ኣብ ህወሓት ዝተፈጥረ ምክፍፋል ዝሽምግል ኣካል ቆይሙ
2024-10-13 21:16:50 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 229 timesኣብቲ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ኣብዘሓ ወንበር ዘለዎ ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘሎ ኣካልን ካብኡ ወጻኢ ዘሎ ብዶር ደብረጼ ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ወገን ናይቲ ውድብን ተፈጢሪሩ ዘሎ ምክፍፋል ንክፈትሕ ኣብ ትግራይ ዝቖመ ኣካል ከምዘሎ ጋዜጣ ሪፖርተር ኣብ ናይ 13 ጥቅምቲ 2024 ሕታማ ኣፍሊጣ።
እቲ ክዓርቕ ቆይሙ ዘሎ፡ ናይ ትግራይ ህዝባዊ ዲፕሎማሲ፡ ገርዓልታ ትካል ልምዓትን ስልጠናን፡ ማሕበራት ንግዲ ትግራይ፡ ማሕበራት ሲቪል ትግራይን ካለኦትን ብኣባልነት ዝርከበኦ 7 ማሕበራትን መራሕቲ ሃይማኖትን ዝሓቖፈ ኣካል ምንቅስቓስ ጀሚሩ ከም ዘሎ እታ ጋዜጣ ኣፍሊጣ።
ኣብቲ ንክልቲኦም ወገናት ንከመያይጥ ተመዚዙ ዘሎ ልኡኽ፡ ኣብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ንትግራይ ወኪሎም ተሳታፊ ካብ ዝነበሩ፡ ኣንበሳደር ወንድሙ ኣሳምነው፡ መስራቲ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ፕሮፈሶር ምትኩ ሃይለን ኣብ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ትግራይ ሊቀጳጳስ መቐለ ኣባ ጥዑም በርሀን ከም ዝርከብዎም እውን ተሓቢሩ። ኣብቲ ጉዳይ ነቲ ጋዜጣ ዝሓበረ ኣንበሳደር ወንድሙ፡ ምምይይጥ ምጅማር ዘኽእሎም ምድላዋት ይገብሩ ከም ዘለዉ ኣረጋጊጹ። እዚ ከምዚሉ እከሎ ክሳብ ቅድሚ ሕጂ ብኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ብጳጳሳትን ብሲቪላዊ ማሕበራትን ትግራይ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ዝተገብረ ፈተነ ከምዘይተዓወተ ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ።
እቲ ዜና እቲ ኣብ መራሕቲ ጥራይ ተወሲኑ ዝጸንሐ ምክፍፋል፡ ደሓር ግና ናብ ግዝያዊ ምምሕዳርን ህዝብን ይልሕም ስለ ዘሎ፡ ናብ ከቢድ ጸገም ከይሰግር ይስጋእ ከም ዘሎ ሪፖርተር ኣስፊራ። እቲ ክዓርቕ ዝቀራረብ ዘሎ ኣካል ጉዳይ ትግራይ ብዘተ ንምፍታሕ ተበጊሱ ከም ዘሎ ጠቒሱ፡ ተዋሳእቲ ፖለቲከኛታት’ውን ፍልልያቶም ብሰላማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ክተብዑ ከም ዝግበኦም መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።
ኣብቲ ብሓፈሻ ኣብ ትግራይ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው ርኢቶኡ ክህብ ትጽቢት ዝተገብረሉ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዋላኳ ምስ መራሕቲ ክልቲኡ ክፋላት ህወሓት ይራኸብ እንተሃለወ ዝሃቦ መፍትሒ ሓሳብ የለን።
ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብዚ ቀረባ ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ፡ ኣብ ትግራይ ንዘሎ ኩነታት ብዝምልከት፡ “ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ቅልውላውን ዘይምርግጋእን ዝመዘነ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ፡ ካብ ተመኩሮ እውን ከም ዘረጋገጾ፡ እቲ መዋጸኦ ውግእን ምፍንጫላን ዘይኮነ፡ ብስልጡን መንገዲ ዘተን ልዝብን ጥራይ ስለ ዝኾነ፡ ንዓኡ ክኽተሉ ኣተሓሳሲቡ።” ዝብል ይርከቦ