6 ነሓሰ 2024

EPF Headed Paper

ኣብ’ዚ ጽሑፍ ሰፊሩ ዝርከብ ንኽልቲኡ ጾታ ዝምልከት ኢዩ።

ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብሰሉስ ዕለት 5 ነሓሰ 2024 ኣብ ከተማ ቪዝባደን፡ ሃገር ጀርመን፡ ብወግዒ ተኸፊቱ። ወይዘሮ ኣድያም ተፈራ፡ ኣደ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ቀዳማይ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ: ነቲ ዋዕላ ብዝኽሪ ሰማእታት ኤርትራ ኢያ ኬፊታቶ። ቀጺላ፤ ንኣቶ ገረዝጊሄር ተወልደ፡ ኣቦ መንበር፡ ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፤ ንኣቶ ያሲን መሓመድ ዓብደላ፡ ምክትል ኣቦ መንበርን ሰክረተርን፤ ንኣቶ ዮውሃንስ ኣስመላሽ፡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዲፕሎማስን መጽናዕትን ብዝገበርዎ ምትሕብባር ድሕሪ ምምስጋን፤ ንኹሎም ሓለፍቲ ኣብያተ ጽሕፈትን ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለን፤ ብኣካል ይኹን ብዙም ወይ ማንዛ ዝተሳተፉ ኣባላት ሚድያ ምስጋንኣንመጐሳን ገሊጻ። ኣብ ቀዳማይ ዋዕላ ዝተሳተፋ ሚድያታት እዘን ዝስዕባ ኢየን።

1. ኤሪሳት/ Erisat

2. መስከረም 61 ነትወርክ/ September 61 Network

3. ኤሪፒእም /Eripm

4. ረድዮ ኤረና Radio Erena

5. ሃገረይ ቲቪ Hageray TV

6. ስኒትና ነትዎርክ  Snitna ነትዎርክ

7. ኣሰና /Asena

ኣደ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቭል፡ ንሓው ኣለምሰገድ ኣርኣያ፡ በዓል ሞያ ምቕራጽ ቪድዮ፡ ካብ ምኽፋት ናይ’ቲ ዋዕላ ክሳብ ምዕጻው ነቲ ተረኽቦ ብቪድዮ  ኣብ ምስናዱ፥ ከምኡ'ውን፡ ነተን ኣብ ላዕሊ ተጠቒሰን ዘለዋ ሚድያታት ብሓበራ ብዝገበርዎ ኣበርክቶ ክብ ዝበለ ምስጋናኣን መጐሳን ገሊጻ።

ወይዘሮ ኣድያም ተፈራ፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ቀዳማይ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብ24 ለካቲት 2024 በኹሪ ኣኼባ ከምዘካየደት ሓቢራ። ኣብ’ዚ ኣኼባ’ዚ፡ ኣደ መንበር፡ ምኽትል ኣደ መንበርን ዋና ጽሓፍን ተመሪጾም/ን። ብ2 መጋቢት 2024 ኣሰናዳኢት ሽማግለ ንነብሳ ኣብ 4 ንኡሳን ሽማግለታት ብምክፍፋል ስርሓ ጀሚራ። እተን 4 ንኡሳን ሽማግለታት ናይ ሰነዳት፡ ናይ ቀረብ/ሎጂስቲክስ፡ ዜናን ጉዳይ ተሳተፍቲ ዋዕላን መሳለጢታቱን ኢየን። ኣብ ልዕሊ’ቶም 9 ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ካልኦት ኣባላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ብምውሳኽ ድማ ስርሐን ጀሚረን።

ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ምስ ኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብምእካብ ናይ ሕድሕድ ምልላይ መደብ ድሕሪ ምክያድ፤ ንስርሓት ኣሰናዳኢት ሽማግለ  ዝምልከት መምርሒታትን  መብርሂታትን ድማ ኣመሓላሊፉላ።  እቲ መምርሒታት ድማ፡-

1. ንድፊ ሰነዳት ዋዕላ ኣጻፊፋ ናብ ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ከተቕርብ፤

2. ንዋዕላ ዝምልከት ፋይናንስያዊ፡ ሎጂስቲካዊ ቀረብ ምድላውን ዋዕላ ዝጋብኣሉ ቦታ ምርካብን፤

3. ቀዳማይ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ንምክያድ ዘድሊ ተክኒካዊ መሳለጢታት ምውዳድን ዝብል ነበረ።

ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ቀዳማይ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝጋብኣሉ ቦታ ኣብ ከተማ ቪዝባደን ክኸውን ብኣጋኡ ቦታ ብምሕዛእ፥ ወከልቲ ሰለስቲአን ፖለቲካዊ ሓይልታት ብኣካል ተራኺቦም ዝዝትይሉ መድረኽ ኣዳልያ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ኣብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣውስትራልያን ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮጳን ዝርከቡን ዝርከባን ኣባላት ሰለስቲኡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ብዙም ወይ ብማንዛ ክሳተፉ ዘኽእሎም  ኩሉ ዝከኣል መሳለጢታትን ምድላዋትን ጌይራ። ጠቕላላ ቁጽሪ ተሳተፍቲ ዋዕላ ብኣካልን ብዙምን  60 ኰይኑ ገሊኦም ብኣካል ገሊኦም ከኣ ብማንዛ/ ብዙም ኢዮም ተሳቲፎም።

ኣብ መደምደምታ፡ ኣደ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ብሓለፍትን ኣባላትን ለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ንዝተገብረላ ምትሕብባር ብምምስጋንን ዕዉት ዋዕላ ንክኸውን ንዘለለዋ ትምኒትን ተስፋን ብምግላጽን መደሪኣ ዛዚማ። 

ኣቦ መንበር መሰጋገሪ ኣካል፡ ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ ዘስምዖ ቃል ከም ዘለዎ ከነቕርቦ ኢና። ተኸታተሉና።

Thursday, 08 August 2024 22:25

Dimtsi Harnnet Kassel 08.08.2024

Written by

ካብቶም ናጻ ዝወጹ ግዳያት ብኸፊል

ሰራዊት ሱዳን ብ6 ነሃሰ 2024 ውግእ ሱዳን ካብ ዝጅመር ኣትሒዞም ኣብ ከተማ ካርቱም ተዓጊቶም  ዝነበሩ ኢጣልያውያን ደናግል፡ ካህናትን 20 ሲቪል ደቡብ ሱዳናውያንን ናጻ ከም ዘውጸአ ብዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቶም ግዳያት ኣብ እምዱርማን ተዓጊቶም ከም ዝነበሩ ድማ  እቲ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እዞም ግዳያት ኣብቲ ቀጻሊ ውግእ ክካየደሉ ዝጸንሐ ሸጃና ዝበሃል ከባቢ ዝነበሩ ኣባላት ደንበስኮ ምዃኖም ዝጠቐሰ እቲ ናይ ሰራዊት ምውግለጺ፡ ፍሉይ ስርሒት ብዝበሎ ናይ ሰራዊትን ክፍሊ ስለያን ናይ ሓባር ስጉምቲ ናጻ ምስ ወጹ፡ ናብታ ዝምድናዊ ሰላም ዘለዋ ወደባዊት ከተማ ፖርት ሱዳን እዮም ተወሲዶም።

ናይቲ ሰራዊት መግለጺ ከም ዘመልክቶ፡ ኣዞም ግዳያት ኣብቲ ዝነበርዎ ቦታ ናይ መግብን መድሃኒትን ቀረብ ዝግበረሎም  ዝነበረ ኮይኖም፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ፡ ዓለምለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ከውጸኦም ፈቲኑ ዘይተዓወተሎም እዮም።

እቶም ኣባላት ደንበስኮ ተዓጊተምሉ ዝጸንሑ ከባቢ፡ ካብ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2023 ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን እቲ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይልን  ውግእ ዝተጀመረሉን ብቐጻሊ ክካየደሉ ዝጸንሐን ክፋል ከተማ ካርቱም እዩ።

ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ድሕሪ መኽፈቲ ስነ ስርዓት፡ ነቲ ቀጻሊ መስርሕ እትመርሕ ሰለስተ ዝኣባላታ ሰክረታርያ መዚዙ ኣብ ዘካየዶ ምይይጥ ኣቐዲሙ ብኣሰናዳኢት ሽማግለ ተዳልዩ ዝቐረበሉ  ንድፊ ቻርተርን ዝመሓደረሉ ቅዋምን ኣጽዲቑ፡ ነቲ ጽላል ንመጻኢ ክልተ ዓመታት ዝመርሕ ኣካል ብምስያም፡ ፖለቲካዊ ውሳነታት ብምትሕልልላፍን ደምዳሚ መግለጺ ብምውጻእን ተዛዚሙ።

ቻርተር ፖሓኤ ሓፈሻዊ መትከላትን ዕላማን ናይቲ ጽላል ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ ከምኡ እውን ኣገባብ ቃልስን ድሕሪ ውድቀት ህግደፍ ዝምስረቱ ግዝያውን መሰጋገርን መንግስታት  ዝቖምሉ ኣገባብ፡ ዝዓምዎ ስረሓትን ዝህልዎም ዕድመን ዘብርሁ ዓንቀጻት ዝሓቖፈ እዩ።

ናይቲ ጽላል ቅዋም ከኣ ስም፡ ኣርማን ካልእ መላለይን ጽላል ዝሓቖፈ  ኮይኑ፡ ብዛዕባ መምዘኒ ኣባልነት ኣብቲ ጽላል፡ ግቡኣትን መሰላትን ኣባላትን ዘብርሁ ዓንቀጻት እውን ዘስፈረ እዩ። ስርዒታዊ ጽላል  ፖሓኤ፡ ሓላፍነት ዝተፈላለዩ ኣካላትን ኣብያተ-ጽሕፈትን  ዘነጽሩ ዓንቀጻት ኣብዚ ቅዋም ይርከቡ።

ተሳተፍቲ ዋዕላ ኣብቲ መስርሕ ምይይጥ ብዝለዓለ ተሳትፎ ዝግለጽ እሂንምሂን ዝሰፈኖ ተሳትፎ ነይርዎም። ኣብ መጻኢ መሪሕነት ጽላል ከተኲረሎም ብዛዕባ ዝግብእ ኣብ ዙርያ ምስፋሕ ኣባልነትን ተሳትፎ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ዘተኮሩ ሃነጽቲ ለበዋታት ኣቕሪቦም።

 Untitled 2222

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ዋዕላ ንመጻኢ 2ተ ዓመታት እትመርሕ 21 ቀወምትን 3 ተጠባበቕትን ዝኣባላታ  ማእከላይ መሪሕነት መዚዙ። ምስዚ ከኣ  ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኤርትራ፡ ደንበ ተቓውሞን ኣብ  ከባቢና ዝምዕብል ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታትን ዝዳህሰሰ  ፖለቲካዊ ውሳነታት ድሕሪ ሰፊሕ ምይይጥ  ከሕልፍ እንከሎ፡  ደምዳሚ መግለጺ ብምውጻእ ድማ  ስርሑ ዛዚሙ። ዋዕላ ኣብቲ መገለጺኡ ብኣካል ይኹን ብማንዛ ንዝተሳተፉ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ወነንቲ መድያን ምስጋናኡ ኣቕሪቡ። ኣብ መዕጸዊ ናይቲ ዋዕላ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝተላኣእከ ናይ ዓወትን ሰናይ ትምኒትን መልእኽታት ተነቢቦም።

ኣብ መኽፈቲ ናይዚ ዋዕላ፡  መእተዊ ቃልን ዝሓለፈ ምንቅስቓስ ፖሓኤ ዝዳህሰሰ ጸብጻብን ብኣቦመንበር  መሰጋገሪ ኣካል ፖሓኤ ከምኡ ድማ መስርሕ ምድላው ከመይ ከም ዝነበረ  ዘርኢ ጸብጻብ ብኣደመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ቀሪቡ ድሕሪ ምይይጥ ከም ዘጽደቐ ዝዝከር እዩ።

ምድላዋት ክግበረሉ ዝጸንሐ ዋዕላ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ብ6 ነሃሰ 2024 ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣብ ትሕቲ “ብሓድነት ንሓርነት” ዝብል ጭረሖ፡ ኣብ ጀርመን ተኸፊቱ። ኣብዚ ዋዕላ በዝይካቶም ብኣካል ዝተሳተፉ ብናይ ዙም መራከቢ ዝሳተፉ ኣባላት’ውን ኣለዉ። ኣብ መኽፍቲ እዚ ዋዕላ፡ ድሕሪ ሓጺር ጸብጻብ ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ኣቦመንበር ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖሓኤ፡ ሓው ገረዝጊሄር ተወልደ መኽፈቲ ቃል ኣስሚዑ።

ሓው ገረዝግሄር ተወልደ ኣብቲ ዘስመዖ ቃል፡ ነቲ ዋዕላ ንዘዳለዉን ኩሉ ክኢሎም ኣብቲ ዋዕላ ንዝተሳተፉን ከምኡ‘ውን ብኣካልን ብዙምን ንዝተሳተፉ ጋዜጠናታትን መድያታትን ኣመጒሱ። ፖሓኤ ናብዚ ዋዕላዚ ንምብጻሕ ንዝተኻየደ ነዊሕ ጉዕዞን ዝተሓልፉ ብደሆታትን ዘርዚሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝሓለፎ ዘሎ ብዙሕ ገጻት ንዘለዎ በደላት ዘርዚሩ። መሰረታዊ ዕላማ ፖሓኤ ነዚ ብህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ በደላት መኪትካ ናብ ራህዋን ቅሳነትን  ንምብጻሕ ምዃኑ ከኣ ጠቒሱ። ፖሓኤ ዝቖመሎም 4ተ መሰረታዊ መዕቀንታት ብምጥቃስ ድማ እቶም ነቲ ጉዕዞ ምምስራት ጽላል ዝጀመርዎ እዞም ኣብዚ ዋዕላ በጺሖም ዘለዉ 3ተ ውድባት ጥራይ ከምዘይነበሩ ኣብቲ ቃሉ ጠቒሱ። ዲክታተር ኢስያስ ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ንዘርእዮ ምጥላዕ ብምጥቃ ከኣ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ኣንጻርቲ ዝውጸዖም ዘሎ ጉጅለ ክቃለሱ ጸዊዑ።

ኣደመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ሓውቲ ኣድያም ተፈራ ብወገና ብወገና ኣብ ዘቕረበቶ ሓጺር ጸብጻብ፡ እታ ሽማግለ ዝቖመትሉ ኣገባብን ኣብቲ መስርሕ ዝዓመመቶ ስራሕትን ዝምልከት ሓበሬታ ኣቕሪባ፡ እታ ሽማግለ ናብቲ ዋዕላ ዝቀርብ ንድፊ ሰነድ ኣብ ምድላው፡ ነቲ ዋዕላ ዘድሊ ገንዘብን ካልእ ቀረባትን ኣብ ምርካብን ቦታ ዋዕላ ኣብ ምድላውን ንዝገበረቶ ጸዕሪ ኣመልኪታ፡ ኣብቲ መስርሕ ንዝተሓባበሩዋ ኣካላት ከኣ ኣመስጊና፡ ዋዕላ ንምክያድ ዘኽል ቁጽሪ ከም ዘሎ ኣበሲራ። ኣብቲ ዋዕላ ንዝተሳተፉ ኣባላት ፖሓኤን ኤርትራውያን ጋዜጠኛታትን ወነንቲ ሚድያን ድማ ዕዙዝ ምስጋና ኣቕሪባ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣሕዋት ገረዝጊሀር ትወልደ፡ ያሲን መሓመድ ዓብደላን ካሕሳይ ጉፍላን ብሓባር ኣብ ጉዕዞ መሰጋገሪ ኣካል፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣብያተ-ጸሕፈት ፖሓኤ ዝተዓሙ ስረሓት ዝምልከት ጸብጻብ ኣቕሪቦም ብተሳተፍቲ ድማ ጸዲቑ።

 ኣብ መወድእታ መኽፈቲ ተሳተፍቲ ዋዕላ፡ ቀጻሊ መስርሕ ኣኼባ እትመርሕ 3ተ ዝኣባላታ ሰክረታርያ መሪጾም ቀጺሎም።

ኣብ ጉዳይ ሱዳን ሰፊሕ ዘተ ንምክያድ ዘኽእል ካለኣይ ዙር ናይ ምድላው ኣኼባ፡ ካብ 9 ክሳብ 12 ነሃሰ 2024 ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝካየድ ምንጭታት ናይቲ ሕብረት ኣፍሊጦም።

ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ  ቀዳማይ ዙር ናይ ምድላው ዘተ፡ “ምስቲ ናይ ዝወደቐ ስርዓት ሓይልታት ውግእ ኣኼባ ምክያድ” ብምኹናን በዂሮም ዝነበሩ ኣካላት ሱዳን ኣብዚ 2ይ ዙር ከም ዝሳተፉ ተፈሊጡ’ሎ። እዚ ተመዲቡ ዘሎ ኣኼባ ዓቕሚ ሓይልታት ሰላምን ሲቪል ሕብረተሰን ሱዳን ኣብ ምስፋሕ ከም ዝሕግዝ ድማ ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብ ጉዳይ ሱዳን ፍሉይ ልኡኽ ኢጋድ፡ ላውረንስ ኮባንዲ ብወገኑ፡ እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተመዲቡ ዘሎ ርክብ ሱዳናውያን ከም ዝካየደ ኣረጋጊጹ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳማይ ዙር ዘይንበርሩ ተሳተፍቲ ኣብዚ 2ይ ዙር ሰፊሕ ናይ ምስታፍ ዕድል ከም ዝወሃቦም ኣረጋጊጹ።

ምንጭታት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ ናይ ኣዲስ ኣበባ ርክብ፡ ጉጅለ ተዳሙን፡ ብኣል ሓሰን ኣል መርቃኒ ዝምራሕ ሰልፊ ኡማን ካለኦት ኣብቲ ቀዳማይ ዙር ዝበኾሩ  ጉጅለታትን ከም ዝሳተፉ ኣረጋጊጾም።  ብዛዕባ ተሳትፎ ናይቲ ኮሚኒስት ሰልፊ ሱዳን ግና ዝተረጋገጸ ጸብጻብ የለን።

እቲ ኣሰናዳኢ ኣካል ብወገኑ ነቲ ኣኼባ ዝምልከት ተክኒካዊ ምድላዋት ከም ዝተጻፈፈ ብምርግጋጽ፡ ኣብ ርእሲ እቶም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ፡ ብኣል ሂሉ ዝምራሕ ምንቅስቓስ ሕርነት ህዝቢ ሱዳን፡ ብዓብደል ዋህድ ኑር ዝምራሕ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን፡ ዓረባዊ መበቆል ዘለዎ ሰልፊ ባዕስን ካለኦት ምንቅስቓሳት መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ክሳተፉ እዮም።

ናይ ኣመሪካ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ቶም ፐሪየሎ ብወገኑ፡ ነዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየደ ናይ ሱዳናውያን ኣኼባ ኣብ ዝምልከት ምስ ሕብረት ኣፍሪቃ ክተሓባበር ምዃኑ ብዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ ምምሕዳር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ሓላፊት ድሕንነት ሰቪል፡ ዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰልን ኣምበሳደር ኡዝራ ዘያ፡  ካብ 4 ክሳብ 8 ነሃሰ 2024 ናብ ኣዲስ ኣበባን ናይሮብን ከም እትገይሽ ወሃቢ ቃል ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጉዳይ ኣመሪካ ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

እታ ዲፕሎማት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰብ መዚ ሕብረት ኣፍሪቃን ሲቪላዊ ማሕበራትን ክትራኸብ እያ። ኣብቲ ርክባታ ብዛዕባ ኣገዳስነት ብዙሕነት፡ ግሉጽነትን ልዕልና ፍትሒ፡ ምምዕባል ሓለዋ ስደተኛታትን ተመዛበልትን ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ መሰላትን ምስ ዝምልከቶም ክትመያየጥ እያ።  ብዘይካዚ እታ ኣመሪካዊት ሓላፊት ኣብ መደበር ስደተኛታት ከይዳ፡ ኩነታት ክንክን ህጻናት፡ ትምህርትን ጥዕናን ከምኡ እውን ኣመሪካ ኣብቲ መደበር ንዝርከቡ ስደተኛታትን ማሕበረ ማሕበረሰብን ክትዕዘብ እያ። ኣመሪካ ንኢትዮጵያ ዝለዓለ ሰብኣዊ ደገፍ እተቕርብ ሃገር ምዃና እውን ኣብቲ ዝወጸ ናይ መድያ ጋዜጣዊ መግለጺ ተጠቒሱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እታ ኣመሪካዊት በዓልቲ መዚ ኣብ ኬንያ ድማ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኬንያ ተራኺባ ብዛዓብቲ ኣብ ኢትዮጵያ እተልዕሎ ኣጀንዳ ከም እትመያየጥ እቲ ንመገሸኣ ብዝምልከት ናይ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።  እዛ ኣመሪካዊት ነቲ ኣብ መንጎ ኬንያን ኣመሪካን ዝጸንሓ ናይ 60 ዓመታት ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና መሰረት ብምግባር፡ ኣብ ኬንያ ግዝኣተ ሕጊ፡ ጸረ ምጥፍፋእን ተሓታትነትን ኣብ ምሕያል ዝሕግዙ ዛዕባታት ከም ዝተላዕሉ ተፈሊጡ።

ብዘይካዚ ዞባዊ ጉዳያት ከም እተልዕልን ከምኡ እውን ብዛዕባ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽን መሰል ምእካብን ኣብ ዝምልከቱ መሰረተ ሓሳባት ኣብ ኢትዮጵያን ኬንያን ከም ዘልዕሉ ተሓቢሩ።

Saturday, 03 August 2024 20:43

Dimtsi Harnnet Sweden 03.08.2024

Written by

ብሄራዊ ባንክ ኢትዮጵያ፡ መጠን ሸርፊ ብር ምስ ናይ ወጻኢ ገንዘብ ኣብ ዕዳጋ ብናጻ ዝውሰን ንክኸውን ብ29 ሓምለ 2024 ኣዊጁ። እዚ ኣዋጅ ዝወጸ ብሓፈሻ ካብ ግዜ ምምሕዳር ኢህወደግ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ዝሓለፉ 4ተ ዓመታት ምስ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን፡ ባንኪ ዓለምን ካለኦት ትካላት ገንዘብን  ከዋጥጥ ድሕሪ ምስንሑ ዝመጸ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ከኸትሎ ዝኽእል ቅልውላው ብምስጋእ እዚ ናይ ሽረፊ መጠን ካብ መንግስታዊ ምቁጽጻር ናጻ ንክገብሮ ቅሩብ ኣይነበረን። እንተኾነ ናይ ግድን ካብዞም ዓለም ለኻዊ ገንዘባዊ ትካላት ልቓሕ ስለ ዘድለዮ እሞ ነዚ ቅድመ ኩነት ከየማለኤ ልቓሕ ኮነ ሓገዝ ከምዘይወሃቦ ምስ ተነግሮ ተገዲዱ ዝኣተዎ እዩ።

ድሕሪቲ ኣዋጃ ምውጽኡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣብ ባንክ 57 ብር ዝሽረፍ ዝነበረ ሓደ ዶላር ኣሜሪካ፡ ናብ 76.23 ብር ከም ዝደየበ፡ ኣብ ካለኣይ መዓልቲ ድማ ናብ 90.60 ብር ከም ዝበረኸን እቲ ወሰኽ ኣብ መስርሕ ምድያብ ከም ዘሎን ብሉም በርግ/BLOOMBERG ዝተባህለ ማዕከን ዜና ኣፍሊጡ። እዚ ነቲ ኩነታት ናይ ጸሊም ዕዳጋ ኣብ ከመይ ደረጃ ምህላዉ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። እዚ ቅልጡፍ ወሰኽ ኣብ ዶላር ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኩሉ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ዝረአ ዘሎ ኮይኑ መዓልታት ክውስኽ እንከሎ ከኣ ብቐጻሊ ዝንህር ከም ዝኸውን ናይቲ ዓውዲ ፈላጣት የመልክቱ ኣለዉ።

ኣዲስ ስታንዳርድ/ADDIS STANDARD ብወገና ከም ዝገለጸቶ ድሕሪ እቲ ስጉምቲ ብብሄራዊ ባንክ ምውሳዱ እሞ ክትግበር ምጅማሩ ትካል ገንዘብ ዓለም/ IMF ኣብ 4ተ ዓመታት ዝትግበር ናይ 3.4 ቢልዮን ዶላር ልቃሕ ንኢትዮጵያ ከም ዘጽደቐ ኣፍሊጣ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ልዕሊ 10 ቢልዮን ዶላር ብደረጃ ልቓሕን ሓገዝን ክወሃቦ እዩ ዝጽበ።

እዚ ኩነታት ዘስዓቦ ናይ ዋጋ ናህሪ ኣብ ኢትዮጵያ ዝለዓለ ስግኣት ፈጥሩ ከም ዘሎን ኣብታ ሃገር  ዝመደበሮም ናይ ወጻኢ ትካላት፡ ከምቲ ቅድም ኣብ ኬንያ ደሓር ድማ ኣብ ናጀርያ ዝተኸስተ ህዝባዊ ናዕቢ ከይለዓል ከም ዝሰግኡ ይገልጹ ኣለዉ።

መንግስቲኢ ኢትዮጵያ ነቲ ዝኽሰት ናህሪ ንምክልኻል ብዝብል ዝተሓተ ደሞዝ ንዝነበሮም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ክሳብ 300% ዝበጽሕ ወሰኽ ክገብርኳ እንተወሰነ እቲ ስግኣት ብኸምዚ ከምዘይፍታሕ ብዙሓት ወገናት ይገልጹ ኣለዉ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ቅድም ጉንበት-7 ዝበሃል ዝነበረ ሎሚ ኢዘማ ተሰይሙ ብዶር ብርሃኑ ነጋ እናተመርሐ ምስ ብልጽግና ዝጸርሕ ዘሎ ሰልፊ ንውሳነ ብሄራዊ ባንክ ኢትዮጵያ “ግዜኡ ዘይሓለወ” ብዝብል ብወግዒ ተቓዊምዎ።

Page 72 of 637