|
|
Martin Plaut posted: " Prime Minister Abiy Ahmed (PhD) stated: “The Nile and Red Sea determine Ethiopia’s future. They will contribute either to its development or demise.” Red Sea takes center stage as Ethiopia looks to assert regional presence Source: The Report" Martin Plaut |
President Isaias responds to Ethiopia’s demand for a port
Written by Martin Plaut|
|
Martin Plaut posted: " The demand by Prime Minister Abiy can be found here. President Isaias's official response is below. Discourses – both actual and presumed – on water, access to the sea, and related topics floated in the recent times are numerous and excessive inde" Martin Plaut |
The demand by Prime Minister Abiy can be found user_email=This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.">here. President Isaias's user_email=This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.">official response is below. Discourses – both actual and presumed – on water, access to the sea, and related topics floated in the recent times are numerous and excessive indeed. The affair has perplexed all concerned observers. In the event, the Government of Eritrea repeatedly reiterates that it will not, as ever, be drawn into such alleys and platforms. The GOE further urges all concerned not to be provoked by these events. Ministry of Information Asmara 16 October 2023 |
ቤት-ጽሕፈት ጉዳያት ደቂ-ኣንስትዮ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣኼባ ኣካይዱ
Written by ቤት ጽሕፈት ደቂ-ኣንስትዮሰንበት 15 ጥቅምቲ 2023 ብወይዘሮ ኣድያም ተፈራ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ሓላፊት ቤት-ጽሕፈት ጉዳያት ደቂ-ኣንስትዮ እተጸወዐ ሓፈሻዊ ኣኼባ ኣባላት ተኻይዱ። ሓፍቲ ኣድያም ኣኼባ ኣብ ምኽፋታ ብጸይትና ኣልጋነሽ ያቆብ ብምዝካር ዝነበራ ዓቢ ኣስትአዋጽኦ ድሕሪ ምጥቃስ መስዋእታ ኣብ ሰልፍና ዓቢ ሃጓፍ ከምዝፍፈጠረ ኣብሪሃ። እዚ ድሕሪ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ዝተሰላሰለ ዕዉት ራብዓይ ጉባኤ ሰልፊ ዝተኻየደ ናይ መጀመርታ ኣኼባ ብምንባሩ ኣቃዉማ ምምሕዳር ቤት-ጽሕፈት ደቂ-ኣንስትዮን ናይ ዝመጽእ ሓደ ዓመት ናይ ስራሕ ንድፊን ብሓፍቲ ኣድያም ቀሪቡ።
ዝቐረበ ናይ ዝመጽእ ሓደ ዓመት ናይ ስራሕ ንድፊ ድሕሪ እኹል ምምይያጥ ጸዲቑ። ብመሰረት ዝጸደቐ መደብ ድማ ናይ ስራሕ ምክፍፋል ተገይሩ። ኣብ ምውዳብን ምምልማልን ሓደስቲ ደቂ-ኣንስትዮ ጽዑቕ ጻዕርታት ክካየድ ከምዘለዎ ኣኼባ ተመልኪቱ።
ብዘይካ’ዚ ንቤት-ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ንምሕጋዝ ብቤት-ጽሕፈት ደቂ-ኣንስትትዮ ዝተገብረ ሓገዛት ብምምጓስ ቀጻሊ ጻዕርታት ክካየድ ኣኼባ ተሰማሚዑ።
ምስ ካብ ሰልፊ ወጻኢ ዝካየድ ምንቅስቓስሳት ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ደቂ-ኣንስትዮ ዓቕምና ብዝፈቕዶ ምሉእ ምትሕብባር ክግበር ኣድላይነቱ ተራእዩ።
ኣብ መደምደምታ ሓፈሻዊ እኼባታት ደቂ-ኣንስትዮ ስሰልፊ ከም’ቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረ ሕጂ’ውን ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ ክካየድ ኣኼባ ወሲኑ።
ብዘይተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ዝዕምብብ ዲሞክራሲ የለን!
ቤት ጽሕፈት ደቂ-ኣንስትዮ ሰ.ዲ.ህ.ኤ
15 ጥቅምቲ 2023
ብዕለት 14.10.2023 ዓ.ም. ፈ. ሰዓት 20.00 ድ. ቀ. ብመራኸቢ ብዙሓን ዙም ጨንፈር ቁ.2 ሰ. ዲ. ህ. ኤ. ሃገረ ሽወደን ስሩዕ ኣኼባ ኣካይዶም`። ኣጀንዳ ኣኼባ ከኣ 1- ዉጺኢት 4ይ ጉባኤ ሰ. ዲ. ህ. ኤ. ብወከልቲ ጉባኤ ምቀራብ ፣ 2- ገምጋምን ዉጺኢት ፈስቲቫል ኤርትራ 2023 ብኣቦ መንበር ኣሳናዳኢት ሽማገለ ፈስቲቫል ።
ኣኼባ ብኣቦ መንበር ጨንፈር ሙዉቅ ሰላምታ ብምቅራብ፣ ንብጻይ ኣረፋይነ እስቲፋኖስ ወኪል ጉባኤን ኣባል ሽማገለ ን ዝኾነ ሙሉእ ጥዕና ክህቦ ብምምናይ ከፈቶ። ኣስዒቡ ኣባላት እዚ ጨንፈር ቁ.2 ተሰኪሞሞ ዘሎዉ ሰልፋዊ ሓላፍነት ካብቶም ቀንዲ ኣዕኑድ ጽንዓትን ንቅሓትን ተወፋይነትን ኣበርክቶን ብሓቂ ዓቢ ግናዕ ጽፈትን ብሩህ ምሕደራን ብምኻን፣ ከም ኣባል ሕቡንን ዕጉብን ብምባል ግደ ብጻይ ነጋሲ ሓምደን ብጻይ ፍጹም ኢሳቅን ኣመስጊኑ ። ኣብቲ ጉባኤ ስነበሩ መስራሓት ብቀደም ተኸተል ብምትንካፍ ከኣ እዚ ሰልፊ እዚ ጽኑዕን ንቁሕ ተረዳኦ ዝውንን ንዝኾነ ተርእዮታት ወይ ለውጥታት ኣብ ጎረበት ይኹን ኣብ ዓለም እውን ብቁዕ ኣስተብህሎን ንቁሕ ሚዛንን ብምሃብ ብማንም ዘይክሰስ ሓያል ተባዕ መሪሕነቱ ኣመስኪሩ እዩ ኢሉ ፣ 4ይ ጉባኤ ዉህድ ሓድነቱ ዝዓቀበ ዕዉት ጉባኤ ምንባሩ ሓቢሩ። ቀጺሎም ኣብ ጉባኤ ዝተሳተፉ ሰለስተ ብጾት ኣዎንታዉን ገለ ጉድለታት ብምትንካፍ ንመጻኢ ክጽንዑ ተላብዮም ዉሁድ ጉባኤ ምንባሩ ኣስሚሮምሉ። ብፍላይ ሓዲስ ኣቦ መንበር ብኩሉ ቅቡል ዝኮነ ባእታ ተስፋ ንዓወት ምኻኑ ኣስሚሮምሉ። ብምቅጻል ኣቦ ወንበር ኣሳናዳኢት ሸማገለ ፈስቲቫ 2023 ዕዉት ፈስቲቫል ፖሊቲካዊ ተልእኾ ዘማሓላለፈን ህዱእን ዓቅምና ዝኾነ በዓል ብዘሕለል ተወፋይነት ኣባላት ሰልፊ ዝተዓመ ኩሎም ስራሓት ብዘይ ክሳራ ከም ዝነበረ ብዝርዝር ኣቅሪቡ። ኣኼባ ብሃነጽቲ ለዉባት ኣብ ገንዘባዊ ጉዳይ ብምቅራብ ኣኼባ ብዕጉብ መንፈስ ተዛዚሙ።
ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንዲሞክራስን ምዕባለን ንቃለስ!!!
ብዕለት 08 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ስያትል ዝርከብ ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ወርሓዊ ኣኼባኡ ኣሰላሲሉ። ጨንፈር ስያትል ኣብቲ ሰለስተ ሳዓታት ዝውሰደ ኣኼባ ብቐዳምነት ኣቦ መንበር ሰልፊ ሓው ገረዝግሄር ተወልደ ኣብቲ ብዘተ ንሓባዊ ንቕሓት ዝተባህለ መራኸቢ ተዓዲሙ፣ ብዛዕባቲ ንምዕዋት ራብዓይ ጉባኤ ሰልፊ ዝተሓልፈ ቅዋማዊ መስርሕን ዝሰገሮም ብድሆታትን ጉባኤ ዝወሰዶም ሓደስቲ መድረኻውያን ፖለቲካዊ ውሳኔታትን ንምብራህ ዝተኻየደ ኣኼባ እዩ ዘትዩ። ጨንፈር ኣብቲ ናይ ኣቦ መንበር ኣኼባ ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረቡ ኣገደስቲ ሕቶታትን ኣቦ መንበር ሰልፊ ብተደጋጋሚ ዘብርሆ ዝነበረ መልስን ንጹርን ግልጽን ምንባሩ መዚኑ። ከምኡ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ናይ ህዝብን ኣባላት ሰልፍን ቀጻሊ ክኸውን ድማ ርእዩ።
እቲ ካላኣይ ኣብ ኣኼባ ጨንፈር ዝቐረበ ዛዕባ ድማ፡ ሐፈሻዊ ምንቅስቓስ ብርጌድ ንሐመዱ ዝብል ኮይኑ: ኣብ ውጽኢት ራብዓይ ጉባኤን ነዚ ዝምልከት ውሳኔን ምርኩስ ብምግባር፣ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዘድሊ ምትብባዕን ደገፍን ንኽግበረሉ፣ ዘለዎ ናይ ኣመራርሓን ምምሕዳራዊ ሕጽረታትን ክምልእን ኩሉ ዓይነት ደገፍ ክረክብ ከምዝግባእ ኣኼባ ርእዩ።
እቲ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ኣኼባ ጨንፈር ዝተዛረበሉ ኣጀንዳ ድማ፡ ሓፈሻዊ ኲነታት ኤርትራን ከባቢኣን ዝብል ኮይኑ፣ ኣብ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ኣብ ኤርትራ ድማ ብፍላይ ዘንጸላሉ አሎ ናይ ኲናት ሓደጋን ስቅያት ህዝብናን ዘጠቓለለ ነይሩ። ኣኼባ ብብጸይቲ ኤርትራ ኣልኣዛር ኣደ-ወንበር ጨንፈር ተመሪሑ ብሓባራዊ ምርድዳእ ምድምዳሙ ተሓቢሩ።
ንቅዋማዊ ምሕደራ፡ ንዲሞክራስን ምዕባለን ንቃለስ!!!
“በኣፍሪቃ ውስጥ ኣንድ ዕብድ ኣለ”-ኣብ ኣፍሪቃ ሓደ ጽሉል ኣሎ
Written by EPDP Information Officeርእሰ ዓኣንቀጽ ሰዲህኤ
ቅድሚ ናብቲ ኣርእስቲ ዝተመርጸሉ ምኽንያት ምእታውና ብመንቀሊ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ክንጅምር ይሓይሽ። ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ብሰላማውን ፖለቲካውን ኣገባብ ዝጀመሮ ናይ መሰልካ ምሕላውን ከም ዓለሙ ሃገራዊ ክብሩ ዓቂቡ ናይ ምንባርን ቃልሱ ሰማዒ ኣይረከበን። ብኣንጻሩ ግዳይ ምብርራይ መግዛእታዊ ሕልምታቶም ንኽኸውን፡ ዘጥረዮ ህዝባውን ሃገራውን ሓድነት በታቲኖም ኣብ ሕድሕዱ ንኽቓተልን ምትእምማን ንኸየጥርን መፈላላዪ ሜላታት እንዳፋሓሱ ከናቑትዎ ፈቲኖም። ጎበጥቲ መንግስታት ኣዕጢቆም ዘዋፈርዎን ዝፈጸምዎን ቅትለታት፣ ኤርትራውያን ኣብ ሕድሕዶም ከምዝፈጸምዎ ኣምሲሎም ክጥቅንዎ ተሰሚዖም። ሓያላን መንግስታት ብወገኖም ወታሃደራውን ፖለቲካውን ስትራተጂካዊ ጠቕምታቶም ንኸረጋግጹ፡ ብስም ምውናን ኣፍ-ደገ ባሕርን ወደብን ዝብል ሜላ ንኤርትራ፤ መጋበሪያኦም ንዝኾነ መስፍናዊ ስርዓት ሃይለስላሰ ኣሕሊፎም ንማሃብ ውዲታዊ ኣኼባታትን ሽምግልናታትን ኣካይዶም።
ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ እወ ንነጻነት ኤርትራ ዝብል ብዝሒ ድምጺ ኤርትራውያን ጓዕጺጾም በቲ ክከላኸልሉ ዘይኽእሉ ውዲታዊ ውዑል ፈደረሽን ዝበልዎ፡ ምስ ኢትዮጵያ ንኽተኣሳሰር ፈረድዎ። እዚ ውዲት’ዚ ድማ’ዩ ነቲ ኣቀዲሙ ዝተሓስበ ጎባጢ ዕላማ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጽቡቕ መሰጋገሪ ዕድል ዝኸፈተ። ምኽንያቱ ውዕል ፈደረሽን ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ኣጣጢሐ እግራ ንኽትረግጽ መግዝኢ ግዜ እንተዘይኮይኑ፡ እቲ ዘቆሞ ኣካልውን ክከላኸለሉን ክሕልዎን ሰለዘይኽእል ንክትግበር ባይታ ኣይንበሮን። ስለዚ ድማ’ዩ ብኡ ንብኡ እቲ ውልዶ ዝቆመ ሃገራዊ መንግስትን ትካላቱን ብሓይሊ ብረት ክድምሰስ ዝጅመረ። ቀጺሉ “ካብ ሎሚ ንዳሓር ኣብ ጠረጴዛ ናይ ኢትይጵያ እንተዘይኮይኑ፤ ናይ ኤርትራ ዝባሃል ጉዳይ የለን” ዝብል ውዱእን ናይ መወዳእታን መግለጺ ተዋሂቡ። ኤርትራውያን ግን፡ በዚ ከይሰንበዱ ኩሉ ዝካኣሎም ዘበለ ፖለቲካዊ ቃልሲ ድሕሪ ምክያድ፣ “ናብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል” ከምዝባሃል፡ መልሱ በትርን ጥይትን ስለዝኾነ ተገዲዶም ዕጥቃዊ ቃልሲ ምጅማሮም ታሪኽ መስዋእቶም ዝዝክሮ እዩ።
ሰውራ ኤርትራ ምስ ኩሉ ውሽጣውን ግዳማውን ጸገማቱ፡ ንሰራዊት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ገጠራት ካብ ዝነበሮ መደበራት ናብ ከተማታት እንዳኾብኮበ ኣብ 1974 ኣብ ከባቢ ኣስመራ ዋና ከተማ ኤርትራ በጺሑ። ብኣንጻሩ ኢትዮጵያ ብምሉእ ዓቕማ ሰላማዊ ህዝቢ ከተጽንት፡ ንብረትን ማልን ከተብርስ ዘይተኣደነ ግፍዕን በደልን ፈጸመት። ኣብዚ ኣዋን’ዚ እዩ ማዓመር ገዳፊ ናይ ሊብያ መራሒ ነበር፡ ኤርትራ ካብ መግዛእት ኢትዮጵያ ነጻ ክትወጽእ ኣለዋ፡ ክብል ድምጹ ዘስመዐ። በዚ ዝሰንበደ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እቲ ሕታምን ዕለትን ገዲፍና ኣብ መጠረስታ ወርሒ ናይ 1974 ኣብ “ኣዲስ ዘመን” ኣብዝተባሀ ጋዜጣ “በኣፍሪቃ ውስጥ ኣንድ ዕብድ ኣለ” ኣብ ኣፍሪቃ ሓደ ጽሉል ኣሎ፡ ክትብል ኣስፊራ፡ ኣንጻር ገዳፍን፡ ብሓፈሻ’ውን ኣንጻር ሃገራት ኣዕራብ ብዙሕ ኢላን ፈኪራን። ክሳብ ብራድዮ ቴለቪዝዮንን “ግደፊ እባ ሶርያ ኣሽንኳይ ንዓኺ ምስ ሰብ ጀለብያ፡ ክንደይ ኣራኢና ኢና ኣብ ኮርያ” ዝብል ፈኸራ ወሲኾምሉ። ካብዚ ንላዕሊ ናይቲ እዋን ጽላለ መንግስት ኢትዮጵያ ግን ኣይነበረን። ኣብቲ ግዜ’ቲ ኣብ ኣፍሪቃ ከምቲ ናይ ገዳፊ ልሳኑ መሊኡ ዝዛረብ መንግስታት እንተዝነብር ድማ፡ እቲ ክሳብ 1991 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝቐጸለ ውግእ ዝጠፍኤ ሂይወትን ዝወረደ ኩሉ መዳያዊ ብርሰትን ምዳሓነ። ህዝቢ ኤርትራ ሓንሳብን ንሓዋሩን ነጻነቱ ኣረጋጊጹ። ድሕሪ 1993 ኤርትራ ኣብ መጋባእያ ዓለም ሉኣላዊት ሃገር ኮይና፡ ሕቶ ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ንኤርትራውያን ዝተዓጽወ ፋይል እዩ። ድሕር’ዚ መራሕቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውግእ ክሕብኡን ክነብሩን እንተዘይደልዮም ንዋንነት ወደብን ኣፍደገ ባሕርን ብዝምልከት ከተመ፡ ብስምምዕን ፍታውን ኤርትራውያን እንተዘይኮይኑ ከምጡብ ኣዲኦም ክቐብጽዎ ይግባእ።
ሓባራዊ ዕብየትን ሰናይ ጉርብትናን ብውግእን ፈኸራን ክረጋገጽ ከምዘይክእል ኣሚንካ፣ ሃገራውን ኣህጉራውን ሕግታት ቀሪጽካ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ክረጋገጽ ስለዝካኣል ድማ’ዩ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ራብዓይ ጉባኤኡ፡ “ልኡላዊ ዋንነት ወደባት ኤርትራ ዘኽብር፣ ሃገራውን ኣህጉራውን ሕግታትን ውዑላትን ዘሰነዮ፣ ነጻ ተጠቓምነትን ኣገልግሎትን ዝህብ ንኽኸውን” ዝውሰነ። እዚውን ኣብቲ ኣንብህጎን እንቃለሰሉን ዘለና ምቋም ቕዋማዊ መንግስቲ ምስተበጽሔን ብእኡ ዝብየንን እምበር፡ ብሓደ ሰልፊ ወይ ምንቅስቓስ ዝውዳእ ከምዘይኮነ እንግንዘቦ እዩ።
ህልዊ መራሕ መንግስታት ኢትዮጵያን ሚኒስተራቱን ግን፡ ካብቲ ዝፈሰሰ ደምን ህልቂትን ገና ዝተማህሩ ስለዘይመስሉ፡ ኣፍደገ ባሕርን ወደብን ዝብል ሕማም ርእሲ ዘለዎም ንሳቶም እዮም። ገዳፊ ግን መንቀሊኡ ብዘየገድስ ናይ ኤርትራ መሰል ይታሓሎ። ውግእን ጥፍኣትን ደው ይበል ስለዝበለ ጥራሕ’ዩ ናይ ኣፍሪቃ ጽሉል ተባሂሉ። ብጸለመ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 1974 ዓ.ም ናይ ኣፍሪቃ ጽሉል ዝበልዎ ሓደ ጥራሕ እዩ ነይሩ። ሎሚ ግን ኣብ ኣፍሪቃ ዘይኮነስ ኣብቲ ብብልጽግናን ኢዜማን ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ህርፋን ባሕርን ወደብን ኣብ ጽላለ ዘድሃበሎም ብዙሓት ምዃኖም፡ ኣብ ኤርትራ ድማ ሓደ ዝሓለፎ ዕቡድ ምህላዉ ካብ ልሳናቶምን ተግባራቶምን ንዕዘብ ኣለና።
ብኤርትራ ዝጀመረ “ንኢትዮጵያ ፋሕ ፋሕ ከየበልና ክንገዝኣ ኣይንኽእልን ኢና፡ ንኽንገዝኣ ፋሕ ፋሕ ከነብላ ኣለና፡ ምስዚኣቶም ክደፍዶ ብሓባር ክትነብር፡ ብሓባር ክትልምንውን ኣይካኣልን እዩ”፡ ክብል ከምዘይጸንሐ “ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ እዩ ዝብል ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ እዩ” ዝብል ሕቡእ ሕልምታት ዘግሃደ ናይ ዕብዳን መግለጺ ኢሳያስ ብቐዳምነት ዝስራዕ ክኸውን ከሎ፡ ካብዚ ብዘይፍለ ኣቢዪ ኣሕመድ እውን፡ “ኣፈራሪሰ ኣምጺኤ ክሕውሳ እየ ኤርትራ፣ መኣስ ከምዝኸውን ግን ኣይነግረኩምን እየ፡ ዓሰብ ጥራሕ ዘይኮነ ቀይሕ ባሕሪ ወሲኽና ዋናታት ስለ እንኸውን ኤርትራ ትባሃል ሃገር ኣይክትህሉን እያ። ንሰርሕ ኢና ዘለና፡ ናይ ቀይሕ ባሕርን ዓሰብን ዕንቅፋት ኮይኑና ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነስ፡ ነቲ ህዝቢ ኣምበርኪኹ ዝገዝእ ዘሎ መንግስቲ እዩ፡ ኣብኡ ዘሎ ኣገዛዝኣ ከነወግዶ ኢና” ምባሎውን ልዕሊ ዕብዳን ካልእ ክባሃል ኣይካኣልን እዩ። የድሕነና እምበር፡ ኣብዚ እዋን ካብዚ ናይ ክልቲኦም፡ ሃገራት ኣፈራሪሶም ክገዝኡ ዝደልዩን ዝሓልሙን ዝዓብን ካብ ሕድሕድ ዘይሕሹ ጽሉላት ምዃኖምን እዩ ህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ክግንዘብ ዘለዎ። ዘየፍረስዎን ዘየዕነዉዎን እንታይ ዝተረፈ ስለዘሎ እዩ ኸ ተመሊሶም ዝፍክሩ ዘለዉ?
ኣብዘን ዝሓለፋ 5 ዓመታት ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምምላስ ፈኸራን ጉዳይ ዋንነት ወደብ ዓሰብን ኣብ መንጎ ኣቢይን ኢሳያስን ኣቐዲሙ ኣብ ቃልዕ ዝወጸ ስምምዕ እኳ እንተዘይተፈልጠ፡ ዓበይቲ ምልክታት ክረአ ጸኒሑ እዩ፡ ናይ ውልቀ ሰባትን ጋዜጠኛታትን ወስታታት ከምዘይነበረ ድማ እዚ ሕጂ ዝስማዕ ዘሎ ሰለስትኤን ሃገራት ኣብ ጎንደር ዝገበርኦ ስምምዕ ቀንዲ ዕላምኡ ብኮንፈደረሽን ንምውህሃድ ዝዓለመ ምንባሩ ኣቢዪ ኣሕመድ ቅድሚ 2 ኣዋርሕ ንጋዜጠኛታት ከምዝሐበረ፡ ናይቲ ኮንፈደረሽን ፕረሲደንት ኢሳያስ ክኸውን፤ ኣቢዪ ኣሕመድ ድማ ጠቕላይ ሚኒስተር ኮይኖም ክማስሕዎ ምስጢራዊ ስምምዕ ከምዝነበሮም፣ ኢትዮ ፎርም ኣብ ናይ ዕለት 07.10.2023 ፈነዋኡ ኣብሪሁ ኣሎ።
ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ ነዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ እንሓንሳብ “እኔና ኢሱ ተደምረን ኣሰብ ኣንካፈልለን፡ ጸኒሑ “በሰላም ካልተቻለ በሓይል ኣሰብን እንመልሰዋለን” እንዳተባህለ፡ ዘልዕሎ ዘሎ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ልዕሊ ዜናን ብሂልን፡ ካልኦት ኣካላት ብድሕሪኡ ክህልዉ ከምዝኽእሉ ተገንዚቡ፡ ብተገዳስነት ክርእዮን፣ ህዝብና ኣብ ህልውና ኢሳያስን ናይ ጥፍኣት ፖሊሲታቱን ብሰላምን ሰናይ ጉርብትናን ክነብር ከምዘይኽእል ኣሚኑ፡ ካብ ተደጋጋሚ ህልቂትን ውግእ ከነድሕኖ፡ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ግዜ ንስርዓት ኢሳያስ ንምውጋድ መሳርዑ ከስምር ይግባእ ንብል።
ብቀዳም ዕለት 07 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ከተማ ሲያትል ብኣባላት ምንቕስቓስ ይኣክልን ኣባላት ብሪጌድ ንሓመዱን ዝተዳለወ መበል 10ይ ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ላምፓዱዛ ተኸቢሩ ውዒሉ። ኣብዚ ናይ ዝኽሪ ኣኼባ ብናይ ሰማእታት ናይ ሕልና ጸሎት ድሕሪ ምጅማር ሓው መሓሪ ኣስራት መኽፈቲ ቃል ኣስሚዑ። ቀጺላ ኣደ መንበር ምንቅስቓስ ይኣክል ወ/ሮ ገነት ብርሃነ ሎሚ ን10ይ ዓመት ዝኽሪ ህልቂት ላምፓዱዛ ከነኽብር ከሎና “ቃልስና ብምሕያል ሕድሪ እቶም ኩሎም ኣብ ሰሃራን ባሕርን ዝተቀዘፉና ሰማእታትና ከነተግብር ደጊምና ደጋጊምና ቃልና እነሐድሰሉ ክኸውን ይግባእ” ዝብል ናይቲ መዓልቲ መእከቢ ቀንዲ ምኽንያት ዝኾነ ሓጺርን ረዚንን መግለጺ ኣቕረበት።
ኣስዒቡ፡ ኣቦ መንበር ብሪጌድ ንሓመዱ ሲያትል ሓው መዓሾ ጎይትኦም ታሪኽ ህይወት ናይ ስዉእ ብሪጌድ ንሓምዱ ዝኾነ ሃይለ መስፍን ኣንበበ። ካብዚ ቀጺሉ እቲ ወናም ስነ-ጥበባዊ ገጣሚ ዳዊት ክፍልዝጊ ብዛዕባ ህልቂት ላምፓዱዛ መሳጢ ግጥሚ ምቕራቡ ይዝከር።
ቀጺሉ ንዝኽሪ ኩሎም ዝሓለፉ ሰማእታት ብተሳተፍቲ ናይ ሽምዓ መብራህቲ ተገይሩ። ስዒቡ ንኣዳለውቲ በዓል ኮነ ፈጸምቲ ኣካላት ዝምልከቱ ካብ ኣባላት ዝተፈላለየ ርእይቶታትን ለበዋታት ቀሪቡ። ኣብ መወዳእታ ድማ ንናይ እስራኤል ብሪጌድ ንሓመዱን ናብ ኤሪሳት ዝኸይድን ብፍላይ ንስድራ ስዉእ ጅግና ሃይለ መስፍን ዝለኣኽን ናይ ገንዘብ ወፈያ ብምግባር እቲ ኣኼባ ተደምደመ።
እዛ መዓልቲዚኣ ንኤርትራውያን ተቐማጦ ከተማ ሲያትል ፍልይቲ ዝገብራ ድማ፡ ቅድሚ 10 ዓመታት በቲ ኣብ ላምፓዱዛ ዘጋጠመ ህልቂት፡ ክሳብ 800 ዝኣክል ብዝሒ ዝነበሮም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ ሲያትል፤ ሓዘኖም ንምግላጽን ንናይ ሓባር ቃልሲ ክዕጠቑን ተኣኪቦም ዝተበገሱላ መዓልቲ ብምዃና እያ።
ወናም ስነ-ጥበባዊ ሰመረ ኣብርሃም ናይ ላምፓዱሳ ህልቂት ብምዝካር ዘቕረቦ ናይ ሓዘንን ቆራጽነትን ዜማታት ነቲ በዓል ፍሉይ ድምቀት ከምዝሃቦ‘ውን ተሓቢሩ። እተን ዘይሕለላ ኣዴታትን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ድማ ንኹሉ ኣኼበኛ ሻህን ሕብስትን ብምቕራብ ዝምስገን ዕማም ምብርካተን ዝዝከር እዩ።
ሓው መሓሪ ኣስራት ከም ኩሉግዜ ነቲ ኣደራሽ ናይ መለይ ባንዴራታትን ስልማትን ናይ ድምጺ መጉልሒ መሳርሒታትን ብምትካል ነቲ ኣኼባ ኣማዕሪጉዎ ወዓለ። ንኹሎም ኣብ ምድላውን ምስታፍን ናይቲ ኣኼባ ዝተኻፈሉ መንእሰያት፡ ዓበይትን ኣዴታትን ድማ ልባዊ ምስጋና ብምቕራብ እቲ ዝኽሪ ተደምዲሙ።
More...
ባህግና Bahgna 171፣ ኣገደስቲ ሰሙናዊ ዜናታት ሃገርናን ከባቢናን ምስ ርእሰ ዓንቀጽን ሓተታትን ሰዲህኤ 08.10.2023
Written by Bahgna MediaMedia
ህዝቢ ኤርትራ 1 መስከረም 1961 ብረታዊ ቃልሲ ክፍልም እንከሎ ዕላማኡ ንናጽነት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ኣነጺሩ እዩ ተበጊሱ። ነታ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላቱ ብነጻነት ዘስተማቕረላ፣ ኽብርታቱን ሕግታቱን ሓልዩ፡ ባህልታቱን ወግዕታቱን ኣጽኒዑ፣ ዝነብረላን፡ ሰሪሑ ብራሃጹ ክዓብየላን ክምዕብለላን ዝግብኦ መረበቱ ዝኾነት ሃገሩ ካብ ጎበጣ ስርዓት ኢትዮጵያ ነጻ ንምውጻ እዩ ነይሩ። እቲ 30 ዓመታት ዝወሰደ ጉዕዞ ቃልስን ዝተኸፍሎ ረዚን ዋጋን እውን ናብቲ ክብጻሕ ዝተደልየ ዕላማ ዘነጻጸረ ነይሩ። ውዳቤኡ፣ ውህደቱን ቅኒቱን ንሓደ ንጹር ሃገራዊ ዕላማ ስለዝነበረ ድማ ኣላሽ ኣይበለን። የግዳስ ምስ ኩሉ ዝነበሮ ሰብኣዊን ንዋታውን ሕጽርታት፣ ክሳብ ዓንቀሩ ምስዝዓጠቐ ሰራዊት መግዛእትን መሻርኽቱን ገጢሙ፣ ኩሉ ዝጠለቦ ዋጋ ከፊሉ፣ ነቲ ዓለም ሕልሚ ዝበለቶ ብቅልጽሙ ዕላማኡ ብምጭባጥ፣ ክልተ ግዜ ኣዛሪቡ።
እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ኣብታ ብቓልሱ ናጻን ልኡላዊትን ዝኾነት ሃገሩ፤ እዚ ድሕሪ ነጻነት ረኺብዎ ዘሎ ጥልመትን ክሕደትን በቶም ካብ ከርሱ ዝወጹ መራሕትኻ ኢና ዝብልዎ ዘለዉ ከጋጥመኒ ይኽእል እዩ ዝብል ትጽቢት ኣይነበሮን። ንናጽነት ሃገሩ ተቃሊሱን ኣቃሊሱን ህይወት ኣሽሓት ዜጋታቱ በጃ ብዝኸፈለ ውድብ ክጥለም እውን ኣይተጸበየን። ኣብ ክንድኡ ከምቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ደጀን፣ ዕጥቅን ስንቅን ዝኾኖ፣ ኩሉ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘሎ ህዝቢ ድሕሪ ናጽነት ሃገር ንሕውየትን ዳግመ ህንጸት ሃገሩ ተስፋን ድልየትን ኣቐዲሙ ኣብ ጎኒቲ ዝበቆለ ስርዓት ዕጥቁ ኣደልዲሉ ተበገሰ። ኩሉ ኣቃልቦኡ ኣብ ህንጸተ ሃገር ስለዘድሃበን፡ ኣብ ስርዓት ህግዲፍ እዚ ዘይበሃል ግርህነታዊ እምነት ስለዘሕደረን ከኣ፡ ህግዲፍ ናብዚ ሕጂ በጺሕዎ ዘሎ ፍጹም ምልኪ ከይሰወደ እንከሎ ናይ ምክትታሉን ብኣግኡ ዓገብ ናይምባሉን ዕድላት ኣምለጦ።
ጨካንን ጠላምን ስርዓት ህግዲፍ ድማ ንለዋህነትን ግርህነትን ህዝቢ መዝሚዙ፣ በዓል ዳሓን ተመሲሉ ቀስ ብቀስ ንህዝቢ ኩሉ መሰረታዊ ዲሞክርስያዊ መሰላቱ ሓሪሙ፡ ኣብ ቲሕቲ ጽኑዕ ኣርዑት ምልኪ ቆረኖ። ብሄር፡ ሃይማኖት፡ ኣውራጃ፡ ዕድመን ጾታን ከይፈለየ ንኹሉ ብማዕረ ብቐጢን ትእዛዝ ኣገልጋሊ ምልኩ ከምዝኸውን፡ ንዓንዳርን ጻሕታሪ ሁከት ዝኾነ መደባቱን ናይ ህይወት ዋጋ እና ኸፈለ ከምዝነበር ገርዎ ይርከብ።
ሕጂውን ቀንዲ ጠንቅን መበገስን ሓርነታዊ ቃልስና ወጽዓ ህግደፍ እዩ። ብብሄረይ፡ ብሃይማኖተይ፡ ብዞባይን ካልእን ተበዲለ ንዝብል ኩሉ፡ እቲ በዳልን ወጻዕን ኣካል ሓደ እዩ። ንሱ ድማ ስርዓት ህግዲፍን ንሱ ዝፈጠሮ ኲነታትን እዩ። ከምቲ ሽግርና ሓደ በደሊና እውን ሓደ ዝኾነ ድማ ዕላማ ቃልስናውን ሓደ ኮይኑ፣ ኣወዳድባና እውን ምስ ዕላማና ዝተቃነየ፣ ሓባራውን ሃገራውን መልክዕ ዝሓዘን ቀዳምነታቱ ዝሰርዐን ክኸውን ምተገብኤ። ምኽንያቱ ሓባራዊ መፍትሒ መከራና ንስርዓት ምልኪ ካብ ሱሩ ጸራሪግካ ብምጉሓፍ ብቅዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ምትካእ ስለዝኾነ።
ኲነታት ደምበ ተቓውሞ ንዝተዓዘበ፡ ኣወዳድባናን ዘሳሓሕቡና ኣጀንዳታትን ኣብ ግምት የእቲኻን ግን፣ ሰብ ሓደ ዓይነት ሽግርን፣ ዕላማን ምዃና ዘመስክር ኣይኮነን። እቲ ምውዳብ ሓደ ካብ መሰረታዊ መሰላት እዃ እንተኾን ክቕድሙን ክድሕሩን ዝግባኦም ውዳቤታት ዝሰርዐ ስለዘይኮነ፡ ሰብኣውን ንዋታውን ጸጋታትን ገዛዚዕና፣ ኣብ መንነታዊ፣ ብሄራውን ሃይማኖታውን ኣጀንዳታት ምፍልላይ ምህላውና፣ እምበርዶ ጠንቅን ዕላማን ሓርነታዊ ቃልስና ብግቡእ ዘነጸርና ሰብ ጉዳይ ኢና ንኽትብል የድፍረካ። እዚ ማለት ቀዳምነታትና ሰሪዕና ብሓባር ዘሰጉመና ባይታ ክንፈጥር ይግባእ ማለትና እንተዘይኮይኑ፣ ማሕበራዊ ውዳቤታትን ናይ ይግባኣኒ እዩ ሕቶን ክላዓል የብሉን ማለት ከምዘይኮነውን ክፍለጥ ይግባእ።
እቲ ትማሊ ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ ንናጽነት ሃገር ዕላምኡ ኣነጺሩ ምስ ኩሉ ሕጽረታቱ መስተንክራዊ ዓወት ዝፈጸመ ህዝቢ ኤርትራ፣ ሎሚ ነዚ ካብ ዓለም ተነጺሉ ንዝነብር ብውልቀ-ሰብ ዝምራሕ ስርዓት ምቅያር ሲኢኑ፣ ንኣስታት 30 ዓመታት ኣብ ቲሕቲ ምልኪ ሓደ ውልቀ-ሰብ ደም እንዳነብዐ ክነብር መስተንክር እዩ።
ብቀዳምነት እቲ ንምልኪ ኣሜን ኢሉ ዘይቅበል ደላይ ለውጢ ንኹሉ ወዲ ሃገር ዘርብሕ ውዳበን ባይታ ናይ ቃልስን ምስዘጣጥሕ፣ ህዝቢ ኤርትራ እምነት የሕድረሉ፡ ህዝቢ ዓለም እውን እንተኾነ ካብዚ ብዘይፍለ፣ ቃልስና ንለውጥን ንመተካእታን ከምዝበቕዕ ተገንዚቡ ኣፍልጦ ምሃቦ። ብኻልእ ሸነኽ፡ ኣወዳድባናን መሰሓሓቢ ኣጀንዳታትናን ኣዝዮም ተመዝመዝቲ ኣይምኾኑን፡ ጥርጣረን ስኽፍታን ህዝቢ ኣብ ሊዕሊ ደምበ ደልይቲ ለውጢ ኣዝዩ ከምዝዓቢ ንምግባር ስርዓት ህግዲፍ ኣይምተጠቕመሉን።
እቲ ጨቋኒ ስርዓት፡ “ብመስዋእቲ ደቅኻ ንዘምጻእካያ ሃገር ምስ ጸላእትኻ ወጊኖም ልዑላውነታ ከድፍርዋ ይሰርሑ ኣለዉ፣ ብሃይማኖትን ብብሄርን ከፋፊሎም ክገዝኡኻ ይሸባሸቡ ኣለዉ፣ ሃገራዊ መንነትካ ናብ ብሄራዊ መንነቶም ክቅይርዎ ዝደልዩ ኣለዉ፣ ንታሪኽካን መስዋእትኻን ዘራኽሱን ዘቆናጽቡን ይመጹኻ ኣለዉ” ወዘተ ዝብል ፕሮፓጋንዳ ብምምዝማ፡ ንደምበ ተቓውሞ ኣሰይጥኑ፡ ንህዝቢ ካብ ዘይፈልጦ መልኣኽሲ ምስ ዝፈልጦ ሰይጣን ናብ ዝብል ዕግበት ይደፍኦ ምህላዉ ምግንዛብ የድሊ። ስለዚ ድማ’ዩ፡ ተመኩሮ ጉዕዞ ሓርነትዊ ቃልሲ ኣብ ምንጻር ዕላማናን ንዑኡ ዝበቅዕ ኣወዳድባን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ከምዘለዎ ተቐቢልካውን ጠርናፊ ሓባራዊ ስራሕ ኣነካይደኡ መስርሕ ከምዘድሊውን ቀዳምነት ክዋሃቦ ዘለዎ እዩ።
በዚ መሰረት፡ ኩሉ ደላይ ለውጢ ንገድላዊ ምዕራፍ ነጻነታዊ ጉዕዞ ሃገር፤ ምስ ኩሉ ዝነበሮ ድኹምን ኣወንታን ሸነኹ፡ ከም ታሪኽ ህዝብናን ሃገርናን ዝቅበል፣ ንብዙሕነታዊ ሓድነትን ልዑላውነትን ህዝቢ ኤርትራ ዘኽብር፣ ኣብ ሱርበተኽ ምውዳቕ ገባቲ ስርዓት ህግዲፍ ዝኣምን፣ ኣብ ምኽባርን ማዕርነትን ኩሉ ዓይነት ፍልልያት ዝኣምን፣ ድሕሪ ውድቀት መላኺ ስርዓት ብህዝቢ ዝተመርጸ ቁዋማውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ምቋም ዝቕበል ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ መስሪቱ ኣብ ምብጋስ ዝርከብ ናይ ሓባር መቃለሲ ባይታ ወይ ጽላል ክዓስል ናይ ትማልን ሎምን ዕማም ክኸውን ይግባእ።
ብተወሳኺ እዚ ብበርጌድ ንሓመዱ ዝፍለጥ ህዝባዊ ማዕበል ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዲናሚካዊ ደፋኢ ሓይሊ ብምዃኑ፣ ብስፍሓቱን ተብግስኡን ንህዝቢ ዓለም ኣዛራቢ ኣጀንዳ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ዓቢይ ናይ ቃልሲ ተስፋ ይኸውን ምህልዉ፣ ንስርዓት ህግደፍን መጋበርያታቱን ከኣ ዘይተጸበይዎ ሓደጋ ኮይኑ እዩ። ስለዚ ካብ ቅድሚኡ ዝጸንሔ ተመኩሮታት ተማሂሩ፣ ካብቶም ስርዓት ህግደፍን ሳዓብቱን ክጥቀምሎም ዝኽእሉ ነቃዓት ምፍጣር ተጠንቂቁ፡ ውሕሉል ናይ ቃልሲ መንገዲ ክሕዝ፡ ኣሳታፊ ክኸውን ብምዝኽኻር፡ ሰዲህኤ እውን በቲ ኣብ 4ይ ጉባኤ ዘሕለፎ ውሳኔታት መሰረት ንቀጻልነትን ምሕያልን ናይዚ ተበጊሱ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል ኮነ ናይ ሓባር ጽላል ኣብ ምቛም ኩሉ ዝካኣሎ ዘበለ ከበርክት እዩ።
ኤርትራውያን ወለዲ ንህዝባዊ ማዕበል በርጌድ ንሓመዱ ንምሕጋዝ ተበግሶ ይወስዱ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤነበርቲ ከተማ ሎንዶን ሃገረ ዓባይ ብሪጣንያ ዝኾኑ ኤርትራውያን ወለዲ፤ ነዚ ብኤርትራውያን መንእሰያት ተጀሚሩ ብልዑል ናህሪ፣ ዕብየትን ስፍሓትን እንዳ ኣመዝገበ ዝኸይድ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል በርጌድ ንሓመዱ ንዋታውን ሞራላውን ሓገዛት ብምባርካት፣ ኣብ ጎኑ ምህላዎም ብግብሪ ከረጋግጹን፣ ሓላፍነቶም ከልዕሉን ከምዝተሰማምዑ ሓቢሮም። ንሳቶም ነዚ ዝገለጹ፡ ካብቲ ንውሳኔኦም ግብራውነቱ ንምልባስ ንዕለት 7 ን 8 ጥቅምቲ 2023 ክካየድ ብጽሑፍ ዝዘርግሕዎ ጻውዒት እዩ። ኣብቲ ዝተዘርግሐ ጻውዒት፣ ደቂና ነታ እንፈትዋ ሃገርና ዘማሰነን፣ ህዝብና ዘጥፍእ ዘሎን ጨቋኒ ስርዓት ንምእላይ ክሳብ ህይወቶም እንዳኸፈሉ ኣብ ምርብራብ እንክርከቡ ዘለና እዋን፣ ንሕና ከም ወለዲ ኢድናን እግርናን ኣጣሚርና ክንዕዘብ፣ ጌጋ ጥራሕ ዘይኮነ ንጽባሕ ዘሕትተና እዩ ዝብል ረዚን መልእኽቲ እውን ሒዙ ይርከብ። በዚ ኣጋጣሚ ነዞም ናይ ወለዲ ሓላፍነት ተሰኪሞም ንተበግሶ ግብራውያን ደቅና ክነሕይል ኢና ዝብሉ ኣብነታውያን ወለዲ ተቀማጦ ሎንዶን እናደገፍና፣ ኣበየ ኩርናዕ ዓለምና ዝርከቡ ኩሎም ወለዲ እውን ነዚ ሰናይ መርኣያ ክስዕብዎን፡ ሕጽረታት ምንቅስቓስ ናይዚ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ምምላእን ምስራዕን ግዲኦም ከበርክቱን ንጽውዕ።
