መልእኽቲ ኣቦ መንበር ኣብ ፈስቲቫል 2024

2024-08-11 21:41:20 Written by  ኣቦ መንበር Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 577 times

ክቡር ኣቶ ያሲን ዓብደላ ም/ ኣቦ መንበር ፖ ሓ ኤ

ክቡር ኣቶ ካሕሳይ ጉፍላ ሓላፊ ገንዘባዊ ቤት ጽሕፈትን ማሕበራዊ ጉዳያትን

ክቡር ኣቶ ጽሃየ ቀለታ ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል 2024

ክብርቲ ወሮ/ ኣድያም ተፈራን ክቡር ኣቶ ግርማይ ዘሚካኤልን ኣስሳሰይቲ መድረኽ

ክቡራንን ክቡራትን ናይ ሰለስቲኡ ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን

ክቡራት ኣባላት መራኸቢ ብዙሃን

ክቡራንን ክቡራትን ዕዱማት ኣጋይሽና

ብስም ማእከላይ መሪሕነት ዕዙዝ ልባዊ ሰላምታይ አቕርበልኩም

እንቋዕ ናብዚ ፈስቲቫልዚ ክንሳተፍ ኣብቅዓና።

ብሰለስቲኡ ኣካላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ማለት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባርን ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ተሰናዲኡ ዝካየድ ዘሎ ፈስቲቫል ስለ ዝዀነ ታሪኻዊ እዩ። ሎም ምዓልቲ ኣብ ቅድሜኹም ቀሪበ እቲ ኣብ ሚነሶታ ብ2019 ቀጺሉ'ውን ብ2020 ብተበግሶ ነብሰሄር ብርሃነ ወልደገብሪኤል ንምጥርናፍ ሃገራውያን ሓይልታት ኤርትራ እተኻየደ ጻዕሪ ኣብ ፍረ ምብጽሑ ከበስር ከሎኹ ክብ ዝበለ ሓጎስን ክብርን ይስምዓኒ። ሓው ብርሃነ ኣብ ማእከልና ብህይወት እንተዝህሉ ክንደይ ባህ ምበሎ!

ጀሚርናዮ ዘሎና ጉዕዞ ብዘትኣማምን መንገዲ ሸቶኡ ከም ዝሃርም ኣይንጠራጠርን፥ ከመይ ካብ ዝሓለፈ ጌጋታትና ተማሂርና፡ ዝሰፍሐ ጥርናፈ ንኽረጋገጽ፥ ክኽፈል ዘለዎ ዋጋ ክኽፈል፥ ክግበር ዘለዎ ሕድገታት ክግበር ናይ ግድን ኣድላዪ ምዃኑ ብምእማን ቀዳምነታትና ሰሪዕና ንጉዓዝ ስለዘሎና እዩ። ምጥቕቓዕ ሕድሕድ ወጊድና፡ ናይ እንካን ሃባን ኢሂን ሚህን ባህሊ ሒዝና ክንከዶ ዝጸናሕና መስርሕ፡ እቲ ኣብዚ ዋዕላ ብ21 ኣባላትን 3 ተጠባበቕትን ቆይሙ ዘሎ መሪሕነት ክቕጽሎ ዓቢ ትጽቢት ኣሎና። ናይ ምጽውዋር ባህሊ ምስራጽ፡ ውሕስነት ንምዕዋት ናይ ቀረባ መደብን መሰረት ናይ ታ ኣብ ኣእሙሮና ዘላ ዲሞክራስያዊት ኤርትራን እዩ።

ሃገርና ኤርትራ ናጻ ካብ ትወጽእ ክሳብዛ ዕለት እዚኣ ንልዕሊ 33 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት፡ ኣደዳ ስቓይን ሕማምን ድንቁርናን ድኽነትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ስለ ዝዀነት ናብ ህዝባ ከተንብር ዘይትኽእል ሃገር ተቐዪራ ኣላ።

ኣብ ኤርትራ እቲ ንቡር ዘይኮነ ኩነታት ከም ንቡር ተወሲዱ ኣሎ። እዚ እቲ ዝኸፍኤ እዩ ከመይ ንዕኡ እንድሕሪ ለሚድካዮ ካብኡ ከመይ ጌርካ ሓራ ትወጽእ? ስለምንታይከ እዚ ዘይንቡር ከም ንቡር ተለሚዱ?

ብቐዳምነት እቲ ንብረታዊ ቃልሲ ህዝብና ብዓወት ዝዛዘሞ ህዝባዊ ግንባር ዲሞክራስያዊ ባህሊ ስለዘይነበሮ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ሰረት ከንጽፍ ኣይክኣለን። ህዝብና ድማ እቶም ዓወት ንሓፋሽ! እንዳጨርሑ ሃገር እተቘጻጸሩ ደቁ ካብ ኩሎም ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝኸፍኤ ኣርዑት ባርነት ከሰክሙዎ ስለዘይተጸበየ ተገሪሁሎም። ካብ ክቱር ምእማን ሰብ ተኣሲሩ ክሰምዕ ከሎ፡ ሓንቲ ጭብጢ ከይሓዘ፡ ገለ ጌሩ ይኸውን ክብል ይስማዕ። ከምዚሉ ድማ እታ ዓገብ ናይ ምባል ባህሉ በብቝረብ ኣጥፊኡዋ። ዓገብ ክብለሉ ዝነበሮ ኣጋጣሚታት ብዙሕ'ዩ ገለ ካብኡ ክጠቅስ፡

* ኣብ 20 ሰነ 1991 ካብ ሎሚ ንድሓር ናይ ውድባት ሓሸውየ ኣይፍቀድን'ዩ ዝብል ኣዋጅ ወጺኡ    

* ኣብ ድሮ ረፈረንደም ናይ መነባብሮ ምምሕያሽ ዝሓተቱ ተጋደላቲ ኣደዳ ማሰርቲ ኰይኖም

* ኣብ ረፈረንደም ምድማጽ ኣብዮም ተባሂሎም ናይ ይሔዋ መሰኻኽር ዜግነታዊ መሰሎም ተገፊፉ

* ውጉኣት ሓርነት መነባብሮኦም ንክምሓየሸሎም ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ዝገበሩሉ ግዜ ብብረት ተቐቲሎም

* ንቤት ትምህርቲ ኣል ዲያእ ስለ እተኸላኸሉ ልዕሊ 90 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣቦና ሓጂ ሙሳ ትኣሲሮም

  ዓሪፉም'ውን ቅድሚኦም'ውን ሓዎም ጣሃ መሓመድ ኑር ሓደ ካብ መስረትቲ ናይ ተጋድሎ ሓርነት

  ኤርትራ ብዘይ ፍርዲ ን3 ዓመት ድሕሪ ምእሳሩ ኣብ 2008 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዓሪፉ ምንባሩ

  ዝዝከር'ዩ። ንኤርትራ ብዙሕ ዘበርከተት ስድራ እዚ ክወርዳ ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ

* ኣቡነ ኣንጦንዮስ 16 ዓመታት ድሕሪ ምእሳሮም ዓሪፎም

* ጅግና ተጋዳላይ ቢተወደድ ኣብርሃ ካብ ዝእሰር 33 ዓመታት ኰይኑ ኣሎ።

* ጀግኑ ተጋደልቲ ተኽለብርሃን ገብረጻድቕን ወልደማርያም ባህልብን ካብ ከሰላ ፡ ገብረብርሃን ዘርኤ ካብ

  ሑሞራ መሓመድ ዓሊ ብራሂም ካብ ገዳርፍ ካብ ዝጭወዩ ዓሰርተታት ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ካልኦት

  ዝተጨውዩ እንተልዮም ስለ ዘይፈለጥናዮም'ምበር ክንጠቕሶም ስለዘይደለና ከም ዘይኮነ ክትርድኡልና 

  ንደሊ

* ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ጀነራላትን ሚንስትራትን ብዘይፍርዲ ካብ ዝእሰሩ ዳርጋ 23 ዓመት ኰይኑ ኣሎ

* ግዜጠኛታት ብዘይ ፍርዲ ካብ ዝእሰሩ'ውን ዳርጋ 23 ዓመት ኰይኑ ኣሎ

* ከካብ ገዝኦም ብዓመጽ ተወሲዶም ገና ዘይተመልሱ ቁጽሪ የብሎምን

* ናይ 'ታ ሓንቲ ዝነበረትና ዩኒቨርስቲ ተመሃሮ ስለ ሕቶታት ዘቕረቡ ናብ ዊዓ ሲዲዶም ንሓደጋን ሞትን

   ኣሳጢሖሞም ነታ ዩኒቨርሲትይ ድማ ዓጽዮማ።

* ን 18 ወርሒ ዝተባህለ "ሃገራዊ ኣገልግሎት" ብዘይ ዓስብን ደረትን ይቕጽል ኣሎ።

* ኣብ ሃገሩ ሰሪሑ ንኽነብረሉ ዝኽእል ባይታ ስለዘየለ ዘዝተወልደ ናብ ስደት የምርሕ ኣሎ።

* ቅዋም ሞይቱ'ዩ ካብ ዝብሃል ዓመታት ሓሊፉ

እዝን ከምኡ ዝኣመሰለ ካልእ ተረኽቦታትን ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ክፍጸም ከሎ ህዝቢ ዓገብ ኢሉ ተቓውሞኡ ከስምዕ'ዩ ዝግባኦ ነይሩ። ሕጂ'ውን ዝመጸ ይምጻእ ንፍርሂ ቀንጢጡ ዓገብ ክብል እንተዘይጀሚሩ፤ ንመሰሉ ክሓትት እንተዘይተላዒሉ ገባቲ ስርዓት ምልኩ ከትርረሉ እምብር ክፍኵሰሉ ኣይኰነን።  

 ብሓጺሩ ሃገርና ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ነጻ ድሕሪ ምዃና፡ኣብ ትሕቲ ሓደ ጉጅለ ብመሪሕነት ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዘይ ቅዋም ብኣዋጃት ጥራሕ ካብ ትማሓደርን  ኣብ ኣድላይነት ዘይነበሮ ውግኣት ካብ ትሽመምን፥ ብደረት ዘይብሉ ሰብኣዊ ግህሰታት ክትሳቐ ጸኒሓ ኣላ። ብጀካ እቲ ስርዓት ካልእ ስራሕ ክኸፍትን ሰራሕተኛ ክቖጽርን ስለ ዘይፍቐድ ብሕታዊ ጽላት ቦታ የብሉን። ስለዚ ድማ ሰብ ሰሪሑ ክነብረላ ኣብ ዘይትኽእል ሃገር ስለ እተቐየረት፥ ዘዝተወልደ ናብ ስደት ከምርሕ ንቡር ኰይኑ ኣሎ። እቲ ዝተረፈ ኣብ ውሽጢሃገር ዝነብር ህዝብና ድማ በቲ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጥ ህዝብና ዝልኣኸሉ ደገፍ ስለዝነብር ናይ ሓዋላ ተጸባዪ ኰይኑ ኣሎ።

ስለዚ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ነዚ ዘይንቡር ኣነባብራ ንምውጋድን ናብ ንቡር ናብራ ንምምላስን እቲ እንኮ ፍታሕ ምልካዊ ስርዓት ኣውዲቕካ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም ምዃኑ ይኣምን ንዕኡ ንምርግጋጽ ድማ ይቃለስ።

እዚ ዕማምዚ ናይ ኵሎም ደለይቲ ፍትሒ ዕማም እዩ። ከፍርዩ እንተዀይኖም ድማ ብሓደ ልሳን ክዛረቡ የድልዮም። ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ክጥርነፉ የድልዮም። ነዚ ዘማዕደወ ድሕሪ ዕቱብ ክትዓትን ምይይጥን ብተሳትፎ ናይ ዝበዝሑ ፖለቲካውያን ኣካላት ኤርትራ ኣብዘን ዝስዕባ 4 መትከላት ማለት፥

1 ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ

2 ምቛም ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት

3 ምዕቃብ ሓድነት ህዝብን ልዑላውነት መሬትን ባሕርን ሰማይን ኤርትራ

4 ምውሓስ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ህዝቢ ኤርትራ

መሰረት ዝገበረ ሓደ ሃገራዊ ሓይሊ ክቐውም ኣብ ምርድዳእ ምብጽሑ ዝዝከር እዩ።

ብድሕርዚ ሓያሎይ ሓይልታት ሕጂ ካባና ወጻኢ ዘለዉ ከም ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ውድብ ሓድነት ኤርትራን እተሳተፍዎ፥ ብምውህሃድ መስርሕ ሓሊፉ፥ ሓያሎይ ግዜ ዝወሰደ ናይ መጽናዕቲ ሽማግለታት እተሳተፉሉ ዓንዲ ሕግን ፖለቲካዊ ቻርተርን መርሓ ጎደናን ተነዲፉ ምንባሩ ክጥቀስ ዝግባኦ ሓቂ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ ንዅሎም ኣብዚ ታሪኻዊ ምስንዳእ ሰነዳት እተሳተፉ ኣካላት ክብ ዝበለ ምስጋና ከቕርበሎም እፈቱ።

እዚ ሕጂ ብዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕርን ኤርትራዊ ስሙር ሃገራዊ ግንባርን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ቆይሙ ዘሎ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ መትከላትን ንድፍታትን ተመርኵሱ ዓንዲ ሕጊ ኣቝሙ፥ ፖለቲካዊ ቻርተር ሓንጺጹ ሰፊሕ ጽላል ንምቛም ሓያሎይ ስጉምቲ ተጓዒዙ ኣሎ። ካብ ወርሒ ሕዳር (November)  2023 ክሳብ ዕለት 01 ንሓሰ 2024 ላዕለዋይ መሰጋገሪ ኣካል ፖ ሓ ኤ 26 ኣኼባታት ኣክዪዱ። 2 ግዜ ንመላእ ኣባላት ናይ ሰለስቲኡ ኣካላት ንምልላይን ሓበሬታ ንምሃብን ኣኼባታት ኣካዪዱ። ኣብዚ ዋዕላዚ ድማ ነዚ ጽላል ዝመርሕ 21 ዝኣባላቱን 3 ተጠባበቕትን ማእከላይ መሪሕነት ቅይሙ ከም ዘሎ ከበስር እፈቱ።

ሳላ'ዞም ህርኩታት ናይ መራኸቢ ብዙሓን ድማ ክሰምዕን ከንብብን ንዝደሊ ብኣጻብዕቱ ጥውቕ ምባል ጥራሕ'ዩ ዘድልዮ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ እተኻየደ ኣአዳሲ ዲፕሎማስያዊ ስራህ ከኣ፡

ምስ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ሓደ ዲፕሎማስያዊ ልኡኽ ኣቚሙ ኣብ ዕለት 05ን 06ን ሰነ (June) 2024 ብክብ ዝበለ ደገፍን ምትብባዕን ናይ ኣምባሳደር ሃይለ መንቆርዮስ፡ ምስ ኤውሮጳውያን ሰበ ስልጣን ብራሰልስ ዕዉት ርኽክባት ኣካዪዱ። ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣካል ናይዚ ዑዶትዚ ክኸውን ነይርዎ ግን ብጸገማቱ ብኣካል ክሳተፍ እኳ እንተዘይክኣለ ኣብ ኩሉ ካብ ምድላው ዝቐርብ ትሕዝቶ ክሳብ ውጽኢቱ ዝተኸታተለ ስለ ዝዀነ ከም ኣካል ናይዚ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈት ክቝጸር ይክኣል።

ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ቀረባ ግዜ ጉባኤኡ ድሕሪ ምግባር ምስ ፖሓ ኤ ሓቢሩ ዝሰፍሐ ጽላል ከቕውም ዓቢ ትጽቢት ከም ዘሎና ክገልጽ እፈቱ።

ከምኡ'ውን እቲ ምስ ኤርትራዊ ልፍንቲ ንዲሞክራስያዊ ኀውጢ ዝካየድ ዘሎ ዘተ እወታዊ ውጽኢት ክህልዎ ኣካል ናይዚ ፖሌቲካዊ ሓይሊ' ዚ ኰይኑ ከደልድሎ ትጽቢት ከም ዘሎና ክገልጽ እፈቱ።

በዘን ኣብ ላዕሊ እተጠቕሳ 4 መትከላት ንምጥርናፍ ሃገራዊ ሓይልታት ዝኣምኑ ኤርትራውያን ፖሌቲካዊ ሓይልታት ኣካል ናይዚ ጽላልዚ ኰይኖም ግዴኦም ከበርክቱ በዚ ኣጋጣሚዚ ንጽውዕ።

ነዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ንምጥርናፍ ሃገራዊ ሓይልታት ዝዓለመ ትጽቢታት ምእንቲ ከርዊ፥ ነቲ ኣብዚ ዋዕላ ዝቖመ መሪሕነት ምሉእ ሓላፍነት ሂቡዎ ኣሎ።

ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ዓይኒ ዘይብሉ ሕሱም ጨካን ምሕደራ ሓራ ዝገላገል ብናይ ገዛእ ርእሱ ቃልሲ ምዃኑ ይኣምን። ንህዝቢ ኤርትራ ሓራ ዘውጽእ ካልእ ሓይሊ ከቶ የልቦን። ስለዚ ድማ ነዚ ዘይንቡር ሃለዋት ከም ንቡር ወሲዱ ለሚዱዎ ዘሎ ብንቕሓትን ትብዓትን ከይወገደ ሓራ ክኸውን ስለዘይክእል ብቐዳምነት ንፍርህን ራዕድን ደርቢዩ ንመሰሉ ክጣበቕ የድልዮ። ገባቲ ስርዓት ሻዲኑ ዘሎ ዓገብ ናይ ምባል ባህሊ ስለ ዝቦኾረ እዩ። እዚ ባህሊ'ዚ ክምለስ ኣለዎ።

መላኺ ስርዓት ንልዑላውነት ሃገርና ክከላኸል ከም ዘይክእል፡ብኣንጻሩ ብዘይ ወኸሳን ደገፍን ድልየትን ህዝብና ኣሕሊፉ ዝህብ ምዃኑ ካብ ኣፍ'ቲ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ "2 ህዝቢ ኢዮም ዝብል ሓቂ ዘይፈልጥ'ዩ፤ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና፤ ኣይከሰርናን. . . "ወዘተ. . . ክብል ከሎ ብግልጺ ምስማዕና እኹል ጭብጢ'ዩ። እዚ ርኡይ ጥልመት'ዩ። ኵሎም ሃገራውያን ድማ ኣንጻሩ ደው ክብሉ ይግባእ። ብፍላይ ድማ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ኣብ ትሕቲ ሊበራላዊ ስርዓታት ዝነብሩ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ነዚ ብዝዀነ መዐቀኒ ክድገፍ ዘይግብኦ ስርዓት ምድጋፍ ምኽኑይ ስለ ዘይኮነ ደጊሞም ክሓስቡሉ ረብሓ ኩሉ ህዝብና ኣብ ምቛም ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ስለዝዀነ በዚ ኣጋጣሚዚ እወታዊ ግደኦም ከበርክቱ ንጽውዖም።

ናይ መንእሰአያት ህዝባዊ ምልዕዓል፡ብርጌድ ንሓመዱ ንራዕድን ፍርሕን ቀንጢጡ ኣብ ስልትታቱ ክቕይሮ ዘለዎ ንገራት እኳ እንተለዎ፡ ንገባቲ ስርዓት ምብድሁ ኣዚዩ ዝንኣድ'ዩ።  ካብ ዝሓለፈ ተመክሮና ዝጠቕሞ ነገራት ከነካፍሎ እንኽእሎ ነገራት ኣሎና። ተቐባል ሕድሪ እወ ተካኢ ወለዶ ብዕቱብ ተላዒሉ ምህላዉ ንፍናንና ክብ ዘብል ተረኽቦ ምዃኑ እንዳገለጽኩ ጸላኢ ኣትዩ ፋሕፋሕ ካየብሎም መስርዖም ክስጥሙን ብምክብባር ብምጽውዋር ብልዝብ ንፍልልያቶም ክፈትሑን ንዝተኸልዎ ዓንዲ-ሕጊ ምእዙዛት ክዀኑን ብዚ ኣጋጣሚዚ ንምዕዶም።

እንተ'ቶም ዑቝባ ሓቲቶም ክነሶም ንሕና ምስ መንግስትና ዝብሉ ካልእ ኩሉ ገዲፎም ንጠቕሞም ክብሉ ኢዶምን እግሮምን መልሓሶምን  ክዕቅቡ ነተሓሳስቦም። ንምዕዶና ነጺጎም ናይ ጥፍኣት መገዲ ክቕጽሉ ምስ ዝመርጹ ሳዕቤኑ ሓደገኛ ምዃኑ ነጠንቅቖም።

ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ሓሓሊፉ ዝርከብ ዓመጻዊ ስጉምታት ተወጊዱ ንፍልልያት ብልዝብ ናይ ምፍታሕ ባህሊ ክዝውተር ንጽውዕ።

ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝርከብ ህዝብና ቃልስታቱ ኣወሃሂዱ ንምልኪ ደርብዩ፥ ኣብዝሖ ሰልፍታት ዘአንግድ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓተ ምሕደራ ክተክል ክለዓል ንጽውዕ።

ሰራዊት ኤርትራ መሳርሒ ምልኪ ካብ ምዃን ነብሱ ሓራ ክገብርን  ከም ኣካል ናይ ውጹዕ ህዝብና፡ ኣብ ጎድኒ ህዝቢ ተሰሊፉ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ግዴኡ ከበርክትን ንጽውዕ።

ዓወት ንፍትሓውን ዲሞክራስያውን ቃልሲ ህዝብና!!

ውድቀት ንገባቲ ስርዓት ኤርትራ!!

ብሓድነት ንሓርነት!

ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

Last modified on Monday, 12 August 2024 12:28