ባህግና Bahgna 74፣ ሰሙናዊ ዜናታት ምስ ርእሰዓንቀጽ ሰዲህኤ 31.07.2022
Written by Bahgna MediaMedia
ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ኤርትራውያን ብደረጃ ዓለም ክንወዳደር እንከለና ቁጽርና ውሑድ እዩ። ብ2019 ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝተኻየደ መጽናዕቲ መሰረት፡ ኤርትራ ብብዝሒ ህዝቢ ካብ 233 ሃገራት ኣብ መበል 133 ተሰሪዓ ኣላ። ኢትዮጵያ ከኣ ኣብ መበል 12 ሰፊራ ንረኽባ። ብደረጃ ኣፍሪቃ ድማ ኤርትራ ካብ 58 ሃገራት ኣብ መበል 40 ኣለና። ጐረቤትና ኢትዮጵያ ድማ 2ይቲ። ውሑዳት ክንስና፡ ንብዙሓት ዝሰዓርናሉ ናይ ጽንዓት ታሪኽ ኣለና። ቀንዲ ምስጢር ኣንጻር ብዙሓት ናይ ምስዓርና ከኣ ሓድነትና ኣጽኒዕና ምዕቃብና ምዃኑ፡ ንሕና ጥራይ ዘይኮና ብዛዕባ ቃልስና ምእንቲ ናጽነት መጽናዕቲ ዘካየዱ ወገናት ከይተረፉ ዘረጋገጽዎ ሓቂ እዩ።
ንሓድነትና ዘይሃሰዩ፡ ብኣንጻሩ ዘደልደሉ ናይ መንነት ብዙሕነት ሃብታማት ኢና። ኣስላማይ ክስታናይ፡ ወዲ ከበሳ ጓል መታሕት፡ ጓለኣንስተይቲ ወዲ ተባዕታይ፡ ወዲ ገጠር ከተመኛ፡ ኣብ ሃገር ዝነብር ኣብ ወጻኢ ዝቕመጥ፡ ከምኡ ድማ ባህልታትና፡ ቋንቋታትናን፡ ብሄራትናን፡ ብቕኒት ዘሳነየ መሳርሒ ሙዚቃ ጥዑም ዜማ ከም ዝህብ፡ ኣብ ቃልስና ጉልበትን ዓቕምን ዝኾኑና እዞም መርኣያ ብዙሕነትና እዮም። ጸላእቲ በብግዜኡ ካብዚ ብዙሕነትና ንሓደ መዚዞም ብምብላሕ ሓድነትና ከዳኽሙ ዝገበርዎ ፈተነታት ህዝቢ ኤርትራ በብግዜኡ ኣምኪንዎ እዩ። ህግደፍ’ውን በዚ ሓይልታት መግዛእቲ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ፈቲነሞ ዝተሳዕርሉ ጸረ ሓድነት ስልቲ ይድንድነና ከም ዘሎ ኣብ ልቦና ኩልና ዘሎ እዩ።
በቲ ካልእ ወገን ነዚ ናይ መንነት ብዙሕነትና ሓብሒቡን ዓቂቡን፡ ኣብ ሓደ መስርዕ ከምዘለና ዘርኢ መግለጺ እውን ኣለና። ኣብዚ መዳይዚ ኤርትራዊ ልኡላዊ ዜግንነትና ቅድሚት ይስራዕ። ቀደም ኮነ ሎሚ እቲ ዝወርድ መግዛእትን ወጽዓን ኣብ ልዕሊ ኩልና ኤርትራውያን ዝጨከነ ምንባሩን ጌና ቀጻሊ ምህላዉን ድማ ካልእ ኤርትራውያን ሓደ ምዃና መስካሪ እዩ። ከምቲ ሳላ ንኹሉ ከፋፋሊ መብጸዓታት ነጺግና ብሓባር ዝሰጐምና መግዛእቲ ስዒርና ናጻ ዝወጻእና፡ ሎሚ እውን ካብዚ ዘለናዮ ዘስካሕክሕን ነዓና ሓሊፉ ንዓለምና ዝደንጸወን ወጽዓ ክንናገፍ፡ እቲ መፍትሒ ኣብ ኢድ ኩልና ምህላዉ፡ ኣብ ሓደ መስርዕ ከም ዘለና ካብ ዘንጸባርቑ ዝርዝር መምዘንታት ወጻኢ ዝረአ ኣይኮነን። ካብዚ ስለ ዝነቐልና ኢና ከኣ “እቲ ወጽዓ ኣብ ኩልና፡ መፍትሒኡ ከኣ ብኹልና” ኢልና እንጭርሕን ንምትግባሩ እንቃለስን።
ምስጢር ዓወትና ሓድነትና ምንባሩን ምዃኑን ከምቲ ፖለቲከኛታት ወለድና “ኤርትራውያን እቶት ሓደ ዓውድን ጸባ ሓንቲ ላምን ኢና” ዝበልዎ፡ መስካሪ እዩ። ገዛእቲ ኤርትራን ጸላእቲ ህዝባን “ክበልዕ ዝበለ ገደል ኣፉ” ኮይንዎም እንተዘይኮይኑ፡ ወሳኒ ብጽሒት ሓድነትና ካብ ቀደም ይፈልጥዎ እዮም። ህዝቢ ኤርትራ ክሰዓር እሞ ንሳቶም ከምድላዮም ክኾኑ፡ ሓድነቱ ምፍራስ ወሳኒ ምዃኑ ተረዲኦምስ በብግዜኡ ኣብ ኤርትራ ዝገዝኡ ወረርትን ጸረ ዲሞክራሲ ሓይልታትን ክሰርሕሉ ፈቲኖም ግና ኣይተዓወቱን። ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡ ዕድል ህግደፍ እውን ካብ ዕድል ገዛእቲ ዘይፍለ ተሰዓራይ ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ። ምስዚ ኩሉ፡ ምድኻም ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ እውን ካብ ኣጀንዳ ህግደፍ ኣይወጸን። ጉጅለ ህግደፍ ንሓድነት ህዝብና ኣዳኺሙ ኣብ ስልጣን ክነብር ካብ ዝጥቀመሎም ቀንዲ መሳርሕታት፡ ኣብ ሕድሕድ ኤርትራዊ ምትእምማን ከም ዝጠፍእ ምግባር እዩ። ነዚ ምጥልላም ናብ ሓንቲ ስድራቤት ከይተረፈ ኢድ ኣእትዩ ዝሰርሓሉ እዩ። ብዙሓት ብተንኮል ህግደፍ ቀልቦም ተሰሊቡ ካብ ሰብኣውነት ዝወጹ ሰለይቲ “ሰበይቱ ኣእሲሩ፡ ሰብኣያ ኣትሒዛ፡ ንወለዱ ኣሕሊፉ ሂቡ፡ ኣብ ልዕሊ እሙን ዓርኩ ጠሊሙን ናይ ቀርባ ቤተ ሰቡ ኣጭውዩ ወይ ኣቕቲሉ” ዝብሉ ዛንታታት ካብቲ ጨካን ውዲት ናይቲ ጉጅለ ዝነቕሉ እዮም።
ወጽዓ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኩልና ኤርትራውያን ወሪዱ ዘሎ እዩ። እቲ ጉጅለ፡ ንሓንሳብ ምስ ከበሳ ኮይኑ ኣንጻር መታሕት፡ ንሓንሳብ ምስ ኣስላም ኮይኑ ኣንጻር ክርስትያን፡ ካብዚ ሓሊፉ ምስ ተጋደልቲ ነበር ኮይኑ ኣንጻር ሲቪል …..ወዘተ፡ እናኾነ፡ በብመድረኹ ብምግልባጥ፡ ዘካይዶ ምልዕዓል ናይ ሓሶት እዩ። ንሱ መንነቶም ብዘየገድስ፡ ምስ ንጸረህዝብነቱ ኣሜን ኢሎም ዝቕበሉ “እሙናት” ምስ ዝብሎም ዝተደናገሩ ወገናት ጥራይ እዩ ዝስለፍ። እቶም ዝድግፍዎ ወይ ካብ ኣፍንጨኦም ኣርሒቖም ዘይርእዩ ንእኩይ ተግባሩ ዘይተረድኡ ወይ እናረኣዩን እናሰምዑን ኣንጻር ረብሓኦም ዝተሰለፉ ኒሕ ዘየብሎም እዮም። ህግደፍ ግና ኩሉ ግዜ ህግደፍ እዩ። ደጋዊ ሕብርታቱ እንተዘይኮይኑ ሓቀኛ ትሕዝቶኡ ኣይቅይርን እዩ።
ናይ ህግደፍ መደናጋሪ ኣቀራርባ ኣብ ኤርትራውያን ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ብግቡእ ዘይተረድእዎ ዘይኤርትራዊ ወገናት እውን ንሓንሳብ ብሃይማኖት ንሓንሳብ ድማ ብኣውራጃ ናይ ውሱን ኩርናዕ ፈታዊ ወይ ጸላኢ መልክዕ ከትሕዝዎ ይፍትኑ እዮም። በዚ ተዓሽዮም ትሕቲ ሃገራውነት ንምስዓር ብትሕቲ ሃገራውነት ንዝውደቡ ከተባብዑ ፈቲኖም ዘይተዓወቱ ምንባሮም ከኣ ኣብ ተመኩሮና ዝተራእየ እዩ።
እቲ ካልእ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣንጻር ወጽዓ ዝተሰለፍና ዘሎ ዘይሕበል ሓቂ፡ እቲ ወጽዓ ጥራይ ዘይኮነ፡ መፍትሒኡ እውን ብኹልና ዝመጽእ ምዃኑ እዩ። እቲ ንህዝብና ኣደዳ ኩሉ ዓይነት መከራን ስደትን ኣቃሊዕዎ ዘሎ ምምሕዳር ህግደፍ ክውገድ ኣይኮነንዶ ናይቶም ኣንጻር ህግደፍ ንቃለስ ዘለና ናይቶም ደገፍቱ ከይተረፈ ትጽቢትዩ ኢልካ ምድምዳም ዘጸግም ኣይኮነን። ነቲ ክኾነልና እንጽበዮ ኣብ ምትግባር ዘለና ድልውነትን ቅሩብነትን ግና፡ ትሕቲ’ቲ ክኾኖ ዝነበሮ ምዃኑ ዝሕባእ ኣይኮነን። ተፈትወ ተጸልአ ግና “እቲ ሽግር እንዳ ኹልና፡ መፍትሒኡ ድማ ብኹልና” እዩ።
ኣብ ታሪኽና ሓድነት ህዝብና ብውዲት ገዛእቲ ዘይተበተነ፡ ዝቕበሎ ኤርትራዊ ባይታ ስለ ዘይረኸበ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ህግደፍ ሓድነትና ንምክፍፋል ዝገብሮ ዘሎ ፈተነ፡ ንሕና ባይታ እንተዘይፈጢርናሉ መኺኑ ከም ዝተርፍን ውድቀቱ ከም ዝቀላጠፍን ፍሉጥ እዩ። “ህግደፍ ዕድሜኡ ነዊሑ ዘሎ፡ ብሳላ ብቕዓቱን ህዝባዊ ተቐባልነቱን ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ድኽመት ናይቶም ኣንጻሩ ንቃለስ ዘለና እዩ” እንብል ድማ ካብዚ ሓቂዚ ብምንቃል እዩ። ነዚ ህዝብና ዘሳቕን ብክብርና ዝዋገን ዘሎ፡ ጉጅለ ትንፋስ ዝሰኹዓሉ ዘሎ ሃጓፍ እነወግዶ፡ ሓድነትና ኣንጻር ወጽዓን ጭቆናን ከነሕይል እንከለና ጥራይ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።
(ስእሊ ስውእቲ ሳዕዲያ ተስፉ፡ ካብ ፈይስቡክ)
መስዋእትነት ገዲም ተጋዳሊት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ሳዕድያ ተስፉ፡ ብኣዝዩ መሪር ሓዘን ሰሚዕናዮ። ሳዕድያ ተስፉ ሓንቲ ካብተን ኣብ 60ታት ዝተሰለፋ ውሑዳት ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ኮይና፡ ኣብ ከተማ ከረን ቅያ ድሕሪ ምስረሓ፡ ብ1968 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ከም ዝተሰለፈት፡ ኣብታ ወልደየሱስ ዓማር ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዘሕተማ መጽሓፍ “ምስክርነት ኣብ ግደ ተመሃሮ”፡ ብጅግንነት ተጠቒሳ ዘላ ሓርበኛ እያ። ስለዚ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንስውእቲ መንግስተ-ሰማይ የዋርሳ፡ ንቤተሰባ ድማ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃቦም እናበሉ ናይቲ ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃኖም ይገልጹ።
ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
29 ሓምለ 2022
የማነ ሃይለስላሴ ናይ ሓጺር ርሕቀት ተወዳዳርን ፊልሞን ዓንደ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ጐያይን ዝርከብዎም ሓሙሽተ ኣባላት ጋንታ ኣትለቲክስ ኤርትራ፡ ካብታ ኣብ መበል 18 ሻምፒዮን ዓለም-22 ኣብ አረገን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ትሳተፍ ዝነበረት ጋንታ ተፈልዮም ከም ዝተሰወሩ ተመራማሪ ማርቲን ፕላውት ዝተፈላለዩ ምንጭታቱ ብምጥቃ ሓቢሩ።
እዞም ኣባላት ኣትለቲክስ ብሓባር ብ24 ሓምለ 2022 ካብቲ ኣዕሪፈምሉ ዝነበሩ ህንጻ ዩኒቨርስቲ ከም ዝተሰወሩን ፖሊስ ናይቲ ከባቢ ብዛዕባ ምስዋር ናይዞም ኤርትራውያን ምስተሓበሮ ኣብ መዝገብ ሒዙ ይከታተሎም ከም ዘሎን ተፈሊጡ።
ብመሰረት’ቲ ነዚ ኩነታት ብዝምልከት ዝተዋህበ ግምት፡ ኤርትራውያን ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትሕቲ ሓያል ፖለቲካዊ ጸቕጢ ስለ ዘለዉ፡ ንከም ውድድር ዓለምለኸ ኣትለቲክስ ሻምፒዮና ዝኣመሰሉ ኣጋጣምታት ከም መሕተቲ ዑቕባ ከም ዝጥቀምሎም ርዱእ እዩ።
ኣስማት ናቶም ብዛዕበኦም ዋላ ብደረጃ ፖሊስ ሓበሬታ ዘይተረኽበ ዝተሰወሩ ኤርትራውያን ስፖርተኛታት፡ ዓንደ ፊልሞን ወዲ 24 ዓመት፡ ሃብቶም ሳሙኤል ቀለታ ወዲ 18 ዓመት፡ በርሀ ኣስገዶም ንጉሰ ወዲ 44 ዓመት (ኣሰልጣኒ)፡ መርሃዊ መብራህቱ ተወልደብርሃን ወዲ 18 ዓመትን ሃይለስላሴ ተኽለሃይማኖት የማነ ወዲ 24 ዓመትን ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።
ብሓፈሻ ኤርትራውያን ስፖተኛታት፡ ብፍላይ ድማ ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዚያት ካብ ኤርትራ ናይ ምውጻእ ዕድል ኣብ ዝረኸብሉ መብዛሕትኦም ዘይምለሱ ምዃኖም ዝተለምደን መግለጺ ናይቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጭቆና ምዃኑን ዝተፈልጠ እዩ።
እቲ ኣብ ሃገር ሽወደን፡ ካብ ከተማ ስቶክሀልም ንወገን ሴሜን ጃርቫ ኣብ ዝበሃል ህዝባዊ መናፈሲ/ፓርክ ክካየድ ተመዲቢ ዝነበረ ፈስቲቫል ህግደፍ ስካንድንቪያን፡ ሓያል ተቓውሞ ከም ዘጋጠሞ ማእከል ሓበሬታ ኤርትራ/Eritrea Hub ሓቢራ። ኣብዚ ተቓውሞ ዘጋጠሞ ፈስቲቫል፡ ኣወል ስዒድ ዝተባህለ ኣንጻር ህዝቢ ዘለዓዕል ዕሉል መሳርሒ ህግደፍን ኣማኻሪ ፖለቲካ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወቂ የማነ ገብረኣብን ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝሳተፉ ዕዱማት ምዃኖም እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።
ኤርትራውያን ተቓወምቲ፡ እቲ ብደረጃ ዓለም ብግህሰት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝፍለጥ ጉጅለ ህግደፍ ህዝባዊ መእከቢ ኣዳራሽ ተኻርዩ ፈስቲቫል ከካይድ ክፍቀደሉ ሕጉሳት ከም ዘይነበሩ እቲ ዜና ጠቒሱ። እቲ ካብ ማእከል ሓበሬታ ኤርትራ ዝተረኽበ ዜና፡ ብትሕሓዝ ህግደፍ ኣብ ሽወደን ከምዚ ዓይነት መደብ ፈስቲቫል ዘውጽእ ዘሎ፡ ንጋዜጠኛ ኤርትራዊ ሽዊደናዊ ዳዊት ይስቕ ንልዕሊ 20 ዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ እናሰቐየ እንከሎ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ። ኣብዚ ተቓውሞ “ብሩህ መጻኢ” ዝተባህለ ኤርትራዊ ጉጅለ መሪሕ ግደ ከም ዝነበሮ እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣስፊሩ።
ኣብቲ ናይ ብዙሓት ተቓውሞ ዝዓደመ ናይ ፈስቲቫል ህግደፍ ዛዕባ፡ ኣሳ ኒልሰን ዝተባህለት ኣብቲ ኣዳራሽ ዝርከበሉ ከባቢ ፖለቲከኛን ሕጽይቲ ከንቲባ ስቶክሀልምን ኣብቲ ጉዳይ ካብ ዝተገደሱ ሓንቲ ነይራ። በዚ መሰረት፡ ብዛዕባቲ ንህግደፍ ክካረ ተሓሲቡ ዝነበረ ህዝባዎ ኣዳራሽ ኣብ ዝጸሓፈቶ ሓያል ተቓውሞ “ናይ ሎሚ ዘበን ፈስቲቫል ንሰርዞ፡ ንዓመታ ኣብቲ ቦታ ናይ ዲሞክራስያዊ ፈስቲቫል ከነካይድ ኢና” ከም ዝበለት ተፈፈሊጡ።
ጉጅለ ብሩህ መጻኢ ብወገኑ፡ ናብ ምምሕዳር ናይቲ ህዝባዊ መናፈስሲ/ፓርክ ናይ ተቓውሞ ደብዳበ ናይ ምጽሓፍ፡ ምስ ጠበቓታትን ናይቲ ከባቢ ሚድያታትን ምምኻርን ብኢመይልን ካልእ ኣገባብን ኣንጻርቲ ፈስቲቫል ሰፊሕ ወፈራ ምክያድን ዝኣመሰሉ ናይ ተቓውሞ ስጉምታት ወሲዱ። ኣብ መወዳእታ ከም ውጽኢት ናይዚ ኩሉ ተቓውሞታት ናይቲ መናፈሲ/ፓርክ ምምሕዳር ናይ መእከቢ ኣዳራሹ ንፈስቲቫል ህግደፍ ከካሪ ዝነበሮ መደብ ሰሪዙ፡ ተሳተፍቲ’ቲ ፈስቲቫል ናይ ማይ፡ ዓይኒ ምድሪን ሓይሊ መብራህትን ኣገልግሎት ንከይረኽቡ ከም ዝወሰነ ተሓቢሩ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ሃገሮም ኣኼባ መራሕቲ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ናይ ምትእንጋድ መደብ ከም ዘለዋ ብ20 ሓምለ 2022 ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ምሕባሮም፡ ካብ ዋሽንግተን ተገሊጹ። ሩሲያ ብወገና ካለኣይ ርክብ መራሕቲ ሩስያን ኣፍሪቃን ንምስንዳእ ላዕልን ታሕትን ትብል ኣላ።
እቲ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝሳተፍሉ ኣብ ዋሽንግተን ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ኣብ መጻኢ ወርሒ ታሕሳስ 13-15፡ 2022 ዝካየድ ኮይኑ፡ ብዛዕባ ካብ ጸገም ውሕስነት መግቢ ጀሚርካ፡ ክሳብ ምቅይያር ኩነታት ኣየር ንፍሪቃ ዝጋጥምዋ ዘለዉ ብደሆታት ከም ዝዝቲ ተሓቢሩ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነዚ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ መራሕቲ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን፡ ኣሜሪካ ብዛዕባ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ቀጻሊ ተገዳስነት ዘርኢ እዩ። ኣብ ርእሲዚ ቀጻሊ ዝምድናን ምትሕብባርን ክሊቲኡ ኣህጉራት ዘመልክት ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ኣብ ኣህጉራዊ መዳይ ዝህልዉ ሓባራዊ ቀዳምነታት ምትሕግጋዝ ንምልላይ ዘኽእል ምዃኑ ጠቒሶም።
ብኻልእ ወገን ድማ ሩሲያ ነቲ ኣብ ወርሓት ሕዳር ወይ ታሕሳስ 2022 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ካለኣይ ርክብ መራሕቲ ሩሲያን ኣፍሪቃን ንምድላው ትንቀሳቐስ ከም ዘላ ምስ መገሻ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሩሲያ ሰርገይ ላቭሮቭ ናብ ኣፍሪቃ ተተሓሒዙ ተሓቢሩ። ላቭሮቭ ኣብዚ ሃገሮም ምስ ምዕራባዊ ዓለም ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ዩክረይ ዝፈጸምቶ ወራር ኣብ ሕማቕ ዝምድና ዘለወትሉ እዋን፡ ምስ መራሕቲ ኣፍሪቃ ዝገብርዎ ዘለዉ ርክብ ሃገሮም ኣብቲ ፍታሕ ንኣፍሪቃ ብኣፍሪቃ ዝብል መትከል ከም እትኣምንን ሰፊሕ መደብ ቁጠባዊ ወፍሪ ከም ዘለዋን ይገልጹ ኣለዉ። ቀዳማይ ርክብ መራሕቲ ሩሲያን ኣፍሪቃን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2019 እዩ ተኻይዱ። ላቭሮቭ ኣብዚ ጉዕዘኦም ኣብ ግብጺ ምስ መራሕቲ ዓረብ ሊግ እውን ተራኺቦም እዮም።
እዚ ንርከበሉ ዘለና እዋንዚ ምስቲ ዝረአ ዘሎ ናይ ዓለምና ውዑይ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስን ሓድሽ ኣሰላልፋ ሓያላት ኣካላትን ብሓፈሻ ናብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ቆላሕታ ዘርእይሉ ዘለዉ እዩ። ብዙሓት ናይ ቁጠባን ፖለቲካን ቀጸለውቲ ኣካላት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉያት ልኡኻት ይመዙ ምህላዎምን ኣኼባታት ኣሜሪካን ሩስያን ምስ መራሕቲ ኣፍሪቃ ከኣ ነዚ ዘርኢ እዩ።
ኤርትራ ኣብ ወራር ዩክረይን ብወግዒ ምስ ሩሲያ ዝወገነት እንኮ ሃገር ኣፍሪቃ ክንሳ፡ ኣብ ዝርዝር እተን ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሩሲያ ዝበጽሕወን ዘለዉ ሃገራት፡ ኢትዮጵያ፡ ግብጺ፡ ኡጋንዳ ረፑብሊክ ኮንጎን ኣይተጠቕሰትን።
Eritrea’s ruling party’s Stockholm festival plans terminated! How it was done
Written by Eritrea Hub
Venue Contract Terminated!By Amanuel Ghebremicael The planned Scandinavian Festival of Eritreans, to be held at Jarva People's Park in Eggeby gård just North of Stockholm, faced fierce opposition from the get go. The organisers planned to bring a well known genocide promoter, by the name Awel Seid, all the way from Eritrea. Shockingly, and as expected a "surprise" guest by the name Yemane Ghebreab was also invited to the event. Eritrean opposition groups were not comfortable with the idea that a public space was to be leased to a regime that is known around the World for its gross human rights violations. It made no sense that the Eritrean regime - that has no concern at all for the public - should be allowed to use a public facility. After all, this is the same regime that has held Dawit Isaak, a Swedish Eritrean Journalist, in dungeons for more than 20 years. Opposition groups, spearheaded by the Bright Future Movement objected to the lease in writing to the management of the park. Action NeededThe regime's actions call for a reciprocal response or action elsewhere. Åsa Nilsson Söderström, a local politician and a mayoral contender in Stockholm, was made aware of the situation. She wrote a strong letter opposing the use of a public space for the event. "Let's Cancel this Year! We will hold a festival for Democracy next Year" she wrote. Bright Future Movement in Sweden has taken a range of measures so far. These included: · Writing a letter of objection to the Park Management - · Lobbying lawmakers and the local media · Conducted an Intense Campaign against the Festival · Set up an E-mail Campaign for the public to address the problem to the Concerned parties · Notified local Authorities and the Stockholm Police - requesting a Demonstration Permit Success!Together, these efforts convinced the Park Management to terminate it's halls rental contract with the PFDJ. And all associated services, like water, electricity, toilet have also been denied. The PFDJ's Fundraising Event, disguised as a "Cultural" Event will now have to be held the open fields and they will have to hire all the services they use. |
شكوى رسمية ضد الحكومة الإرترية نيابة عن الصحفي دوايت اسحاق.
Written by عدوليس
admin This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.يوليو 26, 2022
0222 دقيقة واحدة
ترجمة / عدوليس
مركز راؤول والنبرغ لحقوق الانسان يتقدم بشكوى رسمية ضد الحكومة الإرترية نيابة عن الصحفي دوايت اسحاق.
في خطوة جديدة للدفع بملف الصحفي الإرتري السويدي دوايت اسحق إلى ساحات القانون الدولي، تقدم مركز راؤول والنبرغ لحقوق الانسان بالتنسيق مع عدد من المنظمات الدولية الرائدة في مجال الدفاع عن الصحافة وحقوق الانسان، مثل منظمة مراسلون بلا حدود، ولجنة حماية الصحافيين (CPJ)، ونقابة المحامين الدولية، ومعهد حقوق الإنسان (IBAHRI)، وبرلمانيون للعمل العالمي، ومنظمة القلم الدولية، والدفاع عن المدافعين، والمستشار القانوني السويدي للسيد إسحاق دعوى قضائية شكوى إلى فريق الأمم المتحدة العامل المعني بالاحتجاز التعسفي للمطالبة بمحاسبة الحكومة الإرترية بسبب الانتهاكات الجسيمة لحقوق الإنسان ضد داويت إسحاق وزملائه الذي يعتبر اعتقاله الأطول بين الصحفيين المحتجزين في العالم اليوم ، وقد طالب تحالف المنظمات بإطلاق سراحه وزملائه بشكل فوري دون قيد شرط.
وقد جاء ذلك في بيان اصدره مركز راؤول والنبرغ لحقوق الانسان، وقد حوى البيان عدد من التصريحات من بينها تصريح الدكتور محمد عبد السلام بابكر مقرر الأمم المتحدة الخاص المعني بحالة حقوق الإنسان في إرتري حيث قال (إن قضية داويت اسحق حالة رمزية لا تقتصر دلالتها فقط على وضعه كصحفي أو زملائه الخمسة عشر الذين تعرضوا للاعتقال التعسفي في 2011م، ولكن أيضاً لحالة مئات المعتقلين الذين يقبعون في السجون الإرترية دون اتباع الإجراءات القانونية بخصوص انتقاداتهم للحكومة الإرترية بغض النظر ما إذا كانت هذه الانتقادات حقيقية أو متصورة).
وقد حوى البيان إضافة الى تصريح د. عبدالسلام عدداً من التصريحات المماثلة لكل من البروفسور إروين كوتلر مؤسس منظمة (IBAHRI)، و خيسوس الكالا المستشار القانوني للصحفي داويت إسحاق، وأنجيلا كونتال منسق برنامج أفريقيا بلجنة حماية الصحافيين، وحسن شاير المدير التنفيذي لمنظمة الدفاع عن المدافعين، وأنطوان برنارد من منظمة مراسلون بلا حدود.
وقد اختتم البيان مشيراً الى الانتهاكات المستمرة للحكومة الإرترية للحقوق والحريات الاساسية بما في ذلك حرية الاعلام واضطهاد وقمع الصحفيين، بما في ذلك حالة داويت اسحاق، وقد طالبت المنظمات الموقعة على البيان الحكومة الإرترية بضرورة الكشف عن مكان تواجد داويت والإفراج عنه فوراً دون قيد أو شرط.
وقد جاء البيان ممهوراً بتوقيعات كل من:
- مركز راؤول والنبرغ لحقوق الإنسان
- مراسلون بلا حدود
- لجنة حماية الصحفيين
- معهد حقوق الإنسان التابع لرابطة المحامين الدولية (IBAHRI)
- برلمانيون من أجل العمل العالمي (PGA)
- منظمة القلم الدولية
- منظمة الدفاع عن المدافعين
- السيد خيسوس الكالا (مستشار قانوني سويدي)
- السيد بيرسي برات (مستشار قانوني سويدي)
More...
ብዓለምለኸ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝተመዙ ኣባላት ኮሚሽን ክኢላታት ምርመራ ሰብኣዊ መሰል፡ 25 ሓምለ 2022 ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝኣተዉ እሙናት ምንጭታት ገሊጾም። እቶም ሰለስተ ኣባላት ናይቲ ኮሚሽን ክኢላታት፡ ኬንያዊት ካሪ በቲ ሙራኒ ኣደመንበር፡ ስሪላንካዊት ራድሂካ ኩማራስዎሚን ኣሜሪካዊ ስተቨን ራተርን ድማ ኣባላት እዮም። ናይዚ ኮሚሽን ክኢላታት ናብ ኢትዮጵያ ምምጻእ፡ ኣብታ ሃገር መስርሕ ምጽራይ ናይቲ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ብኸመይ ከም ዝካየደ ምስ ሓለፍቲ መንግስቲ ንኣገባብ ኣብ ዝምልከት ንምዝርራብ ምዃኑ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።
ኣብ ጀነቫ ዝመደበሩ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ነዚ ሰለስተ ዝኣባላቱ ጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኢትዮጵያን ጥሕሰት ዓለም ለኻዊ ሕግታትን ናይ ምምርማር ሓላፍነት ዘለዎ ኮሚሽን ክኢላታት ብ17 ታሕሳስ 2021 እዩ ኣቚምዎ። ብዘይካዚ ኣብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ውግእ ትግራይ ንስደተኛታት ዝምልከቱ ዓለምለካዊ ሕግታት ብኹሎም ወገናት ብዛዕባ ምጥሓሶምን ዘይምጥሓሶምን ክምርምር እዩ።
እዚ ኮሚሽን ክኢላታት ካብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ይረአ ንዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝምልከት፡ ብ30 ሰነ 2022 ናብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ናይ ቃል ጸብጻብ ኣቕሪቡ ነይሩ። ኣደመንበር ናይቲ ኮሚሽን ክኢላታት ኣብቲ ዘቕረብኦ ናይ ቃል ጸብጻብ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሰብኣዊ ኩነታት ኣዝዩ ሓደገኛ ምህላዉ ሓቢረን፡ ብፍላይ ናይ 18 ሰነ 2022 ፍጻመ ቅትለት ኣማኢት ሰቪላት ምዕራብ ወለጋ ንኣብነት ጠቒሰን። ኣተሓሒዘን ከኣ ኣብቲ ጸብጻበን ዓሌት መሰረት ጌርካ ዝቐርቡ መደረታትን ጐስጓሳትን ዘርኣውን ጾታውን ፍልልያት ፈጢሮም ናብ ዝገደደ ገበን ዝወስዱ ምዃኖም ኣጠንቂቐን። ናይ መግቢ፡ መድሃኒትን ካልእ ሰብኣዊ ቀረባትን ዕጽዋታት ድማ ቅልውላው ዘጋድዱ ምዃኖም ዘርዚረን።
ኣብ መወዳእታ እተን ኣደመንበር ናይቲ ኮሚሽን ስራሕ ምጅማር ጠቒሰን፡ ክሳብ ሕጂ ብሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግበረሉ ዘሎ ምትሕብባር ኣውንታዊ ምዃኑ ሓቢረን። ኣብ መጀመርያ ግና መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምምዛዝ እዚ ኮሚሽን ተቓዊሙ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። እዚ ኮሚሽን ክኢላታት 30 ሓምለ 2022 ብዛዕባ ጉዕዘኡ ናብ ኢትዮጵያ መግለጺ ከውጽእ ትጽቢት ኣሎ።
ሃገርና ኤርትራ ክሳብ ሎሚ፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ንምምርማር ብሕቡራት ሃገራት ንዝተመዙ ኣካላት ዕጽውቲ ምህላዋ ዝዝከር እዩ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ነቲ ካብ ዝባራዕ ክልተ ዓመቱ ቀሪቡ ዘሎ ውግእ፡ ብዘተ ክፈትሕዎ ብመትከል ቅሩባት ምዃኖም ብተደጋጋሚ ብናይ ዜና ማዕከናቶም ይገልጹ ኣለዉ። በዚ መሰረት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ 7ተ ዝኣባላታ፡ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮነን እትምእከል ነቲ መስርሕ ዘተ እትመርሕ ኣካል ከም ዘቖመን ስረሓ ከም ዝጀመረትን ኣፍሊጡ። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ ንዘተ ድልዊ ምዃኑን ኣባላታ’ኳ ብኣስማት ተዘይተገልጹ ተመሳሳሊት ኣካል ኣቚሙ ከም ዘሎ ሓቢሩ ኣሎ።
እቲ ዝሕሰብ ዘሎ ዘተ፡ መዓስ ከም ዝጅመር ብንጹር ኣይተፈልጠን። ብዘይካዚ መን ከም ዘዛትዮምን ኣበይ ከም ዝዛተዩን ከሎ ጌና ዘሰሓሕቦም ኮይኑ ዘሎ እዩ። መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ዘዛቲ ኣካል ሕብረት ኣፍሪቃ ክኸውን እቲ ዘተ ዝካየደሉ ቦታ ከኣ ታንዛንያ ከም ዝኸውን ብተደጋጋሚ ክገልጽ ጸኒሑ። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ፡ እቲ ዘዛቲ ፕረሲደንት ኬንያ እሁሩ ከኒያታን ካለኦት ተዓዘብቲ ዝርከብዎን ኮይኑ፡ ኣብ ናይሮቢ ክኸውን ምርጫኡ ምዃኑ ይገልጽ ኣሎ። እዚ ፍልልይ እዚ ኣብቲ ቀንዲ ቁምነገር ቅድሚ ምብጸሖም ዘሰሓሕብ ቅድመ-ኩነት ኮይኑ ኣሎ።
ካብዚ ሓሊፉ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዘተ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ መሰረት ብምግባር እዩ ዝካየድ ዝብል ኩነት ኣስፊሩ ኣሎ። እዚ በቲ ሕገ-መንግስቲ መሰረት ኣብ ሓንቲ ሃገር ኢትዮጵያ ክልተ ሰራዊት ምክልኻል ኣይህሉን ብዝብል ናብ ዕጥቂ ምፍታሕ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ዝዓለመ ስለ ዝኸውን፡ ናይቲ ዘተ ናይ ምዕዋት ዕድል ካብ ዘጽብቡ ሓደ ምኽንያት ከም ዝኸውን ናይ ብዙሓት ስግኣት እዩ። ብኻልእ ወገን ከኣ ከባብታት ራያን ወልቃይትን ብዝምልከት ብወገን ክልል ትግራይ ናብ ዘተ ዘይቀርብ ኣካል ምምሕዳር ትግራይ ስለ ዝኾነ፡ ናብ ምምሕዳር ትግራይ ክምለስ እዩ ዝብል ተሪር ቅድመ-ኩነት ኣሎ። ብወገን ኣምሓራ ከኣ ጉዳይ ክልቲኡ ከባብታት ውዱእ እዩ፡ ራያን ወልቃይትን ናብ ትግራይ ክምለስዩ እዩ ማለት ዘበትዩ ዝብል መደምደምታ ስለ ዘለዎ፡ ካልእ ንምዕዋት እቲ ዘተ ዘጸልምት እዩ ተባሂሉ ዝፍራሕ እዩ።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብቲ ዘተ ዝሳተፍ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ በይኑ ዘይኮነ፡ ኣካልቲ ውግእ ኮይነን ዝጸንሓ ክልላት ኣምሓራን ዓፋር ነብሰን ክኢለን ክሳተፋ ዝብል ርኢቶ ኣሎ። ብወገን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ድማ’ ባይቶ ዓባይ ትግራይ፡ ውድብ ናጽነት ትግይን 3ይ ወያነ ትግራይን ዝታባህላ ተቓወምቲ ውድባት፡ ብተደጋጋሚ የውጸአኦም ብዘለዋ መግለጽታት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ዝመርሖ ክልላዊ መንግስቲ በይኑ ክዛተ ሕጋውነት የብሉን ዝብል መርገጻተን ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ።
ብዙሓት ነዚ ኩነታት ብቐረባ ዝዕዘቡን ኣብ ፖለቲካዊ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝግደሱን ከም እንግሊዛዊ ማርቲን ፕላውት ዝኣመሰሉ ተንተንቲ ፖለቲካ፡ እቲ መስርሕ ዘተ ምትእምማን ኣብ ዘይተፈጥረሉ ይእቶ ስለ ዘሎ፡ ኣጸጋምን ነዊሕ ግዜ ዝወስድን ከም ዝኸውን ግምታቶም ይህቡ ኣለዉ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቅርኒ ኣፍሪቃ ኣንበሳደር ማይክ ሃመር፡ ነዚ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይ ዝግበር ዘተ ንምትብባዕ ካብ 25 ሓምለ 2022 ጀሚሮም ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ገሾም ኣለዉ። ብዘይካ ናብ ኢትዮጵያ ናብ ግብጽን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን እውን ክበጽሑ እዮም።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ፖለቲካዊ ወጥሪ ምስ ተፈጥረ ኮነ፡ ናብ ደረጃ ውግእ ምስ ተሰጋገረ፡ ናይቲ ጸገም መፍትሒ ዘተን ልዝብን ጥራይ ምዃኑ፡ ከተንብህ ከም ዝጸንሐ ዝዝከር እዩ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ጉጅለ ህግደፍ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ክነሱ፡ ክሳብዚ እዋንዚ ውሱናት ኤርትራውያን ከም ዝድግፍዎ ዝከሓድ ኣይኮነን። እንተኾነ ምስቲ ጸረ ህዝብነቱ ቀጻሊ ምህላዉን ኣብ መጻኢ እውን ናብ ልቡ ክምለስዩ ዝብል ተስፋ ዘየለ ምዃኑን፡ ናይቶም ዝድግፍዎ ቁጽሪ እናሓደረ ከንቆልቁል ግድን እዩ። ካብቶም ይድግፍዎ ዝበሃሉ እሞ ከም ናይ ደገፍ መገለጺኦም ኣብ ዘዝተኸሎ ጓይላ ዝስዕስዑ በሃማት፡ መብዛሕትኦም ደገፎም ካብ ልቢ ዘይኮነ፡ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ዝኾኑ ሰንበድቲ ብዙሓት እዮም። ምኽንያቱ ተሓቢኦም ብዛዕባ ህግደፍ ዝብልዎ ምስቲ ሳዕሳዒቶም ኣብ ጓይላ ዘሳኒ ኣይኮነን። ሓንሳብ ኣፍ ኣውጺኦም “ንድግፎ ኢና” ስለ ዝበሉ፡ ኣበሳኡ እንዳርኣዩ ናብ መንገዲ ሓቂ ምምላስ ዝጸገሞም ኣለዉ። ቀንዲ ምኽንያት ስግኣቶም ምስ ነቲ ጉጅለ ዘይምድጋፎም ክመጽእ ዝኽእል ምብኳር ነገራዊ ጠቕሚ እዩ። ካብ ዘለዉዎ ሃገር ናብ ኤርትራ መገሻ ከይትኽልከልን ገዛን ካልእ ንዋትን ከይውረሰካ ምስጋእን እውን ኣብዚ ዝጽብጸብ እዩ። እንተኾነ ምድጋፍ ኮነ ምቅዋም ብሓንሳብ ብሃንደበት ዝመጽእ ዘይኮነ፡ ብመስርሕ ዝረጋገጽ ብምዃኑን ህግደፍ ደገፍ ዘውህብ ተግባርን ባህርን ስለ ዘየብሉን ውዒሉ ሓዲሩ ጥራይ ኢዱ ከም ዝተርፍ ናይ ግዜ ጉዳይ እዩ።
ኣብ ኤርትራ ብህግደፍ ዝተካሕደን ዘይተካሕደን ኢልካ ፈላሊኻ እትጠቕሶ የለን። ምኽንያቱ ምናልባት ደኣ ገሊኡ ብቐጥታ ገሊኡ ድማ ብተዘዋዋሪ ይኸውን እምበር፡ በዚ ጉጅለ ዘይተጠልመ ኤርትራዊ የለን። በዚ እዩ ከኣ፡ “ህግደፍ ኤርትራዊ ፈታዊ የብሉን” ኢልካ ምጥቕላል ዘየጸግም። እቲ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ተግባራት ኢሳያስን ጉጅለኡን ገዲፍካ፡ ናይ ድሕሪ ናጽነትና ጉዕዘኡ ጥራይ እንተዳህሲስካ ንጥልመት ህግደፍ ኣዕሚቑ ዘርኢ እዩ። ዝተጠልመ ህዝቢ ናይቲ ዝጠለሞ ፈታዊ ከም ዘይከውን ውሁብ እዩ። እቲ ኢሳያስ “ብውድባት ሓሸውየ የለን” ዝበለሉ መደረ’ውን ናይ ጥልመቱን ጽልኡን መግለጺ እንድዩ፡ መሰሎም ስለ ዝሓተቱ ጥራይ “ሕንቑቓት” ዝብል ቅጽል ተዋሂብዎም፡ ተረፍ ጥይትን ቡንባን ስንኩላን ውግእ ማይሓባር ዝተረሸንሉ ተረኽቦ ኣዝዩ ፍሩይ ናይ ጽልኢ መግለጺ ነይሩ። ጽልኢ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዝጀመሮ እንተቐጺሉ፡ ሳዕቤኑ እዚ ሕጂ ኣብ ሃገርና ዘሎ ከይከውን ስግኣት ካብ ዝሓደሮም ኤርትራውያን፡ ብ2000 ዓገብ ዝበሉ ብበርሊን ማንፈስቶ ዝልለዩ ጉጅለ-13 ምሁራት ሓሳቦም ተጠሊሙ እዩ። እዚ ጥልመት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ እምበር፡ ኣብ ልዕሊ እቶም 13 ምሁራት ጥራይ ኣይነበረን።
ኣብ 2001 ናታቶም ቃልሲ ብዝተሓወሶ ኣብ ስልጣን ዝደየበ፡ ውሱን ኢሳያስ ዝዝውሮ ጉሒላ ሓይሊ፡ ካብቶም ኣብ ውዑይን ዝሑልን ከእትዎም ዝጸንሐ ባእታታት ዝርከብዎ ጉጅለ-15 “ደጊም ምስምስ ከይፈጠርና፡ ኣካይዳና ነተዓራሪ” ስለ ዝበሉ ኣዳዕዲዑ ጠሊሙ ኣህጢምዎም። ኣብቲ ዓመትቲ ናይ ህዝብና ናይ ሓበሬታ ጽምኢ ብዝተወሰነ ደረጃ ከርውያ ጀሚረን ዝነበራ ናይ ብሕቲ መዲያታት ዓጽዩ፡ ንጋዜጠኛታተን ኣሲርዎም። ኣብ ልዕሊ እዞም ዝፈልጥዎ ክነሶም፡ ዝተገርሁ ወገናት ዝተወስደ ስጉምቲ እውን ኣብ ልዕሊ እቶም ውሱናት ባእታታት ጥራይ ዝዓለመ ዘይኮነ፡ ጽልኢ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝደረኾ ጥልመት እዩ። ገለ ግሩሃት ግና፡ ሎሚ’ኳ ተረዲእዎም ይኸውን፡ ክሳብዚ ቀረባ ግዜ፡ “ዓሻ ሰብይትስ ወዲ ሓሙታ ዘይወዳ ይመስላ” ከም ዝበሃል፡ እቲ ሽዑ ዝተወስደ ጥልመት ኣብ ልዕሊ ውሱናት ዝተወስደን ኣብኣቶም ዘይበጽሕን ገይሮም ይወስድዎ ነይሮም። ኣብ 2013 “ናይ ወዲ ዓሊ” እናተባህለ ዝዝከር፡ “ስርሒት ፎርቶ” ካልእ ናይ ህዝቢ ትጽቢት ዝተዓጽፈሉ ጥልመት እዩ ነይሩ። እዚታት ንኣብነት ዝጥቀስ እምበር፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊቲ ተወዲቡ ብቓልዕ ዝቃለስ ዘሎ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ተቓውሞ ዘርኣዮ ብደዐ ጀሚርካ፡ ጥልመት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ መዓልታዊ ተረእዮ እዩ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን።
ህግደፍ በቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ጽልኢ ተደሪኹ፡ ዝወስዶ ዘይሓላፍነታዊ ናይ ጥልመት ስጉምትታት ኣመላኺዑ ካልእ ትርጉም ከትሕዞ እዩ ዝፍትን። ቅድሚ ኩሉ ነቶም ተዋሳእቱ ብሕማቕ ስኢሉ፡ ከም መፈራርሒ ናብ ህዝቢ የቕርቦም። ከከም ኩነታቱ መሳርሒ ወያነ ትግራይን ምዕራባዊ ዓለምን ይብሎም። ሓሙሻይ መስርዕ ኢልካ ምጥማቖም ከኣ ካልእ ሜላኡ እዩ። ንሓንሳብ ድማ ንገለ ናይ ለውጢ ተበግሶ ሃይማኖታዊ መልክዕ የትሕዞ’ሞ፡ ንኣመንቲ ምስልምና ወይ ኣመንቲ ክርስትና “ኣንጻር እምነትኩም መጽኹም” እናበለ የሰናብዶም። እዚ ጽልእን ጥልመትን ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ዶባት እናሰገረ ጸላእቲ ናይ ምዕዳም ጠባይ ዘለዎ እዩ። እቶም ቀደም ቀራናት ዝበሃሉ ዝነበሩ፡ ሎሚ እውን ዝያዳ ንዝረአ ምርኣይ ስኢኖም፡ ንዝስማዕ ከኣ ምስማዕ ስኢኖም ደንዚዞም፡ ናብ ግኡዝ ስለ ዝተቐየሩ “ከምዚ እዮም” ኢልካ ክትጠቕሶም ናብ ዘጸግምሉ ደረጃ ዝወረዱ ውሑዳት ደገፍቱ፡ ነቲ በብግዜኡ ዝምህዞ ጸለመ ከም ዘለዎ ጐሲሞም ዝግዕሩ የማነ-ጸጋም ዘይርእዩ ሽቡባት እዮም።
ናይ ኩሎም እቶም ጸረ ጥልመትን ጽልእን ህግደፍ ተበግሶታት ሸቶ፡ ጸረ ህዝቢ ኣተሓሳስባ ኣወጊድካ ህዝባዊ ኣተሓሳስባ ምስራጽ እዩ። ናይዚ ቀጻሊ ዘሎ ናይ ለውጢ ቃልሲ መስርሕ ዕላማ እውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን። እዚ ተበግሶ ቅድም ኮነ ሎሚ ምንጪ ናይቲ ጸረ ህዝቢ ኣተሓሳስባ ህግደፍ ምድራቕ እዩ። ጠመትኡ ናብ ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ ዝዓለመ ምዃኑ ከኣ ብሩህ እዩ። ምስጢር ናይቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘርእዮን ዘርእዮ ዘሎን ጽልእን ጥልመትን ካብቲ ሰይጣናዊ ኣረዳድኣኡ ዝነቅል እዩ። ህግደፍ ኣንጻር ስልጣኑ ክሳብ ዝኾነ፡ ጽልኡን ጥልመቱን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ነታ ኩሉ እከይ ተግባራቱ ንምሽፋን፡ “ምእንተኣ እየ” እናበለ ዝሽቅጠላ ልኡላዊት ኤርትራ እውን ፈታዊኣ ኣይኮነን። ብዋጋኣ ኣብ ስልጣን ዝቕጽል እንተኮይኑ ክምጥዋ ንድሕሪት አይብልን እዩ። ኣይሰለጦን እምበር ኣብ ፈቐዶ ኣደባባያት ክሳብ ኢትዮጵያዊ መራሒ ክምዝዘላ ዝተዓዘብናዮ ናይዚ መርኣያ እዩ።
ስለዚ ምናልባት ክሳብ ሎሚ ብውልቂ “ጽልእን ጥልመትን ህግደፍ ኣባና ኣይበጸሐን’ ብዝብል ህግደፍ ፈታዊኦም ዝመስሎም ኤርትራዊ ወገናት እንተልዮም፡ እንተኾነ ንጉዳያት ብኹሉ ኩርናዑ ንዘመዛዝን ክሳብ ሕጂ ህግደፍ ዘየረኻኸበሉ የለን። “ፍጹም ኣነ ደሓን እየ” ዝብል እንተልዩ ከኣ ድሕንነቱ ንግዜኡ ምዃኑ ይረዳእ። ኩልና ኤርትራውያን ቀዳማይ ጸላኢና እቶም ህግደፍ ንምፍርራሕ ኣስማቶም ዝጽብጽበልና ናይ ግዳም ዘይኮኑ፡ ንሱ ባዕሉ ምዃኑ ኣስተውዒልና ሓቢርና ካብ ምቅላሱ ሓሊፍና ካልእ መተካእታ የብልናን።
ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት፡ ንኤርትራውያን ዝምልከት ምሕጽንታ ሕቡራትሃገራት ደጊፉ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ
ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት (CPJ) ፡ ምስ ካለኦት ሸውዓተ ማሕበራት ኮይና፡ ኣካልቲ ጉዳይ ዳዊት ኢሳቕን ካለኦት 15 ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ዝከታተልን ጃምላዊ ማእሰርቲ ዝቃወምን ማእከል ሕቡራት ሃገራትን ጠበቓታትን ከም ዝኾነት ብ21 ሓምለ ብዘውጸኣቶ መግለጺ ኣፍሊጣ።
እቲ CPJ እትርከቦ ጋንታ፡ ዳዊት ኢሳቕ ዝርከቦም፡ ብዘይ ኣፍልጦ ቤት ፍርዲ ብጃማላ ዝተኣስሩ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ብዘይዝኾነ ይኹን ቅድመ-ኩነት ንክፍትሑ፡ ወይ ናብ ሕጊ ክቐርቡን ምስቶም ንነዊሕ ግዜ ዝተፈልይዎም ቤተሰቦምን ጠበቓታትን ክራኸቡን ጸዊዑ። እዚ ናይ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት በዚ ኣገባብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምጽናሕ፡ ብደረጃ ዓለም ዝነወሐ ግዜ ምዃኑ እውን እቲ ኮሚተ በዚ ስምዕታኡ ሓቢሩ።
መሓመድ ኣብደልሰላም ባብከር፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ፡ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዘስምዕዎ ቃል “ጉዳይ ዳዊት ኢሳቕ ንኩነታት እቶም ብ2000 ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኹሎም እቶም ንመንግስቲ ሰለ ዝነቐፉ ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ዝሓቁ ዘለዉ ኤርትራውያን ዝውከል እዩ” ከም ዝበሉ እቲ መግለጺ ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት ሓቢሩ።
ኣብቲ ነዚ ብዝምልከት ዝተዋህበ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣተሓባባሪት ናይቲ ኮሚተ ፕሮግራም ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣንጌላ ኩይንታል፡ ንጉዳይ ዳዊት ኢሳቕን ብጾቱን ኣብ ዝምልከት ብዝኾነ ፍትሓዊ መንገዲ ድፍኢት ምግባር ክንቅጽሎ ኢና ኢለን። ካብተን ምስ ኮሚተ ምክልኻል ጋዜጠኛታት ኮይነን መግለጺ ዘውጸጋ ማሕበራት ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት፡ ኣህጉራዊ ኣባላት ፓርላማ ንተግባርን ፔን ኢንተርናሽናልን ይርከብአን።
ኣብዚ እዋንዚ ዝጸንዐ ምቁጽጻር ሓበሬታ (Censore)፡ ዘዘውትራ ዓሰርተ ሃገራት፡ ኤርትራ፡ ሰሜን ኮርያ፡ ቱርኩሚስታን፡ ሳዑዲ ዓራቢያ፡ ቻይና፡ ቬትናም፡ ኢራንን ኢኳቶርያል ጊኒን እየን ምዃነን ምስቲ መግለጺ ተተሓሒዙ ወጺኡ።