ምስሊ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ

ናይ ኤርትራ ፈጻሚ ጉዳይ ኣብ ስዊዘርላንድን ወኪል ኣብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ጀነቫን ኣደም ዑስማን ንመንግስቲ ኤርትራ ራሕሪሑ ከም ዝተሰወረ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

እቲ ዲፕሎማት ነዚ ስጉምቲ  ዝወሰደ፡ ጉዳያቱ ኣጻፊፉ ቀልጢፉ ጠቕሊሉ ናብ ኤርትራ ክምለስ ምስተነግሮ ብዝሓደሮ ስግኣት ምዃኑ እውን ተጠቒሱ። ናይ ስግኣቱ ምኽንያት ከኣ ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ኤምባሲ ድሕሪ ዝተፈጥረ ጸገም ናብ ኤርትራ ዝተመልሱ፡ ሰራሕተኛታት ናይቲ ኤምባሲ ዝነበሩ፡ ኣደዳ ማእሰርትን ካብ ስራሕ ምድስካልን ምዃኖም ስለ ዘረጋገጸ ምዃኑ ተፈሊጡ።

እቲ ሓበሬታ ከም ዘስፈሮ፡ ኣደም ዑስማን ካብ ኢድ መንግስቲ ኤርትራ ከም ዝወጸ ምስ ተጠርጠረ፡ ሽዑንሽዑ  ናይ ዲፕሎማሲ ፓስፖርቱ ከም ዝተሰረዘ ተገሊጹ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ከኣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ሃብቶም ዘርኣይ ዝተባህለ ዲፕሎማት ኣብ ቦታ ኣደም ዑስማን ብግዝያውነት ተመዲቡ ከምዘሎ እቲ ምንጪ ጠቒሱ።

ኣደም ዑስማን፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዜ ኣብ ጄኔቫ ኣብ ዝጋብኡ፡ ኣኼባታት ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፣ ናብ ህግደፍ ንዝቐረቡ ክስታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ሓቅታት እንዳ ከሓደ  ብምቅዋም ምስሊ ህግደፍ ንምጽብባቕ ክሰርሑ ካብ ዝጸንሑ መጋበርያታት ሓደ እዩ።

ፍሉይ ልኡኽ  ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማይክ ሃመር፡ ካብ 28 ነሃሰ ክሳብ 8 መስከረም 2023 ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከም ዝጸንሑ ክፍሊ ርክብ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ዘውጸኦ ሓጺር መዘኻኸሪ ሓቢሩ። ማይክ ሃመር ኣብ ጉዕዘኦም ናብ ኣዲስ ኣበባን ናይሮብን ክበጽሑ እዮም።

እቲ መዘኻኸሪ ከም ዝጠቐሶ፡ ኣብቲ መገሸኦም ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያ፡ ከኒያ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ክራኸቡ እዮም። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸንሕሉ እዋን ብዛዕባ መስርሕ ኣተገባብራ ስምምዕ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ደቡብ ኣፍሪቃ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ክዘራረቡ እዮም። ብዘይካዚ ኣብ ክልላት ኦሮሞን ኣምሓራን ዘሎ ጐንጽታት ብሰላማዊ መንገዲ ንክፍታሕ ከም ዘተሓሳስቡ ተፈሊጡ’ሎ።

ብዘይካዚ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሕድሕድ ብሰላም ዝፍተሓሉ፡ ድሕሪኡ ኣብታ ሃገር ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳር ዝትከለሉ፡ ምዕሩይ ምምሕዳር ዝተኣታትወሉ፡ ልዕልና ፍትሒ ዝረጋገጸሉን ተሓታትነት ዝፍጠረሉን ኩነታት ብዝምልከት ምስቶም ዝራኸብዎም ኣካላት ከም ዝመያየጡን ብዛዓብ ምፍታሕ ጉዳይ ሱዳን  ዝካየድ ዘሎ ዘባዊ ጻዕሪ ከምዘልዕሉን  ተፈሊጡ።

ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተወስደ ምስሊ

ኣብ ዓመተ 2023 ክልተ ሺሕን ዓሰርተ ሰልስተን (2,013) ስደተኛታት ናብ ኤውሪጳ ክሰግሩ ክብሉ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ደሃዮም ከም ዝጠፈአ ጉዳይ ስደተኛታት ዝከታተል ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣፍሊጡ። እዚ ኣሃዝ ምስቲ ናይ 2022 ምሉእ ዓመት ዝነበረ  ኣሃዝ 1,417 ክወዳደር እንከሎ ዝለዓለ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ 24ን 25ን ነሃሰ 2023፡  ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብመርከብ ህይወት ኣድሕን/Ocean Viking፡ 438 ዝኾኑ ስደተኛታት ከምዝደሓኑ ኣሽርቕ ኣል-ኣውሰጥ ዝተባህለት ማዕከን ዜና ብምጥቃስ መርበብ ሓበሬታ ሰቲት ሓቢራ። ብመስረት ጸብጻብ “ኣሸርቕ ኣል-ኣውሰጥ”፡ ብ24 ነሓሰ 2023 ናይ 23 ሃገራት ዜጋታት ከም ዝኾኑ ዝተጠቕሱ፡ ኣብ ሰለስተ ጀላቡ ተሳፊሮም ዝነበሩ 272 ስደተኛታት ካብ ናይ ምጥሓል ሓደጋ  ከም ዝደሓኑ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

ካብቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ግዳያት፡ 32 ትሕተ-ዕድመ፡ 9 ህጻናትን 5 ኣካለ ስንኩላንን ምዃኖም እቲ ህይወት ኣድሕን ትካል ከም ዝሓበረ እታ ማዕከን ዜና ኣስፊራ።

ብተመሳሳሊ ኩነታት ብ25 ነሓሰ፡ 166 ብተመሳሳሊ ኩነታት፡ በታ ህይወት ኣድሕን መርከብ ካብ ሞት ከም ዝተረፉ ተፈሊጡ። ብድምሩ 438 ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብታ Ocean Viking ዝተባህለት መርከብ ናይ 438 ስደተኛታት ህይወት ክድሕን ክኢሉ።  

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ድሕሪ 4ይ ምዱብ ጉባአ፡ ብ26 ነሃሰ 2023 ቀዳማይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣብ መኽፈቲ’ቲ ኣኼባ ብጻይ ገረዝግሄር ተወልደ፡ ኣቦመንበር ፈጻሚ ሽማግለን ማእከላይ ባይቶን ሰዲህኤ  ቃል ኣስሚዑ። ኣብቲ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ኣብ ዝተፈልየ፡ ኤርትራውን ከባብያውን ሓደስቲ ምዕባለታት ይረኣየሉ ኣብ ዘሎ መድረኽ ዝተኻየደ 4ይ ጉባአ ዕዉት ከም ዝነበረ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ንሓድሽ  ፈጻሚ ሽማግለ መጻኢ ዕዉት ናይ ቃልሲ ግዜ ክኾነሉ ትምኒቱ ገሊጹ፡ ብመሰረት ቅዋም ሰዲህኤ ዓንቀጽ 5.14.6 ዝጸንሐ መሪሕነት፡ ኣብ ውሽጢ ሰላሳ (30) መዓልታት ድሕሪ ምዝዛም ጉባኤ ንሓድሽ መሪሕነት ሓላፍነቱ የረክብ” ዝብሎ፡ ኣብ’ቲ ኣኼባ ምርኽኻብ ሓላፍነት ከም ዝፍጸም ኣረጋጊጹ።

ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ኣኼባኡ ዝተመያየጠሎም ኣጀንዳታት፡ ምቛም ምምሕዳር ኣብያተ-ጽሕፈት፡ ምትላም ዓመታዊ መደብ ዕዮን ጸብጻብ መስርሕ ምቛም ግዜያዊ መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)ን ኮይኖም፡ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራዊ ጉዳያት እውን ተመያይጡ ኣድለይቲ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ።

በቲ ዝሓዞ ኣጀንዳ መሰረት ኣብ ዘካየዶ ዓሚቕ ምይይጥ ድማ፡

1) ብሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ናይ ዝቐረቡ ኣባላት ምምሕዳር ተመያይጡ ኣጽዲቑ። ዘይተማልኡ ድማ  ክስዕቡ ወሲኑ።

2) ምትላም ዓመታዊ መደብ ዕዮ ኣብያተ-ጽሕፈት ኣብ ዝምልከት፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ንድፍታት ዝቐርብሉን ፈጻሚ ሽማግለ ድማ ነቲ ንድፍታት ብፍሉይ ኣኼባ ዘጽድቐሉን መስርሕ ሓንጺጹ።

3) ንምቛም ግዝያዊ መሪሕነት ናይቲ ብኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ ስሙር ሃገራዊ ግንባር ኤርትራ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ዲሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ዝቖመ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ኣብ ዝምልከት፡ ናብኡ ንምብጻሕ ዝተኻየደ መስርሕ ዝሕብር  ጸብጻብ ሰሚዑ። ድሕሪ ነቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ምምዛን ድማ፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝእወጅ፡ ግዝያዊ መሪሕነት ዘለዎ ደገፍ ኣረጋጊጹ፡ ሰዲህኤ ቀጻሊ መስርሕ ሓቢርካ ምቅላስ ዕዉት ንክኸውን ኩሉ ዝከኣሎ  ጻዕሪ ከም ዝገብር ኣረጋጊጹ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣኼባ ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ቀጻልነት ሃገርን መላእ ህዝቢ ኤርትራን ኩሎም  ደለይቲ ለውጢ ሓይልታትን ኣንጻር ምልኪ፡ ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ ዝያዳ ከሐይሉ ጸዊዑ። በቲ ካልእ ወገን ድማ ኩሎም ፈተውቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጐኒ ፍትሓዊ ቃልሱ ክስለፉን ኩለ-መዳያዊ ሓገዞም ከወፍዩን ከምኡ’ውን ተጽዕኖኦም ኣብ ልዕሊ ጨቋኒ ስርዓት ህግደፍ ከሐይሉን ተማሕጺኑ።

ዝያዳ ኩሉ ድማ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ኣባላት ሰዲህኤ ከም መቐጸልታ ናይቲ ዘይሕለል ቃልሶም ንምዕዋት 4ይ ጉባአ ሰልፎምን፡ ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፈርት 2023ን ንዘርኣይዎ ሓልዮትን ተወፋይነትን ንኢዱ። ኣብ መጻኢ እውን ውሳነታት ጉባአ ንምዕዋት ዘይሕለል ቃልሲ ከም ዘካይዱ ዘለዎ እምነት ኣረጋጊጹ።

ንዲሞክራስያዊ ምሕደራን ምዕባለን ንቃለስ!

ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ

 

ጅግና  ተጋዳላይ  ታረቀ  በራኺ 

ስውእ  ጅግና  ተጋዳላይ  ታረቀ  በራኺ  እንካብ  ወለድቱ  ኣቶ  በራኺ  ኃብተሚካኤልን  ወ/ሮ  ለተንጉሥን  ኣብ  ከተማ  ደቀምሓረ  ተወሊዱ  ዝዓበየን  ዝተማህረን  ከምኡ  ከኣ  ማትሪክ  ሓሊፉ  ኣብ  ኣዲስ ኣበባ  ዩኒቨርስቲ  ትምህርቱ  ዝቐጸለን  እዩ።ንሱ  ንሃገሩን  ሓልዮት  ሕዝቡን  ኣዝዩ  ግዱስን  በዓል  ሓቦን  ብምንባሩ  ኣብ  ፖለቲካ  ኤርትራ  ዓቢ  እጃም  ኣበርኪቱ  እዩ።

ታረቀ  ንሓደ  ዓመት   National  Service  ኣብ  ከተማ  ሓረር  ብዩኒቨርስቲ  መደብ  ተዋሂቡዎ  ከብቅዕ  ቅድሚ  ናብ  መደቡ  ምኻድ  ግን  ሥድራቤቱ  ክርኢ  ናብ  ከተማ  ደቀምሓረ  መጸ። ኣብ  ዓላ  ዝበሃል  ቦታ  ተጋደልቲ  ተጋድሎ  ሓርነት  ኤርትራ  ብኣብርሃም  ተወልደ  እትምራሕ  ሰሎሙን  ወልደማርያም  ፖለቲካዊ  ኮምሽነራ  ጋንታ  ተጋደልቲ  ነበሩ። ስለዚ  ከኣ  ታረቀ  በራኺ  ናብዞም  ተጋደልቲ  ብምኻድ  ምስኦም  ተረዳዲኡ  ኣብ  ኣዲስ ኣበባን  ከባቢኣን  ውሽጣዊ  ስርርዕ  ንኸካይድ  ተሰማሚዑ  ጉዕዝኡ  ናብ  ኢትዮጵያ  ቀጸለ። ኣብ  ኣዲስ ኣበባ  ከኣ  ውሽጣዊ  ስርርዓት  እንዳ ኣካየደ  ከሎ  ብሃንደበት  ፀጥታ  መንግሥቲ  ኢትዮጵያ  ሒዞም  ብምእሳር  ናብቲ  ሽዑ  እዋን  መመርመሪ  ናይ  ፖለቲካ  እሱራት  ዝነበረ  ኣብ  ናይ  መሰልጠኒ  ኮማንዱስ  ደቀምሓረ  ምስ  ካልኦት ብዙሓት  እሱራት  ኤርትራውያን  ኣምጽኡዎ። ኣብቲ  ናይ  ምርመራ  ቤት  ማሰርቲ  ከኣ ካብ  ውሽጢ  ኤርትራ  ዝተኣሰርና  ብዙሓት  ጸናሕናዮም። ድሕሪ  ብርቱዕን  ግፍዒ  ዝተሓወሶ  ምርመራን  ከኣ  ናብ  ሰንበል  ኣሥመራ  ቤት  ማእሰርቲ  ወሲዶም  ናብ  ቤት  ፍርዲ  ኣቕረቡና። ከልከል  ዝተባህለ  ዓቃቢ  ሕጊ  ኣብቲ  ቤት  ፍርዲ  ካብ  ሰሎሙን  ወልደማርያም  ምስ  ኮማንዱስ ኣብ  ውግእ  ዝተኻየደሉ  ጊዜ ዝወደቐት  ምሉእ  ሰነዳት  ኣስማትና  ዘለዋ  ደብተር  ኣቕረበ። በዚ  ምኽንያት  ከኣ  ፍርድና  ካብ  ሓደ  ዓመት  ክሳዕ  ዓሰርተ  ዓመት  ዝኣክል  ተበየነልና። ኣነ  ናይ  ክልተ  ዓመት  ተፈሪደ  ሓደ  ዓመትን  ገለ  ኣዋርሕን  ተኣሲረ  ብድሕሪኡ  ጃንሆይ  ምሕረት  ሂቦምና  ክወጽእ  ከለኹ   ታረቀ  በራኺ  ግን  ንሓሙሽተ  ዓመት  ተፈረደ። ድሕሪ  ማእሰርቱ  ምውዳእ  እንደገና  ናብ  ኣዲስ ኣበባ  ከይዱ  ነቲ  ቅድሚ  ምእሳሩ  ዝጀመሮ  ውሽጣዊ  ስርርዓት  ብዝያዳ  ብዕቱብን  ጽፉፍን  ኣገባብ  ቀጸሎ። ነዊሕ  ከይጸንሐ  ከኣ  ናብ  ሜዳ  ኤርትራ  ኣትዩ  መጀመርታ  ምስ  ክፍሊ  ዕዮ  ዜና  ኮይኑ  ኣብ  ከበሳ  ንሓጺር  እዋን  ኣገልጊሉ  ቀጺሉ  ምስ  ጋንታ  104  ቸንቶ  ኩኣትሮ  ኮይኑ  ካብቶም  ቀንዲ  ፈዳይን  ኣብ  ኣሥመራ ብምዃን  ተጋደለ። ታረቀ  ብዙሕ  መስተንክራት  ንምእማኑ    ዘጸግም  ስርሒታት  ይሃልዎ  እንበር  ሓደ  ካብቲ  ዓቢ  ዓወት  ዘመዝገቦ ንዶክተር  በረኸት  ኃብተሥላሰ  ካብ  ትግራይ  ተቐቢሉ  ናብ  ኣሥመራን  ሜዳ  ኤርትራን  ዘሰጋገረ  ከምኡ`ውን  ንጀነራል  ጎይትኦም  ብተወሳኺ ንልዕሊ  900  እሱራት  ኣብ  ቤት  ማሰርቲ  ሰንበል  ተዳጒኖም  ዝነበሩን  ከምኡ`ውን  ኣብ  ሆስፒታላት  ዝእለዩ  ዝነበሩን  ብብርቱዕ  ጥንቃቀን  ሜላን  ኣገባብ  ተጠቒሙ  ነጻ  ብምውጻእ  ናብ  ሜዳ  ኤርትራ  ከምዝጽንበሩ  ገበረ። ቀጺሉ  ብ 1975  ዓ.ም.ፈ ኣብ  ካልኣይ  ሃገራዊ  ጒባኤ   ተጋድሎ  ሓርነት  ኤርትራ  ብምስታፍ  ናኣባልነት  ገድላዊ  ባይቶ  ተመዘዘ። ብመጀመርታ  ሓላፊ  ናይ  ስነ-ኪነት ሙዚቃን   ባህልን ኮይኑ  ንሓጺር  ጊዜ  ኣገልጊሉ  ቀጺሉ  ናብ  ቀይሕ  መስቀልን  ወርሕን  ኤርትራ  ተመዲቡ  ናብ  ዝተፈላለያ  ሃገራት   ምስ  ብጾቱ  ኮይኑ  ብምኻድ ብዙሕ   ዓይነት  መግብን  መድኃኒትን  ቴንዳታትን  ወዘተ ... ክረክብ  ከኣለ። ብ 1977  ዓ.ም.ፈ ኣብ  ተ.ሓ.ኤ  ንለውጢ  ዴሞክራስያዊ  ምንቅስቓስ/ ኢ.ዲ.ም   ፋሉል  ተባሂሉ  ዝጽዋዕ  ተፈጢሩ  ታረቀ  በራኺ  እውን  ኣባል  እቲ  ምንቅስቓስ  ስለዝነበረ  ኣብ  ካርቱም  ሱዳን  ብፀጥታ  ተ.ሓ .ኤ  ምስ  ብጾቱ  ከምዘይሓልፍ  ተሃደነ። ንዘይመውት  ፈውሲ  ኣለዎ  ተባሂሉ  ከምዝተመሰለ  ታረቀ  በራኺ  ብናቱ  ክእለትን  ሜላን  ተጠቒሙ  ብጀርመን  ኣቢሉ  ናብ  ኣሜሪካ  ክኣቲ  ከኣለ። ኣብ  ኣሜሪካ  ናብራ  ስደት  ሕይወቱ  እንዳ  መርሐ  ሸውሃት  ቃልሱ  ገና  ስለዘይረወየ  ዕላማኡ  ኣብ  ሽቶ  ንምብጻሕ  ምስ  ብጾቱ  ኢ.ዲ.ም  ኮይኑ ቀጸለ። ድሕሪ  ነጻነት  ኤርትራ  እንተኾነ  እውን  ኣብ  ኤርትራ  ብምእታው  ከም  መምህር  ኮይኑ  ኣብ  ዩኒቨርስቲ  ናይ  ኣሥመራ  ንሓጺር  እዋን ኣገልገለ። ንኣካይዳን  ጒዕዞን  ጊዝያዊ  መንግሥቲ  ኤርትራ  ተዓዚቡን  ኣጽኒዑን  ከኣ  ከምዘየወጻጽኦ  ተገንዚቡ  እንደገና  ናብ  ስደት  መዕቆቢኡ  ኣመሪካ  ተመልሰ። ወላዲት  ኣዴኻ  ብጽኑዕ  ሓሚማ  ተባሂሉ  ምስ  ተነግሮ  ከኣ  ናብ  ኣሥመራ  ኣትዩ  ደቀምሓረ  ብምኻድ  ንወላዲቱ  ክሕብሕብን  ከፈውስን  ላዕልን  ታሕትን  እንዳበለ  ንርእሱ  ብሓደገኛ  ሕማም  ተታሒዙ  ኣብ  ኣፍ  ሞት  በጽሐ። ነዚ  ኲነታት  ዝተሓበረት  በዓልቲ  ቤቱ  ብቕጽበት  ንደቀምሓረ  ከይዳ  ናብ  ኣሥመራ  ብምውሳድ  ብሕክምናዊ  ረድኤት  ኣፈዊሳ  ካብ  ሞት  ከምዝድሕን  ገይራ  ንጀርመን  ኣእተወቶ። ኮይኑ  ግን  ኣብ  ጀርመን  ምስ  ኣተወ  እውን  ጸቕጢ  ብዝሒ  ደም  ገይሩ  ስትሮክ  ሒዙዎ  ምስ  ሕማም  ሽኮር  ተወሳኺ  ስቓይ  ገበረሉ። ንሓያሎ  ዓመታት ኣብ  ትሕቲ  ሕክምና  ረድኤት  ብበዓልቲ  ኪዳኑ  እንዳተኣለየ  ጻውዒት  ኣምላኽ  ፈጣሪ  ኮይኑ  ብዕለት  16.08.2023 ኣብ  ሃገረ  ጀርመን  ዓረፈ። ስነ-ሥርዓት  ቀብሩ  ብዕለት  25.08.2023 ሰዓት  11፡00  ቅ.ቅ.  ኣብ  መቓብር  ቦከንሃይም/ፍራንክፈርት  ብግዕዝ  ሪቱስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ብዙሓት  መተዓብይቱን  መቓልስቱን  ፈተውቱን  መላእ  ቤተሰቡን ካብ  መላእ  ኣውሮጳን  ካናዳን  ኣሜሪካን ኣብ  ዝተረኸቡሉ  ብዓጀብን  ክብርን  ብመዝሙር  ተ.ሓ.ኤ.  ብባንዴራ  ኤርትራ  መለይ  ተሰንዩ  ተፈጸመ። ብዓርኩን  ፈታዊኡን  ኣቶ  ሃይለ  ገ/ትንሳኤ  ካብ  ኣሜሪካ  ብሓብቱ  ኣበባ  ዝተነበ  ግጥሚ  ከምኡ`ውን  ብመተዓብይቱ  ኣቶ  ኣንገሦም  ገ/ዮውሓንስ  ካብ  ጀርመን  ዝተገበረሉ  ወየ  ... ወየ  ምስ  ተፈጸመ  ብዶ/ር  ሕሩይ  ባይሩ  ዘገርም  ሓጺር መግለጺ  ጒዕዞ  ቃልሲ  ታረቀ  በራኺ  ተዋህበ። ቀባሮ  ናብ  ዝተዳለወሎም  ኣደራሽ  ብምኻድ  ተመጊቦም  ካብ  ኣሕዋት  ነፍሰኄር  መዋቲ  ምሥጋና  ንቐባሮ  ተዋሂቡ  ብዙሓት  መቓልስቱ  ዝነበሩ  ከኣ  ምስክርነቶም  ብምቕራብ  ብፍላይ  ንበዓልቲ  ቤቱ  ወ/ሮ  በላይነሽ  ዮውሃንስ    ቃል  ኪዳና  ሓልያ  ንበዓል  ቤታ  ኣብ  እዋን  ሽግሩን  ስቓዩን  ዝኣለየትን  ዝሓብሓበትን  ደረት  ዘይብሉ  ምስጋንኦም  ገሊጾም  ተዛዘመ።

ጅግና  ሓርበኛ  ታሪኹ  እዩ  ነባሪ !

ዘልዓለማዊ  ዝኽርን  ክብርን  ንስውኣትና

25.08.2023 ፍራንክፈርት/ጀርመን

Saturday, 26 August 2023 23:10

መግለጺ ሓዘን

Written by
Page 76 of 600