×

Warning

JUser: :_load: Unable to load user with ID: 17

ኩሉ ወዮ ኣይኹን!

2014-08-12 14:16:40 Written by  Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 26721 times

ኣርዓዶም በርሀ

ብዛዕባ ሓደ ዓብይ ንብዙሓት ዝምልከት ዕማም ክንሓስብ ወይ ክንሻቐል እንከለና፡ ክንጥንቀቐሉ ካብ ዝግበኣና ብዙሕ ጉዳያት እቲ ሓደ “እታ ሓቂ ወይ መዋጸኦ ምሳይ ጥራይ እያ ዘለና” ኢልና ከይንድምድም እሞ በበይንና ከይንተሓላለው እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ንሕና

ኤርትራውያን ሓደ ዓብይ ኣይኮነንዶ በበይንና “ሓቢርና’ኳ እንተኽኢልናዮ” ዘብል ኣሰካፊ ዋኒን ምድሓን ህዝብን ሃገርን ኣለና። ካብዚ ንኹልና ዘሰክፈና ዘሎ መከረ ንምውጻእ ፍልልይ ሃይማኖትና፡ ቋንቋና፡ ከባቢያዊ መበቆልናን ፖለቲካዊ እምንቶናን ብዘየገድስ ናይ ኩላትና ናይ ሓባር ሓሳብ፡ ጉልበትን ንዋትን ኣበርክቶ ዝሓትት እዩ። ናይዚ ኣበሃህላ’ዚ ሓጺር መልእኽቲ ብመትከል እንካን-ሃባን እንዳ ተመላላእካ ክሳብ እቲ መዋጸኦ ዝርከብ ብሓባር ንቕድሚት ምድፋእ ዝብል እዩ።

እቲ ካብዚ ዘለናዮ ዕንክሊል ከናግፈና ዝኽእል ሓሳብ ወይ ርኢቶ፡ ኣብ ሓደ ዝተወሰነ መድረኽ ብሓንሳብ ኣብ ሕልና ኩላትና ግዱሳት ኤርትራውያን ውልቀ- ፖለቲከኛታት ወይ ውድባት ክመጽእ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ሓደ ኩርናዕ ምስ ተራእየ እዩ ዝላባዕ። እዚ ኣባና ጥራይ ዝኽሰት ዘይኮነስ ናይ ብዙሓት ደፊእካ ዝወድቕ ዘይመስል ዝነበረ ግድላት ፈቲሖም ኣብ ዓወት ናይ ዝበጽሑ፡ ፈላጣት፡ ውድባትን መንግስታትን ተመኩሮ እንተ ዳህሰስና’ውን ነዚ እዩ ዘነጽረልና። ቃልስና ምእንቲ ናጻነት ኤርትራ’ውን ነብሱ ዝኸኣለ ናይ ምምልላእን ምልባዕን ተመኩሮ ኣገዳስነት መወከሲና እዩ። ምናዳምናዳ እቲ ብሓደ ሰብ ወይ ብሓደ ውድብ ዝመንጨወ ሓሳብ፡ ናይቲ ብዛዕባኡ ዝዛርበሉ ወይ ሓሳብ ዘመንጭወሉ ህዝብን ሃገርን ጸገም ባህርያትን ኣብ ግምት ዘእተወ እንተኾይኑ’ሞ ናይቲ ተቐባሊ ባይታ እንተተወሲኽዎ፡ ንክዓብን ኣብ ሕልና ብዙሓት ንክሓድርን ግዜ ዝወስደሉ ኣይኮነን። እዚ ባይታ ዝብሎ ዘለኹ፡ ብቕሩብነትን ተወፋይነትን ህዝብን ውድባት ዝግለጽ እዩ።

ሓደ ግዱስ ብሕቲ ሰብ ወይ ውድብ ተጨኒቑ፡ ግዜ ወሲዱ፡ ብመጽናዕቲ ኣሰንዩን ዝሓለፎ ተመኩሮ ተወኪሱን ንቕድሚት እንዳማዕደወ ዘቕርቦ ሓሳብ ኣብ ፍረ ንክበጽሕ፡ ተዘሪኡ ዝፈርየሉ ባይታ ክረክብ ናይ ግድን እዩ። እዚ ኣንተዘይኮይኑ ግና እቲ ዝቐርብ ሓሳብ ኣብ ከውሒ ከም ዝተዘርአ እዩ ዝኸውን። ናይ’ቲ ዝቐርብ ሓሳብ ናብ ዘርኢ ቀይሩ ናብ ፍረ ዘብጽሕ ግራት ወይ መሬት፡ ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ፡ ብዓብይኡ እቲ ለውጢ ዝጽበ ህዝቢ እዩ። ግደ መላፍንቲ ውድባትን ማሕበራትን’ውን ቀሊል ግምት ዝወሃቦ ኣይኮነን። ብሓፈሻ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ውድባት ብሓደ ኩርናዕ ንዝቐርብ ሓሳብ፡ ብዝግባእ ጋሊሆምን ተንቲኖምን፡ ነቲ ኣሉታኡ ኮነ ኣውንታኡ ነናቱ ርትዓዊ ክብደት ሂቦም፡ ነቲ ኣውንታ ንምምዕባል ነቲ ድኹም ጐድኒ ድማ ነቒፍካ ንምእራም ንክበቕዑ፡ ብዙሕ ክኸፍልዎ ዝግበኦም ዋጋ ኣሎ። ትዕግስቲ፡ ጹረት፡ ርትዓውነት ብዓብይኡ ንጉዳይ ህዝብን ሃገርን ብዓይኒ ከቢድ ሓላፍነት ልዕሊ ውድባዊ ክብደት ሰሪዕካ ምርኣይ የድሊ። ኣብዚ ደረጃ ሓደ ውድብ ወይ ማሕበር መሳርሕነት እዩ። ከምዚ ምዃንን ዘይምዃንን ድማ ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ቀንዲ መምዘንን መፈተንን ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን። ብዙሓት ናይዚ ዓውዲ’ዚ ፈላጣት ከም ዝሰማምዕሉ፡ ሓድሽ ሓሳብ ከተቕርብ ካብ ምኽኣል ነቲ ብካልኦት ዝቐርብ ሓሳብ ብሓላፍነትን ብርትዓውነትን ግቡእ ሚዛን ክትህብ ክትክእል እቲ ዝኸበደ እዩ። ሓደ ውድብ ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ቀዲሙካ ሓሳብ ስለ ዘቕረበ በሊጹካ ወይ ሰዒሩካ ማለት ኣይኮነን። ብፍላይ ድማ ክሰምዓካን ክትሰምዖን ዘኽእል ኣፍደግኡ ክፉት እንተኾይኑ። ዝተበለጽካ ስለ ዝመስለካ ብኻልእ ኣካል ንዝቐረብ ሓሳብ ኣድቂቕካ ከይመመኻ ብማዕዶ ኣእዛንካ እንተዓጺኻ ግና ተበሊጽካ ኣለኻ ማለት እዩ። ስለዚ ሓደ ውድብ ወይ ፖለቲከኛ ውልቀ-ሰብ ነዚ መድረኽ ዝጸውር ብቑዕ ንክኸውን፡ ካብ ኩሉ ዓይነት ጸቢብነትን ሕዱር ጽልእን ነጻ ክኸውን ይግበኦ። ንሓደ ውድብ ወይ ኣብኡ ዘለዉ ኣካላት ከትረክብ ክትብል ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ከይትጐድእን ካብ መስመር ከይትወጽእን ምጥንቃቕ ከዓ ክሳብ ሎሚ ዘይበቓዕናዮ መሰረታዊ ጉዳይ እዩ።

እቲ ጨቐቕ ኢሉ “መዋጸኦ ይኸውን እዩ” ኢሉ ዝኣመነሉ ሓሳብ ሒዙ ናብ ናይ ርኢቶታት መወዳደሪ መድረኽ ዝቐርብ ወልቀ-ሰብ ይኹን ውድብ’ውን ብወገኑ ክስስዕ ኣይግበኦን። ኣብቲ ዕዳጋ ብመትከል እንካን ሃባን፡ ምስ ዓዳጎ ክፋጠጥ ምዃኑ ክዝንግዕ ኣይግበኦን። ብዛዕባ’ቲ ንሱ ተገዲስሉ ዘሎ ሓድሽ ርኢቶ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ካብቲ ናቱ ዝሓይሽ መዋጸኦ ብኻልኦት ክቐርብ ናይ ምኽኣሉ ዕድል ክፉት ምዃኑ ክጽበ ይግበኦ። ርግጽ እዩ ካብቲ ናቱ ዘይሓይሽ ሓሳብ ክቐርብ እንከሎ፡ ንስለ ምስ ካለኦት ምስራሕ ተባሂሉ ክቕበል ኣይግበኦን። ብምኽኑይ ነጥብታት ካብቲ ናቱ ዝሓሸ መተካእታ ክቐርበሉ እንከሉ ግና ሳላ ተበግሶኡ ዝረኽቦ ሃብቲ እዩ’ሞ ሓንጐፋይ ኢሉ ክቕበሎን መሊሱ ከህብትሞን ይግበኦ። ናቱ ተበግሶ ናይ ምውሳድን ከይዛረብ ተዓዚሙ ዝነበረ ልሳናት ሓድሽ ሓሳብ ከም ዘምጽእ ናይ ምግባሩ ብልጫኡ ግና ኣብ ቦታኡ እዩ። ብኸምዚ ኣገባብ እቲ ሓደ፡ ሓደ ሓድሽ ሃናጺ ሕሳብ እንዳምጸአ እቲ ካልእ ድማ እንዳመለአሉ’ዩ እምበኣር ብኣቋራጭ ብጻዕሪ ውሱን ኣካል ጥራይ ኣብ ሓደ ምዕቡልን ምሉእን መዋጸኦ ዝብጻሕ ኣይኮነን። ድሕሪ እዚ ዝተርፍ ነቲ ብሓባር ዘህብተምካዮ ሓሳብ ብሓባር ኣብ ግብሪ ምውዓሉ እዩ ዝኸውን። እዚ ድማ ኣብ ድልዱል ዝተደኮነ ጉዕዞ ስለ ዝኸውን ናይ ምዕዋቱ ዕድል ውሑስ ግና ድማ ንኡስ ሓጐጽጐ ዘይተፈልዮ ይኸውን።

ብናተይ እምነት ቀንዲ ምኽንያት ንዘይምዕዋት ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ንድኩኖ እሞ ብዘይፍረ ከበርዕን ዝጸንሐ መድረኻት እዚ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ ክሳብ ሕጂ ኸዓ ዘይረዓምናዮ መስርሕ ክንክተል ዘይምጽናሕና እዩ። ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብዛዕባ’ቲ ኣብ ዝኽዕነ መድረኽ ኣብ ህልዊ ኩነታት ኤርትራ ክትዝቲ እንከለኻ ከይጠቐስካዮ ዘይሕለፍ ጉዳይ ምቅርራብ ተቓወምቲ ውድባትን ሲቪካዊ ማሕበራትን አርትራ ሓደ ሓሳብ ኣቕሪቡ ኣሎ። ናይቲ ሓሳብ መሰረታዊ መንፈስ “ተኣኪብና ዘተ ነካይድ እሞ ሕማምና ዳህሲስና መድሃሓኒት ንድለ” ዝብል እዩ። ኣብ ዝርዝር ከይከድና “ተኣኪብና ንዘራረብ” እትብል ሓረግ ኣብዚ ዘለናዮ ህዝብና ከይጸንት ንሰግኣሉ ህሞት ፍሉይ ክብደት ዝወሃባ እያ። ምእንተኣ ንዘንቀደ ኣካል ድማ ክንድታ ክብደታ ናእዳ ይግበኦ። ዝተወሰኑ ብዛዕባዚ እዋናዊ መጸዋዕታ ሓላፍነታዊ ርኢቶ ዝሃቡ ወገናት ኣለዉ። ቅድሚ ኩሉ ነቲ መጸዋዕታ ዋላ’ኳ ናይ ሓደ ሰልፊ ተግሶ እንተኾነ፡ ንኩላትና ዝምልከት ዕማም ምዃኑ ተገንዚቦም ድምጾም ምስመዖም ክምስገኑ ይግበኦም። “ ዝሓዞ ዝደርበየ ፈራሕ ኣይበሃል” ከም ዝበሃ። ኣብዚ ርኢቶኦም እዚ መጸዋዕታ ዝጐድልዎ ዝርዝራት ኣለዉ ዝበሉ’ውን ኣለዉ። ነዞም ኣካላት እዚኣቶም እውን ኣብ ዝርዝር ከይኣተና፡ ብመጀመርያ ኣብቲ ዛዕባ ሰብ ጉዳይ ምዃኖም ተረዲኦምን ሓላፍነት ወሲዶምን ንትሕዝቶኡ ኣስተማቒሮም ርኢቶ ስለ ዝሃቡ ብሰደህኤ ጥራይ ዘይኮነ ብኻልኦት’ውን ናእዳን ምትብባዕን ይግበኦም። ሰልፊ ሰደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብወገኑ “ኣብቲ መጸዋዕታኻ እዚ ጐደለ ኣሎ’ሞ ዳግማይ ሃሰስ በሎ፡ ናትና መመላእታ ድማ እነሆ” ክበሃል ምዃኑ ኣቐዲሙ ኣሚቱ ተቐሪብሉ ከም ዝህሉ ፍሉጥ እዩ። ንኣብነት ናይቲ ዝጠለቦ ሰፊሕ ሰሚናር ቦታ፡ ግዜን ቀዳምነታት ኣጀንዳን ብዝምልከት ዘይምድራቱ ናይ ካለኦት ርኢቶ ናይ ምሃብ ዕድል ክህብ ኢሉ እምበር ነዚ ሕቶታት እዚ ዝምልስ ሓሳብ ክህልዎስ ናይ ግድን እዩ። ነዚታት ዝምልከት መብርሂ ክቐርቦ እንከሎ ብጸጋ ከም ዝቕበሎ ድማ ርዱእ’ዩ። ፖለቲካዊ ተዋሳኣይ ኮይንካ ንከምዚ ዓይነት መጸዋዕታ ብዝምልከት ዘለካ ሓሳብ ወስ ከየበልካ ምጽቃጥ ግና ኣይግድንን። “ሎሚ ካብ ሓላፍነት ብምህዳም ካብ ናይ ጽባሕ ተሓታትነት ክትድሕን ኣይከኣልን” ከም ዝበሃል።

ሓድሽ ሓሳብ ክቐርብ እንከሎ ዝስማዕ ድምጽታት ኩሉ ናይ ደሓንን ናይ ደለይቲ ጽቡቕን እዩ ማለት ኣይኮነን። እቲ ሓሳብ ዓብዩ ኣብ ፍረ እንተበጺሑ ክሃስየኒ እዩ ዝብል ኣካል ዘስምዖ ዘይጥዑይን መባህረርን ድምጺ እውን ኣሎ። ካብ እንዳ ህግደፍ ብረቂቕ ጸረር ዝብል ድምጺ’ውን ኣሎ። ንእገለ ኣዳህሊሎም ናብ ከምዚ ሃገር ክወስድዎ እዮም፡ ኣብዚ ቦታዚ ክእከቡ እዮም … ወዘተ ዝብሉ። ንኣብነት ኣብዚ እዋንዚ ደንበ ተቓውሞና ብገዛእ ሃገሩን ህዝቡን ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ክእከብ ኣይክእልን። ከምኡ እንተዘይከውን ከዓ ኣብ ዓዲ ጓና ኣይመነበርናን። ኣብ ሱዳን’ውን ከምኡ እቲ መንግስቲ ንግዜኡ ምስ ህግደፍ ስለ ዘሻረወ። ናብ ዝኾነ ሃገር ኤውሮጳ ከይዱ ክእከብ ኣኽእሎ ዘየብሉ፡ ግና ድማ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶ ኣካል’ውን ኣሎ። ኣብ ከምዚ ኩነታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገሩ ኣኼባ ንክካየድ ቅሩብ ኣብ ዝኾነሉ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምእካብከ ሓጥያት እዩ ምባል፡ ሓቀኛ ትሕዝቶኡ “ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ተኣኪብኩም ኣይትዛረቡ” ካብ ምዃን ሓሊፉ እንታይ ትርጉም ክህልዎ ይኽእል? ስለምንታይከ ቀንዲ ኣቓልቦና ኣብ ክንዲ ናብ ቦታ ኣኼባ፡ ናብ ትሕዝቶ ኣኼባ ዘይከውን። እዚ እዩ ድማ ተተኣከብካ ወዮ ተዘይተኣከብካ ወዮ ዘብል።

09 ነሃሰ 2014

Last modified on Tuesday, 12 August 2014 16:20