ምስሊ ካብ ቢቢሲ/BBC

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ግፋ ቀጻሊ ከም ዘሎ  ምግላጹ ቢቢሲ/BBC ሓቢራ። እቲ ኮሚሽን እቲ ግፋ ኣዝዩ ከም ዘሰክፎ ብ14 ነሃሰ 2023 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ እዩ ሓቢሩ። ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ካብቶም ዝግፈፉ ዘለዉ ሓተቲ ዑቕባ ከም ዝርከብዎም ተገንዚቡ፡ ንቤተሰቦም ከም ዘዘራርበ እንተኾነ ምስቶም ግዳያት ግፋ ክራኸብ ከምዘይተፈቕደሉ ኣረጋጊጹ። ቢቢሲ ብወገና ኤርትራውያን ኣዘራሪባ እቲ ግፋ ሰፊሕ ምንባሩ ከም ዘረጋገጽት ሓቢራ።

ኣብዚ እዋንዚ ብሰንክዚ ግፋ ብዙሓት ኤርትራውያን ካብ ገዛውቶም ንምውጻእ ተጸጊሞም ከም ዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት በቶም ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተገፊፎም ብዘይድሌቶም ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ ሓተቲ ዑቕባን ትሕቲ ዕድመ ህጻናትን  ዝርከብዎም ኣስታት 200 ኤርትራውያን ዝሓደሮ ሻቕሎት ብምጥቃስ ኣብ ወርሒ ሰነ 2023 መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ እዩ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ ብሰንክቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ እቶም ኣብ ወረዳ ዳባት መደበር ስደተኛታት ኣለምዋጭ ተዓቚቦም ዘለዉ፡ ካብተን ኣብ ትግራይ ዝነበራ ብሰንኪ ውግእ ዝፈረሳ 4ተ መደበራት ዝመጹ ኤርትራውያን ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ናይ ድሕንነትን ሕጽረት ቀረብን ጸገም ከም ዘለዉ እውን ኣብቲ መግለጺኡ ኣፍሊጡ።

Sunday, 13 August 2023 21:53

Dimtsi Harnnet Sweden 12.08.2023

Written by

በሳደር ዓባይ ብሪታንያ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልች

ጀነራል ዳይረክተር  ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ኤርትራ፡ 10 ነሃሰ 2023 ኣብ ኤርትራ ንዘሎ ፈጻሚ ጉዳይ ዓባይ ብሪታንያ ብወግዒ ንመብርሂ  ከም ዝጸውዖ፡  ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል  ኣፍሊጡ። እቲ ፈጻሚ ጉዳይ ዝተጸውዐ፡ ብዛዕባቲ ኣበሳድር ዓባይ ብሪታንያ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልች ብ10 ነሃሰ 2023 ኣብ ከተማ መቐለ ብዝሃቦ ንህላወ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ዝምልከት ንዝገለጾ፡ መብርሂ ንክህብ ምዃኑ ተፈሊጡ።

በሳደር ዓባይ ብሪታንያ ዳረን ወልች ናብ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ዝኸዱ ኣባል  ናይቲ   ብፍልይቲ ልእኽቲ ብሪታንያ ኣብ  ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝምራሕ  ልኡኽ ኮይኖም እዮም።

በስዳር ዳረን ዌልች ኣብ መቐለ፡ ምስ ማዕከናት ዜና ትግራይ ኣብ  ዘካየድዎ ቃለ-መጠይቕ፡ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን  ምሉእ ብምሉእ ክትግበር ኣለዎ፡ ከም ኣካል ናይዚ ስምምዕ ድማ ሰራዊት ኤርትራ ምሉእ ብምሉእ ካብ ትግራይ ክወጽእ ናይ ግድን እዩ ዝብል መወጸዋዕታ ኣቕሪቦም። ኣተሓሒዞም ከኣ መንግስቶም እውን ናይ ኤርትራ ሰራዊት ካብ ትግራይ ምውጻእ ከም ዝድግፍ ብተወሳኺ ኣረጋጊጾም። ብዘይካዚ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ፡ ሰብኣዊ ግህሰታት ከም ዝፈጸመ፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝድገፍ ኮሚሽን ኮነ  ብካለኦት   ብዙሓት ትካላት ሰብኣዊ መሰል ዝተረጋገጸ ምዃኑ’ውን ጠቒሶም።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ግዝያት ብፍላይ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ገበናት ብምፍጻም ብቐጻሊ ዝኽሰስ ዘሎ ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

ኣብ መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለምዋጭ ከባቢ ዳባት ኢትዮጵያ፡ ብ10 ነሃሰ 2023 ሓደ መንእሰይ ኣቐድም ኣቢሉ ድማ ሓንቲ ጓለንስተይቲ  ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብቲ መደበር ብዝኣተዉ ዕጡቓት ሓይልታት ብጥይቲ ተቐቲሎም። ተለቪዥን ኣሰና ምስ ሓደ ኣብቲ መደበር ዘሎ ስሙ ግና ዘይተጠቕሰ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ዝገበረቶ ሓጺር ቃለ-መሓትት፡ ኣብቲ ናይ ቅድሚ 4ተ መዓልታት ተኹሲ ካልእ ኤርትራዊ ስደተኛ ተወቒዑ ኣብ ሕክምና ተዓቚቡ ከም ዘሎ ኣረጋጊጻ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ እታ ዝተቐትለት ጓለንስተይቲ ኩሉ መስርሕ ወዲኣ ናብ ኣሜሪካ ክትከይድ ተቐሪባ ዝነበረት እያ።

ናይቶም ናብቶም ናብቲ መደበር ኣትዮም ቅትለት ዝፈጸሙ ዕጡቓት ማንነት ዘይተነጸረ ኮይኑ፡ ኣካላት ፋኖ ምዃኖም ዝግመቱ።  ናብቲ መደበር ዝኣተዉሉ ቀንዲ ምኽንያት  ናይቶም ስደተኛታት ንብረት ንምዝማት ኮይኑ እቶም ዝተቐትሉን ዝቖሰሉን ድማ ዓገብ ዝበሉ እዮም። ናይቲ መደበር ሓለዋ ዝነበሩ ዕጡቓት ድሕሪ ውግእ ኣብ መንጎ ሰራዊት ኢትዮጵያን ዕጡቓት ፋኖን ምሕያሉ፡ ካብቲ ቦታ ከም ዝኸዱ እቲ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

እቲ ዝሓበረ ስደተኛ ከም ዝገለጾ፡ ኣብዚ እዋንዚ ዝነበሮም ጸገምን ስግኣትን ዛይዱ፡ ዝወሃቦም ዝነበረ ውሱን ናይ እኽሊ ሓገዝ ምቁራጹ፡ ብዝኾነ መንገዲ ዝተረኽበ እኽሊ ዝጠሓነሉ ዕድል ከምዘየለ፡ ቀረብ ማይ፡ ሕክምናን ኤለክትሪክን ምሉእ ብምሉእ ስለ ዝተቛረጸ እቲ ልዕሊ 15 ሺሕ ስደተኛ ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ጸገም ወዲቑ ምህላዉ ተፈሊጡ።

ኣካላት ናይቲ  ጉዳይ ስደተኛታት  ናይ ምክትታል ሓላፍነት ዘለዎ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ብሰንኪ ውግእ ካብቲ ቦታ ጠቕሊሎም ስለ ዝኸዱ፡ እቶም ስደተኛታት ዋና ዘየብሎም ኮይኖም ኣለዉ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኤርትራውያን ብጉዳይ ስደተኛታት ናብ ዝምልከቶም ሰብኣዊ ትካላት ምሕጽንታ ንከቕርቡ እቲ ስደተኛ ጸዋዒት ኣቕሪቡ።

ትካል መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት ንዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣቋሪጽዎ ዝነበረ ምቕራብ  ረዲአት እኽሊ  ናብ ዝተወሰነ ከባቢታት ትግራይ ከቕርብ ከም ዝጀመረ  ብ8 ነሃሰ 2023 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቲ ኣብ መጀመርታ ዝቐረበ ረዲአት 15 ጽዕነት መካይን እዩ። በብደረጃ ክውስኽ ድማ ትጽቢት ኣሎ። እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጉንበት 2023 ምቕራብ ረዲአት ዘቋረጸ፡ ናብ ህዝቢ ክበጽሕ ዝግበኦ ዝነበረ ረዲአት ብዝተፈላለዩ ኣካላት ትግራይ ወስኽካ፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ኢትዮጵያ ከም ዝተሰርቀ ምስ ኣረጋገጸ እዩ።

እቲ ናብታ ልዕሊ 20 ሚልዮን ተጸበይቲ ረዲአት ዘለውዋ፡ ካብ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ህዝቢ ካለኣይ ደረጃ እትሕዝ ኢትዮጵያ ዝተቛረጸ ሓገዝ መግቢ ብትካል መግቢ ዓለም ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዎ ትካል ረዲአት ሕቡራት መግስታት ኣሜሪካ እውን በተመሳሳሊ ምኽንያት ኣቋሪጹ እዩ ጸኒሑ። ትካል ረዲአት ኣሜሪካ ኣብ መጻኢ ረዲኤት ዘይስረቐሉ ኣገባብ ንምፍጣር ምድላወይ ኣይወዳእኩን ብዝብል ናብ ትግራይ ኮነ ብሓፈሻ ናብ ኢትዮጵያ  ዘቋረጾ ሓገዝ ምቕራብ ኣይጀመረን።

ኣብ ትካል መግቢ ዓለም ናይ ሓደገኛን ህጹጽን ኩነታት ሓላፊ፡ ኣንሲ ከም ዝገለጽዎ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ውግኣትን ሕማቕ ኩነታት ኣየርን ልዕሊ 35 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ረዲአት ከም ዘለዉ ጠቒሶም፡ ናይ ትግራይ ካብቲ ዝገደደ ዝበሃል ከባቢ ምዃኑ ምስ ሲኤንኤን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መጠይቕ ሓቢሮም

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ሓገዝ ዘይምቕራቡ ዝሰዓበ ጥሜት፡ ከባቢ 1500 ሰባት ከም ዝሞቱ ካብቲ ክልል ዝወጹ ጸብጻባት ሓቢሮም።

Friday, 11 August 2023 00:12

Dimtsi Harnnet Kassel 10.08.2023

Written by

ቤት ምኽሪ ምኒስተራት ኢትዮጵያ፡ ብ4 ነሃሰ 2023 ኣብ ክልል ኣምሓራ 6 ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኩነታት ህጹጽ ግዜ (STATE OF EMERGENCY) ኣዊጁ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድማ ብ8 ነሃሰ 2023 ናብን ካብን ክልል ኣምሓራ ዝግበር በረራታት ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተቋረጸ ኣፍሊጡ።

ነቲ ዝተኣወጀ ህጹጽ ኩነታት ኣብ ግብሪ ዘውዕል ላዕለዋይ ኣካል ብኣቶ ተመስገን ጥሩነህ ዳይረክተር ሃገራዊ ጸጥታ ኢትዮጵያ ዝምራሕ ኮይኑ፡ 4ተ ናይ እዚ ከባብታት ከም ዝህልዉዎ ተፈሊጡ። በዚ መሰረት ኣብቲ ክልል “ዘይሕጋዊ ዕጥቂ ኣፍቲሕካ ኩነታት ሰላምን ዝፈረሰ ምምሕዳራዊ ትካላትን ናብ ንቡር ምምላስ” ብዝብል ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ዕጡቕ ሓይሊ ኣምሓራ ፋኖን ኣብ ኩሉ ኩርነዓት እቲ ክልል ደማዊ ውግእ ይካየድ ኣሎ።

እቲ ውግእ ኣብ ኩሉ ከተማታት እቲ ክልል ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ጎንደር፡ ባህርዳር፡ ደብረማርቆስ፡ ድበረብርሃን፡ ኣጣየን ሽዋሮቢትን ዝካየዱ ዘለዉ ውግኣት ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ከቢድ ዕንወት የውርዱ ከምዘለዉ ይሕበር ኣሎ። ክልቲኦም ወገናት ድማ ናይ “ኣነ እየ ተዓዊተ” ዜናታት ይዝርግሑ ኣለዉ። ብፍላይ ኣብ ደብረብርሃንን ከባቢኡን ዝካየድ ግጭት እቲ ውግእ ናብ ክልል ኦሮሞ ከይልሕም ኣስጊኡ ኣሎ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ርእስቲ ክልል ኣምሓራ ምስ ኣዲስ ኣበባ ዝራኽብ ናይ መሬት መጐዓዝያ ምዕጻዉ ምዃኑ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ድማ ናብ ዝርዝር ምኽንያት ከይኣተወ፡ ካብ 8 ነሃሰ 2023 ጀሚሩ ካብን ናብን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘለዉ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ባህርዳር፡ ጎንደር፡ ላሊበላ፡ ኮምበልቻን ደበረማርቆስን ዝገብሮ በረራታት ምሉእ ብምሉእ ከም ዝቋረጾ ኣፍሊጡ።

ክልላዊ መንግስታት ኢትዮጵያ ነቲ ፈደራል መንግስቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝኣወጆ  ኩነታት ህጹጽ ግዜን ኣንጻር ፋኖ ዘካይዶ ዘሎ ውግእን ክድግፋ እንከለዋ፡ ብወገን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ግና ብወግዒ ዘውጸ መግለጺ የለን። እዚ ውግእ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ተመሳሳልነት ከም ዘለዎን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣባላት ፓርላማን ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ዝርከብዎም፡ ኣሸሓት ተወለድቲ ኣምሓራ ይእሰሩን ካብ መገሻ ይኽልከሉን ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።

ብዙሓት እቲ ውግእ ንኢትዮጵያ ናብ ምብትታን ከይወስዳ ስግኣት ዝሓደሮም ወገናት፡  ውግእ ጠጠው ኢሉ ሰላማዊ መፍትሒ ክርከበሉ ይምሕጸኑ ኣለዉ። እንተኾነ ብዘይካ ፈደራላዊ መንግስቲ “ናይ ሰላም ኣፍደገ ዕጽዊ ኣይኮነን” ምባሉ ካልእ ዝተራእየ ተስፋ ሰላም የለን። 

Page 78 of 600