ሱዳናውያን ምምስራት መንግስቲ ኣብ ስደት ተቓዊሞም
2024-12-09 12:51:21 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 224 timesካብቶም ካብ 3 ክሳብ 6 ታሕሳስ 2024 ኣብ ኣኼባ ኢንተበ ዝተሳተፉ ሱዳናውያን ብኸፊል
ሕብረት ሲቪል ሱዳናውያን፡ መንግስቲ ኣብ ስደት ንምምስረት ብዝምልከት ኣብቲ ካብ 3 ክሳብ 6 ታሕሳስ 2024 ዝተኻየደ ኣኼባ ንዝቐረበ እማመ ከም ዝነጸገ፡ ሬድዮ ደባንጋ ኣፍሊጣ። ነቲ ሰውራዊ ግንባር ሱዳን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ድሕሪ ዘካየዶ ኣኼባ ዘቕረቦ እማመ፡ ሓይልታት ንናጽነትን ለውጥን ብዝተባህለ ኣባል እቲ ሕብረት ዝኾነ ሱዳናዊ ውዳበ እዩ ተቓውሞ ኣጋጢምዎ።
መራሒ ሓይልታት ሱዳን ንነጻነትን ለውጥን ሃዲ እድሪስ፡ ነቲ ተቓውሞ ዘቃልሐ ክኸውን እንከሎ፡ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሱዳን፡ ሰውራዊ ዲሞክራስያዊ ዛዕባ፡ ሃገራዊ ሰልፊ ዑማን፡ ሰልፊ ጉባአ ሱዳንን ካለኦት ናይቲ ሕብረት ኣባል ውዳበታት እውን ነቲ እማመ ዘይተቐበልዎ ምዃኖም እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣፍሊጡ። ሸሃብ ኢብራሂም ዝተባህለ መራሒ ሓይልታት ንለውጢ ብወገኑ፡ እቲ እማመ ኣብ ሱዳናውያን ምክፍፋል ዘስዕብ ስለ ዝኾነ ድሕሪ ሕጂ ከምዘይለዓል ዝተዓጽወ ፋይል እዩ ኢልዎ።
መሓመድ ኢስማት፡ መራሒ ሰልፊ ፈደራል ሕብረት ብወገኑ፡ ነቲ መንግስቲ ኣብ ስደት ንምምስራት ዝቐረበ እማመ ብምድጋፍ፡ እቲ ኣድላይነት መንግስቲ ኣብ ስደት፡ ብመንጽር መዳይ ቁጠባ፡ ምምሕዳርን ዓለም ለኻዊ ዝምድናን ዝህልዎ ረብሓ ብክኢላታት ክረኣይ ይግበኦ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብ ወጻኢ ይኹን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝምስረት መንግስቲ፡ ብመንጽርቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ነበር ዶክተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝመረሖ ሰውራ ታሕሳስ ክምዘን ይግበኦ ምባሉ ተሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ነቲ እማመ ከም መመከቲ ነቲ ከኣፋፋሊ እስላማዊ ምንቅስቓስ ክውሰድ ይግበኦ ምባሉ ተፈሊጡ።
ገለ ናይቲ ሰፊሕ ሕብረት ሲቪል ሱዳናውያን መራሕቲ፡ እቶም ምምስራት መንግስቲ ኣብ ስደት ዝድግፉ ወገናት መርገጾም እንተዘይቀይሮም ካብቲ ሕብረት ንክወጹ ከም ዝሓተቱ ከኣ ተፈሊጡ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ነቲ እማመ ንከጽንዕ ኣቐዲሙ በቲ ሕብረት ተመዚዙ ዝነበረ ኣካል ብወገኑ ኣይተቐበሎን።
ብኻልእ ወገን ድማ ወኪል ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ሱዳን ቶም ፐረሊዮ፡ ምምስራት መንግስቲ ኣብ ስደት ካብ ሱዳን ሓሊፉ ብደረጃ ዞባ’ውን ዘይምርግጋ ዘኸትል ስለ ዝኾነ ከይትግበር ኣተሓሳሲቡ ከም ዝነበረ እቲ ዜና ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።