Saturday, 23 January 2021 19:40

Radio Dimtsi Harnnet Sweden 23.01.2021

Written by

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ፤ “ንኹሉ ጽንኩር መድረኻት ብውሽጣዊ ሓድነትን ተወፋይነትን ክንስዕሮ ኢና፡ ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ፣ ብ16 ጥሪ 2021 ዘካየዶ ጉባኤኡ ብዓወት ዛዚሙ። ዞባዊ ጉባኤ ብኣሰናዳኢት ሽማግለ ንዝተሰርዑ፡ ንሰልፍና፣ ንሃገርናን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝምልከቱ እዋናውያን ኣጀንዳታት፡ ብዕቱብ ድሕሪ ምምይያጥ እዞም ዝስዕቡ ውሳኔታትን ለበዋታትን መዝጊቡ።

  • ኣባልነት ሰልፍና ከነስፍሕ ምጽዓር፤ ብፍላይ መንእሰያት ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ተሳትፎኦም ከዕዝዙ ንጡፍ ጎስጓስ ምክያድ። ብዘይውደባ ዓወት ስለዘይርከብ፣ ህዝብና ተወዲቡ ቃልሱ ብምሕናን፣ ዕምሪ ምልካዊ ስርዓት ከሕጽርን ናብ ፍትሓውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ክሰጋገርን ጸዊዑ።
  • ቁጠባዊ ዓቕሚ ሰልፊ ንምዕዛዝ፡ ካብ ህዝብናን ኣዕሩኽ ፈተውቲ ሃገርናን ሓገዝ ንምርካብ ብዕቱብ ክንነጥፍ፡ ከምኡ’ውን ዝተጸንዐ ወፍሪ ርእሰማል ንምክያድ ኣፍልጦን ክእለትን ዘለዎም ኣባላት ክድህስሱን ከበግሱን ምምዳብ።
  • ዜናውን ፕሮፖጋንዳውን መደባት ሰልፍና ዘመናዊ መራኸቢ ብዙሃን ተጠቒሙ ዕዙዝ ምንቕቓሕን ሓበሬታን ከካይድ ከምዘለዎ ድሕሪ ምንጻር፤ ኵሎም ኣባላት ሰልፊ ክነጥፉሉ ዘለዎም ዕማም ምዃኑ’ ኣስሚሩሉ። ነዚ መሰረት ብምግባር ብደረጃ ጨናፍርን ኣባላትን ክሳለጡ ዘለዎም መዳባት ሰሪዑ።
  • ኣብ ኵሉ ዓንኬላት ኣህጉራዊ ትካላት፡ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታትና ንምብራኽን፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ብጽሑፍን ብቃለ መሓትትን ዕላማ ቃልስና ንምቅላሕን መሪሕነትናን መሰረታትናን ብዕቱብ ክንሰርሓሉ ዘኽእል ሓጋዚ መደባት ሰሪዑ። ሰልፍና ምስ ኣብ ከባቢ ሃገርና ዝርከቡ ደሞክራስያውያንን ፍትሓውያንን ሓይልታት ንዞናዊ ሰላምን ርግኣትን፤ ንሓባራዊ ረብሓን ዝምድናታቱ ከደልድል ለበዋታቱ ኣመሓሊልፉ። ብደረጃ ሰሜን ኣመሪካ ድማ ምስ መንግስታዊ ኣካላትን መኽሰብ-ኣልቦ ማሕበራትን ዝምድናና ከነደልድል ጻዕርታቱ ከዛይድ ወሲኑ።
  • ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ተኸሲቱ ዘሎ ዘይርጉእ ኵነታት፣ ኣብ ልዕሊ ሃገርናን ህዝብናን ከቢድ ሓደጋ ዘንጸላሉ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ጉባኤ ብማእከላይ ባይቶ ንዝጸደቐ ፖሊሲ ሰልፊ ብምኽታል፡ ነቲ ብሽርክነት ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ዶር. ኣብዪን፡ ዝተባርዐ ወግእን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝሰዓበ ህልቀትን ምዝንባልን ንዅንን። ዝካየድ ዘሎ ወራር ዘስዕቦ ዕንወትን ክሳራን ስለዝዀነ ደው ክብል ይጠልብ። ጉዳያት ድማ ኣብ ጣውላ ብልዝብ ክፍታሕ ይጽውዕ።
  • ውልቀ- መላኺ ኢሳያስ ንህዝብና ኣብ ዘይምልከቶ ውግእ ኣእትዩ ግዳይ ስቓይን ሞትን ጌሩዎ ስለ ዘሎ፤ ብዘይ ውዓል ሕደር ደው ከብሎን ካብ ኣትዩዎ ዘሎ ስግረ-ዶብ ቦታታት ክወጽእን ምስ ደለይቲ ፍትሒ ብምትሕብባር ተቓውሞና ከነሐይል ጸዊዑ።
  • ኣብ ክልል ትግራይ፣ ኣብ ትሕቲ ዑቕባ ኣህጉራዊ ሰብኣዊ ትካል ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸም ዘሎ ግፍዕታት ደው ክብልን ድሕነቶምን ሰብኣዊ ናይ ስደተኛ ሕጋዊ መሰሎምን ክሕሎን፣ ብዝምልከቶም ኣህጉራዊ ሰብኣዊን መንግስታውን ትካላት ክኽበር ጸዊዑ።
  • ብደረጃ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ፡ ምስ ኣብ ድያስፖራ ዝንቀሳቐሱ ኤርትራውያን ፖሊቲካዊ ሓይልታትን ሲቪካዊ ምንቅስቓሳትን፣ ብቐንዱ ምስ ምንቅስቓስ ይኣክል ምሕዝነትን ጥቡቕ ምትሕግጋዝን ብምዝውታር፣ ዕምሪ ምልካዊ ስርዓት ንምሕጻር፣ ሓባራዊ ኣድማዒ ቃልሲ ከነዛይድ ጉባኤ ኣስሚሩሉ።
  • ጸዋዒት ዞባዊ ጉባኤ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፤

ምእንቲ ናጽነትን ምውሓስ ልዑላውነትን በብእዋኑ ዘካየድካዮ ውግኣት ከቢድ ዋጋ ዝኸፈልካሉን ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦን ታሪኽ ዝሰነዶን ናይ ትማሊ ተዘክሮ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ኢሳያስ ዕድመ ስልጣኑ ከናውሕ ብሰንኪ ዝኣጐዶ ውግኣት ዝኸፈልካዮ ዋጋን ህዝቢ ኤርትራ ዕሸላት ደቁ ኣብዘይርድኦምን ዘይረብሕሉን ውግኣት ተጠቢሶም ዝሃለቑሉን ዝሰንከልሉን፣ ዘስዓቦ ሓዘንን ክሳራን ኣዝዩ ከቢድ እዩ። ሎሚ’ውን  ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጣልቃ ኣትዩ ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ኣዋፊሩ ዘካይዶ ዘሎ ዕንወትን ክሳራን፤ “ኣይኣተኹን” እናበለ ክኽሕድ’ኳ እንተፈተነ፡ “ንጉዳይ ኢትዮጵያ ኣእዳውና ኣጣሚርና ንርእዮ ኣይኮነን” ብምባል ዝኣንፈቶ ቅድመ-ኵነት፣ ብጋህዲ ዝፍጽሞ ዘሎ እዩ። ህዝቢ ዓለምን መንግስታቱን ዘረጋገጽዎ፣ ካብኡ ክወጽእ ዝጠልብዎ ዘለዉን ሓቂ እዩ። ኣብቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝተወልዐ ውግእ’ውን ኢዱ ከእቱ ይወጣወጥ ምህላዉ ምስጢር ኣይኰነን። ስለዚ ክቡር ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፤ እትኣትዎ ዘለኻ ቀጻሊ ኵናት፤ ሳዕቤኑ ንዓኻ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንህዝብና ስቓይ ንመጻኢ ወለዶ እውን ሕማቕ ውርሻ ስለ ዝኸውን ናብ ሓድሽ ዘይምልከተካ ኲናት ከይትጥበስ ዞባ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘካየዶ ጉባኤኡ ይምሕጸነካ። ኣብ ዘይምልከተና ጉዳይ ጣልቃ እንተ ኣቲኻ፤ ኤርትራ እውን ዓውዲ ውግእ ናይ ምዃና ዕድል ክፉት ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን።

ናጽነትን ልዑላውነትን ሃገርና ንዘልኣለም ይንበር!!

ሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰል ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!!

ክብርን ዝኽርን ንስዉኣት ሃገርና!!

ዞባዊ ጉባኤ ሰ.ደ.ህ.ኤ. ሰሜን ኣመሪካ

16 ጥሪ 2021

ተረኽቦታት ክንመዝንን ካብቲ ሚዛን መርገጽ ክንወስድን እንከለና ጉዳያትን ተረኽቦታትን ኢና ነወዳድር። ኣብ መስርሕ እቲ ምምዛን ኣብ ግጉይ መደምደምታ ምእንቲ ከይንወድቕ ከኣ ክንጥንቀቕን ንጉዳያት ብብዙሕ መልከዓት ክንርእን ይግበኣና። እቲ ኣብ ከምዚ ኩነታት ነዘውትሮ ጥንቃቐ ከኣ ሓደ ጫፍ ጥራይ ሒዝካ ብዘይምኻድ እዩ ዝግለጽ። ሓደ ጫፍ ጥራይ ሒዝና እንተከይድና ግና ሓደጋ ምኽታሉ ዘይተርፍ እዩ። ካብቲ ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋ  ምስቲ እቲ ካልእ ጫፍ ሒዙ ዝጐትት ኣካል ናይ ሓባር ረብሓን ሸቶን እንዳሃለወካ ሓቢርካ ናይ ዘይምስራሕ ህልኽ ከስዕብ ይኽእል። ናይ ከምዚ ዓይነት ሓደጋ ጠንቂ ዝኸውን ካብ ናትካ ንዝተፈልየ ናይ ካለኦት ሓሳብ  ቦታ ብዘይህብ “እታ ሓቅን ቅንዕትን ምሳይ ጥራይ እያ ዘላ” ዝብል ጸቢብ ተረድኦ እዩ። እዚ ካብ ንኡስ ማሕበራዊ ርክባት ጀሚርካ ክሳብ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ኣጀንዳታት ዘጋጥም ዘሎን ኣብ ተመኩርና ኣብ ብዙሕ መድረኻት ዝረኣናዮን ዋጋ ዝኸፈልናሉን እዩ።

ኣብቲ ጫፋት ምጉታት ከኸትል ዝኽእል ፍልልያት ዘስዕብ ምውድዳር፡ ናይ ቀደምን ናይ ሎምን፡ ዓብይን ንኡስን፡ ገዲምን ሓድሽን፡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፡ ሃይማኖታዊ እምነተይ እምነትካ፡ ቋንቋይን ቋንቋኻን፡ ከባብየይን ከባቢኻን፡ ተወጻዕን ወጻዕን……. ወዘተ፡ እንዳበልና ክንዝርዝር ንኽእል። ብዓብይኡ ከኣ ረብሓይዶ ረብሓኻ ዘንቅዶ ናይ ኣተሓሳስባ ውድድርን ምጉታትን ኣሎ። እዚ ምጉታት ኣብ ውሱን ኩርናዕ ዝድረት ዘይኮነ ሃገር ምስ ሃገር እውን ዝሕምስ ዘሎ እዩ። ኣብዞም ዝበልናዮም ውድድራት ከካብቲ ንጉዳያት እንመዝነሉ ኩርነዓት ዝነቅል፡ ሓላፍነታውያን እንተኮይና ክዕረቕ ዝኽእል፡ እንተ ጸቢብናን ሰሲዕናን ግና ናብ ዝበለሐ ጐንጽን ዕንወትን ዝወስድ  ፍልልይ ክፈጥር ይኽእል።  ናይዚ ኣብነት ንምርካብ ርሑቕ ከይከድና ናብ ህልዊ ኩነታት ዞባና ምቕላብ ጥራይ እኹል እዩ። ሃገርና ከኣ ናይዚ ዘሻቕል ተርእዮ ሞዴል እያ። እስኪ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጉዳያት ዘድሊ ልቦናን ምስትብሃልን ከረድእ እንከሎ ዝለገሶ ምዕዶ ንጥቀስ። ሓንቲ ካብተን 0-9 ዘለዋ መቑጸርታት ኣብ ወረቐት ተጻሒፋ ነይራ። ነዛ ቁጽሪ እቲ ሓደ ሰብ ካብ ናይታ ተጻሒፉዋ ዝነበረ  ኣተሓሕዛኡ ነቒሉ እዚኣ “ቁጽሪ 6 እያ” ኢልዋ። እቲ ሓደ ከኣ ካብቲ ናቱ ፍሉይ ኣተሓሕዛ ናይታ ወረቐት ነቒሉ፡ የለን “የለን ቁጽሪ 9 እያ”  ኢልዋ። በዚ ክስሓሓቡ ዝተዓዘበ ሳልሳይ ኣካል ከኣ እቲ ፍልልይ ካብ ኣተሓሕዛ ናይታ ዝተጻሕፋ ወረቐት እዩ እምበር ክልቴኹም ቅኑዓት ኣለኹም በሎም። እታ ሓቂ ምስ ክልቲኦም እምበር ምስ ሓዲኦም ጥራይ ከም ዘይነበረት ኣረድኦም እሞ ካብ ምስሕሓብ ደሓኑ ይበሃል።

ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ብፍላይ ከኣ ኣብ ከም ሃገርና ዝኣመሰላ ህዝብን መንግስትን ምውድዳር ዝተለመደ እዩ። ከምቲ ግቡእ ህዝቢ፡ ህዝቢ እዩ። መንግስቲ ከኣ ብፈቓድ ህዝቢ ዝድይብን ዝወርድን ካብ ህዝቢ ዝወጽእ ማዕረ ህዝቢ ናይ ምውድዳር መሰልን ደረጃን ዘየብሉ ትካል እዩ። እዚ ኣብ ንቡር ኩነታት ዝምድና ህዝብን መንግስትን ዝርአ እዩ። ኣብ ብዙሓት ብፍላይ ከምዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኢደወነናዊ ጉጅለ ህግዲፍ ግና ካብ ህዝቢ ተፈልዮም፡ ጠጠው ዝብልሉ ሕገመንግስታዊ ባይታ ስለ ዘየብሎም፡ ዘይናቱ ክነሶም ምስቲ ህዝቢ ተላሒጎም “ሓደ ኢና” ክብሉ ይፍትኑ። “ንሓና ሃገር ንሕና ህዝቢ” ዝብል ናይ ህግዲፍ ናይ ሓሶት መዝሙር’ኳ ናይዚ መርኣያ እዩ። እዚ ኣበሃህላ ብመንጽር’ቲ  ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍ ዘሎ ዝምድና ፈጺሙ ግጉይ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ውግእ ትግራይ ኢዱ ኣእትዩ ራስያታት ይፍጽም ከም ዘሎ ብሰፊሑ ናይ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና መዛረቢ ኣጀንዳ ኮይኑ  ዘሎ እዩ። ብዙሓት ተጋሩ “ህዝቢ ኤርትራ ወሪሩና” ክብሉ ይስምዑ እዮም። ሓያሎ ኤርትራውያን ከኣ ምናልባት ስም ህግደፍ ብሕማቕ ክለዓል እንከሎ ንህዝቢ ኤርትራ እውን ይልክሞ እዩ ዝብል ብዝመስል ነቲ ጉጅለ ናይ ምክልኻል ዝንባለ የርእዩ። እምበኣር ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዩ ንጉዳያት ኣብ ክንዲ ሓደ ጫፍ ምጉታት፡ ኣመዛዚንካ ምርኣይ ዘድሊ። ጉጅለ ህግደፍሲ ንህዝቢ ኤርትራ ኣይኮነንዶ ኣብዚ ዶብ ሰጊርካ ዝፍጸም ምጥፍፋእን ሓጥያትን ኣብ ገዛእ ጉዳዩ እውን ህዝቢ ዝውክለሉ መርተዖ የብሉን። እዚ ነቶም ህግደፍ በዲሉና ዝብሉ ወገናት’ውን  ብሩህ ስለ ዝኾነ ምእንቲ ርትዓውነቶም ንህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ሓጥያት ከውጽእዎ ይግበኦም። እቲ ጉጅለ ግና መተሓጥይቲ ምእንቲ ክረክብ  ህዝቢ ክሕመ እንከሎ ከጽቅጥ ናይ ግድን እዩ።

“ሰራዊት ኤርትራ ናይ ህግዲፍ ድዩ ናይ ህዝቢ?” ዝብል እውን ምስቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኢድ ኣእታውነትን ዝርያን ተተሓሒዙ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ እዩ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ  ካብ ኣብራኽ ህዝቢ ኤርትራ ዝወጸ፡ ረብሓኡ ካብ ረብሓ ህዝቡ ዘይፍለን ኣብ መጻኢት ኤርትራ ናይ ምትህድዳእ፡ ሓለዋን ምክልኻል ረብሓ ህዝብን ግደ ዝጽበዮ ስለ ዝኾነ ሰራዊት ኤርትራ ዘይበሃል ኣይኮነን። እንተኾነ በቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጦን ሕገመንግስታዊ ውክልና ዘይሃቦን ጉጅለ ህግድፍ ዝምረሓሉ ሕቡእ ፖሊሲ፡ ዝስልጥን፡ ዝዕጠቕን ተኣዚዙ ዝዋጋእን ምዃኑ ከኣ ህዝባውነት ከም ዘስእኖ ምዝንጋዕ ኣየድልን። ብመንጽር’ዚ እዚ ሰራዊት ናይ ብሓቂ ወዲ ህዝቢ ምዃኑ ንምርግጋጽ፡ ብዛዕባቲ ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዘውርዶ ዘሎ በደል ቃሉ ከስምዕን ግብራዊ ስጉምቲ ክወስድን ይግበኦ። ኮታ ካብ ጉጅለ ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝቐርቦ ከርኢ ይግበኦ። እቲ ኢሳያስ ዝንየተሉ ሓይልን ዓቕምን ናቱ ናይቲ ሰራዊት ሓይሊ ስለ ዝኾነ “ ኣንጻር ህግደፍ ዘይለዓል ካብ እገለ ስለ ዝሰጋእኩ እየ” ኢሉ ዝሃድመሉ ምኽንያት ቅቡል ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ ንቀጻልነት እቲ ጉጅለ ክብል ንብረት ዝራሲ፡ መሰላት ዝግህስን ተኲሱ ህዝቡ ዝቐትልን እንተኾይኑ፡ ግና “ናይ ህግዲፍ ዘይኮነስ ናይ ህዝቢ እዩ” ክትብሎ ኣጸጋሚ እዩ። በዚ ኮነ በቲ ኣብዝን ካለኦት ተሃወስቲ ጉዳያትን ኣብ ክንዲ ሓደ ጫፍ ምጉታት ምምዝዛን ኣገዳሲ እዩ።

Friday, 22 January 2021 11:41

Radio Dimtsi Harnnet Kassel 21.01.2021

Written by

JANUARY 21, 2021  ETHIOPIAHORN OF AFRICANEWS

A rebel region is being starved into submission

Source: Economist

Ethiopia suffered famines in the past. Many foreigners know this; in 1985 about one-third of the world’s population watched a pop concert to raise money for starving Ethiopians. What is less well understood is that poor harvests lead to famine only when malign rulers allow it.

It was not the weather that killed perhaps 1m people in 1983-85. It was the policies of a Marxist dictator, Mengistu Haile Mariam, who forced peasants at gunpoint onto collective farms. Mengistu also tried to crush an insurgency in the northern region of Tigray by burning crops, destroying grain stores and slaughtering livestock.

When the head of his own government’s humanitarian agency begged him for cash to feed the starving, he dismissed him with a memorably callous phrase: “Don’t let these petty human problems…consume you.”

Things were supposed to be different under Abiy Ahmed, the Ethiopian prime minister who was hailed as a reformer when he took charge in 2018, and who won the Nobel peace prize the following year.

Yet once again it looks as if hunger is being used as a weapon in Africa’s second-most-populous nation. And once again the scene of the horror is Tigray. Since fighting broke out in November between federal forces and those of Tigray’s rebellious former ruling party, perhaps 2m out of 6m Tigrayans are thought to have fled their homes.

Many could now starve because the government has let so little food into the region

JANUARY 20, 2021  ETHIOPIANEWS

Source: Devex

pic

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 Pekka Haavisto, Finnish minister for foreign affairs. Photo by: European Union

The European Union is preparing to send Finnish foreign minister Pekka Haavisto to negotiate with the Ethiopian government as it pushes for unfettered access for humanitarians in the conflict-torn Tigray region.

EU foreign affairs chief Josep Borrell raised the possible visit on a Jan. 9 phone call with Ethiopia’s Deputy Prime Minister Demeke Mekonnen, a spokesperson for the European External Action Service told Devex Monday, adding that the idea was “welcomed.”

The move comes after the EU announced its decision Friday to halt budget support for Ethiopia over the lack of humanitarian access in Tigray.

Haavisto is an experienced Greens politician and former development minister who has acted as a special representative and adviser in Africa for Finland, the EU, and United Nations, notably in Darfur. An EU official, speaking on condition of anonymity, said that Borrell accepted Haavisto’s offer to act on his behalf in talks with the Ethiopian government due to his high-level contacts and experience in the region.

“We have told the Ethiopians that we stand ready to negotiate something different, but what is now on the table is not working.”

— EU official

Haavisto’s precise mandate and mission will be finalized in the coming days, the official said, with the current plan for him to travel to Ethiopia in time to report back to a Feb. 22 meeting of EU foreign ministers. Haavisto’s office declined to comment.

Last Friday, Borrell outlined the EU’s decision to stop sending development assistance directly to the Ethiopian government, citing restricted humanitarian access amid “reports of ethnic-targeted violence, killings, massive looting, rapes, forceful returns of refugees and possible war crimes.”

“In the absence of full humanitarian access to all areas of the conflict, we have no alternative but to postpone the planned disbursement of €88 million [$106.7 million] in budget support,” Borrell wrote in a blog post.

The figure includes the suspension of three planned payments: €60 million for regional connectivity, €17.5 million for a health sector transformation plan, and €11 million for job creation.

“We were under circumstances under which by no means we could give a single euro of the EU budget to this government, because of what’s going on,” the EU official told Devex.

A spokesperson for the European Commission’s development department said Ethiopia will have to comply with the following conditions before the EU will disburse future budget support:

  • “Granting full humanitarian access for relief actors to reach people in need in all affected areas, in line with International Humanitarian Law.
  • Civilians must be able to seek refuge in neighboring countries.
  • Ethnically targeted measures and hate speech must stop.
  • Mechanisms to monitor human rights violations must be put in place to investigate allegations of breach of Human Rights.
  • Communication lines and media access to Tigray should be fully re-established.”

The move only affects budget support, which goes directly to the government. Other development modalities, such as funding channeled through NGOs, and humanitarian programs will continue. Last month, the EU increased its emergency aid to the region by €23.7 million.

The spokesperson did not respond to questions on how the suspension would affect the EU’s 2021-2027 development work in Ethiopia, which is currently being programmed.

Ethiopia is one of the top recipients of official development assistance from the EU. It was allocated €815 million for the 2014-2020 budgetary period, plus more than €400 million from the EU Trust Fund for Africa.

JANUARY 21, 2021  ETHIOPIANEWS

Antony Blinken, the nominee to be President Biden’s Secretary of State (Foreign Minister) had a nomination hearing in the US Senate on Tuesday.

He is a long-serving government official and diplomat. Blinken served as Deputy National Security Advisor from 2013 to 2015 and Deputy Secretary of State from 2015 to 2017 under President Barack Obama.

Speaking at this hearing he made his views clear on several issues, including the Horn of Africa.

Horn of Africa

The U.S. needs to be more actively involved in the horn of Africa and “not be AWOL as problems emerge” like in the Tigray region of Ethiopia, Blinken said.

We must use the diplomatic weight with the government of Ethiopia, he said.

“Eritrean refugees are on the receiving end of atrocities. We have Eritrea possibly getting there and we have other states that are now affected. The potential for this to spill over is a real concern,” Blinken told the Senators.

There needs to be greater access to the region, more accountability, a restoration of communication and humanitarian assistance, and an effort to put dialogue in place to address key issues, he said.

Otherwise, Blinken said, he worries that the violence has the potential to destabilize the region. He also said he would consider appointing a special envoy in the region.

Blinken was favourably received at the hearing. Several Senators supported him.

This was the assessment of the Washington Post.

There was every indication that Blinken would be confirmed with a strong bipartisan vote, although Sen. Robert Menendez (D-N.J.), the incoming chairman, said earlier in the day that a panel vote was unlikely until at least Monday. After that, floor votes will have to vie for Senate time with President Trump’s impeachment trial.

One sign of the committee’s direction came from Sen. Lindsey O. Graham (R-S.C.), a strong Trump partisan who opposed Blinken the last time he appeared before it, for confirmation as deputy secretary of state six years ago.

“I think you’re an outstanding choice, and I intend to vote for you,” Graham said this time around.

 

 

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ደንበ ታቓውሞ ኤርትራ ኣብ ዞባና ብዝፍጠር ምዕባለታት ክጽለው ከም ዝጸንሐ ንኹላትና ብሩህ እዩ። ብመንጽርዚ ክሳብ ክንድቲ’ኳ እንተዘይኮነ ኣብ ቱንዚያ፡ ግብጺ፡ የመን፡ ሱዳን ደሓር ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተጋህዱ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ኣይተጸለናን ማለት ኣይኮነን። ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ናይ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ደረጃ ዝጸንሐ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ናብ ትካላውን ግሉጽን ዘይኮነ ዝምድና መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ጥራይ ኮይኑ ምስ ተረፈ ብቀረባ ተጸሊና ኢና።

ካብዚ ዘይመትከላዊ ዝምድና ዝተፈላለዩ ወገናት ነናቶም ትጽቢት ነይርዎም። ንሕና ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ እውን ከምኡ። ኣብዚ ትጽቢታት  “ኩነታት ኤርትራ ድዩ ንኩነታት ኢትዮጵያ ክጸልዎ፡ ወይስ ብኣንጻሩ እዩ ክኸውን?” ዝብል ናይ ብዙሓት ሕቶ ነይሩ። ኣብቲ እዋንቲ ኩነታት ኤርትራ ከምቲ ክሳብ ሕጂ’ውን ዘለዎ፡ ወጽዓን ጭቆናን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሱር ዝሰደደሉ፡ ኩነታት ኢትዮጵያ ከኣ ለውጢ ዘድበንብነሉ መድረኽ ብምንባሩ፡ ኣብ ኤርትራ ጽልዋ ከሕድር እሞ ህዝብና ዝርበሓሉ ለውጢ ትንፋስ ክሰኩዕ ናይ መብዛሕትና ግምት ነይሩ። ንዝተወሰነ ግዜ እውን ምስቲ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ቀጥዒ ብዘይነበሮ ተኸፊቱ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብን ናብን ኢትዮጵያ ክውሕዝ እንከሎ፡ ዝተፈላለዩ ቀረባት ከኣ ካብ ኢትዮጵያ  ናብ ኤርትራ ምስ ወሓዘ ወዮ ግምትና ሓቂ ዝኾነ ይመስል ነይሩ።

እንተኾነ እዚ ክጅመር እንከሎ እውን ብፍላይ ብወገን ኤርትራ ካብ ምስ ሓደ ወገን ተፋቒርካ ነቲ ሓደ ምግላልን ሕነ ምፍዳይን ሓሊፉ፡ ግቡእ መልክዕ ዝሓዘን ኣብጽኑዕ ባይታ ዝተሰረተን ኣይነበረን። ነታ ብቐረባ ምስ ኤርትራ ኣብ ብዙሕ መዳያት ኣዝያ እትጸላሎ ክልል ትግራይ ዝጓነየ ዝምድና፡ ንጸቢብ ረብሓኡ ከምዘይውዕል ዝተረደአን ካብቲ ምጽልላው ዝሰገአን ጉጅለ ህግዲፍ   ዘይብሩህ ምስምስ ፈጢሩ ተቐላጢፉ ነቲ ተኸፊቱ ዝነበረ ኣፍደገታት ዓጽይዎ። ቀንዲ ዕላማ ናይቲ መሊስካ ምዕጻው ከኣ እቲ ናይቲ ምጽልላው ኣቕጣጫ ቀይርካ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበረን ጌና ዘሎን ጸረ ህዝቢ ምምሕዳር ኣብ ኢትዮጵያ እውን ጸላዊ ዝኾነሉ ኩነታት ንምፍጣር እዩ ነይሩ።

እዚ ምህዞ ጉጅለ ህግዲፍ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ እሞ ብዙሓት እምነት ኣንቢረምሉ ዝነበሩ ለውጢ  ከምቲ ዝድለ ምስ  ዘይምጉዓዙ  ተደሚሩ እቲ ኢሳያስ ዝደረሶ ድራማታት ጉጅለ ህግደፍ ከም ድሌቱ ዝስዕሰዓሉ ጓይላ ኮይኑ። ናይ ኤርትራ ልኡላውነት ኣብ ስግኣት ምውዳቕን ለውጢ ኣብ ኢትዮጵያ ምኹላፍን ከኣ ናይዚ ምልክታት እዮም። ኣብ ኢትዮጵያ ለውጢ ኣቕጣጭኡ ክቕይር እንከሎ ብዓብይኡ ሃስያኡ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ዘገድስ ኮይኑ፡ ብመንጽርቲ ንኢሳያስ ኣብ ዝሰፍሐ ሜዳ ንከኹድድ ዕድል ዝህብ ምዃኑ ከኣ ኣብ ኤርትራ’ውን መሊሱ ለውጢ ረጊጡ ዝዓጹ ብምዃኑ  ዘስዓቦ ኣሉታ እዚ ንርእዮ ዘለና እዩ።

እዚ ካብ ኮነ እምበኣር፡ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ቃልሲ ሎሚ እውን ከም ዝቕጽል  ርዱእ እዩ። እቲ ቃልሲ ነዚ ዝተናኸፍናዮ ምዕባለታት ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ከኣ ናይ ግድን እዩ። ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ኩነታት ናይ ኢሳያኣስ ንከባብና  ብመዕቀኒኡ ናይ ምውዳብ ህርፋን ተወሲኽዎ፡ ኣብ ቀጻሊ ውግእ ምእታው ጀሚሩ ኣሎ። ብዙሓት ብኣልማማ ይእሰሩ ኣለዉ። ዓሌታዊ ጐንጽታት መመሊሱ ይገድድ ኣሎ። ንምርጫ ወሲኽካ ብዙሓት ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ይጠሓሱ ኣለዉ። ሕገመንግስቲ ይጨራረም ኣሎ።  ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ  ደማዊ ውግእ ዘስዓቦ ሞት፡ ምምዝባል፡ ስደትን ጥሜትን ነዚ ዘርኢ እዩ። እዚ ሎሚ ኣይኮነንዶ ንዓና ከም ናይ ቀረባ ጐረቤትን ሳዕቤኑ ዝጸልወናን ንዓለም እውን ዝተነጸረ ርኡይ ሓቂ እዩ። ነዚ ክዉን ሓቂ  ካብ ቅድም እውን ኣይኮነንዶ ንሕና ጉጅለ ህግዲፍ ዕድል እንተረኺቡ ከምዘየናሕሲ እንግምት፡ እቶም ክሳብ ሕጂ ነቲ ጉጅለ “ኣለናልካ” ክብልዎ ዝጸንሑ ወገናትና እውን ከምቲ “ኣደስ ትሓብእ እሞ ሓበላ ዓይኒ ነይትሓብእ” ዝበሃል ዘመኻንይሉ ኣይኮነን።

ናይ ለውጢ ቃልስና ነዚ ኣብ ከባብና ዝርአ ዘሎ ምዕባለታት ኣብ ግምት ብዘእተወ ክንሕዞ ኣለና ክንብል እንከለና፡ ዝያዳ ክንደፍኣሎም  እምበር ንድሕሪት ክንመልሶም ካብ ዘይግብኡና ዋኒናት ሓደ ሓቢርካ ናይ ምቅላስ ኣድላይነት እዩ። ስለዚ ንሓድነትና ኣብ ዝምልከት ክሳብ ሕጂ ተደኲኖም ዘለዉ ናይ ምሕያል፡ ተጀሚሮም ዘለዉ መስርሓት ከኣ ናይ ምቅልጣፎም ጉዳይ ግዜ ዝህብ ኣይኮነን። ኣብዚ መስርሕዚ ካብቲ ዝኸይድ ዘሎ ምዕባለታት ንድግፎን ዘይንድግፎን ተርእዮታት ክፍጠር ውሁብ እዩ። ክንድግፍ ኮነ ክንነጽግ እንከለና እምበኣር፡ በቲ ኣብ ኣዝዩ በሊሕ ምንሕናሕ ዝርከብ ዘሎ ወገናት ዝህቦ ዜናታት ከይተሰለብና፡ ንርትዓውነት ከይጓዕጸጽና፡ ንናይ ክሳብ ሕጂ ኣጠማመትና ከይዘንጋዕና ክኸውን ናይ ግድን እዩ።

 ኣቦመንበር ሰዲህኤ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ኣብ መኽፈቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ  ጉባአ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰዲህኤ “ ንሕና ከም ሰልፊ፡ በቲ ማእከላይ ባይቶና ዝወሰኖ መሰረት፡  ብንጹር ክንጐዓዝ ጸኒሕና ኣሎና። ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ኩነታት  ኢደ ጣልቃነት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣይንቕበልን ኣይንፈቅድን “ ዝበሎ ከኣ፡ ነዚ ኣብ ግምት ብዘእተወ እዩ።  እቲ ቀንዲ መዕቀኒ ማእከልና ከኣ ናይ ኤርትራን ህዝባን ረብሓ ምዕቃብን  ካብ ኢድ ኣእታውነት ተዓቂብካ ናይ ለውጢ ቃልስና ንቕድሚት ምድፋእን ክኸውን ይግበኦ። ኣብ ናይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣሰላልፋና እውን ቦታና ነዚ ኣብ ግምት ብዘእተወ ዝቕየስ ክኸውን ተመራጺ’ዩ። ዝያዳ ኩሉ ከኣ ነዚ ኣብ ዞባና ዝረአ ዘሎ  ብደቂቕ ከነጽነዖን ክንመሃረሉን የድሊ።

ነቶም ኣብ  ዝለዓለ ጐንጽን ውግእን ኣትዮም ዘለዉ ክንሕግዝ ብኡ ኣቢልና ድማ ናይቲ ክፍጠር ዝኽእል ህድኣት ተረባሕቲ ምእንቲ  ክንከውን፡  ናይቲ ጸገም ኣካል ቅድሚ ምዃን፡   ክልቲኦም ሰዓርቲ ዝኾንሉ ኩነታት ምፍጣር  ናይ “ከንበርክኸካ እየ” ኣምር ከምዘየዋጽኦም ከነርእዮም ክንጽዕር ይግበና። ውግእን ህልኽን ግና ካልእ ጐንጺ ዘስዕብ እምበር መፍትሒ ከምዘይኮነ ምርኣይ እውን ኣገዳሲ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ግና ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩልኻ ተዓወቲ እትኾነሉ  ህሞት ክነብር ባህሪኡ ስለ ዘይፈቕደሉ፡ እንታይ ይገብር ከም ዘሎ ንዕዘቦ ኣለና። ከምቲ ውግእ፡ ውግእዩ ዘስዕብ ዝበልናዮ፡ ኣብ ትግራይ ውግእ ምስ ተጀመረ፡ እቲ ቅድም እውን ዝተለምደ ምልክታ ዝነበሮም ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ናበይ ከም ዝዓረገን ንጉጅለ ኢሳያስ ወሲኽካ ናይ ብዙሓት ናይ ጐንጺ ኣምለኽቲ ድሌት ከም ዝሰሓበን ንዕዘቦ ኣለና። ድሕሪኡ እንታይን ብመንን ከም ዝስዕብ ምግማት እውን ዘጸግም ኣይኮነን። ስለዚ ንሕና እውን፡ ካብዚ ማዕበልዚ ከምዘይንርሕቅ’ኳ ርዱእ እንተኾነ፡ ምስ መንን እንታይን ንገብር ግና ብህድኣት እሞ ከኣ ካብ ኣካይዳ ጉጅለ ህግዲፍ ብዝተፈልየ ክንርደኦ ይግበኣና

ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ቀዳም 16 ጥሪ 2021 ዕዉት ጉባኤ ኣሰላሲሉ። እቲ ኣብ ሚያዝያ 2020 ኣብ ኣትላንታ ጆርጂያ ክካየድ ተመዲቡ ዝነበረ፡ ብሰንኪ ንዓለምና ኣሻቒሉ ዘሎ ሕማም ለበዳ ኮሮና ቫይሩስ ብዙም እዩ ተኻይዱ።

ጉባኤ ዞባ ኩለን ጨናፍር ዘሳተፈን ምልኣት ዘረጋገጸን ኮይኑ ቀዳም ሰዓት 7 ናይ ንግሆ ብምዕራብ ሰዓት 10 ድማ ብምብራቕ ኣብ ትሕቲ “ንኹሉ ጽንኩር መድረኻት ብዉሽጣዊ ሓድነትን ተወፋይነትን ክንሰግሮ ኢና” ዝብል ጭርሖ እዩ ጀሚሩ። ኣቦ መንበር ዞባ ሓው ደስበለ ካሕሳይ ብዝኽሪ ስዉኣት ድሕሪ ምኽፋቱ ናይ እንቃዕ ደሓን መጻእኹም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ብድሕሪ’ዚ ጉባኤ እትመርሕ ብኣርባዕተ ብጽት ማለት ያሲን ዑስማን, ግደይ መሓሪ ወልዱ, ግርማይ ኣብርሃን ፍስሃየ ሓጎስን ዝቖመት ሰክረታሪያ መድረኽ ተረኪባ ሓው ያሲን ዑስማን ነባራይ ጉባኤ መሪሑ። ኣቦ መንበር ሰልፊ ሓው ተስፋይ ደጊጋ ቃል ሰልፊ ከቕርብ ዕድል ተዋሂቡ መስርሕ ቀጺሉ።

       

ኣቦ መንበር ሰልፊ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም እንቋዕ ድማ ኣብ’ዚ ዓለምና ብሕማም ለበዳ ትሳቐየሉ ዘላ እዋን ጉባኤ ዞባ ክተካይዱ በቓዕኩም ድሕሪ ምባል ዕዉት ጉባኤ ዞባ ክኸውን ዘለዎ ትምኒት ገሊጹ። ቀጺሉ ድሕሪ’ቲ ኣብ ነሓሰ 2019 እተሰላሰለ ዕዉት ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰልፍና፡ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ብዘይ ገለ ሓጎጽጎጽ ልሙጽ መስርሕ ምትሕንፋጽ ሓሊፉ ኣብ ጉባኤ ምብጽሑ ዘኹርዕ እዩ ኢሉ። ብዘይካ’ዚ ካብ ሓድነታዊ ጉባኤና ክሳብ ሕጂ ብመሰረት እቲ ዝጸደቐ ሰልፋዊ ፕሮግራምን ፖሊሲታትን ሰልፍና ዓበይቲ ዓወታት ኣብ ኩሉ መዳያት ኣመዝጊቡ እዩ። ኣብ ኩሎም እተመዝገቡ ዓወታት ድማ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ዓቢ ተራ ነይሩዎ ክብል ገሊጹ። ገለ ካብ ዓወታትና ንምጥቃስ ኣቦ መንበር ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ኣልዒሉ፡

  1. ድልዱል ውሽጣዊ ሓድነቱ ዘዕቆበ፣ ህዝባዊ ተሰማዕነት ዘለዎ፣ ውድባዊ ሕግታቱን ስነ ስርዓቱን ዝሓለወ፡ ንቑሕ ኣባል ዝውንንን፡ ድሕሪ ህልዋት ኣባላቱ ንውሉድ ወለዶ ዝቕጽልን ሰልፊ ምህናጽ፡
  2. ሓባራዊ ዕዮ ደምበ ተቓውሞ ንምሕያል ብዘይምቁራጽ ምስራሕ፤
  3. ምስቶም ብፕሮግራምን፡ ስልቲ ኣሰራርሓን ዝመሳሰሉና ኣብ ምሉእ ምጽንባራዊ ሓድነት ምእታዉ፤
  4. ኣብ ዲፕሎማስያዊ፡ ዜናዊ፡ ፊናንሳውን፡ ማሕበራውን መዳያት ሰልፋዊ ዕዮ በቲ ኣብያተ ጽሕፈታቱ ተወኪሉ ዕዉት ዕማም ከነሰላስል ጸኒሕናን ኣሎናን። ከም ሰልፊ ዕቤት ከነርኢ በቂዕና ኢና።
  5. ኣብ ውደባዊ ጉዳያት፡ መዳያት ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ስርርዓት ሰልፍና ናብ ዝለዓለ ደረጃ ይጐዓዝ ምህላዉ፡ ብመዳይ ደቂ ኣንስትዮ፡ ጉባኤ ምትእስሳር ደቂ ኣንስትዮ ሰልፊ ክካየድ ዝበቕዐ ምዃኑ፣ ብወገን መንእሰያት እውን ኣብ ዘተፈላለየ መዳያት ኣውራ ድማ፡ ኣብ ምትርጓም ሰነዳት ሰልፍን፡ ተሳትፎ ኣብ ማሕበራዊ መድያን ምርኡይ ተራ ምህላዉ ዘሕብን እዩ ድሕሪ ምባሉ ዘቕረቦም ነጥብታት ሓፈሻዊ ሚዛን ንምሃብ እምበር ዝርዝር ጸብጻብ ከምዘይኮነ ኣዘኻኺሩ። ቀጺሉ ኣብ ፖሊቲካዊ መዳይ፡ ብደረጃ ኤርትራን ከባቢናን፡ ኣብ ምዝዛም ዓመት 2020 ብፍላይ ሓያሎ ምዕባሌታት ከም ዝተራእየ ገሊጽ። ነዚ ንርእዮ ዘሎና ሓድሽ ምዕብልና ድማ ብኸምዚ ዝስዕብ ገሊጹዎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስትን ክልል ትግራይን ዝተባርዐ ወግእ፡ ነቲ ዞና ብምሉኡ ኰነ ንመላእ ዓለም ዘሻቐለ ምንባሩ ኩልና እንርድኦ እዩ። እዚ ውግእ’ዚ ዕንወት፡ ስደት ህልቂትን ምፍሳስ ደምን ከምኡን ከቢድ መበቆላዊ ጽልእታት ዘከተል ኣሰራት ከም ዝነበሮን ከም ዘልውዎን እውን ካብ ኩልና ስዉር ኣይኰነን። ሃገርና ኤርትራ ኣብ ትሓቲ ሓላፍነት ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ምስቲ ብዶር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ስርዓት ኢትዮጵያ ወጊና ናብቲ ኲናት ከም ዝኣተወት ንሕናን ዓለምን ዘረጋገጾ እዩ። እቲ ውግእ ዞባዊ ርሕቀት ይወስድ ምህላዉ ዘርኢ ድማ፡ ብወሰናስን ዶባት ኣሳቢቡ ዝተላዕለ ናይ ሱዳንን ኢትዮጵያን ወግእን ናይ ከባቢ ሃገራት መርገጻትን ምድግጋፍን ኣሎ። ንሕና ከም ሰልፊ፡ በቲ ማእከላይ ባይቶ ዝወሰኖ መሰረት፡ ብንጹር ክንጓዓዝ ጸኒሕና ኣሎና። ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ኩነታት ኢደ ጣልቃነት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣይንቕበልን ኣይንፈቅድን ። ነቲ ብምሕዝነት ኢሳያስን ኣብይን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈነወ ናይ ህልቂት ወራር እናኰነንና፡ እቲ ውግእ ብዘይካ ዕንወት ሞትን ስደትን ካልእ ረብሓ ሰለ ዘይብሉ፡ ንዘተን ሰላምን ዕድል ከወሃብ እዩ ጸዋዒትና። ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ከኣ ኣብ መንጎ ተጓንጸቲ ሓይልታት ዘተ ክካየድ ኣብ ልዕሊ ምጽዓር፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ምሉእ ምክልኻል ክገብረሎም ጸዋዒትና ምቕራብ እዩ ክብል ኣብሪሁ። ቃል ኣቦ መንበር ሰልፊ ሓው ተስፋይ ደጊጋ ብምሉኡ ከንብቡ ንዝደልዩ ግዱሳት ኣብ’ዚ ዝስዕብ ብምጥዋቕ ክረኽብዎ ይኽእሉ። ቃል ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ናብ ዞባዊ ጉባኤ ሰሜን ኣመሪካ 16 ጥሪ 2021 (harnnet.org)

ስዒቡ ኣቦ መንበር ዞባ ሓው ደስበለ ጸብጻብ ምንቅስቓስ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ካብ ሳልሳይን ሓድነታውን ጉባኤ ሰልፊ ማለት ነሕሰ 2019 ክሳብ ሕጂ ኣቕሪቡ። ሓው ደስበለ ኣብ መደብዕዮ ሰልፊ ሰፊሩ ዝርከብ ተልእኾ ሰልፊ ብምቃስ፡ ዓላማና “ሓርነት ህዝብና ዘውሓሰት፡ ልዑላውነታ ዘረጋገጸት፡ ሓድነት ህዝባ ዝዓቀበት ንድኽነት፡ ንሕማምን ድንቁርናን ዝሰዓረት፡ ብልጽግቲ፡ ቅዋማዊትን ዲሞክራስያዊትን ሃገርምህናጽ እዩ።ብምባል እዩ ጀሚሩ። ጉባኤና ኣብ ድሮ በዓል ሲቪካው መራሒ ዶክተር ማርቲን ሉተር ኪንግ ይካየድ ምህላዉ ብምዝካር፣ እነኽብሮን ካብኡ ንመሃሮጽንዓት ከምዘሎ’ውን ዘኪሩ። ኣብ ጸብጻቡ ዞባ ዘመዝገቦ ዓወታትን ዘጋጠሞ ብድሆታትን ዘርዚሩ። ሓድነታዊ ምጽንባር ብደረጃ ዞባ ንምትግባር ክሳብ ዞባዊ ጉባኤ ዝካየድ ክልቲኡ ናይ ዞባ ሽማግለታት ተጸንቢሩ ክሰርሕ ምስ ጀመረ፡ ስኒት ዝዓሰሎ ልሙጽ መስርሕ ምኻዱ ኣብሪሁ። ብኹሉ ኣባል ዞባ ንዝተለገሰ ሰፍ ዘይብል እምነትን ምትሕብባርን ኣምስጊኑ።

ቀጺሉ ንጹርን ጽፉፍን ናይ ገንዘባዊ ጉዳያት ጸብጻብ ሓው ፍስሃየ ፍትዊ ተወሳኺ ዝሃበሉ ብሓው ቦኽረጽዮን ጉብሳ ቀሪቡ። ኣታዊ ሰልፊ ካብ ወርሓዊ ዉጽኢት ጥራሕ ዘይኮነ ስልፊ ንምሕያል ዝተኻየደ ወፈያ ዕዉት ምንባሩን ብኹሎም ኣባላት ሰልፊ ዝተራእየ ተወፋይነት ዕዙዝ ምንባሩን ኣብሪሁ። ብዘይካ’ዚ ካብ ብዙሓት ዘይኣባላት ፈተውቲ ሰልፊ ዝተወፈየ ሓገዝ ዓቢ ምንባሩ ምግላጹ ናይ ጉባኤኛ ሞራል ሓፍ ዘበለ ዘኹርዕ ሓብሬታ እዩ ኔሩ። ኣስዒቡ ብዞባ ሽማግለ ዝተዳለወት ላፕ ቶፕ ኮምፑዩተር ንዕጫ ወዲቓ ዝነኣድ ኣታዊ ከምዝገበረትን ኣብ ምዝዛም ጉባኤ ከምእትወድቕን ሓቢሩ።

ስዒባ ሓፍቲ ኣስገደት ምሕረትኣብ ጸብጻብ ምንቅስቓሳት ደቂ-ኣንስትዮ ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ ኣቕሪባ። ሓደስቲ ኣባላት ከምእተጸንበራን ስሩዕ ወርሓዊ ኣኼባታተን ብግቡእ ከምዝካየድን ኣብሪሃ። ኹሉ ግዜ ቐዳማይ መደብ መሰረታትና ምስፋሕ እዩ። ነዚ መደብ’ዚ ንምዕዋት ደቂ-ተባዕትዮ ኣባላት ሓላፍነት ከምዘለዎም ድሕሪ ምግላጽ፡ እንተወሓደ ሰብ ሓዳሮም ክውደባ ክተሓባበሩ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲባ። ኣብ ኩሉ ዝለዓል ክትዓት ናይ ኣረኣእያ ሓድነት ምርግጋጽ ቀዳምነት ሂበን ኣብ ስሩዕ ኣኼባታት ከምዝመያየጣ ገሊጻ። ብዘይካ’ዚ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ንዘለዋ ተመሃሮ ንምሕጋዝ ኣብ ህዝቢ ዝተኻየደ ወፈራ ብጣዕሚ ዘሕጉስ ዉጽኢት ከም እተረኽቦን ገና ድማ ይቕጽል ከምዘሎን ሓቢራ። እዚ ቅዱስ መደብ እዚ ከም ናይ ግብረሰናይ ተግባር መጠን፡ ኣብ ኣባላት ሰልፊ ጥራሕ ከይተሓጽረ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝሳተፍዎ ዘለዉ ምዃኑ ዘሓጉስ እዩ ኢላ። ኣብ’ቲ ናጻ ማሕበር ደቅ-ኣንስትዮ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ EWANA (Eritrean Women’s Association in North America) ወይ እዋና ብዝብል ስም ንኽቐዉም ዝኸይድ ዘሎ ቓልሲ ኣባላት ሰልፊ ይነጥፋ ምህላወን ገሊጻ።

ድሕሪ’ዚ ብዞባ ሽማግለ ዝቐረበ ጸብጻባት ብጉባኤ ጸዲቑ። ግባኤኛታት ኣብ ኣገደስትን እዋናውያንን ኣርእስትታት ምክብባር ዝመልኦ ክትዓት ኣካይዶም። ርእይቶታትን ለበዋታትን ቀሪቡ። ጉባኤ ካብ ዝዘተየሎም ነጥብታት ገለ ንምጥቃስ፡

  • ሚዛና ኣብ’ቲ ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ዝተራእየ ምዕብልናታትን ኣብ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዘሎ ዉግእን
  • ከም ሰልፊ ኣብ እነካይዶ ዘሎና ሓድነታዊ ቓልሲ ከም ዞባ ኣወንታዊ ግደና ከመይ ይረጋገጽ
  • ዝምድናና ምስ ኣብ ዞባና ዘለዉ ሓይልታት ተቓዉሞ ከመይ ነደልድል
  • ምስ ሰበስልጣን ሰሜን ኣሜሪካን ትካላት ግብረሰናይን ዝምድና ከመይ ንፈጥርን ዘሎ ነመሓይሽን
  • መሰረታት ስልፍና ከመይ ነስፍሕ
  • መንእሰያትን ደቂ-ኣንስትዮን ብዝያዳ ከመይ ነሳትፍ
  • ቁጠባዊ ዓቕሚ ሰልፍና ከመይ ነዕቢ ዝብሉ ኔሮም።

ንሕና ኤርትራውያን ቐንዲ ጸገምና ኣብ ሃገርና ዘሎ ምልኪ ምዃኑን ኩሉ ዓቅምታትና ኣወሃሂድና ምልኪ ኣፍሪስና ፍትሓዊ ስርዓት ክንተክል ቀዳምይ ዋኒንና ምዃኑ መሰረት ዝገበረ ኣብ ነፍስወከፍ ኣርእስቲ እኹል ምይይጥ ተኻይዱ። ሃናጺ ርእይቶታትን ለበዋታትን’ውን ተመዝጊቡ።

ቀጺሉ ኣምራጺት ሽማግለ ስርሓ ክሳብ ትድምድም፡ እታ ተዳልያ ዝነበረት ኮምፑተር ኣብ ዕጫ ወዲቓ። ኣርባዕተ ዕጽፊ ናይ ዋጋኣ ኣታዊ ዝገበረት ኮምፑተር ናብ ውፉይ ተቓላሳይ ብጻይና እስቲፋኖስ በራኺ በጺሓ። ሓውና እስቲፋኖስ ብወገኑ ነታ ኮምፕዩተር ኣብ ቤት-ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ዘለዉ ተመሃሮ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሻሙናይ ቀዳማይ ወይ ቀዳመይቲ ብልጫ ዝወጹ ተመሃሮ ኣብ ዕጫ ወዲቃ ንሓደ ወይ ሓንቲ ክትወሃብ ኣወፍዩዋ። ብዘይካ’ዚ ነቲ ዝሰዓረ ወይ ዝሰዓረት ናይ ማዕዶ ወላዲ ክረኽበሎም ተመባጺዑ። ጉባኤኛ ብምሉኡ ሓው እስቲፋኖስ ንዝገበሮ ሰናይ ተግባር ኣድናቖቱን ምስጋንኡን ገሊጹ።

ጉባኤ እናተኻየደ ናይ ምምራጽ ዕድል ተኸፊቱ ስለዝነበረ ኣምራጺት ሽማግለ ዘመናዊ ተክኖሎጂ ብምጥቃም ዉጺኢት ምርጫ ንጉባኤኛታት ሓቢራ። ተወዳደርቲ ብሓጻዪት ሽማግለ ቐሪቡሎም ንዝነበረ ሕቶታት ስእሎም ኣሰንዮም ሰዲዶሞ ዝነበሩ ጉባኤኛታት ከምዝርእይዎ ተገይሩ። እቲ ሕቶታት፡ ሕጹያት መን ምዃኖም ድሕሪ ምልላዮም መሪሕነት ማለት ንዓዓቶም እንታይ ማለት ምዃኑን እንተተመሪጾም ከ ንዞባ እንታይ ክገብሩሉ መደብ ከምዘለዎምን ሓጺር መግላጺ ከቕርቡ እዩ ኔሩ። እዚ ሓድሽ ዝተእታተወ ባህሊ እዩ። ኣምራጺት ሽማግለ ዉጽኢት ምርጫ ማለት 7 ኣባላት ዞባ ሽማግለን 2 ተጠባበቕትን መን ምዃኖም ኣዊጃ።

ኣብ መደምደምታ ጉባኤኛታት በብተራ በቲ ዝወዓለ ጽፉፍ ኣገባብ ሓጎሶም ገሊጾም፡ በቲ ኹሉ ዕዉት ጉባኤ ንክኸዉን ብኣሰናዳዊት ሽማግለ ዝተገብረ ጻዕርታት ኣመስጊኖም። ሞራልን ፍናንን ኣባላት ዞባ ሓፍ ዘበለ ጉባኤ ኮይኑ ድሕሪ 13 ሰዓታት፡ ሰዓት ሾሞንተ ናይ ምሸት ብምዕራብ ጉባኤ ተደምዲሙ።

ክንዕወት ኢና!

ልዑላዊት ኤርትራ ንዘልኣለም ትንበር!

ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና!

ቤት-ጽሕፈት ዜና ዞባ ሰሜን ኣሜሪካ

19 ጥሪ 2021

JANUARY 19, 2021  ETHIOPIANEWS

Source: UNHCR

UNHCR finds dire need in Eritrean refugee camps cut off in Tigray conflict

This is a summary of what was said by UNHCR spokesperson Babar Baloch  to whom quoted text may be attributed  at today’s press briefing at the Palais des Nations in Geneva.

Children are playing in a street of Adi Harush refugee camp.  © UNHCR/Chris Melzer

UNHCR, the UN Refugee Agency, regained access to two refugee camps in Tigray and found Eritrean refugees in desperate need of supplies and services two months after conflict forced humanitarian workers to withdraw from the region.

UNHCR led the first humanitarian mission to Mai Aini and Adi Harush refugee camps since the start of the conflict in November, after being granted one-time access by the Ethiopian authorities to conduct a needs assessment.

The assessment, which concluded last week, found help is urgently needed for the tens of thousands of Eritrean refugees in northern Ethiopia. Refugees were cut off from any supplies and services for more than two months. Wells were not functional without fuel for the pumps – leaving refugees to use water from a nearby creek for washing, cooking and drinking, resulting in diarrhea like illnesses.

The only assistance refugees received since the start of the conflict was a one-time food distribution conducted by the World Food Programme (WFP) almost a month ago. Plans are underway for a second distribution.

Thankfully, teams found that in both Mai Aini and Adi Harush camps, buildings and structures remain intact, including refugee homes, schools and clinics, with little damage observed.

However, refugees told our staff that while they were not impacted directly from the fighting, they were threatened and harassed by various armed groups. The refugees told us they continue to have safety concerns, reporting that armed gangs roam the camps at night stealing and looting.

UNHCR is working with the government and partners to re-establish a regular presence at the camps and launch a response based on the information collected. We have called on the government to strengthen security in both camps.

Further north in Tigray, we have not had any access to the Shimelba and Hitsats refugee camps since November. As highlighted in the High Commissioner’s statement last week, we continue to receive a number of reports of significant damage to those camps and indications that many refugees have fled in search of safety and food. We remain deeply concerned about them.

Some 5,000 Eritrean refugees have made their way to the town of Shire and are living in dire conditions, many sleeping in an open field on the outskirts of the town, with no water and no food.

UNHCR reiterates the UN wide call for full and unimpeded access to all refugees in the Tigray region and remains committed to work with the Ethiopian government to seek solutions together. We stress again that swift action to restore safe access are needed now to save thousands of lives at risk.