ኣብ ኤርትራ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡  ስቴቨን ሲ ዌከር ተለቪዥን ኤሪሳት  ን11 ሰነ 2022 ኣዳልያቶ ኣብ ዘላ ስፖዚየም 2022 ብቐጥታ ካብ ኣስመራ፡  ዕዱም ጋሻ ኮይኖም መደረ ከም ዘስምዑ ኤሪሳት ሓቢራ። ቀንዲ ኣርእስቲ ናይቲ ኣብ ከተማ ዋሽንግተን ”ካቶሊክ ዩኒቨርሲቲ ኣሜሪካ” ዝካየድ ስፖዚየም “ግደ ናጻ ፕረስ ኣብ መስርሕ ዲሞክራስን ኣበርክቶ ኤሪሳትን” ከም ዝኸነን ብዝተፈላለዩ መደባት ከም ዝስነን ተፈሊጡ።

ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ካብ ኣስመራ፡ ብተኸታታሊ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ኣብ ምንጽብራቕ ሓበሬታ ክዝርግሕ ዝጸንሐ ብምዃኑ፡ እቶም ፈጻሚ ጉዳይ ኣብዚ ስፖዚየም ዘቕርብዎ መደረ ድምጺ ናይቲ ድምጹ ዝተዓብሰ፡ ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ከተማ ኣስመራ ክኸውን ትጽቢት ይግበረሉ። ብዘይካዞም ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት፡ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ወይዘሮ ይርገኣለም ስብሃቱን ኣቶ ዘካርያስ ክብረኣብን ከምኡ ድማ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ዝከታተል ጋዜጠኛን ተመራማርን ዳን ኮነል ዕዱማት ኮይኖም መደረታት ከም ዘስምዑ ናይቲ ስፖዚየም ፕሮግራም የረድእ።

ድሕሪ ናይቶም ኣጋይሽ መደረታት መድረኽ ሕቶን መልስን ምይይጥን ዝህሉን እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ግዜጠኝነትን ምልዕዓልን ልሉይ ኣስተዋጸኦ ንዘበርከቱ ሰባት ናይ ኣፍልጦ ምስክር ወረቐት ከም ዝወሃብን ናይ ምዝንጋዕ   መደብ ከም ዝህሉን ካብቲ ዝወጸ መደብ ምርዳእ ይከኣል። 

ሚኒስተር ዜና ስርዓት ህግደፍ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣብ ከተማታትን ዓድታትን ኤርትራ ብዙሓት ኣብያተ-ጸሎት ዝተፈላለዩ እምነታት ከም ዘለዉ ጠቒሱ፡ ኣብዚ ናይ ትዊተር ገጹ ኣተሓሒዙ  ኤምባሲ ኣሜሪካ ግና ኣብ ኤርትራ መሰል ሃይማኖት ከም ዘይክበር ይኸስስ ኣሎ ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።   

ነቲ መልእኽቲ ዝተዓዘበ ኤሜባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራ፡ ብየማነ ገብረመስቀል “ኣብ ከተማታትን ዓድታትን ኤርትራ ብዙሓት ኣብያተ-ክርስትያንን መሳጊድን ኣሎ”  ንዝተባህለ መልእኽቲ  ተቐቢሉ፡ እንተኹነ ኣብቲ ኣብያተ-ጸሎት ኤርትራውያን  ኣመንቲ   ብናጽነት ክጽልዩን ክሰግዱን ከምዘይክእሉ ብምጥቃ ንኣበሃህላ የማነ ኣቃሊዑ። እቲ ኤምባሲ ምስዚ ኣተሓሒዙ ኣብ ኤርትራ መንግስታዊ ፈቓድ ዘለወን እምነታት 4ተ ጥራይ ምዃነን ገሊጹ። ኢቫንጀሊካንን ካለኦት ንኡሳን ጉጅለታት እምነት ክርስትናን ተኸተልተን ኣብተን የማነ ገብረመስቀል ዝጠቐሰን ኣብያተ-ጸሎት ክጽልዩ ከምዘይክእሉ ኣተሓሒዙ ኣስፊሩ። ከምኡ እውን ሰዓብቲ ሸዓን ሱፊን ዝተባህላ ጉጅለታት ሃይማኖት ምስልምና ኣብዘን መሳጊድ ናይ ምጽላይ መሰል ከምዘየብሎም ሓቢሩ። ካብዚ ሓሊፎም ካብተን መንግስቲ ኣፍልጦ ዝሃበን 4ተ ሃይማኖታት ወጻኢ ዘምልኹ ኤርትራውያን ከም ዝእሰሩን ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ከም ዝሳቐዩን ጠቒሱ።

እቲ ኤምባሲ ኣብዚ ናይ ፈይስቡክ ሕሳቡ መልእኽቲ ከም ዝጠቐሶ፡ ናጽነት ሃይማኖት መባእታዊ መሰል ሰባት እዩ። ኣተሓሒዙ ድማ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኩሎም ሃይማኖታዊ ጉጅለታት ኣብ ኤርትራ ክምዝገቡ እሞ ሕጋውያን ኮይኖም ክጽልዩ ጸዊዑ። ኣብዚ እዋንዚ ግና ኤርትራውያን ብሰላም ኣብ ኣባይቶም ስለ ዝጸለዩ እውን ይእሰሩ ምህላዎም ሓቢሩ። ካብዚ ሓሊፉ እቶም ኣፍልጦ ረኺቦም ዘለዉ እምነታት እውን ብዘይ መንግስታዊ ኢድ ኣእታውነት ብናጻ ስርዓተ-እምነቶም ከካይዱ እቲ ኤምባሲ ጸዊዑ።

እቲ ኤምባሲ ንሃይማኖታዊ ብዙሕነት ኤርትራ ብተደጋጋሚ ደገፉን ናእዳኡን ክገልጽ  ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ብዘይካዚ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሃይማኖታዊ ፖሊሲኡ ዳግመ-ርኢቶ ንክገብር ብተደጋጋሚ ክጽውዕ ጸኒሑ እዩ።

ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተመደቡ ፍሉይ ልኡኽ ቻይና ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዙ ቢንግ  ሃገሮም ንመጀመርያ ግዜ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሰነ 2022 ዋዕላ ሰላም ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከተካይድ ምዃና ሓቢሮም። እዞም ልኡኽ ቻይና ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሃገሮም ኣብ ምፍታሕ ወሰንቲ እስትራተጅያዊ ጐንጽታት ኣብዚ ዞባ ግደኣ ከተበርክት ድልውቲ ምዃና ሓቢሮም።፡

እዞም ኣብ መጀመርያዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ዝተመደቡ ቻይናዊ ልኡኽ፡ ነባር ዲፕሎማት  ዙ ቢንግ ኣብ ፔሩ፡ ፑፓ፡ ኒው ጊኒያን ዝተፈላለያ ሃገራት  ኣፍሪቃን ኣንበሳድር ኮይኖም ዘገልገሉ እዮም።

ዙ ቢንግ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጉንበት ነዚ ዋዕላ ንምጥጣሕ ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ጅቡቲ፡ ሶማሊያን ኬንያን ዑደት ኣካይዶም እተን ሃገራት ኣብዚ ዋዕላ ክሳተፋ ዕድመ ኣቕሪቦም፡ ጉዕዘኦም ናብ ዩጋንዳን ሱዳንን ከም ዘቕነዐን ተሓቢሩ።.ኣብዚ ዋዕላ ንምስታፍ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን እውን ተዓዲመን ኣለዋ።

እዚ ኣብ ኬንያ ክካየደ ተሓሲቡ ዝነበረ ደሓር ግና ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ዝተወሰነ ዋዕላ፡ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ሕድሕደን ዘሎ ፍልልያት ዝፈትሓሉ መድረኽ ዝፈጥር ምዃኑ እቶም ቻይናዊ ፍሉይ ልኡኽ ሓቢሮም።

ምስዚ ኣተሓሒዞም ከኣ ሃገሮም ሃገራት ቅርኒ ኣፍሪቃ  ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺበን  ዘለወን  ጸጥታውን ቁጠባውን ጸገማት ክፈትሓ ዕድል ናይ ምፍጣር ድሌት ኣለዋ ኢሎም። እዚ ዋዕላ ኣካል ናይቲ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ቻይና ኣቐዲሞም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዑደት ኣብ ዘካየድሉ ዝወጠንዎ ምዃኑ እውን ተፈሊጡ። እዚ ድማ ሃገራት ናጽነተ ዓቂበን ቀጻሊ ህድኣት፡ ሃብትን ዕቤትን ክረኽባ ዝሕግዝ መደብ እዩ ተባሂሉ።

ኣፍሪቃ ኣብዚ እዋንዚ ነቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ትግራይ ዘሎ ብዙሓት ሲቪል ዝሞትሉን ዝተመዛበልሉ ከም ኣብነት ብምጥቃስ ብስእነት ሰላም ኣብ ስግኣት ከም እትርከብ እቲ ዜና ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ካብዚ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ፡ ኣሜሪካ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ቻይናን ፍሉያት ልኡኻት ቀርኒ ኣፍሪቃ መዚዘን ከም ዘለዋ ዝዝከር እዩ።

ሓሙሽተ ሚእቲ ደቂ ዓፋር ወታሃደራት ኤርትራ ካብ መበል 67 እገረኛ ክፍለ ሰራዊት ተፈልዮም፡ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዘዳውብ ባዳን ዓዲ ምሩግን ብዝተባህለ ቦታ ናብ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ ኢዶም ከም ዝሃቡ፡ ሃገራዊ ጉባአ ኤርትራዊ  ዓፋር ዝተባህለ ውድብ  ብ3 ሰነ 2022 ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ብምጥቃስ፡ መርበብ ሓበሬታ ማእከል ኤርትራ/Eritrea hubን ካለኦት ዝተፈላለያ ምንጭታትን ሓቢረን። እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝጠቐሶ; ናይቶም ደቂ ዓፋር ኤርትራ ወታሃደራት፡ ነቲ ስጉምቲ ዝወሰድሉ ምኽንያት፡ መንግስቲ ኤርትራ ዕጡቓት ደቂ ዓፋር ንምውጋእ ሰራዊቱ ናብ ኢትዮጵያ   ሰራዊት ስለ ዘዋፈረ እዩ።

በቲ ጋዜጣዊ መግለጺ መሰረት፡ መንግስቲ ኤርትራ እቲ ኩነታት ምሰ ኣጋጠመ፡ ብ3 ጉንበት 2022 ነቶም  ዝራሕርሕዎ ወታሃደራት ንምምላስ ናብቲ ናብ ዓፋር ዝኣተውሉ ቦታ ሰለስተ ጀነራላት ምልኣኹን ሓደ ካብቶም ጀነራላት ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እሙን ዝበሃል ተወላዲ ዓፋር ጀነራል ዑመር ካሪካሪ እዩ ።  እዚ ብሽምግልና ዓበይቲ ዓዲ ዝተፈተነ ከም ዘይተዓወተን እቶም  ብግቡእ ዝተዓጥቁ ወታሃደራት ናብ ኤርትራ ክምለሱ ፈቓደኛታት ከምዘይኮኑን እውን  ኣብቲ መግለጺ ሰፊሩ።

ሃገራዊ ጉባአ ኤርትራዊ ዓፋር፡ ኣብቲ ዝዘርግሖ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓለፍቲ መንግስቲ ክልል ዓፍር ዓለምለኸ መሰል ኢዶም ናይ ዝሃቡ ከኽብሩን ናይ ዓፋር ህይወት ናይ ምድሓን ባህላዊ ሕጊ ከኽብርን ጸዊዑ።  መንግስቲ ክልል ዓፋር ኣብቲ ጉዳይ ኢዱ እንተዘየእትዩ ግና እዞም ወታሃደራት ናብ ኤርትራ ተመሊሶም  ግዳይ ሞት ከም ዝኾኑ ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሐደ መስርሕ ካብ ምጅማሩ ምፍጻሙ ከም ዝኸብድ ፍሉጥ እዩ። ከምኡ ካብ ዝኾነሉ ምኽንያት ሓደ ክትጅምር እንከላኻ ካብ ዝረአን ዝስማዕን ነቒልካ፡ ኣብ ኢድካ ዘሎ ዓቕሚ መዚንካ፡ መጀመሪ ግዜ ባዕልኻ  ወሲንካ ዝውሰድ ስጉምቲ ምዃኑ እዩ።  ኣብቲ መስርሕ ግና ክትጅምር እንከለኻ ዘይረኣኻዮም ወይ ኣብ ግምት ዘየእተኻዮም ምዕባለታት ስለ ዘጋጥሙን መፍትሒ ክትረኽበሎም ናይ ግድን ስለ ዝኸውንን ኣብቲ ዝኣመትካዮ መወዳእታ ምብጻሕ ቀሊል ኣይከውንን። እንተኾነ ምናልባት ዘይተጸበኻዮ ዋጋ ዘኽፍልን ዘይሓሰብካዮ ግዜ ዝወስድን ደኣ ይኸውን እምበር ኩሉ ዕንቅፋታት መኪትካ ኣብ መወዳእታ ምብጻሕ ዘይከኣል ኣይኮነን። እቲ 30 ዓመታት ዝወሰደን ብብዙሓት በዳህቲ መድረኻት ሓሊፉ ዝተዓወተን ቃልሲ ኤርትራውያን ንናጽነት  ናይዚ ኣብነት ጌርካ ዝውሰድ እዩ።

ኣብዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ንናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኤርትራ ሓርነት ናይ ምልባሳ ጉዕዞ ቃልሲ፡  ዘጋጥሙና ጸገማትን ሕጽረታትን ብዙሓት ኢዮም። ሸርሕታት ጉጅለ ህግደፍ ብዓብዩ ኮይኑ፡  ዘሰማምዑና ዓበይቲ መሰረታዊ ዛዕባታት እናሃለዉና፡ ንዓኣቶም እነዕውተሉ ዘተኣማምን ሓባራዊ መቃለሲ መድረኽ ክንፈጥር ዘይምብቃዕና ድማ ካልእ  እዩ። እቲ ዘይምብቃዕ ንኣገዳስነቱ ተገንዚብና ዘይምጅማሩ ኣይኮነን። የግዳስ ነቲ ዝተጀመረ ተበግሶ ተኸታቲልና ኣብ መፈጸምትኡ ከነብጽሖ ዘይምኽኣል ኢዩ። ርሑቕ ከይከድና ካብ 1998 ንደሓር ዝሓለፍናዮ ተመኩሮ፡ ምትእኽኻብ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ምሕዝነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ካለኦት ኣብ መስርሕ ዝተኾልፉ ንኡሳን ምቅርራባት ውዳበታትናን  ናይዚ ኣብነት እዮም። እንተኾነ ብዙሓት ዘይተዓወቱ ፈተነታት ነሕልፍ’ምበር፡ ኣብ ዘሰማምዓካ መሰረታዊ ጉዳያት ብውሕዱ ኣብ ንኡስ መደብ ኣትኪልካ፡ ብሓባር ምቅላስ ካልእ መተካእታ ስለ ዘየብሉ በቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዘይምዕዋት ተስፋ  ከይቆረጽና፡ ናይ ሓባር ጽላል ንምርካብ ሃሰስ ካብ ምባል ዓዲ ኣይወዓልናን። እሞ ኣብቲ ናይ ሎሚ ጻዕርናኸ ካብቲ ዝሓለፈ፡ እናተጀመረ ኣብ መወዳእታኡ ከይበጽሐ ክኹለፍ ዝጸንሐ ተመኩሮ ተማሂርናዶ ኣይተመሃርናን? ብጽሞና መዚና ክንምልሶ ዝግበኣና ሕቶ እዩ።

ኣብዚ ሎሚ ሒዝናዮ ዘለና መስርሕ ምፍጣር ጽላል፡ ብመንጽርቲ ሃብታም ተመኩሮና ክንድቲ ካብቲ ዝሓለፈ ክንመሃሮ ዝነበረና ከምዘይተመሃርና ዘርኢ ምልክታት ኣሎ። ግን ድማ ምሉእ ብምሉእ ተስፋ ዘቑርጽ ኣይኮነን። ናይ ሓባር ጽላል ክንምስርተሉ ዝግበኣና ዝነበረ ግዜ ምድጓዩ  ግና ብሩህ እዩ። ካብ ሕጂ ንድሕሪት ምስቲ ዝረአ ዘሎ ናይ ቀረባን ርሑቕን ቅልጡፍ ምግልባጥ ፖለቲካዊ ማዕበል እንተዘይተቐላጢፍና፡ እቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ዕድል ንሓዋሩ ከይጠፍኣና ዘየስግእ ኣይኮነን። ካብቶም ኣብ መስርሕ ሓድነት ክረኣዩ ዝጸንሑ ድኽመታት፡ ሰፊሕ ሓቛፊ ጽላል ወጢንካ ከተብቅዕ፡ ኣብቲ መንጎ ናእሽቱ ምርጫታት ምውሳድ ሓደ እዩ። እቶም ጐናዊ ናእሽቱ ምርጫታት ነቲ ናብ ሓባራዊ ሰፊሕ መድረኽ ናይ ምምጻእ ውጥን ዘይዕንቅፉ ክኾኑ እንከለዉ  ከም ተወሳኺ ዓቕሚ ክተባብዑ ዝግበኦም እዮም። ብኣንጻሩ መተካእታ ናይቲ ኣብ መስርሕ ዘሎ ዝሰፍሓ ዓቕሚ ክጥርንፍ ዝግበኦ ውጥን ኮይኖም ክቐርቡ እንከለዉ ግና፡ ዓንቀፍቲ ምዃኖም ስለ ዘይተርፍ ዝተባብዑ ኣይኮኑን። ስለዚ ኣብዚ ዝሰፍሐ መድረኽ ክንፈጥር ኣብ መስርሕ ዘለናሉ እዋን ኩሎም ብደረጃ ኤርትራዊ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ዝውሰዱ ናይ ምቅርራብ ስጉምትታት ነቲ ዝዓበየን ዝሰፍሐን ውጥን ብዘይዕንቅፍሉ ቅዲ  ክተሓዙ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብዚ ከም ሓደ መሰረታዊ መንገዲ ዓወት ናይ ሓባር ጽላል ክንፈጥር ተጸሚድና ዘለናሉ ህሞት፡ መበገሲና እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ብለንደንን ሚኒሶታን ዝነቐለ ሰፊሕ ጽላል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ምምስራት እዩ። ኣብዚ መስርሕዚ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዘይዕዉት  ተመኩሮታትና ውሱን ትምህርቲ ወሲድና ዝሰጐምናዮ ርሕቀት ከም ዘሎ ብሩህ እዩ። ኣብ ሕድሕድ ምክብባርን ዘይምጽልላም፡ ትጽቢት ነዊሑ ኢልካ ኣብ ክንዲ ካብቲ ጉዕዞ ምብኳር እኹል ግዜ ንክትህቦ ምዕጋስ፡ ሓሓሊፉ ናይ ሓባር መልእኽቲ ከተስምዕ ምፍታን ክምጐሱን ናብ ዝበረኸ ደረጃ ክዓብዩን ዝግበኦም ውጽኢት እዮም።

“ስለምናትይ እዩ ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ምውናን ክሳብ ክንድዚ ኣድላይ ዝኸውን?” ዝብል ሕቶ መልሱ ርዱእ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ብብዙሓት ወገናት ዝተባህለን ዝተጻሕፈን እዩ። “በበይንኻ ብጸላኢ ከይትጥቃዕ፡ ፋሕ ዝበለ ሰብኣውን ነገራውን ዓቕምኻ ጠርኒፍካ ኣንጻር ህግደፍ ተዛሪቡ ዘስምዕን ወቒዑ ዘድምዕን ዓቕሚ ንምፍጣር፡ ድሕሪ ውድቀት ህግደፍ ናይ ዝምስረት ብዙሕነታዊ ምምሕዳር ባይታ ምንጻፍ …… ወዘተ” ኣብ ዝርዝር ናይቲ ሰፊሕ መልሲ ካብ እንረኽቦም እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ብሓባር ክንቃለስ  ምኽኣልና ናይቲ በበይንና ብምዃና ዝሻቐልን ወትሩ ብሓባር ክንቃለስ ዝምሕጸነናን ህዝብና ድምጺ ናይ ምስማዕ ኣካል’ውን እዩ።  ብዘይካኡ ኣብ ቅድሚ መዛምድትና ኣብ ክንዲ “ኣየናይ ውድብ ወይ ሰልፊ ምዃና ምፍላይ ክሳብ ዝስእኑና” ፋሕ ኢልና ንቐርብ፡ ንኹልና ብዝውክለና ኣካል ክንቀርብ እንከለና ዝያዳ ሰማዒ ከም እንረክብ ነናይ ገዛእ ርእስና ዲፕሎማሲያዊ ተመኩሮ ዘርኣየና ሓቂ እዩ።

ናብዚ ንዛረበሉን ንቃለሰሉን ዘለና ናይ ሓባር  መድርኽ ክንበጽሕ እቲ መንገዲ ልሙጽ  ከም ዘይኮነ ንሓልፎ ዘለና ህይወት መስካሪ እዩ። ምኽንያቱ ንብዙሕ መግለጺ ብዙሕነታትና ኣሰማሚዕካ ድምጾምን ስጉምቶምን ሓደ ከም ዝኸውን ንምኽኣል ዝኽፈል ዋጋ ስለ ዝሓትት። እቲ ዝኽፈል ዋጋ ግና ቅርቡነት እንተልዩ ባዕልና እንኽእሎ’ምበር ናይ ካልእ ኣካል ሓገዝ ዝሓትት ኣይኮነን። ካብ ጸቢብ ውደባ ወጺእካ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ቅድሚት ምስራዕ፡ ጸዋርን ሓዳግን ምዃን፡ ቀዳምነታትካ ብንጹር ምስራዕ፡  ኣጀንዳታት ትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ዘይምዝብራቕ፡ ኣብ ክንዲ በቲ ጽባሕ ኣብ ህዝባዊ መድረኽ  ዝፍታሕ ፍልልይ ምጥምማት በቲ ሎሚ ዘሰማምዓካ ምቅርራብ፡ ካብቶም ክኽፈሉ ዝግበኦም ኣብ ኢድ ነፍሲ ወከፍና ዘለዉ ዋጋታት እዮም።

ኣብዚ ብሓፈሻ ዓለምና ብፍላይ ከኣ ከባቢና ኣዝዩ ይሕቆን ኣብ ዝሃለወሉ እዋን፡ ኣሰላልፋና ኣበይ ምዃኑ ምፍላጥን ዘዋጸኣና መንገዲ ምልላይን ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ምህላዉ ርዱእ እዩ። ከቢቡና ዘሎ ምዕባለታት ሱዳን፡ ሶማሊያ፡ ስግር ኢልካ ናይ የመን፡ ብዝያዳ ድማ ናይ ኢትዮጵያ/ትግራይ ብጥንቃቐን ኤርትራዊ ረብሓ ብዘማእክልን ንምርዳእ ብሓባር ምስጓም ዘይስገር ምዃኑ እዩ ዘርእየና። ኣብዚ ዕዉታት ክንከውን ከኣ፡ ኣብ ክንዲ ተሰናቢድና ናብ ሓድሽ ኣጀንዳታት ምእታው፡ ኣብቲ ጀሚርናዮ ዘለና መስርሕ ምምስራት ሰፊሕ ጽላል ዕዉታት ምዃንን ካብኡ ብዝፍጠር ናይ ሓባር  ዓቕሚ ንኹሉ ምግጣሙን ወሳኒ እዩ።

Saturday, 04 June 2022 21:44

Dimtsi Harnnet Sweden 04.06.2022

Written by
Thursday, 02 June 2022 22:10

Dimtsi Harnnet Kassel 02.06.2022

Written by

ጸሓፊ ውጻኢ ጉዳያ ኣሜሪካ ኣንቶኒዮ ብሊንከን፡ ሃገሮም ኣንበሳደር ሳተር ፊልድ ሓላፍነቶም ከረክቡ ይቀራረቡ ኣብ ዘለዉሉ፡   ኣብ ክንደኦም ኣንበሳድር ማይክ ሃመር ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክኾኑ ከም ዝመዘዘት ምግላጾም ቤት ጽሕፈቶም ብ1 ሰነ 2022 ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

እቶም ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ፡ ተሰናባቲ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣንበሳድር ሳተር ፊልድ  ተመኩሮኦም ተጠቒሞም ንዘበርከትዎ ኣስተዋጸኦ ንኢዶም፡ ተካኢኦም ኣንበሳደር ማይክ ሃመር እውን ነቲ ራእይን ተመኩሮን  ከም ዝቕጽልዎ ዘለዎም እምነት ገሊጾም።

ኣንቶኒዮ ብሊንከን ምስዚ ኣተሓሒዞም ናይዞም ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ምምዛዝ፡ ብሓፈሻ ንቐጻሊ ተገዳስነት ኣሚሪካ ኣብቲ ዞባ ህድኣት ንምርግጋጽ ዝዓለመ፡  ብፍላይ ድማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንቀጻሊ ሰላም፡ ምርግጋእን፡ ናብ ሰላም ዘረጋግጽ፡ ኩለመዳያዊ ፖለቲካዊ መስርሕ፡ ናይ ሓባር ድሕንነትን ምዕባለን ዘምጽእ መስርሕ ምኽታላ ዘርኢ ምዃኑ ገሊጾም።

ኣቓልቦ ምምሕዳር ኣሜሪካ፡ ብቐጻሊ ተጻብኦታት ኣብ ምቑራጽ፣ ብቐጻሊ ሰብኣዊ ረዲአት ምቕራብ፡  ብኹሎም  ወገናት ዝተፈጸሙ ግህሰታትን ዓመጻትን ብግሉጽ ኣገባብ ኣብ ምጽራይን ኣብ ዘተ ዝተመስረተ ቀዋሚ መፍትሒ ኣብ ምርካብን ከም ዘተኩር ኣስፊሮም። 

እዞም ሓድሽ ዝምደቡ ዘለዉ ኣንበሳደር ማይክ ሃመር፡ ኣብ ዲሞክራስያዊት  ሪፐብሊ ኮንጎን  ቺለን  ከም ኣንበሳደር፡ ኣብ ብልቪያ፡ ነርወይ፡ ኣይስላንድን ደንማርክን ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ዲፕሎማሲያ ሓላፍነታት ከም ዘገልገሉን ኣብ ሃገሮም ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ሓላፍነታት ከም ዝሰርሑ ድሕረ-ባይተኦም የመልክት።