ኣብ ሱዳን ዝጸንሐ እገዳ ፓስፖርት ክፍቀድ ተወሲኑ
2025-02-10 13:58:33 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 275 timesሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ ፖሊስ ኮሚሽን ሱዳን፡ ኣብ ኣወሃህባ ፓስፖርት መለለይ መንነትን ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ሕጋዊ ምትዕርራይ ክግበረሉ ከም ዝጸወዐ ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሓቢራ። ኣቦመንበር ልኡላዊ ኮሚተን ኣዛዚ ሰራዊትን ሱዳን ጀነራል ኣልቡርሃን ብወገኑ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቢ መምርሒ ድሕሪ ሕጂ ዝኾነ ሱዳናዊ ዜጋ ዝሓተቶ ፓስፖርትን መለለይ መንነት ንከይክልከሎ ንሓለፍቲ ክፍሊ ፓስፖርትን ኢሚግረሽንን ናይታ ሃገር መምርሒ ከም ዝሃበ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ላዕለዋይ ሓላፊ ኮሚሽን ፖሊስ ሱዳን፡ እቲ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ጉዕዞ ተነቢሩ ዝጸንሐ እገዳ ግና ዝለዓለ ምቁጽጻር ከም ዝግበረሉ ኣፍሊጡ። እቲ ሓላፊ ፖሊስ ኣተሓሒዙ ነቲ እገዳ ብ2020 ናይ ቅድም ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ካብ ሃገር ንከይወጹ ዝወሰኖ እገዳ ምንባሩ ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ ዝወሃብ ፓስፖርት ንመገሺ እምበር ከም መለለይ መንነት ምጥቃም ክልኩል ምዃኑ ኣጠንቂቑ።
ድሕርቲ ብ15 ማዝያ 2023 ኣብ ሱዳን ዝተባረዐ ውግእ ህድሕድ፡ ብዙሓት ሱዳናውያን ፖለቲከኛታት ኣብ ሱዳን ናብ ዝርከባ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ኢምባሲታት፡ መውጽኢ ቪዛ ሓቲቶም ብምኽልካሎም ከማርሩ ከም ዝጸንሑን ካብኣቶም ደገፍቲ ናይቲ ብጀነራል ሕመቲ ዝምራሕ ወገን ከም ዝርከብዎምን ኣብቲ ዝወጸ መግለጺ ተመልኪቱ። ኣብ መወዳእታ እቲ ዝወሃብ ፓስፖርትን ናይ ጉዕዞ ሰነድን ብጥንቃቐ ናይ ሱዳን ዜግነት ብምጽራይ ዝትግበር ምዃኑ፡ እቲ ሱዳናዊ ላዕለዋይ ሓላፊ ክፍሊ ፓስፖርትን ኢሚግረሽንን ምግላጹ ኣብቲ ዜና ተመልኪቱ።
ከምዚ ዓይነት ኣሰራርሓ ከም ሓድዝሽ ምጅማሩ፡ እቲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወገን ሱዳን ኣብ ልዕሊቲ ብመቐናቕንቱ ብጀነራል ሕመቲ ዝምራሕ ወገን ይዕወት ምህላዉ ከም ዘመልክት ናይ ብዙሓት ርኢቶ እዩ።