×

Warning

JUser: :_load: Unable to load user with ID: 17

ሪፖርታጅ ካልኣይ ውዕሎ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ 2014 ኣብ ፍራንክፎርት፡ ጀርመን

2014-08-26 10:59:52 Written by  Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 30458 times

ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ

ካልኣይ ውዕሎ ሰፊሕ በዓል ኤርትራ፡ ቀዳም ዕለት 09/08/2014 ልክዕ ሰዓት 1፡00 ድሕሪ ቀትሪ፡ ካብ ዝተፈላልያ ሃገራትን ከተማታትን ኤውሮጳ፡ ካብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ኣውስትራልያ፡ ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ግብጽን ሕቡራት ሃገራት ዓረብ ዓማራትን ብዝመጹ ተኻፈልቲ ኢዩ ተጀሚሩ።

እቲ ውዕሎ ንዝኽሪ እቶም ኣብ በረኻታት ሰሃራ፡ ሲና፡ ማእከላይ ባሕርን ቀይሕ ባሕርን ዝሃለቁ በሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያንን ኣፍሪቃውያንን ስደተኛታት ኣኼበኛታት ንገለ ደቓይቕ ደው ብምባል ኢዩ ተኸፊቱ። ቀጺሉ፡ ወናም ድምጻዊ ሓው ዓንዲት ዑቝባይ፡ ካብ ዓዲ እንግሊዝ፡ "በዲልካና ባሕሪ" ዘርእስቱ መሳጢ መዝሙር ንዝኽሮም ዘሚሩ።

ብድሕር'ዚ፡ ሓው ተስፋማርያም ክብርኣብ፡ ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ኣቦ መንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ኤርትራ 2014ን፡ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩን ሰላምታ ኣቕሪቡ። ብተወሳኺ ዕላማታት ፈስቲቫል 2014 እንታይ ምዃኑን ናይ'ታ ነዚ ፈስቲቫል'ዚ ምስ ጨናፍር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብምትሕብባር እተአንግድ ዲሞክራስያዊ ማሕበር ኤርትራ (Eritrean Democratic Association) ዕማማት እንታይ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ስዒቡ፡ ብኽብሪ ዝተዓደሙ ኣጋይሽ፡ ብመራሕቲ መድረኽ ፈስቲቫል፡ ሓውቲ ትዕበ ተኪኤን ኣማኒኤል በራኽን ብቋንቋ ትግርኛን ዓረብኛን በብተራ ብዝተገብረሎም ሌላን መጸዋዕታን መደረታቶም ኣስሚዖም።

ብመጀመርያ፡ ወኪል ከንቲባ ፍራንክፎርት ወይ/ ኤሪካ ፍሮይንዱሹ፡ ከምኡ'ውን፡ ተወካሊት ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ጀርመን (Social Democratic Party) ወይ/ ሲልቪያ ኩንዝ፡ ኣከታቲለን ብኩነታት ህዝብናን ሃገርናን ዘሎወን ተረድኦታት ገሊጸን።

ወይዘሮ ኤሪካ ፍሮይንድሹን (ጸጋም) ወይ/ ሲልቭያ ኩንዝ (የማን) መደረአን ከቕርባ ከለዋ። ዶክተር ኣክሊሉ ግርማይ ንመደረአን ዝተርጐመ፡ ሓውቲ ትዕበ ተኪአ ድማ መራሒት መድረኽ ኢያ

ወይዘሮ ፍሮይንድሹ፡ ካብ ከንቲባ ጀርመን ኣቶ ፒተር ፈልድማንን ካብ ባይቶ ፍራንክፈርትን ዝተላእከ ናይ ሰላምታ መልእኽቲ ኣመሓላሊፋ። ኣብ ላምፓዱዛ ዘጋጠመ ህልቂት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣሕዛኒ ኢዩ ነይሩ፣ ክድገም ድማ የብሉን ኢላ። ከንቲባ ፍራንክፈርት ንደገፍ ፈስቲቫል 2014 ዘበርከቶ ገንዘባዊ ሓገዝ ንሓው ተስፋማርያም ክብርኣብ ኣረኪባ። ቀጺላ፡ ፍራንክፈርት ናይ መጀመርያ ናይ ጀርመን ቅዋም ዝተሓንጸጸላን ብምእንጋድ ምቅብባልን ስደተኛታት ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ትስራዕ ከተማ ምዃና ኣረዲኣ። ኣብ መወዳእታ፡ ንስኹም ጥራሕ ዘይኰንኩም ካባና ትምሃሩ፡ ንሕና'ውን ካባኹም እንቐስሞ ብዙሕ ትምህርቲ ኣሎ ኢላ። ፈስቲቫልኩምን ኣብ ፍራንክፈርት እትጸንሕሎም መዓልታትን ዕዉታትን ሓጐስ ዝመልኦምን ክዀኑልኩም ብምባል ድማ መደረኣ ዛዚማ።

ወይ/ ሲልቭያ ኩንዝ ብሸነኻ፡ ብዛዕባ ታሪኽ ኣተሓሕዛ ስደተኛታት ኣብ ጀርመን ሓጺር መግለጺ ድሕሪ ምሃብ፡ ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ጀርመን፡ ስደተኛታት ብሕጋዊ ኣገባብ ናብ ጀርመን ዝኣትዉሉ ኵነታት ንኽፍጠር ኣበርቲዑ ይቃለስ ምህላዉ ኣብሪሃ። ኣብ ርእስ'ዚ፡ ካብ ክርስትያናዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ጀርመን (CDU) እተላእከ ናይ ደገፍ መልእኽቲ ተነቢቡ።

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰዲህኤ፡ ብቐዳምነት፡ ንክቡራት ዕዱማት ኣጋይሽ ፈስቲቫል ሰላምታ ኣቕሪቡ። ኣስዒቡ፡ ነቲ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ህልው ኵነታት ሃገርናን ህዝብናን፡ ከምኡ'ውን ሃለዋት ደምበ ተቓውሞን ንጥፈታት ሰልፍን ዝምልከት መደረ ኣስሚዑ። ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ፡ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ንምውዳቕን ብፍትሓውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ንምትካኡን ዘኽእል ጻዕርታት ነካይድ ኣለና ዝብል በዳሂ ሕቶ'ውን ኣቕሪቡ። (ምሉእ ትሕዝቶ ናይ'ቲ መግለጺ፡ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ከነስዕበልኩም ኢና)።

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ቃል ሰዲህኤ እናሃበ  እንከሎ

ብድሕር'ዚ፡ ሓው ዓብዱራሕማን ሰይድ፡ ካብ ሓው ሑመድ ኩሉ፡ ኣቦ መንበር ኣውሃሃዲት ሽማግለ ሃገራውያን ዲሞክራስያውያን ሓይልታት ኤርትራ ናብ ተኻፈልቲ ፈስቲቫል 2014 ዝተላእከ ናይ ሰላምታ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ኣብ ምዝዛም መደረኡ፡ ንዓይ ሰዲህኤ ከም'ቲ ጭርሖኡ "ናይ ኣወንታዊ ለውጢ ሓይሊ" ጥራሕ ዘይኰነስ ጽን ኢሉ ዝሰምዕ ሰልፊ እውን'ዩ ኢሉ።

 

 

ስዒቡ፡ ተወካሊ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ሓው ኢድሪስ ሑመድ፣ ተወካሊ ፈደራላዊ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኢርትራ፡ ሓው መሓመድ ዑስማን ኢድሪሳይ፣ ተወካሊ ኤርትራዊ እስላማዊ ሰልፊ ንፍትሕን ልምዓትን፡ ሓው መሓመድ ኑር ከራኒ፣ ተወካሊ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ፡ ሓው መንግስተኣብ ኣፍወርቂ፤ ተወካሊ ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ፡ ሓው ኢድሪስ ኑር፣ ተወካሊት መርበብ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ፡ ዶር ኣልማዝ ዘርኣይ፣ ኣደ መንበር ተበግሶ ናጻ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን፡ ወይ/ ኣልጋነሽ ገብረ፣ ተወካሊ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንዲሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን፡ ሓው ተስፋኣለም ኣርኣያ፣ ተወካሊ ስድሪ፡ ሓው ሱሌማን ኣደም ሑሴን፣ ተወካሊ መድረኽ ኤርትራውያን ንልዝብ፡ ሓው ዓንደብርሃን ወልደገርጊስ፣ ተወካሊት፡ ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ (EYSC)፡ ዶር ሓርነት በዅረጽዮን በብተራ ናይ ደገፍ መልእኽትን ናይ ውድባቶምን ማሕበራቶምን መርገጻት ኣብ ዝተፈላለዩ ጕዳያትን መብርሂ ሂቦም። ብዘይካ'ዚ ኣቦ መንበር ኤርትራዊ ሰልፊ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ሓው ዮውሃንስ ኣስመላሽ፣ ከምኡ'ውን፡ ኣቦ መንበር ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኵናማ ኤርትራ፡ ሓው ቀርነልዮስ፡ ብስራሕ ምኽንያት ኣብ ፈስቲቫል ክሳተፉ ከምዘይከኣሉ ብምግላጽ ፈስቲቫል 2014 ክዕወት ዘለዎም ጽቡቕ ትምኒት ብመልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ዶክተር ኣልማዝ ዘርኣይ (ጸጋም) ዶክተር ሓርነት በዅረጽየን (ማእክል) ኣቶ ተስፋኣለም ኣርኣያ (የማን)

ዶክተር ሃብተሚካአል ተኽለ ከኣ፡ ብዛዕባ ግደ ምሕዝነት ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ዓለምን ኤርትራን ኣመልኪቱ ሓጺር ሓበሬታ ሂቡ። ኣስዒቡ፡ ብጉዳይ'ቲ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዝርከብ ብሰዲህኤ ዝመሓደር ቤት ትምህርቲ ወድሸሪፈይ፡ ብስእሊ እተሰነየ መግለጺ ኣቕሪቡ። ከምኡ'ውን፡ ኣባ ማሪኖን ኣባ ገብራይን ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ኣብ ስዊስ ዝመደበሩ ማሕበር "ኣሰ"ን ነዛ ቤት ትምህርቲ'ዚኣ ዘበርከትዎ ደገፋት ገሊጹን ንኣበርክቶኦም ኣመጕሱን። ቤት ትምህርቲ ወድሸሪፈይ፡ ኣብ'ዚ ዓመት'ዚ 650 ተምሃሮ ብምምዝጋብ ናይ ትምህርቲ ዓመት ጀሚሩ ከምዘሎ ድማ ሓቢሩ። ነዚ ማሕበር ንምድጋፍ ኣብ ዝተገብረ ጐስጓስ ከባቢ 2000 ዩሮ ካብ ተኻፈልቲ ፈስቲቫል 2014 ተወፍዩ። 1000 ዩሮ ካብ'ዚ ዝተዋጽአ ገንዘብ ብተበግሶ ናጻ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ጀርመን ዝተለገሰ ኢዩ ነይሩ።

ዶክተር ሃብተሚካኤል ተኽለ

ድሕሪ ሓጺር ዕረፍቲ፡ እቲ ዉፉይ ግብጻዊ ሓው ሓምዲ ኣሕመድ ዑስማን ኣልዓዛዚ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያን፡ ሱዳናውያንን ካልኦት ኣፍሪቃውያንን ስደተኛታት ብሓፈሻ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ድማ ብፍላይ ኣብ ግብጽን ምድረበዳታት ሲና ብነጋዶ ደቂሰባት ዝተፈጸመ ግፍዕታት፡ ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ዝወድእ መግለጺ ኣቕሪቡ። ኣብ ርእስ'ዚ ብደረቕን ተንቀሳቐስን ስእልታትት ዝተሰነየ ምርኢት ናይ'ቲ ዝተፈጸመ ግፍዕታትን ብወገኑ ዝተኻየዱ ቃልስታትን ሰፊሕ መብርሂታት ሂቡ።

ኣቦ መንበር ሰዲህኤን ኣቦ መንበር ትካል ሓድሽ ወለዶ

ኣቦ ወንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንሰናይ ተግባራት ሓው ሓምዲ ኣልዓዛዚ ዝገልጽን ዝንእድን ሽልማት ሂብዎ፤ ሓው ሓምዲ ኣልዓዛዚ ከኣ ብሸነኹ፡ ንሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ምስሊ ናይ ሓደ ንታሪኽ ናይ ግብጺ ዝምዝግብ ዝነበረ ደራሲ ኣበርኪትሉ።

ኣብ መወዳእታ፡ ብሓው ዓብዱራሕማን ሰይድ ዝተማእከለ፡ ንሰለስተ ሰዓታት ዝቐጸለ ናይ ኩለን'ተን መግለጺ ዝሃባ ፖለቲካውያን ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ዓውደ ልዝብ ተኻይዱ። እቶም ንልዝብ ዝቐረቡ ኣጀንዳታት፡-

1. ነዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ንምውዳቕ ክውሰዱ ኣለዎም ዝብሃሉ ስጕምትታት እንታይ ኢዮም?

2. ቅድሚ ምውዳቕ ስርዓት ኣስመራን ድሕሪ ውድቀቱን ከጋጥሙና ዝኽእሉ ሽግራት እንታይ ኢዮም?

3. ግደ መራኸቢ ብዙሓን እንታይ ክኸውን ኣለዎ?

4. ግደ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ንምዕዛዝ እንታይ ክግበር ኣለዎ ዝብሉ ነበሩ።

ኣኼበኛታት ኣገደስቲ ሕቶታት ብምቕራብን ጠቓሚ ርእይቶታቶም ብዛዕባ'ቶም ኣብ ዓውደ ክትዕ ዝውረዱ ኣጀንዳታት ድሕሪ ምሃብን ኣብ'ቲ ናይ መዛዘሚ ጽንብል መደብ ዝዀነ ባህላዊ ምሸት ተሰጋጊሩ።

ካብ ሰዓት 11.00 ናይ ምሸት ጀሚሩ ክሳዕ ወጋሕታ፡ ሓያሎ ወናማት ድምጻውያንን ሙዚቀኛታትን ዝተኻፈልዎን ሓሓሊፉ ግጥምታትን ዋዛ ምስ ቍምነገርን ዝተሓወሶ ዕሙር ባህላዊ ምሸት ኰይኑ ሓዲሩ።

ሰንበት፡ ዕለት 10 ነሓሰ 2014 ድማ፡ ብዙሓት ተኻፈልቲ ፈስቲቫል ኣብ'ቲ ኣዳራሽ ተኣኪቦም፡ ብዛዕባ ፈስቲቫል 2014 ዘሕደረሎም ስምዒታት ናይ ዘዝነብርሉ ሃገራት ተመኵሮታትን ከለዋወጡ ኣምስዮም። ኣብ'ዚ ፈስቲቫል'ዚ፡ ካብ ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ግብጺ፡ ዓረብ ዓማራት፡ ኣውስትራልያ፡ ኣመሪካ፡ ካናዳን ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣውሮጳን ዝመጹ ተኻፈልቲ ነበሩ። ሓንቲ ካብኦም ወይ/ሳልዋ ኑር፡ (ኣብ ፓልቶክ ብኡምሪታል ዝብል ስም እትፍለጥ) ካብ ሕቡራት ሃገራት ዓረብ ዓማራት ዝመጸት፡ ናይ ካልኦት ብጾታ ናብ'ዚ ፈስቲቫል'ዚ ክሳተፉ ዝደልዩ ዝነበሩ ግን ዘይሰለጦም ኣሕዋትን ኣሓትን ንፈስቲቫል 2014 ዝኸውን ደገፍ ተማሊኣ ክትካፈል በቒዓ ኣላ።

ንሰፊሕ ፈስቲቫል ኤርትራ 2014 ኣብ ፍራንክፈርት ዝምልከት ጸብጻባት ክስዕብ ኢዩ።

Last modified on Tuesday, 26 August 2014 13:09