ዩቱብ ቻነል፡ መደበር ተለቪዥን ኤሪሳት ተዓጽዩ

2022-01-22 21:35:28 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 851 times

Erisaat 1

ናይ መደበር ተለቪዥን  ኢሪሳት ዩቱብ ቻናል፡ ምስ ተግባራት ሰርሰርቲ ብዝተተሓሓዘ ከምዝተዓጽወ ኣካየድቲ ናይታ መደበር ኣፍሊጦም። ናይዛ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበራ ማዕከን ዜና ኣካየድቲ ከም ዝበልዎ፡ እቶም ናይ መርበብ ጉሓሉ ነቲ ኣካየድቲ ኤሪሳት ክጥቀመሉ ዝጸንሑ ናይ ዩቱብ ቻነሉ ብመንገዲ ናይ ኣዳለውቱ መስመራት ብምእታው፡ ዘየድሊ ትሕዝቶታት ብምፍናው፡ እቲ  ዩቱብ ክዓጽዎ ከምዝገበሩ ገሊጾም። እንተኾነ ግን፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ምቁጽጻር ናይቶም ሰርሰርቲ ቅድሚ ምእታዉ ቀልጢፍካ ናይ ምክልኻል ስጉምቲ ከም ዝተወሰደ ኤሪሳት ሓቢራ።

"በዚ መሰረት ምእንቲ  ነቲ ቻነል ምሉእ ብምሉእ ከይድምስስዎ፡  ነቲ መፍትሕ (pssword) ናይቲ ቻነል ቀይሮም ነቲ ከጋጥም ዝኽእል ክሳራ ከም ዝንኪ ከም ዝገበሩ ኣፍሊጦም። እንተኾነ፡ እቲ ዘጋጠመ ኩነታት ምዕጻው ናይቲ ቻነል ለስዘኸተለ፡ ካልእ መደባቶም ዝፍንውሉ  መስመር ከናድዩ ኣገዲድዎም ከም ዘሎ እቲ ዜና ሓቢሩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡  ኤሪሳት፡ ጥርዓና ናብ ትካል ዩቱብ ከምዘቕረበ ተፈሊጡ። ኣካያዲ ስራሕ ኤሪሳት፡ ጋዜጠኛ ሄኖክ ተኽለ፡ ምስ ትካል ዩቱብ ይጸሓሓፉ ከም ዘለዉ ሓቢሩ፡ ክኸፍትሎም ኣብ ትጽቢት ከምዘለዉ ገሊጹ።

ክሳዕ'ቲ ኩነታት መፍትሒ ዝረክብ፡ ብካልኣይ ቻነል ፈነወታት ምዝርጋሕ ከምዝቐጸሉ እቶም ኣካየድቲ ሓቢሮም ኣለዉ። እቲ ገበን ብመን ከም ዝተፈጸመኳ እንተዘይተገለጸ፡  እቲ ስጉምቲ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ንምዕፋን ዝተወስደ ምዃኑ እታ ትካል ገሊጻ። ኣብ ጥቅምቲ 2018 ዝጀመረት ተለቪዢን ኤሪሳት ብቋንቋታት ትግርኛ፡ ዓረብ፡ ዓፋርን ብሌንን ብመንገዲ ሳተላይት ናብ ኤርትራ ፈነወ ተካይድ እያ። ኣድሚ ሕጂ ብወግዒ ስራሕ ድሕሪ ምጅማራ ዓፈና ኣጋጢምዋ ከምዝነበረን፡ ዳግማይ ኣብ 2019 ናብ ፈነወ ከምዝተመልሰትን ከኣ እቲ ዜና ኣዘኻኺሩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘጋጠመ ምቁራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክ፡ ነቲ ተለቪዥን ክከታተል ዘይክኣለ ህዝቢ ንምብጻሕ ፈነወ ሬድዮ ብሓጺር ማዕበል ከምዝጀመሩ ኣብቲ መግለጺ ኣፍሊጡ። መንግስቲ ኤርትራ ካብ መስከረም 2001 ኣትሒዙ ናጻ ፕረስ ስለዝኣገደ፡ ኣብዚ እዋንዚ ናይ ብሕቲ ትካላት ሜድያ እየን  ኣብ ስደት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራትድምጺ ህዝበን ኮይነን ዘለዋ።

Last modified on Saturday, 22 January 2022 22:37