ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት፡ ግብጺ ኤርትራውያን ምጥራዛ ኮኒኖም፡

2022-04-15 20:59:38 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 847 times

ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት (UN experts)፡ ግብጺ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቑባን ብቐጻሊ ኣገዲዳ ናብ ኤርትራ ትመልስ ምህላዋ ኮኒኖም፡ ካብዚ ተግባራ ክትዕቀብ ብ13 ማዝያ 2022 ካብ ጀነቫ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ጸዊዖም።

እቶም ክኢላታት በቲ ኣብ ግብጺ  ከም ፖሊሲ ዝውሰድ ዘሎ እሞ ሓለፍቲ ዝወስድዎ ዘለዉ፡  ጃምላውን ቀጻልን  ኤርትራውያን ኣገድዲድካ ምጥራዝ ብመንጽር  ዓለም ለኻዊ ሕግታት ዝፍጽምዎ ዘለዉ ጥሕሰታት ብዝለዓለ ደረጃ ከም ዘተሓሳስቦም ሓቢሮም።

ብመሰረት እቶም ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ዝሃብዎ መግለጺ፡ “ጃምላዊ ምስጓግ ብመንጽር ዓለም ለኻዊ ሰብኣዊ ሕጊ ክልኩል እዩ። ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፍጸም፡ ምስቓይን፡ ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ፡ ግዱድ ምስዋርን ዝኣመሰለን በደላት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ መሰላት ብግቡእ ተመዝጊቡ ዘሎ እዩ።” ብዝብል ተገሊጸምዎ።

ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 2021 ክሳብ ሎሚ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ኤርትራውያን ምስተመለሱ ከጋጥሞም ዝኽእል ሓደጋ ብዘይምጽናዕ ብውሕዱ 68  ካብ ግብጺ ናብ ኤርትራ ተገዲዶም ከም ዝተመልሱ እዞም ክኢላታት ኣፍሊጦም።

 እቶም ክኢላታት “ሓለፍቲ ኤርትራ ብዛዕባ ሃለዋት እቶም ተገዲዶም ካብ ግብጺ ዝተመልሱ ዝምልከት ሓበሬታ ክህቡ ጸዊዕና ኢና” ኢሎም፡ እንተኾነ ዝኾነ ሓበሬታ ከም ዘይረኸቡን ናብቲ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ ግንባር ተግራይ ተወሲዶም ከይኮኑ ስግኣት ከም ዘለዎምን ተቒሶም።

ናይቶም ክኢላታት መግለጺ ከም ዝሕብሮ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ካብ ኣዋርሕ ክሳብ ዓመታት ኣብ መደበራት ፖሊስን መዳጐኒ ማእከላትን ግብጺ ከም ዝእሰሩ ሓቢሩ። ምስቲ ማእሰርቶም እኹል መሰረታዊ ቀረብ  መግቢ፡ ማይን መሳርሒ ጽሬትን ከም ዘይቀርበሎም ኣቃሊዖም።

ግብጺ ኣካል ናይቲ ብ1951 ዝጸደቐሰብኣዊ ሕጊኳ እንተኾነት፡ መሰል ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን ዝኽብር ግቡእ መስመር ከምዘየብላ ኣብቲ መግለጺ ተጠቒሱ። በዚ መሰረት ግዳይ ናይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዝከላኸል ኣሰራርሓ ከምዘየብላ እውን ተሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ እዞም ክኢላታት፡ ሓለፍቲ ግብጺ ኤርትራውያን ኣገዲዶም ከይጥርዙ ደጊሞም ኣዘካኺሮም። ኣብ ክንድኡ ብመንጽር ንግብጺ ዝምልከት ቅርቡነት ምኽባር ዓለም ለኻዊ ሕግታት ግቡእ ሓለዋ ክገብርሎም ጸዊዖም። እዞም መግለጺ ዘውጽኡ ክኢላታት፡ ሃገራት ብመንጽር ዓለም ለኻዊ ሕግታት ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ከመይ ከም ዝመስል ዝዕዘቡ ኮይኖም፡ ብጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ቅድሚ ሕጂ ምስ ሓለፍቲ ግብጺ ተራኺቦም እዮም።

Last modified on Friday, 15 April 2022 23:08