×

Warning

JUser: :_load: Unable to load user with ID: 17

መን ኢዩ መርበብ ሓበሬታ መስከረም.ነት

2014-08-26 10:54:16 Written by  Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 5109 times

 ጋንታ ንሓርነት (Harnnet Team)

 እዚ ጽሑፍ'ዚ ኣብ ገጻት መርበብ ሓበሬታ መስከረም ነት ሰፊሩ ዝርከብ ዓንቀጽ ኢዩ። እቲ ብቐይሕ ተጻሒፉ ዘሎ ናይ መስከረም ነት ክኸውን ከሎ፡ እቲ ሰማያዊ ድማ፡ ካብ መግለጺ 4ይ ምዱብ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተወስደ ዓንቀጽ ኢዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ንመድረኽ ናብ ኢትዮጵያ ንምእታው ድዩ እዚ ኹሉ? ፈስቲቫል ፍራንክፈርት፡ ነዚ ኣስደማሚ መፈንጥራ ባይታ ንምፍጣር? ዓቢ ትጽቢት ቦሎኛ  2014  ንምምካን? ሎምስ መን እዩ ሰልፊ ዲሚከራሲ ኢልካ ምሕታት ግዚኡ ዝኣኸለ ይመስል። መን እዩ ሰልፊ ዲሞክራሲ?

ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ካልኦት ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ዘይተወከሉ ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ዝርከብዎ ንህልዊ ኵነታትን ሃለዋት ደምበ ተቓውሞን ንምፍታሽን መፍትሒታት ምቕራብን ዝዓለመ ሰሚናር ኣብ ሓጺር ግዜ ክግበር ኣድላዪነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ርእዩ።”  መግለጺራብዓይምዱብኣኼባማእከላይባይቶሰዲህኤ፡ Tuesday, 29 July 2014 21:06

እቲ ጽሑፍ ከም'ዚ ትርእይዎ ዘለኹም ስም ጽሓፊ የብሉን። ንዜናዊ ሞያ ዘረጋግጽ ጭብጥታትን ምንጭታትን የብሉን። ንስምዒታት ናይ ህዝቢ መዝሚዙ ንነውራም ዕላማታቱ ከውዕሎ ዝገብሮ ሕሱር ፈተነን ካብ ዜናዊ ሞያን ኤቲክስን ዝርሓቐን ጽሑፍ ምዃኑ ዝዀነ ሀ...ሁ ናይ ፖለቲካ ዝፈልጥ ሰብ ክርድኦ ዝኽእል ኢዩ።

መርበብ ሓበሬታ መስከረም.ነት፡ ኣብ ቀዳሞት ዓመታት ናይ ምስራታኡ "ቀዳማይ ናይ ተቓውሞ መርበብ ሓበሬታ" (Eritrea's First Opposition Website) ዝብል ሕላገት ሒዙ ክጕዓዝ ምጽናሑ ዝዝከር ኢዩ። ኣብ'ዞም ዳሕረዎት ዓመታት ግን፡ ነዚ ሕላገት'ዚ ገዲፉ፡ ካልእ "ናይ ኤርትራ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ" (Eritrea's Mainstream Website) ዝብል ሕላገት ክሕዝ ምፍታኑ ካብ ባዶ ዝተበገሰ ኣይኰነን። ካብ ናይ ተቓውሞ ወብሳይት ናብ ኣሳሳዪ ወብሳይት ናይ ዲክታቶርያዎ ስርዓት ንምስግጋር ዝመረጽሉ ወቕቲ ምዃኑ ንምርዳኡ ብዙሕ ኣጸጋሚ ኣይኰነን።

ካብ'ዚ ሓድሽ ፖሊሲ'ዚ ብምብጋስ ድማ፡ ሓድሓደ ግዜ ብምስጢራዊ ኣስማት፡ ሓደሓደ ግዜ ድማ ብዘይ ኣስማት፡ ንደልይቲ ፍትሕን ለውጥን ዝዀኑ ሓይልታት ከጸልምን ጸለሎ ክቐብን ጸኒሑን ኣሎን። ስርዓት ኢሳያስ፡ ንነብሱ ዘጸባብቐሉ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ያኢ ውሒድዎስ፡ ከይጸውዕዎ ኣቤት ብምባል፡ ባዕሉ ኣሳሳዪን ተወሳኺ ኣፈኛን ናይ'ተን ንህዝቢ ኤርትራ ደም ዘንብዓ ዘለዋ ማዕከናት ዜና ስርዓት ኢሳያስ ክኸውን ምምራጹ ኣዝዩ ዘሕዝን ኢዩ።

ስም ብዘይብሉ ዝጽሓፍ ምሉእ ሓተታት ይኹን ቍርጽራጽ ጽሑፋት፡ ብዘይካ እቲ ኣብ ገጻቱ ዘስፈሮ መርበብ ሓበሬታ ካልእ ተሓታቲ ክህልዎ ኣይከኣልን ኢዩ። ናይ'ዚ ኣብ መእተዊ ናይ'ዚ ጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ ርእይቶ ምንጩ መስከረም ነት እምበር ካልእ ክኸውን ከምዘይክእል ብሩህ ኢዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንዅሎም ቅድሚ ሕጂ ክቓወሙ ዝጸንሑ ደለዪቲ ፍትሒ ዝዀኑ ሓይልታት ይኹኑ ወይ ኣብ'ዚ ቀረባ እዋን ዝተፈጥሩ ተቓወምቲ ሓይልታት፡ ተዋሃሂዶምን ተሓባቢሮምን ብምስራሕ ንምልካዊ ስርዓት ንምውጋዱን ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካኡን ክጽውዕ ከምዝጸንሐን፤ ንብድሕሪ ሕጂ'ውን ክጽውዕ ምዃኑን መስከረም ነት ይኹን ካልእ ከምኡ ዝእመሰሉ መሳሰዪቲ ዲክታቶርያውያን ስርዓታት ክፈልጥዎን ክርድእዎንን ዘለዎም ጕዳይ ኢዩ።

ሰዲህኤ ንፈስቲቫል ቦሎኛ 2014፡ ስምረት መንእሰያት ኤርትራ ንለውጢ ድማ ንፈስቲቭል ፍራንክፈርት 2014 ምቕባሉ (endorse) ምግባሩ መስከረም ነት ዘይሰምዖ ከይከውን፡ በዚ ኣጋጣሚ'ዚ ኣቢልና ክንሕብሮ ንፈቱ። ኣብ መንጐ ፈስቲቫል ቦሎኛን ፈስቲቫል ፍራንክፈርትን ክፈጥር ዝፈተነ ነቓዕ ግዜኡ ዘይሓለወ ደንጕዩ ዝመጸ ከንቱ ፈተነ ኢዩ።

መስከረም ነት፡ ብዛዕባ መንነት ናይ ካልኦት ቅድሚ ምዝራብ፡ ብዛዕባ መንነቱ ኢዩ ክዛረብ ዘለዎ። መን ምዃኑን ንመን ብኸመይ ኣገባብ የገልግል ምህላዉ ክገልጽ ዘለዎ መስከረም ነት እምበር ሰዲህኤ ኣይኰነን። ሰዲህኤ፡ ዕላማታቱ ብእዉጁ ኣገባብ ኣነጺሩ ዝቃለስ ዘሎ ሰልፊ ኢዩ። ንዅሎም'ቶም ዘይመልክዑ ክህብዎ ዝጽዓሩ ተጻባእቱ በዲሁ ንቕድሚት ዝምርሽ ዘሎ ሰልፊ ኢዩ። ነዚ ጕዕዞ'ዚ እተረፍ'ዶ መስከረም ነት፡ ጐይቶቱን መወልቱን እውን ክዓጽፍዎ ፈጺሞም ኣይከኣሉን።

መስከረም ነት፡ ጭርሖኡ ካብ "ተቓዋሚ ወብ ሳይት" ናብ ቀንዲ ናይ ኤርትራ ወብሳይት" ካብ ዝቐየረሉ እዋን ኣትሒዙ፡ ኣብ መንጐ ምእንቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝቃለሱ ሓይልታት ምጥርጣራት ንምዝራእ ዝዓለመ ሸርሕታትን ውዲታትን ኣብ ምፍሓስ ተጸሚዱ ከምዝጸንሐን ዘሎን ዓንቀጻቱ ክከታተል ንዝጸንሐ ሰብ ዘጋጊ ኣይኰነን።

 

Last modified on Tuesday, 26 August 2014 12:59