ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ደሴ ኣትዮም

2021-08-13 12:47:38 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1061 times

11 ነሓሰ 2021

ካርታ

ብምኽንያት እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ እናተስፋፈሐ ዝመጽእ ዘሎ ኲናት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ ዝሃደሙ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ ኣብ ከተማ ደሴ ኣዕቊቦም ከም ዘለዉ ከንቲባ እታ ከተማ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ቅድም ክብል ኣስታት 4500 ዝኾኑ ነበርቲ ካብ'ቲ ኲናት ይካየደሉ ዘሎ ከባብታት ሰሜን ወሎ ናብ ደሴ ኣትዮም ከም ዝጸንሑ ዘዘኻኸረ እቲ ከንቲባ፡ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ድማ ብዙሓት ተመዛበልቲ ናብታ ከተማ ሃዲሞም ምምጸኦም ከንቲባ ኣበበ ገ/መስቀል ገሊጹ።

"ካብ ከባብታት መርሳ፣ ወልድያን ውርጌሳን ብዙሕ ሰብ እናመጽአ እዩ። ንሱ እናፈለና ናብ መዕረፊ ቦታ ንወስዶ ኣለና። ብዝሒ እቲ ተመዛባሊ ምፍላጥ ኣጸጋሚ'ኳ እንተኾነ፡ ካብ 10 ክሳብ 15 ሽሕ ዝግመት ህዝቢ ናብታ ከተማ ኣትዩ" ኢሉ።

ብሰንኪ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብፍላይ ድማ ኣብ ሰሜን ወሎ ዘሎ ወተሃደራዊ ጎንጺ፡ ሰባት ንድሕንነቶም ብምስጋእ ናብ ከተማ ደሴ ይኣትዉ ምህላዎም ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ንድሕንነቱ ክንብል ስሙ ዘይንጸርሖ ሓደ መምህር፡ ምስ ሸውዓተ ኣባላት ስድርኡ ካብ ወልደያ ተመዛቢሎም ኣብ ከተማ ደሴ ተዓቂቦም ከም ዝርከቡ ተዛሪቡ።

እቲ መምህር ከም ዝብሎ፡ ቅድም ክብል ስድርኡ ካብ ወልድያ ናብ ደሴ ዘግዐዘ ኾይኑ፡ንሱ ድማ ካብ ወልድያ ናብ ደሴ ከም ዝኣተወ ይዛረብ።

"ኲናት ፈሪሕና ኢና ሃዲምና መጺእና። ደሴ ካብ ዓቅማ ንላዕሊ ሰብ እያ ሒዛ ዘላ። ህዝቢ ወልድያ ተገልቢጡ ኣብ ደሴ እዩ ዓሪፉ ዘሎ ምባል ይከኣል" ብምባል ኣብታ ከተማ ብዙሕ ካብ ወልድያ ዝመጽአ ሰብ ከም ዘሎ ይዛረብ።

ምስ ውሑዳት ሰባት ካብ ወልድያ ተልዒሎም ክሳዕ ውጫሌ ብእግርን ብባጃጅን ምስ ተጉዓዙ፡ ካብ ውጫሌ ብሚኒባስ ተሳፊሮም ናብ ደሴ ምእታዎም እቲ መምህር ይዛረብ።

ከንቲባ ከተማ ደሴ ኣቶ ኣበበ ገ/መስቀል፡ ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎ ህዝቢ ናብ ደሴ ዝኣቲ ዘሎ ብምዃኑ፡ ብሕቶ እቲ ህዝቢ ሰዓት እቶ እቶ ምእዋጁ ወሲኹ ሓቢሩ።

ካብቲ ምምሕዳር እታ ከተማ ፍቓድ ካብ ዝተዋህቦም ሓይልታት ወጻኢ፡ ካብ ምሸት ክልተ ሰዓት ጀሚሩ ዝኾነ ምንቅስቓስ ተኸልኪሉ ተባሂሉ።

ወሲኹ ድማ፡ ስርዓት ዘይብሎም ሰብ ተሽከርከርቲ [ባጃጅ] ገበናት ከይሰርሑ፡ ናይቶም ተሽከርከርቲ ምንቅስቓስ ክሳብ ሰዓት 12 ናይ ምሸት ተገዲቡ ተባሂሉ።

እቲ ከንቲባ፡ እቲ ህዝቢ ኲናት ፈሪሑ እዩ ናብ ደሴ ዝመዛበል ዘሎ ምስ በለ፡ ንተመዛበልቲ ኣድላይ ድጋፍ ይግበረሎም ከም ዘሎ ገሊጹ።

ወቕቲ ክረምቲ ብምዃኑን ትምህርቲ ዕጽው ስለ ዝኾነን ድማ፡ ተመዛበልቲ ኣብ ሽድሽተ ኣብያተ ትምህርቲ ኣዕሪፎም ከም ዘለዉ ወሲኹ ሓቢሩ።

ድልውነት ምክልኻል ሓደጋ፣ ኣመራርሓ ሰሜን ወሎን ነባሪ እታ ከተማን ንተመዛበልቲ ድጋፍ ይገብር ከም ዘሎ'ውን ሓቢሩ።

ብደረጃ ቀበሌን ክፍለከተማን ኮሚቴ ተጣይሹ ነቶም ተመዛበልቲ ንምድጋፍ ምድላዋት ይግበር ከም ዘሎ'ውን ከንቲባ ኣበበ ወሲኹ ተዛሪቡ።

Source=ኢትዮጵያ፡ ካብ ሰሜን ወሎ ዝተመዛበሉ ብኣሸሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ ደሴ ኣትዮም - BBC News ትግርኛ

Last modified on Friday, 13 August 2021 14:50