ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ምዕዋት ቃልሲ

2022-03-06 11:34:44 Written by  ሓይሊ ዕማም ሚድያ ፖሓኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 963 times

ደቂ ኣንስትዮ  ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ብምዃነን ጥራይ ዘይኮነስ ዝተደራረበ ወጽዓውን ስለዘለወን ንሳተን ዘይተሳተፈኦ ዝዕወት ናይ ለውጢ መስርሕ የለን። ብመሰረቱ’ውን ወሳኒ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ ህይወት ወዲ ሰብ ርኡይ እዩ። ይኹን እምበር ንነዊሕ ዘበናት መሰለን ከም ሰብ ተንፊግወን፡ ነብሰን ክመርሓ ከምዘይክእላ ተቘጺረን፡ ኣገልገልቲ ወዲ ተባዕታይ ኰይነን ይነብራ ነይረን። ካብዚ ድርብ ወጽዓ ብቃልሲ ናጻ ንክወጻ ብዝሓዘኦ ናይ ቃልሲ ጕዕዞ፤ 8 መጋቢት ምልክት ዓለም ለኻዊ ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ክትከውን ወሲነን።  8 መጋቢት ናብዚ ደረጃዚ ዝማዕበለት ድሕሪ ነዊሕ ውረድ ደይብን መሪር ቃልስን እዩ። እቲ ናብዚ ዘብጸሐ ታሪኻዊ መስርሕ ኣዝዩ ሰፊሕ ስለ ዝኾነ፡ ካብ ማይ ባሕሪ ብጭልፋ ንምጥቃስ እንተዘይኮይኑ ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። በዚ መሰረት እዛ ዕለት ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታትን  ዝተፈላለየ ዕለታትን ክትዝከር ድሕሪ ምጽናሕ፡ እታ ብ1913 ዝጀመረት 8 መጋቢት ብደረጃ ዓለም ክሳብ ሎሚ ኣህጉራዊት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮይና ትዝከር ኣላ። ብ1975 ከኣ ንመጀመርያ ግዜ 8 መጋቢት ብደረጃ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ብወግዒ ክትክበር ክኢላ።

ግደ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ቃልሲ ንናጽነት ወሳኒ ነይሩ። እንተኾነ ካብ ምዕዋት እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ሃገራዊ ነጻነት  ሓሊፉ፡ እቲ ናይ ርሑቕ ራኢ ሓርነትን ማዕርነትን ደቂ ሰባት፡  ፤ በቲ ካብ ህዝቢ መንዚዑ ፍረ ናጽነት ዝጨወየ ጉጅለ ተኾሊፉ እዩ። ነቲ ጥልመት ዝብድህ ኣርሒቑ ዝጥምት ንቕሓትን ውዳበን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣይነበረንን። ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዘይኮነ፡  መላእ ህዝቢ ኤርትራ’ውን በቲ ዲክታተር ኢሳያስ ዝመርሖ ዘሎ ጉጅለ ከም ዝተጠልመ ርዱእ እዩ። ናይቲ ጥልመት ስንብራት ኣብ ልዕሊተን ኣንጻር ድርብ ወጽዓ ክቃለሳ ዝጸንሓ ደቂ ኣንስትዮ ዝኸበደ ከም ዝኾነ ከኣ ጋና  ጽንብል ነጻነት ክይተወድኤ  ዝተራእየን ዝረአ ዘሎን እዩ።

ታሪኻዊ ኣመጻጽኣን ኣገዳስነትን ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት ነባሪ እዩ። ምኽንያቱ ዕላማታት 8 መጋቢት ጋና ኣይተረጋገጸን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ንድሕሪት ንምምላሱ ዝግበር ፈተነታት’ውን ህያው ስለዝኾነ። እቲ ዝዝከረሉ ኩነታት ግና ከከምቲ ህልዊ ምዕባለ ናይቲ ዓመት ክፈላለ ናይ ግድን እዩ። ብመጽርዚ ናይ ሎሚ ዓመት 8 መጋቢት 2022 ከም ናይ ዓሚ ኣብ ሃገርና ወጽዓ ህግደፍ ምረቱ ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ህዝብና፡ ብፍላይ ከኣ  ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮን ብዝገደደ ቀጻሊ ኣብ ዝሃለወሉ ኢና ንዝክራ ዘለና። ኮታ ኣብ  ርእሲቲ ሱር ሰዲዱ ዝጸንሐ ብዙሕ ገጻት ዘለዎ  ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ተወሳኺ ሕሰም ኣብ ዘለዎ ኢና ንዝክራ ዘለና። ክታበት ዝተነፍጎ ለበዳ ኮረናቫይርስ  ናይቲ ብዙሕ ገጻት ዘለዎ ማሕበረ ቁጠባዊ ጸገም ምድርራብ  ዘርኢ እዩ። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዘኸትሎ ኣሉታዊ ሳዕቤን ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ንርእዮን ንሰምዖን ዘለና እዩ።  ኤርትራውያን ኣደታት ሰብሓዳረንን መንእሰያት ደቀንን ብግዴታ ተዓስኪሮም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ኢትዮዮጵያ ብምእታዎም  ኣብ ኣዝዩ ዓሚቕ ሻቕሎት ኣብ ዘለዋሉ እያ 8 መጋቢት 2022 ትዝከር ዘላ። ነዚ ሻቕሎተን ናብ ግብራዊ ብደሆ ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ክቕይረኦን እተን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ደድሕሪ ህግደፍ ዝዓብዳ ናብቲ ውጹዕ  ህዝበን ክውግናን ከኣ ኣብ ቅነ እዛ ተሪኻዊት ዕለት ቃልሰን ከም ወትሩ ንምሕያል ቃል ክኣትዋ ፖለቲኻዊ ሓይልታት ኤርትራ እንኳዕ ናብ 8 መጋቢት ኣብጸሓክን እናበለ፡ መጸዋዕታኡ የቕርበለን። እዚ ኣብኣተን ዝድረት ዘይኮነስ፡ ንመላእ ሕብረተሰብ ዝምልከት ናይ ቃልሲ መጸዋዕታ ምዃኑ’ውን ክዝንጋዕ የብሉን።

8 መጋቢት ደቂ ኣንስትዮ ዝሓለፈ ቃልስን ኣብ መስርሕ ዝተዓወተ ሸቶን ንከይርሳዕ ዝዝክራላ እምበር፡ ዝሓለፈ ወጽዓአን ምዝርዛር ከም ቀንዲ ኣጀንዳአን ዝወስዳላ ዕለት ኣይኮነትን። ብኣንጻሩ ናይ ዝሓለፈ ተመኩሮ ዝመዝናላ፡ ናብ ብሩህ ማዕረ ተሳተፍነትን ተጠቃምነትን ዝመርሕ መንገዲ ዝሕዛላ መዓልቲ እያ ክትከውን ዝግበኣ። ደቂ ኣንስትዮ ተቓሊሰን ካብቲ ድርብ ወጽዓ ምእንቲ ናጻ ክወጻ፡ ደቂ ተባዕትዮ ብንቕሓትን ኣፍልጦን ኣብ ጐነን ናይ ምስላፎም ሓላፍነተን ዘይስገር እዩ። ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮ ተሓባበርቶም እምበር፡ መተሃላልኽቶም ከም ዘይኮና፡ ደቂ ኣንስትዮ እውን፡ ደቂ ተባዕትዮ መተሃላልኽተን ዘይኮኑስ ተደጋገፍተን ምዃኖም ተገንዚበን፡ ነዚ ዘብቅዕ ካብ ድሑር ኣተሓሳስባ ናጻ ዝኾነ ስልጡን ኣቀራርባን ኣተሓሳስባን ክሕዙ ግድን’ዩ። ብፍላይ ደቂ ተባዕትዮ ካብቲ ጸኒሓዊ ኣመለኻኽታ ወጺኦም፡ ተጠቀምቲ ናይቲ ብደቂ ኣንስትዮ ዝረጋገጽ ዲሞክራስያውን ማሕበራውን ለውጢ ምዃኖም ተገንዚቦም ብማዕሪኡ ኣብ ጐነን ክስለፉ ይግበኦም።

ኣብ ኤርትራ ምልኪ ኣወጊድካ ብዲሞክራስያዊ ምምሕዳር ንምትካእ ነካይዶ ዘሎ  ቃልሲ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ  ቀንዲ ኣካል እየን። ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ድሩት ምዃኑ ካብቲ ቀንዲ ሕጽረታት ሓይልታት ለውጢ ኣብ ቅድሚት ዝስራዕ እዩ። ካብዚ ንምውጻእ ዝግበር ጻዕሪ ከኣ ዘይንሃድመሉ ብደሆ እዩ። ተሳትፎአን ኣብዚ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ናይ ለውጢ ቃልሲ፡ ደቂ ኣንስትዮ ፍርቂ ኣካል ሕብረተሰብ ክነሰን ድሩት ምዃኑ መጽናዕቲ ዘድልዮኳ እንተኮነ ትሑት ምህላዉ ግና ባዕላተን እውን ዝርደአኦን መፍትሒ ንምርካብ ዝቃለሳሉ ዘለዋን እዩ። ስለዚ ብፍላይ ኣብዚ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ)፡ ዘሰማምዕዎን ዝፈላልይዎን ብግቡእ መዚኑ ነቲ  ዘሰማምዖ ቀዳምነት ሂቡ፡  ሰፊሕ ጽላል መስሪቱ ቃልሱ ዝያዳ ንምሕያል  ዝቀራረብሉ ዘሎ ወሳኒ መድረኽ፡ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣበርክቶአን ብምሕያል  ናይ መጻኢ ቃልሰን ዋሕስ ዝኸውን ማሕበራት ከሕይላን ዘኽእለን ሰፊሕ ውዳበ ክምስርታ በዚ ኣጋጣሚ ፖሓኤ ይጽወዐን።

8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ንዘለኣለም ትንበር!

ዕላማታት 8 መጋቢት ንምርግጋጽ ንረባረብ!

ዘለኣለማዊ ክብርን መጐስን ንሰማእታት ኤርትራ!

Last modified on Sunday, 06 March 2022 12:37