ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ክኽሰሱ

2024-04-23 07:27:23 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 151 times

ኣብ ኢትዮጵያ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ኣብ ውግእ ትግራይ ገበን ዝፈጸሙ ኣካላት ብኸመይ ተሓተቲ ይኹኑ ዝብል ዛዕባ ኣከራኸርቲ ኮይኖም ካብ ዝጸንሑ ሓደ እዩ። ነዚ ጉዳይ ከጻሪ ብደረጃ ሕቡራት ሃገራት ተመስሪቱ ዝነበረ ኣጻራይ ኣካል ስርሑ ምስ ኣቋረጸ፡ ከም መተካእታ ኮይኑ ቀሪቡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ክዝረበሉ ዝጸንሐ መተካእታ “ብናይ መሰጋገሪ ፍትሒ መስርሕ ክረአ” ብዝብል  ምዃኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ ኣሎ።

እቲ ተግባር ኣብ ኢትዮጵያ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ቆይምሉ ክረአ ዝብል ሓስብኳ እንተነብረ፡ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ ብ17 ማዝያ 2024 ብዝወሰኖ መሰረት እቲ ገበን ዝረኣየሉ ስሩዕ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ኮይኑ፡ ኣብ ትሕቲኡ ፍሉይ መጋባእያ ንክኽፈተሉ ዝብል ምዃኑ ተፈሊጡ።

ኣብቲ ውሳነ ዝተወሰነሉ መድረኽ ጉዳይ ብናይ ውግእ ገበንን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝሕተቱ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ከም ዝተላዕለን፡ እቲ ገበን ዝፈጸምሉ ቦታ ኢትዮጵያ ሰል ዝኾነ፡ ዋላ ኣብ ዘይህላወኦም ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ይረአ ምባሉ፡ ጋዜጣ ሪፖርተር ንውሳነ ናይቲ ቤት ምኽሪ ምኒስተራት ብምጥቃስ ኣብ ናይ 21 ማዝያ 2024 ሕታማ ኣፍሊጣ።

እዚ መስርሕ ብዙሓት ዝምልከቶም ምዕራባውያን ሃገራት ኣህጉራዊ ትካላትን ከይተረፉ ተቐባልነት ረኺቡ ንክቀላጠፍ ዝድፈኣሉ ዘሎ እዩ።   እንተኾነ እቲ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ መንግስቲ ኣብቲ ገበናት ተሓታቲ እናሃለወ፡ ኣብ ትሕቲኡ ዝካየድ መስርሕ ምጽራይን ፍርድን ፍትሓዊ ኣይክኸውንን እዩ ዝብል ስግኣት ዝሓደሮም ብዙሓት እዮም።

Last modified on Tuesday, 23 April 2024 09:30