20 ኤርትራውያን  ስደተኛታት ሰኣን ሕክምና ሞይቶም

2022-01-22 13:50:26 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 830 times

Death in refugee camps 1

ላለዋይ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መደበር ስደተኛታት ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ካብ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ሳምንታት ብሰንኪ ስእነት ሕክምና 20 ከም ዝሞቱ ብ21 ጥሪ  2022 ኣብ ጀነቫ ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ዜና ከም ዝተጠቕሰ ኣብቲ መደበራት ዘሎ ክልኒክ ዝነበሮ መድሃኒት ስለ ዝተወደአ ካብ መጀመርያ ወርሒ ጥሪ 2022 ንደሓር ተዓጽዩ እዩ።

ኣብቲ መደበራት ነዳዲ ስለ ዘየለ፡ ጽሩይ ዝስተ ማይ ንምርካብ ቡንባ ንምጥቃም ኮነ፡ ካብ ካልእ ቦታ ምምጻእ ኣይተኻእለን ኢሉ። ብሰንክዚ ድማ እቶም ስደተኛታት ቀልጢፉ ካብ ዝነጽፍ ወሓዚ ክትቀሙ ከም ዝተገደዱን እቲ ዝሰትይዎ ማይ ጠንቂ  ናይ ሕማማት ይኸውን ኣሎ ኢሉ።

እቲ ኮሚሽን ኣብቲ መግለጺኡ በቲ ኩነታት ዝሓደሮ ሻቕሎት ገሊጹ፡ ብሰንክቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ተዓጊቶም ዝጸንሑ፡ ሰራሕተኛታቱ ድሕሪቲ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙናት፡ ኣብቲ መደበራትን ከባቢኡን ዘጋጠመ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ኣብ መጀመርታዚ  ሰሙን ናብቲ መደበራት ከም ዝበጽሑ ሓቢሩ። እቶም ናብቲ መደበራት ዝኸዱ ሰራሕተኛታት ናይቲ ኮሚሽን፡ ስደተኛታት ብስእነት መግቢ ኣዝዮም ተጸጊሞም መግብን መድሃኒትን ንምርካብ ክጭነቑ ከም ዝጸንሕዎም ብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ተሓቢሩ። 

እቲ መግለጺ ናብቲ መደበራት  ስሩዕ ቀረብ ምቕራብ ተሪፉስ፡ ዝለዕለ ናይ ጥሜት ሓደጋ ኣብ ዘሻቕለሉ ደረጃ ከም ዝበጸሐ ጠቒሱ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ ዝነበረ ዕቑር መግቢ ስለ ዝተወደአ ምዃኑ ተፈሊጡ። ከምዚ ብምዃኑ እቶም ስደተኛታት መዕንገሊ መግቢ ንምርካብ ክዳውንቶምን ካልእ ኣብ ኢዶም ዝነበረ ንብረትን ክሸጡ ከም ዝተገደዱ እውን ተጠቒሱ።

ናብዘን መደበራት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘድሊ ነገራት ምቕራብ፡ ብሰንክቲ ኣብቲ ከባቢ ዝጸንሐ ኩነታት ኣጸጋሚ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ከም ዝገበረ ኣብቲ ጋዜጥዊ መግለጺ ሰፊሩ። እቲ ኣብቲ መደበራት ዘሎ ዘሻቕል ኩነታት ኣካል ናይቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ናይ ሚሊዮናት ሰባት ካብ መንበሪኦም ምምዝባል ምዃኑ እውን እቲ ዜና ኣመልኪቱ።

እቲ ላዕለዋይ ኮሚሽ፡ ነቶም ኣብቲ መደበራት ዘለዉ ኣስታት 25 ሺሕ ስደተኛታት ኣብ ክልል ኣምሓራ ከባቢ ዳባት ናብ ዝተዳለወ ሓደሽ ውሑስ መደበር ንምግዓዝ ዘኽእል፡ ተኹሲ ጠጠው ናይ ምባል ስጉምቲ ንክውሰድ ናብ ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላት መጸዋዕታ ከቕርብ ከም ዝጸንሐ ኣብዚ ናይ 21 ጥሪ 2022 ጋዜጣዊ መግለጺኡ ሓቢሩ። ኣተሓሒዙ ከኣ ወይ ናብቲ ተመዲቡ ዘሎ ሓድሽ መደበር ክወስድዎም ወይ ድማ ኣብዚ ዘለዉዎ፡ መግቢ፡ መድሃኒትን ሕክምናን ከቕርብሎም እንተዘይክኢሎም፡ ዝያዳ ሰደተኛታት ክሞቱ እዮም ኢሉ። በዚ መሰረት ኩሎም ኢትዮጵያውያን ወገናት ሲቪላት ክሕልዉን ሰብኣዊ መሰልን መባእታዊ ናጽነታት ናይ ሰባትን ንክኽብሩ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። “ስደተኛታት በቲ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ጅሆ ክተሓዙ ኣይግባእን” እውን ኢሉ።

Last modified on Saturday, 22 January 2022 14:58