Sunday, 05 July 2015 10:47

ምድረ በዳ

Written by

ኣንቶንዮ ተስፋይ

ሰነ 29 2015

ብሰብ ድዩ በቲ ሑጻ

ሂወት ዘይርከቦ ገጻ

ወይስ በቲ በደው ክነብራ ዝመረጻ

ምድረበዳ ሽም ዝወጻ፡

           ምድረበዳ ስምኪ ጸሊሙ

           ንሶም ክድሕኑ ንዓኺ ክልክሙ

           ብኣኪ ክዛረብ ዓለም ብዓለሙ

           ዘይትዛረቢ ሓጥኣቶም ክስከሙ፡

እወ፡ ሸኻ፡ ዛራ ዘይብልኪ

ህጻናት ከተዕንግሊ ልኢኾምልኪ

ንጹሃት ክመስሉ በዓል ህ.ግ.ዲ.ፍ ምልኪ

ጽምኢ፡ ሞት፡ ጥፍኣት ዝብሉኺ፡

            ምድረ በዳ ፡ ግዲ የብልክን

            ሂወት፡ ማይ እውን

            ቀይሕ ባሕሪ፡ መዲተራኒያንን

            ተሰሚዑ'ዩ፡ ሽመን ክድወን፡

ኣረሜናዊ ምሕደራ ህ.ግ.ዲ.ፍ

ደቂሱ ተሲኡ ስልጣን ዝሃርፍ

ሃገር ኣጥፊኡ ዘይዓርፍ

ከመኻኒ ስ ናባኺ እንተበል ሕልፍ፡

          

           ህ.ግ.ዲ.ፍ ደኣ ዘይከማኺ'ዩ ምድረ በዳ

           ኣዋልድ የብሉ ሩባ ዝወርዳ

           ኣሓ የብሉ ባሕሪ ዝወርዳ

           ዓዲ ብዓዳ ተሓቢሻ ተቐይዳ፡

ኣብ ኣጻምእ ምድረ በዳ'ስ

ማይ ክትረክብ ሃሰስ

ጽላል ክትረክብ ዳሕሳስ

ብተስፋ ዘሰጉም ዋርዋር ኣድማስ፡

             ህ.ግ.ዲ.ፍ ከ የማን የለ ጸጋም

             ቋሕ፡ ሰም እንተበልካ ኩሉ ጸላም

             እመት ትኹን የልቦ ምስጓም

             ምድጋፍ፡ የልቦ ምእዳም፡

እሞ ደኣ ሞት፡ ብሞት

ይወራዘድ'ዩ ዘይ ኩሉ ጥፍኣት

ናትኪ'ኳ ይሓይሽ ብምቕሊት

እንተጠፍአ ኣሰር፡ እንተደሓነ ብሂወት፡

              ካባኽስ ዳህላክ'ኳ ትምረር

              ታሪኻዊት ደሴት ናይ ደቐ'ባት ማሕዩር

              ዒራዒሮ ዝባሃል ሰብ ዘንቕጽ ዘሕርር

               ደሃይ ትመስክር፡ ጥፍእ ስውር፡

እምባትካላ፡ ዊዓ፡ ገምሃሎ

ዓላ፡ ጎዳጉዲ ደንጎሎ

ናቱ ሓቢኡ ናባኺ እንተበሎ

ሓቕስ ክትወጽእያ ኣብ መጋባእያ ውዕሎ፡

            ህ.ግ.ዲ.ፍ ስ ያኢ ብኣኺ ክወራዘ

            ንዜጋታት ዘደነከለ ዘዕንዘዘ

            ዝበከለ ዝመረዘ

             ዘጥፈአ ዝሰረዘ፡

መዓስ መጺኽና ከድናኪ'ምበር ንሕና

ወዲቕናኺ'ምበር መዓስ ወዲቕክና

ዝወደቐስ ህ.ግ.ዲ.ፍ ናባና

ኣምላኽ፡ ካብ መዓቱ ይሰውረና፡

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽሪ ንስውኣትና

ዓወት ንተቃላሳይ ህዝቢ ኤርትራ

GenevaDemoStatementEMDHR 1

ኩላትና ከምዝተኸታተልናዮ ብዕለት 26 ሰነ 2015፡ ኣብ ከተማ ጀነቫ ሃገረ ስዊዘርላንድ፡ ብኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ዝተዳለወ ካብ ሃገራት ስዊድን፡ ኖርወይ፡ ጣልያን፡ እንግሊዝ፡ ጀርመን ዴንማርክን ካልኦት ሃገራት ኤውሮፓን፡ ገለ'ውን ራሕቂ ከይገደሶም ካብ ካናዳን ኣውስትራልያን ዝተሳተፍዎ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ። ኣብ ሃገራት እስራኤልን፡ ኢትዮጵያን ዝርከቡ ኤርትራውያን'ውን ተመሳሳሊ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። እዚ ሰላማዊ ሰልፊ መብዛሕቶም መንእሰያት ዝተሳተፍዎ፡ ካብ ኩሉ ጽላት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘካተተ፡ ንፍናን ደለይቲ ለውጢ ሓፍ ዘበለን፡ ንስርዓት ህግደፍ ዘንቀጥቀጠን ዘበርገገን እዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እዚ ሰልፊ እዚ ኣገዳስን ፍሉይን ዝገብርዎ ገለ ረቛሒታት ንምጥቃስ፡
•    ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ ምንቅስቓስ፡ ሃይማኖት፡ ኣውራጃ፡ ወገን ብዘየገድስ ኩሎም ኤርትራውያን ብሓደ ድምጺ፡ ኣብ ሓደ ዓላማ፡ ብሓድነት ከምቲ ቀደም ንናጽነት ሕጂ'ውን ንሓርነት ክሰርሑ ከምኽእሉ ዘነጸረን፡ ዘረጋገጸን ብምዃኑ
•    ንኹሎም ደለይቲ ለውጢ ሞራሎምን ፍናኖምን ሰማይ ዓሪጉ፡ ንምቅልጣፍ ለውጢ ከይተሓለሉ ብዝበለጸ ክሰርሑ መዳርግቲ ዘይርከቦ ውሽጣዊ ሓይሊ ዘስነቐ ብምዃኑ
•    ነቲ ካብ ዓይኒን ኣድህቦን ማሕበረሰብ ዓለም ተገሊሉን፡ ተሸፊኑን ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ኤርትራ ዝግበር ዝጸንሐን፡ ዘሎን ጃምላዊ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ኣብ ኣጀንዳ ማሕበረሰብ ዓለም ብምምብጽኡን ክዛረበሉ ስለዝጀመረን፡ ብዝዓሞቐ ኽምርመር ይደፍእ ብምህላዉን፡  
•    ነቶም እንተስ ብፍርሒ፡ እንተስ ብእንታይ ገደሰኒ ክሳብ ሕጂ ክዛረቡ ዘይከኣሉ ዘለዉ ኤርትራውያን ዓቢ ድቃስ ዘይህብን ሕልና ዝቁስቑስን፡ መርገጺ ክወስዱ ዝድርኽን ብምዃኑ
•    ናይዚ ኩሉ እኩብ ድምር ድማ ኣብ ኣእምሮ ጉጅለ ህግደፍ ዝፈጥሮ ስነኣእምሮኣዊ ስዕረት ዓቢ ብምዃኑ   

GenevaDemoStatementEMDHR 2
እዚ ሰላማዊ ሰልፊ ልክዕ ከም ምድምሳስ ናደው ዕዝ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ፡ ከም ነጥበ መቀይሮ ኣብ ቃልሲ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ብፍሉይ ክዝከር ምዃኑ ዘየጠራጥር እዩ።

ሕጂ'ከ ናበይ?

እዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ እቲ ኣብ ደንበ ደለይቲ ለውጢ ውሒዱ ዝጸንሐ ፍናንን፡ እምነትን ኣብ ኤርትራውነትን፡ ሓድነት ኣብ ናይ ሓባር ዓላማን ዳግም ኣበራቢሩ ኣሎ። ለውጢ፡ ብስራሕን ውዳበን ጥራሕ እዩ ክመጽእ ዝኽእል። ነዚ ተበራቢሩ ዘሎ መንፈስ ከየጥፋእካ ብኸመይ ብዝበለጸ ተወዲብናን ሰሪሕናን፡ ንምልኪ ስዒርና፡ ነታ ንደልያ፡ ሰላም፡ ቅሳነት፡ ፍትሒ፡ ነጻነት፡ ዝዓሰላ ብሕጊን ቅዋምን እትመሓደር ኤርትራ ጋህዲ ንገብር ዝብል ሕቶ ኩላትና ክንምልሶ ዘሎና ወሳኒ ሕቶ እዩ። ድምጺ ነፍሲወከፍና ከም ማዕበል ኰይኑ ነዚ ዘሎ ምልኪ ጸራሪግዎ ክኸይድን ነታ ንሓልማ ኤርትራ ጋህዲ ክትከውንን ዓቢ ተራ ከምዘለዎ ተገንዚብና ድምጽና ነስምዕ።  ነፍሲወከፍና ስርሐይ ኢልና ሓደ ሰብ ናብ ደንበ ደለይቲ ለውቲ ከነምጽእ እንተኽኢልና ለውጢ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክረጋገጽ ምዃኑ ዘጠራጥር የብልናን።
ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ደጊሙ ደጋጊሙ ዝብሎ እንተልዩ ናይ ኤርትራ ሕቶ ናይ ሞትን ሕይወትን፡ ከም ህዝብን ሃገርን ምህላውን ዘይምህላውን ሕቶ እዩ። ሕቶ ኤርትራ ናይ ሕግን ሕጋውነትን ፍትሕን ሕቶ እዩ። ሕቶ ኤርትራ ናይ መሰልን ሓርነትን ሕቶ እዩ። እሞ ኤርትራውያን ኩልና ነዚ ሕቶ እዚ ንምምላስ ዳግም ናይ ቃልሲ መንፈስና ነበራብር።

እወ ክወግሕ እዩ!
እወ ንኽእል ኢና!

ኤምዲሰመ
02 ሰነ 2015
ፕሪቶርያ

EDALogo

ብ27 ሰነ 2015 ዓ.ም. ሓያሎይ ካብ ኣብ ከተማታት በይ-ኤርያ ዝነብሩ ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብቲ መደብ ምእካብ ወፈያ ዝተዳለወሉ ቦታ ኣብ ከተማ ኦክላንድ ተረኺቦም ደገፎም ክውፍዩ ከለዉ፤ ገለ’ውን ካልእ ጉዳያት ኣጋጢምዎም ክመጹ ዘይከኣሉ ወፈያኦም ግን ዝሰደዱ ይርከብዎም።

ነቲ መደብ ዘዳለዉን ዝመርሑን ኣባላት ኣካያዲ ቦርድ ብቪድዮ፣ ድሩቕ ስእልን መግለጽን ዝተሰነየ ንታሪኽን ህልዊ ኵነታትን ትካላት ናይ መኽሰብ ኣልቦ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር (ኤ.ደ.ማ)፣ ማሕበር ካብ ዝምስረት ሒዙ ነቶም ብመሰረት ኣብ ዓንዲ ሕጊ ዘስፈሮም ዕላማታትን ትካላትን ማለት ምሕጋዝ

  • ቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ኤርትራውያን ወዲሸሪፈይ
  • መደበር ኣካለ-ጽጉማን ከሰላ
  • መደብ ማዕዶ ወላዲ (ስፖንሰር)

ዝተኻየደ ንጥፈታትን ዘጋጥም ሕጽረታትን ብዝርዝር ኣብሪሆም። ተሳተፍቲ ብወገኖም ብፍላይ እኳ ገዳይም ተጋደልቲ፣ ድሕሪ ነቲ ዝተዋህበ መግለጺ ብጽሞና ምክትታሎም፣ ሕልና ዘበራብር ኣፍልጦኦምን ተሞክሮኦምን ብምክፋል፤ ጸገማት እቲ መደበራት ንምፍታሕ ጽዑቕ ምንቅስቓሳት ክግበር ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም።

ኤ.ደ.ማ. ምስ ዝሓለፈ እዋናት ዘክይዶም ዝነበረ ወፍርታት ምስ ናይዚ እዋን’ዚ ተሳትፎ ከነጻጽር ከሎ፣ ናይዚ ዓመት’ዚ ፍሉይን ኣተባባዕን ኰይኑ ንረኽቦ። ምኽንያቱ ድማ እቲ ብደለይቲ ፍትሒ ተበጊሱ ንዅሉ ምንቅስቓሳት ደንበ ተቓውሞ፣ ሲቪካዊያን ማሕበራት፣ ውድባትን ውልቀ-ሰባትን ብማዕረ ዘሳትፍን ዝሓቍፍን ኰይኑ፤ “ብበይ-ኤርያ ኤርትራውያን ንደሞክራስያዊ ለውጢ (በኤደለ)” ዝጽዋዕ ማሕበር ካብ ዝምስረት 2ይ ዓመቱ ሒዙ ዘሎ፤ ህዱእን ምርዳዳእ ዝዓሰሎ ሃዋህው ፈጢሩ ስለ ዝርከብ እዩ። ብፍላይ መንእሰያት ተሳትፎኦምን ኣገልግሎቶም ኣብ ምምራሕን ምክያድን እናዓዘዘ ክኸይድ ንርኢ። ከም ውጽኢት ናይዚ ሃዋህው እዚ ድማ ኣብ ወፍሪ ኤ.ደ.ማ. ዝተሳተፉ ካብ ኵሎም ኣካላት ምዃኖም ኣዎንታዊ ምዕብልና ኣብ ሓድነትን ስኒትን ህዝብና ብምርኣይና ንሕበን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እነካይዶ ዝነበርና ወፍርታት ኣዝዩ ንጡፍ ተራ ዝነበሮ ነብስ-ሄር ኣስገዶም ገብረመድህን (ወዲ ባሻይ)፣ ንመጀመርያ ጊዜ ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ መንጎና ዘይምርካቡ፣ ንሱ ዝዓሞ ዝነበረ ስራሓት ባዕልና ክንዓሞ ስለዝነበረና፣ ንሞያኡን ኣበርክቶኡን ብምምስጋን ደጋጊምና ካብ ምዝካር ኣየዕረፍናን። እቲ ጽቡቕ ነገር ግን ክብርቲ በዓልቲ ቤቱ ጽገ ክፍለ ንስድራቤት ወዲ ባሻይ ወኪላ ምሳና ውዒላን ወፈያኣ ኣበርኪታን።

ኣብ መደምደምታ፡ ዕዉት መደብ ዛዚምና። ንዅሎም ብሓልዮቶምን ልግሶምን ነቲ እንፈልጦ ሓላይን ለጋስን ባህሊ ኤርትራውያን ብተግባር ህያውን ቀጻልን ምዃኑ ዘረጋገጹልና፣ ብስም ኤ.ደ.ማን ትካላቱን ልባዊ ምስጋናና ይብጸሓዮም።

ኣካየድቲ ቦርድ


Address:     EDA                                                                                  Tel:   (408) 224-6822

                     5438 Giuffrida Ct                                                      Website www.eritreacare.org

                     San Jose, CA 95123                                      

Email: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.         

Saturday, 04 July 2015 08:46

Eritrea Voice Of Liberty 04 July 2015

Written by
Saturday, 04 July 2015 07:46

ኤርትራ ኣብ ቃራና

Written by

-- ተኽኣ ጸጋይ --

ሃገርና ኤርትራ ድሕሪ ነዊሕን መሪርን ዕጥቓዊ ቃልሲ፡ መስዋእቲ ኣሽሓት ብሉጻት ደቃ ከፊላ ብዝረኸበቶ ናጽነት፡ ኣብ 1993 መበል 182 ዕላዊትን ሕጋዊትን ኣባል ውድብ-ሕቡራት-ሃገራት ዓለም ኮይና ብሕጋጋት ዓለም ክትቕየድ እውን፡ ትጽቢት ማሕበረ-ሰብ-ዓለምን ህዝባን እዩ ኔሩ።