ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ 2023:  ንነባሪ ሰላም እናማዕደወ፡   ንኹሎም  ኤርትራውያን   ብሓፈሻ  ንኣመንቲ  ክርስትና  ድማ ብፍላይ እንቋዕ ጾመ-ልጓም  ፈቲሑ፡ ናብ ዕለት ትንሳኤ ኣብጽሓና  ብማለት ሰናይ ምንዮቱ ይገልጽ። ናይ 2023 በዓል ትንሳኤ፡ ንኹሉ’ቲ ኣብ  ልዕሊ ህዝብና  ዝወረደ  ጉድኣትን ምክልባትን ስዒሩ፡  ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኰነ ኣብ ከባቢናን መላእ ዓለምን  ሰላም፡ ጥዕናን ማሕበራዊ ፍትሕን ከስፍን ይትስፎ።

ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)

ኣቦ መንበር፡ ሰዲህኤ

እዚ ቀጺሉ ሰፊሩ ዘሎ ጽሑፍ ብቛንቋ ሽወደን ዝተጻሕፈ መጽናዕትን ምርምርን ናይዚ ኣብ ኣርእስቲ ዘሎ መንግስታዊ ትካል`ዩ። ቀንዲ ዕላማ እዚ ጽሑፍ መንግስታት ሩስያ: ቺና: ኢራን: ሶርያን ኤርትራን ኣብ ዲያስፖራ( ስደት) ንዝነብሩ ህዝብታትቶም ንምጽላውን መላእ ህይወቶም ብግቡእ ብስለያዊ መገዲ ኣጽኒዕካ ንምቊጽጻርን ዝዓለመ ስርሖም ዝተገብረ ምርምርን መጽናዕትን`ዩ። እቲ ኣብዚ ተተርጒሙ ሰፊሩ ዘሎ ግን ስራሕ ስለያን ብኡ ኣቢልካ ዝግበር ምቊጽጻርን ኤርትራውያን ብስርዓት ኤርትራ ኣብ ዲያስፖራ ኢዩ። ከም ዝርአ ድማ ኤርትራ ኢሉ ይጅምር።

ኤርትራ:-

ኤርትራ ምስ ህዝባ ኣዛሚድካ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ቊጽሪ ዜጋታት ኣብ ዲያስፖራ/ወጻኢ ዘለውዋ ሃገር ኢያ። ናይታ ሃገር ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝነብሩ ተቓመጦኣ ኣዕሙቑ ዝተሰረተ ፖለቲካ ዘለዎም ኮይኖም ኣብ ምጽናዕ መንግስቲ ማእከላይ ተራ ኣለዎም። ብፍላይ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር። ሃለዋት ኤርትራውያን ኣብ ዲያስፖራ ብዙሕ ገጻት ዘለዎ ጸቕጢ ሃሊይዎም ብፍላይ ጽልዋ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቊጠባ ኢዩ። ካልእ ኣብቲ ስለያዊ ስራሕ ዘርእዮ ጸቕጥታት ምፍርራህ: ዓመጽን በቲ መንግስቲ ዝግበር`ዩ። ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ኣገባብ ናይቲ መንግስቲ ምቊጽጻር ተጠቒምካ ካብ ኣብ ዲያስፖራ ዝነብሩ ኤርትራውያን ዝእከብ ግብሪ ኢዩ። ቆንስላዊ ኣገልግሎት ዝርከብ ከም ምሕዳስ ፓስፖርት ዝኣመሰለ ገንዘብ ኣኽፊልካ ዝግበር ኢዩ። ስድራኻ ካብ ኤርትራ ንምምጻእ እቲ ካልእ መማእረሪ ገንዘብ ኢዩ። ስለዝኾነ ግብሪ ዋላ ካብ ተቛወምቲ ገንዘብ ከም ዝእከብ ይግበር። ካልእ እቲ መንግስቲ ዝጉስጒሰሉ ንሃገራውያን ኣብ መንግስቶም እሙናት ክኾኑ ዝግበር ምስሉይ ምሕብሓብ ኢዩ። እዚ ብምድላው ፈስቲቫላት: ስሚናርን በዓላትን ካብ ዝጥቀሙሎም ኣገባባት ኢዮም።

ብመሰረት ፍሉይ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ መሰላት 16% ካብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዲያስፖራ/ወጻኢ ይቕመጡ። እዚ ብመሰረት መጽናዕቲ Hirt Mohammad ን 30% ካብቲ ህዝቢ ኮይኖም ኣብ ዓመት 5000 ዝግመቱ ሰባት ካብታ ሃገር ይግዕዙ። ኤርትራ ብሓደ ሰልፊ እትመሓደር ብምልካውነት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብናቱ ሰልፊ ህዝባዊ ግንባር ንፍትሕን ደሞክራስን ትግዛእ። ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ናይ ሰላሳ ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ብ 1991 ዓ.ም ነጻ ወጺኣ። እቲ ግጭት ምስ ኢትዮጵያ ድሕሪ ነጻነት`ውን ቀጺሉ ኢዩ። እቲ ስርዓት ሓፈሻዊ መስርሕ ሃገራዊ ወታሃደራዊ ምዕስካር ዝመስል ኮይኑ ሲቪላዊ ኣገልግሎት ዝሓወሰ ኢዩ። ንደቂ ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ዝምልከት ኮይኑ ናይ ግዜ ገደብ የብሉን። እዚ ገደብ ዘይብሉ ቆዋሚ ውተሃደራዊ ኣገልግሎት ብሕቡራት መንግስታት ክግለጽ ከሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ`ዩ ኢሉ ይድምድም።

ኤርትራውያን ኣብ ስደቶም እውን ተወሳኺ ዶብ ሃገር ዝጠሓሰ ተወሳኺ ጽልዋ ካብ መንግስቲ ኤርትራ ይግበረሎም። ነዚ መጽናዕቲ´ዚ ዘሰነየ ብዙሕ ምንጭታት ኣብዚ ጽሑፍ ሰፊሮም ኣለው። (ይኹን እምበር ብምሉኣቶም ኣብዚ ትርጉምዚ ኣይሰፈሩን) መጸውዒ ስሙ መንግስቲ ኤርትራ ኮይኑ ቁጽሪ ህዝቢ 3.6 ምልዮን ርእሲ ከተማኡ ኣስመራ ኢዩ።

ኤርትራውያን ኣብ ሽወደን ካብቶም ዝዓበዩ ስደተኛታት ኢዮም። ኣብ ዓመት 2021 ኤርትራ ካብቶም ዝዓብዩ ዑቚባ ዝሓተቱ ኮይኖም 48000 ሺሕ ሰባት ኣብ ኤርትራ ዝተወልዱ ኢዮም። ብመሰረት ጸብጻብ 31 ታሕሳስ 2021 ብውሑድ 20,000 ሺሕ ሰባት ሓደ ካብ ኤርትራዊት ወይ ኤርትራዊ ዝተወልዱ ኢዮም። ይኹን እምበር እቶም ስደተኛታት ካብዚ ቊጽር`ዚ ዝብዝሑ ኢዮም። ቅድሚ ነጻነት ኤርትራ 1991 ዓ.ም ብኢትዮጵያውያን ዝተመዝገቡ ብዙሓት ኮይኖም ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣለው። ካልኣይን ሳልሳይን ወለዶ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ቁጽሪ የለውን። ይኹን እምበር ብመንግስቲ ኤርትራ ከም ዜጋታት ኢዮም ዝቚጸሩ። እዚ ዝተጠቕሰ መስርሕ ቅሉዕ ኮይኑ መጽናዕትን ውሳኔን ሕቡራት ሃገራት: ጸብጻባት ሰብ-ስልጣናት ንኣብነት ብዓል ስልጣን ሚግረሽንን ወጻኢ ጉዳይ ሽወደንን ሰነዳት ባይቶን ዝሓዘ ኢዩ። እቲ ዝተፋላለየ ጸብጻባት ተዛማዲ ሓባር ስእሊ ዝህብ ኢዩ። ዋላኳ ኣብቲ ዝርዝራት ሰነዳት ፍልልይ እንተለዎ። ካብ መንግስቲ ኤርትራ ዝርከብ ወግዓዊ ናይ ድያስፖራ ፖለቲካ ፍሉይ ዝህቦ ቀዳማይ ኢድ ሓበረታ ብዙሕ ሕጽረታት ዘለዎ ኢዩ።

ሺለ ዝብሃል ዲያስፖራ ዲፕሎማሲ ብጉዳይ ፊናንሳን  ኣታዊኡን ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝኣቱ  Muller ን Beloni ን መጽናዕቶም ዘተኲረሉ ዝምድና መንግስቲ ኤርትራን ዲያስፖራ ኢትዮጵያውያንን ኣሎ። ውሑዳት ተመራመርቲ እውን ናንይ መንግስቲ ኤርትራ ካብ ሃገር ወጻኢ ዝገበሮ ተወሳኺ ጽልዋ። Hirt ብውልቅን ምስ Mohammad ን ነቲ መንግስቲ ንምጽናዕ ዝጥቀሙሉ ሜላ ዝገበርዎ መጽናዕቲ ኣሎ። ንሱ ድማ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ውሽጢ ኤርትራውያን ኣብ ስደት ዝገብሮ ጎስጓስ ንደገፉን ፊናንስን ዝምልከት ኢዩ። Tecle ን Golding ን ከም ዘጽንዕዎ ካብ ነጻን ፍቶትን ዝግበር ወፈያታት ሓሊፍካ ኣብ ዲስፖራ ብግብሪ ዝድፋእ ተግባር ኣሎ። Kibreab ተረኦም ኣብ ሃገራዊ ነጻነትን ምህናጽን ከምኡውን ኣብ ግዜ ግጭትን ዝገብሮ መጽናዕቲ። ማዕከን ሓበሬታ ኲነታቱ ኣብ ሽወደን ሕጽረት ሃልዩ፣ ገለ ዝተዘርግሐ ኣሎ። ሓደ ኣብነት ወጻኢ ጉዳይ ናንይ ነዘርላንድ መጽናዕቲ ዝጠለቦ ኣሎ። ግብሪ 2% ንኤርትራውያን ኣብ ድያስፖራ ሓቅን ቊጽርን ተመክሮን ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ። እቲ መጽናዕቲ ብነጻ ጉጅለ ትካል ኣብ 2017 DSP-groep ን  Tillburg Univer-city እውን ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ ኤርትራውያን ኣብ ነዘርላንድ ብኸመይ ከም ተወደቡ ዘርኢ ኣሎ። ካልኦት ብዙሓት ትካላትን ተመራመርቲ ሰባትን ዝገበርዎ እውን ኣብዚ መጽናዕቲ ሰፊርዎ ኣሎ።

ኣገባብ ጽልዋ መንግስታት::

መንግስቲ ኤርትራ ዝተፋላለየ ኣገባብ ብምጥቃም`ዩ ጽልውኡ ዘዘውትር። ጽልዋን ምቊጽጻርን ዲያስፖራ ኤርትራውያን ብምንጽጻልን ጸቕጥን ቅቡል ንምዃን ዝገብሮ ስራሕ ኣብ ስነ-ጽሑፍ Glasius ይጥቀስ።

  1. ኣዋጅ ፈስቲቫል ንምጒህሃር ሓርበኝነት ብመገዲ እተን ኣብኡ ዝኣምና ማሕበራትን ቤት-ክርስታያንን።
  2. ብስለላ ዝተጽንዐ ጎስጓስን ብምግዳድን ንሰባት ናይ ጣዕሳ ደብዳበ ምጽሓፍን ምፍራምን።
  3. ቁጠባዊ ጎስጓስ ንምንግስቲ በቲ ግብሪ ዲያስፖራን ይውሓድ ይብዛሕ ብፍቓድ ዝግበር ሓገዝን ብሓወላ ናብ ሃገር ዝኣቱ ገንዘብን።
  4. ብምፍርራህን ኣብ ሃገር ብዝነብሩ ስድራን መቕርብን ተበሊጽካ ዝግበርን ኣብ ስደት ንዝነብሩ ዜግነቶም ክፍቀደሎም ዝግባእ መሰላት ብምዕንቃፍን ምድሃልን።
    • ምቁጽጻር ማሕበራትን ቤተ ክርስትያንን ስርዓት ኤርትራ ነተን ምስኡ ምትእስሳር ዘለወን ቤት-ክርስትያናትን ማሕበራትን ኣቢሉ፣ ዝገብሮ ጽልዋ። ኣገዳሲ ክፋል ናይዚ ንድያስፖራ ሓርበኝነት ሰቢኽካ ንስርዓት ህግደፍ እሙናት ምግባር። እቲ ኣብቲ ስነ-ጽሑፍ ንድያስፖራ ዝግለጽ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኣእቲኻ ፈስቲቫላትን ሰሚናራትን መደባት ተለቭጅንን ተጠቒምካ ማሕበራዊ ጸቕጢ ምፍጣርን ምስላልን። (ኤሪትራዊ ህይወት ናይ ቅድም ኤርትራዊ ደም) ጨንፈር ሰልፊ ህዝባዊ ግንባር ንፍትሕን ደሞክራስን እቶም ኣብ ውሽጢ ዲያስፖራ ዝነጥፉ ኢዮም። መደበር ቤት ጽሕፈቶም ኣብ ፍራንክፈርት ኮይኑ መጽናዕቲ ነዘርላንድ ክፋል ኣካል ምላሻ ህግደፍ ኢዩ። ህይወት ኤርትራ ምስ ጸጥታዊ ኣካል ህግደፍን መንእስያቱን ምትእስሳር ዘለዎ ኮይኑ፣ ከም ምክልኻል Body gurd ኮይኑ ዘገልግል ኢዩ። ኣገልግሎቱ ነቶም ኣብ ዝለዓለ ስልጣን ዘለው ኣባልት ሰልፊ ኢዩ። ኣብ ሽወደን ክልቲኦም ነቐፍቲ መንግስትን ደገፍቲ መንግስትን ኣለው። እቲ መንግስታዊ ሰልፊ ህግደፍ: ማሕበር መንእሰይን ጒጅለ ሚሊሻ ኤሪ ህይወትን ኲሎም ኣብ ሽወደን ኣለው።

መሓዙት መንግስቲ ኤርትራ ተባሂሎም ዝረኣዩ ማሕበራት ኤርትራውያን እውን ኣለው። ብመሰረት ሓበሬታ መድያ ቤተ- ክርስትያን ተዋህዶ ኤርትራ ኣብ ሽወደን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ምትእስሳር ዘለዋ ወይ ድማ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር መንግስቲ ኤርትራ ኢያ። ስራሕ እዛ ቤተ- ክርስትያን ምቊጽጻር ኤርትራውያን ኣብ ድያስፖራ ኢዩ። ኣብ መንጎ 2013-2015 ኣብ ልዕሊ ኣባላት ነቐፍቲ መንግስቲ ሓያሎ ፍጻሜታት ምፍርራህ: ምድሃልን ምንሻውን ምጽላምን ክሳብ መጥቃዕትን ኣብ ሽወደን ዝበጽሖም ነይሩ። እቲ መጽናዕቲ ነዘርላንድ ንናይ ህግደፍ ምሊሻ ኤሪ ህይወት ኣብ 2014 ኣብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ሓዊ ተቐሚጡ፣ ንሓደ ሰብ ጎዲኡ። ኣብ መንጎ 2013-2015 ተወሳኺ ፈተነ ቅትለት ኣካይዶም። ካብ ቅድሚ 25 ዓመት ኣብ ሰሜን ስቶክሆልም ንስርዓት ኤርትራ ገንዘብ ዝእክቡ ፈስቲቫላት ይግበር። ብመሰረት መድያ ብውሑድ 2 ሚልዮን ኩሩኖር ይእከብ። ኣብ ድያስፖራ ዝነብሩ ኣንጻርዚ ስርዓት ተቛውሞ ምግባሮም ይጥቀስዩ። ኣብ ዓመት 2022 እቲ ፈስቲቫል ተቛሪጹ ነይሩ። ንሱ ዝኾነሉ ድማ ገለ ካብ ዲያስፖራ ኤርትራውያን ተቛውሞ ስለ ዘርኣዩ ኢዩ። ኣብ 17 መስከረም 2022 ኣብ ስሜን ስቶኮሆልም ወገን ተቛወምቲ ዲስፖራ ብዘርኣይዎ ተቛውሞ ኣብ ልዕሊ ፈስታ ኣዕሩኽ መንግስቲ: ግጭት ኮይኑስ በቲ ዕግርግር 105 ሰባት ብፖሊስ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

እቲ ብጽሞና ኣብ ድያስፖራ ዝግበር ስለያ ብብዙሕ መገዲ`ዩ ዝካየድ። ገለ ካብኡ ናይ ጣዕሳ መልእኽቲ ከምኡውን ብመገዲ ምኽፋል ግብሪ ድያስፖራ፣ ካልእ በቶም ኣዕሩኽ ስርዓት ዝግበር ናይ ስለያ ስራሕ ኢዩ። ብዘይ ግቡእ ካብ ኤርትራ ንዝወጹ ናይ ጣዕሳ ደብዳበ ብምጽሓፍ ክፍርሙ ኣለዎም። ኣብ ቤት ጽሕፈት ኤማባሲ ከኣ ኢዩ ዝካየድ። እቲ ናይ ጣዕሳ ወረቐት ዘቕርብ ሰብ ብዘይ ፍቓድ ካብ ኤርትራ ምውጹኡን ሃገራዊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከምዘይገበረን: ነቲ ዝግብኦ መቕጻዕቲ ኣብ ግብሪ ዘይምውዓሉን ዘጠቓለለ ናይ ጣዕሳ ወረቐት ይፍርም። ኣብ ግዜ ምፍራም ወረቐት ጣዕሳን ምኽፋል ዲያስፖራ ግብርን: እቲ ውልቀ ሰብ ዝርዝራዊ ሓበረታ ህይወቱ ክህብ ኣለዎ። ንኣብነት ርክቡ ምስ ሰባት: ትምህርቱ: ኣዝማዱ: ዘእትዎ ገንዘብን ቁጽሪ ሕሳብ ባንኩን ኮይኑ፣ እቲ ሓቤረታ ብወረቐት ዝተሰነየ ክኸውን ኣለዎ። ንኣብነት ናይ ማእቶቱ ወረቐት ንበዓል ስልጣን ግብሪ ሓቲቱ ከቕርብ ኣለዎ።

ግብሪ ዲይስፖራን ኣተኣኻኽብኡን። ግብሪ ዲያስፖራ እቲ ዝዓበየ መሳርሒ ናይቲ ስርዓት ንምቊጽጻር ዝጥቀመሉ መሳርያ ኢዩ። ንምእካብ ሓበረታን ነቲ ስርዓትን ምእካብ ግብርን። ግብሪ ዲያስፖራ 2% ግብሪ ካብ እቶትካ ምኽፋል ማለት`ዩ። እዚ ግብር`ዚ ካብቲ ኤርትራ ዝገደፈሉ ግዜ ተጸብጺቡ ዝኽፈል ኢዩ። እዚ ድማ ብመገዲ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ እቲ ስርዓት ዝግበር ኢዩ። ምኽፋል ግብሪ 2% ቅድመ ኲነት ቆንስላዊ ኣገልግሎት ኢዩ። ንኣብነት ምሕዳስ ፓስፖርት። ወይ ድማ ቤት-ሰብካ ኣብ ኤርትራ ዝወሃቦም ኣገልግሎት ንዝምልከት። ንኣብነት ንኽትምርዖን ንመቕርብካ ንምቕባርን። ንዘካረዩኻ መሬት ወይ ድማ ገለ ዕዮ ኩባንያ ንምግባር ዝኣመሰለ። እዚ ንነቕፍቲ መንግስትን ንደገፈቲ ስርዓትን ዝሓወሰ ኢዩ።

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ጸጥታዊ ቤት ምኽሪ ንግብሪ ዲያስፖራ ኮኒንዎ ኢዩ። ኣብ 2011 ዓ.ም ኣብ ዝገበሮ ውሳኔኡ: ኤርትራ ንግብሪ ዲያስፖራ ከተቋርጾን: ንምፍርራህ: ዓመጽን ምጥፍፋእን ካልእ ዘይሕጋዊ ተግባራትን: ንምእካብ ግብሪ ዲያስፖራ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ስርዓት ኤርትራ ደው ከብል ወሲኑ። እቲ ውሳኔ ኣብ ግብሪ ክውዕል እውን መንግስታት ኣድላይ ስጒምቲ ክወስዳ ወሲኑ። ካብኡ ንድሕሪት ብዙሓት መንግስታት ኣብ ግብሪ ኣውዒለነኦን ዲፕሎማትስ ኤርትራ ስጒጎንን። እቲ ስርዓት ዝጥቀመሉ ካልእ ምምእራር ገንዘብ እውን ኣሎ። ንኣብነት ምሻጥ ቦንድን መሬት ምክራይን ይውሓድ ይብዛሕ ብፍቓድ ዝግበር ወፈያን። ኣብ ግዜ ተላገብ ኮቪድ 19 ግደታዊ ዲፕሎማሲ ምእካብ ገንዘብ ንመደብ ምክልኻል ተላገብ ኮቪድ ተኻይዱ። ስርዓት ኤርትራ ነቲ ዲያስፖራ ኤርትራውያን ንኤርትራ ንቤተ ሰቦም ዝስድዎ ገንዝብ ፊናንሳዊ ምቊጽጻር ይገብር። ካብቲ ዝስደድ ገንዘብ ገዚዑ ይወስድ። በዚ መደብ`ዚ እቲ ስርዓት ኣብ ዓመት 300-400 ሚልዮን ዶላር ኣብ ዓመት ይረክብ። ሓደ ሲሶ ባጀት እቲ ስርዓት ብኸምዚ ኣገባብ ከም ዘእትዎ ይግምገም። እንተኾን እዚ ገንዘብ`´ዚ ኣብ ምንታይ ከምዝውዕል ዝፍለጥ ኣይኮነን። ኤርትራ ባጀት ዝበሃል ገይራ ኣይትፈልጥንያ። ጸጥታዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ብእማመ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን እገዳ ገይሩ`ዩ። እቲ እገዳ ንኤርትራ ብገንዘብ ዲያስፖራ ኤርትራውያን ንኣልሸባብ ምድጋፉ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ርግኣት ዝኸልእዩ ብምባል ዝተገብረ እገዳ። እቲ እገዳ ግን መረጋገጺ የብሉን ብምባል ብ 2018 ከልግስ ተገይሩ።

ኣምባስደር ኤርትራ ኣብ ስቶኮሆልም ግብሪ ድያስፖራ ይውሓድ ይብዛሕ ብወለንታ ምእካብ ገንዘብ ኣብ ሽወደን የካይድ። እዚ ስራሕ`ዚ ደው ንምባል እማመ ንውሳኔ ኣብ ባይቶ ሽወደን ብዙሕ ግዜ ንኣብነት ኣብ 2012-2014 ብመሰረት ውሳኔ ሕቡራት ሃገራት ጸጥታዊ ባይቶ ኣንጻር ምእካብ ግብሪ ዲያስፖራ ኤርትራ ኣብ ሽወደን ቀሪቡ ነይሩ። ሽማገለ ፍትሒ ባይቶ ሽወደን እውን ንመንግስቲ ሽወደን ንምኽልካሉ ርእይቶ ሂቡ ነይሩ። መረጋገጺ ኣይተረኽበን ብምባል ግን ውሳኔ ምኽልካል ግብሪ 2% ኣይተገብረን። ነቐፍቲ ኣባላት ዲያስፖራ፣ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ሽወደን ብዝገብሮ ግብሪ 2% ክኽልከል ኣብ ፖሊስ ክሲ ኣቕሪቦም ነይሮም። እንተኾነ ገበን ኮይኑ ኣይተረኽበን። ብመሰረት ሓበሬታ መድያ ግን ሓደ ዲፕሎማት ስርዓት ኤርትራ ብዛዕባ ዝገበሮ ጎስጓስ ምኽፋል ግብሪ 2% ብ 2014 ካብ ሽወደን ተስጒጉ። ኣብ ዓመት 2020 እንደገና ጉዳይ ግብሪ 2% ኣብ ባይቶ ሽወደን ተላዒሉ ነይሩ። ኣብቲ ርእይቶ ሽማገለ ፍትሒ ነቲ እማመ ብምቕባል ምእካብ ግብሪ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ሽወደን ከቋርጽ ኣለዎ ብምባል ንመንግስቲ ሽወደን ርእይቶኡ ኣቕሪቡ። መንግስታዊ በዓል ስልጣን ሚግረሽን ሽወደን ካብ 2021 ፓስፖርት ዘይብሎም ኤርትራውያን ሓተትቲ ዑቚባ ናብ ሰብ ስልጣናት ኤርትራ ከድኩም መንነትኩም ኣምጽኡ ምባል ኣቋሪጽዎ። እቲ ምኽንያት ሓታቲ ዑቚባ ግብሪ ንኸይከፍል ንምድሓኑ ኢዩ ነይሩ። እዚ ውሳኔ`ዚ ብ ቤት ፍርዲ ሚግረሽን ዝተወሰን ኮይኑ፣ ንጹር መርኣያ ጽልዋ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ሽወደናዊ ትካላዊ ስልጣናት ዘለዎ ቅጥታዊ ጽልዋ ዘመስክር ኢዩ። ብተወሳኺ ስርዓት ኤርትራ ኣብ ዲያስፖራ ንዘለው ኤርትራውያን ንምቊጽጻር ኣብ ኤርትራ ንዘለው ቤት ሰቦም ተጠቒሙ ብምቊጽጻር ምኽፋል ግብሪ ይጥቀመሎም ኢዩ። ን ቤተ ሰብ ኤርትራ ከም ምርኮኛታት ብምጥቃም ኣገልግሎት ንኸይረኽቡ ይኽልክል። ብተወሳኺ ኣብ ዲያስፖራ ዝርከብ ኤርትራዊ ኣብቲ ስርዓት ብዘርእዮ ነቔፈታዊ ተግባር ተጠቒሙ ኣብ ኤርትራ ንዘለው ቤተ ሰቦም መጥቃዕትታትን ውርደትን የጋጥሞም ኢዩ።

መደምደማታ።

ዓብላሊ ስርዓት ኤርትራ ንዲያስፖራ ብቐዳምነት ዝሰርዖ ከም ናይ መጨቆኒ መሳርያ ምጥቃም`ዩ ኢሉ ይርእዮ። Glasus እቲ ጭቆና ስርዓት ኤርትራ ብኣስገዳድነትን ምፍርራህን ቅድመ ኩነታዊ ቆንስላዊ ኣገልግሎት ምእካብ ስለያዊ ሓበረታን ገንዘብ ንምምእራርን`ዩ። እዚ ዕላማዚ ቀንዲ መለልይኡ ከኣ ብምድላይ ሓርበኝነት ዲያስፖራ ኮይኑ፣ ብምቊጽጻር ህይወት ማሕበራትን ምድላው ፈስቲቫላትን ይስነ። በቶም ክልተ ዕላማታት ኣብ መእተዊ ምዕራፋት ዝተገልጹ ጽልዋታት ዲያስፖራ: እቲ ሰረት ኣብ ውሽጢ ሃገር ብዘለዎ ደገፍ`ዩ ነቲ ናይ ድያስፖራ መገዲ ዕብለላ ዘካይዶ። እቲ ማእከላዊ እቲ ስርዓት ንምህላው ዝጥቀመሉ መስርሕ ንምርግጋጽ ቀጻሊ ቁጠባዊ ጎስጓስ ኢዩ። ኤርትራ ከም ፍሉይ ጉዳይ መጽናዕቲ ንጹር ዝኸውን ጽልውኡ ኣብ ዲያስፖራ: ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘቕንዐ ስርዓት ኢዩ። እቲ ስርዓት ብዘይ`ዚ ናይ ዲያስፖራ ምትእስሳር ብታሪኹ ርኢኻ ክህሉ ኣይምኸኣለን። ሓደ ካብኡ ኣብ ግዜ ውግእ ምስ ኢትዮጵያ ካብ ዲይስፖራ ዝረኽቦ ወፈያ ዋላውን ነቐፈታዊ ርእይቶ ብዝነበሮም ድሕሪ ነጻነት ኤርትራ ብዝገበርዎ ሓገዝ ምህናጽ ሃገር ኢዩ።  ግብሪ ዲያስፖራ ሎሚ ካብቲ ስርዓት ዘይፋላለየሉን ካብቲ ዝገብሮን እዚ ዘሎ ምትእስሳር ሰብን ንግድን ኢዩ። እዚ ድማ ሽወደን ንሽወደናውያን ኤርትራውያን ዜጋታት ካብ ከምዚ ጭቆና ብኸመይ ትካላኸለሎም ሕቶ ዘልዕል ኢዩ። እቲ ሽወደናዊ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቕ ካብ ልዕሊ 20 ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ: ንምፍርራህ ሽወደናውያን ኤርትራውያን ንኤርትራ እንተ ገሾም ዘሎ ስእሊ ፍርሂ ዘርኢ ኢዩ።

እማማ ንቕጻሊ ምርምር።

ዋላኳ ብተዛማዲ ውሱን መጽናዕቲ እንተሎ: ከምዚ ዝረአናዮ ኣገባብ ስርዓት ኤርትራ ንምቊጽጻር ዲያስፖራ ህያው ኢዩ። ገለ ቀረባ መጽናዕቲ ዘይተገብረሉ ኢንተርነትን ማሕበራዊ መድያን ንምቊጽጻር ዲያስፖራ ምጽላውን ስርዓት ኤርትራ እንታይ ይግብር ዝብል ኢዩ። እዚ መጽናዕት`ዚ ብፍላይ ኣብ ሽወደን ዝግበር ጽልዋን ምቊጽጻርን ዝምልከት፣ ስርዓት ኤርትራ ዱርትነት ከም ዘለዎ ኢዩ። ዲያስፖራ ኤርትራውያን ኣብ ሽወደን ብኸመይ ከም ዘለው እውን ዝያዳ ሓቤረታ የድሊ ኢዩ። ተወሳኺ መጽናዕትን ትንተናን ዘድልዮ ካልእ ዝስመ ድማ ስርዓት ኤርትራ ነተን ዲያስፖራ ኤርትራውያን ዝነብርወን ሃገራት ጽልውኡ ከመይ ምዃኑ ኣብቲ ተገይሩ ዘሎ መጽናዕቲ ኣይተጋህደን ዘሎ። ክልተ ጽሑፋት ብ Hirt ን Mohammad ን ዘስፈርዎ ኣሎ። እንተኾነ ብዘይ ዓሙቚ መግለጺ ኢዩ። ብ Hirt ከም ዝግለጽ ኣብ 2011 ሕቡራት ሃገራት ንስርዓት ኤርትራ እገዳ ኣብ ዝወሰነሉ ግዜ እሙናት እቲ ስርዓት በቲ ስርዓት ተደፊኦም እንጻርቲ እገዳ ምንቅስቓሶም ኣርእዮም ነይሮም። Hirt ን Mohammad ን ከም ዘስፈርዎ ንኣብነት ንሕብረት ኤውሮጳ ንምጽላው ስርዓት ኤርትራ ጃምላዊ ስደተኛታት ብምፍናው ካብ ማዕከን ምዕባለ ኤውሮጳ ገንዘብ ከምተዋህበ ይጠቕሱ።

ትርጉም ካብ ቋንቋ ሽወደን

ረዘነ ተስፋጽዮን  

ሚያዝያ 12-2023

Friday, 14 April 2023 10:10

مهرجان ارتريا

Written by

ኣማኻሪ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ የማነ ገ/ኣብ (ማንኪ)፡ ኣብ 2021 ብሕቡራት መንግስታት ኣሪካ  ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ህግደፍ ዝተወሰነ እገዳ ካብ ተጠቃምነት ስዊፍት (SWIFT/Society for Worldwide Interbank Financial Transactions) ስለ ዘውጸኦም፡ ክሳብ ክንደይ የጨንቖም ከምዘሎ ተኣሚኑ። የማነ ነዚ ዝተኣመነ፡ ኣና ጋሪሶን ምስ ዝተባህለ ኣብ ማዕከን ዜና ብላክ ኣጀንዳ ሪፖርት (BLACK AGENDA REPORT)፡ እትጽሕፍ ጋዜጠኛ ኣብ ዘካየዶ እሞ: ብ12 ማዝያ 2023 ዝተሓትመ ቃለ መጠይቕ እዩ።

የማነ እቲ ማህሰይቲ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ፡ ኣብ ዓለም ለኻዊ ንግዲ ብሓፈሻ ብኤውሮን ዶላርን ብፍላይ ድማ ብዶላር ክትጥቀም እንከለኻ፡ እቲ ምትሕልላፍ ገንዘብ ብናይ ኣሜሪካ ባንክታት እዩ ዝካየድ፡ ስለዚ እተን ባንክታት ነቲ መስርሕ ይዓግቶኦ ኢሉ። ብስንክዚ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ካብ ስዊፍት ዝተኣገዳ ሃገራት፡ መስርሕ ምስግጋር ዶላር ክፍጽማ ስለ ዘይክእላ ኣብ ጸገም ይወድቃ ክብል ተኣሚኑ። ካብዚ ንምውጻእ ብዛዕባ ዝጥቀምዎ ሜላ ምስ ተሓተተ ከኣ፡ ምዕራባውያን ንምምሕዳር ህግደፍ ስለ ዝጸልእኦን ክንጽለኦ ከም ዝጽዕራን ጠቒሱ ምስ ከም ሩሲያን ቻይናን ጥራይ ክሰርሑ ከም ዝቕሰቡ ኣመልኪቱ።

ማንኪ፡ ብዘይካ ካብ ስዊፍት ምውጻእ ካልእ እገዳ እንተልይዎም ምስ ተሓተተ፡ ኣመሪካ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘሎ ናይ ኤርትራ ዲፕሎማሲያዊ ተልእኮ ናይ ባንክ ሕሳባት ዓጽያቶ እያ ምስ በለ፡ እዚ ማለት ድማ እቲ ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታት ዳርጋ ጠጠው ኢሉ እዩ። ምኽንያቱ ክዝርዝር እንከሎ፡ ከኣ ክራይን ናይ ካልኦት ኣድለይቲ ኣገልግሎትን ክፍሊት ምፍጻም ከምዘይከኣል ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ  ኣመሪካ ብሰንክዚ እገደኣ ንዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታት ኤርትራ ብዝለዓለ ደረጃ ከም ዝጐደኣቶ ጠቒሱ። ምስዚ ኣሜሪካ ዶላር ናብ ናቕፋ ከምዘይሽረፍ ስለ ዝገበረት፡  ኤርትራውያን ካብ ወጻኢ ናብ ቤተሰቦም ክልእኹ  ከም ዝጽገሙ ኣይሓብአን። ካብዚ ንምውጻእ ኣብዚ መስርሕ ምልኣኽ ገንዘብ ኣዝዩ ዝማዕበለሉ ግዜ ዶላር ናብ ኤርትራ ብጁባ ሰባት ጥራይ ከም ዝኣቱ ኣስፊሩ።

እቲ እገዳ ኣህጉራዊ ሕብረተሰብ ኣብ ኤርትራ ንግድን ወፍርን ንምክያድ ክሳብ ክንደይ ይጸልዎ ኣብ ዝብል ድማ፡ ምስ ኤርትራ ንግዳዊ ስረሓት ዘካይዳ ኩባንያታትን ኮርፖረሽናትን ኣብ ትሕቲ እገዳ ብምዃና ምሳና ክሰርሓ ኣዝዩ የጨንቐን’ዩ። ንገዛእ ርእሰን ኣብ ጌጋ ወዲቐን ግዳይ እገዳ ኣመሪካ ከይኮና ይሰግኣ እየን ይብል። ብዘይካዚ ኣብቲ ናይ ቅድሚዚ ናይ 2021 ዝነበረ እገዳ ብዛዕባ ዘጋጠሞም ጸገማት እውን ሓያሎ  ተዘክሮታት ኣቃሊዑ።

ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ስንብራት እገዳ ሓቢኡ፡ ዝመጸ እገዳ እንተመጸ ዘውርደልና ማህሰይቲ የለን እናበለ ከደናግርን ክሓብእን ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ እዩ።

ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን፡ ድሕሪቲ “ህጹጽ ረዳኢ ሓይሊ” ዝበሃል ብጀነራል ደጋሎ ዝእዘዝ ሰራዊት ብዘይ ኣፍልጦኡ፡ ሓድሽ ወፍሪ ብምክያዱ፡ ብ13 ማዝያ 2023 ናይ መጠንቀቕታ መግለጺ ከም ዘውጸአ ማዕከናት ዜና ናይታ ሃገር ኣፍሊጠን። እቲ ሓድሽ ወፍሪ “ህጹጽ ራዳኢ ሓይሊ” ኣብ ከትማታት ካርቱምን ኣብ ሰሜናዊ ግዝኣት ሱዳን ካብ ካርቱም 210 ኪሎ ሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ መረውን ከም ዝተኻየደ ተገሊጹ።

እቲ ወተሃደራዊ መጠንቀቕታ ዝወጸ፡  ምውፋር ናይቲ ሰራዊት፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት  ናብተን ዝተጠቕሳ ከተማታት  ከም ዝተኻየደ ዝሕብሩ ጸብጻባት ምስ እተዘርግሑ ምዃኑ ተፈሊጡ።  ነበርቲ ከተማ መረዊ ናይቲ “ህጹጽ ረዳኢ ሓይሊ” ኣብ ከባቢቲ ናይ ሱዳንን ግብጽን ነፈርቲ ውግእ ዝርከባሉ መዓርፎ ነፈርቲ ምስ በጸሐ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ምክያድ መደብ ከም ዝነበሮም፡ እንተኾነ ከምዘይቀጸልዎ ተፈሊጡ።

ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን፡  ነቲ “ህጹጽ ረዳኢ ሓይሊ” ናይ ምኽባቡ መደብኳ እንተነበሮ፡ እንተኾነ እቲ  “ህጹጽ ረዳኢ ሓይሊ” ብወገኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ናብ ሰሜናዊ ክፍሊ ናይታ ሃገር ምውፋሩ፡ ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ሰባትን ዕጸ-ፋርስን ንምቑጽጻር ምዃኑ ዝገልጽ ምኽንያት ከም ዝሃበ እቲ ጸብጻብ የመልክት።

ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳን፡ ነቢል ዓብደላ ብኣንጻሩ ናይቲ “ህጹጽ ረዳኢ ሓይሊ” ሓድሽ ምንቅስቓስ ብኣፍልጦ ኮነ ብምትሕብባር ምስ ሃገራዊ ሰራዊት ኮነ ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን  ዝተኻየደ ከምዘኮነ ብምጥቃስ ተቓዊመምዎ።  እቶም ወሃቢ ቃል ሰራዊት ሱዳን ኣተሓሒዞም፡ ምንቅስቓስን ቦታ ምቕያርን  “ህጹጽ ረዳኢ ሓይሊ” ኣንጻር መምርሒታት  ሃገራዊ ኮሚተ ጸጥታ ሱዳን ምዃኑ ጠቒሶም፡ በዚ ኣካይዳ እንተቐጺሉ፡ ናይታ ሃገር ጸጥታ ፈጺምካ ናብ ፍጹም ምዝራግን ዘይምርግጋእን ክመርሕ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም። ቅድሚ ሕጂ ብ29 መጋቢት 2023 ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ሰሚናር፡ ንምትሕንፋጽ ሃገራዊ ሰራዊት ሱዳንን ህጹጽ ረዳኢ ሓይልን ዝምልከት ብዘይምርድዳእ ከም ዝተሓለፈ ከኣ ኣዘኻኺሮም።

እቲ መግለጺ  መጠንቀቕታ ኣብ መወዳእታ፡ ሰራዊት ሱዳን ምእንቲ ሰላምን ምርግጋእን እታ ሃገር ዝኸፈሎ ዘሎ ዋጋ ብምጥቃስ፡  ብዛዕባቲ እናሓደረ ዝዛይድ ዘሎ፡ ሃገራዊ ቦታኡ ዘስእን ሓደጋ ብዝምልከት ንፖለቲካዊ ሓይልታት ሱዳን ኣጠንቂቑ።

እዚ ከምዚሉ እከሎ፡ ፍሉያት ልኡኻት፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ነርወይ፡ ዓባይ ብሪታንያ፡ ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን በቲ ኩነታት ዝሓደሮም ስግኣት ዝምልከት ናይ ሓባር መግለጺ ኣውጺኦም። ኣብቲ መግለጺኦም ሱዳናውያን ሲቪላውን ወተሃደራውን  መራሕቲ እቲ ወጥሪ ንምህዳእ ህጹጽ ስጉምቲ ንክወስዱ ጸዊዖም።

Thursday, 13 April 2023 21:23

Radio Dimtsi Harnnet Kassel 13.04.2023

Written by

ኣብ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ኣብ ኣውራጃ ሰራየ ካብ ዝርከባ ክልተ ገዳማት ኣስታት ሓምሳ መነኮሳት ብጫካናት ሓይልታት ጸጥታ ህግደፍ ከም ዝተኣስሩ፡ ተለቪዥን ኣሰና ሓቢራ። እዞም ካብ ክልቲኡ ጾታታት ተዓፊኖም ዝተኣስሩ መነኮሳት ካብ ገዳም ኣቡነ ኣውኔናስ ትምዛእን ደብረ ሳህሊ ዛይደከሎምን ምዃኖም ተፈሊጡ።

እታ ተለቪዥን ከም ዝገለጸቶ፡ እቲ ማእሰርቲ ብዘይካ ኣዝዮም ውሑዳት ብዕድመ ስለ ዝደፍኡ እሞ ኣብ መንገዲ ከይመቱዎም ዝገደፍዎም እንተዘይኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ኩሎም መነኩሳት ናይተን ገዳማት ዝተወስደ ስጉምቲ እዩ። እዞም መነኮሳት ዝተኣስሩ ኣብዚ እዋንዚ ኦርቶደኩሳዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ “ይመርሑ ኣለዉ”፡ ዝበሃሉ ኣባ መከጻቕ ዝተባህሉ ናይ ህግደፍ መሳርሒ ብዝሃብዎ ትእዛዝ እዩ። እዞም ብዕድመ ዝደፍኡ መነኮሳት ዝተኣስርሉ ቦታ ኣይተፈለጠን።

እቲ ዜና ከም ዝሓበሮ፡ እዞም ኣቦታት ዝተኸሰስሉ ምኽንያት፡ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ናይቶም ድሕሪ ነዊሕ ማእሰርትን ስቓይን ዝዓረፉ ፓትርያርክ ኤርትራ ኣብነ ኣንጠንዮስ ተሳቲፍኩም ከተብዑ፡ ሎሚ እውን ኣብ ቅዳሴ ስሞም ትጽውዑ ኣለኹም ዝብል ምዃኑ ተፈሊጡ። እዞም ኣቦታት ንከይእሰሩ “ዝፈጸምናዮ ተግባር ጌጋ እዩ” ኢልኩም ፈርሙ እኳ ተባሂሎም እንተነበሩ፡ ንሳቶም ግና ኣንጻርቲ ኣሚኖም ዝፈጸምዎ ሃይማኖታዊ ተግባር ኮይኖም ክቐርቡ ፈቓደኛታት ኣይኮኑን።

ህግደፍ ከም ኣካል ናይቲ ብቐጻሊ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኤርትራ ዝወስዶ ዘሎ ናይ ግፋ ስጉምቲ፡ ኣብያተ ክርስትያንን ገዳማትን እውን ኣገልገልተን ይስእና ከም ዘለዋ ዝፍለጥ እዩ።

ብሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዝዳሎ ፈስቲቫል ኤርትራ 2023 ካብ 28 ክሳብ 30 ሓምለ 2023 ኣብ ሃገር ጀርመን፡ ከተማ ፍራንክፈርት፡ ከም ዝጋባእ ናይቲ ፈስቲቫል ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሓቢራ።

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ኤርትራ፡ ኣብዚ ብሰንኪ ኮቪድ-19 ተቛሪጹ ዝጸንሐን ድሕሪ ምዝዛም ራብዓይ ጉባአ ሰዲህኤ ዝጋባእን ፈስቲቫል ንኽትሳተፉ እናጸውዐት፡ ናይ ቦታ ፈስቲቫል ንጹር ኣድራሻን ዝርዝር መደባቱን ከተስዕብ እያ።

ራብዓይ ጉባአ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ 23 ክሳብ 26 ሓምለ 2023 ዝካየድ ኮይኑ፡ ውጽኢቱ ኣብዚ ፈስቲቫል ክንገር እዩ።

ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ኤርትራ 2023

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ፡ ብሰንኪ  ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻል መንግስትን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ዝተፈጥረ ቅልውላው፡ ኣብ ኩለን ከተማታት ናይታ ክልል ሓያል ወጥሪ ተፈጥሪሩ’ሎ። ናይቲ ወጥሪ መንቀሊ ፈደራላዊ ሓይሊ ምክልኻል ብውሳነ እቲ ብልጽግና ዝመርሖ መንግስቲ መሰረት፡ ናይቲ ክልል ፍሉይ ሓይሊ ዕጥቂ ከፍትሕ ክንቀሳቐስ እንከሎ፡ እቲ ፍሉይ ሓይሊ ከኣ ብሓይሊ ዝተሰነየ ናይ “ዕጥቅና ኣይንፈትሕን” ተቓዎሞ ስለ ዘርኣየ ምዃኑ ናይ ፈደራል መንግስቲ ኮነ ናይቲ ክልል መራኸብቲ ብዙሃን ኣፍሊጠን።

በዚ መሰረት ኣብ ኩሉ ከባብታት ክልል ኣምሓራ ብሰላማዊ ሰልፍን ሰራዊት ፈደራል ዝንቀሳቐሰሉ መንገድታት ብምዕጻው  ቀጻሊ ተቓውሞታት ይካየድ ኣሎ። ከም ጐንደርን ደብረብርሃንን ኣብ ዝኣመሳላ ከተማታት ድማ ድሮ ናይ ምንቅስቓስ ገደባት ተወሲኑ ኣሎ። ናይ ክልል ኣምሓራ መንግታዊ ትካላት ዳርጋ ንቡር ስረሐን ከቋርጻ እንከለዋ፡ ሓሓሊፉ እውን ኣብ መንጎ ፈደራላዊ ሓይልታትን  ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ወተሃደራዊ ጐንጽታት  ይኽሰት ኣሎ።

በቲ ሓሓሊፉ ዝፍጠር ዘሎ ወተሃደራዊ ጐንጽታት ብዘይካ ናይ ክልቲኡ ወገናት ዕጡቓት፡ ሰቪል ሰባት እውን ይጉድኡ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ። ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ከም ዝጠቐሰቶ፡ ሲ ኣር ኤስ/CRS ዝተባህለ ኣብ ትሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን እትንቀሳቐስ ኣሚሪካዊት ትካል  ረዲአት፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎ  ከባቢ ከተማ ቆቦ ክልተ ኣባላታ ብሰንኪ ኣብቲ ቦታ ዝተኸፍተ ተኹሲ  ከም ዝሞቱ ተፈሊጡ።

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዕጥቂ ናይ ምፍታሕ ውሳነ፡ ነቶም ዕጥቆም ዝፈትሑ ናብ ሓይልታት ምክልኻል ወይ ፈደራል ፖሊስ ናይታ ሃገር ናይ ምእታው ዳግመ-ስርርዕ ኮይኑ ኣብ ኩለን ክልላት ዝትግበር እዩ ዝብል መግለጽታት ይህብ  ኣሎ። ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ብኣንጻሩ፡  ቀንዲ ቆላሕታ ናይቲ ምፍታሕ ዕጥቂ፡ ፍሉይ ሓይልን ፋኖን  ኣምሓራ ኮይኑ፡ ዕላምኡ ድማ ወልቃይትን ራያን ናብ ትግራይ ኣሕሊፍካ ንምርካብ ዝዓለመን እዩ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዎም እዮም ዝገልጹ ዘለዉ። ወልቃይትን ራያን ናብ ትግራይ ንምምላስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ዝተሰማማዓሉ ከም ዝኾነ ዝፍለጥ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ምስዚ ንኢትዮጵያ ናብ ዝገደደ ሰፊሕ ውግእን ምብትታንን ከይወስዳ ዘስግእ ዘሎ ቅልውላው ብዝተጠሓሓዘ፡ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ፡ ምሁራት፡ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባትን ጋዜጠኛታትን ዝርከብዎም ተወለድቲ ብሄር ኣምሓራ፡ ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ  ይእሰሩን “ሕጋዊ ኣይኮነን”  ብዝብል ምኽንያት ኣባይቶም ይፈርስን ምህላዉ ዝተፈላለዩ ወገናት ይሕብሩ ኣለዉ።

እቲ ኣብ ሓድሽ ኣሰላልፋ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጐኒ ኣምሓራ ከምዘሎ ክንገረሉ ዝጸንሐ ህግደፍ፡ ድሕሪ እቲ ኩነታት ናብ ወተሃደራዊ ጐንጺ ምዕራጉ ድምጹ ኣየስምዐን። ክጠልሞም ድዩ ክሕግዞም እውን ኣይተፈልጠን።

Page 91 of 599