ምስጢራዊ መገሻ ልኡኽ ህደፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ

2022-03-16 08:09:03 Written by  ቤት ጽሕፈት ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 981 times

ምስጢራዊ ልኡኽ ጉጅለ ህግደፍ ቅድሚ ሓደ ወርሒ  ናብ ኣዲስ ኣበባ ገይሹ ከም ዝነበረ፡  ኢትዮ-ፎረም ዝበሃል ዘይመንግስታዊ መድያ፡ መጽሐት ፎረይን ፖሊሲ ብምጥቃስ፡ ኣብ ናይ 15 መጋቢት 2022 ፈነውኡ ሓቢሩ። በቲ ሓበሬታ መሰረት፡ ናይዚ ምስጢራዊ  ልኡኽ ኣባላት እቶም ልሙዳት፡ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራን ኣቶ የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ናይ ህግደፍ ፖለቲካዊ ሓላፍን ፖለቲካዊ ኣማኻሪ ዲክታተር  ኢሳያስ ኣፈወርቅን እዮም።

ኢትዮ-ፎረም ከም ዘስፈሮ፡ ናይዚ ምስጢራዊ መገሻ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዓላማ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝርከቡ ምዕራባውያን ዲፕሎማት ንምርኻብ እዩ ነይሩ። ምስጢራዊ ልኡኽ ህግደፍ፡ ኣብቲ ምስ ምዕራባውያን ዲፕሎማት ዘካየዶ ርክባት፡ ህግደፍ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ-ትግራይ ክኣትው እንከሎ፡ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ውግእ ክሳብ ዝውዳእ ብሓባር ክቕጽሉ ስምምዕ ከም ዝነበሮም ገሊጹ።  ብናይ ህግደፍ ልኡኽ ተረድኦ ናይቲ ውግእ መወዳእታ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ክሳብ ዝጠፍእ ምቕጻል ከም ዝነበረ ብምጥቃስ፡ ኣብዚ እዋንዚ ምዕራባውያን መግስታት ንመንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡  “ውግእ እንተቐጺልካ ረዲአትን ልቃሕን ከነቋርጸልካ ኢና” ይብልዎ ስለ ዘለዉ ዝተበገሰሉ ዕላማ ከየዕወተ፡ ናይ  ዘተ መፍትሒ መንገዲ  ይመርጽ ኣሎ። ስለዚ  እዚ ተጽዕኖኹም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቋርጹልና ናይ ምባል ዓሻ ተልእኮ  ከም ዝነበረ እቲ ዜና ኣስፊሩ።

ምስዚ ብምትሕሓዝ ህግደፍ፡ ኣምሓራ ኣብቲ “ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ምጥፋእ” ዝብል ዕላማ ጸኒዑ ከም ዘሎን ህግደፍ ንኣምሓራ ንምስልጣንን ምዕጣቕን መደብኳ እንተለዎ፡ እንተኾነ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ውግእ ክቕጽል ቅሩብ ሰለ ዘይኮነ፡ እቲ ንሰራዊት ትግራይ ምስዓር ወይ ዕጥቂ ናይ ምፍታሕ ዝብል መደብ ክትግበር ከምዘይከኣለ፡ እዚ ሕቡእ ልኡኽ ህግደፍ ብዘይሕፍረት ንምዕራባውያን ዲፕሎማት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምጥቃስ ምሕጽንታ ከም ዘቕረበን ሰማዒ እዝኒ ከምዘይረኸበን ዜና ኢትዮ-ፎረም ገሊጹ።።

እቲ ዜና ኢትዮ-ፎረም ኣብ መወዳእታ ከም ዝጠቐሶ፡ ናይ ዞባ ቅርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ክረጋገጽ እንተኮይኑ፡ ናይ ኤርትራ ብጽሒት ወሳኒ ስለ ዝኾነ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ንርኢቶ ህግደፍ ኣብ ግምት ኣእትየን ተጽዕነኦን ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከልዕላን እቲ ውግእ ሰራዊት ትግራይ ዕጥቁ ክሳብ ዝፈትሕ ንክቕጽል ዕድል ንክህባን ከም ዝተማሕጸነ ተጠቒሱ።

Last modified on Wednesday, 16 March 2022 09:11