refugees worldwide – a high number for a country of around 5 million people.
Initially driven by a simmering border conflict with Ethiopia, this mass migration continues to be fuelled by a lack of political, religious and social freedom. In addition, there are little economic prospects in the country.
And generations of young people have been trapped in a indefinite mandatory national service. They serve in the army or in schools, hospitals and public offices, irrespective of their aspirations, with little remuneration. Even though Ethiopia and Eritrea have struck a deal to end their border conflict, there is no debate over the indefinite nature of the national service.
Brought up in a context where migration represents the main route out of generational and socio-economic immobility, most young Eritreans I met decided to leave. While unaccompanied minors are usually depicted as passively accepting their families’ decisions, my research illustrates their active role in choosing whether and when to migrate.
I explored the negotiations that take place between young migrants and their families as they consider departing and undertaking arduous journeys. But the crucial role of agency shouldn’t be equated to a lack of vulnerability. Vulnerability, in fact, defines their condition as young people in Eritrea and is likely to grow due to the hardships of the journey.
Context of protracted crisis
Young Eritreans often migrate without their family’s approval.
Families are aware that the country can’t offer their children a future. Nevertheless, parents are reticent about encouraging their children to take a risky path, a decision that can lead to death at sea or at the hand of bandits.
Young Eritreans keep their plans secret due to respect, or emotional care, towards their families. One 23-year-old woman who had crossed to Ethiopia a year before told me:
It is better not to make them worry for nothing: if you make it, then they can be happy for you; if you don’t make it, they will have time to be sad afterwards.
Adonay, another 26-year-old man, said:
If you tell them they might tell you not to do it, and then it would be harder to disobey. If they endorse your decision then they might feel responsible if something bad happens to you. It should be only your choice.
But that is not all. As a young woman told me,
The less they know the better it is in case the police come to the house asking questions about the flight.
Migration from Eritrea is mostly illegal and tightly controlled by the government, any connivance could be punished with fees or incarceration.
The journey
Eritrean border crossings are based on complicated power dynamics involving smugglers, smuggled refugees and their paying relatives, generally residing in Europe, US or the Middle East.
In this mix, smuggled refugees are far from being choice-less or the weak party.
Relatives are often scared of the dangers of border crossing through Libya to Europe. Moreover, some may not be able to mobilise the necessary funds. But young refugees have their ways to persuade them.
As payment to smugglers is typically made at the end in Libya and then after migrants have reached Italy, refugees embark on these journeys without telling their potential financial supporters in the diaspora. Once in Libya, they provide the smugglers with the telephone number of those who are expected to pay. This is an extremely risky gamble as migrants are betting on their relatives’ resources and willingness to help them.
Those who do not have close enough relatives abroad cannot gamble at all. Sometimes relatives struggle to raise the necessary amount and have to collect money from friends and larger community networks. Migrants then have to spend more time – and at times experience more violence and deprivation – in the warehouses where smugglers keep them in Libya. Migrants are held to hide them from authorities and ensure their fees are paid.
Even in these conditions, migrants don’t necessarily give up their agency. It has been argued that they,
temporarily surrender control at points during the journey, accepting momentary disempowerment to achieve larger strategic goals.
Moving beyond the common framing
Analysing the interactions between Eritrean families and their migrant children at different stages of their journeys can contribute to moving beyond the common framing of the “unaccompanied minor” characterised by an ambivalent depiction as either the victim or the bogus migrant.
These opposing and binary views of unaccompanied minors implicitly link deserving protection with ultimate victimhood devoid of choice. Instead, the stories of Eritreans show that vulnerability, at the outset and during the journey, does not exclude agency.
Source=https://eritreahub.org/i-asked-young-eritreans-why-they-risk-migration-this-is-what-they-told-me
ቀደም ኣብ ግዜ ቃልስና ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ፡ “ተጋዳላይ ምዃን ቀሊል እዩ፡ ተጋዳላይ ኮይንካ ምቕጻል ግና ከቢድ እዩ” እትብል ጥቕሲ ቻይናዊ መራሒ ማኦ ጸቱንግ ግንንቲ ምንባራ እዝከረኒ። ብሓቂ ከኣ ምቕጻል ካብ ምጅማር ከም ዝኸብድ ተመኩሮና ብዙሕ ኣብነታት ኣርእዩና እዩ። ናይ ሓደ ንቕሎ ውጽኢት ኣብ መወዳእታ ስለ ዝረአ ከኣ ብምቕጻል ዘይተሰነየ ንቕሎ ትርጉም ከም ዘየብሉ ፍሉጥ እዩ። ወለድና’ኳ ብዛዕባ ሓደ ጽቡቕ ምጅማር ክሕበሩ እንከለዉ፡ “መወዳእትኡ የርእየና” እዮም ዝብሉ።
ንሕና ከም ኤርትራውያን ኣብዚ ተጀሚሩ ጌና ዘየኸተመ ዘሎ ዝተናውሐ ቃልስና ብዙሓት ብሰንኪ ተጀሚሮም ዘይምቕጻሎም ኣብ ፍረ ዘይበጽሑ ተበግሶታት ኣመዝጊብና ኢና። ናይዚ ኣብነት ከነምጽእ ናብ ቅድሚ 58 ዓመታት ዝነበረ ኩነታትና ከይተመለስና፡ ኣብዚ ዳሕረዋይ ምዕራፍ ቃልስና ምእንቲ ዲሞክራስን ፍትሕን’ኳ ክንደይ ጀሚርካ ብሰንኪ ዘይምቕጻል ዘበርዓነ ተበግሶታት ኣሕሊፍና ኢና። ሓደ ተበግሶ ተጀሚሩ ንዘይምቕጻል ብዙሓት ምኽንያታት ኣለዉዎ። ብዛዕባ ሎሚ ክትሓስብ እንከለኻ ንጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን ኣብ ግምት ዘይምእታ ሓደ ካብቲ ምኽንያት እዩ። ክትጅምር እንከለኻ ዘቐጽል ዓቕሚ ኣለካዶ የብልካን? ዘይምፍላጥ እውን ከምኡ። እቲ ዝያዳ ብግብሪ ዝረኣናዮ ከኣ ሓደ መስርሕ መስ ጀመርካ ኣብቲ ጉዕዞ ዘይተጸበኻዮ ብደሆ ከጋጥመካ እንከሎ ጸዋርን ተበላሓትን ዘይምዃን ጀሚርካ ናይ ዘይምቕጻል ጠንቂ ምዃኑ እዩ።
ኣብዚ ሓጺር ግዜ ካብቲ ዝከኣል ክነሱ ክሳብ ሎሚ ዘይከኣልናዮ፡ ሓቢርካ ናይ ዘይምቅላስ ጸገም ክንወጽእ፡ ምሕዝነተ ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶን ካለኦት ካእባዊ ተበግሶታትን ካብቶም ክጅመሩ እንከለዉ ኣዝዮም ዕሙራት ዝነበሩ ክንሶም በቲ ዝጀመርዎ ናህሪ ኣብ ምቕጻል ግና ነቲ ፈተና ክሓልፍዎ ዘይከኣሉ እዮም። እዞም ንቕሎታት ብወድዓዊ ዓይኒ፡ ንህግዲፍ መኪትካ ህዝባዊ ልዕልና ንምውሓስ ኣገደስትን መድረኻውያንን ነይሮም። እቶም ኣብቲ መስርሕ ዝነበሩ ተዋሳእቲ ግና ብሰንኪ በዓልቤታዊ ድኽመታትን ናይ ዓቕሚ ውሱንነትን ክቕጽልዎ ኣይከኣሉን። ሓደ ጉዳይ ጀሚርካ ዘይምቕጻሉ ሳዕቤናቱ ብዙሕ ኮይኑ፡ ፍናንን ተስፋን ናይቲ ናይቲ ስለኡ እትቃለስ ህዝቢ ዝሃሲ እዩ። ናይ ህዝቢ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይትስፉው ኩነታት ምውዳቕ ከኣ፡ ዓብይ ኮላፊ ተረኽቦ እዩ። ምኽንያቱ ህዝቢ እምነትን ተስፋን ኣብ ዘየንበረሉ መስርሕ ለውጢ ምጉዓዝ ወይ ኣይከኣልን እንተተፈተነ እውን ውጽኢት ከምዘየብሉ ካብ ናትና ኤርትራዊ ተመኩሮ እነረጋግጾ እዩ።
ሓደ ንቕሎ ብዘይምኽንያት ኣይለዓልን እዩ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንክባራዕ’ኳ ጠንቁ ቅድም ባዕዳዊ መግዛእቲ ሎሚ ድማ ክቱርን መሪርን ዘቤታዊዊ ጭቆና እዩ። እንተኾነ ከምቲ “እቲ ሰይጣን ኣብቲ ዝርዝር እዩ ዘሎ” ዝበሃል፡ ኣብ ተመኩሮና ድማ እቲ ጸገም ኣብ ምጅማር ዘይኮነ፡ ኣብ በቲ ዝጀመርካዮ ምቕጻልን ዘይምቕጻልን እዩ። ሓደ ጉዳይ ብናይ ጽቡቕ መጻኢ ሕሳብን ተስፋን ንጅምሮ እሞ፡ ኣብቲ መስርሕ ዋጋ ከፊልና ክንሰግሮ ዝግበኣና፡ ዘይተጸበናዮ ብደሆ የጋጥመና። ነዚ ብደሂዚ ዘመክት ቅሩብነትን ጹረትን እንተዘየልዩና ከኣ ወዮ ጀሚርካ ናይዘይምቕጻል ሕማቕ ሳዕቤን የጋጥም።
ቅድሚ 21 ዓመታት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ “ናይዚ ዘመና ትርጉም ዘየብሉ ኣዕናዊ ኲናት” ዝተባህለ ውግእ ምስተባረዐ ሰፊሕ ናይ “ዓገብ” ማዕበል ተለዒሉ፡ እንተኾነ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣይቀጸለን። ኣብ 2001 ጉጅለ ህግዲፍ ሰፊሕን እዉጅን ናይ ኣልማማ ማእሰርቲ ወፈራ ምስ ኣካየደ እውን ዝተወሰነ ናይ “ስለምንታይ ከምኡ ይግበር” ስምዒታት ኣጋጢሙ። እንተኾነ ነቲ እከይ ተግባር ህግዲፍ ብዝዓጽፍ ደረጃ ኣይቀጸለን። ድሕሪኡ ናይ ዘጋጠመ ተመኩሮ ህልቂት ላፓዱሳን ካለኦትን ተኸቲሎም ዝተቀልቀሉ ማዕበላት እውን ዕድሎም ካብዚ ጀሚርካ ናይ ዘይምቕጻል ዝተፈልየ ኣይነበረን። እነሆ ከኣ ሕጂ እውን ኣብ ናይ “ይኣክል” እዋን በጺሕና ኣለና። “ይኣክል”ከ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ጀሚርካ፡ በቲ ዝጀመርካዮ ናህሪ ናይ ዘይምቕጻል ተመኩሮ ክመሃር ድዩ ወይስ ነቲ ዘየዕወተ ተመኩሮ ከም ዘለዎ ርዒሙ ክቑጸ እዩ? ኣብ ቅድሜና እንርእዮ እዩ። ትጽቢትናን ትምኒትናን ግና ንምቕጻል እውን ካብቲ ዝሓለፈ ሃብታም ተመኩሮ ተማሂሩ “ክኽእሎ እዩ” ዝብል እዩ።
ዓሚ ከምዚ ቅነ ንርሰዖ ኣይመስለንን። ኢሳይያስ ነቲ ብዛዕባ ኤርትራዊ ልኡላውነትን፡ ቀያድን ናይ መወዳእታን ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበሮ ናይ “ካብ ክሳድ ንላዕሊ” ፈኸራ ራሕሪሑ፡ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ ብዙሕን ውሑድን ተዛሪቡ። መን ከም ዝጠወቖ እንድዒ ከኣ ነቲ “ወዮ ተቓሊስናስ ተዋዲቕና” ዝብል ኣበሃህላ ዘንጊዑ፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ተወራሪትን ወራሪትን ሃገራት ኮይነት ተዋጌን፡ ድሕሪ ምውግአን ከኣ ንድሕሪት ከምዘይምለስ ብኣፍልጦ ሕብረተሰብ ዓለም፡ ዝተሰነደ ኤርትራዊ ልኡላውነት ንድሕሪት ንክመልስ ብዙሕ ዓዘፍዘፍ ኢሉ። “ኤርትራ ሃገር እያ። እንተኾነ ኢትዮጵያ እተበሃል ሕስምቲ ጐረቤት ኣጋጢማታ” ኢሉ ከምዘይሰበኸ፡ “ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ጐረባብቲ ህዝቢ’ዩ” ንእንብልን ንኤርትራዊ ልኡላውነትና ከም ናይ ዓይንና ብሌን ንእነኽብር ኤርትራውያን ከኣ ብዘይምፍላጥ ሓቅን ንታሪኽን ከሲሱና። ንመስዋእቲ ጐዮም ዘይጸገቡ መንእስያትን ድርምመን ዘይተፈትሐ ኣደታቶምን ክሒዱ ከኣ “ኣይከሰርናን” ኢልዎ። ከምዚ ዝብል ዘሎ ተጋግዩ ወይ ብስምዒት ተደፋፊኡ ከም ዘይኮነ ንምርግጋጽ ከኣ “ናይ ስምዒት ዘይኮነ ናይ ልበይ እየ ዝብለኩም ዘለኹ” ወሲኽሉ። እዚ ደፋር ክሕደት ኢሳይያስ ማዕበል “ይኣክል” ንክውለድ ካብ ዝደረኹ ጣንቅታት ሓደ እዩ። እንተኾነ ይኣክል ከም ኣጀማምራኡ ክቕጽል ድዩ ወይስ ከምቶም ናይ ቅድሚ ሕጂ ንቕሎታት “ንጀምሮ’ሞ ኣይነጸብቆ” ክኸውን እዩ፡ ኣብ ቅድሜና ኣብ ቅድሚ ናይ ለውጢ ሓይልታት ዋናታቱ ዘሎ ብደሆ እዩ። ከም ዝኾነ ተመኩሮ ምቕጻሉ ዝያዳ ምጅማሩ ዋጋ ከምዘኽፍል ከኣ ርዱእ እዩ
Festival EPDP Frankkfurt 03.08.2019
The purpose of this article to problematize the current conceptions about the process of democratization in Eritrea.
The process of democratization has two phases,
- The first aim is removal of the dictatorship and its roots from the ground.
- The second is to build a democratic society, thus transitional period.
Most of the Eritrean Forces for democratic change focus only to the removal but the most hard and conflict ridden is the second stage after the removal of the dictatorship.
As some findings of studies confirmed that the outcome of the wave of democratization varied from,
- genuine transformations and relative success,
- Halted transitions,
- backslides to authoritarianism,
- military coups,
- state disintegration like that of Libya and Yemen outbreak of armed conflicts after the fall of dictatorship.
The Eritrean Forces for democratic change must have a strategy avoiding intra-state conflict after the fall of dictatorship in Eritrea.
Today’s most pertinent question is not only removing the dictatorship but post dictatorship-transformation and state building.
Eritrean researchers, politicians and policy- makers should focus more on this issue. In this article, I will try to address some weaknesses of the Eritrean forces for democratic change.
- Lack of skills and knowledge to build a powerful democratic opposition.
- The presence of internal conflicts ( ethnic, religious and regional) personal rivalries and hostilities( agazian, Tigray-Tigrinyi politics) these opinions are disrupting the operation of the forces for freedom.
- Lack of a wise grand strategic plan for liberating the oppressed population and laying ground for durable democracy.
- Lack of creating strong civil society movements both in diaspora and at home.
- Lack of not standing upon your own determination by standing together and strengthening by uniting your efforts together.
The Eritrean opposition to win the dictatorship in Eritrea must be self-reliant force with wise strategy, disciplined and courageous looking forward towards genuine transformation that accommodates all Eritreans with different elements of identity. Eritrea is a country of diverse identities.
Democracy building requires a method of resolving societal conflicts in a non-violent manner, the route to it, that is, the process of democratization, is a revolutionary and conflict – generating process. This is because it involves dramatic changes. These changes include new methods of deciding who is to have political power, new methods for exercising political power and often, and as consequence, new balances of power sharing. It will be very difficult to build a democratic a system after the fall of the totalitarian regime in Eritrea with the attitude of chauvinists and ethnic nationalists dominating the Eritrean opposition in diaspora.
Let us change the old-age political culture of divisions and cross border relations, like that of today’s Agazian and Tigray Tigrinyi discarding the Eritrean National identity. God/ Allah save the Oppressed people of Eritrea from these chauvinists who never have peace in themselves and with others.
ስርዓት ኤርትራ ብቤተ-ክርስትያናት ዝመሓደራ 2ይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ናይ ምውራስ መዲቡ ምህላዉ ተፈሊጡ።
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤጨቋኒ ስርዓት ኤርትራ ንኹለን ኣብ ትሕቲ ቤት-ክርስትያናት፡ ኦርቶዶክስ፡ ካቶሊክን ፕሮተስታንትን ክመሓደራ ዝጸንሓ ናይ 2ይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ናይ ምውራስ መደብ ከምዘለዎ እሙናት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ከም ግምት ናይቶም ምንጭታት እቲ ምውራስ ካብ 3 መስከረም 2019 ክጅመር እዩ።
ቁጽሪ ናይዘን ንራስያ ተቓሊዐን ዘለዋ ብቤተ-ክርስትያናት ኤርትራ ዝመሓደራ 2ይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ብንጹ’ኳ ዘይፍለጥ እንተኾነ፡ ሓደ ተመሳሳሊ ምንጪ ግና፡ 3 ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ማእከልን ደቡብን ዝርከባ ናይ ካቶሊካዊት ቤት-ክርስትያን ወሲኽካ፡ ሸውዓተ ከም ዝበጽሓ ሓቢሩ። እቲ ምንጪ ብእስላማዊ ትካል ዝመሓደር ቤት ትምህርቲ ኣብቲ ምርሳይ ምህላዉን ዘይምህላዉን ዝበሎ የለን።
ካልእ ተመሳሳሊ ምንጪ ከም ዝገለጾ ከኣ፡ ኣብ ኤርትራ ብ2020፡ ናይ መውዓሊ ህጻናት፡ ቀዳማይ ደረጃን ማእከላይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዝካየድ ግምቱ ገሊጹ።
Eritrean Regime Plans to Confiscate All High Schools Run by Churches
Written by EPDP Information OfficeHighly reliable sources in Asmara inform that the repressive regime in Eritrea has laid plans to confiscate all high schools run by Eritrean Orthodox Tewahdo, Catholic and Protestant churches all over Eritrea..
The sources expect this aggressive action to be taken on 3 September 2019 or thereafter.
The exact number of high schools run by churches was not specified but one source counted at least seven, three of them run by the Catholic Church in the Anseba, Central, and Southern zones. The sources could not say if any high school run by Islamic institution is included in this planned confiscation
The same sources also expect a similar uncalled action of confiscating kindergartens, elementary and junior high schools during the year 2020.
More...
ኣቦ-መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ብ1 መስከረም 2019 ብሓፈሻ ብዛዕባ ኣገደስቲ መጻኢ ዕማማት ሰዲህኤ ብፍላይ ከኣ ብዛዕባ ዕማማት ቤት ጽሕፈቱ ንኣባላት ሰልፊ፡ መብርሂ ሂቡ። ብጻይ ተስፋይ ኣብ መእተዊኡ ንተሳተፍቲ ኣኼባ ናይ” እንኳዕ ደሓን መጻእኩም” መልእክቲ ኣቕሪቡ። ኣተሓሒዙ ከኣ ንታሪኻውነት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ጠቒሱ “እንኳዕ ናብዛ ታሪኻዊት ዕለት ኣብጸሓና” ኣሉ። ብጻይ ተስፋይ ብሓፈሻ ኣብ መጻኢ 4ተ ዓመታት ብፍላይ ከኣ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ዕማማት ሰልፊ ቀዳምነታት ብዝምልከት መብሪሂ ሂቡ። ኣተሓሒዙ ከኣ መስርሕ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ፡ ክሳብ መወዳእታ ዕዉት ምንባሩ ገሊጹ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ ብቅዋም ሰልፊ መሰረት ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ዝተኻየደ መስርሕ ምርኽካብ ሓለፍነት ኣብ መንጎቲ ክመርሕ ዝጸንሐን ሓድሽ ዝተመርጸን መሪሕነታት ዕዉት ምንባሩ ኣብሪሁ። ኣብያተ ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ምቛም ምሕዳራተን ዳርጋ ወዲአን ኣብ ተግባር ይኣትዋ ከም ዘለዋን ካብ ሕጂ ንደሓር እቲ ሓድሽ መሪሕነት ወግዓዊ ስሩሑ ከም ዝጀመረን ኣበሲሩ። ኣብዚ መብርሂኡ እቲ ዝተጠቕሰ ዓወታት ንክብጻሕ ግደ መሰረታት ኣዝዩ ዕዙዝ ከም ዝነበረ ብምጥቃሲ እዚ ቅሩብነትን ተወፋይነትን ብዝሓየለ ከም ዝቕጽል እምንተኡ ምዃኑ ኣመልኪቱ።
ኣብዚ ናይ ኣባላት ሰልፊ ኣኼባ ሓለፍቲ ኩለን ኣብያተ ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ እውን፡ ምምሕዳራቶም ከም ዝመስረቱ ብምጥቃስን እቲ መስርሕ ቀጻሉ ምዃኑ ብምሕባርን፡ ካብቲ ኣብ መጻኢ ሓደ ዓመት ክሰርሕዎ መዲበምዎ ዘለዉ ትልምታት ኣገዳሲ ዝብልዎም ዛዕባታት ተቒሶም መብርህታት ሂቦም። በቲ ሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ዝሃብዎ መብርሂ፡ ብመሰረት ቅዋም ሰዲህኤ ናይ ኩለን ኣብያተ-ጽሕፈት ዓመታዊ ትልምታት ንድፊ ይዳሎ ከም ዘሎን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ከም ዝጸድቕን ሓቢሮም።
ተሳተፍቲ ናይዚ ኣኼባ እቲ ክሳብ ሕጂ ዝተኻየደ ስረሓት በቲ ዝተገልጸሎም ኣገባብ ተሰላሲሉ ንኣባላት መብርሂ ምቕራቡ ግሉጽነት ናይ ኣሰራርሓ ከም ዘመልክት ገሊጾም። ብዘካዚ ዘይበርሁሎም ጉዳያት ሓቲቶም መብርሂ ተዋሂብዎም። ድሕሪ እዚ ከኣ መጻኢ መደባት ሰልፊ ንምዕዋት ኣበርክተኦም ዝያዳ ከም ዘበርኹ ቃል ኣትዮም።
ኣብ መወዳእታ ኣቦ-መንበር ሰልፊ ንናይ ክሳብ ሕጂ ኣበርክቶ ኣብላት ሰልፊ ንኢዱ ኣብ መጻኢ እውን ኣባላት ሰልፊ ይኹኑ ደገፍቲ መደባት ሰልፊ ኣብ ምዕዋት ኣበርክተኦም ከኻዕብቱ ብምጽዋዕ ኣኼባ ተፈጺሙ።
The Eritrea’s Enough/Yi’akil Movement – A Way Forward
Written by Nuredin NetabaySince the Enough/Yi’akil campaign was launched about seven months ago, the campaign has garnered support from Eritreans across the world, including from inside Eritrea. The campaign is a grassroots public movement that has no affiliation with established opposition political parties or groups. The campaign is aimed at bringing about peace, justice and democracy in Eritrea by mobilizing and uniting the Eritrean public at home and abroad to participate in national politics and to speak up for their rights and freedom. For the first time in history, the movement has succeeded in breaking the silence and the cycle of fear of speaking up against the dictatorial regime in Eritrea. Tens of thousands of ordinary Eritreans from all walks of life, at home and abroad, are voicing their support for the enough campaign and calling for justice and democracy in Eritrea openly on social media.
As the Enough/Yi’akil campaign has gone viral on social media, it has enlightened the first generation of Eritreans born abroad. It has also raised their awareness about the political situation in Eritrea. Besides it has galvanized them to join the movement for justice and democracy in their ancestral country. The campaign has also sent shockwaves through the political nerves of the regime in Asmara. That is why during his interview on the occasion of Sawa’s 25th anniversary president Esayas Afeworki tried to downplay the Enough/Yi’akil campaign by labeling the movement as a group of disgruntled people from one region.
Even though it has scored unprecedented success in stimulating tens of thousands of Eritreans, including the silent majority and some former supporters of PFDJ, to call for political change in Eritrea, the Enough/Yi’akil campaign has also had its ups and downs. In grassroots campaigns such as the Enough/Yi’akil campaign, maintaining the momentum can be challenging. Promoting increased public participation needed to make a difference and to bring about political and social change in society is even harder. While the Enough/Yi’akil campaign is still alive, it seems the movement is losing its original zest. The movement’s leadership has been criticized for lack of inclusiveness and participation by all sections of the Eritrean society and implicated for regionalism and lack of transparency. The campaign is still young, and it is expected to face opposition from certain elements of the society and the regime in Eritrea. Moreover, the movement is still very loose and less organized. Its organizers/leaders also voice conflicting ideas about how to go forward. Having said that, the campaign has to find a way to keep its unprecedented momentum and overcome the challenges it has been facing so that to stay as a viable force for political change in Eritrea. One may ask about what can be done to build on the original momentum, gain the support of the majority of the public and succeed in bringing about justice and democracy in Eritrea? My recommendations are as follows:
1.Keep the Enough/Yi’akil campaign as public/mass movement
Unlike the other Eritrean opposition groups/political parties that have been working for political change in Eritrea, the Enough/Yi’akil campaign is a grassroots popular activism initiated by ordinary individuals who are passionate about political and social change in Eritrea. This popular activism has spread as a virus and managed to mobilize the public to drive the political change in Eritrea from the bottom-up. The cause of the Enough/Yiakil campaign is very personal for each and every Eritrean. As such, the campaign must maintain its nature as a popular campaign free from influence by specific political ideologies or political groupings. The movement will lose its popular support and fail to unite the majority of the Eritrea people if it is influenced by or takes sides with political parties/groupings. The Eritrean opposition parties & political organizations must not try to politicize and influence the Enough/Yi’akil campaign. Instead, they have to join this popular campaign as ordinary citizens and contribute their part in bringing about political change, justice and democracy in Eritrea. That doesn't mean to undermine the role of the opposition parties/groups & political organizations. The cause of those opposition parties and the Enough/Yi’akil campaign is the same. As such, the members of those opposition parties/groups can support the Enough/Yi’akil campaign as concerned individuals while they also continue their work for political change in Eritrea with their respective political parties/groups.
- Raise public awareness
Education and information are the backbone of any grassroots mass movement as people cannot participate in the movement if they do not have enough knowledge and awareness about it. Therefore, for the Enough/Yi’akil campaign to be successful it is imperative to raise awareness of the Eritreans in diaspora, especially the silent majority, about the dire political situation in Eritrea and the urgency for justice and democracy in the country. Eritrea is at a breaking point, and all Eritreans need to be informed about it and encouraged to participate to save their country from the brink of total breakdown. In particular, the campaign has to communicate effectively with those Eritreans who were born aboard because this generation lacks a deep understanding about the real political and social crisis in Eritrea. That is why many of them support the regime in Eritrea as members of YPFDJ. These young people should not be alienated and belittled just because they support the regime. Instead, the Enough/Yi’akil campaign has to try to reach out to them, raise their awareness and educate them about what is really happening back home. If majority of these young people join the Enough/Yi’akil campaign, it would be a big blow to the morale of the regime in Eritrea. Because they are well educated, they can also be a formidable force for change in Eritrea through advocacy and raising awareness about the political situation in Eritrea in their respective countries.
The Enough/Yi’akil campaign must strive to increase political maturity of its members, particularly the youth, by providing political and civic education programs through the use of social media and other communication avenues. Political change in Eritrea does not come by insulting the regime and its supports on social media. This is a war of political ideas that requires political maturity and enlightenment. In addition, the Enough/Yiakil campaign must effectively use all available social media outlets and other communication avenues to disseminate its message and to broaden its level of visibility so that to garner more public support. Unless the campaign is able to raise public awareness about the political situation in Eritrea, attract more public support, wins the hearts and minds of all Eritreans at home and abroad, including the supporters of the regime, through effective use of mass media and strong political campaign, the movement may not go far.
- Focus on diversity of ideas
In some regions of the world, the Enough/Yi’akil campaign has been criticized for not being inclusive, and lack of regional, ethnic and religious diversity. Diverse Eritrean communities must add their support to the campaign because diversity in religion, region, and ethnicity adds strength to the movement. But that kind of diversity must not be a sole requirement for participation in the campaign because it could lead to division within the movement. Previous movements for change in Eritrea such as Simer and Simret failed because of regionalism and internal divisions. The Enough/Yi’akil campaign must avoid mistakes made by its predecessors. Albert Einstein once said, “the definition of insanity is doing the same thing over and over again but expecting different results.” If the Enough/Yi’akil campaign repeats same mistakes as its predecessors, it shouldn’t expect different results. It has to avoid regionalism, ethnic and religious divisions at any cost.
The most important diversity that the Enough/Yi’akil campaign should focus on is diversity in ideas. Diversity in ideas is a prerequisite for democracy. A movement with diverse ideas grows and achieves political unity. Plato, a Greek political philosopher, in his renowned work the Republic said, “Political unity is the greatest good for a city-state/society and political disunity is the greatest evil.” Political unity is a source of power and disunity is a source of weakness and failure. As such, the Enough/Yi’akil campaign must promote unity in diversity among all Eritreans. If the campaign manages to foster diversity in ideas and political unity, it will ultimately achieve its goal of bringing peace, justice and democracy in Eritrea.
- Have a clear political roadmap
The Enough/Yi’akil campaign is saying enough to the dictatorship and lack of rule of law in Eritrea. The campaign is calling for regime change and demise of the PFDJ political ideology. Yes, the campaign is calling for justice and democracy in Eritrea, but does it have a clear political alternative and political roadmap on how to achieve that goal from abroad? Does the campaign have a plan on how to spread its tentacles in Eritrea? What will the transitional period look like after regime change? What will be the role of the opposition political parties/groups? …and so forth. Ultimately, the success of the Enough/Yi’akil campaign lies with having a clear roadmap for political change in Eritrea. The campaign needs to involve professionals and experts who can draft a clear political roadmap for the movement. It has to have an operational guidelines/bylaws and political agenda. In addition, the different regional campaigns need to elect pragmatic and servant leaders who can form single international leadership and unite the campaign internationally. It seems a daunting task, but with conviction and commitment it is achievable. The servant leaders have to be democratic and accountable to their people. They must have transparency in all their activities and decisions.
- Effective advocacy and diplomacy
We are in the age of advocacy and diplomacy. Advocacy is a hidden power that works from behind the scenes to influence the people in position of political power to help with a cause of people to make their voices heard in the halls of governments and venues of mass media. For this reason, the Enough/Yi’akil campaign needs to work hard in the field of advocacy and diplomacy so that to attract attention of governments and influential people who can put pressure on the regime in Asmara. The campaign leadership has to identify people who have the expertise to lobby foreign governments, people in power, and influential people like celebrities to advocate for the cause of Eritrean people in their respective countries. For example, some activists of the Enough/Yi’akil campaign met with Congressman Joe Neguse, the U.S. House of Representative from Colorado and discussed ways he could help and advocate for justice and democracy in Eritrea. This is a commendable work and it should be replicated in other regions and countries. If such influential people speak up about the cause of the Enough/Yi’akil campaign, they can attract the attention of the local/international media and can influence the policies of their governments toward Eritrea.
Conclusion
In a nutshell, the Enough/Yi’akil campaign has achieved tremendous success in its short life time. The campaign succeeded in breaking the silence and fear of speaking up against the regime in Eritrea among tens of thousands of Eritrea. The campaign has given hope for Eritreans at home and abroad that political change and democracy may be coming in Eritrea. Yet, the campaign has a long way to go. Unless the Enough/Yi’akil campaign wins the hearts and minds of the majority at home and abroad, organizes itself as a formidable force for change that has a clear political roadmap, influences people in the position of power who can support the campaign from inside of the political system in Eritrea, and be able to replicate the campaign at home, it can be difficult for the popular movement to make real progress towards political change and democracy in Eritrea.
Having said that, I want to leave you with food for thought. The campaign is calling for a total regime change. That is plan A. However, for a regime change you need resources, easy access to the target country, and young people who can be force for political change at home. Unfortunately, majority of the energetic young people who can initiate and lead the political change in Eritrea have either left the country, some are imprisoned, or others are in the military. In addition, there is no access to social media in Eritrea capable of organizing campaigns or demonstration effectively. In the worst-case scenario, what if the struggle for political change prolongs? What if life in Eritrea becomes even harder to bear worse than what it is now? What if Eritrea reaches at the brink of being a failed state? Do the Enough/Yi’akil campaign and the opposition groups/political parties have plan B or any other alternative political solution? I will leave the answer to the readers.
Information about the author
Nuredin Netabay has BA in Political Science and MA in International Peace Studies and Conflict Resolution.
ኣባላት ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) መበል 58 ዓመት ባሕቲ መስከረም ምብሳር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዕለቱ ዘኪሮም። ኣባላት ጨንፈር፡ ድሕሪ ነዛ ዕለት ዝምልከት ሓጺር መግለጺ፡ ባሕቲ መስከረም 2019 ኣብ ጽባሕ ዕዉት 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ሃድኤ-ሕድርን ሰዲህኤን ትዝከር ስለ ዘላ ፍሉይ ትርጉም ከም ዝህብዋ ገለጾም። ኣብ ኣኼባኦም ነቲ ቅድሚ 58 ዓመት ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ዝቕጽል ዘሎ በብምዕራፉ ዝገለጽ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለሉ ሰንሰለታዊ ቃልሲ ብዝምልከት ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዶም።
እቲ ኣኼባ ምስዚ ኣተሓሒዙ፡ ብዛዕባ ዝርዝር መስርሕን ውጽኢትን ናይቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዝተጋበአ ጉባአ ሰዲህኤ ተመያይጦም። ኣብዚ ኣኼባ መስርሒ ናይቲ ጉባአ ከመይ ከም ዝነበረ ዝርዝራውን ደቂቕን ሓበሬታ ተዋሂቡ። ካብቶም ኣብቲ ሓባሪ መግለጺ ዝተላዕሉ ነጥብታት፡ ብዛዕባ ኣጸዳድቓ፡ ሰልፊ ኣብ መጻኢ ዝምረሓሎም ሰነዳት ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ቅዋምን፡ መስርሕ ምርጫ መሪሕነትን ውኢቱን፡ ጉባአ ፍሉይ ቆላሕታ ሂቡ ዝተመያይጡ ፖለቲካዊ ውሳነ ዘመሓላለፈሎም 12 ኣገደስቲ እዋናዊ ዛዕባታት ብዝምልከት ብዝርዝር ተመያይጦም።
ብምትሕሓዝ ድማ ተሳተፍቲ ኣኼባ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መመሊሱ እንዳገደደ ዝኸይድ ብዛዕባ ዘሎ ሕሰም፡ ድኽነትን ስግኣትን ከም እዋናዊ ጉዳይ ተመያይጦም። ኣብዚ እዋንዚ ኤርትራውያን ደለይቲ ሰላምን ፍትሕን ኣብ ሃገር ኮነ ካብ ሃገር ወጻኢ ዘርእይዎ ዘለዉ ምልዕዓላት ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ጠቒሶም፡ ኣድማዒ ንክኸውን ዝተርፎ ውዳበን ስጥመትን ከም ዘለዎ ኣመልኪቶም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ሕጂ እውን መሪሕነት ሰዲህኤ ከይሰልከየ ብቐጻሊ ናይ ሓድነትን ሓቢርካ ምስራሕን መጸዋዕታኡ ከቕጽሎ፡ ተላብዮም፡ ከም ጨንፈር በቲ ሓደ ወገን ዓቕሚ ሰልፊ ኣብ ኩሉ ማዳይ ንምዕባይ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ውጽኢት ጉባአ ናብ ኤርትራውያን ከም ዝበጽሕ ኣብ ምግባር ቃልሶም ከሕይሉ ቃል። ኣብ መወድእታ ከኣ ከም ቅድሚ ሕጂ ወርሓዊ ኣኼባኦም ቀጻሊ ክኸውን ተረዳዲኦም።
ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብቲ ኣብ ሰብዓታት ብህዝቢ ዝነበሮ ተቐባልነት ካብ ዓመት ናብ ዓመት ሸተት እናበለ ናብቲ ሕቡእ ባህሪኡ ይመለስ ከምዘሎ ጎሊሁ ይረአ ኣሎ። ሓቀኛ እንታይነት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክሳብ ሎሚ ዝፈልጦ ሰብ የለን ብዘይካ ሓደ ክልተ መተዓብይቱን መማህርቱን። እዚኦም ውን ነቲ ሕቡእ ባህሪኡ ፈቲሾም ክረኽብዎ ኣይክእሉን ኢዮም።
ባህሪ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝገልጽ ሓደ ካብ መማህርቱ ስውኡ ምኪኤል ጋብር ካብቲ ዘዘንተወለይ ክጥቅስ ክፍትን ኢየ። ስውእ ምኪኤል ጋብር ንኢሰያስ ክገልጾ ከሎ ካብቲ ባህሪያዊ ተግባራቱ ነቒሉ ከምዚ ኢሉ ይገልጾ።”ደቂ ሰባት ክድህልን ከስተናዕቕን ድሕር ኣይብልን ኢዩ። መቓቒሉ ከእምን ውን ሓያል ተኽእሎ ኣለዎ። ኩሉ ምስጢራቱ ብቐሊሉ ክትበጽሖ ዘይከኣል ኢዩ። ኢሰያስ ንጥቕሙ ጥራይ ትውዓል እምበር ካብ ደቒቕ ናብ ደቂቕ ክገላበጥ ግዜ ኣይወስደሉን ኢዩ። “
ዋላ ኣብ ሜዳ እንከሎ’ውን እቶም መጋድልቱ ክገልጽዎ ከለዉ “ንበይኑ ኣብ ትሕቲ ጽላል ገረብ ኮፍ ይብል ከምዝነበረን፥ ክጽሕፍን ከንብብን ምስ ማንም ኣይዛረብን“ ይብሉ። ብዝኾነ ባህሪ ኢሳያስ ሎሚ እቲ ሕቡእ ባህሪያቱ እናተቐልዐ ኢዩ ዝመጽእ ዘሎ። ኢስያስ ኣፈወርቂ በቲ ንሕናን ዕላማናን ኢሉ ዘውጽኦ ማኒፈስቶ ንህዝቢ ከበሳ ግርም ገይሩ ኢዩ ክኸስቦ ክኢሉ። ንተራ ገባር ዘይኮነ እንተላይ ነቲ ምሁር እውን ከይተረፈ ኣእምንዎ ኢዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ንሕናን ዕላማናን ክጽሕፍ እንከሎ ንህዝቢ ኤርትራ መቓቒልካ ምግዛእ ባህርያቱ ከምታ ስውእ ምኪኤል ጋብር ዝበላ “ንደቂ ሰባት መቓቒሉ ከእምን” ዝበሎ ዝሰማማዕ ኢዩ።
ኢሳያስ ናይ ምስሉይነት ካባ ቀያይሩ ክኽደን ብዙሕ ዘሸግሮ ኣይኮነን። ሓደ ካብቲ ባህርያቱ ኣብ ዝጻገመሉ እዋን፡ ግዜ ንምኽሳብን ክዳሎን ተቐላጢፉ ኣብ ዘተ እዩ ዝኣቱ። ንሱ ዝለዓለ ኢድ ክሳብ ዝሕዝ ድማ ከምታ ምስ ዑስማን ሳበ ተማሓዝዩ ምስ ደልደለ ሃገራዊ ኣይኮነን ክሳብ ዝብል ውን በጺሑ። ስለዚ ባህሪ ናይ ኢሳያስ ጥልመት’ውን ስለዝሕወሰሉ መድሎ ኣብ ዝረኽበሉ “ነዲኺ ማይ ውረድላ” ክብል ኣይእግሞን ኢዩ።
ብዝኾነ ኢሳያስ ኣብተን ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ዝነበረለን ዓመታት ኣብ ዝተወሰነ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ፍትውን ቅቡልን ኢዩ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት ግን ክብሪ፡ ተኣማንነትን ተቐባልነትን ኢሳያስ ኣብ ህዝቢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተበለለን እናተቐልዐን መጺኡ። ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ማለት ኣብ ግዜ ናጽነት ዘቕርቦ ዝነበረ መደረ ካብ ዓመት ንዓመት ዘተስፉን ትምኒትን እምበር ሓንቲ መዓልቲ ንህዝብን ሃገርን ዝጠቅም እዝን እዝን ገርና ኢሉ ደፊሩ ክዛረብ ኣይከኣለን። እንትርፎ ክራማት ወጺዑና፥ ዓለማት ዘርየናና፥ ዝዓይነቱ ናይ ብድዐን ምትላልን ዘረባን። “ሓሶትን ሓርጭን እናኣሓደረ ይፈኩስ” ከም ዝበሃል፡ እቲ ናይ ኣምሰሉ መብጸዓታቱን፥ ዝህቦ ተስፋታትን ኩሉ ጭብጥን ፍረን ዘይብሉን ንፋስ ኮይኑ ተሪፉ። ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ምጽናት መደብ ከምዝተተሓሓዞ በቲ መዓልታዊ እከይ ተግባራቱ ይበርህ ኣሎ።
ብፍላይ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ሰላም ምልክት ምስ ተራእየ፡ ኢሳያስ መን ምዃኑ ብዝያዳ ተቓለዐ። ምስ መለስ ዜናዊ ዝነበሮ ዘይግሉጽ ስምምዓትን ዝምድናን ጠሊሙ፥ ናይ ምትኹታዃት መስርሕ ናተይ ኢሉ ሒዝዎስ ውጽኢቱ ከኣ መጽነቲ መንእሰይን መጋደዲ ስደትን ኮይኑ ውጽኢቱ። በዚ ዝኣክል ሓንሳብ ምስ ግብጺ፥ ሓንሳብ ምስ ኢራን፡ ሓንሳብ ምስ ሶቬት (ሩስያ) ግምጥል ኢሉ ድማ ምስ ስዑድያ ንምስምማዕ ኔው ነጀው ክብል ጸሓይ ይዓርቦ ኣሎ። ምስቲ ናይ ግልብጥብጥ ባህሪያቱ ድማ ምስ ዶክተር ኣቢዪ ኣሕመድ እውን እንተኾነ ነዊሕ ዘኸይድ ኣይመስልን። ምኽንያቱ ባህርያት ኢሰያስ እታ ንሱ ዝረብሓላን እታ ስልጣኑ ዘደልድለላን ጥራይ ምስ እትኸውን ኢዩ እቲ ስምምዑ ዝኸይድ።
ስለዚ እቲ ንስልጣነይ የደልድለለይ ኢዩ ዝበሎ ናይ ሰላም ስምምዕ በቲ ዝፈጸሞ ተግባራት ካብ ህዝቢ ክርሕቖን ሕቡእ ድሌታቱ ክቃላዕ ግዜ ኣይወሰደን። እዚ ስለዝኾነ፡ ሎሚ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ብምሉኡ እኳ እንተዘይተባህለ ዝበዝሐስ ኣብ ልዕሊ ኢሰያስ ዝነበሮ እምነት እናተደምሰሰ እዩ። “እዚ ጽሉል ሰብኣይ እንታይ እዩ ዝገብር ዘሎ” ዘይብል የለን። ምኽንያቱ ንደቂ ሰባት ምስ ገንዘቦም ከለዉ ብመቑነን ክጥቀሙ ምግባሩ፥ መንእሰይ ሰሪሑ ቤተ ሰቡ ከይጸውር ስራሕ ኣልቦ ምዃኑ። ፋሕተርተር ከይብል ድማ ወያኔ ሎሚ ጽባሕ መጸትካ እናበለ ኣብ ጎዳጒዲ ኣስፊርዎም። ኣብዚ መወዳእታ ድማ “ኪኖዶብ ክንሓስብ ኣሎና”ብምባል ኣሽካዕሊሉ። እታ ሃገርውን ኣበይ ገጻ ክትስጉም እያ ፍሉጥ ኣይኮነ። እዚ ውን ህዝቢ ኤርትራ ምሒር ዓቃልን ትዕግስተኛን ኮይኑ፡ “ሎሚዶ ጽባሕ ይሓልፍ ይኸውን” እናበለ ተጸሚሙ ዝሓልፎ ዘሎ ካብ ፍርሂ ዝነቐለ ከምዘይኮነ፡ እነሆ መዓልቱ ኣኺሉ ህዝቢ ንኢሳያስ ብጋህዲ “ስልጣንካ ኣረክብ” ዝብለላ ዕለት ጥራይ ኢያ ተሪፋቶ ዘላ።