ዝተመዛበሉ ተጋሩ ናብ መረበቶም ክምለሱ’ዮም

2023-08-24 08:06:13 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 595 times

ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመሰረት ውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ካብ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ዝተመዛበሉ ተጋሩ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ቦታኦም ንምምላስ ወሲኑ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ሚኒስተር ምክልኻል  ኢትዮጵያ ዶር ኣብረሃም በላይ ብ22 ነሃሰ 2023 ኣፍሊጦም። እቶም ሚኒስተር ነዚ ዝፍለጡ ብምኽንያት ክብረ በዓል ኣሸንዳ  2023 ብፈይስቡክ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓጐስ መልእኽቲ እዮም።

እቶም ሚኒስተር ኣብቲ ብዝርዝር ካብ ዘስፈርዎ ነጥብታት፡ 1ይ፡ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ከሰሓሕብ ዝጸንሐ ቦታታት ናብ ትግራይ ክምለስል እዩ።  ሕቶታት እንተልዮም ብሕገ-መንግስቲ ጥራሕ ዝምለሰሉ ኩነታት ንምርግጋጽ ይስራሕ ኣሎ። 

2ይ፡ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ዝምለሱ መራሕቲ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ኣብ ዘለዉሉ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵ  ብዝወሰኖ መሰረት እዩ።

3ይ፡ እቲ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ መረበቱ ዝምለስ ህዝቢ ሕገ-መንግስታዊ መሰሉ ተጠቒሙ ምምሕዳሩ  ባዕሉ ክምስርት እዩ :: ኣብዘን ከባብታት ካብ ሕጊ ወጻኢ ነቲ ተፈጢሩ ዝነበረ  ኩነታት ውግእ ተጠቂሙ ተመስሪቱ ዝጸንሐ ምምሕዳራት ክፈርስ እዩ። ኣብቲ ከባቢ ካብ ሓይሊታት ፀጥታ ፌደራል ወጻኢ ዝተዓጠቀ ሓይሊ ኣይክህሉን እዩ።

4ይ፡ ህዝቢ ድልዊ ኣብ ዝኾነሉ ብናቱ ውሳነ ብዘይተጽዕኖ፡ ብመሰረት ሕገመንግስቲ  ረፈረንደም ዘካይደሉ  ኩነታት ክፍጠር ይኽእል። ዝብሉ ነጥብታት ይርከብዎ።

ድሕሪ ስምምዕ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንተመዛበልቲ ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ዝምልከት ብዝለዓለ በዓል መዚ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ  ብኸምዚ ደረጃ ክግለጽ ናይ መጀመርያ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ’ለዉ።

 

 

 

Last modified on Thursday, 24 August 2023 10:10