×

Warning

JUser: :_load: Unable to load user with ID: 17

ንቤት/ት ወዲ ሸሪፈይ ሓገዝ ንምእካብ ኣብ ዓመታዊ ፈስቲቫል ሙዚቃ ጅነቭ ዕዉት ወፍሪ መሸጣ ምግብን መስተን ተኻይዱ - ብደጋፊ ማሕበር ኣሲ/ASEE

2014-08-26 09:56:06 Written by  Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 76345 times

ብደጋፊ ማሕበር ኣሲ/ASEE

ከተማ ጅነቭ ዝመደበሩ ማሕበር ስዊስ ንቘልዑ ኤርትራ (ASEE - Association Suisse Enfance- Erythrée) ኣብቲ ብዕለት 20: 21: 22 ሰነ 2014 እተኻየደ መበል 23 ዓመታዊ ፈስቲቫል ሙዚቃ ተረኺቡ ንሳልሳይ ጊዜ ዕዉት ናይ ሓገዝ ምእካብ ወፍሪ ኣካይዱ።

ደጋፊ ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ዝኾነ ማሕበር ኣሲ/ASEE ኣብቲ ፈስቲቫል ሓደ ክፍሊ (ዳስ) ብምሓዝ ንሰለስተ መዓልታት ዝቐጸለ ናይ ምግብን መስተን መሸጣ ገይሩ። ካብቲ ኣብ መሸጣ ዝቐረበ ምግቢ: ብጸብሒ ስጋን ኣሕምልትን ዝቐረበ እንጌራን: ሳምቡሳን ሕምባሻን ይርከቦ ነይሩ።

ናይ ሎብ ዘበን በዓል ሙዚቃ ጅኔቭ በቲ ኣብ ብራዚል ዝካየድ ዘሎ ውድድር ኲዕሶ እግሪ እተጸልወ እኳ እንተነበረ: እቲ ብማሕበር ኣሲ/ASEE ዝቐረበ ምግብን መስተን ግን ዝኣኽሉ በጻሕቲ ረኺቡ። ናይ ማሕበር ኣሲ ዳስ/stand ሓላፌት: ወ/ት ሶፍያ ዓማር ከም ዘረጋገጸቶ: እቲ ወፍሪ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዘይውሕድ ኣታዊ ከም ዝረኸበን: እቲ እተረኽበ ኣታዊ ከኣ ንቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ን6 ኣዋርሕ ከካይድ ዝኽእል ምዃኑን ተፈሊጡ። ኣባላትን ተሓባበርትን ማሕበር ኣሲ ከኣ ንጡፍን ዘተባብዕን ናይ ስራሕ ኣበርክቶ ከም ዝገብሩ ተሓቢሩ።

ትሪቡን ደ ጅኔብ እተባህለ ጋዜጣ ከም ዝጸብጸቦ: ኣብ ናይ ሎብ ዘበን በዓል ሙዚቃ ጅኔቭ ልዕሊ 200,000 ዝግመቱ በጻሕቲ ተኻፊሎም። ክሳዕ 550 ዝኸውን ሙዚቃዊ ትልሂትን ምርኢትን ከም እተቐረበ እውን ተሓቢሩ። እቲ ዝዓበየ ክፋል ናይቲ ፈስቲቫል: ኣብ ከባቢ ናይ ቀደም ጅኔቭ ወይ ቭየይ ቪል (“Vielle Ville”) ኢዩ ተኻይዱ።

ኣብ ጸጋም ዘሎ ስእሊ : ንናይ ቀደም ፕረዚደንት ማሕበር ኣሲ/ASEE ሚስተር ፍሊፕ ግራንድ-ጃን ምስ በዓልቲ ቤቱን ምስ ሶፍያ ዓማርን የርኢ።

ሓለፍቲ ናይዚ ዓመታትዊ ፈስቲቫል ሙዚቃ ጅኔቭ: መሸጣን ምግብን መስተን ንምክያድ ፍቓድ ዝህቡ ንእተፈልጡን እተመስገኑን ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ጥራይ ኢዩ። ኣብ ከተማ ጅነቭ: ማሕበር ኣሲ ኣብ መዓስከር ወዲ ሸሪፈይ ንዝርከቡ ስደተኛታት ቈልዑ ኤርትራ ኣብ ምሕጋዝ ከም እትነጥፍ ተፈላጥነት ኣለዋ።

እታ ኣስታት 8 ኪሎ ሜትራ ካብ ዶብ ኤርትራ ርሒቓ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ካብ እትምስረት 30 ዓመታ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብዒላ። ድሮ ከኣ መበል 31 ዓመት ትምህርታ ምስ ከባቢ 600 ዝኾኑ ቈልዑ ኣብ ምጅማር ትርከብ።

Last modified on Tuesday, 26 August 2014 12:04