ሎሚ’ውን ውግእ መፍትሒ ኣይኮነን!

2022-02-27 16:10:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 722 times

ውግእ ብሃንደበት ዝኽሰት ዘይኮነ፡ መቐጸልታ  ኣቐዲሙ ክሕቆን ዝጸንሐ  ናይ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ፍልልይ እዩ። እቲ ውግእ ዘኸትል ፖለቲካዊ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ብስቱር እሞ ከኣ ብናይ ውሑዳት ተሳትፎ ዝኽሰት እዩ። ሓደጋ ውግእ፡ እቲ  ብሕቡእ ክሕቆን ዝጸንሐ ፍልልይ ኣብ ዕጽዊ ደረጃ በጺሑ ናብ ምንጽጻግ ምስ ማዕበለ ግና ኣብ ውሱን ክሊ ዝስተር ዘይኮነ፡ ቅሉዕ ይኸውን እሞ ንብዙሓት የሰነብድ። ኣብ ከምዚ ኩነታት እቲ ውግእ ብሃንደበት ዝተኸስተ መሲልዎም ዝግረሙን ዘዕለብጡን  ብዙሓት እዮም።

ውግእ ኣሰንባድን ኣሻቓልን ዝኸውን፡ መርኣያ በሊሕ ፍልልይ ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ ህይወት ብዙሓት ዝቐዝፍ፡ ንብረት ዘዕኑን ብቐሊሉ ዘይሓዊ ናይ ጽልኢ ስንብራት ዝገድፍን ስለ ዝኾነ እዩ። ሳዕቤን ውግእ ኣብቶም ዓጢቖም ኣብ ግንባር ዝቃተሉ ጥራይ ዝድረት ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ኣብ ርእሲ እቲ ነቲ ውግእ ዘየንቀደን ምኽንያት ዘይኮነን ህዝቢ እውን ሓደጋ ሞት፡ ዕንወት ንብረት፡ ምምዝባልን ስደትን ዘኸትል እዩ። ብሰንኪ ውግእ ዝተፈጥረ ስንብራት ከምቲ ኣጀማምራ ውግእ ብቐሊሉ ዝሓዊ ዘይኮነ፡ ነዊሕ ግዜ ዝወስድን ክቡር ዋጋ ዘኽፍልን እዩ። ኣተሓሕዛኡ ውሕሉል እንተዘይኮይኑ ድማ ሕዱር ጽልእን ምፍልላይን ዘኸትል ምርሕሓቕ ዘተባብዕ ምዃኑ ዘይዝንጋዕ እዩ።

እቲ ሰኣን ብግቡእ ምምሕዳር ውግእ ዘኸትል ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ምፍጣሩ፡ እምብዛ ሕማቕ ኣይኮነን። እቲ ጸገም ዝኸውን እቶም ሓሳብ ናብ ዕዳጋ ዘውርዱ ሸየጥቲ እምበር ዓደግቲ ክኾኑ ዘይቅሩባት ክኾኑ እንከለዉ እዩ። ነዚ ዘምጸኦ ከኣ ካብ መትከል “ሰዓራይን ሰዓራይን” ወጺእካ ናይ “ሰዓራይን ተሰዓራይን” ዘይሓላፍነታዊ መንገዲ ክተሓዝ እንከሎ እዩ። ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ከጋጥም እንከሎ፡ እንተደኣ ሓደ ኣካል ንናተይ ርኢቶ መወዳድርቲ የብሉን ብዝብል፡ ፍጹማዊ መንገዲ ሒዙ ዘኸትሎ ሳዕቤን ዘሳኒ ኣይኮነን። ብፍላይ ከኣ እቲ ናቱ ሓሳብ ዝውንን ኣካል “ናተይ ጥራይ እዩ ፍጹምን ቅኑዕን” ዝብል መርገጺ ሒዙ እንተ ደሪቑ ብሓባር ዘዕውትዎ፡ መራኸቢ ማእከላይ ፍታሕ ንምርካብ ክሳብ ክንደይ ከም ዘረሓሕቕ ምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን። “ናተይ ሓሳብ ቅኑዕ እዩ” ዝብል ጽኑዕ መርግጽ ምሓዝኳ ዘየጸግምን መሰልን  እንተኾነ፡ “ምናልባት ኣብቲ ካብ ናተይ ዝተፈልየ ሓሳብ ዘለዎ ኣካል እውን ሓቅነት ከይህሉ” ኢልካ ንዓኡ ኣብ ግምት ዘእተወ  ሓሳብ ንምቕባል ክፉት ቦታ ምግዳፍ ቅኑዕ መንገዲ እዩ።

ንሓደ ሓሳብ ብኹሉ መልክዓቱ ከይመዘንካ፡ ብስምዒት ተዓብሊልካ፡ “እታ ሓቂ ኣባይ ጥራይ እያ  ዘላ” ኢልካ ምድራቕ ናብ ውግእ እዩ ዝወስድ። ብሰንክቲ ብስምዒትን ህልኽን ዝኽፈት ውግእ ህይወት ይጠፍእ፡ ንብረት ይዓኑ፡ ዝነበረካ ተቐባልነት የስእን። ኮታ ክሳራ ኣብ ኩሉ መዳያት ሰማይ ይዓርግ። ድሕሪ ክሳራ ስለምንታ ከሲረ? ሕጂኸ ካብዚ ክሳራ ብኸመይ እየ ክወጽእ? ዝብሉ ሕቶታት ከኣ ደፊኦም ይመጽኡ። ብውግእ ኣብ ዝሰኸርካሉ ህሞት ጸማም እዝኒ ሂብካዮ ዝነበርካ ክነሱ፡ ዓወት ምስ ረሓቐካ ንሰላማዊ መፍትሒ ከተስተብህለሉ፡ ምናልባት እውን ክትዝምረሉ ግድን ይኸውን። ምኽንያቱ ንሱ እንኮ መዋጽኦ ኮይኑ ቀሪቡካ ኣሎ ማለት እዩ።

ኣብ ውግእ  ክዳመዩ ዝጸንሑ ወገናት፡ ዘየዋጽኦም ምዃኑ ምስ ረኣዩ፡ ዘጋጠሞም ክሳራ ጸብጺቦም ድዮም ወይ ንቐጻሊ ሚዛን ሓይሎም ሓደገኛ ምዃኑ ተረዲኦም ቃና ቀይሮም ምእንቲ ሰላምን ዘተን ክጽውዑ ልሙድ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣቐዲሞም ንትርጉም ውግእ ከም መፍትሒ ዘይተቐበሉ ኣካላት ነቶም ኣብ ውግእ ክዋስኡ ዝጸንሑ ደሓር ግና ስዕረት ድዩ ልቦና ደሪኽዎም ናይ ሰላም ጭረሖ ዘቃልሑ “ናብዚ ምምጻእኩም ዘይተርፍ ደኣ፡ ህይወት ከይሃለቐ፡ ንብረት ከይዓነወን ቅርሕንቲ ከይሳዕረረን ዘይምገበርኩምዎ?” ዝብል ሕቶ ከቕርብሎም ንቡር እዩ። እንተዝከኣል ከምኡ እንተዝኸውን እቲ ዝያዳ ተመራጺ ምዃኑ ዘረዳድእ እዩ። እንተኾነ ከምቲ “ምስ ሓመምካሲ፡ ኣሕውየኒ እምበር፡ ንድሕሪት ተመሊስካ ስለምንታይ  ኣሕሚምካኒ? ኣይብሃልን” ዝበሃል፡  ውግእ መፍትሒ ከምዘይከውን ተገንዚቦሞ፡ “ደጊም እቲ ፍታሕ ዘተን ሰላማዊ መንገድን ምሓዝ እዩ” ንዝበለ ወገን ምትብባዕ ተመራጺ እዩ። “ስለምንታይ ኣብ ሕጂ በጺሕካ ሰላማዊ ፍታሕ መሪጽ?” ካኢልካ ምቑጣዕ ግና “በቲ ዝጀመርካዮ ኣዕናዊ ውግእ ቀጽል” ማለት ስለ ዘስምዕ ተመራጺ ኣይኮነን።  ህዝቢ ኤርትራኮ ስለምንታይ ህግደፍ ተጋግዩ ኣይኮነን እቲ ቁጠዓኡ። እንታይ ደኣ “በደልካ ንሕና እቶም ግዳያት ጥራይ ዘይኮና ዓለም እውን ዓገብ እንዳበለቶ እንከላ ናብ ልብኻ ዘይትምለስ እሞ ሓርነትና ዘይተረከብና” ዝብል እዩ ነይሩ። ኤርትራን ህዝባን ናይዚ ኣብ መንጎ ውግእን ሰላማዊ መንገድን ዘሎ ተጸራርነት ሃብታም ተመኩሮ  ዘለዎም እዩ።

ኣብ 1998-2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ውግእ ኣብቲ ግዜኡ ክሳብ ሽዑ ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝተራእዩ ዝዓበየ ውግእ ተባሂሉ ነይሩ። ብናይ ዝተፈላለዩ ወገናት ግምት ከኣ እዚ ውግእ ካልእ ክሳርኡ ገዲፍካ ዝያዳ 100 ሺሕ ህይወት ዝቐዘፈ እዩ። ድሕሪዚ ኩሉ ክሳራ ግና ናብ ዘተን መስርሕ ፍርድን ክኸይድ ግድን ኮይኑ። ኣብ 4 ሕዳር 2020 ዝጀመረን ህግደፍ ዘሊሉ ዝኣተዎን ውግእ ኢትዮጵያ-ትግራይ እውን ከምቲ ኣብ መቓብር “ደጊም ጉዕዞይ ወዲአ ኣለኹ” ተባሂሉ ዝጸሓፍ፡ መስርሕ ምቅትታሉ ወዲኡ መልክዕ ዘተን ሰላምን ክሕዝ ናይ ብዙሓት ወገናት ተጽዕኖ ደሪኽዎ ፈንጠርጠር ይብል ኣሎ። እቲ ውግእ ክጅመር እንከሎ ዝነበረ ናይ ተዋሳእቱ ሓድነት፡ ናብቲ ዘይተርፍ መስርሕ ሰላም ንምምላስ ፈርከሽከሽ ዝብል ዘሎ ይመስል። እቲ ኣብ ኣእምሮኡ መንገዲ ሰላም፡ ዘተን ሕድገትን ዝቓደረ መራሒ ህግደፍ ከኣ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ እውን መስርሕ ሰላምን ዘተን ዝተሓረሙ ኢትዮጵያዊ ወገናት መኻይዲ ክኾንዎ ኣብ ምቕራም ዘሎ እዩ ዝመስል። እንተ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ከምቲ ንጉዳይ ኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት ኣብዚ ቀረባ ሰሙናትኳ “ኣብዚ እዋንዚ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት ውግእ ጠጠው ብምባል እቲ ፍልልይ ብዘተ ንክፍታሕ ንዘቕረብዎ ዘለዉ ጻውዒትን ንዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕርን ኣኼባ ባይቶ ደገፉ ኣረጋጊጹ። ክልቲኦም ወገናት ንዘተን ፍታሕን ቅሩባት ክኾኑ ከኣ ጸዊዑ”  ዝበሎ፡ “ሎሚ’ውን ውግእ መፍትሒ ኣይኮነን!“ ኣብ ዝብል መርገጹ ጽኑዕ እዩ።

Last modified on Sunday, 27 February 2022 17:18