×

Warning

JUser: :_load: Unable to load user with ID: 17

ኣጋጣሚና ናብ ዝሓሸ ዘሰጋግረና ንክኸውን!

2014-08-26 10:18:55 Written by  Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 74681 times

 

ኣርዓዶም በርሀ

ብሓፈሻ ኣብ ኤርትራዊ ብፍላይ ድማ ኣብ ናይ ደንበ ተቓውሞና ፖለቲካዊ ጉዕዞ በብግዜኡ ዝዝውተሩ፡ ብመልክዕ፡ ጉባአ፡ ኣኼባ መሪሕነታት፡ ሰላማዊ ሰልፍታትን ተራ ኣኼባታትን ዝግለጹ መድረኻት ምፍጣሮም ኣዝዩ ዝተለምደ እዩ። እዞም ፖለቲካዊ ኣጋጣሚታት እዚኣቶም ክንድቲ ምብዘሖምዶ ውጽኢት ይህልዎም ወይስ ገበርና ንምባል ጥራይ ዝፍጠሩ ፍረ ኣልቦ መድረኻት እዮም? ዝብል ሕቶ ኣቕሪብካ ክትምልስ እንከለኻ ግና እቲ ዝርዝር ናይቲ መልሲ ኣዝዩ ዘዘራርብ ጥራይ ዘይኮነስ ዘተዓዛዝብ እውን እዩ። ከምቲ ግቡእ ካብዞም ዝጠቐስኩዎም ኣጋጣሚታት ሓደ ክድኮን እንከሎ ብፍላይ ድማ ጉባአታትን ናይ መሪሕነታት ኣኼባታትን ክጋባእ እንከሎ ንስለ ምግባር ጥራይ ክኸውን ኣይመተገብአን። ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ወይ ማሕበር ጉባአ ኣብ ክከንድዚ ዓመት ክግበር ኣለዎ ስለ ዝተባህለ ጥራይ ዝጋባእ ክኸውን ኣይግበኦን። ናይ ሓደ መሪሕነት ኣኼባ እውን ከምኡ “ኣብ ክከንድዚ ኣዋርሕ ክግበር ይግበኦ” ዝብል ዓንቀጽ ኣብ ውሽጣዊ ሕጉ ስለ ዘሎ ጥራይ ዝጽንበል እንተደኣ ኮይኑ፡ ልሙድ መዓልቲ ቆጺርካ ዝካየድ ዝኽሪ ጥራይ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ።

ከምቲ ግቡእ ሓደ ፖለቲካዊ ወይ ሲቪካዊ ትካል፡ ኣብ ጉባአ ድዩ ኣኼባ ክጋባእ እንከሎ፡ ነቲ ዝመርሖ ውድብ ወይ ማሕበር ካብ’ቲ ዝጸንሖ ህይወት ናብ ሓደ ሓድሽ ምዕራፍ ዘሰጋግሮ ክኸውን መተገበአ። እዚ መድረኽ ንከምዚ ዓይነት ምስግጋር ንክበቅዕ ድማ ዝተጸንዐ ምድላዋት ክግበረሉ መተገበአ። ከም ቀንዲ ተግባር ምድላው ድማ ቅድሚ እቲ ምግባእ ነቲ ዝሓለፎ መስርሕ ብግቡእ ዝመዘነን ንመጻኢ ክገብሮ ብዛዕባ ዝሕልኖ ዝኣመተን ክኸውን ናይ ግድን እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና እዚ ቅድመ ምድላው፡ ጉባአኻ ወይ ኣኼባ መሪሕነትካ ዕዉት ንክኸውን በይኑ እኹል ኣይኮነን። ድሕሪ እዚ ዝመጽእ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ኣብቲ መድረኽ በቲ ዝመዘንካዮ መሰረት ነቲ ኣሉታ ከተእርም ነቲ ኣውንታ ድማ ከተሕይል፡ ቅሩብነት፡ ትብዓትን ዓቕምን ዝሓትት ስለ ዝኾነ። ንመጻኢ ክተእረም ድልዊ ኣብ ዘይኮንካሉ ብዛዕባ ዝሓለፈ ገምጋም ምክያድ ኪኖ ግዜ ምብኻን ካልእ መኽሰብ የብሉን። ኣብ ተመኩሮና ኣብ መንጎ ክልተ ጉባኤታት ዝኹነ ሓድሽ ለውጢ ከይረኣኻ ምቕጻል ዝተለምደ እዩ። ኣብ መንጎ ክልተ ኣኼባታት መሪሕነታትውን ከምኡ። ሓደ ነዚታት ዝጸብጸበ ደላይ ለውጢ ፈታዊየይ፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ “ ናይ ውድባትኩም ናይ ድሕሪ ጉባአ ወይ ናይ መሪሕነታትኩም ናይ ድሕሪ ኣኼባ መግለጽታት ብዘይካ ናይ ዕለት ለውጢ ሓንሳብ ምስ ተጻሕፈ ንሱ እዩ ዝቕጽል” ዝበለኒ ናይ ኣቀራርባኡ ምግናን ገዲፍካ ሓሶት’ዩ ምባሉ ከም ዘጸገመኒ ትዝ ይብለኒ። ብፍላይ ምስታ “ብዓወት ተዛዚሙ” እትብል ሓረግ ኣብ ህዝቢ ዘሎ ሽቑርርታ ኩልና ዘይንዝንገዖ እዩ።

ርግጽ እዩ ዝኾነ ሰብ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮኻ ምምሃር ክሳብ ክንደይ መሰረታዊ ጉዳይ ምዃኑ ዓው ኢሉ ዝቃወሞ ኣይኮነን። እኳ ደኣ “መለበምን ኣይኽላእካ፡ መለበምን ኣይግበርካ” ብዝብል ኣበሃህላ እዩ ዘትርሮ። ብተግባር ግና ከምቲ ብክለሳሓሳብ እንቕበሎ ኣይኮናን። ን”ሎሚ” ምስቲ ከቢብዋ ዘሎ ውድባዊ፡ ሃገራውን ዓለማውን ኩነታት ኣሳኒኻ ክትሕዛ እምበር ወይ ንድሕሪት ናብ “ትማሊ” ወይ ድማ ንቕድሚት ናብ “ጽባሕ” ክትመጣ ኣይከኣልን። ምናልባት ንሓደ ነገር ክንገብሮ ከም ዝግበኣና እንዳኣመና ሎሚ ዘይንትግብሮ ኣብ መጻኢ ነርክበሉ ብዝብል ወጀሃላይ ኣተሓሕዛ ክኸውን ይኽእል። እንተኾነ ንዝኾነ ነገር ኣብቲ ክንገብሮ ከም ዝግበኣና ዝተረዳእናሉ እዋን ብውዕዩ ኢና ክንገብሮ ዝግበኣና። ጽባሕ ናታ ካልእ ዕማም ስለ ዘለዋ። ነዚ ብዝምልከት ኣብ መጐዓዚያ እንከለኹ ብዝተፈላለያ ቋንቋታት ተጻሒፋ ምስ ኣንበብኩዋ ናብ ትግርኛ ዝተርጐምኩዋ’ሞ ምስ እዋናውነትና ትሰማማዕ እያ ዝበልኩዋ ጥቕሲ ከካፍለኩም። “ ግዜ ከም ውሕጅ እዩ። ዝጐዓዝ ማይ ካልእይ ግዜ ንክትትንክፎ ዕድል ዝህብ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ሓንሳብ ንታሕቲ ገጹ ዝተዓዝረ ማይ ዳግማይ ንድሕሪት ስለ ዘይምለስ። ዝሓልፍ ግዜ’ውን ከምእዩ። ስለዚ ንዝኾነ ናይ ህይወትካ ኣጋጣሚ ኣብቲ ዘጋጠመሉ እዋን ወግኖ።” ትብል።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ሓደ ኣካል ደንበ ተቓውሞና፡ ኣብዚ ዝሓልፈ ሰሙን ስሩዕ ዓመታዊ መሪሕነታዊ ኣኼባ ከም ዘካየደ ብወግዓዊ መግለጺ ሓቢሩና ኣሎ። ኣብዚ ኣኼባኡ ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዘሎ ኩነታት ኣሰኪፍዎ ምስ ገምገመ፡ መዋጸኦ ይኸውን ብዝል ካብ ዘቕረቦ ሓሳባት ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፡ መድረኽ ንሃገራዊ ዘተ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ካልኦት ኣብ ሃገራዊ ባይቶ ዘይተወከሉ ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ዝርከብዎ ንህልዊ ኵነታትን ሃለዋት ደምበ ተቓውሞን ንምፍታሽን መፍትሒታት ምቕራብን ዝዓለመ ሰሚናር ኣብ ሓጺር ግዜ ክግበር ኣድላዪነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ርእዩ።” ዝብል ይርከቦ። እዚ ኣበሃህላ ቀንዲ መልእኽቱ “ናይ ለውጢ ዓቕምና ንኣኻኸብ’ሞ መፍትሒ ንክርከብ” ስለ ዝኾነን ዝነኣድን ዝተባባዕን እዩ። እዚ ኣብ ምዕዋትና ወሳኒ ግደ ዘለዎ፡ ናይ “ተኣኪብና ኣድማዒ ዓቕሚ ንፍጠር” መጸዋዕታ፡ በቲ ጸዋዒ ውድብ ወይ ሰልፊ ጥራይ ተዓሚሙ ዝዕወት ኣይኮነን። ናይቶም ካልኦት እቲ መጸዋዕታ ዝምልከቶም ሰብ ጉዳይ ኣካላት ሓላፍነታዊ ኣቀባብላ’ውን ወሳኒ እዩ። ብሓባር ንስራሕ ክትብል እንከለኻ ዋላ’ኳ እቲ ተበግሶ ዝወስድ ሓደ ውድብ እንተኾነ ካልኦት ሰብ ዋኒን ኣካላት ድማ ብቅንዕና ነቲ ኣውንታኡ ብምንኣድ ነቲ ኣሉታኡ ድማ ብምንቃፍን ዝሓሸ መተካእታ ብምቕራብን ክመምይዎ ይግብኦም። እዚ ተግባር ንሓደ ውድብ ክሰግሮ ዘይግበኦ ዕማሙ እዩ። ካብ ላህመታውን ህዉኽን ፍርዲ ምሃብ ዘድሕን’ውን እዩ።

ብኻልእ ወገን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ናይ ማእከላይ ባይቶኡ 4ይ ምዱብ ኣኼባኡ መግለጺ “ንታሪኽ ኣይንረሰዓዮ፡ እንተኾነ ንቕድሚት ከነማዕዱ እንከለና ናቱ እሱራት ኣይንኹን” ካብ ዝብል መንፈስ ብምንቃል “ደንበ ተቓውሞ ህዝባዊ ሰረታቱ መታን ክሰፍሕን ናብ ዓወት ክበጽሕን፣ ናይ ምግላልን ምንጻግን መንፈሳት ገዲፉ፣ ከምቲ ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ዝገበርናዮ: ንዂሎም ምስ'ቲ ገዛኢ ጕጅለ ስርዓት ህግደፍ ዝወገኑ ደቂ ሃገር ናብ ደንበ ተቓውሞ ክሰጋገሩ ክጽውዕ፣ ንስርዓት ራሕሪሖም ንእተጸንበርዎ ከኣ ክሳዕ ፍትሓውን ዲሞክራሲያውን ስርዓት ዝትከል ሓንጐፋይ ኢሉ ክቕበልን፤ ኣብ ቅድሚ ርትዓዊ ቤት ፍርዲ ከይቐረቡ ከም ገበነኛታትን ክሱሳትን ክገልጾም ከም ዘይግባእ ኣስሚሩሉ።” ዝብል ካልእ ናይ ኩሉ ዓቕምና ኣዋህሊልና ንስርዓት ህግደፍ ነወግዶ እዋናዊ መልእኽቲ እዩ። እዚ’ውን እቲ ተበግሶ እምበር ናይ ምዕዋቱስ ናይ ሓደ ውድብ ሓላፍነት ኣይኮነን። እንተ ንኣገዳስነቱ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝወርድ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ብስርዓት ህግድፍ ጅሆ ተታሒዙ ዘሎ ህዝብን ሰራዊት’ውን ዳርጋ ኩሉ ረብሓኡ ኣብ ለውጢ ስለ ዝኾነ ናትና ጐኒ ብምዃኑ። ኣይኮነንዶ ባዕሉ ክመጸና እንከሎ፡ ንክመጸና ክንጽውዖ ከዓ ናይ ግድን እዩ። ካብዚ ንላዕሊ ቀርኒ ህግደፍ ዝሰልዕ ሜላ ድማ የለን።

“ንላዘብ’ሞ መፍትሒ ንክርከብ” ብዙሓት ናይ እሂን ምሂን ኣድላይነት ዝዓጠጠና ወገናት ከነቃለሖ ዝጸናሕና ሓረግ ወይ ጭርሖ እዩ። እዚ ኣበሃህላ፡ ብዘይምቅርራብና ክሳብ ክንደይ ብዙሕ ጉዳይ ይበኹረና ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ። ዝርርብ ብጉዳይ ሃገርን ህዝብን ኣብ ማእከል ጐልጐል ብሃቦ ተረከቦ ዝካየድ ዘይኮነስ፡ ክፍጠረሉ ዝግበኦ መዛተዪ መድረኽን ቀጥዕን ኣለዎ። ዓውደ መጽናዕቲ፡ ኮንፈረንስ፡ ሰሚናርን ፈስቲቫልን ነዚ ልዝብ ካብ እንጥቀመሎም መድረኻት እዮም። ነቲ ዘመናዊ ኣረዳድኣ ንኣድላይነት ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ገዲፍና፡ ኣብ ባህላዊ ኣረዳድኣና’ውን “ሰብ ምስ ሰብ ክዛረብ እንከሎ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ሓጺን ምስ ሓጺን ክጋጮ እንከሎ’ውን ይበላላሕ” ይበሃል። እዚ ዝኸውን ግና እቲ ልዝብ ብኹራን ምንጽጻግን ዘይኮነስ ብምጽውዋርን ምውሕሓጥን ክስነይ እንከሎ እዩ።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንኣድላይነት ዘተ ኣብ ጉዳይ ሃገር ግቡእ ግምት ብምሃብ ኣብቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ሃገረ ጀርመን ዘካይዶ ዓመታዊ ፈስቲቫሉ፡ ነቲ ንዘተ ወይ ሰሚናር ዝምልከት ክፋሉ ፍሉይ ቆላሕታ ሂብዎ ኣሎ። ኣብዚ ሰሚናር መጽናዕታዊ ጽሑፋት ዘቕርቡ ምሁራት መብዛሕትኦም ናይቲ ሰልፊ ኣባላት ዘይኮኑ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ኣካላት እዮም። እቲ ዝቐርብ ዛዕባ’ውን በቶም ንህልዊ ኩነታት ኤርትራ ዝምልከት ጠቓሚ መልእኽቲ ኣለኒ ዝብሉ ግዱሳት ዝውሰን ስለ ዝኾነ፡ ትሕዝቶኡ ኣብ ኤርትራዊ ሃለዋት ዘትከለ እምበር መርገጻት እቲ ሰልፊ ዝተቓነየ ጥራይ ክኸውን ናይ ግድን ኣይኮነን። ከምቲ ክሳብ ሕጂ ተኸታቲልናዮ ዘለና ናይ ኤርትራዊ መድረኽ ንዘተ፡ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ንደሞክራሲያውን ሰብኣውን መሰላት፡ ኤርትራዊ ምንቅስቓስ ንለውጢ ተወከልቲ ኣብዚ ፈስቲቫል መጽናዕትታት ከቕርቡ እዮም። ናይዞም ምሁራት ፖለቲከኛታት ርኢቶ ምስማዕ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዘሎካ ሓበሬታ ኣብ ምህብታም ዓብይ ግደ ዘለዎ እዩ። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ መድረኽዚ ምፍጣሩ፡ በቲ ሓደ ወገን ነቶም ኣቕረብቲ ፖለቲካዊ መንነቶም ዘነጽርሉ መድረኽ ብምፍጣር ምሕጋዞም ክኸውን እንከሎ፡ በቲ ካልእ ወገን ከዓ፡ ንገዛእ ርእሱ እቲ ሰልፊ’ውን ናይዞም ኣካላት ፖለቲካዊ ሚዛን ኣብ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ እንታይ ከም ዝመስል ንምርዳእን ናይ ምሕዝነት ፖሊሲኡ ኣብ ምስኣል ጠቓሚ ግንዛበ ዝረኽበሉን እዩ። ብዘይካ’ዚ መጽናዕታዊ ጽሑፍት፡ ተሳቲፎም ናይ ደገፍ መልእኽቶም ዘመሓላልፉ ብዙሓት ተወከልቲ ውድባትን ማሕበራትን ምህላዎም ድማ ካልእ ነቲ ፈስቲቫል ዘስብሖ እዩ።

ሓደ ሰልፊ ወይ ውድብ ከምዚ ዓይነት ኣሳታፊ ተበግሶ ክወስድ እንከሎ፡ ዝርዝር ትሕዝቶኡን መልእኽቱን ከይገምገምና፡ ብማዕዶ፡ “ክላእ ግደፍዎ እንታይ ሓድሽ ነገር ከየምጽእ …. ወዘተ” ኢልና ብዓይኒ ጽልኢ ክንጽየፎ ኣይግበኣናን። ብትዕግስቲ ቀሪብና ሃሰስ ክንብሎ ይግበኣና። ከምኡ እንተገይርና ዋላ ትንኣስ ሓጋዚት ኣውንታዊት ትሕዝቶ ክንረኽበሉ ኢና። ንዓኣ ነታ ንእሽቶ ሒዝና፡ ናትና ክንደኣ ወሲኽና ከም እንዓቢ ኣይንረስዕ። እቲ ናይ ለውጢ ዓቕሚ ካብ ኩላትና ዝውህለል እምበር ኣብ ሓደ ውድብ ጥራይ ዝድለብ ከም ዘይኮነ ድማ ንእመን። ነቲ ኣሉታዊ እንብሎ ክንነቅፍን ክንቃወምን እንከላ’ውን ብሓላፍነት እሞ መተካእታ ብምቕራብ ክኸውን ይግበኦ። ስለዚ ኢና እምበኣር ኩሉ ስጉምትና ናብ ዝሓሸ ዘሰጋገር ምዃኑን ዘይምዃኑን ነስተብህል እንብል።

3 ነሓሰ 2014

Last modified on Tuesday, 26 August 2014 12:21