ቂም፡ ሕነ-ምፍዳይ፡ ምድንጋርን ኢድ ምትእትታውን ዝሕላገቱ ቃለ-መሓትት ፕ/ኢሳያስ ኣፍወርቂ (ራብዓይን ናይ መወዳእታን ክፋል)

2020-03-07 06:49:47 Written by  ብብርሃነ ኣብርሃ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1509 times

ራብዓይን ናይ መወዳእታን ክፋል

ፕረሲደንት ኢሳያስ ዝገበሮ ቃለ-መሓትት ብናይ ወጻኢ ጕዳያት ምጅማሩ ቅኑዕ ኰይኑ ስለዘይተሰምዓኒ፡ኣብ ካልኣይ ክፋል ናይ ሓተታይ ወቒሰ ምንባረይ ዝዝከር ኢዩ። ድሓር ግን፡ ኣብ ዘቤታዊ መዳይ ዝገበሮ ቃለ-መሓትት ምስ ሰማዕኩ ድማ፡ ሓቁ እባ’ዩ ብናይ ግዳም ክጅምር፡ ኣብ ዘቤታዊ ጕዳያት ደኣ እዚ ቍም-ነገር ገይረ ኢሉ ክዛረበሉ ዝኽእል ነገር ከምዘይብሉ ባዕሉ እንድዩ ዝነግረና ዘሎ ኢለ ዓጊበ። ኣብ መንጐ ኢሳያስ ኣፍወርቅን ኣብዪ ኣሕመድን ናይ ሰላም ውዕል ምስ ተፈረመ፡ ዓለም ብዓለማ ኣብ ኤርትራ ገለ ለውጥታት ክትርኢ ኢያ ተጸብያ። ሃገራዊ ኣገልግሎት ናብ’ቲ ንቡር ዓመትን መንፈቅን ክምለስ፡ መንእሰያት ናብ ትምህርትን ስራሕን ክዋፈሩ፡ ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ክፍትሑ፡ እቲ ብሓደ ሰብ ተዓብሊሉ ዘሎ ፖለቲካዊ ባይታ ክሰፍሕ፡ ናይ ምውዳብ፡ ምዝራብ፡ ምንቅስቓስ፡ ምእካብ፡ ንዝደለኻዮ እምነት ምስዓብ ….ወዘተ ዝኣመሰሉ መሰረታውያን መሰላት ክሕለዉን ክኽበሩንን …ወዘተ ኢዩ ሰበ ተጸብዩ።

ዘይብሉ ኣይህብን’ዩ

ዓረብ ክምስሉ ከለዉ “ዘይብሉ ኣይህብን ኢዩ” ይብሉ። ፕረሲደንት ኢሳያስ፡ ኣብ ኤርትራ ትምህርቲ የለን፡ ጽዓት የለን፡ ፋብሪካ የለን፡ ትሕተ-ቅርጻ የለን፡ ምምሕዳር የለን፡ ዓቕሚ የለን ….የለን….የለን ኢሉ’ዩ ነቲ ክሕባእ ዘይክእል ሓቂ ካብ ገለጾ፡ ካብ ዝነደየን ዝጠፈሸን መራሒ እንታይ ክትጽበ ትኽእል። ድሕሪ የለን ኣይትሕተት ኢዩ እሞ፡ እቲ ኢሳያስ ቃለ-መ\ሓትት ክገብር ምምጽኡ ንህዝቢ ኤርትራ ከሀውትት እንተዘይኰይኑ ካልእ ፋይዳ ከምዘይርከቦ ብኡንብኡ ኢዮም ንዓይን ይኹን ንብዙሓት ሰማዕቲ በሪሁልና።

ካብ ጉይይ ምውዓል ክሳብ ምሓዝ

ፕረሲደንት ኢሳያስ፡ ኣብ ቃለ-መሓትቱ “ክሳድ ምሓዝ” ትብል ቃል ደጋጊሙ ተጠቒሙላ ክነሱ ክሳድ ከይሓዘ ዕንክሊል ብምባል፡ ነተን ቅድሚ ሕጂ ዝሰማዕናየን …እዚ ገጂፍ ጕዳይ ኢዩ፣ ናብ ካልእ ክውጥጠና ኢዩ፣ ክሳብ ሕጂ እዚ ጌርና ክንብል ኣይንኽእልን ንዓመታ ንምጅማር ዘኽእለና ተመኵሮን ትምህርትን ግን ኣጥሪና ኣሎና፣ ኣነ’ኳ እዚ ናይ ስኳላታት፡ ሊቅነትን ፈሊጣውያንን መጽናዕቲ ኣሎና፡ ከም’ዚ እንተዀነ ከም’ዚ ክኸውን ኢዩ ዝብል ዘረባታት ኣየገድሰንን ኢዩ …ክብል፡ ክሳድ ከይሓዘ፡ ሓድሽ ነገር ከየምጽአ ከም ኵለን ዝሓለፋ ዓመታት ዝገበረን ቃለ-መሓትታት ኣብ ዕንክሊል መሬት ዓሪባ።

ደሞዝ፡ መንበሪ ኣባይትን ትሕተ-ቅርጻን

ፕረሲደንት ኢሳያስ ዝተዛረበለን ሰለስተ ኣጀንዳታት ዘቤታዊ ጕዳያት ደሞዝ፡ መንበሪ ኣባይትን ትሕቲ ቅርጻን ዝብላ ኢየን። ፕረሲደንት ናይ ሃገር ዝኣክል ሰብ ኣብ ትርጕም ዘይብሉ ዝርዝራትን ኣስተምህሮታትን ኣትዩ ኰለል ክብል ክትሰምዖ ከለኻ ስራሕ’ዶ የብሉን ኢዩ ዝብል ሕቶ ኢዩ ኣብ ኣእሙሮኻ ቅጅል ዝብለካ። ከምኡ’ውን፡ እቶም ሚኒስተራት ኢሉ ሸይምዎም ዘሎ ሓልፍቲ፡ ብዛዕባ’ዘን ኣጀንዳታት እዚኣተን ክዛረቡ ዘይክእሉ ሚኒስተራት ድዮም? ወይስ፡ ስለዘይኣምኖም ኢዩ?

ደሞዝ፡-

ብዛዕባ ደሞዝ ብጋዜጠኛታት ዝቐረበ ሕቶ፡ “ኵነታት ደሞዝ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ትምልከት’ያ። ከምዝፍለጥ ኣብ 2016 ብዝተኣታተወ ሓድሽን ብዅሉ መዐቀኒታት ኣዕጋብን ተወዳዳርን ስርዓት ደሞዝ ኵሎም ኣብ ሰራዊት ዘለዉን ኣስታት 70% ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎትን ተጠቐምቲ ኰይኖም ኢዮም። እንተዀነ፡ ኣብ’ዚ በብመድረኹ ዝትግበር መቃን ናይ ገዳይምን ትሕተ 12 ክፍሊ ዝደረጅኦም ሰራሕተኛታትን ምምሕያሽ ደሞዝ ዛጊት ኣይተጻፈፈን’ሞ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ነዚ ዝምልከት መደብ ናይ መንግስቲ እንታይ ኢዩ? ትብል ነበረት።

መልሲ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ድማ፡ እቲ መጽናዕቲ ብ2016 ከምዝተገብረ። ኣብ 2018 ኣብ ግብሪ ክውዕል ከምዝጀመረ። እቲ ዝተሓተ ደረጃ ናይ ደሞዝ 1,800 ናቕፋ፡ እቲ ዝለዓለ ደረጃ ደሞዝ ድማ ናይ ቀዳማይ ደረጃ ምሩቕ ናይ ዩኒቨርስቲ ኰይኑ 4,000 ናቕፋ ክኸውን ከምእተወሰነ ገሊጹ። ኣብ መንጐ’ዚ ደረጃታት’ዚ ድማ 3 ደረጃታት ምህላዎም፡ ማለት ኵሉ ኵሎም ሓሙሽተ መሳልላት ዘለዎ ስርዓት ናይ ደሞዝ ከም እተሰርዐ ገሊጹ። ነዚ ድማ ቅድም ብሰራዊትን በቶም ዝተሓተ መነባብሮ ዘለዎም ኣብ ገጠር ዝነብሩ ሰራሕተኛታትን ክጅመር ተባሂሉ ኣብ 2018 ናይ ትግባረ መደብ ከምዝተገብረሉ ሓቢሩ። ኣብ’ቶም ናይ ከተማታት ሰራሕተኛታት ግን፡ ኣይተጀመረን። ንሶም ኣከናዊኖም ክነብሩ ከምዝኽእሉ ርዱእ ኢዩ ኢሉ። ብንጹር ድማ ኣብ ሲቪል ሰርቪስ ደሞዝ ምሃብ ኣይተጀመረን ኢሉ።

ብሓጺሩ፡ ገዳይም ተጋደልቲ፡ ላዕለዎት ናይ ሰራዊት ሓለፍቲ፡ ኣብ ከተማታት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ኣብ’ቲ ናይ ደሞዝ መቓን ኣይኣትዉን ዝብል ኢና በቶም ሓተቲ ይኹን በቲ መልሲ ዝህብ ዝነበረ ፕረሲደንት ኢሳያስ ዝተገልጸልና። ካብ’ዚ ሓሊፉ፡ ዋላ ገለ ካብ’ቶም 1800 ናቕፋ ክወስዱ ተወሲንሎም ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ድማ ዝግብኦም ደሞዝ ክውሃቦም ስለዘይጸንሐ፡ ካብ 2018 ጀሚሩ እቲ ዘይተዋህቦም ደሞዝ ክኽፈሎም ከምእተወሰነ ሓቢሩና። ስለምንታይ ኢዩ ዝተወሰነ ደሞዞም ክውሃቦም ዘይጸንሐ ንጹር መብርሂ ከይሃበ፡ ንሱ ከይፈለጦ ክኸይድ ዝጸንሐ፡ ካልኦት ዝፈጸምዎ ጕድለት ምዃኑ ከረድእ ፈቲኑ። እዚ እቲ ልሙድ ፈላሊኻ ግዛእ ኣብ ዝብል ፖሊሲኡ ዝተመርኰሰ ናይ ምድንጋር ስርሑ ኢዩ። ኢሳይስ እኳ ጥዑይ ኢየ፡ መሳርሕቲ ኢዩ ስኢኑ፡ ዝብል ንዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝጥቀመሉ መናፍሕ ብ03 ኣቢሉ ከምዘዋፍር ሎምስ ህዝብና ዝላደናሉ ስልቲ ኰይኑ’ዩ።

ቀጺሉ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ብሰንኪ ናህሪ መነባብሮን ብሰንኪ’ቶም ብሕሱር ዋጋ ገዚኦም ብዝተዓጻጸፈ ዋጋ ዝሸጡ ኣዋቓዕትን (ኵሉ ዓመት ክኽሰሱ ንሰምዖም ነጋዶ ማለት ኢዩ) ሰራሕተኛታት በተን ዝውሃብኦም 1800 ናቕፋ ክነብሩ ከምዘይክእሉ ተኣሚኑ። ነዚ መፍትሒ ዝኸውን ድማ መንግስቲ ነዚ ናይ ምውቅቃዕ ቍጠባ ናይ ምልዛብ ስጕምቲ ክወስድ ኣለዎ ክብል ተሰሚዑ። እዚ መዝሙር’ዚ ኣብ ኵሉ ቅድሚ ሕጂ ዝገበሮ ቃለ-መሓትት ዝሰማዕናዮን ዝደጋገምን ምንጪ ጸገም ናይ መነባብሮ ኣነ ወይ ስርዓተይ ዘይኰነስ ኣዋቃዕቲ፡ ወያነን ኣመሪካን ዝፈጠርዎ ኢዩ ንምባል ዝግበር ሕሱር ምስምስ ኢዩ። ንሕና ጸገምኩም ንምፍታሕ ንጽዕር ኣሎና፡ ጸላእትና ግን ጌና ካብ ምዕንቃፍና ኣይዓረፉን እናበልካ ንፍሽለትካ ንኻልኦት ብምስካም ንህዝቢ ኣብ ቀጻሊ ናይ “ግዳያት ኰና” ዝብል ስነ-ኣእሙሮ ንምቝራኑንን ንዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕን ዝተማህዘ ሸርሒ ኢዩ።

ከም’ቲ ባዕሉ ዝበሎ፡ ብሓቂ ክሳድ ንምሓዝ እንተደኣኰይኑ ዝድለ ዘሎ፡ ንዅሉ ዕንክሊልን ኣስተምህሮን ናይ መላኽዒ ፕረሲደንት ገዲፍና፡ ኣብ ኤርትራ ደሞዝ ኢልካ ክትዛረበሉ ትኽእል ነገር የለን ኢዩ እቲ ጽሟቕ ቍም-ነገር ናይ’ቲ ቃለ-መሓትቱ። እትረፍ’ዶ ብ1800 ናቕፋ፡ ዋላ በተን ዝለዓለ ዝበለን 4000 ናቕፋ ንምንባር እውን ዘይከኣል ኢዩ። እቲ ህዝቢ ካብ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ደቁ ብዝረኽቦ ሓገዝ ከምዝናበር ኵሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። እዚ ሓገዝ’ዚ እውን፡ እቲ መንግስቲ ብዝተኣታተዎ ናይ ዘይተመጣጠነ ናይ ባጤራ ሸርፊ ኣብ ግዳም ካብ ዝነብሩ ኤርትራውያን ናብ ሃገሮም ዝልኣኽ ዝነበረ ገንዘብ እናነከየ ይኸይድ ምህላዉ ዝፍለጥ ኢዩ።

መንበሪ ኣባይቲ፡-

ፕረሲደንት ኢሳያስ፡ እንታይ ኢዩ እቲ መሰረታዊ ጸገም ንዝብል ሕቶ ክምልስ ከሎ ሓንሳብ ምምሕዳርን ዓቕምን ኢዩ ኢሉ። ጽንሕ ኢሉ ከኣ ማይ ኢዩ፡ ብዘይ ማይ ዝግበር የለን ክብል ተሰሚዑ። ኣብ’ዚ እውን ደው ኣይበለን ኣብ ጕዳይ ኣባይቲ ምስ በጽሐ ድማ፡ መንበሪ ኣባይቲ መሰረታዊ ኢዩ ብምባል ንህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ኣድላይነት መንበሪ ኣባይቲ ኣስተምህሮ ክህብ ዘጥፍኦ ግዜ ዘስደምም ኢዩ።

“ዝዀነ ናይ ቍጠባ ናይ ልምዓት መደብ፡ ናይ እቶታውነት ናይ ማእቶት፡ ናይ ምህርቲ ምዕባይ ዝብሃል ብዘይ ናይ ኣባይቲ ሽግር ምፍታሕ ክፍታሕ ይከኣል’ዩ ዝብል ፈሊጥ እንተደኣ መጺኡኒ ካልእ ስራሕ እንተልዩ ኪድ ስራሕካ ስራሕ ክብሎ እኽእል ኢየ። እዚኣ ከይፈታሕካ ናይ መግቢ፡ ልብሲ፡ ልምዓት ዝብሃል ሽግር ክትፈትሕ ኣይትኽእልን ኢኻ” ዝብል መግለጺ ኣስሚዑና። መንበሪ ኣባይቲ፡ ናይ መብራህቲ መስመር፡ ናይ ማይ ቡምባታት፡ ናይ ሽቓቕ ቱቦታት፡ ናይ መራኸቢ ጽርግያታትን መስመራትን፡ ዕዳጋታት፡ ናይ ትምህርትን ሕክምናን ኣገልግሎታት ከምዘድልዮ እውን ወሲኹልና። ብዛዕባ ገነት እናዛረበ፡ ኣብ ገሃነም ዘንብረና ዘሎ ስርዓት ኢዩ። እዝስ ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ንቕሓት ናይ ህዝቢ’ዶ ኣይኰነን!!!!?

ዝዀነ ኤርትራዊ፡ ዓቕሚ እንተልይዎ ኣብ ከተማ ናይ ገዛእ ርእሱ መንበሪ ኣባይቲ ክህልዎ ዘይደሊ የለን። ኣብ ክራይ ገዛ ክነብር ዝመርጽ ዝዀነ ሰብ የለን። እትረፍ’ዶ ኣብ ከተማ፡ ዋላ ኣብ’ታ እተወልደላ ቍሸት እውን ትኹን መረባዕ ክሃንጽ ዝምነ ህዝቢ እኳ ኢዩ እዚ ምዑት ተቓላሳይ ህዝቢ። ድሕሪ ናጽነት ከኣ፡ ኣብ ግዳም ዝነብር ኤርትራዊ መንበሪ ዝዀኖ ኣባይቲ ክሰርሕ፡ ኣብ ሃገሩ ዓቕሙ ዘፍቅዶ ናይ ምስናዕ ድዩ ናይ ንግዲ ትካላት ከቕውም ክጓየ ኢዩ ተራእዩ። እንተዀነ ግን፡ ግዝያዊ መሰጋግሪ መንግስቲ ኤርትራ፡ ነቲ ፕሮጀክትታቶም ሰሪቑ፡ ኣብ ባንክታትን ፎንድታትን ዘእተዎ ገንዘብ ዘሚቱ፡ ንዝሃነጽዎ ኣባይትን ትካላትን ኣዕንዩን ብወደባት ዝኣቱ ንብረት ዘሪፉን ኣይብልዑ ኣይስተዩ ገይሩ ነናብ ዝመጽዎ ሃገር ከምዝምለሱ ምግባሩ ዝፍለጥ ኢዩ። ሃብታማት ኤርትራ ድማ፡ ወስ ቀስ ከምዘይብሉ ገይሩ ስለዝሓዞም ሃገሮም ገዲፎም ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ገንዘቦም ከዋፍሩ ተገዲዶም ኢዮም።

ንከተማታት ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ንርእሰ-ከተማ ኤርትራ ዝዀነት ኣስመራ፡ ዝደወነ ስርዓት ብዛዕባ ኣባይቲ እንታይ ከመስሉ ኣለዎም ክዛረብ ክሓንኽ ኢዩ ዝግብኦ። ነዚ ዕንወት’ዚ ንምሽፋን ከኣ፡ ንሕና ኣብ ከተማታት ንዘሎ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ርሑቕ፡ ኣብ ገጠራት ዝነብር ኢና ንግደስ ክብል እውን ሰሚዕናዮ። ገጠራት ይኹና ከተማታት ኤርትራ ሎሚ ህዝበን ክነብረለን ናብ ዘይክእል ሲኦል ከምዝተቐየራ፡ ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ናይ ስደተኛታት እኹል ምስክርነት ኢዩ።

ትሕተ-ቅርጻ፡-

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ሃገርና ከም ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና ዝብል ኣብ ኣገልግሎት (service) ምሃብ ዘትኰረ ናይ ቍጠባ ራእይ ኢዩ ነይሩ ናይ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ። ክንደይ ሚኒስተራትን ሓለፍትን እውን ናብ ምብራቕ እስያ ዑደት ክገብሩ ተራእዮም። ሕጂ ድማ፡ ሓድሽ ኣብ ምፍብራኽ (industrialaization) ሰደድን (export) ዘቕንዐ ቍጠባ’ዩ ዘድልየና ዝብል ሓድሽ ራእይ ከናፍስ ይስማዕ ኣሎ። “…ኣብ ምምስራሕ ገጹ ዝኸይድ ኣብ ክብሪ ምውሳኽ (value adding) ዝኸይድ ቍጠባታት ክትፈጥር ክትክእል ኣሎካ። ናይ ውሽጢ ኣውፋሪ ናይ ደገ ኣውፋሪ ኣይኰነን እቲ ሕቶ ንሕና ዘድልየና እቲ ባይታን እቲ ሃዋህውን ከነዋድዶ ኣሎና…” ኢሉ ምግልባጥ ዘይእግሞ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ክምልስ ተሰሚዑ።

ሃብቲ ንምፍጣር ከኣ እቲ ትሕተ-ቅርጻ ክዋደድ ኣለዎ። ጽርግያታት፡ መዓልቦ ነፈርቲ፡ ናይ ባቡር መስመር፡ ናይ ኤለክትሪን ናይ ማይን ኣገልግሎት ካልእ ምስኡ ዝኸይድ ዝተፈላለየ ኣገልግሎታት ክንቅርብ ክንክእል ኣሎና። ነዚ ንምግባር ብሽርክነት ምስ ዞባውያን ሓይልታት ክስርሓሉ ምዃኑ ድማ ኣሚቱ።

ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ንወደባት ኤርትራ ብጽርግያታት ምስ ውሽጥን ጐረባብትን ሃገራት ምርኻብ፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ዝርከባ ማርሳታት ድማ ነንሓድሕደንን ምስ ወደባት ዓሰብን ምጽዋዕን ከምዝተኣሳሰራ ምግባርን ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝበጽሕ ጽርግያታት ምውዳድን ከምዘድሊ ተገሊጹ።

ኤርትራውያን ኣውፈርቲ እኳ ክሳብ ዝኣኽሎም ተዳሂኾም ስለዝዀነ ሕጂ በየናይ ዓቕሞም ምስ ዞባውያን ሃብታማት ሃገራትን ህዝብን ክወዳደሩ። እዛ ንገለ ኣዋርሕ ዶብ ዝተኸፍተትላ እዋን እንተዀነ እውን፡ ኤርትራውያን ምስ ኢትዮጵያውያን ከወዳድሮም ዝኽእል ዓቕሚ፡ ናይ ትምህርቲ ድዩ ሃብቲ ድዩ …ወዘተ ከምዘይነበሮም ተመስኪሩ ኢዩ። ፕረሲደንት ኢሳያስ እውን ኣብ ኤርትራ ትምህርቲ ዝብሃል የለን ካብ’ቶም ተመሃሮ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ዝሓልፉ 15% ኢዮም እቶም ዝተረፉ 85% ካብ 12 ክፍሊ ንታሕቲ ኢዩ ደረጃ ትምህርቶም ኢሉና።

ጩግራፍሲ ነብሳ ባዕላ ሃሪማ፡ ባዕላ ተእዊ

ኣብ ኤርትራ ትምህርቲ ኣሎ ኢልካ ክትዛረብ ኣይትእኽልን ኢኻ። ስርዓተ-ትምህርቲ ካብ ሱሩ ክቕየር (overhaul) ኣለዎ ክብል ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሓትት ተሰሚዑ። ብቐዳምነት መን’ዩ፡ ነቲ ትምህርቲ ናብ’ዚ ደረጃ’ዚ ኣውዲቕዎ፡ ስርዓት ኢሳያስ ድዩስ ወይስ ከም’ቲ ኵሉ ግዜ ዝዝርግሖ ፕሮፕጋንዳ ወያነን ኣመሪካን ኢዮም ዝብል ሕቶ ኢዩ መጀመርያ ክምለስ ዘለዎ። ኣይድግፉንን ኢዮም ንዝብሎም መምህራን ሞያኦም ከየገደሶ ብፖለቲካዊ መርገጻቶም ዝጸልጸለ፡ ነታ ዝነበረት እንኮ ዩኒቨርሲቲ ዓጽዩ ናብ ናይ ሞያ ኮለጃት ዝቐየረ፡ ንትምህርቲ ምስ ወተሃደራዊ ስርዓት ዝቖረነ (ንትምህርቲ regimentalize ዝገበረ): መን’ዩ? ስርዓት ህግደፍ’ዶ ኣይኰነን። ኢሳያስ’ዶ ኣይኰነን።

ኢሳያስ፡ ዝሓለሞ ሕልምታት ንምርግጋጽ ንበይኑ ጐዩ ምውዳእ ምስ ኣበዮ፡ ሕጂ ብስም ሰደድ ዝተመስርሐ ኣቝሑ ንኤርትራ፡ መንሃርያ ናይ ወፍሪ ናይ’ቶም ሓደስቲ ጐይቶቱ ክገብራ ዝወጠነ’ዩ ዝመስል። … ኣነ ናይ ወጻኢ’ዶ ናይ ውሽጢ ኣውፈርቲ ዝብል ናይ ፈሊጥ ዘረባ ኣይርድኣንን’ዩ። ንሕና ምቹእ ሃዋህው ከነዋድድ’ዩ ዘድልየና። ሽዑ ናይ ውሽጢ ድዮም ናይ ግዳም ኣውፈርቲ ኣብኡ ክዋስኡ ይኽእሉ… ኢሉ። ንለባም ኣምተሉ ክንደይ ከይስሕቶ፡ ንዓሻን ደርጕሓሉ ክንደይ ከይፈልጦ ኢዩ ነገሩ። በጻብዕ ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ኣውፈርቲ ኣብ ኣፍሪቃ ከምዘለዉና ንፈልጥ ኢና። እዚኦም ግን እኹላት ኣብ ርእሲ ዘይምዃኖም በቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊኦም ዝፈጸሞ ጸቕጥታትን በደላትን ባህሪሮም ንሃገሮም ራሕሪሖም ዝኸዱ ስለዝዀኑ፡ ኣብ’ቲ ስርዓት ዘለዎም እምነት ተጸንቂቑ ኢዩ። ስለዝዀነ፡ ሕጂ ዝድለዩ ዘለዉ ኣውፈርቲ ካብ’ቶም መሻረኽተይ ዝብሎም ሃገራት ስዑድያ፡ ዓረብ ዓማራት፡ ግብጽን ኢትዮጵያን ዝመጹ ክዀኑ ምዃኖም ምግማት ዘጸግም ኣይመስለን ኢዩ። ኤርትራውያን ግን፡ ከም’ቲ ኢሳያስ ዝበሎ፡ ኣውፈርቲ ዘይኰነስ፡ ናይ ሞያ ትምህርቲ ወሲዶም ኣብ’ተን ብወጻእተኛታት ዝቖማ ናይ ወፍሪ ትካላት፡ ጽርግያታት፡ ወዘተ ሰራሕተኛታት ኰይኖም ጕልበቶም ሸይጦም ክነብሩ ዝተፈርዱ ኢዮም ዝመስሉ።

ኣብ መደምደምታ፡ ዕላማ ናይ ቃለ-መሓትት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ንዓይ ከምዝተረድኣኒ ኣብ ሰለስተ ጕዳያት ዘትኰረ ኢዩ ነይሩ።

እቲ ቀዳማይ ዕላማኡ፡ ኣብ ቅርሕንቲ ዝተመርኰሰ ኰይኑ ምስ ናይ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናይ ብልጽግና ፓርቲ ጽምዶ ብምፍጣር ንህወሓት ኣብ መቓቕሮ ምእታውን ምድኻምን ኢዩ።

እቲ ካልኣይ ዕላማኡ ድማ፡ ነቲ ”ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብታት ኢዮም ኢሉ ዝኣምን ታሪኽ ዘይፈልጥ’ዩ፣ ኣይከሰርናን፡ ኵሉ ዘጥፍኣናዮ መሊስናዮ ኢና፣ ዕድል ናይ ሰለስተ ወለዶታት ብዘይ ምኽንያት ባኺኑ፤ ኣብዪ ክትመርሓና ወኪለካ ኣለኹ፡ ኣነ ድማ ክኽተለካ ኢየ …ወዘተ” ዝብል ብፕረሲደንት ኢሳያስ ዝተዋሀበ መግለጺታት ዘስዓቦ ናይ ህዝቢ ተቓውሞ (ናይ ይኣክልን ካልእ ናይ ውሽጡ ተቓውሞን) ንምክሕሓስ ወይ ንምሕዋይ ኢሉ ዝገበሮ ፈተነ ኢዩ። ከም’ቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ናይ ሓተታይ ዝገለጽክዎ ብፕረሲደንት ዝተዋህብዎ መምርሒ መሰረት፡ እቶም ጋዜጠኛታት፡ “ክቡር ፕረሲደንት ካብኡ ከይወጻእና ተራ ወይ መኸተ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ወለዶታት ማለት 80 ዓመታት ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ከመይ ተንብቦ? ኣብ መጻኢ’ኸ ከመይ’ዩ ክኸውን”? ዝብል ሕቶ ዘቕረብሉ።

ፕረሲደንት ኢሳያስ ከኣ፡ ኵሉ ናይ ኤርትራ ሽግር ጠንቁ ካብ ኢትዮጵያ ዝመጸን ንህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ዋጋ ዘኽፈልን ምዃኑ ብምግላጽ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገበሮ ክፍወስ ዘይከኣል ሸታሕታሕ ክፍውስ ፈቲኑ። እቲ ዝኸፍአ ደረጃ ድማ በታ ብኢህወደግ እትምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተፈጥረ ብድሆታት ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፡ ሕጂ ኢዱ ኣጣሚሩ ከምዘይርእን ምስ መንግስቲ ሰልፊ ብልጽግና ብጽምዶ ክሰርሕ ምዃኑን ሕንኽ ከይበለ ናይ ኢድ ምትእትታው ዕላማታቱ በጨቕ ዘበለ።

እቲ ሳልሳይ ዕላማ ናይ’ቲ ቃለ-መሓትት ድማ፡ ምስ ዞባውያን ሓይልታት (ኢትዮጵያ፡ ስዑዲ ዓረብን ዓማራትን) ብምሽራኽ (ብ synergy ብምስራሕ) ኣብ 2021 ዝጅምር ናይ ልምዓት ወፍሪ ክህሉ ምዃኑ ንምእማትን ንህዝቢ ብተስፋ ከምዝጽበ ንምግባርን ኢዩ።

ተፈጸመ።

Last modified on Saturday, 07 March 2020 11:23