ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ልዕሊ 4ሺሕ ምሩኻት ውግእ ክፈትሕ ወሲኑ

2022-05-20 07:57:55 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 966 times

ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ካብቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ  ምሩኻት ወተሃደራት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ልዕሊ 4 ሺሕ ክፈትሕ ከም ዝወሰነን ካብቶም ዝፍትሑ 401 ደቂ ኣንስትዮ ምዃነንን ድምጺ ወያነ ትግራይ ኣብ ናይ 18 ጉንበት 2022 ዜናኣ  ገሊጻ። ድምጺ ወያነ ትግራይ ከም ምንጪ ዜናኣ ዝጠቐሰቶም ኣተሓባባሪ ጉዳይ ምሩኻት ኣቶ ብርሃነ ከበደ፡ እቶም ዝፍትሑ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈጸምዎ ክብደት ገበን ዝተጻረዩ ምዃኖም ሓቢሮም።

ኣቶ ብርሃነ ከበደ ከም ዝሓበርዎ እዞም ብምሕረት ዝፍትሑ ምሩኻት ወታደራት መብዛሕትኦም ካብ ክልል ትግራይ ወጻኢ ኣብ ዝተኻየዱ ውግኣት ዝተማረኹን ኣብ ውትድርና ነዊሕ ግዜ ዘየገልገሉ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ብ2013ን 2014ን ተገዲዶም ዝተሰለፉን እዮም።

እቶም ዝፍትሑ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝጸንሕሉ ብፍላይ ብመንጽር ተሳትፎ ኣብ ምጽናት ዓሌት፡ ምጽራይ ዝተኻየደሎም ምዃኖምን ቀንዲ ምኽንያት መፍትሒኦም ከኣ፡ ታሪኽ፡ ስነ ልቦና፡ ስብእናን ኣተሓሳስባን ትግራይ ዝለዓለ ምዃኑ ንምርኣይ ዝውሰደ ስጉምቲ ምዃኑ እቲ ዜና ድምጺ ወያነ ትግራይ ብተወሳኺ ኣመልኪቱ።

ካብቶም ናይ ምሕረት ዕድል ዝተዋህቦም፡ ብምኽንያት ብወሊድን ሕማምን ካልእን  ዘለዉዎ  ጸገም ኣብ ግምት ብምእታው ምዃኑ ዝጠቐሱ ኣቶ ብርሃነ ከበደ፡ ህዝቢ ትግራይ ይቕረ በሃላይ፡ ብሰብኣውነት ዝግደስን ብደረጃ ኣተሓሳስባ ሒዝዎ ዝመጸ ምዃኑን ንምርኣይን እዩ ኢሎም።

እቲ ዜና ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ እዋንዚ  ኣብ ኣዝዩ ዝለዓለ ጸገም እናሃለወን ንገዛእ ርእሱ እናጠመየን ጸገሙ ተጻዊሩ፡ ነዞም ምሩኻት ካብታ ዘላቶ ይቕልቦምን የሕክሞምን  ከም ዘሎን ንመጻኢ እውን ከም ዝቕጽሎ ጠቒሱ። እዚ ከኣ  ብመንጽር ዓለም ለኻዊ ሕጊ ኣተሓሕዛ ምሩኻት ዝካየድ ዘሎ ምዃኑ ኣቶ ብርሃነ ከበደ ሓቢሮም።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሓያሎ ነቲ ኩነታት ዝተኸታተሉ ወገናት እዞም ልሚ ብምሕረት ዝፍትሑ ዘለዉ እንደጋና ጽባሕ ተመሊሶም ንህዝቢ ትግራይ ከይወግእዎ እንታይ ውሕስነት ኣለዎ ብዝብል ነቲ ውሳነ ነቒፈምዎ ኣለዉ።

Last modified on Friday, 20 May 2022 10:01